2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።

2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5። ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ( ዮሐ2፡5 ) እስከ ንሕሰብ እዚ ኩሉ ዝተባህለሉ ድሮ ብ ታሪኹ ፈሊጥኩሞ ከም ዘለኹም፡ ተረዲኡኒ ኣሎ።ድሮ እኳ ንገሊእኩም ፍቅሩ ፡ይሽልብበኩም ከም ዘሎ ድሮ ተረዲኡኒ ኣሎ።ገሊእኩም እውን ድሮ ሃልሃልታ ፍቅሩ የሙቆኩምን ከም ዘሎ ተረዲኡኒ ኣሎ።እረ ክንደይ ብኣሰር ዘይርከብ መገዱ፡ወዳጄ ፡መዓሙቕ፡ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ኢልካ ዝተነግረሉስ መን ኢዩ>።(ሮሜ11፡33)??።፡ከመይ ገርና ተገለጽናዮ ይሓይሽ ነዚ፡ፉሉይ።ሓንቲ ቃልን ክንጥቀም ንደሊ እሞ እታ ሓንቲ ኸኣ ከይትተርፈና ንፈርሕ።እታ ነቅርባ ቃል እውን ንዕኡ ትገልጽ ፡ትበቅዕ ኾይና ኣይትስመዓናን።ግን ኩሎም ክብሩ ኣዘንተዉ። መልኣኽታት፡(ጦቢት፡12፡17-18) (ሉቃ1።31)፡ነበያት፡(ኢሳ7፡14)(ኢሳ53፡2)(ዘሁ24፡17) ሃዋርያት ፡(ግብ10፡42)(1ይ ቆሮ 1።23)(2ይ ቆሮ10፡16) ክንደይ እሞ ክበሃል ኩሎም ግን ንርእሶም ከም ግዙኣት ኩሉ ምእንትኡ ፡ንዕኡ ግን ከም ጎይታ ገይሮም ንዕኡ ሰበኹ።መላእኽቲ ከይተረፉ ንሱ ኢዩ ልኢኹኒ፡ኣነ ባዕለይ ኣይኮንኩን ናባኹም መጺአ፡መዝሙር ምስጋና ዝመሩሉ፡ክምስገን ዝግበኦ ንሱ በይኑ ኢዩ፡ኢሎም ክብሪ ሃቡዎ።(ጦቢት12፡18-)፡ ካብቶም ብዛዕባኡ ዝመስከሩስ ብዛዕባኡ ክንምስክር ደኣ ጸዉዑና እንበር፡ብዛዕበኦም ክንምስክርሲ ነፍሶም ኣብ ቅድመኡ ዘይትበቅዕ ገይሮም ስለ ዝረኣዩዋ፡ሓንቲ ቃል እካ ትኹን ንዓይ መስኪሩለይ ኢሎም ኣይሰበኹን።”በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ን ኣመንቲ ዜድሕን፡ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘለና” በሉ።(1ይጢሞ4፡10)፡ቅዱሳን ም...