Post più popolari

Sunday, 11 August 2013

ምስሳልን ጥበራን ተዃሉ።

          ምስሳልን ጥበራን ተዃሉ።
ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕብባ ጥበራን ምምሳልን ናይ ተዃሉ ክትነግሮም ከለኻ "ከመይ ኢሎም ከምዚ ይገብሩ"ኢሎም ይግረሙ።መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ኩሉ ሓቂ ጥራይ ክዛረብ ዘለዎ ጌሮም ይወስድዎ።ሰጣን ንጎይታ ክፍትኖ ከሎ እኳ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቅስታት እናጠቐሰ ይፍትኖ ከም ዝነበረ ክዝንጋዕ ኣይግባእን(ማቴ4፡1-11)።ሃዋርያ ጳውሎስ"ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት ፡ዝጥብሩን ዓየይቲ ።ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዘምስሉ ኢዮም።ሰጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል ኢዩ እሞ፡እዚ ኣየገርምን ኢዩ።
ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ዓብዪ ነገር ኣይኮነን።መወዳእትኦም ግና ከም ግብሮም ክኸውን ኢዩ።"ዝበለሉ ምኽንያት ድማ ንሱ ኢዩ(2ይቆረ11፡13-15)ሰጣን ን መልኣኽ ብርሃን ።ሓዋርያት ሓሶት ድማ ንሃዋርያት ሓቂ ክመስሉ ይኽእሉ እንተ ኾይኖም።ናይ ሎሚ ናይ ስሕተት ሃዋርያት ደኣ ናይ ጎይታ መሲሎም ከታልሉ ዘይክእሊሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?።ስለዚ ሰጣን ብዉዲቱ ክብለጸልና ኣይንሓደጎ(2ይ ቆሮ2፡11)ብብዙሕ ዞኣይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ድማ ኣይንስሓት።(እብ13፡9)  
እቲ ንዓኻ ከዕሽወካ ዘምጽኦ ወንጌል እንበኣር ነዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመስል  ዘይሊለ ሓሶት ኢዩ።ንሱ ክነግረካ ኣበይ ነረ ኢኻ ትብል ህድእ ኢልካ ርእስኻ ኣብ ጸሎት ገርካ ምስ ትምርምሮ ግን ብፍላይ ድሕሪ ነዊሕ ካልእ ምኻኑ ትግንዘብ።ቀልጢፉ ኣየቅሕመካን ኢዩ።ቀስ ብቀስ ድሕሪ ብዙሕ ምልሚማድ ከይተረደኣካ ብምልሚማድ ግዳዩ ይገብረካ።ስለዚ ኩሉ ግዜ ጥንቁቓት ክንከውን ኣለና ከም ቃል መምህርና።

No comments: