Post più popolari

Sunday, 11 August 2013

ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብያ እንሕለወሉ ብቑዕ ምኽንያት ድማ ንሕና ኢና።


ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብያ እንሕለወሉ ብቑዕ 

ምኽንያት ድማ ንሕና ኢና።
ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብያ እንሕለወሉ ብቑዕ ምኽንያት ድማ ንሕና ኢና።ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢልና ዘይኮነስ ምእንቲ ርእስና ኢና ክንጥንቀቕ ።ናይዚ ዘለናዮ ዘመን መንፈሳዊ ወለዶ’ውን ነቲ ኣብ ዘመን ኤርምያስ ዝነበረ ወለዶ ኢዩ ዝመስል።”እግዚኣብሄር ይምለኸሉ ኢዩ”።ናብ ዝበሃል ኣደራሻት ከም ውሑጅ ይውሕዝ።ቦታ ንምሓዝ ይቀዳደም፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢሉ ይጎዪ።
ዘምር ወይ ጸልይ ክበሃል ከሎ ቀልቡ ክሳዕ ዝስሕት ይጭድር።ኣብ ጉባኤታት የማነ ጸጋም ይላኻዕ።እንተ ኾነ ነቲ ጥንታዊ ነብያትን ሃዋርያትን ዝነደቕዎ ክርስቶስ ዝሰረቶ መንገዲ ግን ክመላለሰሉ ኣይፈቱን ኢዩ።ዘመናውያን ብዝኾኑ።ንርእሶም ሃዋርያት ብዘምስሉ ሰባት ዝተሰነዐ፡ነቲ ጥንታዊ ጽብቕ ጎደና ዝመስል።
ብዓይኒ ሓቂ ግን ናይቲ ዝተደርበየ ጥንታዊ ተመን መንገዲ ተሓንጺጹ ብዘይ ምምርማር።”እቲ ጽቡቕን ጥንታዉን ጎደናታት ኣየናይ ኢዩ?።ኢሉ ሰኣን ምሕታቱ ኣብቲ እምኒ መዓንቀፊ እናወደቀ ይስበር ኣሎ።ኣብ መወዳእታ እቲ እምኒ እቲ ምስ ወደቖ ከኣ ክጭፍለቅ ኢዩ።ሎሚ”ንዓ እዚ እትከዶ ዘለኻ መንገዲ ቅኑዕ ኣይኮነን”።ዝብል ድምጺ ወይ ጽሑፍ እንተ ሰሚዑ ካብ ኣድሂቡ ሓቲቱ ዝመሃር ብቐንዱ ።”እምቢ ኣየድህብን ኣይመላለሰሉን”ምባል ኣብ ዝቐሎ ትውልዲ ማእከል  ንነብር ኣሎና።
ቀሺ ዶግቶር ተኽልኣብ መንግስተኣብ

No comments: