ክብሪ ኢየሱስ
ዘይተዋሕጠሎም ኡኩያት ዓየይቲ።
እምነት ካብ ምስማዕ ኢያ።ምስማዕ ከኣ ብቃል ክርስቶስ ኢዩ ሮሜ 10:17:።እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።እንተ ኾነ ምስማዕ ብቃል ክርስቶስ እንከሎ ብቃል ሰባት ክንነብር ኢና ዝብሉ ሰባት ይመጹ ብምህላዎም ካብቲ ኣገሪሙና ዘሎ ኢዩ።ንሰብ ኣማኒን ዘይ ኣመንን ንብሎ እውን ብቓል ክርስቶስ ጥራሕ ኢና።
መናፍቅን ኣይመናፍቅን እንብሎ እውን ብቃል ክርስቶስ ኢያ።ተኾነ እቲ ሓቂ እዚ እናሀለወ ንረብሓን ሰባት ንምጥቃዕን ምስ ቃል ክርስቶስ ብዘይ ይሰማምዑ ትምህርቲታት ጽሑፋትን ሰባት ክውንጀሉን ስሞም ክጽልምን ብምርኣየይ እግዚኣብሔር ጸዋር ክንብል ገይሩና ኣሎ።ዝሓለፈ ኣብ ሽወደን ዝነብር መንእሰይ ናትኩም ትምህርቲ ሻር ስለዝገበርኩን ምድሓን ብዘይካ ብክርስቶስ ብኻልእ የሎን ኢለ ስለዝመሃርኩ፡ ከምኡ ኢሎምኒ ኢሉኒ።ከም ኣብነት ደኣ ኢየ ዘቅርብ ዘለኹ እንበር ኣብ ገለ ክብሪ ክርስቶስ ዘይወሓጠሎም ነገልግል ኣለና ዝብሉ ንባዕሎም ኣይኣትዉ ሰብ ከይኣቱ ድማ ዝኽልክሉ ብዙሕ ይርአ ኢዩ።
ቀሺ ተለፎኖም ሂቡኒ ተደወልኩ ድማ “ከምኡ ዘይኮነስ ደሓንዶ ዊዒልካ ክንብሎ፡እግዚኣብሄር
ይመስገን ክብሪ ንጎይታ ኢየሱስ ይኹን።ገለ ተበልናዮ ኣምላኽ ይባርክኩም፡ኣምላኽ ይባረኽ ኢሉና።ምሉእ መዓልቲ ኢየሱስ ኢየሱስ እንዳበለ
ስለ ተቀየረ ኢና ላሕ ኣቢሉና።ሰብ ከይዕንቀፍ ተቀይሮም ከይብሉና ድማ ሰብ ከይሰመዐ ኣባሪረዮ።ኩላ ዘረባኡ ኢየሱስ ኮይና።ዋላ ኣብ
ገዝኡ እውን ኢየሱስ ይባረኽ እግዚኣብሄር ይባረኽ ይብል እዚ ህጂ ዘምጽኦ ባህሪ ኢዩ።
ነዚ ምስ ኣጽናዕና እዚ ተሓዲሱ ኣሎ ኢልና።ኩሉ ትምህርቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ
።ስለዚ ሰብ ከየዕንቅፍ ኢልና ።እንበር ትምህርቲኹም ኮነ ትምህርቲ ካልኦት ስለ ኣብ ፈስቡክ ሻር ስለዝገበረ።ስለዘንበብ፡ካብኡ ቀዲሑ
ድማ ስለ ዝመሃረስ ኣይኮነን።ኣሕቲሙ ንተመሃሮ ስለዝዓደለንሲ ኣይኮነን ፡ንስኹም ደኣ ኣቦናን መምህርናን እንዲኹም ይብሉ ብዙሕ ስም
ኢየሱስ ክዳጋገም ባህ ዘይበሎም ኣባ ቀሺ። ካብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ስሞምም ይጽንሓልና።
ኣገልጋሊ ሰብ ክቅይር ብ ወንጌል ኣብ ወንጌላዊት ፋብሪካ ኣእቲዩ ኣሕቲሙ ከውጽኦም
ኢዩ ጻውዒቱ ፡እንተ እዚኦም ሰብ ስለ ተቀየረ።ካብ ደሓንዶ ዊዒልካ ኢልካዮ ክንዲ ኣድጊ ምባል ገዲፉ ን ኣምላኽ ስለዘመስገነ ኣኮርዩዎም።ማራ
ትሑት ስለዝኾነ ኢየሱስ ብምድጊጋሙ ሰብ ከየዕንቅፍ ሰጊጎሞ።እቶም ናይ ሰማይ ቅዱሳን ግን ከየዕረፉ ከመስግንዎ ኢና ንርኢ።(ኢሳይያስ 6:3)እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።
።ራእይ ዮሐንስ 4:8: እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ።ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሰማያት ከየዕረፉ ነዚ ይብሉ ንሕና ኸኣ ሰብ ከይዕንቀፍ
ትም በሉ ንብል።
ጎይታ ኢየሱስ ብዘረባኻ ክንደይ ሰብ ይዕንቀፍ ከም ዘሎዶ ትሪኣለኻ ምስ በልዎ ዝመለሶ
ተነይሩ።ወንጌል ማቴዎስ 15:13: ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። ኢያ ነይራ።እንተኾነ ነቶም በዚ ዝተዓንቀፉ ክንዲ ምርዳእን ብስም ክርስቶስ ዝተዓንቀፈ
ዋላ ይበንቆስ ክንዲ ምጉዓዝ ልዕሊ ኣምላኽያ ሓለይቲ ኮይኖም ከይነዕንቅፎም እንዳበሉ ንሰባት ብ መገዲ ሞት እንዳ ተማላለሱን ኣብ
ጸረ ክርስቶስ ዝኾነ ትምህርቲ እንዳ ነበሩን ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ብዙሓት ኢዮም። እዚ ሓውና ግን ኩላ ነገሩ እግግዚኣብሄር ይባረኽ ይመስገን ስለዝበለ።ነዚአን ኣጽኒዖም ካብ ቤተ ክርስቲያን
ጉሑፍ ።
ገደደ ገደደኒ እኮ፡ጎይታ ኢየሱስ ይመስገን ዘይበለስ መን ይመስገን ኢዩ ክብል፡ፍቃድ
ኣምላኽ ይኹን ተዘይ ኢሉስ ፍቃድ መን ይኹን ኢዩ ክብል።እግዚኣብሄር ይባርኽኩም ተዘይ ኢሉስ መን ይባርኽኩም ኢዩ ክብል ዘለዎ።ካብ
ሓንቲ ኣብ ኢሮጳ ትርከብ ሽወደናዊት ከተማ ኢዩ እዚ ኹሉ።እስከ ምዘኑ፡ዝመለስኩዎ ተነይሩ እሞ ሰጣን ይባረኽ ዘይበለ ዲዩ እዚ ኩሉ
፡ሰጣን ይባረኽ ከም ዝበሃል ኣረድእዎ ካብ ቃል ኣምላክ መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ክብለኩም ኢዩ ኢየ ኢለዮም !!።
ታይ ደኣ ንዓኣ ካብ ጸልኡዋ ደጋፊ ኣንጻራ ኢዮም ማለት ኢዩ ግን ከረዳዎ ብመጽሃፍ
ቅዱስ ኪከውን ኣለዎ።ን ኢየሱስ ነቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ስሙ ስለዝጸዎዐ ተጸሊኡ።ትንቢት ጎይታ ዝበለና ንኽፍጸም ዶኾን ኢዩ። ንሱ
ኢሉና ኢዩ።ወንጌል ሉቃስ 21:17: ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ።ስም ኢየሱስ ዶ ትጽላእ።
ስም ኢየሱስ ኣይፈተዉዋን።እንተኾነ ቅዱሳን በዓል ቅዱስ ጀወርግሽ ነዛ ስም እዚኣ ኢዮም
ህይወቶም እንዳመስከሩ ሓሊፎም።ናይ ሎሚ ዝመጽእ ዘሎ ካልእ ወንጌል ደኣ ናበይ ገጹ!!።ዓቅሊ ከይውድኣና ይፈርሕ ኣለኹ ከምዚ ተበዚሑ
ሓቂ ምትካስ ኣይክንሰንፍን ኢና።ኣነ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ኣርተር ቤተ ክርስቲያንካ ወጺኡ ገይጋ ኣንጻር ክርስቶሳዊ ትምህርቲ ተሚሂሩ
ከም ዝስጎግ ኢየ ኣነ ዝፈልጥ።ግን ንምንታይ ግን ኣንጻር ኣምላኽን ቃሉን ምልዓል።ንሰብ ዘስጉጎ ከኣ ኣማኒ ኣይኮነን እንብሎስ ብቃል
ክርስቶስ ዶ ኣይኮነን፡እምነትስ ብቃል ክርስቶስ ዶ ኣይኮነትን።
ከም ኣብነት ደኣ ኣምጺአዮ እንበር በዝን ወዲ ከምዝን ብዙሓት ሽግር ከም ዝወርዶም
ክንደይ ድያቆናትን ካህናትን ብኸምኦም ዝበሉን መገላግልቶምን መከራ ከም ዝወርዶም ካብ ኢትዮጵያ ክሳዕ ኤርትራ እንዳ ነብዑ ዝነግሩኒ
ብዙሓት ኢዮም። ክነግሩኒ ከለዉ ብጣዕሚ ኢዩ ሕልሚ ኮይኑ ዝስምዓኒ።ይቅጽልል
No comments:
Post a Comment