Post più popolari

Saturday 18 January 2014

ኣተውዕል ማንም ኦርቶዶክሳዊ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከንቢቦ ይግባእ። መንግስቲ ኤርትራ ብደም መሳኽን ኤርትራውያን ን ኦርቶዶክስ ንምልማስ ይዋገ!!።

ኣተውዕል ማንም ኦርቶዶክሳዊ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከንቢቦ ይግባእ።
መንግስቲ ኤርትራ ብደም መሳኽን ኤርትራውያን ኦርቶዶክስ ንምልማስ ይዋገ!!
ኣይፋል ንኲናት እወ ንሰላም!።


መንግስቲ ኤርትራ ከም ወዮ ዝጨነቆያ ሰብኣይሲ ጥንስቲ ፈቲሑስ ጥንስቲ የእቱ ከም ተባህለ ህጂ እውን ብደም መሳኽን ኤርትራውያን ንምጥላዕ ዝገብሮ ዘሎ ፈንጠርጠር ይቅጺሎ ኣሎ።http://www.mfa.gov.eg/english/embassies/egyptian_embassy_eritrea/mediacenter/pages/NewsDetails.aspx?Source=6781921f-3993-444a-859e-ee26ce851de8&newsID=94759124-2fc9-40f4-bc7e-9b6c775530c2

ንስለ ፖሎቲካኡ ብህይወት መሳኽን ብንጹሃት ኣሕዋትና ብዝነስ ክጥቀም ይጎዪ ምህላዉ ኣትሪርና ንኹንን!!። 
ኣስታት ሓያል ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።መንግስቲ ኤርትራ ምስ ግብጺ ዕረቁኒ ኢሉ ቋረጣ ግብጺ ካብ ዝጽበ።ካብ ንሰምዕ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ መንግስቲ ኤርትራ ህጂ እውን ንረብሓ ግብጺ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ደም ንምፍሳስ ይጎዪ ኣሎ።ሎሚኸ ወዲ መን ኢዩ ክመውት ንረብሓ መን።መን ክኸስብ ብናይ መን ዋጋ ??!።ንግብጻውያ ፖሎቲከኛታት ንስኹም ኣብ ልዕሊ መንበረ ማርቆስ ፖፕ ታዋድሮስ 2 ጸቕጢ ግበሩ ነዚ ዝበራኽናዮ፡እተወገዘ ኣባ ደስቆሮስ ኣፍልጦ ተውሂብክሞ።ተቀቢልናዮ ተልኩም።መንበረ ማርቆስ ዝምድናኡ ምስ እቲ ተወገዘ መንበረ ፓትሪያርክ ኣስመራ እተገይሩ፡ ንሕና ኸኣ ኣጽዋር ተሂብኩምና ምስ ኢትዮጵያ ንዋግኣልኩም ቃል ኣትዩ ኣሎ ኣቶ ኢሳይያስ። 

መልሲ ኤርትራውያን ፡ቃልና ቃል ኤርትራውያን ግን ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ይኹን ግብጻውያን ነገሮም ብሰለማዊ መገዲ ከዕርፉ ኢና ንጽውዕን ንጽልን ሰላም ድማ ይሃቦም።ደምና ስለኻሊእ ዝፈሰሉ ምኽንያት ግን የሎን!!።ነዚ ኣብ ውሽጢ ዘለኹም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕሰቡሉ ጽባሕ ክንሓተኩም ምዃና ኣይትዘንግዑ።ጅግንነትኩም ንቅበሎ እኳ ተኾነ፡ግን ኣብ ጉዳይ ካልእ ደምና ክፈስስ!!!,,,።

መንግስተ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኒል ዘለና መርገጺ እውን ንቅይር ክብል ኢዩ ካብ ምምጻእ መሓሞድ ሞርሲ ጀሚሩ ክዛረብ ጸኒሑ።ኣቃልቦ ምስ ከልእዎ እውን ኢሳይያስ ፡ኒል ንኹሎም ይኣኽሎም ኢዩ ኢሉ ክምድር ተራእዩ፡ ኣብ ትቪ ኣቃልቦ ንምስሓብ ኢዩ እዚ ተዋስኦ። ብውሽጢ ጥራሕ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ሞርሲ እውን ኤርትራ ብሕቡእን ብግሁድን ብዙሕ ርክብ ኣካይዳ ኤርትራ።፡ካብኡ ካብቲ ኣርእስታት ኣጀንዳኦም ድማ ምስ መንበረ ማርቆስ ኣዛራሪቡና፡ተወገዘ ኣባ ደስቆሮስ ኣፍልጦ ይወሃቦ፡ህዝቢ ይለዓለና ስለ ዘሎ፡ክዕሾ ኣይክእልን  ዝብል ካብተን ዝደጋጋማ ኣርእስታት ምዃነን ካብ ቤት ጽሕፈት ምንስተር ወጻኢ ኤርትራ ዝመጸ ጽፉፍ ስላኽ ሓበሬታ የተንብ።ቀንዲ ዕላማ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኣጓኒፉዎ ዘሎ ፍሽለት፡ነዃል ንምኽዳን ንምትላል ኢዩ።ህጂ ድማ ብዋጋ ኒል ንሓቂ ሓሶት ከምስል ይጽዕር ኣሎ።እሞኾ ውግዘት ቀደማዊ እንጦንዮስ ዝገበሩዎ መን የልዕላ!!??።

ኣስተውዕል ኣታ ህዝቢ ይሽየጥ ኢየ እንተ ኢልካ ዳግማይ ህጂ እውን ተሸየጥ።ይታለል ኢየ ተልካ ጽቡቅ ገይርካ ተታለል።ኣነ ግን ይነግር ኣለኹ።

ንሕና ንኸይድ ኩሉ ግዜ ብደኮመንቲ ኢና ንኸይድ።ብዙሓት ካብ መንበረ ፓትሪያርክ ብገለ ጳጳሳት ዝሰትኽ ዘሎን፡ስታኽ ሓበሬታ ምንስተር ወጻኢ ጉዳያትን፡ተመሳሰልቲ ኢዮም።፡መንግስተ ኤርትራ ግብጻውያን ብኒል ዝመጸ፡ክሰምዑኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ግምት 95% ሚኢታዊት ኣለዎ ይብሉ።መንግስቲ ግብጺ እውን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብተኻእለ መጠን ጸቅጢ ክንገብር ኢና፡ ንኽቅበሊዎ፡እሞ ፅምኢዶ ክመቱ ኾይኖም ጉዳይ ኩላትና ኢዩ፡ክብል ኣብቲ ናይ ምሳሕ ተገብረሉ ጋብዞት ገሊፁ ይብሉ ተንተንቲ።እሞኸ ኤርትራውያንሲ ንሓሶት ግብጺ መታን ሓቂ ኢዩ ኢላ ክትምስክርሲ ኣብ ዘይ ጉዳዮም ክመቱ።ክልተ ሞት ኣኻሊ መግለጺ ኣይመስለንን።


ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ!
ንሕና ግብጻውያን ኣቦታት ብረብሓ ወይ ብናይ ስጋ ጠቅሚ ንሓቂ ፡ንሓይማኖት ክሸጡ ኢዮም ዝብል ግምት የብልናን!!።ብጸቅጢ ከምኡ ተጋኒፉ ግን ፡ንዕኦምን ንታሪኾምን ይምልከት ።እንተ ንሕና ብፍላይ ድማ ከም ውልቀ ካህን ግን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

ምኽንያት መጽሓፊና እንበር  ኣብ ፖሎቲካ ክንምድር ስለዝደለና ዘይኮነስ፡ኩሉ ግዜ ንተንኮል  መራሒ ኣስመራ ሰብ ነቂሑሉ ክጸንሕ ኢዩ። 


ጉዳይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጉዳይ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ኢዩ።ስለዝኾነ ድማ ኢዩ።ኣብቲ ፈለማ ብዘይ ሕጊ ብዕልዋ ኣቡነ እንጠንዮስ ከውርዱዎም ከለዉ፡ኣይፋል ዝበልና ኤርትራውያን።ኣይፋል ዝበልና ድማ ግብጺ ስለ ዘይተቀበሊዎ ዋላ ዓለም ስለዘይተቀበለቶ ዘይኮነስ ኣቡነ ደስቆሮስ ኮነ ጉባኤኦም ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስለ ተወገዙን ባዕሎም ድማ ካብ ሰንሰለት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ስለዝወጹን ኢዩ።ሕሪኡ ድማ ግብጺ እውን ነቲ ዝተገብረ ሓጥያትን ዕልወትን ኢዩ ኢሎም ኮኒኖሞ ምሳና ሓቢሮም።እንተዘይ ይኹኒንዎ እውን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ፓትሪያርክ ክህልዉ ስለዘይከኣል ብፍላይ ድማ ኣባ ደስቆሮስ ዉጉዝ ስለዝኾኑ ፍጹም ኢዩ፡ብህይወትና ከለና እምነትና ብሓደ ዉጉዝ ኣቡን ክምሕደር ዘይንቅበሎ!!

ንሕና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ኣብ እምነትናን ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያናን ጉዳይ ሃይማኖትናን ዋጋ ዕዳጋ ንኣትወሉ የሎን!!።በቲ ሓዊ ደኣ ንሓልፍ እንበር። መንግስቲ ኤርትራ እውን ካብ ናብ ግብጺ ናብ ገለ ዝግዕር መዓጹ ካልኦት ሃገራት ክኹሕኩሕ ካብ ዝፍትን እቲ መፍትሒ ምስኡ ኢዩ ዘሎ።ንሱ ድማ ንሕጋዊ ፓትሪያርክ ናብ መንበሮም መሊስካ ውግዘተይ የልዕል ኢሎም ዓሪቅካ ሰላም ዝሰፈና ኤርትራ ምፍጣር ኢዩ።ኣይኮነን ግን ብረብሓ በዚኣ ተስሊጠ ይኸስብ ዝበሃል ነገር ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ለቢሙ ኢዩ።ትማሊ ማለት ሎሚ ኣይኮነን!።ንምዃኑ እቶም ፓትሪያርክ ንዓና ኣይኮኑን ክመርሑ ዋእ ዘይንደልዮም ብኸመይ ብሓይሊ ግድን ንበሃል ሃይማኖት እኮ ምርጫ ኢዩ።


ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ከም ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ናታ ሕግን ስርዓትን ኣለዋ።ሕግን ስርዓትን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ፓትሪያርክ ዝወርድ በዚ መምዘኒ ኢዚ ኢዩ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ክፈልጦ፡-
ኣንቀጽ 93 እቲ ፓትሪያርክ ንሃይማኖት ተዋህዶ ኮነ ንትምህርቲ መለኮት ዘፍልስ፡ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዘይሕሉ፡መዓርጉ ዘጽጽርፍ ኮይኑ እንተ ተረኽበ ብሲኖዶስ ምስ ተጸንዐ ብናይ ሲኖዶስ ዉሳኔ ካብ መዓርጉ ከም ዝወርድ ይግበር።ካብ መዓርጉ ቅድመ ምውራዱ ግን ምእንቲ መሰሉ ኪከራኸር መሰሉ ሕሉው ኢዩ።ብተወሳኺ እቲ ፓትሪያርክ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ እንተ ደኺሙ ምዝራብ ዘይኽእል እንተኾይኑ ሓካይምን ፍርቂ ናይ ሲኖዶስ ኣባላት ዘይምኽኣሉ እንተ ኣሚኖም ወይ ፍርቂ ኣባላት ሲኖዶስ ጉባኤ ይገብር ኢሎም እንተ ሓተቶም ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት እምምቢ እንተ በለካብ መዓርጉ ከም ዚወርድ ይግበር። ይብል ሕጊ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ። 

እዚ ኾይኑ እንዳ ሃለወ ግን ኣቦና ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ዋላ ሓንቲ እካ ትኹን ክሲ ኣይቀረበቶምን። ግናኸ ሰይጣን ጸላኤ ሠናያት ሓሶትን ክፍኣትን ምምሃዝ ስለ ዘየጸግሞ፥ ነዞም ርህሩህ መንፈሳዊ ኣቦና 3 ፓትርያርክ፥ ብዘይ ሓደ ጌጋን ስሕተትን፥ ብጸለመ-ሓሶት ሃይማኖት ቀይሮም፥ ዶላር ሒዞም፥ ንሲኖዶስ ምስራሕ ከሊኦም፥ ኣንጻር መንግሥቲ ኮይኖም,,ወዘተ ብዙሕ ጽያፍን ንኽትስምዖ ዘስደምም ወረን ቤላ በለዉ ጥራሕ በቶም መሳርሒ ክፍኣት ንክኾኑ ሕልንኦም ዝሸጡ ሰባት ሓሶት ተነዚሑ። እዚ ፈጠራ-ሓሶት እዚ ኣብ ልቢ ገለ ሰባት ብግርህነት ተቐባልነት ረኹቡ።
 በቶም  ብሓቂ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁን ሕጊ ሃይማኖት ዝፈልጡን እሙናት ኦርቶዶክሳውያን ግና ነዚ ዘሕፍር ግብሪ ብትሪ ተቓወምዎ። በዚ መሠረት ዘይብሉ ሓሶትን ጥልመትን ድማ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 9 ዓመታት ኣብ ዓዘቕቲ ውግዘትን ምፍልላይን ኣተወት ነዛ ዝኣተወት ውግዘት ናይ ፓፕ መጺኡ ኣየዐርያ ዋላ ናይ ካሊእ ሃገር ፓትሪያርክ መጺኡ ነዚኣ ከዕርያ እልን ኢዩ ።ዝኣሰረ ኢዩ ዝፈትሕ፡ኣብ ዘይኣሰርካዮ ምቅልቃል ግን ኣብ ውግዘት ምጽንባር ማለት ኢዩ።ዝኽእሉ እንኮ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም፡ተተኻኢሉ ድማ ተነሳሕቲ ናብኦም ክኸዱ ይግባእ።

ስለዚ እንበኣር ምናልባሽሃካይሲ ቀልቀል ከይኸይድሲ ይፈሱ” ከም ዝበሃል ትህኪት ዪኸውን ከምኡ ዝገብር ዘሎ።ነታ ናብ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ትጓዓዝ ዘላ ኤርትራ ፈውሲ ግን ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምውጻእ ኢዩ።እቲ ነባሪ ፍታሕ እዚ ጥራሕ ኢዩ።እዚ ዝገብሩዎ ዘለዉ ግን ንሱ ኣይኮነን።ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ጉዳይ ኣብ ኢድ ግብጺ ዘይኮነስ ኣብ ኢድና ኣብ ኢድ ኣገልገልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኢዩ፡ ዘሎ።ዕርቂ ዝደለየ ድማ ምስ ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጦንዮስ ይዛራረብ።ኣብ ኣመሪካ ወይ ድማ ካይሮ ኣይኮነን ዘሎ ፍታሕ። “ላምስያ ቢኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ” ዲዩ ዝተባህለ። ምስ ካልእ ምዝታይ እሞ ድማ ብዋጋ ደም መሳኽን ኤርትራውያን ንዕቀትን ኣስተሓቃርን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ !!
ኢትዮጵያን ግብጽን ጉዳዮም ንዕኦም ይምልከት ኣሕዋትና ደሞም ብኸንቱ ዝፈሲሰሉ ምኽንያት የሎን።ግብጻውያን ብኾፎም በጽዋሮም፡።ከዋግኡና፡እሞ ድማ ፓትሪያክ ፈሊጥኩምዶ ዋላ ኣይፈለጥኩምን ኢልካስ ኣብ ኣፍ ሞት ኮንካ ምንስሃግ ኢዩ። ኣምላኽ ዘይተቀበሎም ብዕልዋ ዝመጹስ ንስለ ፖሎቲካ ዝግበርከ ኣምላኽ ነታ ሃገር ምሕረት ይዕዲላዶ!።መቸስ መራሕቲ ሃይማኖት ዘይቀንዑዶ ፖሎቲከኛታት ክቀንዑ ብኹሉ ዝተሃስየት ሃገር ምስኪን ኤርትራ!።


እቲ ጉዳይ ጉዳይና ኢዩ።ጉዳይ ሓደ ምንስተር ኣይኮነ ዋላ ጉዳይ ሃደ ፖሎቲከኛ ዋላ ጉዳይ ካሊእ ቤተ ክርስቲያናት።ቁምነገሩ ድማ ኣባ ደስቆሮስ ቅድም ቀዳድም ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስ ብብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጦንዮስ ስለተወገዙ ዉጉዝ ድማ ኣንኳን ክመርሕሲ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ክኸውን እኳ ስለዘይፍቀድ ኢዩ። ብዓንቀጽ ጋንግራ 325-381.. ቀኖና 3) ናይ 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት መሰረት።ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉንከም ዝብሎ መሰረት ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘረባ ዘበጻጽሑ ዝነበሩ ኣባ ደስቆርስ ደው ከብሊዎ ኢዮም ብውግዘት ኣጠንቂቖሞም። ምስ ኣበዩ ድማ ኣውጊዘሞም።ነዚ ስዒሮም ምግልጋሎ ድማ ዋላ ይጠዓሱ ኣይጠዓሱ ንድሕሪ ህጂ ኣቡን ኮይኖም ናይ ምግልጋል ዕድሎም ኣብቂዑ ኢዩ።


2
ይ. ድማ በቲ 2000 ዓመት ዝገበረ ሕጊ ፓትሪያርክ ኪኾኑ ስለዘየፍቅደሎምን ዉጉዝ ስለዝገብሮምን ኢዩ።እቲ ምስጢር ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ስለዝብል። ቀኖና ድማ ማንም ውልቀ ኣካል ሰብ ስለዘይቅየር፡ ግብጺ ፈሊጦሞዶ ኣይፈለጥዎን ኣይኮነን፡እቲ ሕቶ ፡ሕቶና ኢዩ፡ቀኖና ኦርቶዶክስ እንታይ ይብል ኢዩ።ግብጻዊ ይኹን ዋላ ኤርትራዊ ድማ ነዚ ቀኖና እዚ እንተ ኣፍሪሱ ኣይክንሰምዖን ኢና።ስለምንታይ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ስለዝብል፡

ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5 172- 185) ስለዝብል ዋላ ዓለም ምልእቲ ይቀበሎም ኣይንቅበልን ኢና።ብፍርሒ ራዕዲ ዝኣተዎ ኹሉ ኻብ እምባ ጊልዓድ ይመለስ(መሳ73) ንሕና ግን ኣብ ጎድኒ እቲ ጊዴዎን ዝኾነ ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትና ቀደማዊ እንጦንዮስ፡ቆይምናኣለና።

ሓደ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሓንቲ ኦርቶዶክስ ሓንቲ ኤርትራ ሓንቲ እምነት ሓደ ኣምላኽ ሓደ ጥምቀት ናይ ዘለኣለም ጭርሖና ኪኸውን ኢዩ።ፈሪሕና ድሕሪት ኣይክንምለስንዚፈርሕ ኩሉ ግን ካባና ይርሓቅ ይመለስ። ሓቂ ብብዝሒ ኣይኮነን መምዘኒኡ ሒዙዎ ዘሎ ቁምነገር እንበር።

በዚ ኣጋጣሚ ዝብሎ ድማ ኩሉ ሰብ ስለ ወላዲት ሃገሩ ኤርትራን ስለ ናይ ከባቢኣ ሰላምን ክጽሊ።ንኹሎም እሱራት ኤርትራ ካብ ቀደማዊ እንጦንዮስ ጀሚርካ  ስለኦም ብጾሎት ክነቅሕን ይጽውዕ!!።
እግዚኣብሄር እምነትናን ደብርናን ቤተ ክርስቲያናን ፓትሪያርክናን ሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ ኣምላኽ ድማ ነቶም ንሓላፊት ዓለም ክብሉ ኣብ ጽዩፍ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ናይ ንስሓ ዕድመ ሂቡ ናብ ልቦም ይምለሶም ንብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጦንዮስ ድማ ነዚ ዘሕልፉዎ ዘለዎ መከራ መስቀል ዘዘንትዉሉ ግዜ የምጽኣሎም፡ኣሜን!! 

ቀሺ ሙሴ ሽሻይ 
ካህን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን
ጥሪ 17/01/2014 
ኣውረጳ