ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና።
ንዝኾነ
ዝንበር ህያው ተፈጥሮ ምንባሩ መቀረት ክህልዎ ተኾይኑ ተስፋ ክህልዎ ኣልዎ።ተስፋ ዘለዎ ዝኾነ ብሕቂ ኩሉ ግዜ ኣይጽምሉን ኢዩ።ከም
ኩሎም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝነብሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ ኦም ከኣ ፡ንሕና ክርስትያናት ተስፋ ኣለና።ካብ ተስፋ ዝበልጽ ናይ ተስፋታት
ተስፋ ወረ።ካብ ኩለን ፍልይ ዘብላ እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኢያ።(1ይ ዮሐ2፡25)ከምቲ ቃሉ”ኣህዛብ ብስሙ ተስፋ
ክገብሩ ኢዮም”(ማቴ12፡21) ዝተባህለ ንሕና ካብ ወገን ኣህዛብ ክንስናስ ብስሙ ተስፋ ኣሎና።(መዝ131፡3)ንሕና እንበኣር ደቂ
ተስፋ ኢና።(ገላ4፡28)
ብሓቂ
ኣብ ምድሪ ከም ዝበጽሓና መከራታት፡ ተስፋና ኣብ ምድሪ ጥራሕ ተዝኸውን ነይሩ።ኣብ ሰማይ ተስፋ ዘይብልና ተንኸውን ነይርና ነደንግጽ
ምኾና ነይርና።(1ይ ቆሮ15፡19)ግን ዘይሓልፍ ተስፋ ኣምላኽ ሂቡና።ዋላካ መከራ ተበዝሓና ብቃሉ እነናሻዕ ንሕደስ።ንሕና ብዘይ
ንፈልጦስ ንሱ ሓይሊ ይህበና፡ሓይሊ ይውስኸና፡ኣብ ውሽጥና ከም ብሓድሽ ንሕደስ።በዚ ተስፋ እዚ ኢና ኸኣ ንኹሎም ዝገጥሙና ስልጣናትን
፡ኩሎሞ ተጸባእትናን ክንስዕሮም ኢና ኢልና ንድምድም።ቅዱሳን እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዝነበሮም ብእምነት ነገስታት ሰዓሩ(ዕብ11፡33)
ዋላኳ
መከራን ዘይንኽእሎ ኲናትን ኣንጻርና ተተገብረ ግን ንሱ ከም ዘድሕነና ተስፋ ስለ ንገብር ኣይዓጠናን።ዋላ ተሞትና እውን ናብ ኢዱ
ክንኣቱ ምዃና ንፈልጥ።ሓደ ግዜ ብ 1986 ዓ/ም፡ሓንቲ ኣደ ብ መርከብ ናብ ጓለን ይጓዓዛ ነበራ ።እንተኾነ እታ መርከብ ሃንደበት ኣንፈታ ኣጥፍአት። ብርቱዕ
ማዕበል ድማ የጋንፋ ።ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ሰብ ይበኪ ይጉሂ “ዋይ ኣደይ ዋይ ጓለይ” እንዳ በለ ይበኪ ፡ገለ ኸኣ ዝገብሮ ጠፊእዎ ነው ነጀው ቀልባዕባዕ ይብል ነብረ
።ኣብ ሞንጎ እዚ ኩሉ ህዝቢ ግን ሓንቲ ኣደ ኮፍ ኢለን ብህድኣት “ክርያላይሶን” “ ክርያላይሶን” እንዳ በላ መድገምያ ይደግማ
ነበራ።
በዚ
ዝተገረመ ኣሳሳዪ ናይታ መርከብ መጺኡ “ኣንትን ኣደ እንታይ ኢኽን ስቅ ትብላ፡ኣይፈለጥክንን ዲኽን እዛ መርከብ እኮ ትጥሕል ኢያ
ዘላ፡ፈሊጥክን ዶኸ ኣለኽን በለን”።በዚ ዘይምርባሸንን ርጉእ መንፈስ ኣብ ገጸን ምስ ኣንበበን።እተን ኣደ ዝመለሰኦ ድማ”ዋይ ዝ
ወደይ ኣደኻ፡ካብ እዚኣ ተወጻእኩ ናብ ጓለይ እዛ መርከብ ተጣሓለት ድማ ናብ ኣምላኸይ፡እንታይ ዘሻቅል ኣሎኒ ንዓ ንግዳ ርጋእ ጸሊ
ምሳይ“በለኦ።ኣብ ቅድመ እዚ ብፍርሒ ተዋሕጠ ሰብ ዘረባአን ጸወታ
ኢዩ ዝነበረ፡ነተን ኣደ ግን ህያው ዝኾነ ተስፋ ኢዩ።ሓቀን ኢየን ብስጋ እኳ ተሞታ ብ መንፈስ ግን ህያው ከም ዝኾና ተረዲኡወን።(ዮሐ11፡25)
እወ
ክርስትና ሰባት ኣብ ከባቢና ክጭነቁን ክርበሹን ከለዉ ከርግኣና ዘኽል ሓይሊ ተሃልዩ፡ ዋላ እኳ ካብዛ ምድሪ ተገዓዝና ኣብ ሰማይ ካልእ ሓጎስ ተዳልዩልና ከም ዘሎ ስለ ንፈልጥ ኢዩ።ክብሪ ን ኣምላኽ
ይኹን ንሕጎስ።ብዘይ ንዕኡ ንዓና ምንባር ኮንቱ ኢዩ።ንሱ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ ኢና ድማ ከነሕጉሶ እንጽዕር፡ኣብ ግዜ ድኻምና ኮነ
ኣብ ግዜ ብርትዐና ምንባርና ንዕኡ ክኸውን ኢና ንደሊ።
ኣብ
ሂወትና ብኹሉ ነገር ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡እንገብሮ ይጠፍኣና፡ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡(2ይቆሮ4፡8)።ህጂ ብቅጽበት
ዓለም ኣንጻርና ኲናት ተትእውጅ እውን ብፍጹም ተስፋ ኣይምቆረጽናን
ነርና ክርስቲና ካብ ካልኦት ተስፋታት ፍልይ ዘብሎ እንበኣር እዚ ኢዩ።ታሪኽ ቅዱሳን ተሪኢኻ በዚ ዝተመልአ ኢዩ።ዓለም ብምልእታ
ክትቃዋሞም ከላ ።ንሳኦም ከኣ ኣነ እውን ንዓለም ይቃወማ ኣለኹ በሉ።እዚ ክብሉ ከለዉ ኣብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ
ስለ ዝገበሩ ጥራሕ ኢዩ ዝነበረ።ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ድማ ኢና ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ።(2ይቆሮ3፡12)ይቅጽል,,,,,
Etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment