Post più popolari

Sunday 11 August 2013

ቅቡእ ኢየ ኢሉ ክዛረብ ትሰምዖ መን ቀበኣካ ተልካዮ ግን የለን::

ቅቡእ ኢየ ኢሉ ክዛረብ ትሰምዖ መን ቀበኣካ ተልካዮ ግን የለን::
ንምኻኑ እዚ ኢና ንኣምን ኢሉ ካብ ልቢ ሓሊፉ ኣብ ወረቀት ዘየስፈረ ምንቅስቃስ ከመይ ዓይኒ ኢና ኣብ መገዲ ሃዋርያት ኣሎ ክንብል ንኽእል።ንሰባት ፈሪዱ ንርእሱ ዘጽድቅ ፡ኣነ ጥራሕ ክዛረብ ስምዑኒ ዝብል።ምንባር የእዳው ሃዋርያት ዘይብሉ ክንሱ ኣነ ሃዋርያ ኢየ ኢሉ ንስሙ ዝጽውዕ።ነቶም ኣሰር ሃዋርያት ተከቲሎም ምስ ሃዋርያት ዝገደፉልና ትውፊት ብዝሰማማዕ ዘስፈሩዎ ምህሮ ዘይጓዓ መዝሙር ገይሩ ኣዒንቲ ሰብ ከዕውር ስርሐይ ኢሉ ተበጊሱ ዘሎ ቄናን መንገዲ ከመይ ገርና ኢና ክንስዕቦ ንደፍር
ቅቡእ ኢየ ኢሉ ክዛረብ ትሰምዖ መን ቀበኣካ ተልካዮ ግን የለን።ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብምንባር ናይ ምንባር ኣእዳው ጸጋ ይፍጽም ኣለኹ ይብል ተኾነ ንዓኻኸ መን ኢዱ ኣንበረልካ ተልካዮ ኣየምጽእን።ንሕና ባዕልና ኣይኮናን ቅቡኣት ኣምላኽ ኢና ንብል ዘለና እንታይ ደኣ ።በቶም ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበሉ ሃዋርያት ብዝተገበረልና ምስጊጋር ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት እንበር።መንፈስ ቅዱስ ብምንባር ኢድ ሃዋርያት ኢዩ ዝሓድረካ ።ንሶም ግን ኣይርድእዎን።
ኣብነት ጳውሎስ ሃናንያ ጎይታ ምስ ለኣኾ ኢዱ ኣንበረሉ :ግብሪ ሃዋርያት 9:17 ጳውሎስ ከኣ ንጢሞትዎስ ኢዱ ብምንባር እዚ ስልጣን እዚ ሃቦ 2 ጢሞቴዎስ 1:6-7]ከምኡ እንዳበለ ድማ ኣባና በጽሐ።እብነት ናትና እምነት ተሪኢና እቲ ካብ ሃዋርያት ዝመሓላለፈ ናይ ምንባር ኣእዳው ጸጋ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣቢሉ ኣባና በጽሐ።ቕዱስ ማርቆስ ነቲ ቀዳማይ ዝነበረ ፓትሪያርክ ወይ ድማ ፖፕ ኢዱ ኣንቢሩ እዚ ሃዋርያዊ ስልጣን እዚ ሃቦ።ከምኡ ኢሉ ድማ ኣባና በጽሐ።ንሶም ግን ነዚኣ ኣይርድእዋን ኢዮም።ኣብኦምስ ከም ዓለማዊ ጉባኤ ደኣ ኢዩ።ሓደ ካብኦም ቃል ኣምላኽ ይፈልጥ ኢዩ ዝበሊዎ።ቕንጣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘይብሉ የጠምቅ ዝኾነ ይገብር።
ግብሪ ሃዋርያት 8:18-19 - : ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። ብሓቂ ስምዖን ይሓይሽ ካብኦም ።ስምዖን ገንዘብ ተተምነያ እዚኦም ከኣ ብሓይሊ።ብሃቂ ድማ በታ መገዲ ስለ ዘይመጹ ኣብኣ ክፍሊ የብሎምን።ዝገብሩዎን ጥምቀትን ካልእ ነገራትን ተቀባልነት የብሉን።እዚ ስራሕ እዚ ከምቲ ንሶም ዘራክሱዎ ኣይኮነን።

ቀሺ ሙሴ

No comments: