Post più popolari

Sunday 28 April 2013

4ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት::


4ይ ክፋል ይቅጽል
ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት

ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣምላኽ ንሶም ብኾፎም ከለዉ ነቲ ህያው ቃል ብኻልእ ተነግሮም።(ማቴ23፡28-29)ቤቶም ድማ ዓንያ ተረፈት።ብናይ ሰጣን ምኽሪ ብትዕቢት ተታሒዞም ዘንጊዖም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ  ናይቲ ሽዑ ዝነበሩ  ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብ ኾፎም ከለዉ ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ቀዘዝ ኢሎም ተረፉ ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም ኣምላኽ ፡መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቛሸሽትን ፡ጠበርትን ንነፍሶም ሊቃውንቲ ገይሮም ዝሓስቡዋን ዘይሓብር መስተንክራዊ ዝኾነ ኣምላኽ።ምስ ተጻረፍትን መጸለምትን ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ።
ሎሚ እንበኣር ኣይንገራህ ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነገራት ከይፈሽለና።ዘይ ንሕና ኢና ንገብር ዘይ ህዝቢ ንዓና ኢዩ ዝሰምዕ።ዘይ ከምዚ ኢልና ከነስምዖ ንኽእል ኢና ኢልና፡ነፍሲና ከይነታልል።ኣብ ቅድመ ዓይኒና ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ዘሰንብድ ነገር ከይሰርሕ ቀዘዝ ከይንብል።ነዚ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ክብሩ ነዘንቱ ተኣቢና ግን ቤትና ዓንያ ክትተርፍ እታ መንግስቲ ኸኣ ንዝፈሪ ህዝቢ ከይትወሃብ ጥንቃቀን ምስትውዓልን ከዲሊየና ኢዩ።(ማቴ21፡43)(ሉቃ8፡18)
             ኩቡር ክርስትያን
ን ሃዋርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካ ናብኡ ብትሕትና ቀሪብካ ጸሊ።ንኹሉ ዝንዕቖ ፍጥረት ዘይንዕቅ ካብ ሓመደ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተውዕል፡ ምንም እኳ ሓጢኣተኛታት ተኾና ብንስሓ ናብኡ ክንቀርብ ከለና ክቅበለና ከም ዝኽእል ፈሊጥካ ብኹልንትናኻ ንቅረቦ ንሱ ሕያዋይ እዩ።ገለ ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ ኣየ ክብለሎም ይደልዩ ኣይረኽቡን ድማ፡ህዝቢ ኩሉ ክፈትዎም ይደልዩ፡ ኣይኮነሎምን ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዶ ናይ ካርስቶስ ማሕደር ን ሂወቶም ስለ ዘይገበሩዋ እዩ።ናይ ክርስቶስ ማሕደር ን ሂወትካ ክትከውን ተደሊኻ ቅድም ናይ ክርስቶስ ማሕደር ክኸውን ዝኽእል ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ በል።ኣብኡ ን ሂወትካ ፈትሻ ተዘየሊኻ ከመይ ገርካ ምሕደር ክርስቶስ ክትከውን ከም ዘለካ ጸዓርን ጸልን፡
እዛ ን የሱስ ክርስቶስ ዝጾረት ኣድጊ ኣስተውዕላ፡ ብኹሉ ዝተናዕቀት ቆርበታ ሰብ ኣይንጸፎ”ጸበኣ ሰብ ኣይሰትዮ፡ ስጋኣ ሰብ ኣይበልዖ፡ጥራሕ ንሕስራን ሰብ ዝደልያ ንሱ ክኸብረላ ደለያ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ይመጽእ ክጥቀመልና ይደልየና ኣብ ቦታና ስለ ዘይረኽበና ድማ እቲ ንዓና ተባህለ ን ካልኦት ይወሃብ።ንርእሶም ክብረትን ተደላን ዝደልዩ ሰባት መምህር ኢሎም ክጽውዕዎም ዝደልዩ ሰባት ግን ኩሉ ኣይረኽብዎን እዮም።ክትከብር ኣብ ታሕቲ ጽናሕ ኣምላኽ ድማ ልዕል ከብለካ እዩ። ናይ ክብሪ ወናኒ የሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቅለ እዩ።መንፈሶም ዝተሰብረ ስለ ቃሉን ወንጌሉን ነፍሶም የሕሊፎም ዝሃቡ ቅዱሳን ግን ነፍሶም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮነት።
ናቱ ማህደር ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ድማ ኢና ንሕና ነኽብሮም ንሱ ባዕሉ ናይ ቅዱሳን ክብሪ እዩ።እወ እሱ ክብርና እዩ እሞ ስለ ቃሉ ንምምስካር ንሙማት ንምስቃል፡ ስለ  ሓቂ ንምሕሳር ኣይትማታእ ሽዑ ንሱ ልዕል ከብለካ እዩ።ብ ቃሉ ምስ ማንም ኣካል ዋጋ ዕዳጋ ኣይትእቶ፡ንቃሉ ድማ ምስ ማንም ቃል ኣይተነጻጽሮ፡ኣይተዋዳድሮ ቃል ኣምላኽ ክብርኻ እዩ ብፍላይ ድማ ብ ወንጌል ንእሽቶ እትበሃል ሸለል ኣይትበል ሸለልትነት ን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ኣምላኽ ክፍንፈኑ ዝገበሮም ባህሪ እዩ። ቀዳምነት ነቲ ሆሳዕና እንዳበሉ ዝተቀበሉዎ ህያው ጎይታ ሃብ ፡ ሽዑ ኣምላኽ በኣኻ ገይሩ ክኸብር ከሎ ክትርኢ ኢኻ።
                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኣሜን
                       ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
Etiqalsgakone@gmail.com
fathermusieshishay@gmail.com

3ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት::


3ይ ክፋል ይቅጽል
ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት 

እቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንግዲ ከም ንቡር ዝቆጸሩዎ ።ኣቦታቶም ቤተ ንግዲ ዝገበሩዎን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሖምን ሓደ (50 )ሓሙሳ ዓመት ዘይምልእ ሰበኣይ መጺኡ ከውጽኦም ከሎ ከድንጽዎም ባህርያዊ እዩ።ስልምንታይሲ ካብኡ ብዕድመ ብትምህርቲ ኣብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ዝተራእዩ ሰባት ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፡ ሊቃውንቲ ብኾፎም ሓደ ሓድሽ ነብዩ በዓል ናዝረት መጺኡ ዓገብ ኢሉ። እዚ ዓገብ ዝብል ዘሎ ደኣ መን እዩ ብምባል ድማ ኩላ ተገሪማ።ሎሚ እንበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዝርኣዩ ጉዳያት ዓገብ ክንብል ከለና ንዝቀርበልና ስቅ በሉ ዝብል ቃል ክንግርሃሉ የብልናን። ቤት ኣምላኽ ቤት ኣምላኽ እዩ።ን ቤት ኣምላኽ ቤተ ፖሎቲካ ኣይትግበሩዎ መጋበሪ ረብሓ ኣይትግበሩዎ ከምታ ኣቦታትና ቅዱሳን ዘጽንሕዋ ደኣ ንኺድ ክንብል ጎይታ ሎሚ ብ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይጽውዓና ኣሎ።
ሓንቲ ቤተ ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክትርአ ተኾይና  ውሽጣ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽ ይግብኣ ስለምንታይ ኣምላኽ ብኹልንትናና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ይደልየና።(ሮሜ12፡1)እንተኾነ ነገርና ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ሰብ እኳ ነገራትና ክሽፈን ኣይከኣለን ዘሎ  ሓላፊ መገዲ ከም ዝስሕቀና፡ኮይና ንርከብ።ሎሚ ሰኣን ከመይ ኣለና ውሽጥና ንፍትሽ ጸላእትና ክምክሑልናን ብኡኡ ገይሮም ከሳቅዩን ይርኣዩ ኣለዉ።ሎሚ መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ ኮይና ኣለና ነዚ ሕርሚ እዚ ሎሚ ከነውጽኦ ተዘይፈቲናን፡ ከምቶም ጎይታ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ኣታ ግደፍ ዝበልዎን ተጸሊሉ እዩ  ዝብልዎን ነበሩ ።ነዚ ቃልዚ ንዘውጽኡ ተጸሊሎም እዮም።ኣይበሃልን ክንብል ተጀሚርና ግን ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮና እንመስልሲ ንዕኦም ነቶም ጠበርቲ ርእሶም ንመስል ምዃና ዝሕብር እዩ።እዚ ድማ በፍጹም ክርስቲያንዊ ስነ ምግባር ኣይኮነን። እሞ ነፍሲ ወከፍ ሂወትና ን መርምር።ሆሳዕና እንበኣር ከቢድ ሓላፍነት እንስከመላ መዓልቲ እያ።ትሕትናን ሓቅን ተዓጢቅካ ነፍስኻን ኣገልግሎትካን ትምምረላ፡ ን ኣምላኽ ዘየኽብር ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርን ጠባይን ካብ ሂወትካን ኣገልግሎትካን እቲ ሓያL መጺኡ ብጭግራፍ ገይሩ ከይጎሓፈካ ባዕልኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ቆሪጽካ ተውጽኣላ ቅድስቲ መዓልቲ።
እቶም ቤተ መቅደስ ቤተ ምስያጥ ኮይና ስቅ ኢሎም ዝርእይዋ ነበሩ ሰባት የእምሮኦም ከይበርህ ብዕውሩ ተረፈ፡ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ኣዐሮም።(2ይቆሮ4፡4)እቶም ኣብ ግዜ ሆሳዕና ሆሳዕና ኢሎም ዝዝምሩ ነበሩ ህዝቢ ዓርቢ ስቅለት  ይሰቀል ኢሎም ክጭድሩን ወዓሉ።እንበኣር እዞም ሎሚ ቤተ እግዚኣብሔር እንዳሓመመ ስቅ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ ጽባሕ ስቀልዎም ክብሉና ምኻኖም ፈሊጥና ንዝመጸና ፈተናን ግፍዕን ክሕድሰና የብሉን።ተመሃራይ ከም መምህሩ ጊልያ ኸኣ ከም ጎይታኡ ስለ ዝኾነ።
 ደቂ መዛሙርቱ ብ ዓብይ ድምጺ ከመስግንዎ ዝሰምዑ ሓያሎ ፈሪሳውያንን “ንደቂመዛሙርቲኻ ግንሓዮም” ስቅ ኣብሎም በሊዎ። እዚኦም እኳ ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም በለ።ምጭዳር መቸስ ማዕሮ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ንሱ እቲ ጎይታ ክዝምሩ ዘይኮነ ኢሉስ ዉዕዉዕ መዝሙር ነቲ መዝሙር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምግላጽ ክጭድሩ እዮም በለ።ኣብ ቤተ መቅደስ ሕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጽኡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።ኣብ ቤተ መቅደስ ዝነበሩ ህጻናት ድማ  ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ኢሎም ዘመሩ።
ነዚ ኹሉ ካብ ፈለማ ደቂ መዛሙርቱ ስም እግኣብሄር ዝሰምዑን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን  ዝርኣዩ ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ፡የዒንቶም ደም መልኦ፡ተናደዱ እሞ እዚኣቶም ዝብልዎስ ትሰምዖዶ ኣለኻ በልዎ።የሱስ ድማ እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዝብልሲ እኳዶ ኣየንበብኮምን ኢኹም >>በሎም።ሎሚ እንበኣር ስቅ በሉ ወንጌል ኣይትንገሩ ሓቂ ኣይትዛረቡ ተዓበሱ ሓቀኛ ምስጋና ኣይተቅርቡ፡ኢየሱስ ኢየሱስ ኣይትበሉ ኢሎም ክኽልክሉና ንዝፍትኑን ይጽዕሩ ንዘለዉ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና ኣኽራናት ክዘሉን ክምስክሩን ምዃኖም ከነተሓሳስቦም ንደሊ፡እወ ንሕና እኳ ስቅ ተበልና የእማን ክጭድሩ እዮም።ይቅጽልል ናብ 4ይ ክፋል,,,,
etiqalsgakone@gmail.com
fathermusieshishay@gmail.com

2ይ ክፋል ሆሳዕና ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት


2ይ ክፋል ሆሳዕና
ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት

ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካሊእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ስምጋናኦም መዝሙር እንረኽባ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልና፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡
ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ። ንሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም።
ንእግዚኣብሔር ዘይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።መግዛእቲ ኣምላኽ ዘይደለየ ወይ ዘይደሊ ህዝቢ ኣእዱግ ዝሕሉ ጓሳ መጺኡ ኣብ ልዕሊኡ ይነግስ።ዘገርም ነገር ንኣምላኽ ኣይንግዛእን ብምባልና ክንደይ ሓለውቲ ኣእዱግ ኮን ኢዮም ዝገዝኡናን ዝረግጹናን ዘለዉ።እስከ መግዛእቲ ኣምላኽ ንድለ።ንኣምላኽ ንስኻ ኣብ ልዕለና ኣይትነግስ ኢኻ እስከ ኣይንበሎ።ተዘይኮነ ግን ብዛዕባ ንግስነት ተመክሮ ዘይብሉ ሓላዊ እእዱግ ንጉስና ኽኸውን።ንሕናን ብዘላ ቤትናን ድማ ባረቱ ክንከውን ኢና።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ ብኹላ<<እዚ መን እዩ??>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ንዝተቀየረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት መቅደስከ ካብ ዘበን ንጉስ ዘርዓ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ።ኣብ መቅደስ እንታይ ኮን ኢዩ ነጊሱ ዘሎ??።እዛ ናይ ኣምላኽ  ቤተከ ናብ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና።(2ይቆሮ13፡5) ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ካልእ እምነታት ዘሎ ጉድለት ካብ ንጽብጽብን ካብ ብዛዕባ ካልኦት ካብ ንዛረብን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናኸ ናብ ምንታይ እንዳ ተቀየረት ኢያ ትኸይድ ዘላ።ከነስተውዕልን ውሽጥና ክንፍትሽን ምኽንያት ምብቲታናን ምድካምናን ምፍራስ ዕርዲታትናን ምዝማት ምርኮናን እንታይ ኢዩ ኢልና፡ካብ ስምዒታዊ ኣኽራሪ ኦርቶዶክሳውነት  ናብ ፍጹም ሓቀኛ ርዱእ ክርስቲያናዊ  ኦርቶዶክሳውነት ብምስትውዓል ክንዓቢ ይግብኣና ኢዩ።ንሕና ኣበይ ኣለና ትምህርቲ ናይ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ይብል ኣሎ??።ብሓቂዶ ኣብቲ ቀዳሞት ናይ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝመስረቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኣለና ኢና??።ናበይ ኢና ንጸድፍ ዘለና፡መዝሙርና ስብከትና ብዘሎ መገዲና ዓይኒና ከፊትና ኣበይ ኣለና ክንርኢ ኣለና።
ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን መናፍቅን ጠባርን ዝኸብረላ፡ሓቀኛን ሰባኺ ወንጌልን ዝሓስረላን ዝስጎጎላን ዝዋረደላን።ቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂሉ ሓሳብ ሰብ ዝነግሰላ ኮይና ኣላ።ሓሳውን መፍቀሪ ረብሓን ዝኸብረላ፡ልኡም ክርስቲያናዊ ወንጌላዊ ዝዕዘመላን ዝእሰረላን።ሓሶት ዝነግሰላ ሓቂ ዝቅበረላ።ቃል ኣምላኽ ተገዲፉ ቃል ንጉስ ዝኸብረላ፡ኣምልኾ ተገዲፉ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኸብረላ፡ካራ ዘይኮነስ ሰፈር ካራ ኢዩ ዘድልየ ተባሂሉ ዝምጎተላ፡ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ስሞም ዝጽልሙላን ዝጽረፉላን ተቀይራ ኣላ።ቅዱስ ፓትሪያርክ ተሓይሩ ብተወገዙ ሰባት ሓቂ ዝዕበጠላ ኮይና ኣላ።ነዚ ኢና እንበኣር ከም ጎይታና ክንድንኩል ክንለዓል ዘለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ክንምድር ግዜ ዘባኸናዮ ዘኽሰረና ብምርዳእ፡ከምኡ እውን ንኻልኦት ክንወቅስ ካብ እነንቅድ ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ??።(1ይቆሮ5፡12) ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘሓበሻ ኣበይ ኣሎ??ከመይ ኣሎ??።፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ፡ናብ ቤተ ኮሬነላት፡ ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ።ከምቶ ኣብ ግዝይኡ ዝጎሓፎም ዶኾን ምጎሓፈና ነይሩ።ንሶም እኮ ጽቡቅ ኣለና ኢዮም ዝብሉ ዝነበሩ ምስትውዓል ስለ ዘይነበረም።ግንከ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽስ ናብ ቤተ ንግዲ ደኣ ን ቤት ኣምላኽ ቀይሮሞ ነበሩ።
ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ለሚዶሞ ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ኢዩ ነበረ።ሓድሽ ንዕኦም እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ሎሚ እንበኣር ከምቲ ንሱ ቤተይሲ ቤት ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን ቤተ ንግዲ ገበርኩማ ዝበሎም። ተዓጢቅና፡እዚ ቤት ጸሎት ደኣ እንበር ቤተ ንግዲ ኣይትግበሩዎ።እዚ ብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሰረሉ ደኣ እንበር ቤት ካልእ ኣይትግበሩዎ ንበሎም።
ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ሓያል ተዋፋይነት ከድሊየና ኢዩ።ነፍስና ቀቢጽና ግን ንበገስ ፡ዝድንኮል ክንድንኩል ቤት ክርስቲያን ክርስቶስ ጥራሕ ዝኸብረሉን ዝውደሰሉን ደኣ ክኸውን ኣለዎ።ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ዝነግሰሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎም።ንሶም እኳ ነቲ ጥንታዊ መገዲ ብዘይም ፍላጦም እንታይ ነይሩ ከመይ ኢዩ ነይሩ ክሳዕ ዝበጽሕዎን ዝምርምርዎን ከምቲ ጎይታ ነቶም ህዝቢ ከውጽኦም ከሎ ዝሓደሾም ኣብ ግዜና ኸኣ ነቲ ዘይነበረን ዘይግቡእን ነገር ሎሚዶሞን ኣብኡ ድማ ስለ ዝጸንሖምን ተሓደሶም፡ ምስ በጽሕዎን ንድሕሪት ተመሊሶም እቲ ጥንታዊ መገዲ ምስ ተመልከቱን ምስ ተዓዘቡን ግን ተነሲሖም ኣሰርና ክስዕቡ ኢዮም።ስለዚ ንኹሉ ን ኣምላኽ ዘየኽብርን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅን ካብ ቤት ኣምልኾና ከነርሕቅ ከም ጎይታ ከነልዕል የድልየና ኣሎ። ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,
etiqalsgakone@gmaail.com
fathermusieshishay@gmail.com

1ይ ክፋይ 8ይ ሰንበት ሆሳዕና


1ይ ክፋይ
             8ይ ሰንበት ሆሳዕና
                                                                          ኣቅራቢ ቀሺ ሙሴ ሺሻይ 

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት
ዝንበብ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ኣንባቢ
1,ዕብ 9፡11 ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ ዲያቆን (ገባሪ ሰናይ)
2,ይ ጴጥሮስ 4፡1-12~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ዲያቆን
3, ግብሪ ሓዋርያት 28፡11-22~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ካህን
                      ስብከት
እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ
በእንተ ጸላኢ ከመትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ
ናይ ዕለት ወንጌል
ወንጌል የሓ 5፡11-13
ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቅዳሴ
                   ናይ ዕለት ትምህርቲ
ኣብዚ ዕለት እዚ መሲሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳለም ክኣቱ ከሎ ዝተዘመረ መዝሙር እዩ።<< ሆሳዕና ን ወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ሆሳእና ኣብ ኣርያም ይብል ነበረ። ናይ ዕለቱ ትምህርቲ  እውን ነዚ እዩ ኣምጺኡ ናይ ቅዱስ ያረድ ስያማዊ ቃል እውን ካብዚ ተበገሰ እዩ ሆሳእና ኢሉ ነዛ ሰንበት ክህባ ዝወሰነ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ደቂ መዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳለም ቀረባ ናብ ዝኾነት ከረን ደብረዘይት ኣብ እትርከብ  ቤተ ፋጌ  እትበሃል ቦታ በጽሑ። <<ኢየሩሳሌም>> ማለት ናይ ሰላም ከተማ ክኸውን ከሎ።<<ቤተ ፋጌ>> ማለት ድማ ናይ በለስ ቤት  ወይ ድማ ቦታ የስምዕ።ብ ናይ ኣቦታትና ኣበሃህላ ድማ ዝተመሳቀለ ጎደና ተባሂሉ ተተርጊሙ ንረኽቦ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ን ደቂ መዛሙርቱ ናብ ኣብ ቅድመኹም ዘላ ዓዲ ኪዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ኣድጊ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ።፴፩ - ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም? ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ።ሃዋርያት ፈቲሖም ኣምጽኡሉ፡እዚ እውን ትርጉም ነይሩዎ ናይ ሃወርያት  ኣገልግሎት ንዝተኣስሩ  ቃለ ወንጌል ሰቢኽካ ምፍታሕ ምዃኑ እዩ ዝተገብረ።
ልቦም ብኣጋንንቲ ዝተኣስሩ ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፡ነዚኦም ካብ ዘለዉዎ ክፍትሑ ን ተመሃሩኡ ኣዘዘ።ተፈቲሖም ማህደር መንፈስ ቅዱስ ክኾኑንን ኣምላክ ክኸብረሎምን ነገረ።እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ።ነቶም ብሓጥያትን ኣጸየፍቲ ልምዲታትን ናብ ኣምላኽ ዘይብጽሑ ባህልታትን ሓግሒግና ብምግሓፍ ን ሰባት ካብዚ ዘለዉዎ መዝማዝን ጠባርን መፈስ ወንጌል ሰቢኽና ክንፈትሖም ይግባእ ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ወንጌል ተመሃሩ ንበሎም ንዑ ንበሎም እንታይ ኢልኩሞም ተኢሎምና ድማ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ ንበሎም።
ክንደይ እሱራት ኮን እዮም ኣብ ከባቢና ዘለዉ። እሞ ድማ  ንባዕላቶም  ብ ሓይልታት ጽልመት ተኣሲሮም ከለዉ ን ሰባት ካብ ማእሰርትኹም ከነውጽኣኩም ኢና ዝብሉ ሓይልታት ጽልመት ክንደይ ኮን እዮም።ንባዕልና እውን ካብኦም ከይንኸውን መዓልታዊ ነፍስና ክንምርምርን ክንፍትሽን ይግብኣና እወ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቅ።ሉቃ11፡35)
ኣብ ትንቢት ዘካርያስ9፡9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። ከም እተባህለ  ሃዋርያት ኣብ ዝባን እታ ዒሉ ኣንጸፍሉ።ናይ ዓለም ሓጢኣት እተርሕቅ ሓድሽ ልብሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ልብሲ ሕፍረትና እትሽፍን እትጋርድ ኣምላኽ እንዳበሉ ኣንጸፍሉ።ኣድጊ ካብ እንስሳታት ዝተነዓቀት እያ።እዚ እውን ርእሶም ንዘትሓቱን ዝተሰብረ መንፈስ ንዘለዎም ጎይታ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝጥቀመሎምን ከም ዝደልዮምን ን ኸረድእ ደልዩ እዩ።ኢሳ43፡23፡ማቴ11፡29።መዝ 50፡17-18። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንኳንዶ ንዓኻስ ነታ ዝተወጣሕካያ ኣድጊ እዃ ሓመድ ክትጽየቅ ኣይግባኣን ኢሎም ክዳውንቶም ኣንጸፉ እዚ ኹሉ ድማ ንንጉስ ዝግባእ ክብረት እዩ ዝነበረ። 2ይ ነገስት9፡13። ሆሳእና  ን  ወዲ ዳዊት ሆሳዕና ብ ኣርያም>> ኢሎም  ዘመሩ።
ሆሳዕና ማለት ህጂ ኣድሕን ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ዳዊት ቃለ መዝሙር እውን ኦ እግዚኦ ኣድህንሶ፡ዎእግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ መዝ118፡25።ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል ,,,,,,,,,,,
etiqalsgakone@gmail.com

Friday 26 April 2013

4ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።


4ይ ክፋል
ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር
ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!

እወ ኣቱም ህዝቢ ኩሉኹም ኢድኩም ነቲ ናይ ክብሪ ንጉስ ዘርግሑ ረዲኤትና ካብኡ ኢዩ ዝመጽእ።(መዝ121፡2)ኣየ ትእዛዛቱ ሓሊና ተንኸውን ሰላምና ከም ወሓዚ ምዛረየ ነይሩ።ሎሚ ግን ንክርስቶስ ስለ ዝሓደግና ንክርስቶስ ስለ ዝረሳዕና ኣብ ሃገርና ፍጹም ሰላም የሎን።ኣብ ወጻኢ ተመጻእና እውን ሰላም የብልናን።ካብ ሃገርና ተወጻእና ሃገርና ንደሊ።ኣብ ሃገርና ተደልና ድማ ወጻኢ ንደሊ።ኩሉ ወዮ ኮይኑና።ኣብ ኩሉ ህይወትና ሰላም የሎን።ኣብ ሓዳርና ሰላም የሎን፡ ኣብ ማሕበራዊ  ህይወት ሰላም የሎን።ኣብ ኩሉ ንገብሮ ዕዮ ሰላም የሎን።ስምምዕ የሎን እዚ ድማ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህበና ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበና ሰላም ስለ ዘይኮነ ኢዩ።(ዮሃ1427) ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሕሉ ህዝቢ ሰላሙ ከም ወሓዚ ጽድቁ እውን ከም ማዕበል ባሕሪ ይኸውን።(ኢሳ4818)እንበኣር ትእዛዛቱ እንታይ ኢዩ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ነብብ እሞ ሰላምና ከም ወሓዚ ክዛሪ ኢዩ።እቲ ጭራ ሰላም ኣብ ገዛና ክጅምር ክንርእዮ ኢና።
ኣታ ብዛዕባ ኣምላኽ ግዲ ዘይብላ ረብሓ እዛ ዓለም እዚኣ ዘዐሸወካ ሎሚ እግዚኣብሄር ከተገልጊሎ ይጽወዓካ ኣሎ።ሎሚ ኣምላኽ ከተኽብሮ ይጽወዓካ ኣሎ።ርአ ሎሚ ህይወትን ሞትን ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቕድመኻ እግዚኣብሄር ኣንቢሩ ኣሎ።(ዘዳ30፡15)ኣብ ቅድመኻ መንፈሳዊ መከራን ዓለማዊ ጣዕምን ኣንቢሩ ኣሎ።ኣብ ቅድመኻ ዓለማዊ ክብረትን፡መንፈሳዊ ውርደትን ኣንቢሩ ኣሎ።ኣብ ቅድመካ ዝሙቱን፡ቅድስናን ኣንቢሩ ኣሎ።ኩሉ ኣሎ ንስኻ ግን ሎሚ ህይወት ሕረ።
ስለ ስብከት ኣይኮነን ንዛረብ ዘለና ስለ ህይወት እንበር።ንዛራረበሉ ዘለና ጉዳይ ህይወት ኢዩ።ህይወትን ሞትን በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ እግዚኣብሄር ኣንቢረ ኣለኹ ይብለካ ኣሎ።ንምስክር ድማ ሰማይም ምድርን ጸዊዔ ኣለኹ ይብል ኣሎ እግዜኣብሄር።እምበኣር ንስኻን ዘርእካን ብህይወትን ምእንቲ ኽትነብሩ ህይወት ሕረ።(ዘዳ30፡19)ሎሚ እትርእዮ ዘለኻ፡ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ።ሎሚ ነባሪ ዝመስለካ ዘሎ ኩሉ ክውዳእ ኢዩ።ዘለዎ ከም ዘይብሉ ኪኸውን ዘይብሉ ድማ ከም ዘለዎ ኪኸውን ኢዩ።
መቃውሕካ ክስበር።ጾርካ ክራገፍ።ተለዓል ህዝቢ ኣምላኽ ስሙ ጸዉዕ ኢድካ ናብኡ ኣልዕል።እቲ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ማና ካብ ሰማይ ዘዝነመ ኣሎ እኮ ኣብ ሰፈሩ፡ንሕና ጥራሕ ኢና ኣብ ስፍራና ተሳኢና ዘለና ።እንበኣር ንጽድቅ ስዓባ፡ህይወትን ጽድቅን ድማ ክትረክብ ኢኻ።
ኩሉ ክርሕበልካ።ንልብኻ ፍርሓት ኣምላኽ ይምልኣዮ።ዓስቢ ትሕትና ፍርሓት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን ኢዩ።(ምሳሌ22፡4) ስለዚ ኣብ ኩሉ ህይወትካ ኣምላኽ ከኽብረካ ተለዓል ዘሎካ ኩሉ ሃቦ ንኣምላኽካ።እግዚኣብሄር ዝሓዘ ይስዕር።እንበኣር ተለዓል ህዝቢ ኣምላኽ ተንበርከኽ ናብ ኣምላኽ ኢድካ ናብኡ ዘርግሕ።
ሓይልኻ ኽሕደስ ምርኮኻ ክምለስ።ኦ ህዝቢ ኣምላኽ  ኣንብብ ኣምላኽ መልሲ ኩሉ ሕቶ ኢዩ።እንበኣር ናብ ኣምላኽ ተመለስ።ንሱ እንተ ሒዝካ የሎን ዝደፍረካ።ንሱ እንተ ሒዝካ የሎን ዘፍርሓካ።ተለዓል ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ ልዑል ኣልዕል ኢድካ።ዉሉድ ምስ ወላዲኡ ክራኸብ።ኣብ ቤትካ ብዘለካ ክትዓግብ ኢድካ ኣልዕል ሎሚ ንዕኡ ኢድካ ሃብ። ኦ ህዝበይ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ።ብጽፍርና ገዲፍካ ብሓይሊ ኣምላኽ በል።ንሰባት ይክኣሎ ኢልካ ካብ ምጽዋዕ ገዲፍካ ንስኻ ጥራሕ ኢኻ ትኽእል በሎ።ዝሰራሕካዮ ክምሰል።ምሕረት ክገብረልካ ኢድካ ናብኡ ኣልዕል።ይቅጽልልል።
etiqalsgakone@gmail.com

3ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።


3ይ ክፋል
ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር
ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!

እስከ ነዚ ቃል ኣምላኽ ምስ ህይወትና ነናጻጽሮ።ትእዛዝ  እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ዝመጽእ መቅጻዕቲ።ቃል ኣምላኽ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተዘይትኣዘዝኩም ፡እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምግባር ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕኩም እዚ ዝስዕብ ኩሉ መርገም ኪወርደኩም ኢዩ፡ከምኡ’ውን ከርክበኩም ኢዩ።(ዘዳ28፡15)
ንዓይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ክሳዕ እትጥእፍኡን ቀልጢፍኩም ክሳዕ እትጸንቱን ፡እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልኩም ኢዩ።(ዘዳ28፡20 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ተሳዓርቲ ይገብረኩም ኢዩ።ብሓደ ክትመጽዎም ብሓደ መገዲ ክትከዱዎም ኢኹም።ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድሙ ኢኹም።ኩሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ክስክሑ ኢዮም።ሬሳታትኩም ንኹሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ብልዒ ኺከውን ኢዩ።ዚሰጎም ከኣ ኣይክህሉን ኢዩ።(ዘዳ28፡25-29)ክትሕጸዩ ኢኹም ኻልእ ክዝርፍ ኢዩ።ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፡ግናኸ ኣብኡ ኣይክትነብሩን ኢኹም።(ዘዳ28፡30)ዶ ኣይኮነን ዝብለና ቃል ኣምላኽ።ኩሎም ነገስታት ምድሪ ብኣና ዶ መሰክሒ ኮይኖም ኣየለዉን ኢዮም።
እምበኣር ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቅኩም ተረርቲ ልቢ ስምዑኒ።(ኢሳ4612)ሃገርኩም ዝፍውስ፡ናብራኹም ዝፍውስ፡ህይወትኩም ዘዕርፍ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራሕ  ኢዩ እሞ ኢድኩም ናብኡ ዘርግሑ።ሰላምና ክበዝሕ።ኣምላኽ ሰላምን ፍቅርን ቅሳነትን ከውርደልናስ።ኣቱም ደቀየ እምበኣር ሕጂ ስምዑኒ፡ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሓቁ።ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ካብ ጥልመትኩም ከሕዉየኩም ኢዩ እሞ ተመለሱ(ኤር322)።እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ።ኣቱም ሰማያት ስምዑ።ኣቲ ምድሪ ጽን በሊ፡ንዉሉድ ኣዕቤኽዎን ኣልዓልክዎምን ፡ንሳቶም ድማ ካባይ ዓለዉ።ይብለና ኣሎ እግዚኣብሄር።ንሱ ኣዕበየናን ኣዕረፈናን ንሕና ግን ኣበናዮ።
ፍርቂ ዘመን ምሉእ ናጽነት ደሊና የእዊና ተገፊዕና ኣምላኽ ኣየልዓለናን ዲዩ።ኣይሃበናን ዲዩ?።ንሕና ግን፡ዓለና ንሓይሊ ኣምላኽ ኣስተናዓቅና።ክንዲ ክብሪ ንዕኡ ንህብ ድማ ብጽፍርና፡ብቅልጽምና፡ብሓይልና፡ኣምላኽ ተዝህሉ 30 ዓመታት ክንቃለስ ከለና ዘይሕግዘና ተባሂሉ።ኣምላኽ ዘይብሉ ሓይሊ ግን ከመይ ይደክምን ይፈርስን ፋሕፋሕ ይብል ሪኢና።ብጽፍርና ከም ዘይንነብር ዝበረሃልና ይመስለኒ።ህጂኸ ተማሂርና ዶኮን ንኸውን?።ናጽነት መጺኡ ክንዲ ናብ ቤት ጸሎት ናብ ጋይላን ዳንከራን ኣይተኸደን ዲዩ?።ሰንበት ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ኣኼባ ኣይተጎየን ዲዩ??።እረ ንኣምላኽ ንምጉሃይ እቲ ኹሉ ንገብሮ ጽያፍ ብመዓልቲ ሰንበት ኢና ንገብሮ።ሃገርና ከይትባረኽ፡ሓጥያት ብምምራጽ ኣምላኽ ከልከልናዮ።(ምሳ333)
ህጂ እውን ሰላም ተመጸ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ሰላም ሰላም ኣይኮነን።እግዚኣብሄር ዘይብሉ ሓጎስ ሓጎስ ኣይኮነን፡እግዚኣብሄር ዘይብሉ ፍስሃ ፍስሃ ኣይኮነን።ኣምላኽ ዘለዎ ክኾነልና እንበኣር ሎሚ ንኣምላኽ ቅድመ ኹሉ ዘለና ንሃቦ።ክሳዕ መዓስ ኢና ዝሞቱ ክንርዳእ።ክሳዕ መዓስ ኢና ረሳና ብዘይ ቀባሪ ፡ደምናን ድማ ብኸንቱን ብዘይ ዕላማን ክፈስስ።ኦ ህዝበይ በጃኹም ይኣክል ቅልስ ምስ ኣምላኽ።ይኣክል ነፍሰ ምትዕሺሻው፡ንስኻ ትመልኽ ንስኻ ትሕይል ንስኻ ትዓቢ ንበሎ።ንሕና ብዘይካኻ እንገብሮ ነገር የሎን ኢልና ንዕኡ ክብሪ ንሃብ።
መዓልቲ ትንሳኤ ኮይኑ ክንዲ ወንጌል ብ ተሌብጅን ክንዲ መዝሙር ብረድዮ ክንዲ ምንቅቃሕ፡ ን ኣምላኽ ከንግህዮ ምስ እምነትና ዘይከይድ ፈስታ ተግይሩ።በዓ ትንሳኤ ኣብ ከተማ ክስቶ ተኻይዱ ጎይላ ተጻዊቶም እዚ ገይሮም እንዳበለ እምነትና ረሲዕና ግዙኣት ዓለማዊ ነገር ኮይና ክንነብር ዝግበር ናይ ሰጣን መንፈስ፡ግዙኣቱ ብምዃን ክሳዕ መዓስ ኢና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ስሙን ኲናት ክንእውጅ።እዚ ዝግበር ዘሎ ጎይላን ዳንከራን ምስ እምነትና እንታይ ዘተሓሕዝ ኣለዎ።በዚ ጎይላን ዳንከራን ባንድን ን ኣምላኽ ነግህዮዶ ኣየላንን ኢና።ብሓቂ ኢና ኣንጻር ኣምላኽ ተበጊስና ዘለና ተስተውዒልናዮስ።መዓልቲ ልደት ብደርፍን ሳዕሳዒትን ገርካ ክሳዕ መዓስ ኢዩ ሰጣን ክጥብረና።ጎይታ እንበኣር ኣብ መዓልቲ ልደቱ ዝግበር ዘሎ ዓለማዊ ጥበራ ይንድር ኣሎ።ኩላትና ሓጢእና ኹላትና ተባላሻና፡ሰናይ ዝግበር ዋላ ሓደ እኳ የሎን።እቶም ኣገልገልቲ እዚ ገይጋ ኢዩ ኢሎም ሓቂ ብዘይ ምንጋርና በደልና እቶም ህዝቢ እውን ግዳይ ናይዚ ጓይላን ዳንከራን ብምዃን በደሉ።ግብሪ ርኸሰት ገበርና ተባላሸና።(መዝ531) ኩላትና ሓጢእና ክብሪ ኣምላኽ ድማ ኣባና የሎን።(ሮሜ332)ከመይ ኢልና ደኣልና ኣምላኽ ከድሕነና ንጽበ።እቲ ምስ ኣምላኽ ዘራኽብ ሰንሰለት እንዳ በተኽናዮ።ይቅጽልል,,,,።
etiqalsgakone@gmail.com