Post più popolari

Sunday 24 March 2013

3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ


      3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ

ስለዚ እዚ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስትያና ፡ኣብ ሂወትና ኣብ  ኣገልግሎትና፡ እንገብሮ ዘለና ፍቃድ ኣምላኽ ድዩ ኢልና ንሕሰብ።ፓትሪያርክ ኣብ ገዛ ዓጺኻ ምስ  ዓመጽቲ ብምውጋን ኣብ መንበር መላገጽቲ ተቀሚጥካ ንውግዘት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓሲምካ እትገብሮ ኣገልግሎትሲ ይሰምርዶ!!!??።
ንጻድቅ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ ምስ ክፉእ ሰብ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኮነን ይብለና ቃል ኣምላኽ ጳጳስ ኮነ ካህን ድያቆን ኮነ ምእምን ምስ መንግስተ ኤርትራ ተዘየሻሩ ነይሩ፡ ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ምተኣሰሩዶ!!??።ንሕና ብሕብረት ዋላ ኣቡነ ደስቆሮስ ተታሊሎም ካልኦት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ ፈሪሖም ሕራይ ይበሉ እንበር፡ዋእ ፓትሪያርክ ከሎ ፓትሪያርክ ክንሸይም ሕጊ ሃይማኖትና ን መንግስቲ ከነፍቱ ክንቅይር ኢልና ተንኣቢ ነርናስ ህጂ ሃይማኖት ኣብ ሓደጋ ምወደቀት ዶ??።ንምዃኑ ኩላትና ብሕብረት ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ኣቦና ብምዃን ኣብ ግዜ ቅዳሴና ሽም ተወገዙ ኣቡነ ደስቆሮስ ገዲፍና ሽም ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተንጽውዕ።እዚ ኹሉ ፋሕፋሕ ምመጸዶ፡እዚ ኹሉ እንበኣ ንሕና እቲ መስኪን መታን ክውጻዕ ኢልና ምስ ክፉእ ሃሳብን ክፉእ ሰብን ስለ ዘሻረና ኢዩ እንበኣር (ምሳሌ18፡5 )ናይ ሎሚ ንብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስን ሰዓብቶምን መታን ክግፍዑ ኢልካ ምስ መንግስተ ኤርትራን ይፍታሀን ሰዓብቱን ምውጋን ዝግበር ዘሎ ጸለመን ነታ ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ጎስጓሳትን ጸለመታትን እንበኣር ሰናይ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ኣሎና።ከምዚ እንዳገበርና እንገብሮ ጾም  ድራማ ምስ ምዃኑ ካብ ኣምላኽ ቁጥዐ ደኣ እንበር ምሕረትሲ ኣየምጽእን በፍጹም!!! ።
ስለምንታይ ንሰብ ከነዕሽዎ ንኽእል ኢና እቲ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ግን ኣፍና ዘይኮነስ ውሽጥና እዩ ዝፈልጠና።ብ ዓቢኡ ቃል ኣምላኽ ዝበሎስ ካብ መስዋእትስ ምእዛዝ ይፈቱ ዶ ኣይኮነን ዝብል።እንበኣር ኣይትሓሱ ትብል ካብ ዓሰርተ ትእዛዛት እያ እሞ ኣይንንዓቃ ደኣ ንተኣዘዛ።መሳኻክር ሓሶት ተዘይኮና ንጠቅምና ጥራሕ እዩ (ዘጸኣት 20፡16)።ብሓቂ ድማ ነቶም ብዘይ ሕግን ስርዓትን ዝማላለሱ ገስጽዎም ከም እተባህለ ክንግስጾምን ደኣ እንበር መሳርሒ ናታቶም ብምኻን ን ቤት ኣምላኽ ክንሕምስ ኣይግብኣናን።ቃል ኣምላኽ ካብቲ ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ ሓው ክንፍለ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይእዝዘና።(2ይተሰ3፡6) ሎሚ እንበኣር ካብቶም ስርዓትን እምነትን ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓደጋ ብዘውድቅ መገዲ ዝጓዓዙ ዘለዉ ኣቡነ ደስቆሮስ ምፍላይ ኣለና።
ሎሚ እንበኣር ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ቅነኣት ቤት ኣቦኡ በሊዕዎ ብምትንሳእ ቤተ መቅደስ ዝደንኮለ ኣብ እቲ ቤተ መቅደስና ንዝርከብ ኩሉ ብሓንሳእ ሓቢርና ብምልዓል  ነቶም ኣብ ሂወትናን ኣብ ሂወት ቤት መቅደስናን ተቐሚጦም ዘለዉ ጊሒጥና ከነውጽኦም ምስ ጎይታና ቃል እንኣትወሉ ዕለት እዩ። ነዛ ደገ ወንጌል ብምኻን ን 2000 ዓመታት ቃለ ወንጌል ዘበሰረት ቤተ ክርስትያን ኣይነማስና ኣምላኽ ከየማስነና።
ሓደ እኳ ነዛ ቤተ መቅደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ።(1ይ ቆሮንንቶስ 3፡17)።ስለዚ ግዜ ከይወሰድና ካበይ ከም ዝወደቅና ንዘክር እሞ ንነሳሕ (ራእ 2፡5)።ኣበይ ኣለና ቤተ ክርስትያና ኸ ኣበይ ኣላ ኣብ ኣምላኽ እትርአ ቤተ መቅደስዶ ዋላስ ን ኣምላኽ እተቆጥዕ በዓቲ ጎሓሉትን  መሸቀጥን ኮይና ኣላ ብምስትውዓል ብ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ንቅረብ ደጊምና ድማ ነቲ ትማሊ ዝገበርናዮ ጌይጋ ኣይንድገሞ ።
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና፡(ኤር7፡14)ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት ንስኻትኩም’ውን እትዉከልዋ ዘለኹም ቤት፡ንኣካትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ስፍራ፡ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ ኢየ።ይብለና ኣሎ። ኣምላኽ ህዝቢ ዝገብረና ናይ ህዝቡ ስራሕ ምስ ንሰርሕ ኢዩ።ቤት ክርስትያን ሎሚ ቤተ ክርስትያን ዶ ይኸውን ኣሎ።ኩሉ ጻዕዳ ነጸላ ተኸደነ ብሻራን ፍርድን ጽልእን ውሽጡ ዝወቀበ ን ኣምላኽ ዘግሂ፡ከም ፍቃዱ ዝነብር ሰብ ጥራሕዶ ኣይኮነን።
   ኣብያተ ክርስትያናት ክንዲ ናይ ሰላም ቦታ ክኾና ዝግበአን ናይ ጽልኢ ቦታታትዶ ኣይኮናን ኮይነን ዘለዋ።ጻዕዳ ነጸላ ገይሮም፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣርፊዶም፡ሓዎም ረኺቦሞ፡ብናቶም ርድኢት ጥራሕ ስለ ዘይከደ፡ እታ ሰላም ናይ እግዚኣብሄር እኳ ዝኸልኡዶ ኣይኮናን ኢና።ሕልፍ ምስ በለ ብሓጥያቱ ናቱ ዝዛረቡ ሰጣን ንግዲ ዘካይደሉ ዶ ኣይኮነን ቤተ ክርስትያን ተቀይሩ ዘሎ !!!።ንስኻ ቤተ ክርስትያን እንዳ ተመላለስካ ብዘይ ጻዕዳ ልቢ ጻዕዳ ነጸላ ገርካስ ብ ሓቂዶ ጾምካ ክሰምዓካ ኢዩ።ይቅጽልልል

Friday 22 March 2013

3ይቲ ሰንበት ናይ ኣርብዓ ጾም ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።


3ይቲ ሰንበት ናይ  ጾም ኣርብዓ ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።
                            ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

ብ ናይ ዘበነት ቤት ትምህርቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ መርሓ ግብሪ።ናይዚ ሰንበት እዚ ዕለት ስያመ ምኩራብ ትበሃል።መድሓኒና ኣብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ተረኺቡ ንዝተኣስሩ ናጽነት ንዝሞቱ ሂወት ፡ንዝተጠቅዑ ድማ ናጽነት ብምእዋጅ ንኹሉ ዓመተ ምሕረት ብምምሃሩ ብትምህርቱ ከም ተደነቁ ይንገር።ስያመኡ ናይ ቅዱስ ያረድ እዩ።መድሓኒና ኣብ ምኩራብ ዝገበሮም ነገራት እንዳ ገለጸ ብምዝማሩ ድማ እዩ ዕለተ ምኩ`ራብ ዝተባህለ።
እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ
ትእይርቶሙ ለእለ ይትኣይሩከ ወድቀ ላዕሌየ
ወቀጻእኩዎን በጾምን ለነፍሰየ
መዝሙር 68፡9።
ን ቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ።
ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ እውን ኣባይ ወደቀ።
እናበኸኹ ንነፍሰይ ብ ጾም ኣሕሳእክዋ
ሰባት እውን ጸረፉኒ
መዝሙር 69፡9። ኣብ መዝሙር ዳዊት ኩሉ ግዜ ኣብ ትግርኛ ሓደ ቁጽሪ ይቅድም ምስ ምዃኑ እዩ፡ እንበር ሓደ እዩ እቲ ምዕራፍን ጥቅስን።
ቦአ ኢየሱስ በምኩ`ራብ ኣይሁድ
የሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ከደ
ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት
1, ቆላ 2፡16 ክሳብ ፍጻመ  /////// //////ዲያቆን
2,ያዕ2፡14 ክሳዕ መፈጸምታ ////////    ተሓጋጋዚ ዲያቆን
ግብሪ ሓዋርያት 10፡1-9። //////////////// ተሓጋጋዚ ካህን
ወንጌለ የሓንስ 2፡12 ክሳዕ መወዳእታ ///////////  ካህን
ቅዳሴ (ነአኩ`ተከ) ናይ መድሓኒና
ምኩራብ  ካብ ቤተ መቅደስ ብዙሕ ይፍለ ኣብ ብሉይ ኪዳን።ቤተ-መቅደስ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ኢየሩሳለም ወጻኢ ኣይስራሕን ነበረ።ምኩራብ ግን ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ክትሰርሕ ይፍቀድ ነይሩ።እዚ ምኩራብ ድማ ከም መምሃሪ ሕግን ፡መምሃሪ ቃል ኣምላኽን ይጥቀምሉ ነበሩ። በዚ ዕለት ድማ እዩ ቅዱስ ያረድ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ምቅደስ ዘይኮነስ ኣብ ምኩራብ ኣትዩ ከም ዝመሃረ ንምንጻር ምኩራብ ኢሉ ፈልዩ ገሊጹ  ዘሎ።
ግእዝ ፡- ቦአ ኢየሱስ ምኩራብ ኣይሁድ ወመሓረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋት አበድር እመከዋት አነ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምህረት ኢትግበሩ ቤተ አቡየ ቤተ ምስያጥ ቤተይሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ ቦአ ምኩ`ራቦም ልገሠጾሙ ያርምሙ አንብሩ ምሂሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕሙ ነገሩ መሳዕስኦ ኣፈሁ።ይብለና ግእዝ
 የሱስ ናብ ምኩራብ ኣትዩ ቃለ ሃይማኖት ኣስተምሃረ።ንሰንበት ጎይትኣ ንምሕረት ኣቦኣ ኣነ እየ። ን ቤት ኣቦይ ቤተ ንግዲ ኣይትግበርዎ ቤት ጾሎት ቤተይ እዩ ።(በለ)ኣብቲ ምኩራብ ኣትዩ ተቖጠዐ፡ዝገበሮን ዝወሰዶ ስጉምትን ካብ ኣፉ ዝወጽእ ነበረ ላዛ ዝመልኦ ቃሉን ኣድነቁ።።እንዳመሃረ ወንጌለ መንግስቲ ይሰብኽ፡ኣብ  ህዝቢ ድማ ንብዘሎ ደዌ ንብዘሎ ሕማም እንዳፈወሰ ይዘውር ነበረ ኢሉ ከም ዝዘመሮ ቅዱስ ያረድ ኣብቲ ኣይሁድ ንከንቱ ውዳሴን ርኣዩለይን ዝቆሙሉ ክርስቶስ ከም ዝሰበኸ ወንጌላዊ ሉቃስ ገሊጹ ንረኽቦ።የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ።፲፭ - ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።፲፮ - ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ።
ኬንብብውን ተንስኤ።፲፯ - መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡፲፰ - ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡፲፱ - ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።፳ - ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ።- ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።፳፪ - ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን? ከኣ ይብሉ ነበሩ።(ሉቃስ 4፡14-23)።
ኣብ ቅዳሴ  ዝንበብ ወንጌል ኣብ ቤተ መቅደስ ንዝተፈጸሙ ናይ ንግዲ ስራሕ ከም ዘሕዘኖን ከም ዘቆጠዖን ክገልጽ ከሎ።ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡ እውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።፲፫ - ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።፲፬ - ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዝሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።፲፭ - ካብ ገመድ ተቲዑ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዑርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።
፲፮ - ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።፲፯ - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘክሩ።፲፰ - ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ? ኢሎም መለሱሉ።፲፱ - የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ ብዛዕባ ብዛዕባ ቤተ መቅድሰ ሰብነቱ ከም ዝተዛረበ ይነግረና።ይቅጽል ,,,።
  2ይ  ክፋል ዓቢ ጾም ምኩራብ ፍቁራት የሕዋትና
ካብዚ ዝተነበልና ሎሚ እንታይ ተማሂርና የሱስ ክርስቶስ ሎሚ ኸ ንዓና እንታይ ኮን ይበለና ይህሉ ን ቤተ መቅደስና ርእዩ።እወ ንኣምላኽ ነምልኽ ህዝቢ ከም ምዃና መጠን ን ኣምላኽ ዘሕጉሶን ዘግህዮን እንታይ እዩ ኢልና ክንምርምር ሰናይ ነገር እዩ። ናይ ኣይሁድ ቤተ መቅደስ ቤት ኣምላኽ ተባሂላ ኢያ ትጽዋኦ ዝነበረት እንተኾነ ኣብ ቅድመ እቲ ኩሉ ዝኽእል ቤተ ንግዲ ኮይና ተረኽበት ስርሖም ንጎይታና ኣፈንፈኖ፡ኣግሃዮ ኣቆጠዖ።
በዚ ድማ ቤተይሲ ቤት ኣምላኽ ትበሃል ንስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ በሎም ንዓና ኸ ሎሚ ኢየሱስ ን ቤተ መቅደስና ክርእዮ ከሎ ኣብ ቅድመ ዓይኑ ከመይ ኮይኑ ምጸንሖ!!!!????። እስከ ናብ ቤተ መቅደስና እሞ ብህድኣት ዘላቶ ሂወት ንፈትሽ መቸስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝብለና እቲ ገበኑ ዝናዘዘሉ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ይረክብ እቲ ዝኽውል ግን ኣይሰልጦን ይበለና። እሞ ኸ ቤት ጾሎትና ንኣምላኽ ተብህግ ዶ ኮይና ኣላ እያ???።ካብ ንግድን ኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሂወትን ትምህርትን ናጻ ዶ ትኸውን መታን ምሕረት ክንረክብ ብፍቅርን ትዕግስትን ምስትውዓል  ክህልወና ይግባእ።
ቤተ ጾሎትና እውን ወዮ ደኣ ብርኡይ ከምዚ ናይ ኣይሁድ ኣይኮነትን እንበር በዓቲ ጎሓሉት ኮይና ኢያ ዘላ።እቲ ምስኪን እንዳተጸቀጠ ዝሓድረላ፡ እቲ ሓሳዊ ድማ ናእዳ ረኺቡ ኮፍ ኢሉ ዘጋይጸላ ምድራዊት ድንኳን ተቀይራ፡መንፈሳዊ  መልክዓ ተቀይሩ ከም ዘሎ እንሪኦ ዘለና ሓቂ እዩ።ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝበዝሑ ሰማእታት ዘለዋ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እያ ነይራ። ብብዝሒ ሰማእታት ድማ ተዋህዶ መዳርግቲ የብላን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ እስክንድርያ ልዕሊ 30,000 ሰለስተ ሽሕ ሰማእታት ከም ዘወፈየት ስለ ቃለ ክርስቶስ ታሪኽ ቤተ ክርስትያና ዘዘንትዎ እዩ።ሎሚ ኸ??።
ሎሚ ግን እዞም ንስለ ክብርና ንስለ ርኣዩለይ ንስለ  ሰብ ክፈትወኒ ንስለ ክነብር እንነብር ኣገልገልቲ በዓል ኣባ በእንተ ከርሱ ኣባ በዓል በእንተ ርእሱ ኣባ በእንተ ልብሱ ካብ እንመጽእ ሰማያዊ ስርሓ ዘንጊዓ፡ንዓለማዊ ገዛኢ ብገዛእ ደቃ የሕሊፋ ንሞት እትህብ ፡ፓትሪያርካ ሓይራ ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ኣቀሚጣ ዓረብያ ፖሎቲከኛታት  ብምኻን እትርከብ ኣንኳንዶ ን ኣምላኽሲ ንዓይኒ ሰብ እኳ ተሕዝን ኮይና ከምዘላ ብሩህ ኢዩ እዚ ድማ ሰንኪ ኣገልገልታን ኣመንትን ኣጓኒፉ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ!!!።እታ ምኽንያት ሰላምን ቅሳነት ዕረፍትን ምጽንናዕን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ሰላም ምስኣንን ምኽንያት ዕንቅፋትን ባእስን ምፍሊላይን ኮይና ትርከብ።
እዚ ድማ እታ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነት በዲላስ እቶም ነቲ ናይ ሕድሪ ሞጓሰ ክንሕሉ ተጻዋዕና ኣገልገልቲ መኽሊትና ዓቢጥና ደድሕሪ  ፍትወት ስልጣንን ፡ፍቅረ ምንባርን ፡ተደላን፡ገንዘብን ዞኽዞኽ ክንብል ስለ ዝኻኣልና ኢና። ክሳዕ ህጂ ኣብ መረት ይኹን ኣብ ሰማይ ካብ ዘላ ናይ ኣምላኽ ቤተ ክርስትያን ጭዋ ዝርእሳ ሓደ ዘይኣማኒ ዘማሓድራ ላዕለዋይ ኣዛዚኣ ዘይኣሚኒ ዝኾነ ብዘይካ ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ኤረትራ ካልእ የለን። ዘይኣማኒ ካብ ኮነ  ርእሳ ድማ ቤተ ሸቀጥ ዘይኮነስ ቤተ ክህደት ከም እትኸውን ፍሉጥ ኢዩ።ካብ ቤተ ሸቀጥ ዝገደደ እቲ ርእሲ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ዘይነብረላ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ኣየጸግምን።
ኣብዚ ከነዋዳድረን ከለና ድማ እታ ኣብ ኣይሁድ ነበረት ቤተ መቅደስ ክትሓይሽ ትኽእል እያ።ንሳስ ሸቀት ደኣ ይግበረላ ነበረ እንበር ኣመሓደርታን ኣቦታታንሲ እቶም ናይቲ ግዜቲ ዝነበሩ ሊቃነ ካህናት ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ደኣ ነበሩ መራሕታ።ናትና ግን ገዲዱ ካብ ኩሉ ኣይተረፈናን ንኹሉ እንዳገበርና ድማ ክንዲ ብንስሓ ምምላስ ከም ኣይሁድ ብትዕቢት ተነፊሕና ኣብ ምብትታን ንርከብ።ብ ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ እትምራሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለምን ኣምላኽን ድራማ ኣብ ምክያድ ትርከብ እዛ ንሕና ፈራሓት ፈተውቲ ስጋና ዝደቃ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ጥራሕ እያ።
ከምቲ ጎይታና ዝበሎ ድማ ጎይታይ ጎይታይ ምባል ዘይኮነ ዘጽድቅሲ ጎይታና ዝፈትዎ ተገርካ ጥራሕ እዩ።ሎሚ ግን ንሕና ካብዚ ተጨዊና ኣብ ህልኽን ኣብ ቅርሕንትን ንርከብ ዘገርም ግን ስለምንታይ ንጸውም !!!???፡ ስለምንታይ ንቅድስ!!!???፡ ስለምንታይ ንቆርብ!!!??? ።ስለ ፖሎቲካዊ ተልእኾ ክትብል ን ቤተ ክርስትያን ካብ ኣዲኣ ግብጺ ቤተ ክርስትያን ክትፍለን።ነቶም ኣቦታትና ኢልና እንምክሓሎም በላሕቲ ሰበኽቲ ወንጌል  ኣቦታትና ግብጻውያን መናፍቃን ኢልካ ክስበኸላን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ኣነ ኢየ ዝበለ ናይ ሰጣን ኣገልግሎት ኣዋፊርናያ ከም ዘለና ክትርድኦ ቀሊልል ኢዩ።
እታ ናይ ኣይሁድ ቤተ ጸሎት ግን ነቶም ቀዳሞት መምህራና ኣይተዋርዶምን ኢያ ዝነበረት።ዘይንፈልጥ ዲና ኮይናስ ዋላስ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ነቲ ቃሉ ተላማሚድናዮ ፈጸምቲ ትንቢተ ሞት ስለ ዝኾና እዩ።ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማም እንዳ ተሳቀዩ፡ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ቤተ ማእሰርቲ እንዳ ተሳቀዩ፡ ኣቦታትና መነኮሳት ቁርባን ተሓሪሞም ኣብ በረኻታት እንዳበለዩ ፡ክንደይ ቅዱሳን ካህናትና ተወለዱሉ መሬት ተኸልኪሎም ኣብ ባዕዲ ሃገር ኣብ ስደት እንዳነብዑ ብናፍቆት ወላዲት ሃገሮምን እንዳተሳቀዩ ንሕና ግን ምስ ዓለም ኮንፈደረሽን ተኣታቲና ነሕዋትና ክንፈርድ ከነጸልም እንዳወዓልና ንገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ክሕጎሱልናስ  ከመይ ገሩ እዩ ኣምላኽ ኮን መስዋእትና ክቅበሎ ኣበይ ኣሎኸ እቲ ክርስትና ትርጉም ጾምከ እንታይ ኢዩ!!!???።
ከመይ ገሩ እዩኸ ኣምላኽ ንጾምና ክቅበሎ።ቃል ኣምላኽ መባእካ ቅድመ ምቅራብካ ምስ ሓውካ ተዓረቅ ድሓር ድማ ከድካ ምስ ሓውኻ ተዓረቅ ፡ተዘየለ ግን መባእካ ንፈራዲ የሕሊፉ ከይህበካ ዶ ኣይኮነን ዝብል???።ካብቶም ፓኣትሪያርክ ኢየ ኢሎም ብ ኣቶ ኢሳይያስ ተሓጊዞም ኣብ ስልጣን መጺኦም ዘለዉ ትወገዙ ፓትሪያርክ ኣትሒዝካ ኸ ሰብ ኣቀይሞምን ሰብ ብሰንኮም ኣብ ጸልማት እንዳተሳቀየን ዝገብሩዎ መስዋእትስ ኣምላኽ ይቅበሎ ዶ።ሓንካስ ጸሎት የሎን እንዳበልካ ንሸፈጥ ኣብ ጽሑፍ ዘይተረኽበ ን ቤት ኣምላኽ ምምሳንከ ምስ ምንታይ ይቁጸር።ከምዚ ገርካ ዝቀርብ መባእ ዝቀርብ ዕጣንሲ ይዓርግ።መቸስ ውጽኢቱ ንርእዮ ኣለና ንስደትን ሞትን ህዝብና ኮይኑ ኣሎ።
እሞ ኸ ካብ ዝለዓለ ጳጳስ ክሳዕ ዝተሓተ ኣማኒ ንሰብ እንዳ ኣቀየምና ምስ ቅዱስ ኣቦና ተጻሊእና ከለና ብሓሶት ሽሞም ብምርሳሕ የሕሊፍና ሂብናስ ብሓቂ ድዩ ጾሎትና ክቅበል ይኽእል????።ፓትሪያርክ ከለዉ ተኣሲሮም ንህልኽ ጸልዩ በእንተ ኣቡነ ደስቆሮስ ክንብል ከለናኸ ን ኣምላኽ ዲና ከነዐስዎ ደሊና ዋላስ ነቲ ህዝቢ ከነዐስዎ ብኡ ገርና ምስ ለመድናዮ ኢዩ እቲ ሰጣናዊ መገዲ ጥዑም ጥዑም ጢዒሙና??።እሞ ኸ ተዋህዶ ዲና  ዋላስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንነርብ ልብሰ ህዝበ ክርስትያን ተኸደና ልኡኻት ፖሎቲካ ከሓድያን ወይሲ ኣምሰሉ ሂወት ገሮም ን ህዝቢ ኣምላኽ ንምዕሻው ዝተዓጠቅና ጸረ ክርስቶስ ????።
 ሎሚ ምስ መን እዩ መደብና ፈሊጥና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ኣለና ።ተዝየለ ግን ሴፍ ንኸንቱ ኣይዕጠቅን ኢዩ እሞ ንፍራሕ።(ሮሜ13፡3-4)ኣምላኽ ከኣ በቶም ስለ ፍቅሩ ሂወቶም ዝወፈዩ ስቅ ኣይብልን እዩ።(መዝ5)፡3)እቲ ኣብ የሩሳለም ቤተይሲ ቤተ ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩማ ቤተ ሸቀጥ ገበርኩማ ዝበለ ጎይታ ጉሒፉ ከየውጽኣና ከሎ ተተመለስና ሰናይ እዩ !።
ቃል ኣምላኽ ማቴዎስ ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም ንኣብርሃምሲ ካብዘን ኣእማን ከም እዚአ ዉሉድ ኬተንስኣሉ ን ኣምላኽ ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ ካብ ህጂ እኳ ማሕጸ  ናብቲ ጉንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ።እምበኣርሲ ጽቡቅ ዘይፈሪ ፍረ ዘበለ ኩሉ ኦም ይቁረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ ከም ተባህለ ጽቡቅ ዘይንፈሪ ነቲ ጽቡቅ መሐንኮሊ ተኾይና  ካብቲ ጉንዲ ዝኾነ ክርስቶስ ተቆሪጽና ናብ እቶን ሓዊ ክንድርበ ምኻና ንፍለጥ ።ማቴዎስ 3፡9-10።ማቴዎስ 7፡19።እንበኣር ፍቃድ ኣምላኽ ዝገብር ደኣ እንበር ኩሉ ጎይታይ ጎይታይ ዝብል መንግስተ ሰማይት ዝኣቱ ከም ዘይኮነ ባዕሉ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ተዛሪቡ ኣሎ እምበኣር ፍቃድ ኣምላኽ ንገብር ኣለናዶ ኣይንገብርን ነፍስና ንመርምር።(ደጉዓ ኤርምያስ 3፡40)ማቴዎስ 7፡21-23።ይቅጽል።

Friday 1 March 2013

2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ።


2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ።

ገለ ሰባት ነታ መናፈቕነት እትብል ዘይፈለጥዋ ክኾኑ ከለዉ። ገለ ግን መኣዘኣን ዘለዋ ሚዛንን ንምድኻም ኣብ ጠቅሞም ከውዕልዋ ይፍትኑ ምህላዎም ኢዩ።እስከ ገለ፡- ሰኣን ፍልጠት ካብ ዝበሃል።መዝሙርን መሳርሒ መዝሙርን ከምኡ እውን ባህሊ  ሃይማኖትን ንሰብ መናፍቅ የብሎዶ ትብሉ??።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ይብል ቃል ኣምላኽ።(ሆሴእ4፡6)ካብቲ ዘገርም ብዙሓት ሰባት ስለጠቅሞምን ስለ ሞያኦምን ክብሉ።ነቲ ዘይምምሃር ህዝብና ኣብ ሃይማኖት ተጠቂሞም።ን መሳርሒ ሙዚቃ ከም መፍለዪ እምነት ክጥቀምሉን ክምህሩሉን ይፍትኑ ምህላዎም ርእሱ ዝኸኣለ ምትእቲታው ዘይ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትምህርቲ ኢዩ።ሰብ ተደልዩ ብ እቲ ክቡር ኣቦና ቅዱስ ያረድ ዝገደፈልና ተደለና ባዕልና ዜማን ግጥምን ገርና ብደስ ዝበለና መሳርሒ ሙዚቃ ገርና ክንዝምር ንኽእል ኢና።እዚ ፍጹም ኢዩ ንሰብ መናፍቅ ዘየብሎ።ከምኡ ተኾይኑ እዘን ኩለን ዝጠቅሰን ኦርቶዶክሳውያን ኣብየተ ክርስትያናት መናፍቅ ኢየን ማለት ኢዩ።ነዚ ሎሚ ብመሰረት ጭብጢ ክንርእዮ ኢና።
ኣደ ቤተ ክርስትያና ዝኾነት ግብጺ ቤተ ክርስትያን መሳርሒ ሙዚቅ ትጥቀም http://www.youtube.com/watch?v=BziWchb-rsw።ናይ ሶርያ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን  ብኹሉ መሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ትጥቀም።http://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=w9L7pRmScXA። ናይ ህንዲ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ብ ሙዚቃ ኢዩ ክሳዕ እቲ ቅዳሴ ዝካየድhttp://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=ycs2lxM-WvE።ናይ ኣርማንያ ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ተሪኢና እውን ከምኡ።http://www.youtube.com/watch?v=1CRggbHt5wM ።ሰርብያ ኦርቶዶክስ ተሪኢና ከምኡ።http://www.youtube.com/watch?v=bewCMAjypqk።ሩስያ ኦርቶዶስ ተረኢና ከምኡ።ቡልጋርያ ኦርቶዶክስ http://www.youtube.com/watch?v=fGjBQsUQf60።
ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ብ ኦርጋንን ካልእ መሳርሒ ሙዚቃን ይጥቀማ።(2ይ ዜና5፡13)(2ይ ዜና7፡6)(2ይዜና29፡26)(2ይ ዜና16፡42)(2ይዜና34፡16)(2ይዜና 23፡13)ናይ ኤረትራ ተኾነት እውን ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ክሳዕ 2006 ትጥቀም ነይራ ኢያ።እዚ ንሕና ንጥቀመሉ ያረዳዊ ዜማ ዲዩ ከበሮ ብዘይካ ኣብ ኤረትራን ኢትዮጵያን ኣብ ካልእ ዝፈልጦ ፍጹም የሎን።እዚ ክብል ከለኹ እንታይ ክብለና ደልዩ ኢዩ ከም ትብሉ ይርድኣኒ ኢዩ።ዝብለኩም ዘለኹ ሰብ ብደስ ዝበሎ ክዝምር መሰሉ ኢዩ።ኩሉኹም በብኽእለትኩም ዋላ ብ ቴኖ ኣመስግንዎ ወይ ድማ ነመስግኖ። በዚ ክንሰሓሓብ ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኮነን።
መሳርሒ ሙዚቃ ኮነ ሓፈሻዊ መዝሙር መፍለዪ ሃይማኖት ኣይኮነን።መምዘኒ ኦርቶዶክሳዊነት ኣይኮነን።፡ኪኸውን እውን ኣይክእልን ኢዩ ስለምንታይ።ን ኣምላኽ መምለኺ ደኣ እንበር ዝምለኽ ስለ ዘይኮነ።ከምቲ ክትበልዕ ገሊኻ ብ ኢድካ ትበልዕ ገሊእካ ኸኣ ብ ማንካ ትበልዕ ኢዩ።ምስ እዞም ኣብየተ ክርስትያናት ብፍላይ ግብጽን፡ህንድን ኢትዮጵያን፡ኤርትራን ሶርያን ኣርማንያን ፡ምስኦምሲ ሓደ ቁርባና ሓደ መንበርና ኢና።እሞኸ መናፍቃን ኢዮም ዶ ክንብሎም ኢና።ከምኡ ተኾይኑ ናይ በይንና ተዋህዶ ሰብ ዘይፈለጣ ኣላትና ማለት ኢዩ።እዚ ኹሉ እንበኣር መምዘኒ መናፈቅነት ኣይኮነን።ነዚ ከም መምዘኒ መናፈቕነት ምሕሳብ ንገዛእ ርእሱ ካብ መናፈቕነት ዝተላዕለ ዘይርእሰ ተኣማንነት ኢዩ።
እንተኾነ ከምኡ ኣይኮነን ኪኸውን ዝግባእ።ናብቲ ግቡእ ኣጠቃቅምኡ ክንከይድ ከለና ግን መናፍቅ ዝበሃል ነቲ ትኽክለኛ ናይ እምነት ወንጌል ከፊሉ ዝኽሕድ ከፊሉ ኸኣ ዝቅበል፡ብጥርጥር ዝነብር።መሰረት እምነቱን እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቃል፡ ዝሓደገ ማለት ኢዩ።ን ቃል ኣምላኽ ዋላ እኳ ይቀበሎ ግንከ ብናቱ ፍልስፍና ከምኡ እውን ሓሳብ ቃል ኣምላኽ ሓዲጉ ዝጓዓዝ ማለት ኢዩ።ንክርስቶስ ከየምልኾ ዝጣራጠር፡ማለት ኢዩ።
መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ እንበኣር ቅድመ ምጥቃምና ክንፈልጦ ይግባእ።መናፍቅ ማለት ኣብ እምነት ዝጣራጠር ማለት ኢዩ።ሓደ ሰብ መናፍቅ ዝበሃል ኣንድነትን ሰለስትነትን ዘይቅበል፡ዝኽሕድ ዝቃወም፡ካብ ፍልስፍናኡን ስነ ሓሳቡን ብምብጋስ ካብ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ሕብረት ብምፍላይ ፡ኣብ እምነት ክርስቶስ ሰብ ንክርስቶስ ከይቅበሎ ጥርጥር ዝምህር፡ብፍላይ ኣብ እግዚኣብሄር ወልድ ዝኽሕድ እሞ ብተደጋጋሚ ግደፍ ኢልካ ምዒድካዮ ምስ መኸርካዮን እምቢለይ ኢሉ ተኣብዩ  እዚ ከም ዝተባላሸወን ሓጥእን ባዕሉ ንባዕሉ ዝኾነነ ሰብ ምኻኑ ፈሊጥካ ምስ ፈለኻዮ ኢካ መናፍቕ ኢዩ ትብል(ቲቶ3፡10) ኣይ ረታዕካዮ ኣያረዳእካዮ መናፍቕ ኢዩ፡ምባል ግን ክርስትያናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ።ንርእስኻ ኣብ ክሕደትን ኣብ ሓሶትን ትነብር ከም ዘለኻ፡ካብ ሕሱም ፍርሒ ዝተበገሰ ጭንቀትን፡ ኣብቲ ንስኻ ዘለካ እትሰብኮን እትኣምኖን ትምህርትን ቃልን እውን ርእሰ ተኣማኒነት ከም ዘይብልካን፡ከምኡ እንዳበልካ ካብ ሓልሃልታ ሓቂ ትድሕን መሲሉካ ይህውተት ከም ዘሎ ፡ዘቃልዕ።ይቅጽል ,,,, ናብ 3ይ ክፋል.,,,,,     
                         etiqalsgakone@gmail.com

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ።

                                                     

                        ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ።

                                                         ስብከት ብ ኣቦና ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ