Post più popolari

Monday 17 June 2013

Po pe Shenouda.

     Youth English Sermon - HH Po

pe Shenouda.

Pope Shenouda III 'None Beside

 YOU God' + English subtitles.


HH Pope Shenouda

                                                    HH Pope Shenouda



Sunday 16 June 2013

መደብ ሕቶታትኩም ምስ መልሲታትኩም ። ሕቶ፡-

ደብ ሕቶታትኩም ምስ መልሲታትኩም
ሕቶ፡-
ዝኸበርካ ቀሺ ሙሴ ሰላም ኣምላኽ ንዓኹም ይኹን።

ህጂ እውን ርእይቶይን ሕቶይን ብፍታውካ ከተውጽእዎ ይላቦ።ዘቅረብኩምለይ መልሲ ኣዕጋቢ ኣይኮነን ብፍላይ ድማ ንውሕስነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከነሳሲ ቅሩባት ኣይኮናን ትብል።ኣነ ኣሳስዩ ኣይበልኩን ናይ ደገ ሰላም ስዋ ትዝ ኢልኩም ተኾይኑ እንበር።ክዛረብ ኣይደልን ምባልኩም፡ገሪሙኒ
ካብ ቃል ኣምላኽሲ ተዋህዶ ሓሊኹምላ፡ሰብ እንዳ ጠፍአ ሓቂ ከይትምህሩ ትኣምረ ማርያም ገለዶ ክትብሉ።ህጂ እውን ኣነ ንኽብሪኹም ባዕልኹም ሕቶይን ርእይቶይን ኣቅርቡዎ።ኣብ ዝሓለፈ ዘቅረብኩልካ ሕቶ፡ ተዓቢጡ ህጂ እውን ደጊመ ሕቶ ይሓተኩም። ኣደይ ማሪያም በጃና ኢሎም ኣብ እንዳ መድሃኒ ኣለም እስራኤል ምሂሮምና።ክንዝምር እውን ማርያም በጃና ኢልና ንነብር ነይርና።
እዞም ንስኹም መናፍቃን ትብሊዎምን ትጸርፍዎምን ድማ የሱስ ኢዩ በጃ ኩላ ዓለም ጠፋእካ እዚ ክህደት ኢዩ ኢሎምና ነዚኣ ግለጹለይ።
2nd.
ድማ ሮሜ 8:34: እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ትብል እንታይ ኢያ።ከሙ እውን ኢየሱስ ኣየማልደልናን ማርያም ኢያ ኣማላዲት ይብሉ።ማርያም መድሓኒት ኢያ ይብሉ ከምዚ ተኾይና ተዋህዶ ትምህር ኣብ ሓሶት ተንብሩና ጸኒሕኩም ማለት ኢዩ።እዚ ዘረባ ኢዚ ዘረባ ሓንቲ ማህበር ዲዩ ዋላ ዘረባ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ??።መጽሓፍ እንታይ ይብል ስለምንታይ ሰብ ይጠፍእ ኣሎ።
ኣማላድነት ማለት ብዓቢኡ እንታይ ኢዩ።ከይፈራሕኩም መሊሱለይ። ወንጌል ማቴዎስ 10:32: ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድመ ሰብ ኣባ ቀሺ ኢየሱስ ተኣመኖ።
መልሲ።
ዝከበርካ ምሉእ፡ናይ ካልእ ዘረባ ኣብ ቁርቁስ ክኣቱ ኣይደልን ።ብግልኻ እውን ቁሩብ ተመሊሱልካ ይመስለኒ።ን ኢየሱስ ተኣመኖ ኢልካኒ፡ኣነ ኩሉ ግዜ ኢየ ዝእመኖ ከይተኣመንኩዎ ዝሓለፍኩ መዓልቲ እውን የላን፡ህጂ እውን ይእመኖ ኢልካ ሸለል ኢልካ ሓሊፍካ ከይትብለኒ፡ደጊመ ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒየይን እቲ እንኮ በጃይን ስለይ ዝሞተን ዝተሳቀየን፡ብደሙ ዘንጽሃንን ዝዓደገንን፡ምስ ኣብ ን ገዛእ ርእሱን ዘተዓረቀንን ጎይታይን መድሓንየይን ኣምላኸይን ምዃኑ ደጊመ ይእመነልካ።
ማሕበር ማርያም እስራኤል ዋላ ካሊእ እንታይ ምሂሮሙኻ ንዕኦም ይምልከት።ናተይ መልሲ ክህበካ መሰረት ቃል ኣምላኽ መሰረት ወንጌልን ትምህርቲ ቅድመና ዝሓለፉ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስን ቅዱሳንን ብምግባር።

ኣነ ናይ 'ቶም ትጠቅሶም ዘለኻ ጉጅለ ወኪል ኣይኮንኩን።ወኪል ክርስቶስ ጥራሕ ኢየ።ልኡኽ ክርስቶስ፡ነዚ ድማ ኣምላኽ ዝሃበኒ ደኣ እንበር ባዕለይ ዘምጻእኩዎ ፍልስፍና ኣይኮነን። ብዛዕባ ምድሓን፡ንሕና ግን ምድሓን ኢየሱስ  ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ ኢልና ኢና ንኣምን ፡ስለምንታይሲ ቃል ኣምላኽ ።(ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን ስለዝብል።ንትምህርቲ ሃዋርያት ኣይንኽሕዶን ኢና፡ንሕና ሰዓብቲ እቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝመሃርዎ ወንጌል ደኣ እንበር ሰዓብቲ ካልእ ወንጌል ኣይኮናን።

ብዘይ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቅ፡ብማንም ስም ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን የሎን ! የሎን! የሎን ! ሙሉየ ሓወይ ! ኢየሱስ  ጥራሕ ኢዩ፡ደሙከፊሉ ዘድሓነና፡ኣብቲ መስቀል ስለና ዝወዓለ፡መድሓኒየይ ኢየሱስ  ኢዩ።እቶም ካልኦት ዝጠቀስካዮም ግን ቅዱሳን ፡ን ኣምላኽ ኣብዚ ምድሪ ኣኽብሮም ዝሓለፉ ኣብነት ጽድቂን ፍቅርን፡ኢዮም።ብእኦም ከነ ብማንም ስም መልኣኽ ዋላ ብስም ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምድሓን ከምዘየለ ደጊመ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ዓለም፡ኢየሱስ ጥራሕ ምዃኑ መድሓኒ ይእመን ሚሎን ግዜ።እዞም ንስኻ መድሓንቲ ትብልዎም፡ትብለና ዘለኻ፡ብእኡ ዝደሓኑንን ዝተፈጥሩን ፡ስለ ቃሉ ድማ ኣብዚ ምድሪ ብመከራ ዝሓለፉን ህጂ ኣብ የማን ጎይታ ተቀሚጦም ዘለዉን ቅዱሳን ኢዮም።ከም መድሓንቲ ኣይንቅበሎምን፡እረ ንሰብ ከም መድሓኒ ገርካ ኣብ ቦታ ክርስቶስ ብምምጻእን፡ንክርስቶስ ተኪእካ መድሓኒ ምግባርንሲ ካባና የርሕቆ!!።ንሕናስ ብዘይ ምውልዋል ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ኢና ንኣምን።በዚ ድማ ኢና መድሓኒ ዓለም ኢልና ንጽውዖ።ንኻልእ ግን መድሓኒ ዓለም ኢልና እንጽውዖ የሎን።ስለምታይ ከምኡ ኢሎም ዘሚሮም ህጂ እውን ንዕኦም ተወከሶም።   http://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=XTGBcwDwpZY
ናተይን ናትካን በጃ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ጥራሕ ኢዩ።እንበር ካሊእ ዘሎ ይኹን ዝነበረ ወይ ዝመጽእ የሎን።ስለና ዝሞተ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ እንበር ካልእ የሎን።እዚ ካሊእ ወንጌል ኢዩ ፡ዝንበበልካ ዘሎ እሞ በቲ መሰረት እምነትና ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ወንጌል ገይርካ ክትብድሆ ይግብኣካ፡እንበር ስፍራኻ ክትሓድግ ኣይግባእን። መሰረት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ምድሓን ብኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ ፡ይብል።

በጃይ ዝሞተ ስለይ ዝሞተ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኢየሱስ ኢዩ።ንዓኻ ይኹን ንቀሺ ሙሴ ዋላ ንህዝቢ ዓለም ብዘይካ ኢየሱስ በጃ የብሉን።ክዝምር እውን  ንዕኡ ኢና ቤዛነ ኢልና ክንዝምር ዝግብኣና።እቲ ትብሎ ነቶም ዝመሃሩኻ ሕተቶም ኣን ጠበቃ ወንጌል እንበር ጠበቃ እዞም ትብሎም  ዘለኻ፡ኣይኮንኩን። (ቲቶ 2:14) ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ ደኣ ኢዩ ዝብል ቃል ኣምላኽ እንበር ኣዴና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዋላ ካልእ ማንም ካልእ ስለና ዝሞተ ኣሎ ኣይብልን።ዓለም ለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ድማ ከምዚ ዝብለካ ትኣምን።


ስለዚ ካብዚ ወጻኢ ግን ናይቲ እኩይ ምዃኑ ፍለጥ።ኣዴና ቅድስተ ድንግል ማርያም ቅድስቲ ኢያ።ቦኽሪ ቅዱሳን ኢያ።ኣምላኽ ዝሓረያ።ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝበለጸት፡ዝተባረኸት።ጻድቅ ቅድስቲ ንጽህቲ ፡ ኢያ።ግንከ ኣምላኽ ኣይኮነትን ሰብ ኢያ።በጃና እውን ኣይኮነትን ።ኢየሱስ ኢዩ በጃ.መድሓኒት እውን ኣይኮነትን ኢየሱስ ኢዩ መድሓኒና።ስለና ኣይሞተትን ሰብ ስለ ዝኾነት ኢያ ሞይታ፡ጓል ኣዳም ጓል ሄዋን ስለዝኾነት እቲ ካብ ኣዳም ዝተወርሰ ንቡር ሞት ናይ ደቂ ሰብ ስለዝበጽሓ ከም  ሰብ ሞይታ።እዚ ድማ ኣምላኽ ንኣቦና ኣዳም  "መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ"ኢልዎ ስለዝነበረ ኢዩ።(ዘፍጥረት 3፡19)።ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ፡ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ። 
(Genesis3፡9) With the hard work of your hands you will get your bread till you go back to the earth from which you were taken: for dust you are and to the dust you will go back.እዚ እቲ ካብ ኣዳም ዝተወርሰ ንቡር ሞት ኢዩ።ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ግን እተፈለየት ህይወት እተውህብ፡ህይወት ትህብ፡ምእንቲ ካልእ ዝተገብረት ሞት ኢያ።ንሱ ድማ ነቶም ሞወቲ ህይወት ምእንቲ ክንረክብሲ እቲ ዘይመውት ሚማት ኢዩ።ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሞተ እንበኣር ንዓና ንኸድሕን ኢዩ።
ብዘይካ ኢየሱስ በጃ ኣሎ ዝብል ምናልባሽ ካልእ ወንጌል ጥራሕ ኢዩ ኪኸውን ዝኽእል።እታ ሃዋርያት ዝገደፉዎ ወንጌል ግን ከምዛ ዝብለካ ደኣ ኢያ ትብል።ኣቦታቲና ቅዱሳን ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ዝብለካ እንዳበሉ ኢዮም ሓሊፎም።
ካብኣ ክንውስኽ ኮነ ከነጉድል ኣይግብኣናን(ገላትያ 1:8 ) (ገላትያ 1:7) እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ዝብለና፡(ምሳሌ 30:6) ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።ክንውስኽ ክንኪ ፍጹም ኢዩ ዘይግብኣና ስለ ጠቅምና ክንብል ።እንታይ ደኣ ጻዊዒት ኣምላኽ ንዓና ንቃል ኣምላኽ፡ከምታ ዘላታ ከነቅርባ ኢዩ ዘለና።ቃል ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ጎደሎ ገይሩ ኣይኮነን  ዝሃበና፡እሱስ ምሉእ ገይሩ ኢዩ ፡ኣባና ዘብጽሖ፡ነዚ ምልእ እንበኣር ክንጨርመሉ ከነጉድለሉ ኣይግባእን።

2,እታ ኣማላድነት ዝበልካያ ድማ ከምቲ ፕሪቨት ዝሰደድኩልካ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ደጊመ ይነግረካ።ዘፍርሕ ድማ የለን ኣይትሸገር።ካብ መን ኢና እሞ ክንፈርሕ።ጎይታ እኮ ከይንፈርሕ ነጊሩና ኢዩ፡እዚ ቃል ጎይታ ድማ ኣብ ጽላት ልብና ተጻሒፉ ዝተርፍ እንበር ከም ተራ ፊደል ተነቢቡ ጥራሕ ብዘይ ገቢር ዝሕለፍ ኣይኮነን።ቃል  ኣምላኽ ኢዩ እንበር። (ማቴዎስ10፡31)እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።(1ይጴጥሮስ3፡4)ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።
ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን።(ማቴዎስ10፡26)እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።(ማቴዎስ10፡28)ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም።ኢሉ ስለዝመሃረና ካብ ማን ንፈርሖ ሓይሊ የሎን።ጸሎት ግበር  ምስ ትዕግስቲ ክርድኣካ።ንቀደም በል በል።
ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???-

ኣብዝ ሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ብዛዕባ ኣማላድነት ዘለኒ መልሲ ክህቦም ብዙሓት ሓቲቶምኒ ብምድንጓየይ ድማ ይቅረታ ይሓትት፡ብ መስረተ ቃል ኣምላኽ ግን ህጂ  ብረዲኤት ኣምላኽ፡ነገረ ኣማላድነት ክጽሕፍ ባህ ይብለኒ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ናብ ኣምልኾ ገጹ ክጠማዝዙዎን ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኦርቶዶክሳውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ክምህሩን ይርኣዩ።
ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን  ነዚ ናይ ዕብዳን ፈረስ ልጓል ገይሮም ክዓግቱዎን፡ክቅስብዎን ክሕዝዎ ኣይረኣኹዎምን ዘለኹ።ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡መናፍቅ ከይብሉኻ ስምካ ከይጽልም ፈሪሕካ ሰብ እንዳ ጠፍአ ናብ ገሃንም ትም፡የርምም!!። ከይትስጎግ ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ገለ ሰባት፡ክንዲ ንኣማላድነት ኣጽፊፎም ዝርድእዎ፡ኣማላድነት ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም ፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ኣምላድነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ፡ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣምላድነት ዘይምርዳእን፡ህድእ ኢሎም ንነገራት ብዓይኒ መንፈሳዊ መገድን፡ብጾሎትን፡ኣብ ክንዲ ዝርእዩዎን፡ብሻራን ህልኽን ቀረድን፡ስለዝጠመቱዎ፡መንፈስ ቅዱስ ናይ ምርዳእ መንፈስ ኣብ የእምሮኦም ኣየሕደረን።ቃል ኣምላኽ ኣብ ነንብበሉ ቅድመ ኹሉ፡መንፈስ ቅዱስ ከም መምህር ቆጽርና ሓሲብና፡ኦ ጎይታ በጃኻ መሃረኒ ፡ኢልና ክንመሃር የእምሮናን ምስናይ ኩልትናንና ብምድላው ክንቀርብን፡ናብኡ ምሃረኒ ፡ክንብል ኢዩ ዝግበኣና።ትሕትና ምዕጣቅ፡ከም ተራ መጽሓፍ  ንሰባት ጥራሕ ክትፈርደሉ፡ክትፋላሰፈሉ ትፍትን እንተደኣ ኮንካ ብዘይ ፍርሓት፡መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ትሑታት ደኣ እንበር ኣብ ትዕቢተኛታት ከም ዘይሓድር ኣርጊጽካ ፍለጥ፡ነፍስኻን ጉዕዞኻን ምፍታሽ የድሊ።
ግን እስከ ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ??፡ህድእ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ንርኣዮ ካብ ስምዒት ወጺእና።እቶም ቅዱሳን ከም ፖፕ ሽኖዳ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ዓስቦም ይሃቦም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም ዝገደፉልና ኣሎ።
ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ፡?? 

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኣማላጅነት ዘለዋ ኣረኣእያ ከመይ ይመስል ክንርኢ ክንፍትን ኢና።መጽሓፍ ቅዱስ ዳኛኛ ኢዩ፡ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ከይንምህር ድማ ቃል ኣምላኽ ኣጠንቂቁና ኢዩ።(ምሳ306) (ዘዳ1232)(ዘዳ42) እንገብሮምስ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ ንገብሮም
(2) ክልተ ዓይነት ዝተፋላለየ ምምላድ ኣሎ።
1
. ምምላድ ክርስቶስ

2. ምምላድ ቅዱሳን መቸስ መጽሓፍ ቅዱስ ዳኛና እዩ፡ከምቲ ዝተጠቅሰ፡ከምኡ እውን መሰረትን ማእከልን እምነትና እዩ።ምስኡ ዝጋጮ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝመጸ ዋላ መልኣኽ እውን  (ገላ18) ከይንቅበል ድማ እዙዛት ኢና።ሃወርያት ድማ ካብዚ ዝመሃሩና ወጻኢ ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ከይንምህር ውግዘት ኣጠንቂቆምና እዮም (ገላ 16)ካብ ተዃሉ ተጠንቀቁ እንዳበልና ተዃሉ ኮይና ከይንርከብ እንበኣር ምሕሳብ ኣለና።
ገለ ገለ ክርስትያናት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወይ መላእኽቲ ወይ ብቅዱሳን ዝኣመሰለ ፡ምምላድ፡ኣይቅበሉን እዮም።ነዚ ዝምርኮሱሉ ከኣ እቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣበሃህላ ሐዋርያ ዮሐንስ እዩ።ጠበቃ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቅ እዩ።(1 ዮሐንስ 21 )ከምኡ እውን እቲማለት፡ኣምላኽ ሓደ እዩ። እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ በይኑ እዩ’’።(1ይጢሞ 25)።ዝብል ቃል ሓዋርያ ጳውሎስ እዩ።

ብሓቂ ኣብ መንጎ ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳንን ዓቢይ መሠረታዊ ፍልልይ ኣሎ። ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ተበጃውነት ምምላድ እዩ።

ናይ ቅዱሳን ምምላድ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። ጸልየለይ ለምነለይ ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ ዝብል ኢዩ።ነዚ እቶም ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ዘይኣምኑ ወገናት እውን ነቶም ደቂ መዛሙርቶም ኣብ ጾሎትካ ዘክረኒ ይብልዎም ኢዮም።
ማልት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ንተበጃውነትና፡ ኣብ ክንዳና ዋጋ ሓጢኣት ዝኸፈለ ገይሩ ንሕድገት ሓጢኣትና ይማልድ።ምምላድ ጎይታ ልክዕ ከም፡ ጸብጻብ ሓጢኣቶም ሕደገሎም ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ክንድኦም እቲ ኣበሳ ጸርኩዝብል እዩ።(ኢሳ536)

በዚ ኸኣ ከም መንጎኛ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ይቀውም።ንሱ እቲ ሓደ መንጎኛ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝቖመ እዩ። ካብ ሓጢኣቶም ንኽብጀዎም፡ምእንትኦም ስለዝሞተ ፡ነቦ ኣብቲ ኣምላኻዊ ፍርዲ መሰሉ ሂቡ ፡ንሰብ ድማ ሕድገት ኣውሃቦ።

ሓዋርያ ቅዱስ የሐንስ ነዚ ትርጉም ማለት እዩ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ኣሎ፡ ጠበቃ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጸድቕ እዩ።ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቂ እዩ።ብ ናይ ሓጢኣት ኩላ ዓለም ድማ እዩ እምበር ናይ ሓጢኣት ጥራይ ኣይኮነን።(1ይዮሐንስ 21-2)።ይብለና መቸስ ነዚ ቃሉ ብዘይ ስምዒት ክንቅበሎ ተስፋ ይገብር ስለምንታይ ምርዳእ ደኣ እንበር ስምዒት ዋጋ የብሉን እዩ። ስለዚ ነዚ ቃል ከም ቃሉ ክንጥቀመሉ እተደኣ ኮይና።ከም ዘለታ ተተቀቢልናዮ፡ ምስ ሓጢኣትና ዘተዓርቀና ካልእ መተዓረቂ የለን።ዋሕስ ዝበሃል የለን፡መንግስተ ኣምላኽ እንዳ ዘረዓይ ኣይኮነን፡ክስቶ መጽዩ ክወሓሰኒ ፡ከውጽኣኒ ዝበሃል ነገር መስሓቅ ኢዩ።ነበረያ ነበረ ፡ከምዚ ክንብል ከማን ሰብ ክሰምዓና የብሉን


ኣዳም ካብታ ኣይትብልዓያ ዝተባህለ ኦም  ትእዛዝ ጥሒሱ ምስ በልዐ፡ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ ሞተ፡ብዙሓት ሰባት እቲ ቃል ብደምቢ ዘይተረደኦም ነታ ኦም ከም ቀታሊት ገይሮም ዘቅርቡዋ ኣለዉ፡ነገር ግን እታ ኦም መርዚ ስለዝኾነት ኣይኮነን፡እቲ ንኣዳም ዝቀተለ፡ህይወት ከይህልዎ ዝገበረ፡እቲ ምጥሓስ ትእዛዝ ኢዩ።ምኽንያቱ ጎይታ፡
(ዘፍጥረት 2፡17)ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። 
(Genesis)  But of the fruit of the tree of the knowledge of good and evil you may not take; for on the day when you take of it, death will certainly come to you ።ኢልዎ ክንሱ ንሱ ግን ኣዳም ቃል ሰይጣን ሰሚዑ፡ንቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ኢሉ፡ብምስዓር፡ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ ሞንጉኡን ዝነበረ ውዑል፡ኣፍረሶ።ካብታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ደኣ ኢዩ ዝበሎ እንበር ካብታ ትቀትል ኣይበሎን።የግዳ ግን ካብኣ ምስ እትበልዕ ክትመውት ኢኻ በሎ።ንሱ ግን በልዐ ሞተ ድማ፡ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ሰብን ድማ ጽልኢ ኮነ።

እቶም ምስ ኣምላኽ ዝነብሩ ነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ስም ፈጣሪኦም ተፋላለዩ።ሰብ ካብ ኣምላኽ ረሓቀ፡ክቀርብ ግን ተደልየ።ኣዳምን  ሄዋንን ምስ ኣምላኽ ተባኢሶምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ ኢዩ እንበኣር፡ንኣምላኽን ንኣዳምን ዝዓርቅ ዝተደልየ፡በጃ ዝኸውን። ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝነበረ ጽልኢ ዘፍርስ፡ ዝዓርቅ፡ሰላም ዘስፍን፡ ከምቲ (ኤፌሶን2፡15) ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ
ስዒሩ፡ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።
ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡
 ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።(2ይቆሮንቶስ5፡19)ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።(ሮሜ5:11)ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።

ዕርቂ  እንበኣር ብእኡ ጥራሕ ኢዩ ዝኾነ።ብ ሞቱ ዝዓረቀና ንሱ እቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ እቲ ህያው ጥራሕ ኢዩ።(ሮሜ510)(2 ቆሮ518-19) (1ይዮሓንስ410)
ኣብዚ እምበኣር እታ ናይ ተበጃውነት ምምላድ ብርህ ዝበለት ትመስል።ንሳ ናይቲ ዝሓጥእ ሰብ ምምላድ እያ።ሓደ ምስ ዝሓጥእ ‘’’ እቲ ዝሓጥእ እዚ ተበጃውነት የድልዮ።እዚ በጃ እዚ ድማ ክርስቶስ ደኣ ኢዩ እንበር ማንም ካልእ ኣይኮነን።በጃ ማለት እዩ።በጃና  ድማ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። ብዙሓት ሰባት ግን ገለ ፍጡራን በጃይ በጃና ክብሉ ዝጽውዑ ዝሰማዕኩዎም ኣለዉ፡ብሓቂ ቀልዲ ኢዮም !!!።ገለ እውን ዝብጀዉ በጃ ዝገብሩ ኣባግዕ ሓሪዶም በጃ ገይረሉ ገይረላ ዝብሉ ኣለዉ ።እዚ ጸርፊ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ እዩ።ብሓቂ እዚ ገይጋ ዘይኮነስ ክሕደት እውን እዩ።ኦ ክርስትያን በጃኻ ክርስቶስ እቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ካብ ቅድስተ ድንግል ዝወዓለ ህያው ጥራሕ ኢዩ፡ካልእ በጃ የብልካን።
ንነፍስና በጃኣ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።ንሱ ኣብ ኣብ መስቀል በጃ ኩላትና ደሙ ኣፍሰሰ ክሳዕ ሞት ተኣዘዘ።ስለዚ በጃና ምባል ሰባት ተቋረጹዎ ሂወት ዘውህቦም ኢዩ። እቲ ሓደ በይኑ ነዚ ተበጃውነት ዘቅረበ ኸኣ ፡ንሱ እቲ ብጹእ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።ስለዚ ኸኣ በቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ኣብ ክንዳና ምምላድ ዝኽእል እዩ።ይቅጽል,,,,።ተኸታተል ክሳዕ መወዳእታ ተዘይ ኣንቢብካዮ ዘይክርድኣካ ይኽእል እዩ።
2 ክፋል ኣምላድነት ማለት እንታይ ማለት እዩ??
ኣብ ቅዳሴ ሃወርያት ቅዳሴና ገጽ 54፡ቁጽሪ 105 ክስዕ 107 እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፡ባህ ዜብለካ መሥዋእቲ ሥጋ ወድኻ እንሆ፡ሓደ ወድኻ ምእንታይ ሞይቱ እዩ እሞ ፡በዚ ኹሉ ሓጢኣት ኣናሕስየለይ፡ 
እንሆ ኣብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ንጹሕ ደም ወድኻ ምእንታይ ይጠርዕ ኣሎ።እዚ ዝዛረብ ደም ወድኻ ምእንታይ ይጠርዕ ።እዚ ዚዛረብ ደም ናይ ባርያኻ ሓጢኣት ዜስተሣሪ ይኹን፡ ይብል።

ኣስተውዕል።

ምእንቲ ደሙ ተቀበለለይ ከመይ ፍቁር ወድኻ ምእንቲ ኬስምረካ ኲናትን ሽንካርን ተቐቢሉ እዩ።ምስ ደኃንኩ እውን ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣትዩ መንትጉ (ሓጢኣት)ወጊኡኒ እዩ።እሞ ጎይታ ንሱ ጽኑዕ ከሳሲ ስለ ዝኾነ ምሕረትካ ሃበኒ።ምእንታና ካብ ጠርዐ ኣየማልድን ዘሎ እንብለሉ ብኸመይ ዓይነት መገዲ እዩ።እቲ ሚምላድ ንብሎ ዘለና፡ብደሙ ማለትና ኢዩ።እንበር ከም ሰብ ኦ ኣቦ በጃኻ ንክስቶ ምሓሮ ኢሉ ከም ሰብ  ዝልምን ኣይኮነን።እንታይ ደኣ የማልደልና ኣሎና ትበሃል ዘላ እታ ኣብ መስቀል ዝተገብረት ኢያ፡ንሱ እውን ኢሉ ኢዩ ኦ ኣቦይ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኣይትሓዘሎም።
ልክዕ ብኸምዚ ዓይነት ርድኢት ሓዋርያ ጳውሎስ ኸኣ ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን እቲ ሓደ በይኑ መንጎኛ ከም ዝኾነ ከምዚ ዝስዕብ ይብል።ማለት ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ፡እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን ፡እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ ፡ሓደ በይኒ ኢዩ።ብ ግዜኡ ንዝኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ኩሉ ክኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ።(1 ጢሞት25-6)እምበኣርከስ ንሱ ኣብዚ ከም ተበጃዊ ነፍሱ ምእንቲ ድሕነት ካልእ ነፍሲ ዋጋ ሓጢኣት ስለ ዝሃበ ይማልድ።
እዚ ዓይነት ምምላድ ክትዕ ዘድልዮ ኣይኮነን።ንግሉ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ
እዩ።

ምምላድ ቅዱሳን ምእንቲ ሰባት፡ግን ምስጢ ተበጃውነትን ድሕነትን ርክብ በፍጹም የብሉን።
ምኽንያቱ ንሱ ምእንታና ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምላድ ስለ ዝኾነ።
ምምላድ ቅዱሳን ምእንታና ምጽላይ ጥራይ ኢዩ።ኸኣ ናይ ምምሕጻን ምምላድ ደኣምበር ከምዚ ናይ ተበጃውነት ምምላድ ክርስቶስ ኣይኮነን።
መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ይሳማምዓሉ ኢዩ። ከምዚውን ይብል፡ምእንቲ ሓድሕድኩምውን ጸልዩ(ያዕ516) ።እቶም ቅዱሳንውን ምእንትኦም ሰባት ክጽልዩ ይሓቱ ነበሩ።ቅዱስ ጳውሎስ ሰብ ተሰሎንቀ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎም።ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና(2 ተሰ31-2 ልክዕ ከምኡ ዝኣመሰለ ኸኣ ካብ ሰብ እብራውያን ሓቲቱ (ዕብ1318) ንሰብ ኤፈሶን ከኣ ከምዚ ዝስዕብ በሎም፡ብኹሉ ጸሎትን ልማኖን ኩሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸለኹም እሞ,,, ስለ ኹሎም ቅዱሳን ጸሎት ንቕሑ፡’’(ኤፊሶን618)።ምሕታት ጸሎት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።ይቅጽል,,,,