Post più popolari

Thursday 31 May 2012

ኣነ እሞ መን እየ !!!::


ኣነ እሞ መን እየ!!!::
ብስምካ ክበጽሓኒ በደል
ኣብ ልዕለይ ክፈሓስ ናይ እኩያት ተንኮል
ኣብ ኩሉ ነገረይ ብስርሖም ላሕ ክብል
ልቢ ኮለኒ ቀይሮምኒ ጽሉል
ግን ብስምካ እዚ ዝበጽሓንስ ዕልል ደኣ ዕልል
ስለ ዝበጽሓኒ ናይ ቅዱሳን ዕድል
                           እግዚኣብሄርየ ኣነ እሞ መን እየ
                           ክነብር ገርካኒ ንብዓተይ እንዳ ዛረየ
                            ልዑል ቅብኣት መጺኡኒ ዝተፈልየ
                            ክነብር መሪጸ ካብ ሰረቅቲ ክብርኻ ተፈልየ
                            ካብ ጣዕሚ እዛ ዓለም እዚኣስ መከራኻ ሓርየ
                           በቃ ሕራይ ክበረለይ ክእዘዝ ድሉው እየ
                           ብምስጋናኻ ዓቅሉ ከጽቢበሉ ነቲ እኩይ ከየብረየ
 ኣነ እሞ መን እየ!!!
 ኣነ እሞ መን እየ ምሕረትካ በዚሑለይ
ክትከብር መሪጽካ ብኣይ ኣታ ልዑለይ
ክፍጸም ጀሚሩ ኩሉ ትራእየይ
ክሳዓሩ ጀሚሮም ኩሎም እቶም ደለይተይ
ክነብዑ ጀሚሮም ኩሎም ቶም መንባዕተይ
ኣነስ መን እየ ነዚ ዝርኣያ የዒንተይ
                               ምልክት ካብ ገበርካለይ ንኹሉ ከም ዝስዕር\
                              እዝኒ ኣይህቦን እየ ናይቲ እኩይ ገዓር
                              ናይቲ ዝተረፈ እውን የብለይን ምጥርጣር
                             ከይተፈጸመ ጥራሕ ክዝምር ክጭፍር
                             ክብለካ ኣየ ኣታ ፈቃር ዘይተሕፍር
                               ኣነ ግን መን እየ ዝኹሉ ትገብር
ከመይ ዓይነት ዕጫ ዝኹሉ ገርካዮ
ኣብ ማእከል ጉባኤስ ንሓቂኻ ተኣሚነዮ
ስመይ ተቀይሩ ጊደዎን ገርካዮ
የሩብ በዓል ኮይነ ንጣዓት ኣፍሪሰዮ
ይኣክል ጣዓት ኢለስ ብዓውታ ኣፍሪሰዮ
ኣነስ መን እየ ኾን ኣሻብ በጺሐዮ
                         ምሁራት ኣይጸዋዕካን ክቡራት ካብ ኩሉ
                        ንዓይ ጸዊዕካኒ ድራር ዕለት ዘይብሉ
                  ጉድለተይ ክትምልእ እስኻ ክትከብረሉ
                 ሳሚኤል ትጽውዕ ኤሊ ከሎ ባዕሉ
                   ትእዛዝ ትህበኒ ንጉስ ክቀብኣሉ
                  ኣነ እሞ መን እየ ኣታ ርእሲ ኹሉ
ን ጣዖታት ዘዕኑ ጊደዎን ገርካኒ
ሕቶይ መሊስካዮ የለን ዝኸብደኒ
ኣይትመውትን ኢኻ ኢልካስ ምልክት ሂብካኒ
ኣነ ግን መን እየ ክንድዚ ገሪሙኒ
ኣብ ልበይ ክትግለጽ ስምካ ክትነግረኒ
ምርኮኻ ክመልስ ኣጆኻ ትብለኒ
                            ኣነ እሞ መን እየ ዝኹሉ ኮይኑለይ
                           ዘይግለጽ ዕበት ዘለካ ኸኣላይ
                          ከመይ ዓይነት ዕድል ክትጽውዕ ነዓይ
                          ሕልመይ ኣግሂድካዮ ተመስገን እንበአኣረይ
                            ካልእ የብለይን እሳ እያ እታ ዓቅመይ
ኣነ ግን መን እየ እስኻ ተኽብረኒ
በል ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ካብ ከበርኩስ ይኣኽለኒ
ብጣዕሚ እየ ዘመስግን ኣታ ዘይተጓኒ
ኣነ እውን ምሳኽ መስጎግቲ ይሕሸኒ
ኣይደልን ንስኻ ዘይብሉ ምስ ሓጥኣን ጢዒሙኒ
ቅልካ ዘይፍጸሞ ውሽጠይ ዝወቅሰኒ
ኣብትካ ደኣ ሓላዊ ደገ ምኻን ኣነስ ይሕሸኒ
ንሱ እዮም ቅዱሳን ኣቦታተይ ዘውረሱኒ
                           ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com

1ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???።


1ይ ክፋል 17  ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝመላለስ ኣይወሓደን ካብ ዘገልግል እውን ኣይወሓደን  ግን ን ነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ፡ትዘሕዝን ድማ ዕበት ኣምላኽን ዕበት ሰብን ከይፈለኹዎ ይነብር ነይረ፡ ብዙሓት ሰባት ተለዊጥና ክብሉ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሰምዕ ግን መብዛሕቲኡ እቲ ዝመጸንስ ካብ ኣንጻረይ ደቂ ሃይማኖት ብምኻኑ ይኣምን ኣይነበርኩን።ይገርመኒ ድማ ነይሩ ፡ዋእ ኣነ ዝስዕቦ ሃይማኖት እቲ ሓቀኛ ካብ ዓለም ስለምንታይ ግን ኣነ ዘይልወጥ።መዓልታዊ ሕቶይ እዩ ዝነበረ፡ግን  እቲ ጸገም ኣብ ሃይማኖተይ ዘይኮነ ነይሩስ ኣባይ እዩ፡ምኽንያት ዘይምልዋጠይ።
ተቃዳዲመ ክገብሮ ዘለኒ ነቲ ኣብ ኩሉ ገዛ ዝርከብ መጽሓፍ ቅዱሱ ምንባብ እዩ ዝነበረ፡ከም ሓደ ካብቶም ዘይተለወጥኩ ምኻነይ  ክፈልጦም ዘይከኣልኩሉ ምኽንያታት ድማ እቲ ን ሂወትካ ክትሪኤሉ ዘኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየንበብኩዎ እዩ ነሩ።ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሕ ግዜ ብተፈላለዩ መንፈሳዊ ሕማማት ተጥእቂዐ ጸኒሐ።ስም ኣምላኽ ስለ ቃል ኣምላኽ እዝን ከምዝን ክብሉ ከለዉ ግዜይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ዘሕልፎም ብዛዕባ ነፍሰይን ዕዮይን ክማጻረ ግዜ ይሓልፈኒ ነሩ፡ዘይምልዋጥ ክሓስም።
በእምሮኻ ከም ብሓድሽ ዘይምውላድ ክሓስም፡ ዘይምሕዳስ ክሓስም፡ግን ክጎዓዝ ነይሩኒ ስለምንታይሲ ምኽኣል ደኣለይ ሲኢነዮ እንበር ክልወጥሲ ኣይጸላእኩን ።ሰባት ክጸርፉኒ ክምልሽ፡ ክካታዕ፡ ናተይ ዝኾነ ነገር ጥራሕ ብሉጽ ገይረ ከቅርብ፡ ነቶም ኣንጻር እምነተይ ዝኾኑ ኸኣ ንኹሎም ክረግም፡ክሰጉግ፡ ክፈርድ፡ክጸርፍ፡ ክዝልፍ፡ ከነኣእስ፡ ግዜይ ሓሊፉ፡ በቃ ዘገርም ን ኣምላኽ ደኣ እዩ ዘሕዝን ንነይሩ እንኮላይ ነቶም ኣምላኽ ዝተገለጸሎምን  እንበር ፡እዚ ንዓይ ክርስትና እዩ ዝነበረ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ከምቶም መይቶም እዮም ዝብሎም ሙዉት እየ ዝነበርኩ።ዘገርም ነገር ግን ከይከንኩዎ ከለኹ ጹቡቅ ጸርፊ ይጽረፍ ነይረ፡መስኪናይ ኣነ ተመስገን ኢለ ክንዲ ዝቅበሎም ኣሜን ክንዲ ምባል እቲ ኣምላኽ ዘይበጽሖ ልበይ ነዚ ከይቅበል ይሕንግድ ነይሩ።
ህጂ ኣነ ባዶ እየ እወ ናብ ባዶ እውን ኣይተሳጋገርኩን ዘለኹ፡ እንታይ እሞ ንቁጽሪ ዘይበጽሐ ሰብ እየ፡ ግን ብሰብ ኣገልጋሊ መምህር ወይ ኣምላኽ ተባሂለ ክጽዋዕ ግዜ ይሓልፍ እዩ ዘሎ።ስለ ዘይተለወጥኩ ዝነበርኩ ድማ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝንግበር ጸለመ ብሓጎስ ኣይተቀበልኩዎ ነይረስለምንታይ ኣነ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝመጻእኩ ሰብ ከኽብረኒ ይመስለኒ ስለ ነበረ።ኣይተረዳኣንን ናይ ሃወርያት ሂወት ብ ቀንዱ ድማ ናይቲ ዘፍቀረኒ፡ናይ ጎይቶት ጎይታ ናይ ኣምላኽቲ ኣምላኽ ፍቁረይ የሱስ ክርስቶስ፡እቲ ንሂወተይ ዘፍቀረ እቲ ከም ሰብ ዝቆጸረኒ እቲ ሰብ ዝነዓቆ ዝክር።ካብ ሓመድ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር  ራእይ ዮሐንስ 5:5 ካብ ነገደ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ።
 ብዙሕ ዜማ ይፈቱ ግን ኣይደፍእን እየ መጻሕፍቲ ግን ሃሰስ እየ ዝብሎም፡ተረኺበዮም ከንቢቦም ኣሎኒ።በዚ ግዜ ድቃሰይ ሓጺር ጥራሕ እየ ዝድቅስ።ግን እቲ ዘገርም ነታ መወዳእታ ሂወተይ ዘዕረፈት ታሪኸይ ክትቅይር ሕያሊ ዘለዋ ክብርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገልጋሊ ክንሰይ ከም መሕለፊ ግዜ እየ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ከምኡ እውን ጥቅሲታት ንኽሕዝ፡ኣብ ቅድሚ ሰባት ሊቅ ንኽበሃል፡ን ተጻረርተይ የሰንፋ እየን ዝበልኩወን ጥቅሲታት ካብተን ብቅድመሚ ኩሉ ዝተመሃርኩወን እየን ነረን፡መስኪናይ ኣነ ንባዕለይ ከይተለወጥኩስ ሰብ ክልውጥ።ንኽብረይ ክብል ዝቀተልኩዎ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ እዩ  ህጂ የጣዕሰኒ፡ሎሚ ን ዓይ ኣይኮንኩን ክነብር መሪጸ ዘለኹ ካብዛ ዝጽሕፈላ ሰዓት ን ኣምላኽ እንበር።ናይ ቅዱሳን ገድሊ ካብቶም ዝፈትዎም መጻሕፍቲ ክኸውን ከሎ እቲ ኩሉ ኣብኦም ዝበጽሐ ክትሓልፎ ዘይከኣል ከቢድ መከራ ግን ብ ዘይኣመንቲ ጥራሕ ብ ኣረሚ ዝበጽሖም እዩ ዝመስለኒ ነበረ ለካ ግን ዓይነይ እዩ ተሸፊኑ ነይሩ እንበር ሰጣንሲ በቶም ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ግን ዘይተለወጠ ሂወት ሒዞም ዝነብሩ ገይሩ ዝጥቀሞ ይበዝሕ።
ሓደ ግዜ ይፍለጠኒ ንሓደ ሰብ ስመይ ኣጸሊምካኒ ኢለ ሒዘዮ ነይረ ፡ስለምንታይ ትካሰሱ ንዝብል ድማ  ዘቅርቦም ነበርኩ ናይ ጥበራ ትቅሲታት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ እኮ ክሳዕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሳር ይግባይ ኢሉ ይብል ነይረ፡ዘይምልዋጥ ክሓስም፡ ግን ህጂ እውን እቲ ናብ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ፍርቂ ኮይነ ክቀርብ ዝደልየኒ ሰጣን  ወዮም ልኡኻቱ ለኣኸለይ ደኣ ከም ኣመሉ ሉኡኽ ሆየ ተረጊጹ ስመይ ብ ኸማይ ዝበሉ ክጽልም ገበሮ፡ እዋይ ሓሪቀ፡ ህጂ እውን ካብ መመኽነይታ ኣይረሓቅኩን፡ እሞ ሰባት ሓቂ መሲልዎም ክዕንቀፉ ትምህርተይ ክፍንፍንዎ ብምባል ይሽገር ነረ ነጢ ዕዮ ምላኽሲ ያኢ ኣነ ልዕሊ ኣምላኽ ተሸጊረሉ ናይ ሰብ ርእሲ ክንእስ። ክሕዞ ኣለኒ ኢለ ክብገስ ከለኹ፡ምሳይ መኪና ገሩ ሒዙኒ ዝኸይድ ነበረ ዲያቆን ኣቦየ ናበይ ኢኹም በለኒ እሞ፡ስቅ ደኣ በል ኣብ እዚኣ ኣሎ ሓደ ሓሳዊ ሽመይ ዘጸለመ ከፍሽሎ እየ ኢለ ክዛረብ ዝሰምዓኒ ገረሞ እሞ፡ዋእ ስለምንታይ ግን ኣነ ሓቀና እየ ክትብሉ ድዩ ኣምላኽ ጸዊዕኩም ሓቅነት ኣምላኽ ክትነግሩ ዶ ኣይኮነን።ብሓውሲ ፍርሒ ግን ሰሓቅ ሞተ፡ ዘይምልዋጥ ክሓስም ዋላ በቶም ይዓብዮም እየ ኢልካ ትሓስቦም እውን ከም ትሰሕቅ ይገብረካ።,,,,, ይቅጽል።
etiqalsgakone@gmail.com

Monday 28 May 2012

ኣሎኻ ረዳእየይ


                     ኣሎኻ ረዳእየይ
ብዝሪኦ ሓይሊ ኣይርበሽን
ብ ታህዲድ ጸላእተይ ኣይስንብድን
ህጅስ ረኺበካየ  ድሕሪት ኣይምለስን
ትማልን ሎምን ንስኻ ኢኻ ግድን
ኣሎኻ ረዳኢየይ ኣነስ ኣይፈርሕን

ኣብ ዙርያይ ተመልኡ እቶም ዝጸልኡኒ
ውዲት ተፈሓሱ  ዋላ ከጥፍኡኒ
ኣነስ ክነብር እየ ንስኻ  ኣሎኻኒ
ክውድሰካ እየ ኣይቅሰን ጨቋኒ
ንስኻ ከለኻስ መን እሞ የፍርሓኒ

ትምሊ እኳ ሓሊፈዮ ትኹሉ መሰናኽል
ርእየካ እንድየ ምዃንካ ተኽእል
ን ሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ባሪኽካ ተዕንግል
ብዓለባ ሳሬት ፍቁርካ ትኽውል
ንዓኻ ሕጀስ ከመይ ገረሞ ይሻቀል
ክስዕበካ እየ ዓለም ዝበለት ትበል

                          ትሰራቂ ክብሪ ንሓሶት ኣቦኣ
                        ክንደይ ዘይጸዓረ ሂወተይ ከጥፍኣ
                         ግን ከ ብሳላ ምሕረትካ እንሆለት ወጺኣ
                        ህጅውን ተንቃዕርር ናባኻ ክትረድኣ
                          ትዕቡይ ብማንትጉ ከይወግኣ
                        ፍቱወይ ኢየሱሰይ ንስኻ ኢኻ ተስፍኣ
                        ክሳዕ ትሽይብ እኳ ኣይትፈለ ካብኣ

ኣሎኒ እኮ ትዝታ ሕሉፍ ምንባሕ እቲ እኩይ
ብኹሉ ከዕንቅፍ ወንጌልካ ከይዓይይ
ብዘይካኻ መን ዶ ነይሩኒ እዩ ዓወተይ
ብኹሉ ክነብሑ ሕሱማት ደለይተይ
ንስኻ እንዲኻ ነበርካ ረዲኤተይ
ህጂ እውን ናባኻ የፍስሶ ኩሉ ትንብዓተይ
ናብ ላዕሊ ናባኻ ይጥምታ የዒንተይ
ኣብ ጭልፋኻ ክትእክቦ ንኹሉ ንብዓተይ
ከም ሕሉፍ ታሪኽካ ክትከውን ረዲአተይ
                      ቀሺ ሙሴ                                             
                         etiqalsgakone@gmail.cim 

ቓል ስጋ ዀነ

                        ቓል ስጋ ዀነ

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ1:1-14
                         
፩ - ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።፪ - እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።፫ - ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን::ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።፭ - ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።፮ - ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ።
፯ - ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።፰ - ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።፱ - እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።፲ - ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን።
፲፩ - ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።፲፪ -ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰልሀቦም።፲፫ - ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።፲፬ - እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
             etiqalsgakone@gmail.com