Post più popolari

Thursday 12 September 2013

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም።

v ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ን ቤተ ክርስቲያን ዘድሊያ ውሽጥኻ ባዕኺኹ ።ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ተጸንጺልካ ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካ ሕቆኻ ክሳዕ ከይትስበር ሰብ ዝፈርሓልካ ድንን እንዳበልካ በቲ ድማ ኣብ ምጽላም ሰብ እንዳ ወዓልካ ናይ ሓሶት ህይወት ምንባር።በቲ ከኣ ሰብ ከተታልል ኣነ ኦርቶዶክስ ኢየ ኢልካ ምሽቃጥ ዘይኮነስ።
v ውሽጥኻ ፈቲሽካ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምብካይ ፡ብምሕረት ኣምላኽ ከኣ ምሕጓስ ።ጻዕዳ መንፈሳዊ ህይወት ሒዝካ፡ብንስሓ ሰውነትካ ሓጺብካ ፡ኣነኸ መን ኢየ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ የድሊ።

·       ብሓቂ ዶ ኦርቶዶክስ ኢየ??፡ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነብረኦን ዝኽተልኦን ህይወት ዲዩ ዘለኒ??።ኢልካ ነፍስኻ ብምሕታት።
·       ጻውዒተይ ኣብዛ ምድሪ እንታይ ኢዩ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ?።
·       ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዲየ ዘለኹ ዋላ ኣብ ሓሳብ ገዛእ ርእሰይ??።
·       ኣብ ሓሳብ ወንጌል ዲየ ዘለኹ ዋላስ ኣብ ሓሳብ ድርሰታት ሰባት??።
v ዝብሎን ዝኣምኖን ዝኽተሎን ዘለኹ ብዓይኒ እቲ መሰረት እምነተይ ዝኾነ 81 ኣኃዱ መጽሓፍ ቅዱሥ ከመይ ኢዩ። ን መን የምልኽ? ን መን የገልግል??።ዝገብሮ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ዲየ ዝገብሮ።(1ይቆሮ10፡30)
v ናበይ ኢየ ዝኸይድ ዘለኹ ብሓቂ ዲዩ ተረዲኡኒ ዝነብር ዘለኹ ዋላስ ሰባት ጥራሕ ብዝበሉኒ ኢየ??።
v ንዝጸገመኒ ንዝበርትዓኒ ሕቶ ቅድመ ናብቲ መምህር ኢዩ ኢለ ዝኣምነሉ ምኻደይ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ዲየ ዘቅርቦ ዋላስ ቅድሚ ኣምላኽ ንሰባት ብምስራዕ ኢየ።ናብ እቲ ይፈልጥ ኢየ ዝብሎ ዝጎዪ?።
v ክልተ መምህራን ኣብ ብሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ከምዚ ኢዩ ከምዚ እባ ትርጉም እንዳበሉ ዝጋጮ ተሚሂሮምኒ።በይነይ ዲየ ዝጭነቅ??። ወይሲ ብስምዒት ኢየ፡ ወገን እቲ ሓደ ሰብ ብምዃን ዝፈርድን ዝቃወምን።
v ዶዋላስ ነቲ ቅዱስ ጳውውሎስ ኣብ (1ይቆሮ8፡2)ሓደኳ ገለ ኸም ዝፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ነዚ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን ኢዩ”ዝበሎ ብምኽታም ናብቲ ኢፈልጥ ዝብሎ ኣምላኽ ኢየ።ጎይታ ኣብርሃለይ?መሊሰለይ ኢለ ን ኣምላኽ ኢየ ዝሓትት??።
v  ብዛዕባ መገደይ ብዛዕባ እቲ ሰባት ዝመሃሩኒ ንዝፀገመን ንዝኸብደኒን ጥቅሲ ናብ ኣምላኽ ዲየ ዘቅርቦ።ዶ ዋላስ  ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ንዝበለና ቃሉ ኣኽቢረ ዲየ ናብ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀርብ ዋላስናብ ሰባት?።
v መምህራን ኢና ዝብሉ ዝነገሩኒኸ ብ ዓይኒ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢዩ?።ምናልባሽ ካልእ ወንጌል ይመሃር ከይህሉ??።ምናልባሽ ካብ መገዲ ሃዋርያት ዘንቢለ ኣብ ተወገዘ ወንጌል ከይህሉ።(ገላትያ1፡9)
v ዝስበኸኒ ዘሎ ወንጌል እቲ ጥንታዊ ሃዋርያት ዝሰበኹዎ ሃዋርያት ዝበሊዎ ዲዩስ ዋላ ካሊእ ኢዩ??።(ገላ1፡8)
v ቃል ኣምላኽ ንዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይሓዘ ናባኻትኩም እንተ መጸ፡ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበሊዎ።ሰላም እውን ኣይትበሊዎ።ከመይ እቲ ሰላም ዝብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሓቢሩዎ ኢዩ።(2ይዮሓንስ1፡10-11) ይብለኒ ኣሎ።
v  ስለዚ ነፍሰይ ምስዚ ቃል እዚ ከነጻጽራ ከለኹ ከመይ ኢያ??።ሰባኺ ዲዩ??እሞኸ ክኸይድ ከለኹ ክሰብኽ ትምህርቲ ክርስቶስ ሒዘ ዲየ ዝኸዶም ዘለኹ ዋላስ ካሊእ ትምህርቲ።ምናልባሽ ኣብ ሓቂ ኣለኹ እንዳበልኩ ኣብ ሓሶት ከይህሉ??።
v ሰባት ሒዘ ከይጠፍእ ብደሞምም ከይሕተት፡ክንዲ በረኸትሲ መርገም ከየምጽእ ክንዶ ህይወት ድማ ሞት ከየምጽእ፡ዋላ እቶም ዝኸዶም ተተቀበሊኑ ኣምላኽ ግን ይርኤኒ ኣሎ ስለዝስ እዚ ከመይ ኢዩ?።
v ቅድም ምስባኸይ እንታኣይ ክብል ኣለኒ ክምርምር ኣሎኒ።እቲ ኣባይ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን(ሉቃ፡11፡35)

v እንድሕሪ ተራ ምእመን ወይ ድማ ተመሃሪ ተኾይነኸ እቶም ሰበኽቲ ኢና ኢሎም ዝመጹኒ ትምህርቲ መን ሒዞም ኢዮም ዝመጹኒ ዘለዉ??።
v ብዛዕባ መን ኢዮም ዝሰብኹለይ ዘለዉ??።
v ትምህርቲ ክርስቶስ ከይሓዙ ትምህርቲ ካሊእ ሒዞም ንዝመጹ ይቅበል ከይህሉ ኣብ ቁጥዐ ኣምላኽ ከይወድቅ??።
v ብዛዕባ ክርስቶስ ክንዲ ዚዛረቡ ብዛዕባ ካሊእ ንዚዛረቡ ተኾይነ ዝቅበል ዘለኹ ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ከይከፍእ ንብድህሪ ህጂ ክጥንቀቅ ኣሎኒ።ኣንኳንዶ ክቅበሎምሲ ሰላም ክብሎም ኣይግብኣንን።ክቅበሎም ኣይግብኣንን እሞ ኣነ ከመይ ኢየ ኢልካ ነፍስኻ ምፍታሽ።
v ብሓቂ ዶ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣለኹ ኢየ??።
v ስለምንታይ ወንጌል እቲ ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝዝንብል ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ ኣምላኽ ኣብኡ የሎን፡ስለዝብለኒ ዘሎ።
·       ኣምላኽ ኣባይ ኮነ ኣብ ኣገልግሎተይ ኣብ ሓዳረይ ኣብ ህይወተይ ድማ ብዓቢኡ ዘየለ ከይኸውን።(2ዮሓንስ1፡9)ጽባሕ ዘለኣለማዊ ሞት ከይዓጽድ ከመይ ኢየ?። ን ቃል ኣምላኽ ንርዲኢተይ ክድግፈሉ ይጠውዮ ዲየ ዋላስ ብፍርሓት ኢየ ዝቅበሎ።
v ዝኾነ ይኹን ቃል ኣምላኽ ክነግረኒ ከሎ፡ብ መጠን እቲ ሰብ ዲየ ዝርእዮ ብ መጠን እቲ ቃል ኢየ ዝርእዮ።
v ሃዋርያት ንሕና ግን ነቲ ተሰቅለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና እንዳበሉ ሓሊፎም ኣነ ድማ ወዶም ኢየ።ግን ን መን ኢየ ዝሰብኽ??።(1ይቆሮ1፡23) ቅዱስ ጳውሎስ ኣነ ኮነ ካልኦት ከምዚ ገርና ንሰብኽ ኣሎና ።ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ኣመንኩሙዎ ኢሉ።
v እሞኸ ከምቲ ንሳቶም ሃዋርያት ዝሰበኹዎ ዲየ ዝሰብኽ ዘለኹ ዋላ ኣርእስተይ መን ኢዩ። ንሶም ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኢዮም  ሰቢኾም ኣነኸ?።(1ይቆሮ15፡11)
ብዉሑዱ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ነዘን ሕቶታት እዚአን ብምሚላስ ጉዕዞና ክንቅጽል ኣሎና።

       እግዚኣብሄር ኣብዚሑ ይባርኽኹም።
etiqalsgakone@gmail.com

Wednesday 4 September 2013

እንኮ ፍታሕ ነዛ ዓለም እዚኣ ።(2ይ ቆሮንቶስ 10:4)

እንኮ ፍታሕ ነዛ ዓለም እዚኣ  (2 ቆሮንቶስ 10:4)






 ነዛ ዓለምም እዚኣ ፍታሕ ዝኾና።ብቅልጽመይ ኢልካ ትገብሮ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዘይኮነስ ፡ብቅልጽም ኣምላኽ ተኣሚንካ እትገብሮ መንፈሳዊ ኲናት ኢዩ።እቶም ስጋዊ ኪናት ንዓለም ከንበርክኹ ዝጸዓሩ ናይ ዓለምና ኪኢላታት ይኹኒ ፈላጣት ናይ ዘረባ ወሓለታት ጀጋኑ ሸትኦም ከይወዑ ኢዮም ጠፊኦም ከም እኒ ቄሳራት ሮም
እቶም መንፈሳዊ ኪናት ዝተቃለሱ ግን እቲ ከኣሊ ምስኦም ስለ ነበረ ።ተዓዊቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ስዒሮም ነቶም ዝቀትሉዎምን ዝሓርዱዎምን ነበሩ፡ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ክሳዕ ዝበኽዩ ብምግባር ሮም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጺጻር መንፈሳዊነት ኣእትዮማ
ካብዚ ንመሃሮ ተሊዩ።ነገራት ዝዕረዩን ዝሰዓሩን መንፈሳዊ ኲናት ደኣ እንበር ስጋዊ ፖሎቲካዊ ኲናት ወይ ድማ ብልሓታት ኣይኮኑን።
ንምእማን ልቦም ደንጓይ ዝኾኑ ፖሎቲከኛታት ግን መስኪን ህዝቢ ዓለም ኣጆኻ ኣነ ኢየ ፍታሕ ዘምጽኣልካ።ኣነ ከርህወልካ ኢየ።እንደኣ ጨርሑ ብምምጻእ ምስኡ ተስቆርቆርቲ ብምምሳል ነቲ መስክን ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ዓለም ከም መሳርሒ ብምጥቃም ምልስ ኢሎም ምስኡ ከም ዘይጨርሑ ኢዮም ዘብክዩዎ።
ሎሚ እንበኣር ነዛ ዓለም ፍታሕ ዝኸውን ንሃገርና ፍታሕ ዝኸውን ኢድ ኣምላኽ ጥራሕ ኢዩ።ንሕና ከም ሓደ ህዝቢ እምነትናን ትጽቢትናን ካብ ሓደ ኣምላኽ ኢዩ ክኽውን ዘለዎ። ደም ብደም ኢዩ ዝዓርፍ ሰላም ግን ብሰላም ይዓርፍ።ሰላም ፍታሕ ኣምላኽ ክገብረልና ኣብ ሃገርና ንደሊ ኢና ?? 
ትእዛዛቱ ንሓሉ ንሱ ከምዚ ኢዩ ኢሉ።ኢሳይያስ 48:18: ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ሰላም ኣብ እዛ ዓለም እዚኣ ንከይመጽእ ምኽንያት ኾይኑ ዘሎን ንህዝብታት ብሓለንጊ ሰባት ገይሩ ዘግርፎም ዘሎን እንበኣር ሓጥያትና ኢዩ።ትእዛዛቱ ዘይምሕላው መርገም የምጽእ ዘዳግም 28:16:/ዘዳግም 28:19:/ዘዳግም 28:33: ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን።/ ዘዳግም 28:17: መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ዋላ ተሎካ ተመስገን ኣይትብልን ኣይትዓግን ማለቱ ኢዩ።
/ትእዛዛቱ ተሓሊኻ ግን ብሩኽ ትኸውን።ዘዳግም 28:6: ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን/ ዘዳግም 28:3: ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ዘዳግም 28:45: እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ።ሚልክያ 2:2: ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፣ ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፣ መርገም ክሰደልኩም፣ ንበረኽትኹምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፣ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።ሎሚ ምኽንያት መርገምና ንሕና ባዕልና ካብ ፍቃዱ ወጺእና ብንገብሮ ዘለና ደኣ እንበር ናይ ማንም ሰብ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ኣሎና።ፈሊጥና ድማ ምምላስ ኣሎና።
ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ ኢዩ?፡ከም ቃሉ ምንባር ማለት ኢዩ ።ንሕና ኣምላኽ ኣይነፍቅሮን ኢና !።ትፈልጡዶ እዚ።
ስለምንታይ መሲሉኩም ነፍቅሮ ተንኸውን ትእዛዛቱ ምሓለና ነርና።ቃል ኣምላኽ እኮ ከምዚ ኢዩ ዝብለና።ወንጌል ዮሐንስ 14:15: እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።ወንጌል ዮሐንስ 14:21: እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። ቃል ኣምላኽ ነዚ ጥራሕ ኢዩ ዝብለና።ንሱ ትእዛዛቱ ንዝሕልዉ ንዉሉድ ወለዶ ምሕረት ዝገብር ኣምላኽ ኢዩ።(ዘዳግም 5:10)።ምኽንያት ሰላም ምስኣን ናይዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም እንበኣር ትእዛዛት ኣምላኽ ዘይምሕላውን ከም ፍቃድካ ምንባር ዘስዓቦ ንዕቀት ኣምላኽ ኢዩ።ሓደ ሰብ ትእዛዝ ኣምላኽ ንኸይሰርሕ ዝሕንግድ ወይ ዘይጽዕር ተደኣ ኾይኑ ብሃቂ ጸላኢ ኣምላኽ ኢዩ ማለት ኢዩ።ንዓና ደኣ ኣይርድኣናን እንበር ብዙሕ ግዜ ኢና ንኣምላኽ ንንዕቆ።ንዕኡ ንዒቅና ድማ መዋእልና ከይተነሳሕና ስጋ ወልድ ኣምላኽ ከይወሰድና ፡ብዘሎ ሓጢኣት እንዳ ገበርና።ኣይትቆርብ ኣይትሰግድ ምንባር ዘስዕቦ ኢዩ።
ኣብ ክንደይ ቅልጽምካ ክንዲ ምኾስ ትኸውን ቅልጽም ሒዝካ ብቅልጽመይ ነገራት ክፈትሖም ኢየ ኢልካ ምፍካርን ኢዩ። እቲ ኣብ ቅልጽም ኣምላኽ ዝኣምን ግን ዘለኣለማዊ ፍታሕ ይረክብ።ሎሚ ልዑል እግዚኣብሄር ሎሚ ንኹላትና ዝጽውዖ ጻውዒት እዚ ኢዩ።ሎሚ ነዚ ዕድመ እዚ ኣምላኽ የቅርበልና ኣሎ።ነህምያ 1:9: ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካብኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።ይብል ኣሎ።ሎሚ ዝደለናዮ ክኾነልና ኣምላኽ ዝደለዮ ድማ ምግባር ኣሎና።
ዘሌዋውያን 22:31: ትእዛዛተይ ድማ ሐልዉ፡ ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣየወ መን ምሃበ ከምቲ ንሱ ዝበለና ትእዛዛቱ ንምሕላው ኣየ ልቢ እንተዝህልወና።ንዘልኣለም ንዓናን ንደቅናን ምጸበቀልና ነይሩ።ቃሉ ኢዩ ዝብል ዘሎ።( ዘዳግም 5:29)እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም፡ ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።እዚ ኹሉ መከራን ጸገም ሕማቅ ኣይምኾነን።ኣዒንቲና ሕማቅ ኣይምርኣያን።የእዛና ድማ ክፉእ ኣይምሰምዓን።ኣእጋርና ድማ ናብ ስደት ኣይመምርሓን።ሎሚ እንበኣር ክንብሎ ዘለና ጎይታይ ኣይብሓይልናን ብሓይልኻ።ኣይብኽእለትናን ብክእለትካ።ዋላ ሓንቲ እኳ ካብ ራስና ክንገብር ዘይንክእል ህዝቢ ኢና እሞ።ደግፈና ኣሳልየና።ጸግዒ ኩነና ኢልና ናብኡ ጾርና ብምውዳቅ ንሬዲኤቱ ምጽባይ ኢዩ።
ኣምላኽ ልቦና ይፍተረልና።
ኣምላኽ በጃካ ልቦና ውሒዱልና ኣሎ እሞ ትእዛዛትካ ክንፍጽምን ክንሕሉን ጎይታ ምስትውዓልካ ሃበና።ናይ እምኒ ልቢ ኣውጺእካ ናይ ስጋ ልቢ ።ሃበና።ዝሰምዕ ልቢ ሃበና።ኣሜን!Amen.
etiqalsgakone@gmail.com