Post più popolari

Thursday 28 June 2012

ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽርነትካ::


       ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽርነትካ::

ጽወዐኻ ፍለጥ ሰማያዊ ዕድል

ውሉድነትካ ኣይትሽጥ ን ረብሓ ክትብል

ሓወይ ተጠንቀቅ ንዝሓልፍ ክትብል

ዘይ ሓልፍ ከይትኸስር መርገም ከይትቅበል

                              ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽሩነትካ

                             ሸለል ኣይትበሎ መሰል ዉሉድነትካ

                          ን ኣምላኽ ኣይተግህዮ ምስ ዓለም ወጊንካ

                           ኢየሱስ እዩ ዝሞተ ስለኻ እሱ ይሕሸካ

                           ሓቂ ሓዝ ክሕጎስ እቲ ዝሞተልካ

ሰማይ ይኹን መዝገብካ  ሰባት ኣብዘይረኽብዎ

ወገን ሓሶት ኣይትኹን ን ሓቂ ኣይተዕንዎ

ንግብሪ ኣምላኽካ ብ ክፋእ ኣይተዕንዎ

ነቲ ኣምላኽ ዝሞተሉ ሓውኻ ኣይተናሽዎ

ይርኢ እዩ ዘሎ ንንብዓቱ ኣምላኽ የጻናትዎ

                     ብኸምኡ ዝረኸብካዮ ናይ ክርስቶስ ድሕነት

                      ሸለል ኣይትበሎ ሓወይ ከይትሕተት                                                      

                      ይኣክል ቀልድኻ  ጽባሕ ከይትሕተት

                     ሕብኡኒ ከይትብሎም ናይ ምድሪ ፍጡራት

                       ምስ መጸ ብሓይሉ ትገባሪ ተኣምራት

                        ቃሉ ንምሑንኳል ኣይምሰልካ ብልሓት

                     ተጠቀመሉ ህጂ ተመለስ ትናይ ኣምላኽ ምሕረት

ኣበይሎ ክርስትናኻ ምልክት መለለይኻ

ብምንታይ ትመስሎ ነቲ ዝሞተልካ

መንዩ ዓጊቱኻ ኣንጻር ፈጣሪኻ ገይሩካ

ካብ ን ወንጌል ኣምላኽሲ ኮንትነት ኣምሪጽኳ

ተመለስ ሓወይ ህጅስ ይኣኽለካ

ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽርነትካ

ሓላፊት እያ ዓለም ሓቂ ከይመስለካ

                               ኣበይ ኣሎ

                   ኣበይ ኣሎ ዕላመትካ ን ዘመሳስለካ ን ክርስቶስ

                       ንስካ ትቅልድ ን ኣገልገልቱ ትኸስስ

                   ስቀሎ ጥራሕ ድምጽኻ ብ ምውጋእ ሓውኻ እትሕጎስ

                      ኣብ ጸለመ ትውዕል ን ሓሶት ከተንግስ

                          ብልሒ መሲሉካ ምስ ፈጣሪ ቅልስ

                           ቦኽርነትካ ኣይትሽጥ በጃኻ ተመለስ

                        ዋጋ ተኸፊሉካ እዩ ንጹህ ደም ኢየሱስ

ኣይኹን መኽሰብካ ናይዛ ዓለም ክብረት

ጽቡቅ ምርጫ ሕረ ናይ ዘልኣለም ክብረት

ጽባሕ ከይትኽደን ናይ ዘልኣለም ሕፍረት

ቦኽርነትካ ኣይትሽጥ በይንኻ ኣይትሃውትት

ምድሓን የለን ፍጹም ብዘይ ወዲ ዳዊት

ብልሒ ኣይምሰልካ ትሑሉፍ ዕሽነት

መገድካ መርምር ምስ መገዲ ሃዋርያት

ዘየለካ ከይትኸውን ኣብ መገዲ ሂወት

                      ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
                       ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
                 etiqalsgakone@gmail.com

Wednesday 20 June 2012

ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም!!!።


                             ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
            ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም!!!።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና  ብዙሕ ሂወት ዝህብ ጥቅስታትን መልአኽቲታትን ይርከብ በዚ ድማ እዮም ኩሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣመንቲ ከምኡ ኣንበብቲ ዘይመንዉዎ። ከምኡ እውን ኩሉ ግዜ ሓድሽ መልአኽቲ ዝረኽብሉ፡ን ሎሚ ክንዛረበላ ደሊና ዘለና ግን ነታ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘላ ወንጌል ማቴዎስ 7:20:እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። እትብል ጥቅሲ እያ።እዛ ጥቅሲ እዚኣ ብዙሕ ሓሳባት ዝሓዘት ክትከውን ከላ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዋ መልእኽቲ ድማ እያ።ኮይኑ ግን ነዛ ጥቅሲ እዚኣ እቶም ብ ፍሪኦም ኣለሊኻ ክትርሕቆም ዝግባእ መማህራን ሓሶት ክጥቀሙላን ክሽቅጡላን ስለ ዝረኣዩ ነቲ ዘለዋ ክብደት የፍክሶ ፡ እዞም መጻሕፍቶም ክጓሓፍ ዝግበኦም መማህራን ሓሶት ገለ ዘራእቲ ክርዳድን ዘራእቲ ካልእ ወንጌልን 2 ቆሮንቶስ 11:4 ክጥቀሙላ ከለዉ መኣዝና ስሒታ መሳርሒ ኮይና ትርከባ።
ቃል ኣምላኽ ን ሓደ ኣገልጋሊ ድዩ ቤተ ክርስትያን ብፍሪኡ ክንፈልጦ ከም እንኽእል ይዛረብ፡ጎይታ ንሱ ጉንዲ ወይኒ ምዃኑ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦኡ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ዮሐንስ 15፡1-2።ጉንዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ካብ ፈለጥና እቲ ፈረ ኸኣ ፈረ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን እዩ።ኣብነት ተሪኢና ሃዋርያት ፈረ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዮም።ግን ንፍረ ክትፈልጥ ከ እንታይ ክትገብር ኣለካ??፡።ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ፍረ ብዙሕ ግዜ ተዛሪቡ ይርከብ፡ፍረ ተባሂሉ ዘሎ ግን ኣየናይ ፍረ እዩ፡ቀጺሉ እውን ወንጌል ማቴዎስ 7:16:ብ ፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ። ይብል ።እዚ ማለት ከ እንታይ እዩ።
ካብቲ ዘገርም ገለ ሰባት ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሩን ዝሰብኩን መማህራን ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም ኢሎም ክጻረፉ ምርኣየይ እዩ።ኣብ ልዕሊ እዛ ጥቅሲ ተገብረ ግህሰት ኣገሪሙኒ፡ንሳቶም እኳ ነዛ ትቅሲ ጠውዮም ኣብ መዓልኦም ከውዕልዋ  ተፈተኑ ግን እታ ፍረ እትብልሲ ቅድሚ ምውጻእና ንሕና ኸ ካበየናይ ፍረ ኢና ኢልና ንሂወትና ምሕታትሲ ኣይምሓሸንዶ???።ቃል ኣምላኽ ተሪኢና እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ቃል ኣምላኽ ይዛረብ ይብል።እቲ ክርስቶስ ዝለኣኾ እንበኣር ቃል ክርስቶስ እዩ ዝዛረብ ወንጌል እዩ ዝዛረብ።
ንሕናኸ ከምቲ ሃዋርያት ዝገደፉልና ዶ ንፈሪ ኣለና  ኣብ መገዲ ሃዋርያት ዶ ኣሎና።ሃወርያት ን መን ሰቢኾም ፡ ሃዋርያት ስለመን ተሰይፎም፡ ተሰዲዶም ፡ሃዋርያት ን መን ነቢሮም ፡ሃዋርያት ን መን መስኪሮም፡ሃዋርያት ብዛዕባ መን መስኪሮም፡  እቲ መልሲ ብሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ተኾንካ ሰዓብቲ እቶም ዝሰዓቡዎ  ቅዱሳን ሃወርያቱ እንድሕሪ ኮንካ ።ን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝመተልና ዲና ንነብር ዘለና ዋላስ ንኻልእ ፡ንሕና ከምቲ ሃዋርያት ዝገበሩዎ ንክርስቶስ ዲና ንሰብኽ ዋላስ ንኻልእ፡ሂወትና ንፈትሽ ስለ ክርስቶስ ዘይኮነ ስለ ካልእ ኣካል ክንሰብኽን ከነስተምህርን ን ሰባት እውን ንኻልእ ክሰብኩን ከበስሩን ጸቅጢ ንገብር እንድሕሪ ሃሊና።ተኾይና በፍጹም ፈረ ሃዋርያት ኣይኮናን!!!።
ቅዱስ ሃወርያ ጳውሎስ ዝበሎ ተልዩ ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ ከምኡ ኸኣ ንዓይ ምሰሉ።ይብል እሞኸ ን ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምንታይ ንመስሎ???።እቲ ፍረ እንበኣር ቅድም ካብዚ እዩ ዝጅምር፡ብዛዕባ መን ትምስክር ብዛዕባ መን ትዛረብ ን መን  ተበስር፡ኤፌሶን 2:[17-18] ወንጌል ሉቃስ 3:18 ግብሪ ሃዋርያት 10:36ወንጌል ሉቃስ 4:18ራእይ ዮሐንስ 10:[6-7] - ን መን ትነብር፡፡ ን መን ትዝምርዳዊት 147:7:ዘህልቍ 21:17:ዳዊት 105:2:ዳዊት 33:3:ዳዊት 147:9:ዳዊት 135:3:ዳዊት 47:7ዳዊት 33:2:ዘጸአት 15:21ዳዊት 98:1:ዳዊት 9:[11-12] - :ዳዊት 30:[4-5] - :ዳዊት 68:[32-33] ፡ ን መን ትሰብኽ ፡ንመን ትውድስ?ራእይ ዮሐንስ 19:5ዳዊት 117:1:ዳዊት 22:23  ፡ንመን ተመስግን ጦቢት 12፡18 ፡መቸስ ሃዋርያት ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዘለና ጺሒፎምልና ከይዶም እዮም ክንኩብልልን ክንሽፍትን እንተዘይ ደሊና ከምኡ እውን ክንክሕድ ተዘይ ደሊና።1 ጢሞቴዎስ 3:15: ተሪኢና ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ን ኤጲስቆጶስ ጢሞቴዎስ ‘‘እንተ ደንጎኹ ግና  ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ገርና ኽንነብር ከም ዝግብኣና ኽትፈልጥ ጽሒፈልካ ኣለኹ’’ ክብል ንዕዘቦ፡እወ ሃዋርያት እንበኣር ከመይ ገይርና ክንነብር ከም ዝግበኣና  ሃወርያት ጺሒፎምልና ኣፍሊጦምና ከይዶም እዮም። ብኽልተ እግርና ክንሕንክስ ተዘይ ደሊናስ፡1 ነገስታት 18:21
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍረ ብዙሕ ተዛሪቡ ኣሎ፡ወንጌል ዮሐንስ 12:24ዘዳግም 1:25ዘዳግም 28:33: እንታይ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቅስታት ብዛዕባ ፍረ ይዛረብ።ወንጌል ዮሐንስ 15:16:ኣነ ሓሬኽኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ክትፈርዩን ፍሬኹም እውን ነባሪ ክኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ክህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ይብለና።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዛዕባ ኣየነይቲ ፍረ እዩ ዝዛረብ ዘሎ እንበኣር ቅድም ክንፈልጥ ኣለና ቅድሚ ንሰባት ብፍረኦም ከነለልዮም ምሕሳብና እቲ ክርዳድ ኣየናይ እዩ እቲ ጽሩይ ፍረ ኸ ኣየናይ እዩ ምፍላጥ ኣለና።
ከምቲ ኣብ ሉቃስ 11፡35 እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅ ዝበለ ኣባና ዘሎ ብርሃን ክርዳድ ድዩ ዋላስ እቲ ናይ ሓቂ ብርሃን፡ ንሕና ብወገና ካብቲ ክርዳድ ከይንኸውን ሂወትናን ኣገልግሎትናን ዳግማይ ምፍታሽ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ፡ምናልባሽ ከምቲ ናይ ዳዊት ነገር ዝገበሮ፡ከይተረድኣና ን ነፍስና ንረግም ከይንህሉ 2ይ መጽሓፍ ሳሙኤል12፡5-7። ምስትውዓል የድልየና።ኣየናይ ፍረ ክትፈርዩ እዩ ዝብለና ዘሎ ፡ ወንጌል ወይ ክላእ ትምህርቲ ፡ጽልኢ  ወይሲ ፍቅሪ ፡ፍረ ሃቂ ፍረ ሓሶት ክትፈርዩ፡ ፍረ ሕሜታ፡ፍረ ህልኽ ፡ፍረ ምንፍቅና፡ፍረ  ባእሲ፡ፈረ ፍትሕ፡ፍረ ምቅይያም፡ፈረ ፍቅረ ገንዘብ ፍቅሪ ስልጣን፡ ኣየናይ ፈረ ክትፈርዩ እዩ ዝብለና ዘሎ ቃል ኣምላኽ ፈላሊና ክንሪኦ ኣለና ቅድሚ ምኹናና።
                          ይቅጽል ካይ ክፋል
                etiqalsgakone@gmail.com