Post più popolari

Thursday, 15 August 2013

እቲ ንክርስቲና ከጥፍእ ዝሕልን ታሪኽ ዘይንበበ ፈጻሚ ትንቢት ጥራሕ ኢዩ!።

እቲ ንክርስቲና ከጥፍእ ዝሕልን ታሪኽ ዘይንበበ ፈጻሚ ትንቢት ጥራሕ ኢዩ!።

ቤተ ክርስቲያን  ኩሉ ግዜ ኣላ ንሳ ክሳዕ ዘላ ድማ ኩሉ ግዜ ጸላእታ ኣለዉ።
ግንከ ንሶም ደኣ ይሓልፉ እንበር ንሳስ ኣይትሓልፍን ንሳ ርእሳ ክርስቶስ ደቃ ድማ ካብ ዘይጠፋኢ፡ዘርኢ ክርስቶስ  ስለዝኾኑ ቀጻሊት ኢያ።ብዙሕ ግዜ ቤተ ክርስቲያን ጸገም ከጓንፋ ከሎ ከም ስጋ ለበስ ይስመዓና ኢዩ።ብፍላይ ድማ ኣብ ንደኽመሉን ርእሲ ዓቅሚና ዝኾነ ፈተና ከጓኒፈና ከሎን። ስለምንታይ ኣምላኽ ዘይረድኣና ወይ ስለምንታይ ፈተና ይመጸና ኢልና ንሓስብ ኢና።እዚ ግን ብ መሰረቱ ገይጋ ሓሳብ ኢዩ።


ቤተ ክርስቲያን ፈተና ዝሓድጋ ስርሓ ምስ ትሓድግ ምስ ትዓሉ ጥራሕ ኢዩ።ኣብ መሐለዊኣ እንተ ሃልያ ግን ፈተና መከራ ኣለዋ። ህዝባ ድማ ብ ሃልሃልታ ሓዊ ኢዩ ክሓልፍ ዘለዎ። 
እቶም ንቤተ ክርስቲያን ክድምሲሱዋ ዝሓስቡ ድማ ነዚ ስለ ዘይተረድኡ ኢዮም ዘይሰምር ተስፋታ ዝስመዖም።ቤተ ክርስቲያን ከቃጽሉ ምሉእ ክርስቲና ዘቃጸአሉ ዪመስሎም።ደቃ ክሓርዱ ድማ ቁጽሪ ክርስቲያን ዝወሓደ ይመስሎም።ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ሰባት ኣብ ምድሪ ክነብሩ ኣለዎም ኣይነብሩን ዘይኮነስ ብክርስቶስ ኣሚኖም ዶ ኣይኣመኑንን ዝብል ጥራሕ ኢዩ ዕላማኣ።ንሕና መንግስተ ኣምላኽ ዝኣትዉ ሰባት ምፍራይ ጥራሕ ኢዩ ራኢና።እቶም ጸላእቲና ግን ዋላ ብስጋ እውን ኣይሓስቡን።ታሪኽ ኣየንበቡን።ቤተ ክርስቲያን ቢቡዙሕ ፈተና ኢያ ሓሊፋ። ጋና እውን ብሃልሃልታ ሓዊ ክትሓልፍ ኢያ።ደቃ እውን ከምኡ ።ንሕና ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጎሃና ኢና ንሕጎስ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ይብለና።(1ይጴጥ1፡6-7)
እስከ እንበኣር ገለ ካብቲ ሰፊሕን ውቅያኖስን ዝኾነ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ገለ ጥቅስ ከነብል። ካብ ኣህዛብ ወገን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ስቓይን ስደትን ዝኣወጀን ናይ ብዙሓት ክርስቲያናት ሕይወት ዘሕለፈን ኔሮን ቄሳር ኢዩ።(57-68) ንክርስቲያናት ብዘይ ፍርዲ ብጭካነ ንብዙሓት ክርስቲያናት ጨፍጨፎም።
ኣብዚ ግዜ ኢዮም ድማ እቶም ብኽብሪ ንዝክሮም ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ብሰማዕትነት ዝዓረፉ።
ኔሮን ቄሳር  ንገሊኦም ሰየፎም ንጌሊኦም ድማ ብሓዊ ኣቃጸሎም።ንገሊኦም ድማ ናብ ማሕደር ኣናብስ ደርበዮም ንገሊኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ከም ሽነማ ተጻወተሎም።
ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ኣብ ካሊእ ዝነበሩ ክርስቲያን ምስ ኣሕዋቶም ናይ ሰማእትነት ጽዋዕ ምእንቲ ክቅበሉ ከካብ ዘለዉዎ ተኣኪቦም ኣብ ሃይማኖትም ዘለዎም ፍቅሪ  ብሰማእትነት ገለጹ።
እቶም ገሊኦም ካብ ሞት ዝተረፉ'ውን ከምናቶም ከየጋጥመና ከይበሉ ናይቶም ብግፍዒ ዝሓለፉ ኣዕጽምቲ ኣሕዋቶም ኣኪቦም ኣብ በዓቲታት (ካታ-ኮምን) የቀምጥዎ ነበሩ።
ናይ መከራ ዘመን ክሳብ ዝሓልፍ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቦታ ካታ ካምፕ በዓቲታት ኢዩ ዝነበረ።ኔሮን ምስ ሞተ እውን ኣብ(78ዓ/ም )ብድሕሪኡ ሓደ ክልተ ቄሳራት ብተኻታታሊ እንተነገሱ እኳ እቲ ኣብ ክርስስቲያን ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ግን ኩሉ ሓደ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ 70 ዓ/ም ዝነገሰ"ቬስፓስታ" ንክርስቲያን ዝነበሮ ጽልኢ ካብ ኔሮን ንላዕሊ ዝነበሮ ጽልኢ እኳ እንተ ዘይሓሸ ብዙሕ ህልቂት ግን ኣይፈጸመን።ካብ(66-70) ፍልስጥኤማውያን ንናጽነአት ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ ጥጦስ ብ 70 ዓ/ም ን ኢየሩሳለም ነቲ ዝዓበየ ናይ ኣይሁድ ቤተ መቕደስ ደምሲሱ ነቲ ቃልሲ ደምደሞ።በዚ መሠረት ክርስቲያን ካብ ኢየሩሳሌም ወጺኦም ናብታ ኣብ ማኦዶ ዮርዳኖስ እትርከብ "ፔላ" ሰፈሩ።
ብድሕሪ እዚ ናይ ክርስቲያን መበገሲ መበገሲ ኢየሩሳሌም ምዃን ተረፈ  ሮምን እዛ ህጂ ካብ ምብራቅ ከጥፍእዋ እስላማውያን ኣኽረርቲ ከይደቀሱ ዝሓድርሩላ ዘለዉ። እስክንድርያን ኣንጾኪያን ኣብ ክንድኡ ተተክአ።ካብ መጀመርታ ክሳብ 70 ዓ/ም።እዚ ዘበን እዚ ዘበነ ሃዋርያት ይበሃል።ብድሕሪ ዘመነ ሓዋርያት ዘሎ ካብ(70-160ዓ/ም) ድሕሪ ዘመነ ሃዋርያት ዝመጹ ኣርድእት እውን ካብ ሃዋርያት ዝተቀበሊዎ እምነት ንምኽታል ሰማእትነት ተቐቢሎም'ዮም።
ካብዞም ኣቦታት ሓደ "በርናባስ ቀሌምንጦስ፡ዘሮም፡ፓሊካርፓስ፡ኤርማ፡ፓፒያስን፡ኣግናጥዮስ ምጥዉ ለኣንበሳን ዝርከብዎም ኢዮም ዝነበሩ።ቤተ ክርስቲያና እኮ በዚ ኢያ ሓሊፋ።ምንቅስቃስ እስላማውያን ድማ ነዚ መስፈር እዚ  ኢዩ ዝትክእ ዘሎ።
ድሕሪ ኔሮን ቄሳር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ብዙሕ ሥቅያት ብምፍጣር ዝፍለጥ ሓዉ ድምጥያኖስ ኢዩ።(81-96 ዓ/ም) ብህይወቱ ከሎ ምእንቲ ክምለኽ ምስሉ ሲኢሉ ናብታ ኣብ ንእሽቶትይ ኤስያ እትርከብ ኤፌሶን ለኣኸ።ዘይተነግረ እንበር ዘይተሰሞዐ የሎን።እዚ ዘበን ንሱ ዝነበረሉ ዘበነ ሰማእታት ይበሃል።ወይ ድማ ብኻልእ ኣዘራርባ ዘመነ ስደተ ቤተ ክርስቲያን ይበሃል።ኣብዚ ዘበን እዚ ዝወረደ ግፍዕን መከራን ፈተናን ዘይምዝራቡ ይሓይሽ!!!።
ነገስታት ሮም ንእምነት ክርስቲና ኣይሁድ ን መንግስቲ ሮም ንም ንምፍራስ ኢዮም ምሂዞም ኢሎም ይጥርጥሩ ነበሩ። ናይ ክርስቲና ትምህርቲ ነቲ ናይ ሮም ነገስታት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ስርዓተ ኣምልኾን ሕግን ብግልጺ ስለ ተቃወሞ ድማ የመሳሲልዎ ነበሩ እምነት ክርስቲና ድማ ንትእዛዝ ሮም  ተቃወሞ።
ክርስቲያናት ቤተ ክርስቲያን መምሪሒኣ መሠረት ኣምላኽ ኢዩ ንሱ ጥራሕ'ዩ ድማ ንምቕታልን ንምድሓንን ዝኽእል ንዕኡ ክትሰግዱን ከተምልኹን ይግባእ።

እዚ ንስኹም ንዕንጨይትን ምስልን እምንን እንሲሳታትን እትሰግዱዎን ንነገስታት'ውን እትገብሩዎ ስግደትን ገይጋ ኢዩ በሊዎም።እዚ ገይጋ ኣምልኾ ኢዩ ኢሎም ይምህሩ ስለ ነበሩ።በዚ ግዜ እዚ ኣብ መንጎ ክርስቲያናትን ነገሥታትን ህልኽ ዘምጽእ ባእሲ ተፈጥረ።ናይ ሮም ነገስታት ብሕይወት ከለኹ ይምለኹን ይስገደሎምን ነይሮም ምስ ሞቱ ድማ ምስሎምን ሓወልቶምን ይምለኽን ይስገድሉን ስለዝነበሩ ክርስቲያናት ከኣ ነዚ ደው ኢሎም ይቃወሙዎን እምቢ ይብሉ ስለነበሩ፡ ነዚ ከምዚ ህጂ ዘይኮነ ተመሳሲልካን ኢድ ፖሎቲከኛታት ሊሒስካንሲ ደው ኢሎም ይቃወሙዎ ስለ ዝነበሩ ናይቲ ባእሲ ቀንዲ ምኽንያት ኮነ።
ኣብዚ ዘበን እዚ ዘጽልእ ዘመን ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ክርስቲያናት ከም እንሲሳ ተሓሪዶም ተሰቂሎም።ንናይ ክርስቲያናት ህልቂት ከምዚ" ህጂ ኣላህ ዋእክበር" እንዳበሉ ሰብ ክመውት ዝስሕቁዎ ዘለዉን ቄሳራት ሮም ድማ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ይዘቡዎም ነበሩ። ኣብ ክዛናግዕሉ ዝደለዩ ግዜ ንክርስቲያናት ብምምጻእ ምስ ኣናብስ እንዳ ኣባኣሱ  እንዳኣቃለሱ ይዛናግዑ ነበሩ።ካብ ህይወት ክርስቲያን ህይወት እንሲሳ ይከበር ነበረ።
ኣብ (161-180 ዓ/ም )  ዝነገሱ ንጉስ ተደኣ ነይርሩ  ፍላስፋ ንጉስ ማርቆስ ኢዩ ዝነበረ። ፊላስፋ ንጉስ ማርቆስ ኣብሪሊዮን ኢዩ።"ክርስቲያናት ኣናዓዓብትን ጽሉላኣትን ኢዮም" ድማ ይብል ነበረ።ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ቄሳር ኮምዶስ ግን ብፍልይ ዝበለ ጥበብ ንክርስቲያን ንምጥፋእ ውጥን ነበሮ።ክኾነሉ ግን ኣይከኣለን።ክንደይ ኢዮም እሞ ክበሃሉ ንክርስቲና ከጥፍኡ ዘይተበገሱ፡ከምኒ እስክንድሮስ ሳዊሮስ(222-235)ፍሊጶስ ዓረባዊ(244-249) ወዘተረፈ ን ክርስቲያን ከም ሰብ ከይርኣዩዎምን እንዳ ኣሳቀይዎምን ኢዮም ሓሊፎም።ቄሳራት ን ቤተ ክርስቲያን ካብ ምድሪ ንምድምሳስ ብምሉእ ሓይሎም ዘይተጠቀሙዎ ጥበብን መገድን ኣይነበረን ተኾነ ኣይተኻእሎምን።ሓለፉ ደኣ ቤተ ክርስቲያን ግን ትነብር ኣለና እንሄና እኳ ንሕና ንሕና ምስ ሓለፍና ድማ ኣምላኽ ካልኦት ከምጽእ ኢዩ እምነት ክርስቲና ግን ኣየቃርጽን ኢዩ።ኣብ ምድሪ ጥራህ ዘይኮነስ እንኮላይ ኣብ ሰማይ ክቅጽል ኢዩ።እዛ ዓለም ምስ ኣብቀዐት ከማን።
ከምኡ እውን ንጉስ ዳክዮስ( ኣብ 249-251ዓ/ም) ካሊእ ሜላ ኢዩ ሒዙ ተቀልቂሉ።እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ምልእቲ መግዛእቲ ሮም፡ ኩሉ ሰብ ብሓፈሻ ነቶም መንግስተ ሮም ብናይ ሮም ባህሊ መሰረት ሕጋዊ ኢሉ ዝተቀበለቶም ነገስታት።ውን ዘምልኹዎምን ዝነበሩ ጣዖታት ብግዴታ ከምልኹን መባእ ከቕርቡን"ዝብል ሕጊ ኢዩ ዘውጽአ። እቶም ደቂ ክርስቶስ ዝኾኑ ክርስቲያናት ግን ነቲ ሮም ንብዙሓ ዓመታት እትኽተሎ ዝነበረት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘፍርስ ኣዋጅ እንትርፎ ክጥሕስዎ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።

በዚ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ሮም ቆልዓ ሰበይቲ መንእሰይ ሽማግለ ከይፈለየ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሮም ዝነበሩ ክርስቲያናት ኣሳቃቒ ዝኾነ ናይ ሞት መቕጻኦቲ ኣዘዘ።ብዙሓት'ውን ብኣሰቃቂ መንገዲ ሰማእትነት ተቀበሉ።እንሆ ዳክዮስ ድማ ከም ኩሎም ኣረማውያን ኣቦታቱ ሰብ ኮይኑ ዘይመውት ስለ ዘየሎ ሞተ።ክርስቲና ግን ኣይሞተን ቀጸለ ደኣ ።ከምኡ እውን ከምእኒ ቄሳራት ጋሊልዮን፡(251-253)ቫሌሪያን(ኣብ 253-259) ኣሌሪያን(270-275) ነበሩ።ብዙሕን ተመሳሳልን መከራን ስቃን ፈተነን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት ድማ ኣውረዱ ግን ከ ቤተ ክርስቲያን ቀጸለት ድማ።እታ ክርስቶስ ዘኣውሲስተኣ መን ኢዩ እሞ ክዓግታ።
ብድሕሪኡ  መሪር ህልቂትን መከራን ስደትን ጥፍኣትን ዘውረደ ዲዮቅልጥያኖስ ኢዩ ዝነበረ።ድዮቅልጥያኖስ ካብ ተራ ስድራ ዝተወልደ ኮይኑ ብዘርኣዮ ጅግንነት ብ 285 ዓ/ም ናይ ሮም ገዛኢ ኮነ።ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘዘንትዎ ከም ድዮቅልጥያኖስ ጌሩ ንክርስቲያናት ካብ ምድሪ ንክድምስስን ከጥፍእን ዝፈተነ ኣይነበረን።ድዮቅልጥያኖስ ክርስቲያንት ዝጸልኣሉ ምኽንያት ።ነቲ ድዮቅልጥያኖስ ምስሉ ሰሪሑ ንኽMለኽ ዝሰደዶ ብምቅዋሞምን ፡ሰራዊቱ ንፋርስ ክወሩ ስም ከዱ ኣብኡ ተሳዕሩ።ሽዑ ድዮቅልጥያኖስ ንካህናት ጣኦኦት ተሓተቶም ፡"ክርስቲያናት ኣብ ሰራዊትካ ስለዘለዉ ኢዩ ተሳዒርካ በሊዎ"።
በዚ ድማ ንኹሎም ክርስቲያናት ካብ ሰራዊቱ ኣውጺእኡ ንክርስቲያን ሃዲኑ ዘጥፍእ ጸረ  ክርስቲያን ትካል ኣቆመ።በዚ መሠረት ካብ መጋቢት 3030 ዓ/ም ጀሚሩ ንዘይተወሰን ግዜ ኣብ መላእ ናይ ሮም ግዝኣት ዝርከቡ ክርስቲያናት ኩሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ክርሸኑ ኣዘዘ።ኣብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ ኣብያተ ጣኦኦታት ይከፈታ ተባህለ።ቤተ ክርስቲያን ሰብ ዝሰርሓ ሰብ ከፍርሳ ዝኽእል ስለዝኾነት ክትዓኑ ኣለዋ በለ።ክርስቲያናት ኣብ ነንሕድህዶም ከይራኸቡ ኣወጀ።

እንታይ እሞ ክበሃል ክትገልጾ ኣጸጋሚ ቤተ ክርስቲያን ቅድሜኡ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ህልቂትን ጥፍኣትን ሞትን ርኣየት!። 

 ንሱ እቲ ንጉስ ብዛዕባ ናይ ክርስቲና ሃይማኖት ዝዛረቡ መጻሕፍቲ  ክቃጸሉ ኣወጀ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኩሉ ንብረት ክውረስ ኣወጀ።
,ዝኾነ ናይ ሮም ዜጋ ክርስቲያን ተኾይኑ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ክሰርሕ ኣይፍቀድን። ይሰርሕ ተጸኒሑ ድማ ክስጎግ ኣለዎ ኢሉ ኣወጀ።

ባራዩ'ውን ክርስቲና እንተተቐቢሎም ነጻ ናይ ምውጻእ መሰል የብሎምን በለ።
ክርስቲያን ዋላ ሕጋዊ ምኽንያት ይሃልዎም ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክሲ ከቅርቡን ስለ መሰሎም ክጣበቁን መሰል የብሎምን በለ።
ድሕሪኡ ግን ኣብ ዘበን ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ኣብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ይከፈታ ኢሉ ብምእዋጁ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ 300 ዓመታት ኻብ ርኡይ ዝኾነ ፈተናን መከራን ኣዕረፈት።በዚ ኢዩ እኮ ተሓሊፉ ድሮ 2000 ዓመታት ኣሕሊፍና። ንዓና ጎይታ ኢሉና ኢዩ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ኢኹም ኢሉና ኢዩ።ስለዚ ዋላ ዓለም ዝገበረት ትግበር በፍጹም ኢዩ ክንጠፍእ ዘንኽእል።ንሕና ብህያው ንዘልኣለም ብዚነብር ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮናን ከም ብሓድሽ ዝተወለድና።(1ይጰጥ1፡22-23)(1pe1:22-23)።
ዋላኳ ንስጋና ተቀተሉ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ግን ከጥፍእዎ ኣይኽእሉን ኢዮም።ህጂ እውን ዝሰራሕናዮ ቤተ ክርስቲያን ከፍርስዎ ይኽእሉ ኢዮም።

ዲዮቅልጥያኖስ እውን ኣፍሪሱን ኣቃጺሉን።ግን ኣለና ብሓይሉ።ህጂ እውን ነቲ ብእምኒ ዝነደቅናዮ ቤተ ክርስቲያና ከፍርስዎ ከቃጽልዎ ይኽእሉ ኢዮም፡ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዘቃጽል እንበር ዘይቃጸል ተደልዩ ዘፍርስ  ተደልዩ ከኣ ዝሃንጽ እንበር ዘይፈርስ መንፈ ግን ኣይክኣሎምን ኢዩ።ንብርረና ክወስዱዎ ይክእሉ ኢዮም እምነትና ግን ኣይረኽብዎን ኢዮም።ንሱ ኣብ ውሽጥና ኢዩ ዝነብር ናይቲ ኣብ ውሽጢና ሓዲሩ ዘሎ ኣምላኽ ድማ ኢና ንሕና።

ንዓና ክቀትሉና ይኽእሉ ኢዮም ነፍስና ግን ኣይከኣሎምን ልዕሊ ዓቅሞም ኢዩ።(ማቴ10፡28)(mat10:28)ንዕና ዝወገኣልና ኣምላኽና ጥራሕ ኢዩ ካብ ማንም ንፈርሖ ነገር የሎን።(ዘዳ3፡22)(deu3፡22) ንስጋና ደኣ እንበር ኣብ ካሊእና ዋላ ሓንቲ ዓቅሚ የብሎምን።(ሉቃ12፡4)(luk12፡4)እዚ ኣብ ልዕሊ እታ ጥንታዊት ኣደ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱን ዝወርድ ዘሎን ግፍዒ ዋላኳ ከም ሰባት ከም ስጋ ለበስ ተሰንበደና ከም ዝመጽእስ ንፈልጥ ነርና ኢና።ጋና እውን ክቅጽል ኢዩ ኣብኡ ይኹን ኣብ ኹሉ ቤተ ክርስቲያን ዘላቶ።ሓንቲ ነገር ንፈልጥ ኣብ እምነት ክርስቲና ኣብ ክርስቶስ ክሳዕ ዘለና ሰጣን ካብ ምውጋእና ከም ዘየዕርፍ ሓደ ነገር ድማ ኣርጊጽና ንፈልጥ ዋላኳ ተተዋግኣና እንስዕር ግን ንሕና ኢና።መንፈስና  ኣምላኽ ኢዩ ዝስዕር።ስለምንታይሲ ትንቢት ክፍጸም ስለ ዘለዎ።ንሶም ቦም ክቀብሩ ንሕና ግን ከምኡ ኣይንገብርን ኢና ደቂ መሓሪ ክርስቶስ ስለዝኾና።ንሕና ጭማራ ጎልያድ ኣይንሕዝን፡ንሕና ሒዝናዮ ዘለና ኢያርኮ ዘፍርስ ኣምላኽ ደኣ ኢዩ ንሱ ኢዩ ትምክሕቲና።ብህይኮት ዘይኮነ ናይ ህድኣት መንፈስ ኢዩ ንሕና ዘለና።
ንሕና ስቅ ክንብል ኢና ኣምላኽና ግን ስቅ ኣይክብልን ኢዩ።ንሕና ዋላ ሓንቲ እምኒ እኳ ትኹን ክንድርቢ ኣይፍቀደልናን ኢዩ ግንከ ጾርና ዝጸውር ሓቀኛ ኣምላኽ ኣሎና።ንሕና ንዛረቦ ነቲ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ጥራሕ ኢዩ። 

ብሓቂ ድማ ኣይንስነፍን እቲ ጉዳይ ጉዳይ ኣምላኽን ሓያላትን ደኣ እንበር ጉዳይና ኣይኮነን ንሕናስ ንዕኡ ጥራሕ ኢና ንጠርዕ።ንሱ እቲ ዝሞተልና ስለና ስቅ ኣይክብን ኢዩ።(ኢሳ62፡1)Iሳ62፡1)ንሱ ኢዩ ሕነና ዝፈድየልና(ኢሳ65፡6-7)ጥራሕ ክርስቲያን መስቀሉ ከልዕል ኣለዎ።ናብ መስቀል ንምድያብ ክንህከ የብልናን።ምኽንይት ገለ ገለ ዋጋ የብሉን።ዘለና ግዜ ን ኣምላኽ ንምግልጋልን ቃሉ ንምንጋርን ክኸውን ኣለዎ። እምነትና ከነጽንዕን ኣብ እምነትና ንዝዝመጸና ብጽጾሎት ደው ኢልና ክንምክቶን ኣሎና።ጾሎት ኢዩ ኣጽዋርና ከመይ ቅልስና ምስ ሕልቅነት መናፍስቲ ኣብ ሰማያት እንበር ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
"ኦ እግዚኦ ኣድኅን ህዝብከ ወባርክ ርስተከ ረዓዮሙ ወኣልዕሎሙ እስከ ለዓልም"ኦ ጎይታ ህዝብኻ ኣድኅን ርስቲኻ ባርኽ ንዘለኣለም ሓልዎምን ኣዕብዮምን
እግዚኣብሄር ቤተ ክርስቲያኑ ይሓሉ ኣሜን!።
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
fathermusieshishay@gmail.com
etiqalsgakone@gmail.com

No comments: