Post più popolari

Tuesday 26 February 2013

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።


መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መናፈቅነት እትብል ቃል ዘላቶም ርድኢት  ከምቲ ዝግብኣ ኣይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይፈለጡዋን እውን ዘለዉ።በዚ ድማ ዋላ ንኣመንቲ ከይተረፈ መናፍቅ ዝብሉ ከምኡ እውን ንረብሓኦም ክብሉ።እዚ ደኣ መናፍቅ እንድዩ ክብሉ ፡ንሰባት ከግልሉ ካብ ቅንኢ ብምብጋስ ናቶም ኣካይዳን ናቶም ኣተሓሳስባን ስለ ዘይተጠቀመ ጥራሕ መናፍቅ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ድማ ሰኣን እኩል ፍልጠት ቤተ ክርስትያን ሰብ ክገድፋን ጥርሓ ክትተርፍን፡ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ።ኩሉ መታን ክፈልጦ ከይንታለል ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክንሪኦ ኢና።
ቀዳማይ ነገር ትምህርትን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ እንታይ ኢዩ??።ኢልና ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ ንቅድመና።ነዚ ቃል እዚ ኣብቲ ናይ ኤረትራ ሕጊ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ሰፊሩልና ኣሎ።ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምዕራፍ ሓደ ዓንቀጽ1 መሠረተ ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 81 መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ንዝኾነ እንሆ ምላሽ እንበኣር ካብዚ መጽሓፍ እዚ መሰረት ክኸውን ኣለዎ።
መናፍቅ ዝበሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ተልና ናብቲ ቋንቋና ተተርጊምናዮ ፡ነፈቀ፡መቀለ፡ከፈለ ተጣራጠረ ተዋላወለ ማለት ኪኸውን ከሎ።መናፍቅ ዝብል ቃል መበገሲኡ ላቲን ኮይኑ”ሂሪቲክስ”(heretic)ዝብል ኮይኑ ኣብቲ መጀመርታ ሃዋርያት ወንጌል እንዳሰበኹ ከለዉ ኣይሁድ ንምንሻው ዘውጽእሎም ወይ ድማ ዝብልዎም ዝነበሩ ኢዩ።ስለዚ ማናፈቅነት እትብል ስም በቲ ሓደ ወገን ሃዋርያት ዝጽውዕሉ ነበሩ ስም እውን ኢዩ ነይሩ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ስም እዚኣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡ኣንብብ(ግብ24፡14)ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ እናኣመንኩ፡በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ን ኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።
ኣብ ግእዝን ኣረዳድኣ ቋንቋናን ተሪኢና መናፍቅ ንእትብል ቃል ነቶም ብክርስቶስ ዘይኣመንቲ ኮይና ተገልግል ነይራ ኣብ ናይ ኣቦታት ታሪኽ።እዚ ድማ ገለ ክርስትያናት ንክርስቶስ ምእማን ንዝኣበየ ሰብ ፡ነቲ ናይ ክርስቶስ እምነት እንተ ተጣራጢርዎ ንዕኡ ክህቡዎ ንርኢ። ን ሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ኢዩ ተጠንቀቅሉ ክትብል ከለኻ ግን ጽላለ ጥራሕ ኢዩ።ስለምንታይ ንብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ምባል፡ነቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሃዋርያት ዝገብሩዎ ነበሩ ምድጋም ማለት ኢዩ።ኣንብብ(ግብ24፡14)
ብርግጽ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን መናፍቅ ምባል ፍርዲ ኣለዎ።ስለምንታይ ንሱ ብኣይ ዝኣምን ኩኔነ የብሉን ይብል ኣሎ።ኣንብብ(ሮሜ8፡1)ከመይ ገርካ ደኣ ኢዩ፡ንሓደ ብክርስቶስ ኣማኒ መናፍቅ ምባል፡ምፍራድ ዶ ኣይኮነን።ገለ ሰባት ስርዓት ናይታ ዝነብሩላ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘይተቀበለ፡እዚ ደኣ መናፍቅ እንዲዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚኦም ግን ምእንቲ ስርዓቶም ክብሉ ቃል ኣምላኽ ከንቱ ምግባር ኢዩ።ኣንብብ(ማቴ15፡6)ጎይታ ሓደ ግዜ ከምዚ ምስ ኣጓነፎ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡”ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ክትብሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣለኹም”።በሎም።እዞም ብክርስቶስ ዘሎ ኩኔነ የብሉን እንዳበለ ቃል ኣምላኽ ንሶም ግን መናፍቅ ኢዩ።ከሓዲ ኢዩ ፡ከምዚ ኢዩ። ኣማኒ ዘይኮነ ዝብሉ እንበኣር። ምእንቲ ስርዓቶም ቃል ኣምላኽ የፍርሱ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ፡ንስኻ ኸ ካብቶም ኮነንቲ ዲኻ።ወይስ ነዚ ቃል እዚ ብልክዕ ትርድኦ ኢኻ?/።
ስርዓት ቤተ ክርስትያን ተሪኢና እተን ኦርቶዶክስ ዝበሃላ ኣብያተ ክርስትያናት ጥራሕ ኣብ ካልእ ከይበጻሕና ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ስርዓት ኣለወን ግንከ ኦርቶዶክሳውያን ኢየን።ገሊአን ኣብ ክርስትና ኣለና እንዳበላ ኦሪታዊ ዓይነት፡ ስርዓት ዝኽተላን፡ ክኾና ከለዋ።(ቆሎ2፡20-22) (2ይቆሮ3፡15)ገሊአን ግን ብልክዕ በቲ ወንጌል ብምኻድ ንሕና ሰብ ሓዲሽ ኪዳን ኢና ዝብላ ኢየን ።እንተኾነ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ስርዓታ ስለ ዘይተቀበለት መናፍቕ ኢያ ኣይትብላን ኢያ።ስለምንታይ ንሕና እምነትና ኣብ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ደኣ እንበር ኣብ ስርዓት ሰብ ስለ ዘይኮነ።በዚ ድማ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፡ ናታ ስርዓት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሳማማዕ ናታ ስርዓት ክትሕንጽጽ ትኽእል ኢያ።ተኾነ መንፊቃ ማለት ኣይኮነን።
ናብዚ ናይ ሃገርና ኣዛራርባ ተሪኢና ግን ነታ መናፍቅ ትብል ቃል ግእዝ ኮይና ብትግርኛ ግን ፡ተጣራጣሪ፡ተዋላዋሊ፡ብምብዛሕ ዝጋገ፡ ዝብል ኮይኑ።ኣብ ኣጠቃቅመኣ ግን ዋላ ዋና ኣይረኸበትን ዘላ።እቶም ብ ክርስቶስ ዘይኣመንቲ፡ ከም ክርስቶስ ንክርስቶስ ዘይተቀበልዎን  ዘይፈለጥዎን ፡ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑንን ወንጌል ዝሰብኩን ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑን ዝስዕቡን ከም መዘለፍን ከም መለለይን ክጥቀሙላ ኢና ንዕዘብ ዘለና።ንሱ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንድዩ ከንብብ ዝውዕል መንፋቅ እንዲዩ።ገሪሙኒ !!ንሱ ደኣ ጊዳትር ገይሩ እንዲዩ ዝዝምር መናፍቅ እንዲዩ ይብሉ ዋእ ሓደ ሓደ ግዜ ምስ መን ትነብር ኣለኻ ክሳዕ ዘጽልኣካ ሃተውተው ክትሰምዕ፡ክሳዕ ትጸልኦ ትኸውን፡ርእሱ ዝኸኣለ ገድሊ ተሕልፍ።እዚ ፍጹም ን ሰብ መናፍቅ ኣየብሎን ኢዩ።ንዝኾነ ዘለካ ሓሳብ ክትህብ ቦታ ክፉት ኢዩ።ይቅጽል,,,,,ናብ ካልኣይ ክፋል ይቅጽል
          etiqalsgakone@gmail.com

No comments: