Post più popolari

Tuesday 26 February 2013

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።


መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መናፈቅነት እትብል ቃል ዘላቶም ርድኢት  ከምቲ ዝግብኣ ኣይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይፈለጡዋን እውን ዘለዉ።በዚ ድማ ዋላ ንኣመንቲ ከይተረፈ መናፍቅ ዝብሉ ከምኡ እውን ንረብሓኦም ክብሉ።እዚ ደኣ መናፍቅ እንድዩ ክብሉ ፡ንሰባት ከግልሉ ካብ ቅንኢ ብምብጋስ ናቶም ኣካይዳን ናቶም ኣተሓሳስባን ስለ ዘይተጠቀመ ጥራሕ መናፍቅ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ድማ ሰኣን እኩል ፍልጠት ቤተ ክርስትያን ሰብ ክገድፋን ጥርሓ ክትተርፍን፡ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ።ኩሉ መታን ክፈልጦ ከይንታለል ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክንሪኦ ኢና።
ቀዳማይ ነገር ትምህርትን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ እንታይ ኢዩ??።ኢልና ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ ንቅድመና።ነዚ ቃል እዚ ኣብቲ ናይ ኤረትራ ሕጊ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ሰፊሩልና ኣሎ።ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምዕራፍ ሓደ ዓንቀጽ1 መሠረተ ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 81 መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ንዝኾነ እንሆ ምላሽ እንበኣር ካብዚ መጽሓፍ እዚ መሰረት ክኸውን ኣለዎ።
መናፍቅ ዝበሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ተልና ናብቲ ቋንቋና ተተርጊምናዮ ፡ነፈቀ፡መቀለ፡ከፈለ ተጣራጠረ ተዋላወለ ማለት ኪኸውን ከሎ።መናፍቅ ዝብል ቃል መበገሲኡ ላቲን ኮይኑ”ሂሪቲክስ”(heretic)ዝብል ኮይኑ ኣብቲ መጀመርታ ሃዋርያት ወንጌል እንዳሰበኹ ከለዉ ኣይሁድ ንምንሻው ዘውጽእሎም ወይ ድማ ዝብልዎም ዝነበሩ ኢዩ።ስለዚ ማናፈቅነት እትብል ስም በቲ ሓደ ወገን ሃዋርያት ዝጽውዕሉ ነበሩ ስም እውን ኢዩ ነይሩ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ስም እዚኣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡ኣንብብ(ግብ24፡14)ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ እናኣመንኩ፡በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ን ኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።
ኣብ ግእዝን ኣረዳድኣ ቋንቋናን ተሪኢና መናፍቅ ንእትብል ቃል ነቶም ብክርስቶስ ዘይኣመንቲ ኮይና ተገልግል ነይራ ኣብ ናይ ኣቦታት ታሪኽ።እዚ ድማ ገለ ክርስትያናት ንክርስቶስ ምእማን ንዝኣበየ ሰብ ፡ነቲ ናይ ክርስቶስ እምነት እንተ ተጣራጢርዎ ንዕኡ ክህቡዎ ንርኢ። ን ሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ኢዩ ተጠንቀቅሉ ክትብል ከለኻ ግን ጽላለ ጥራሕ ኢዩ።ስለምንታይ ንብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ምባል፡ነቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሃዋርያት ዝገብሩዎ ነበሩ ምድጋም ማለት ኢዩ።ኣንብብ(ግብ24፡14)
ብርግጽ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን መናፍቅ ምባል ፍርዲ ኣለዎ።ስለምንታይ ንሱ ብኣይ ዝኣምን ኩኔነ የብሉን ይብል ኣሎ።ኣንብብ(ሮሜ8፡1)ከመይ ገርካ ደኣ ኢዩ፡ንሓደ ብክርስቶስ ኣማኒ መናፍቅ ምባል፡ምፍራድ ዶ ኣይኮነን።ገለ ሰባት ስርዓት ናይታ ዝነብሩላ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘይተቀበለ፡እዚ ደኣ መናፍቅ እንዲዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚኦም ግን ምእንቲ ስርዓቶም ክብሉ ቃል ኣምላኽ ከንቱ ምግባር ኢዩ።ኣንብብ(ማቴ15፡6)ጎይታ ሓደ ግዜ ከምዚ ምስ ኣጓነፎ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡”ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ክትብሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣለኹም”።በሎም።እዞም ብክርስቶስ ዘሎ ኩኔነ የብሉን እንዳበለ ቃል ኣምላኽ ንሶም ግን መናፍቅ ኢዩ።ከሓዲ ኢዩ ፡ከምዚ ኢዩ። ኣማኒ ዘይኮነ ዝብሉ እንበኣር። ምእንቲ ስርዓቶም ቃል ኣምላኽ የፍርሱ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ፡ንስኻ ኸ ካብቶም ኮነንቲ ዲኻ።ወይስ ነዚ ቃል እዚ ብልክዕ ትርድኦ ኢኻ?/።
ስርዓት ቤተ ክርስትያን ተሪኢና እተን ኦርቶዶክስ ዝበሃላ ኣብያተ ክርስትያናት ጥራሕ ኣብ ካልእ ከይበጻሕና ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ስርዓት ኣለወን ግንከ ኦርቶዶክሳውያን ኢየን።ገሊአን ኣብ ክርስትና ኣለና እንዳበላ ኦሪታዊ ዓይነት፡ ስርዓት ዝኽተላን፡ ክኾና ከለዋ።(ቆሎ2፡20-22) (2ይቆሮ3፡15)ገሊአን ግን ብልክዕ በቲ ወንጌል ብምኻድ ንሕና ሰብ ሓዲሽ ኪዳን ኢና ዝብላ ኢየን ።እንተኾነ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ስርዓታ ስለ ዘይተቀበለት መናፍቕ ኢያ ኣይትብላን ኢያ።ስለምንታይ ንሕና እምነትና ኣብ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ደኣ እንበር ኣብ ስርዓት ሰብ ስለ ዘይኮነ።በዚ ድማ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፡ ናታ ስርዓት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሳማማዕ ናታ ስርዓት ክትሕንጽጽ ትኽእል ኢያ።ተኾነ መንፊቃ ማለት ኣይኮነን።
ናብዚ ናይ ሃገርና ኣዛራርባ ተሪኢና ግን ነታ መናፍቅ ትብል ቃል ግእዝ ኮይና ብትግርኛ ግን ፡ተጣራጣሪ፡ተዋላዋሊ፡ብምብዛሕ ዝጋገ፡ ዝብል ኮይኑ።ኣብ ኣጠቃቅመኣ ግን ዋላ ዋና ኣይረኸበትን ዘላ።እቶም ብ ክርስቶስ ዘይኣመንቲ፡ ከም ክርስቶስ ንክርስቶስ ዘይተቀበልዎን  ዘይፈለጥዎን ፡ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑንን ወንጌል ዝሰብኩን ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑን ዝስዕቡን ከም መዘለፍን ከም መለለይን ክጥቀሙላ ኢና ንዕዘብ ዘለና።ንሱ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንድዩ ከንብብ ዝውዕል መንፋቅ እንዲዩ።ገሪሙኒ !!ንሱ ደኣ ጊዳትር ገይሩ እንዲዩ ዝዝምር መናፍቅ እንዲዩ ይብሉ ዋእ ሓደ ሓደ ግዜ ምስ መን ትነብር ኣለኻ ክሳዕ ዘጽልኣካ ሃተውተው ክትሰምዕ፡ክሳዕ ትጸልኦ ትኸውን፡ርእሱ ዝኸኣለ ገድሊ ተሕልፍ።እዚ ፍጹም ን ሰብ መናፍቅ ኣየብሎን ኢዩ።ንዝኾነ ዘለካ ሓሳብ ክትህብ ቦታ ክፉት ኢዩ።ይቅጽል,,,,,ናብ ካልኣይ ክፋል ይቅጽል
          etiqalsgakone@gmail.com

Saturday 23 February 2013

4ይ ክፋል ውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን::


4ይ ክፋል ውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን
ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን::

ባህሪ ክርስትያናት ጠፊኡ ባህሪ ኣይሁዳውነት ባህሪ ኣይሁዳውነት ድማ ናይ ውሽጢ ዘይኮነስ ናይ ደገ ኣይሁዳውነት ካብ ዝነግስ ክንደይ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ ።ሰንኪ እዞም ግቡዛት መምህራን እዚኦም።እንሆ ድማ እቲ ፍረና፡ይርአ ኣብ ህይወት ኣመንትና ዘሎ መልክዕ ፈረ ዕዮና ኢዩ።ሰዓብትና ስለምንታይ ኢዮም ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት መስተን ትልሂትን፡ዝሙቱን፡፡ዝኸዱ ዘለዉ!!??።ክንደይ ሚኢታዊት ኢዮም፡ካብ ኣመንትና ስርዓተ ቅዱስ ቁርባን ዝወስዱ??።ክንደይ ካብኦም ስርዓት ቤተ ክርስትያን ይፍጽሙን ይፈልጡን??።።ፍትሕ፡ፍርሃት ኣምላኽ ዘይምህላው፡ገበን ምብዛሕ፡ኣብ ኤረትራን ኢትዮጵያን ካብቶም ሰብ ዝቀትሉን ሰብ ዝሸጡን እዞም ክርስትያናት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ  ኢዮም።መልክዕና እዚ ኢዩ እኮ።
እዚ ድማ እቲ ቤተ ክርስትያን ዘጽንሐቶ ጥንታዊ ሃዋርያዊ ትምህርቲ ብግቡእ ስለ ዘይመገብናዮም ኢዮም።ን ኣመንቲ ክርስቶስ ኣብ ዓይኖም ክሳዕ ዝሰኣል ስለ ዘይጸዓርናን ኢዩ።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ንሰብ ገላትያ ይዛረብ።(ገላ4፡19)ደቀየ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣለኹ፡ኢሉ ከም ዝተዛረቦ ክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ክሳዕ ዝሰኣል ዝገደፍካ ገዲፍካ ክጸዓር ኣለዎ።
ስለምንታይ ሰብ ናይ ክርስቶስ ተዘይ ኮይኑ ፡ንክርስቶስ ከም ክርስቶስ ተዘይ ተቀቢልዎ፡ብክርስቶስ ተዘይኣሚኑ፡ዝገበረ ይግበር፡መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ።ኣብ ልቢ ሰብ ክሓድር ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ኢዩ።
እዚ ኢየሱስ ዝበሃል ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣመንትና ዶ ኣሎ ዋላስ ኣብ ልብን ዓይን ኣመንትና ካልኦት ኢዮም፡ተሳኢሎም ዘለዉ፡እንፈልልጦ ሓቂ ኢዩ።ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ኣመንትና ክሰኣል ተኾይኑ፡ ድማ ብልክዕ ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራሕ ክመሃሩ ኣለዎም።ሰኣን ብዘይ ክርስቶስ ምድሓን የለን ምባል ክንደይ ሰባት ኢዮም።በዚ ክንድሕን በዚ እባ ክብሉ ግዜ ዘጥፍኡን ዝደኽሙን ዘለዉ።(ግብ4፡12)እዚ ድማ ሰንኪ እዞም ብደገኦም ክርስትያናት ብውሽጦም ግን ሉቅሉቃት መቃብር መምህራን ዝመጸ ኢዩ።(ማቴ23፡27)(መዝ5፡9)(ሮሜ3፡13)ሎሚ ሰንኮም ቤተ ክርስትያን ሰብ ክጽየፋ ኮይና ኣላ።ክንደይ ኣመንትና እምነቶም ገዲፎም ከይዶም።በቲ ንሶም ዝገብሩዎ ዘይ ክርስትያናዊ ባህርን ህይወትን ከምዚ እንዲዩ እምነትኩም ኢሎም ዝጻረፉናን ዘስተናዕቁናን ብዙሓት ኢዮም ዘጓንፉና።ንሶም ዝተነድቀ ምፍራስ፡ዝተተኽለ ምብንቋስ እንበር፡ክተኽሉ ኣይኮነሎምን።ስርዓት ኣምልኾ ደኣ እንበር ኣምልኾ ኣይርድኦምን ኢዩ።(2ይጢሞ3፡5-7)(1ይጢሞ3፡16)(ያዕ1፡27)
(ዮሃ8፡7)ደጊሞም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡
ቅንዕ ኢሉ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ
።ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ በሎም።
ኣምልኾ ክበሃል ከሎ ኩሉ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣምላኽ ዝተሓሓዝ ኢዩ።ኣምልኾ ካብ ቤት ኣምላኽ ንኸዳኽሙን ንዕኡ ክቀትሉን፡ነዚ ህይወት እዚ ኣብታ ክርስቶስ ብደሙ ዘንጸሃ ቤተ ክርስትያን ንኸተአታትዉን፡ክንደይ ኣገልገልቲ ኢዮም ኣብሪሶም በጺሖሞ።ካብቲ ቅድመ ኣማኢት ዓመታት ዝተቀትለ ቅዱስ እስጢፋኖስን ልዕሊ 300 መነኮሳቱን ኣትሒዝካ ህያው ናይቶም ዘጥፍእዎም ንጹሃት ነፍሳት ኢዮም።
   ኣብ ባህልን ልምድን ኢዮም ዘተኩሩ።(ቆሎ2።23)(1ይጢሞ6፡3)ንልምዶምን ባህሎምን ክብሉ ድማ ቃል ኣምላኽ ይሰብሩ።(1ይቆሮ2፡2-3)ምእንቲ ስርዓቶም ክብሉ ን ቃል ኣምላኽ የፍርሱ።(ማቴ15፡3)(ማቴ15፡6)(ማር7፡9)ነዚ ተተቃዊምካ ድማ ሓቂ ብምዝራብካ ጸላኢ ኢዮም ዝቆጽሩኻ፡ምስ ምሉእ እምነትካ ከለኻ ርዲኢትካ ተገሊጽካ ዝመጸካ ውርደት፡ማእለያ የብሉን።እዚ ኹሉ ዝገብሩዎ ፈሪሳውነት ህጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ እንበር ካብ ቅዱሳን ዋላ ሓደ እኳ ነቢሩሉ ኣይፈልጥን።(ገላ4፡16)
ሎሚ ነዚኦም ምድንኳል የድሊያ ቤተ ክርስትያን።(ሉቃ19፡46)(ኤር7፡11)ተዘየለ ግን ስመይ ከይጽልም ኢልካ ትም ምባል ቤት ኣምላኽ እንዳተበደለ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ዘሕትት ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ከመንዝሩዋ ምፍቃድ ኢዩ።
ቤተ ክርስትያን መርዓት ክርስቶስ ኢያ፡መርዓት ከኣ ግዝእትን ኣካልን መርዓዌኣ ደኣ እንበር ግዝእቲ ወይ ድማ ሞግዚት ካልእ ኣይትኸውንን ኢያ።ንሳስ ን መርዓዊኣ ደኣ ፍቅራን ክብሩን ትገልጸሉ።ንሳ ብዛዕባ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኣይትዛረብን፡ኣብኦም ዘለዋ ክብሪ እኳ ኣብ በትኡ ተሎ ግን እትገብሮ ኩሉ ንመርዓዊኣ ኢያ እትገብሮ።ንሳ ብዛዕባ መርዓዊኣ ኢያ ትዛረብ።(መኃልየ መኃልየ2፡3)(መኃልየ መኃልየ2፡16)(መኃልየ መኃልየ2፡8/6፡3/እታ ፍትውቲ ብዛዕባ ፍቱዋ ክትዛረብ ደኣ ንቡር።
ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ወለዶ ከተጥሪ ተኾንካ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቅሩን ዕቤቱን ክትዛረብ ኣለካ።ናይቶም ናይ ደገ ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ሰባት ጎይታ ዝተቃወሞምም ተሪኢና ድማ ኣብዚ ኢዩ ነይሩ ጸገሞም።ን ህዝቦም ፍቅሪ ኣምላኽ ክንዲ ዝምህሩዎ ዋላ ነቲ ትእዛዝ ኣምላኽ ብሓይሊ ከም ዝቅበሎ ይገብሩ ነበሩ።ንባዕሎም በጻብዕቶም ዘይትንክፉዎ ክንሶምሶ ነቲ ህዝቢ ግን ከቢድ ጾር የሰክምዎ ነበሩ።(ሉቃ11፡46)ብድልየቱ ከም ዝገብር እውን ኣየእምንዎን ነበሩ። ስለምንታይ፡ንሶም መን ክጻረፈሎምን መን ኪካሰሰሎም ነተን መጓሰ ክምህሩወን። በዚ ድማ ከም ልማድ ወሲዶሞ ትምህርቶም ንዘዝመጸ መናፍቅ ኢዩ ኢሎም ምኽሳስን ህዝቢ ምንዓብን ጥራሕ ነበረ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ብእኦም ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበ ፡ከምዚ በለ”ኣነ ግና ኣብ ግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ እናኣመንኩ፡በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ን ኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡እዚ እእመነልካ ኣለኩ”ክብል ነቲ መስፍን መስኪሩሉ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,, ናብ 5ይ ክፋል

Thursday 21 February 2013

3ይ ክፋል ክቕበር ዘይኽእል ሓቂ !!ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!።


3ይ ክፋል ብሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም
 ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!።

ኢየሱስ ስሙ ኣልዒልካ ዘይምኖ ህያው ኢዩ።ኩሉ ግዜ ሓድሽ።ኩሉ ግዜ ምቁር ዘይምኖ ስም።ሽም ኢየሱስ በይኑ መድሓኒት ዝኾነ ስም ኢዩ።በዚ ስም እዚ ኢና ተፈዊስና ካብ ክንደይ መናፍስቲ ተላቂቅና ህይወትና ምስክር ኢና።ኣጋንንቲ ነዚ ስም እዚ ክሰምዑ ብጣዕሚ ኢዮም ልቦም ዝቃጸል።ዋላ ህይወትና ብዘሰቅቅ ትሕለፍ ክንሓድጎ ዘይኮነለና ኩቡር ስም።በዚ ስም እዚ ጥራሕ ክንኣምን ሃዋርያት ተላቢዮም(ግብ16፡32) ብሓቂ የሱስ ክርስቶስ ምስትንፋስና ኢዩ።በዚ ስም እዚ ዋዛ የለን በዚ ስም እዚ ቀልዲ የሎን።ዝገርመኒ ግን ብዙሓት ንዝምር ኣለና ይብሉ።ብዙሓት ንደርስ ኣለና ይብሉ።ግን ከምዚ መዝሙር እዚ ዝበለ መዝሙር ብትግርኛ ዘይምህላዉ ይሓዝን !!። ኢየሱስ ኢላ ብግልጺ ዝተዘመረት መዝሙር ኣብዚ 20 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣላዶ!!??።ሰማዒ ይመልሶ፡ፈተና ከይመጸካ ፈሪሕካ፡ ስም እቲ ክቡር መድሓኒ ካብ ምልዓል ሕንኪ ካብ ኮነ ደኣ ኣየተዓዛዝብን ዶ!!።
ኢየሱ ኢዩ ግን እቲ ፈውሲ ኢየሱስ ኢዩ እቲ ዝህብ ዕረፍቲ።ንምንታይ ኢዩ እቲ ኢየሱስ ኢልካ ከይዝረብ ዝዓገት ዘሎ።ርኹሳት መናፍስቲ ራሕ ኢዮም ነዛ ስም ኢየሱስ ዝጸልእዋ።ኢየሱስ ንጉስ ።ኢየሱስ ህያው።ኢየሱስ ጎይታ።ኢየሱስ መድሓኒ፡ፈውሲ፡ክቡር ።እስከ ኢየሱስ ኢልኩም ስበኹ።እቶም ሰማዕትኹም ክባርኹ።ተለዊጦም ክትርእይዎም ማሕበርኩም ሰላም ክወርዶም።ኣብታ ተገልግልዎ ዘለኹም ቤተ ክርስትያን ካብ ኣርያም ፍሉይ ሰላም ፍቅሪ ክወርድ ክትርእዩ።
ስለምንታይ ከ ኣብ ኢድኩም ፈውሲ ከሎ ናብ እንዳ ጠንቋሊ ትኸዱ፡ስለምንታይ ከ ካልእ ትጥቀሙ ኢየሱስ ፈውሲ እኮ ምሳኹም ኣሎ።ስለምንታይ ትጭነቁ ኢየሱስ ፈውሲ ጨንቂ እኮ ምሳኹም ኣሎ፡እስከ ብልብኹም ኣብኡ ንበሩ።
ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ እስከ በል፡ምሳኻ ዘሎ ትዕቢትን፡ስድነትን ክርሕቅ፡ምሳዃ ዘሎ ካብኡ ዝፈልየካ ፈሪሳውነት ክርሕቅ፡ምሳኻ ዘሎ ኣነንትነት ክርሕቅ፡ነዚ ስም እዚ ትቃወም ተሊኻ ግን ክሳዕ ህጂ ኣብ እምነት ኣይሁድ ኢኻ ዘለኻ።ዋላ ይኣምኖ በል ካብ ዘይመስከርካሉ ብምንታይ ኢኻ ትፍለጥ።ኢየሱስ ዓርኪ ሓጥያተኛታት።(ማቴ11፡19) ኢየሱስ ዘይፍንፍን ፡ኢየሱስ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቅ።(ዮሃ1።19)ንሕና በዛ ስም እዚኣ ፈጺምና ኣይንሓፍርን ኢና ንስኻ ኸ??።
ኣታ ሰብ ናትካ ህይወት ኢየሱስ ኢዩ።ንሱ ጥራሕ በይኑ ብቅጽበት ከድሕን ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ።እስከ ምሃረኒ ንበሎ።ክንደይ ሰባት ስሙ ጸዊዖም ምሒርዎም።(ማር10፡48)።ኢየሱስ መድሓኒየይ ኢዩ ኢለ ክምስክር ዘሕንኸኒ የብለይን።እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ።ኣብ ሞንጎ ኣይሁድን ኣብ ሞንጎ ሃዋርያትን ካብ ዚነበረ ክርክር በዛ ስም እዚኣ ጥራሕ ኢዩ።ኣይሁድ እግዚኣብሄር እዚ ይብል ኣሎ ክብሉ ከለዉ ሃዋርያት ዲዩ ነበያት ዋላ ሓደ ኣይቃወሙን ነሮም፡ኢየሱስ እትብል ቃል ክሰምዑ ከለዉ ግን ብጣዕሚ ኢዩ፡ልቦም ዝነዶም ዝነበረ።ሎሚ ንስኻ ክርስትያን ኢየ እንዳበልካ ኣብዚ ህይወት እዚ ከይትህሉ ብ ዓይኒ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍስኻ መርምራ።
እዞም ኹሎም ኢየሱስ ጥራሕ ኣይትበሉ ዝብሉና ደኣ እሞ፡ዝብልዎስ ይርድእዎዶ ኣለዉ፡ኢየሱስ ጥራሕ ኣይትስበኹ።ኢየሱስ ጥራሕ ኢልኩም ኣይትዘምሩ!!።ገረመኒ ናይ ሎሚ ቅነ ክርስትና፡ልዕሊ ኢየሱስ ወይ ድማ ማዕረ ኢየሱስ ተልዩ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ተዘርድኡናስ ብዙሕ ባህ ምበለኒ።ግን ኣብ ባዶ፡ይዝረብ ኣሎ።ንሕና ግን በዚ ስም እዚ ከም እንስዕር ስለ ዝፈለጥናን ቅድመና ነበሩ ኣቦታትና ቅዱሳን እውን በዚ ስም እዚ ንብዙሓት ነገስታትን ፡ሓይልታትን ስለ ዝሰዓሩን፡ከምኡ እውን ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ጻድቅ ዲዩ ሓጥእ ክጽዋዕ ስለ ዝግብኦ ኢና።ሓለፋ ኹሉ ንጽውዖ ዘለና፡እረ ከምቲ ዝግባእ ኣይበልናን፡እበኣር ካብዚ ስም እዚ ክፈልየና ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ።በዚ ስም እዚ ንዝመጽእ ኸኣ ብምስጋና ምቅባል፡ብድኻም ዲዩ ብብርትዐ ኣይንሓምቅን ኢና።ጋና ን ኢየሱስ ኣሎና ምስጋና።
ጋና ን ኢየስስ ጎይታና
ብህጂ ክንምስክረልካ ኢና
መን ይመሳሰለካ ን ኢየሱስ ጎይታና
 ጋና ስለእቲ ማንም ዘይገበረልና
 ክንዝምረልካ ኢና ምስጋና
ድርሳና ኩሉ ንዓኻ ይብል
ኣንታ ስለና ዝወዓልካ ኣብ መስቀል
ንሕና ክንሓስር ንስኻ ክትልዕል
ጋና ክንጎዪ ኢና ንዓኻ ክንብል
ከይዓገተና ድምጺ ተጻረርቲ
ስምካ ከየልዕሉ ሓንገድቲ
ጋና ክንምክር ኢና ለይቲ ምስ መዓልቲ
ኣብ ኩሉ ስፍራ ክትከብር ምእንቲ
እንተመሰሎም ክርስትያናት
ዕር ካብ በሎም ዝናትካ ዕቤት
ንዓኻ ኢና ንነብር ኣታ በዓል ናዝሬት
ንስኻ ኢኻ ዝሞትካ ክትህበና ህይወት
ስምካዩ መዝሙርና ይወርወር ፍላጻታት
ኣባና ኣይበጽሕን ስምካዩ ዝዕወት
ጋና ክንጽውዖ ኢና ንስምካ ዘንትእለት
ምስ ስምካ እሞ ዝማሳሰል ስም መን ኢዩ
ዋላ ተኣበዩ ዓይኖም እንዳረኣዩ
ጽዋ ሃዋርያት ገዲፎም ጽዋ ኣይሁድ ካብ ጸወዩ
ንሕናስ ንስምካ ጋና ልሳና  ከውሪ ኢዩ
ንስኻ ትኹንን ንስኻ ተጽድቅ
ንሓቂ ቀቢሮም ተበሉ ክንዕልቅ
ብዙሕ ዊዲት ተገበሩ ከብሉና ሱቅ
ጋና ንስምካ ክንሰብኽ ኢና ኣንታ ናትና ጽቡቅ
ህይወት ዝዓደለ ብሞቱ ንሰባት
ስሙ ልዕል ዝበለ ካብ ኩሉ ኣስማት
ብስጋ ተገልጸ መጽዩ ኣብዚ መሬት
ዋጋ ዕዳጋ የለን ብስምካ ንዘንትእለት
ጸለመ ይዘርዘር ይተኣወጅ ኩናት
ስምካ ክንጽውዕ ኢና ክሳዕ ዘለና ብህይወት
                     ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

Tuesday 19 February 2013

2ይ ክፋል ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!።


2ይክፋል
ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!።
ብሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!።
ብእኡ ሎሚ ጽባሕ ንኹሉ ግዜ ኣይንሓፍርን።ንሱ ክቡር ኢዩ ኣሜን።ንሱ ጽድቅና ኢዩ።ንሱ ክብርና ኢዩ።ንሱ ህይወትና ኢዩ።(ፍሊ1፡20-21)ንሱ ሰላምና ኢዩ።ንሱ ዕጋበትና ኢዩ።በዚ ድኣ እንታይ ኮይና ንሓፍር።ንሱ ተኾይኑ ዝኹንን ንሱ ተኾይኑ ዘጽድቅ ከ እንታይ ኢዩ ዘስግእ ኢየሱስ ኢዩ እኮ ኣዛዚ።(ሮሜ8፡31-34)ንሱ ምሳና ተኾይኑ ደኣ መን ኢዩ ዝቃወመና።ኢየሱስ ነቶም ሓይሉን ስርሑን ግብሩን ምዝንትው ተወዲእዎም ኣብ ነበረያ ነበረን ኣብ ሃጠው ቀጠውን ተመሊሶም ዘለዉን ግዝይኦም፡ዘሕልፋን ኣብ ሕማቅ ወረን፡ዚነብሩ ዘለዉ ዓይኖም ይኽፈተሎም።
ግን ኣሻዕ ኢዮም ስርሑን ግብሩን ከሃልነቱን ወዲኦም ናብ ካልእ ሓሊፎም።እቲ ኣምላኽ ዘይልኣኾ ብሽም ቃል ኣምላኽ ኣማኻንዩ ካልእ ይዛረብ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ግን ንሱ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዚዛረብ።(ዮሃ3፡34)
እዚ ስም እዚ እንበኣር ህጂ እውን ዘይንዛተየሉ ፍሉይ ስም ኢዩ።ከቶ ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም።ክትርስዖ ተበልካ ዚዝከር።ከይትጸልኦ ኩሉ ግዜ ዝፍቀር። ወይዚ ናይ ኢየሱስ ስም ነገር።ብዙሓት ነዚ ስም ብዝተፋላለየ ነገር ገይሮም ከህሲስዎን ካብ ልቢ ሰባት ከረስዕዎን ፈቲኖም ኢዮም።ብዙሕ ምስኡ ዝመሳሰል ካብዚ ስም ናቱ ከኣ እንዳ ቆንጠሩ ዓይዮም ኢዮም ተኾነ ዕየኦም ሓዊ በሊዕዎ ስም ኢየሱስ ግን ጋና ይምስገን ኣሎ።ግንከ ኣይኮነሎምን ኢየሱስ ዝብል ስም ዘይሰዓር ስም።
ጋና ክንዝምር ኢና ንስሙ ጋና ክንምስክር ኢና ንስሙ።ዋላ ናይ  ኣይሁድ ኣምሳል ዘለዎምን፡ናይ ዘበና ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ይኽሰሱን፡የጸልሙን ጋና ኣብ ኩሉ ስሙ ክንምክር ኢና።ጋና ብስሙ መከራ ክንጸግብ ኢና።ኢየሱስ ኣምላኽና ኢዩ ።እዚ ኢዩ እቲ ዘይቅበር ሓቂ።ኢየሱስ  ኢየሱስ ኢየ,,,,,,,ኢ,,,,,,,,በቃ ብዘይ ምቁራጽ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ስሙ ክንጽውዕ ኢና ብዘይ ዕረፍቲ።ነቶም ስም የሱስ ዝቃወሙ ከም ኣይሁድ ክርስትያን ተባሂሎም ግን ኣይትቃወሙ የሱስ ጎይታ ኢዩ ንሱ ንብዙሓት ዝሰዓረ ኢዩ ምስኡ ኣየዋጸኩምን ንብሎም።
ዘገርመኒ ግን ስለምንታይ ኢዩ ገሊኦም ክርስትያናት ኢና እንዳበሉ ስሙ ምጽዋዕና ልቦም ዘንድዶም።ስለምንታይ ስሙ ክጽውዑ ዝኸብዶም።የዕጠይጥዩ።ስም የሱስ ምቁርሲ ክትጽውዖ ስኽፍክፍ ይብለካ።ስለ ዘይጠዓሙዎ ዶ ይኾኑ ኢዮም ኢየሱስ ምቁር።ዋላስ ውሽጦም ስለ ዝሓመመ። ልቦም ማህደር ርኹስ መንፈስ ስለ ዝኾነ ኢዩ።ምስ ውሽጦም ምስምማዕ ኣብዩ።ነታ ስሙ ኩሉ ሳዕ ክትጽዋዕ ዘይፈትዉዋ ገለ ነገር ዝቀየሩ ኮይኖም ይስምዖም ይፈርሑ ገለ ዘጉድሉ ዘለዉ ይመስሎም፡ኣነ ከምኡ ነይረ ንባዕለይ፡ኢየሱስ ንትብል ስም ትኸብደኒ ነይራ ሎሚ ግን ኢየሱስ ኢለ ክጽውዕ ልበይ ሓጎስ ይመልእ፡ኢየሱስ ንጉስ።በጃኻ ስሙ ካብ ምጽዋዕ ኣይተዕርፍ።

ንሓደ ሻዕስ ወረ ነታ የሱስ እትብል ቃል ዘጥፍእዋ፡ግዲ ኢዮም ዝመስሎም ኮይኑ ኢየሱስ ኢዩ ዝበሃል ይብሉኻ።ገሊኦም ከኣ ጠቅላላ ኢየሱስ ምባል ናይ ሓደሽቲ ሃይማኖት ኢዩ፡ እግዚኣብሄርን ደኣ በል ይብሉኻ።ሓደ ሰብ ዝፈልጠካ ቅድመኡ ረኺብካ ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ ክትብሎ ከለኻ።ዋእ ይጣራጠር ዋእ ኣንታ ቀይርካ ዲኻ መገዲ ይብል ማለት ኢዩ።ናብ ሓደ ቤት ኣቲኻ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ቤት እዚ ይኹን ክትብል ከለኻ ኣሜን፡ዝብል ዳርጋ የለን ዋእ እንታይ ኢየሱስ ኢየሱስ ዝብለና ከም ጴንጠ እዚ ዋእ ይብሉኻ፡ደሓንዶ ዊዒልኩም ክትብሎም ከለኻ ግን፡ሕጉስ ይብሉ።ሰላም ኢየሱስ ን ኣጋንንቲ ካብ ዘቃጽሎም ፍቱን ኣጽዋር ኢዩ።
ቅድመ ሓደ ሰሙን ሓደ ሰብ ይዲዊለለይ ፡"ስማዕ እንዶ እዚ ድያቆን ክስቶ ቀይሩ ዲዩ ሃይማኖት "ኣነ ኸኣ ስንብድ ኢለ እንታይ ኮይኑ እንታይ ዲዩ ገይሩ!!??።"ዋእ ከመይ ኣለኻ ተበልኩዎ በቃ ተቀይሩ፡ደሓን ዲኻ ተበልኩዎ ክብሪ ንጎይታ ኢሉኒ፡ቀጺሉ ኸኣ ጎይታ የሱስ ይባርኽካ ኢሉኒ፡እንታይ ኢዩ ኢየሱስ ኢየሱስ ዝብል"እምባሕ ካን እዛ ዓቅለይ ዓቅሊ እንጣጢዕ ተቀይራ።ዋእ መን ደኣ ይመስገን ክብለኩም ሰጣን ዋላ ብልያል፡ተጋግዩ ድሕሪ ሕጂ ምስ ደወልኩምሉ ሰጣን ይባርኽኩም በሎም ክብሎ ኢዩ፡ከይተረድኣኒ ብቁጠዐ፡ከይተረድኣንስ ስም ኢየሱስ ዝጸልእ መሓዛ ገይረ ጸኒሐ ።ሰብኣይ ኖ ኣነስ ኣይባህልናን ኢለ ኢየ።°ኣይትሓዘለይ ኮሪኻ ይመስለኒ፡ዓቢ ሰብ "ገሪሙኒ ኣነ ደኣሞ እሞ ጽድቀይ ጽዩቅ ጨርቂ ኣብ ቅድሚኡ መን ኮይነ ኢየ ኣብ ቅድመ የሱስ ዓቢ ዝተባሃልኩ።
ደሓር ቁጠዐ ሰብኣይ ጽድቂ ከምዘየምጽእ ምስ ተረዳኩ ደዊለ፡ከምኡ ኣይበሃልን ኢዩ።ባህልኹም ነዚ ዘይብል ተኾይኑ ቀይርዎ ሰጣናዊ ባህሊ ኢዩ።ን የሱስ ዝቃወምን ምስ የሱስ ዘይከይድን ባህሊ ኩሉ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ኣለዎ ኢለዮም።ኣዛራሪባና ኩሉ ነገርና ብስም ኢየሱስ ይኹን።ብዝኾነ መስኪናይ ሰብኣይ ሰንቢዶም።ሓደ ምዃኖም ዘንጊዖም ኢየሱስን እግዚኣብሄርን ሲ ኣይበሃልን።(ዮሃ10፡30)እግዚኣብሄር ኢዩ ዝበሃል ይብሉ ፡ስሙ ክልዓል ዘይፈትዉ ብዙሓት ኢዮም።እቲ ቀናእ ሰጣን ልቦም ስለ ዝወረሶ ኢዩ እቲ መልሲ።ስለምንታይ ሰጣን እዛ ስም እዚኣ ዘለዋ ትርጉም ይፈልጣ ኢዩ።ንሳ ንሞት ዝሰዓረት መድሃኒት ስለ ዝኾነት ክትጽዋዕ ኣይፈትዋን።ብዝገበረ ገይሩ ድማ ካብ የእምሮ ሰብ ክትርሳዕ ኢዩ ዝጽዕር።ነዞም ከይተፈለጦም መሳርሒ ሰጣን ዝኾኑ ግን ጸሎት ፡ብሓቂ ክንጽልየሎም ይግባእ።
ንሕና ግን ጋና ኢየሱስ ክንብል ኢና።ህይወት ክትረክብ ትደሊ ተኾንካ ኢየሱስ ጎይታዩ በል ንዓ ምሳና።ዓለም ዝበለት ትበል፡ምድሪ ትገምጠል ማዕበላት፡ይበርትዕ፡ህጂ እውን ኢየሱስ ንዕኡ ኢና ንሰብኽ።ስለምንታይ ንሱ ጥራሕ ኢዩ መድሓኒና።ንሱ ጥራሕ ኢዩ ዘድሓነና፡ንህጂ እውን ከድሕነና ኢዩ የድሕነና እውን ኣሎ።(1ይቆሮ1፡30-31)ብእኡ ኣብ መንጎ እቶም ዝጠፍኡን ዝድሕኑን መዓዛ ክርስቶስ ኢና።ነዚ መን ይረኽቦ ብ ስም ኢየሱስ ኢዩ ኮይኑልና።)2ይቆሮ2፡15)ብዘይ ብእኡ ብማንም ብዝኾነ ይኹን ፍጹም ምድሓን የሎን።
ብዘይካ ብስም ኢየሱስ ብስም ካልእ እንድሕነሉ ካልእ ስም በጥራሽ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ የሎን ቃል ኣምላኽ ኣንብብ።(ግብ4፡12)የሱስ ጥራሕ ኢዩ መድሓኒ፡ቅዱስ ጽሑፍ ከምኡ ይብል።ቅዱሳን ነዚ መስኪሮም።ንሱ ጥራሕ ኢዩ እቲ ኣፍ ደገ።(ዮሃ10፡9)ንሱ ጥራሕ ኢዩ ፡ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት።(ዮሃ14፡10)(ዮሃ6፡48)ብእኡ ዝኣምን ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ይውሕዝ።(ዮሃ7፡38)እቶም ብኻልእ ዝኣምኑ ግን ዋላ ሓንቲ የብሎምን።
እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ግን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶም።(1ይዮሃ5፡13)(ዮሃ6፡47)ኩሎም ጽሑፋት ብዛዕባኡ ጥራሕ ኢዮም ዝዛረቡ።(ዮሃ5፡39)ንሱ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።ንሱ ዘለዎ ግን ህይወት ኣለዎ።(1ይዮሃ5፡12)ብዘይ ብእኡ ከድሕነና ዝኽእል ዓቅምን ብቅዓትን ክእለትን ጽድቅን ዘለዎ ፍጹም የለን።(ሮሜ3፡23) ክብሪ ንስሙ።
ኢየሱስ በል ንስኻን ስድራኻን ክትባረኽ ትደሊዶ።ዝደለኻዮ ኪኾነልካ። ነዚኣ ስለ ዘይበልካ ዝተረፈካ ምሕረትን ፍቅርን ኣምላኽ ግድን ክህሉ ኢዩ። ብዙሓት ስለ ተዛረቡዋ፡ኣይተስተናዕቃ፡ክብርቲ ስም ኢያ። ካብ ኣብ ጸርፍ ትውዕል ኢየሱስ መድሓኒ ኢዩ ኢልካ መስክር።እዚ ሕርኽርኽ ዝበለካ ተኾይኑ ግን ህይወትካ መርምር፡ስም ኢየሱስ ዝጸልእ፡ውሽጡ ብመናፍስቲ ዝተወረሰ ሰብ ጥራሕ ኢዩ።(1ይቆሮ12፡3)ኣንቢብ ከምዚ ይብል።ብሓቂ ውሽጡ ጥዑይ ዝኾነ ሰብ የሱስ ዝብል ስም ክሰምዕ ባህ ይብሎ ውሽጡ፡ንሱ ኣይኮነን እኮ ውሽጡ ኮላይ እንበር።
ስለዚ ሓደኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ ኢየሱስ ርጉም ኢዩ ኸም ዘይብል፡መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ኸኣ፡ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ ኺብል፡ንሓደ እኳ ኸም ዘይኮነሉ ኤፍልጠኩም ኣለኹ።እሞኸ ኢየሱስ ጎይታዩ ኢልካ መስኪርካ ዶ ትፈልጥ።ነዚ ህጂ እውን ስኽፍክፍ ዝብለካ ተሃልዩ ወይ ድማ ዘይወሓጠልካ ተሃልዩ፡ፈትሽ ህይወትካ፡ኢየሱስ ኣባኻ የለን።ኢየሱስ ይኽበር ኣሜን።ኢየሱስ ልዕል ይበል ኣሜን።ስም ኢየሱስ ዝጸልኡ ኩሎም ድማ ይውደቁ።ኢየሱስ ዝብል ስም ዘይንዋወለሉ ስም ኢዩ።ንሱ ንዓና መንነትና ኢዩ።በቃ ክነኣቱ ክንወጽእ ክንትስእ ክንድቅስ ኢየሱስ፡ንሱ ኢዩ መዝሙርና ብእኡ ኢና ንነብር።ይቅጽልል,,,,,,,,
ኢየሱስ ክርስቶስ ሎምን ትማልን  ሎምን ንዘለኣለም ንሱ ኢዩ።ኣሜን።
        ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!።


ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!።
ዘይተጋህደ ክገሃደሉ ዘይፈለጠ ክፈልጥ። ህጂ እውን ኢየሱስ ዝብል እስትንፋስና ኢዩ።ዋላ ነዚ ስም እዚ ከይንጽውዕ ጸቅጢ ይግበረልና ተሎ ግን በቃ ኢየሱስ ወይ ሞት።ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም ኢዩ።እቶም ኣተሓሳስባ ኣይሁድ ዘለዎም ግን ኣይትሕሰቡዎ ንብሎም።ካብዚ ፍቅሪ ናይዚ ስም እዚ ዝፈልየና መን ኢዩ።(ሮሜ8፡35-36)እንዳሓደረ ዝምቅር እንዳ ወዓለ ዝፍቶ።ዋላ ንሽሙ ጥራሕ ኣልዒልና ስም ካልእ ከየልዓልና ተነበርና የዋጽኣና ኢዩ።
ኢየሱስ ጎደሎ ዘይብሉ ሓገዝ ዘይደሊ ኣምላኽ ኢዩ።ኢየሱስ ዝብል ስም ካብ ኣስማት ልዕል ዝበለ ስም ኢዩ።በዚ ብህጂ ይኹን ንዝመጽእ ንዛተየሉ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ።ኣሜን ጎይታ ኢየሱስ ክበረልና ልዕሊ ምንም ፍጡር፡በዚ  ዝርህቅ ድማ ኣንኳን ሰብሲ ዋላ እዛ ንነብረላ ምድሪ ተጠቅሊላ ተረሓቀት ዝጎድለና የሎን ንሱ ጥራሕ ኣይርሓቅ እቲ ሰንደቅ ዓላማን።
ስለ እዚ ስም እዚ ክምስክሩ ካብ ቅዱስ ድያቆን እስጢፋኖስ ኣትሒዞም  ኩሎም ቅዱሳን ብሰማእትነት ሓሊፎም።ተሓሪዶም ተቀቲሎም፡ ተኣሲሮም፡ተኻላቢቶም፡ኣብ ኣደባባይ ኮለል ኢሎም።ተጸሪፎም፡ሽሞም ጸሊሞም።ዘሎ በጺሕዎም ፡ክቡር ክርስትያን ኣነን ንስኻን ከ ስለ ስም ኢየሱስ እንታይ መከራ ጸውርና ንፈልጥ??።ስለ ስም ኢየሱስ ክትጽረፍ ክትስጎግን ሽምካ ክጽልምን ዘሎ ክበጽሓካን መን ይረኽቦ።ኢየሱስ ጎይታይን ኣምላኽን መድሓኒየይን እስከ ክበር።
ግን ሓወይ ንስኻ ከ ንመን ኢኻ ትምስክር፡ብዛዕባ መን ተውሪ፡ብዛዕባ ካልእ ተውሪ ተሊኻ፡ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ኢየሱስ ዝብል ስም ብዘይ ተጫረቲ ክስበኽን ክዝመረሉን ዝግባእ ስም ኢዩ።እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ።ኢየሱስ ናይ ዘልኣለም ንጉስ ክብሪ ንስምካ ይኹን።
ኢየሱስ ምስ ማንም ሰብ ወይ ቅዱስ ወይ መልኣኽ ወይ ድማ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ሓይልን ኣካልን ከነዋዳድሮ ንኽእል ስም ኣይኮነን።ኩሎም ንዕኡ ከገልግሉን ከመስግኑን ዝተፈጥሩ ኢዮም።ንሱ ግን ልዕል ዝበለ ኣምላኽ ኢዩ ኢየሱስ(ዮሃ3፡31)እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ ንሱ ልዕሊ ኹሉ ኢዩ።ንሱ ምስክር ኣቦ ኣለዎ።(ዮሃ5፡32)ህይወት ኣብኡ ጥራሕ ኣላ።(1ይዮሃ5፡11)ነዚ ልዕልናኡን ዕቤቱን ፍልይነቱን ዝተረድአ ቅዱስ ጳውሎስ ንዕኡ ጥራሕ ንምፍላጥ ከም ዝመደበ ይገልጽ።
ከምዚ ይብል፡(1ይቆሮ2፡1-2)ኣህዋተየ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከለኹ፡ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ።ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን ይብል።ቅዱስ ጳውሎስ ን ኢየሱስ ጥራሕ ክፈልጥ መዲቡ እስኻ ከ ንመን ክትፈልጥ ኢኻ ትጓዓዝ ዘለኻ??ቅድመ ምስጓምካ ኣስተውዒልካ ተጓዓዝ  ከውሒ መሲሉካ ዓፍራ ከይትረግጽ።ቅድመ ኹሉ ን ኢየሱስ ፍለጦ።ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰናይ ምርጫ እዚ ወሲዱ።
ካብ ምድሪ ዝኾነ ምድራዊ ኢዩ።ናይ ምድሪ ይዛረብ።እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግን ንሲ ልዕሊ ኹሉ ኢዩ።(ፍሊ2፡9-11)ንሱስ ፍሉይ ኢዩ፡እስትንፋስና ድማ ኢዩ።ብእኡ ንነብር ብእኡ ኩሉ ኮነ ካብቲ ዝኾነ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ ነገር የሎን።(ዮሃ1፡3)(ቆሎ1፡16)ኢየሱስ ፍሉይ ሰላም ዝህብ ስም።ኢየሱስ ፍሉይ ሞት ዝሰዓረ ጻድቅ ኣምላኽ።ኩሎም እቶም ዝተንስኡ ከምኡ እውን ተኣምር ዝገበሩ በቲ ናቱ ሓይሊ እንበር ብናቶም ዝኾነ ነገር ዋላ ሓደ የለን።
ንሱ ንብዙሓት ምትንስኦምን ምውዳቆምን ነበረ።ከምኡ እውን ኮነ ይኸውን እውን ኣሎ።ኢየሱስ ፍሉይ ንጉስ።
ንሱ ስለ ስሙ ብዙሓት ክጸልኡና ምዃኖም ተዛሪቡ።(ሉቃ21፡17)እዚ ንሱ ዝበሎ ቃል 2000 ዓመታት ኣሕሊፉ ይቅጽል ኣሎ።እቶም ናቱ ግን ንማንም ሰብ እኳ ኣይጸልኡን ነበሩ ከምኡ እውን እቶም ዘለዉ ብሓቂ ናቱ ዝኾኑ ንማንም ሰብ ኣይጸልኡን ንሶምስ ንሱ ኣብኦም ስለ ዝነብር ፍቅሪ ኢዮም።እሞ ጸላእትኻ ተፍቅርዶ ትጸልእ።(ያዕ3፡17)እቶም ዘይናቱ ግን ካብቲ መለልይኦም ከፍቅሩ ኣይኾነሎምን ኢዩ።ኣብ መልሓሶም ከኣ ብዘይካ ጽያፍ ምስጋንን ምርቃን የሎን ክብሪ ንስሙ ኢየሱስ ልዕል ዝበለ ካብ ኩሉ፡ነዚ ኣምላኽ እዝስ መን ይመስሎ መን ከ ኣሎ፡ኣበይ ከ ኣሎ ን ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዝመስሎ።(መዝ18፡31) ይቅጽልል,,ናብ 2ይ ክፋል,,
                       ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

Friday 15 February 2013

ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን


ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ተሪኢናዮም ደገኦም ውሽጦምን ዝተፈላለየ ሰባት ነይሮም።በዚ ተደሪኹ ድማ ኢዩ ጎይታ፡ኣታ ዑዉር ፈሪሳዊ ነቲ ዋንጫን መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ኣጽሪዮ።ምእንቲ  ጽሩይ ክኸውን።ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽሪዮ። (ማቴ23፡26)
ኣምላኽ ውሽጥና ክንጸሪ ይደልየና።ኣምላኽ ቅድም ውሽጥና ከነዕሪ ይደልየና፡ኣምላኽ ቅድም ናይ ህይወትና ፈሊጥና ህይወትና ምስ ኣዐረና ክንምለስ ይደልየና።ህይወትካ ከይተለወጥካን ን ሰብ ክትልውጥ ምሕሳብ ግን ኮንቱ ጻዕሪ ኢዩ።
(ሮሜ2፡28-29) ብዝረኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኮነን እሞ፡እታ ብዝርኤ ኣብ ስጋ እትገብር ግዝረት ‘ውን ግዝረት ኣይኮነትን።እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ ግና ንሱ ኣይሁዳዊ ኢዩ።እታ ግዝረት ልቢ ብ መንፈስ ኢያ እንበር።ብፊደል ኣይኮነትን።እቲ ንእዶ እውን ካብ ኣምላኽ ኢዩ እምበር ካብ ሰብ ኣይኮነንን።
ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ማለት ሃይማኖተኛ ዘይኮነ ሰብ ፡ካብቲ ዝገብሪሮ፡ በቲ ጻድቅ መሲሉ ክርአ ክፍትን  ከሎ በቲ ድማ፡ካብ ውሽጢ ልቡ ዘይናይ ኣይሁዳዊ ባህሪ ክጎስዕ ይርአ እዚ ብሓቂ ድንጋጸ ዝግብኦ ሰብ ኢዩ።
 ኣይሁዳውነት እኳ ከምዚ ተባህለሉስ ክርስትያን ምዃን ደኣ ኾን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፡ውሽጢ ምልዋጥ ዘየድልዮ።ብውሽጥካ ዲኻ ክርስትያን ዋላስ ብደገኻ ኢኻ ክርስትያን።ብደገኻ ዲኻ ኦርቶዶክስ ዋላስ ብውሽጥኻ ኢኻ ኦርቶዶክስ።እቲ ብውሽጡ ክርስትያን ዘይኮነ እሞ ክርስትያን ኮይኑ ዝስምዖ፡ዝገብሮ ተልዩ፡ካብቲ ዘይ ናይ ክርስትያን መኒነቱ፡ዝጎስዑ ዘይ ክርስትያናዊ ባህሪ ኢዮም።ኣስተውዒልናሎም ዶ ንፈልጥ።
ንሕና ኸ ከመይ ኢና ክርስትያን ዲና፡ውሽጥናኸ።ውሽጥካ ክርስትያን ተዘይ ኮንካ ክርስትያን ኣይኮንካን፡ውሽጥካ ክርስትያን ተዘይ ኮንካ ክርስቶስ ኣብ ልብኻ ክሓድር ኣይክእልን ኢዩ።ክርስትያን ካብቲ ዝፈልዮ ነገር ተልዩ፡ናይ ውሽጢ ምዃኑ ኢዩ።ስለዝኾነ ድማ ኢዩ ጎይታ (ማቴ6፡2-5) “ከምቶም ግቡዛት፡ብሰብ ምእንቲ ኽንኣዱ፡ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባብያትን ዝገብሩዎ፡ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ”ዝበለ።ናይ ሎሚ ክርስትና ካብዚ እንታይ ኢዩ ዝፈልዮ።
ኣስተውዒልና ዶ ንፈልጥ፡ክርስትያን ዘይምዃና ዘረድእ ካብቲ መለለዪ ድማ ካብቲ ክርስቶስ ዘይብሉ ውሽትና ብቅንእን ተንኮልን ሽራን ጸርፍን ክጎስዕ ከሎ።ቅዱሳን ብልክዕ ክርስትያናት ነሮም ተጸረፉ ኣይጸረፉን፡ተሰጎጉ ኣይሰጎጉን፡ሽሞም ጸለመ ሽም ማንም ሰብ እኳ ኣየጸለሙን፡እዚ ድማ ክገብሩ እኳ ዝኽእሉ ተነበሩ፡ውሽጦም ክርስትያናት ብምንባሩ ንኹሉ ብኣርምሞ ይሓልፉዎ ነበሩ።
ሎሚ ግን ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ።እቲ ክርስትያን ዘይኮነ መንነቶም በጨቅ ክብል ትዕዘብ።እወ ይጎስዕ ጸርፍን ፡ሓሶትን፡ክፋእን ተንኮልን፡ጸለመን፡ነፍስኻ ኣጽዲቅካ ንሰብ ከም ሓጥእ ገርካ ብምፍራድ ድማ ኣብ ቅድመ ሰብ ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኮይና ክትርአ ምፍትንን ተኾነ።ነቲ ብ ኣምሳል ስላሴ ዝተፈጥረ ክፈርዱዎ ኣየደንጉዮምን።ን ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ኮይኑ ብህድኣት ዘስተውዕል ሰብ ግን መንነቶም ክፈልጥ ኣይእግሞን።ዝገብሮ ድማ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ካብኦም ምርሓቅ ኢዩ።እሞኸ ክርስትያንዶ ኾን ኢና።
ብጸጋም ኮነ ብየማን ዝግበር ዘሎ ናይ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ወገናት ዘይ ክርስትያናዊ ስነ ምግባር፡ምስ ክርስቶስ ይተኣሳሰር ዶ።እስከ ንሕሰብ፡ክንደይ ሰባት ኢዮም።ብ መልሓስና ዝቀተልናዮም።ክንደይ ሰባት ኢዮም ብንጹሃቶም ዘኽፋእናዮም።ብሓቅስ ክርስትያናት ዶ ኢና።
ክንደይ ሰባት ኢዮም ከ ልቦምን መልሓሶምን ዘይተገዝሩ ኣብ ሞንጎና መምህራን ኮይኖም ክርኣዩ ዝፍትኑ ዘለዉ።ብልቦም ክርስትያናት ዘይኮኑ ግን ከ ብደገኦም ክርስትያን ክኾኑ ዝፍትኑ።ውሽጣዊ ልብሶም ዝሰበበ ደጋዊ ኣልባሶም ግን ብጽባቂ ዘገጸ፡ውሽጦምሲ ከምቲ ደገኦም ተዝኾኑ መን ምሃበ።ብደገኦም ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲኖም ግንከ ውሽጦም ጻዕዳ ህይወት ዘይብሎም፡ብደገኦም ብክራባትና ባድላን ሱፍን ኣጋጾም ውሽጦም ግን ጥርሑ፡ብድዐን፡ትዕቢትን፡ህልኽን ቅርሕንትን፡ንዕቀትን ዝመልኦም።ኣብ ምፍራድ ዝውዕሉ።ብዘይ ካራ ኣሕዋቶም ክሓርዱ ዝውዕሉ።ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ብቅንኢ ዝትንስኡ ዘይተገዝረ ልቢ ዘለዎም ሓቅስ ክርስትያናት ዲዮም።ቃል  ኣምላኽ ከምዚ ይብል።(ዘዳ10፡16) እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ።ክሳድኩም እውን ኣይተትሪሩ።ይቅጽል,,,,,,,።
                 ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
               etiqalsgakone@gamil.com

ፍረደለይ


                   ፍረደለይ


ድቅድቅ ጸልማት ኮይኑ
ከፊኡ እዋኑ
ሓሶት ምስ ነገሰ ትሓቂ ቀይኒኑ
ናባኻ ይጠርዕ ፍርድኻ ክትፍኑ

ገበነኛ ኢሎም ሓሰውቲ ክፈርዱኒ
መሰኻክር ሓሶት ዙርያይ ክኸቡኒ
መፈንጠርያ ይገብሩለዉ ኣብኡ ከውድቁኒ
ናባኻ ይጠርዕ ፍርድኻ ክትህበኒ

ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም
ጸርፊ ዝኣጽዋሮም
ንንጹህ ዝወግኡ በቲ እከይ ግብሮም
ይመጽኑ ኣለዉ በጃኻ ርኣዮም

ሓራም ቆጺሮሞ ን ሓቂ ንምእማን
ብግብሮም ዝፍለጡ ምዃኖም ናይ ሰጣን
ክወግኡኒ ኣይትሕደግ በጃኻ እባ ፍጠን
ንብዓተይ ርኣዮ ናብ ብኽያተይ ኣድንን

መሲልዎም ዘይትፈርድ
ከምጽኡ ዝገድድ
ብጥበቦም መሪጾም ንሓቂ ምግራድ
ስቅ ኣይትበል በጃኻ ህጂ ደኣ ፍረድ

ደስ ዝብሎም እንተኢልካ
ይውድሱ ይምርቁኻ
ቃሕ ተዘይ ኢልዎም ከኣ ሰጣን ይሰምዩኻ
ረብሖም እንበር ዘይግድሶም ክብርኻ
ምስኦምን ከቢዱኒ ፍረደለይ በጃኻ

ቃልካ ለዊጦሞ ንግዝያዊ ጠቅሞም
ሓሶት ንምዝራብ ፍጹም ዘይጽግሞም
ወንጌል ኮይኑ ትምርጫኦም
ከመይ ሰብ የጥቅዑ ጥራሕ እቲ ሕልሞም
ፍረድ ኣብ ሞንጎና ክሕጎስ ትድኹም

ቃልካ የንቢብዎ ንሰብ ከታልሉ
እንዳ ጠዋወዩ ን መስኪን እንዳ ሓንኮሉ
መዛሙሮም ኩሉ ኣምልኾ ዘይብሉ
ይትንስኡ ኣለዉ ንቃልካ ክቀትሉ
ሙዉት ገይሮሙኻ ጠበቃ ዘይብሉ

ፍረደለይ ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ
ኣብዛ ምድሪ ተስፋይ እንኮ ጸግዐይ
ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ነዚ ናተይ ስቃይ

ትጽቢተይ ኣባኻዩ  ካልእ የለን ጥራሽ
ተኣዊጁለይ ኢዩ ንብላሽ ክበርስ
ስቅ ኣይትበል ጎይታ ካብ ዝፋንካ መልስ
ናተይ ኣይኮነን ናትካዩ ትቅልስ

ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ስቅ ኢልካ ኣይትርአ
እቲ ናትካ እንዳ ተወግአ
 ህዝብኻ እንዳ ጠፍአ
ፍረደለይ ኣታ ንጉስ ርአ
                      ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
      etiqalsgakone@gmail.com