Post più popolari

Saturday 11 August 2012

2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,።


2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,።
                                                        ብ/ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
ቀዳሞት ሃወርያት ነዚ ስልጣን እዚ ብምንባር የእዳውን ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስን ናባና ኣሕለፉዎ፡እታ ብምንባር የእዳው እትወሃብ ስልጣነ ክህነት ንማንም ሰብ ኣይትወሃብን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ን ተመሃርዩ 2ይጢሞ2፡2 ብዝበሎ ትወሃብ፡በዛ ምገዲ እዚኣ ዘይመጸ ግን ክህነቱ ኣይንሓስባን ኢና።ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ብስጋ ተላዒሎም ከም ስምኦን ን መንፈስ ቅዱስ ዝፈታተን ስራሕ ክሰርሑ ስለ ዝክእሉ!።
 ጥምቀት ብ ማንም ሰብ ትወሃብ ኢያ፡ ኢልና እውን ኣይንኣምንን፡እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ነሩ እዩ፡ዝኾነ ምቅባል መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ምንባር የእዳዊ እቶም ሃወርያት ከም ዘይመሓላለፍ  ስምኦን ንባዕሉ ከም ዘስተውዓለ ኣብ ግሃ 8፡18-19 ንርኢ።ንሱ ተሪኢና ነቲ ብምንባር የእዳው ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ መታን ክረክብ ብገንዘብ ክገዝኦ እዩ፡ሓሊኑ፡ኣይኮነሉን፡ስለዚ ዝኾነ ነገር መንፈስ ቅዱስ ክሓብሮ ተኾይኑ ግድን ናይ ሃወርያት ወይ ድማ ናይቶም ብምንባር የእዳው ሃወርያት ዝተሸሙ (ዝተመዘዙ)ሕጋውያን ካህናት እዩ ክህልዎ ዘለዎ።ናይ ሎሚ ግን ነቲ ብምንባር የእዳዊ ዝርከብ ሃወርያውነት ብ ቀይደበተኽ ማንም ሰብ ኢዱ ከይነብረሎም ኣብ ኣዳራሻት ጓሶት ኢና ኢሎም ክእውጁን ን ሰባት ናይ ሓሶት ቃል ኪዳንን ናይ ሓሶት ጥምቀትን ክህቡ ይርኣዩ በዚ ይገርመና ! ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ።
ካልእ ንሕና ንጥምቀት ካብተን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ገይርና ኢና ንኣምን፡እዚ ኸኣ እቲ ካህን ክጽሊ ከሎ፡ እቲ ታራ ማይ በእምሮ ሰብ ብዘይ ይብጻሕ መገዲ፡ ናብ ኣመናዊ ማይ ክቅየር ስለዘይንሪኦን ዘይንበጽሖን እዩ።ከምኡ እውን፡ ስለ ዝቅየር እዩ።ከምኡ እውን ንሕና በእምሮ ስጋ ክንገልጾ ዘይንኽእል ነቲ ሰብ ከነጠምቆ ከለና፡ ብቅጽበት ንሕና ብዘይንርእዮ እቲ ሰብ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ይውለድ ኢልና ኢና ንኣምን፡መንፈስ ቅዱስ ይወርዶ ፡ኣብ ካልእ ግን ከምኣ ኣይኮነትን።
ንሕና ንጥምቀት ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ብምጥላቅ ኢና ንፍጽማ።
ንህጻናት ድማ ኣብ እምነት ወለዶም ተሞርኲስና ነጥምቖም፡ስለምንታይ ኢና ነጠምቆም ንዝብል ድማ ማንም ሰብ ክውለድ ከሎ ሒዝዎ ዝውለድ ነፍሳውን ስጋውን ሞት ኣሎ፡ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ድማ ይበሃል ፡ማንም ሰብ ሓጢኣት ይግበር ኣይግበር ግድን ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ኣለዎ ።ሮሜ5፡14 “ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩ’ውን ሰልጠነ፡”,,።
እታ ካብ ኣዳም ዘተመሓላለፈት መርገም፡ማለት( ዘፍ2፡17)” ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ዝተኣዘዛ እሞ ፡ኣዳም ግን ብምጥሓስ ዝፈጸማ ምርጫ ሞት፡ናብ ኩሎም ደቂ ኣዳም እያ እትሓልፍ ።ኹሉም ድማ ግድነት ይኸውን ክመቱ ህጻናት ይኹኑ ዓበይቲ  ካብ መንፈስ ቅዱስ ተዘይ ተወሊዶም በታ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸት ሞት።ይቅጽል,,,,,
 etiqalsgakone@gmail.com

Tuesday 7 August 2012

1ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!?።


                 1ይ ክፋል 
        ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!?።
                            ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

ቃል ኣምላኽ ኩቡር እዩ እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት እዚ በቶም ዘይኣመንትን ዘይፈልጡን ንነፍሶም ከም ሓጢኣተኛታት ዝሓስቡዋ ዘይኮነስ በቶም ንነፍሶም ጻድቃን ዝሰምዩዋ ንኻልእ ግን ብሓጥያት ዝሓምዩን ዝፈርዱን ናይ ዘበና መማህራን ከቢድ ግፍዕን ምግሃስን ኣብ ቃል ኣምላኽ ይካየድ ኣሎ !።
ሓንቲ ካብኣተን እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኣብ ልዕለኣ ዝግበር ግህሰትን ንዓኣ ንምጥዋይ ዝግበር ጥበባትን እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን ግን ን ቃል ኣምላኽ መን ይምክቶ ከቶ ዘይምከት ዘይምለኽ ንኹሉ ደኣ ዝመልኽ ሓያል ናይቲ ሓያል ዝኾነ ቃል ቃል ኣምላኽና።(ኤፈ4፡5)
እዚ ዝህቦ ርእይቶይ ን ኣምላኽ ንምሕጋስ ደኣ እንበር ነዚ ናተይ ቤተ ክርስትያን ሓቀኛ ገርካ  ንምቅራብ ሓሊነ ከምዘይኮንኩ ኩሉ ክርድኣኒ ብትሕትና ይሓትት!፡እንታይ ደኣ ሰብ እንዳ ጠፍአ ስቅ ኢልካ ክትርኢ ከለኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታትነት ስለ ዘምጸአልና እንበር ።
ህዝቅኤል3፡18 ኣነ ነቲ ረሲኣ፡ሞት ክትመውት ኢኻ፡ምስ በልኩዋ፡እንተ ዘይመዓድካዮ፡ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን ፡እንተ ዘይተዛሪብካዮን፡እንተ ዘይመዓድካዮንሲ ፡እቲ ረሲእ ብ ሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ፡ዝብል ኣምላክ ሓታቲ ስለ ዘሎና!።
ጥምቀት ሓንቲ ካብተን ሰብ ንኽድሕን ክፍጽመን ዘለዎ  ኣገደስቲ ስርዓታት ኣምላኽ እያ።ሎሚ እውን ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ምስጢረ ጥምቀት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ ከምኡ ተኾይኑ ን በይኑ መጽሓፍ እዩ ከድልየኒ ፡ግን ናይ ሎሚ ናብታ መሪጸያ ዘለኹ ስለምንታይ (2) ክልተ ግዜ ጥምቀት የድልየኒ!!?? ዝብል ቃል ኣርእስቲ ብምግባር እንበር ክዛረብ፡መሪጸ ኣለኹ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት መንእሰያት ክልተ ግዜ ይጥመቁ ኣለዉ።ስለምንታይ ግን ቃል ኣምላኽ  ሓደ ጎይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት እንዳ በለ !?።
 ካብቲ ዝቀርብ ሕቶ ድማ” ስለምንታይ ኢኹም ንህጻናት ኦርቶዶክስ ኣቅሽቲ ተጠምቁ” ዝብል እዩ።ብዙሕ ግዜ ብዙሓት ሰባት ሓቲቶም ንዝሓተቱና ብዛዕባ እምነትና ክንገልጽ ባህ እዩ ዝብለና።መልሰይ ነቶም ዝሓቱኒ ወይ ኩሉ ግዜ ብግሊ ረኺብኩም ጸሓፈልና ዝበልኩምኒ ከምዚ እዩ ። ንሕና መጀመርታ ጥምቀት ኣብ ቤተ ክርስትያና እግዚኣብሔር ይመስገን ብ ማንም ሰብ ኣይትወሃብን እያ!፡ ኣብ ጥምቀት ኮነ ካልእ ዕዮ ኣምላኽ ንኹሉ ብፍርሓት ኣምላኽ ኢና ነካይዶ፡ንሱ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያና ሰብ ኣየጠምቅን እዩ።ጥምቀት ኣባና ብ ሕጋዊ በቲ ብምስግጋር ብምንባር የእዳው  ሃዋርያት ተባሪኹ ዝመጸ ካህን እያ ትወሃብ።ይቅጽል,,,,,::
etiqalsgakone@gmail.com

ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???።


             ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???።
                                    ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
ኣብዝ ሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ብዛዕባ ኣማላድነት  ዘለኒ መልሲ ክህቦም ብዙሓት ሓቲቶምኒ ብምድንጓየይ ድማ ይቅረታ ይሓትት፡ብ መስረተ ቃል ኣምላኽ ግን ህጂ ነገረ ኣማላድነት ክጽሕፍ ባህ ይብለኒ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ድማ ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ን ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኢ ኦርቶዶክሳውን ኢ መጽሓፍ ቅዱሳውን ክምህሩን ይርኣዩ።ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡ ከይትስጎግ ሽምካ ከይጽልም ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ኣማላድነት ን ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም ፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ን ኣምላጅነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ፡ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣምላጅነት ዘይምርዳእ እዩ ግን እቲ ጸገም።ግን እስከ  ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ??፡ህድእ ኢልና ብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርኣዮ ካብ ስምዒት ወጺእና።ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ ተወከስኪሎም መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ከምኡ እውን ገለ ቅዱሳን መጻሕፍትን እዮም።
ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ፡?? ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኣማላጅነት ዘለዋ ኣረኣእያ  ከመይ ይመስል ክንርኢ ክንፍትን ኢና።
(2) ክልተ ዓይነት ዝተፋላለየ ምምላድ ኣሎ።
1ይ. ምምላድ ክርስቶስ
2ይ. ምምላድ ቅዱሳን
መቸስ መጽሓፍ ቅዱስ ዳኛና እዩ።ከምኡ እውን መሰረትን ማእከልን እምነትና እዩ።ምስኡ ዝጋጮ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝመጸ ዋላ መልኣኽ እውን ገላ1፡8 ከይንቅበል ድማ እዙዛት ኢና።ሃወርያት ድማ ካብዚ ዝመሃሩና ወጻኢ ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ከይንምህር ብ ውግዘት ኣጠንቂቆምና እዮም ገላ 1፡6።
ገለ ገለ ክርስትያናት ብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወይ ብ መላእኽቲ  ወይ ብቅዱሳን ዝኣመሰለ ፡ኣይቅበሉን እዮም።ነዚ ዝምርኮሱሉ ከኣ እቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣበሃህላ ሐዋርያ ዮሐንስ እዩ።ጠበቃ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ  እቲ ጻድቅ እዩ።1ይ ዮሐንስ 2፡1 ከምኡ እውን እቲ  ‘ማለት፡ኣምላኽ ሓደ እዩ። እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ ‘ውን እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ በይኑ እዩ’’።1ይጢሞ 2፡5።ዝብል ቃል ሓዋርያ ጳውሎስ እዩ።
ብሓቂ ኣብ መንጎ ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳንን ዓቢይ መሠረታዊ ፍልልይ ኣሎ። ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ተበጃውነት ምምላድ እዩ።
ናይ ቅዱሳን ምምላድ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ።
ማልት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ንተበጃውነትና፡ ኣብ ክንዳና ዋጋ ሓጢኣት ዝኸፈለ ገይሩ ንሕድገት ሓጢኣትና ይማልድ።ምምላድ ጎይታ ልክዕ ከም፡ ጸብጻብ ሓጢኣቶም ሕደገሎም ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ክንድኦም እቲ ኣበሳ ጸርኩ” ዝብል እዩ።ኢሳ53፡6
በዚ ኸኣ ከም መንጎኛ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ይቀውም።ንሱ እቲ ሓደ መንጎኛ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝቖመ እዩ። ካብ ሓጢኣቶም ንኽብጀዎም፡ምእንትኦም ስለዝሞተ ፡ነቦ ኣብቲ ኣምላኻዊ ፍርዲ መሰሉ ሂቡ ፡ንሰብ ድማ ሕድገት ኣውሃቦ።
ሓዋርያ ቅዱስ የሐንስ እዚ ትርጉም ማለት እዩ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ኣሎ፡ ጠበቃ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጸድቕ እዩ።ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቂ እዩ።ብ ናይ ሓጢኣት ኩላ ዓለም ድማ እዩ እምበር ብ ናይ ሓጢኣት ጥራይ ኣይኮነን።1ይዮሐንስ 2፡1-2።ይብለና መቸስ ነዚ ቃሉ ብዘይ ስምዒት ክንቅበሎ ተስፋ ይገብር ስለምንታይ ምርዳእ ደኣ እንበር ስምዒት ዋጋ የብሉን እዩ። ስለዚ ነዚ ቃል ከም ቃሉ ክንጥቀመሉ ኣሎና።
ኣብዚ እምበኣር እታ ናይ ተበጃውነት ምምላድ ብርህ ዝበለት ትመስል።ንሳ ነቲ ዝሓጥአ ሰብ ምምላድ እያ።’ሓደ ምስ ዝሓጥእ ‘’’ እቲ ዝሓጥእ እዚ ተበጃውነት የድልዮ።በጃ ማለት እዩ።በጃና ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።ብዙሓት ሰባት ግን ን ገለ ፍጡራን በጃይ በጃና ክብሉ ዝጽውዑ ዝሰማዕኩዎም ኣለዉ።ገለ እውን ዝብጀዉ በጃ ዝገብሩ ኣባግዕ ሓሪዶም በጃ ገይረሉ ገይረላ ዝብሉ ኣለዉ እዚ ጸርፊ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ እዩ፡ብሓቂ እዚ ገይጋ ዘይኮነስ ክሕደት እውን እዩ።
ንነፍስና በጃኣ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።ንሱ ኣብ ኣብ መስቀል በጃ ኩላትና ደሙ ኣፍሰሰ ክሳዕ ሞት ተኣዘዘ።ስለዚ በጃና ምባል ን ሰባት ተቋረጹዎ ሂወት ዘውህቦም ይመስለኒ። እቲ ሓደ በይኑ ነዚ ተበጃውነት ዘቅረበ ኸኣ ፡ንሱ እቲ ብጹእ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።ስለዚ ኸኣ በቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ኣብ  ክንዳና ምምላድ ዝኽእል እዩ።ይቅጽል,,,,።ተኸታተል ክሳዕ መወዳእታ ተዘይ ኣንቢብካዮ ዘይክርድኣካ ይኽእል እዩ።
etiqalsgakone@gmail.com