Post più popolari

Tuesday, 11 June 2013

ጎይታ ኢኻ ።

                              ጎይታ ኢኻ ።


ጎይታ ኢኻ ልዕሊ ኩሉ
ኩሎም መጺኦም ዝሰግዲሉ
ብዘሎ ፍጥረት ዝእዘዘሉ
ጎይታ ኢኻ ኢየሱስ ሰይ ክበር ልዕሊ ኩሉ
ንቃልካ የንብብ እዚ ዘይበርሃሉ
ኣይኮንካን ፍጡር ኢኻ ፈጣሪ
ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝግብኦ ክብሪ
ዘይብልካ ተወዳዳሪ
አምልኸካ አምልኸካ እሰግደልካ
ብፍታወይ ስለዝግብኣካ
ጎይታይ እንዳበልኩ ይግዝኣካ
ልዕሊ ናይ ተፈጥሮ ፍሉይ ብባህሪኻ
 ሃሌሉያ እንዳበልኩ እግዚኣካ
ኣንታ ዘይተሕፍር ንዝጽበዩኻ
ብፍቅርኻ መሊእካኒ ባርያኻ
ድርሳነይ ኮይኑ ጥራሕ ንዓኻ
ዘይጽልምተካ ጸልማት
ይኹኑ ኢልካ ትፈጥር ንነገራት
ኣንታ ናይ ኣምላኽ ቃል የሱስ በዓል ናዝረት
ህሉው ብባህሪካ ቅድመ ምፍጣር ዓለማት
ጎይታ ኢኻ በይንኻ ክበር ዘንትእለት
ንሰረገላታት ብሓዊ ተንድዶ
ንማዕበል ተህድኦ ብሓይልኻ ትእግዶ
ክብርኻ ዘይወሓጠሉ ሕማሙ ይግደዶ
ንበይንኻ ኢኻ ጎይታ ምስጋናይ ውሰዶ
ብሩባ ሩባ ድነ ሞት ዋላ ተከድኩ
ኣይፈርሕን ኣባኻ ስለተኣመንኩ
ክምስክር ኢየ ጎይታ ኢኻ እንዳበልኩ
ንስልጣናት ብስምካ እንዳ ገናሕኩ

                                 ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

No comments: