Post più popolari

Saturday 14 July 2012

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ::


                      ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዓይኒ ዘይረኣየቶ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ እዝኒ ዘይሰምዓቶ
ተዳልዩለይ ኣሎ በእምሮ ዘይግምቶ
ኣሎ ኣብ ላዕሊ  ዝምልስ ናተይ ሕቶ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ቦታ ዘዕርፈሉ
ዘይ ንግዝይኡ እየ ኣብዚ ዝነብረሉ
ገጽ እቲ ልዑል ዝርእየሉ
ኩሉ ምስ ጋና ናብኡ ዘብጽሓሉ
ድምጺ እቲ እኩይ ፍጹም ዘይሰምዓሉ
                             ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዝጻናንዓሉ
                             ኣይግድሰንን ናይ መረት ዝበሉ ተበሉ

ኣሎኒ ኣቦይ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዘዳለዎ
ይጽበ እየ ዘለኹ ይጓዓዝ ክኣትዎ
እንዳ ወደቅኩ እንዳ ተሳእኩስ ይጽበየ ዘለኹ ክኣትዎ
እቲ ልዑል ፈጣሪየይ ዘዳለዎ
ን ኹሉ ማዕረ ዘይብሉ ኣድልዎ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ መላእኽቲ ዘይረኸቡዎ

ኣሎኒ ዘጻናንዕ ኣብ ግዜ ብኽያተይ
ኣጆካ ዝብለኒ ኮይኑ ኣብ መትረኣሰይ
ብቃሉ ዝዛረብ ዝብለኒ ኣይኮንኳን በራሳይ
ተዳልይልካ ኣሎ ዝብለኒ ብፍቅሪ ዝኣልይ
ንሱ እዩ ዝኹሉ ምትትታይ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኩነታት ዘይልውጦ
ተዳልዩለይ እዩ ዘሎ ኣምላኸይ ጥራሕ ዝፈልጦ
ይጓዓዝ እየ ዘለኹ ንዕኡ ክጭብጦ
ይህንጠየ ዘለኹ ሽልማተይ ክፈልጦ
ኣሎኒ እወ ተዳልዩ  ኣብቲ ኣምላኽ ተቀመጦ

ኣሎኒ ምስ ከድኩ ናብ ላዕሊ ዘዕርፈሉ
ኣሎኒ በእምሮ ዘይግመት ዓስበይ ዝረኽበሉ
ኣሎኒ ግዜ መከራይ ዝርሰዓሉ
ካብ የዒንተይ ክደርዝ ንብዓተይ ባዕሉ
ብሓጎስ ቀሲነ ገጹ ዝርእየሉ
ተዳይሉይ ኣሎ ሃዲአ ዝነብረሉ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ  እህህታ ዘይስምዖ
ተዳልዩለይ ኣሎ ዘይርእየሉ  ስቅያት ነባዖ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ  እልልታ ጥራሕ ዝስመዖ
ንኾንቱ ኣይኮንኩን ዝህጂ ዝነብዖ
ኣሎኒ ዓስቢ ፍጡር ዘበለ ዘይሰመዖ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ  ዘይብሉ ገፋዖ

ኣሎኒ ዘደንቅ  ዓይኒ ዘይረኣየቶ
ንፍጡራት ኩሎም ዝኾኖም ሕቶ
ንዕኡ እዩ ዓይነይ ብርሑቅ ዝጥምቶ
እዝኒ ኣይህቦን እየ ንዕላል ሃውታቶ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ሓጎስ ዝበሓቶ
ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ዘይብሉ ገብቶ

 ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ኣይኮነን ቦታይ
ክንድኡ ኣይመጽእን ተኸፊሉ ናይዛ ዓለም ስቃይ
ዓይነይ ዘይርእየሉ ንብልሒ ዓላቃይ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኣይቅጽልን እዩ  እዚ ስቃይ
ንህጂ እየ እንበር ክርስዖ እየ ዳሕራይ
እዝስ ቀሊል እዩ ከም ጠሊ ሓላፋይ
ኣይርክበንን እዩ  ስልጣን የብሉን  እዩ ኣባይ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዘይብሉ መሽካዕለልቲ
ትግርማዊ ዘለዎ ፍትሓዊ መንግስቲ
ብጥቅኡ ዘይሓልፉ ኩላቶም ዓመጽቲ
እዚ ኹሉ ጉያይሲ ንዕኡ ክወርስየ ምእንቲ
ነቲ ተዳለወለይ ዘይብሉ ገፋዕቲ
ይጋዓዝ እየ ዘለኹ ለይቲ ምስ መዓልቲ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ብኽያተይ ዝሰምዕ
ስቅ ኢለ ኣይኮንኩን እህህታ ዘኾምስዕ
ንኾንቱ ኣይኮነን የዒንተይ ዝነዝዕ
ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ምኽንያተይ ዘይዝንግዕ
ንኹሉ ክህቦ እዩ መመስፈሩ ብልክዕ

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዘልኣለም ዘዕርፈሉ
ድምጺ ተሳለቅቲ እዝነይ ዘይሰምዓሉ
ብኽያት ናይ ውጹዓት ፍጹም ዘይብሉ
ኩሉ ሰብ ብሓጎስ ብምስጋና ዘውክዓሉ
ናብኡ ንምእታውየ  ዝመከራይ ኹሉ

ኣሎኒ  ኣብ ላዕሊ የእምሮይ ዘይሓስቦ
ይቃለስ እየ ዘለኹ ከመይ ኢለ ከም ዝረኽቦ
ምንባሕ ናይቲ እኩይ ፍጹም እዝኒኳ ነይህቦ
ኩሉ ትዝጎንፈንስ  ንዕኡ እየ ዝህቦ
ይጎዪ እየ ዘለኹ ንፍቱዎይ ክረኽቦ
 ክቅመጥ ምስኡ ኣብቲ ቃንዛ ዘይርከቦ
                    ብ  ቀሺ ሙሲ ሽሻይ
                                     etiqalsgakone@gmail.com

ናባኻ ይጥምት።

etiqalsgakone@gmail.com

2ይ ክፋል ፡በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማእትነት ተቀበሉ።


2ይ ክፋል ፡በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማእትነት ተቀበሉ
ሃወርያት ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ቃል ኣምላኽ እዮም ምሂሮም።ሎሚ ከምኦም ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ንህዝብታት  ተመጊብካ ሰጣን ከም ዝዕጠቀልካ ፈሊጥካ ድሉው ኩን።ንጴጥሮስ ኮነ ጳውሎስ ከምኡ እውን ኩላቶም ናይ ቤተ ክርስትያን  ቅዱሳን ሂወቶም ዝሓለፈት ነታ ክርስቶስ እትብል ስም ጥራሕ እዩ።ስለ ስም ኢየሱስ ሰባት ተሰዲዶም ይስደዱን ይስጎጉን ይህረሙን ኣስማቶም ይጽልምን ኣሎ፡ዘገርም ነገር እዩ ሰይጣን እውን ኣይደኸመን 2000 ዓመታት ምሉእ ሕብሩ ቀያይሩ ንስም ኢየሱስ ንኸይትጽውዕ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ብ መንፈስ ክትሪኦ ዘገርም እዩ።ወንጌል ዮሐንስ 15:21:ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ዝበሎ ቃል ክሳዕ ህጂ ይፍጸም ኣሎ።ዘደንቅ እዩ ክሳዕ ክንደይ እዩ ንሽም ኢየሱስ ሰጣን ይጸልኣ ኩሉ ግዜ እዩ ዘደንቀኒ ኩሉ ግዜ ከልዕላ ድማ ባህ ይብለኒ።
 ሃወርያት በዛ ዕለት እዚኣ ስለ ማንም ፍጡር ወይ ድማ ካልእ ኣርእስታትን ምዕራፋትን ዘይኮነስ ስለ ስም ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ገሊኦም ተሰይፎም ገሊኦም ድማ ቁንቁልኣፎም ተሰቂሎም።ሎሚ እንበኣር ንሕና እውን  ስለ ስም ኢየሱስ ከምቲ ወንጌል ማቴዎስ ዝበሎ ስለ ስሙ ዘሎና ኩሉ ክንሓድግ ጽዉዓት ኢና።ወንጌል ማቴዎስ 19:29:ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። ነዚ ኩሉ ስለ እታ ስሙ ጥራሕ ተሰዊእና ናይ ዘልኣለም ሂወት ክንረክብ ኢና እሞ፡ንሽሞ ንምስባኽ ስለ ስሙስ ዘሎና ንምውፋይ ሓይሉ ክህበና ብጸሎት ክንነቅሕ የድልየና ኣሎ።ወንጌል ሉቃስ 21:12: ወንጌል ሉቃስ 21:17 ፡ስለ ስም ኢየሱስ ክንጽላእን ክንስጎግ ፈተውትና እኳ ክጠልሙና ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።ጳውሎስን ጴጥሮስን ነዚ ገይሮሙዎ።እዛ ደም ሃወርያት ስደት ሃዋርያት ዝለመደት ዓልም እንበኣር ሎሚ ከም ዘይተቅስነና ፈሊጥና ስለ ስሙ ንዝመጸና ኩሉ ክንጸውር ብሓጎስ ክንቅበሎ ድልዋት ክንከውን  ኣሎና።
 ሃወርያት ቆሮንቶስ 1:23:ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። እንዳበሉ ንዝመጾም ብሓጎስ ይቅበሉዎ ነበሩ።ብትምህርትናን ብምግባርናን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ 1 ቆሮንቶስ 11:1:ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሊጲ 3:17:ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ። ዝበለና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገደፈልና ኣረኣእያ ክንክተሎ ይግባእ።ንዕኡ ክንመስል ኣሎና።ን ሂወትና እውን ንቅዱስ ጳውሎስ ብምንታይ ይመስሎ ን ቅዱስ ጴጥሮስ ብምንታይ ይመስሎ ኢልና ክንፍትሻ እዚ መዓልቲ እዚ ይሓተና ኣሎ።እሞ ኸ ን መን ኢና ኾን ንመስል፡ ነቶም ን ጳውሎስን ጴጥሮስን ናብ ናይ ስጋ ሞት ዘብጽሑ፡ ወይሲ ነቶም ንቅዱስ እስቲፋኑስ ንምቅታሉ ሰሚሮም ዝነበሩ ን መን ንመስል፡ክንጥንቀቅ ይግበኣና፡ስለምንታይ እቲ ምሳና ዘሎ ብርሃን ዝመስለና ጸልማት ከይከውን ንጠንቀቅ።ወንጌል ሉቃስ 11:35:
ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም እንዳበለና ሰባት ክፈትዉና ንጽበ ተለና ተሸኺዕና ኣለና ማለት እዩ፡ስለምንታይ ቃሉ ኣይሕሱን እዩ ግድን እዩ ምጽላእ ክህሉ።ወንጌል ማቴዎስ 24:9:ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም እዩ ዝብለና።እንበኣር ንትባዕ ንጽናዕ ንገስግስ ደኣ ።በቶም ኣመንቲ ዝመስሉ መልክዕ ኣምላኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግን ዘይእመኑዎ ሽም ክርስቶስ ምጽዋዕ ዝሓረሞም ብዝቀርበልና ክንስብድን ክንሽገርን ኣይግበኣናን ፡እቲ ግዜ ቀሪቡ ስለ ዝኾነ እቲ ዝቅደስ ኣዝዩ ክቅደስ እቲ ዝገፍዕ ክገፍዕ፡ራእይ ዮሐንስ 22:11:እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።
 ከም ዝበሎ እቶም ገፋዕቲ ይግፍዑ ኣቱም ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለኹም ስለ ስም ክርስቶስ ትስጎጉን ትጽልኡን ትግፍዑን ዘለኹም ወገናት ግን ጥራሕ ብስም ክርስቶስ ደኣ ይኹን እንበር  ባህ ደኣ ይበልኩም።እዚኹሉ ኣብ ልዕሊ ፈተውቲ ስም ክርስቶስ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣሎ ዝበሃል ተንኮልን  ጸለመን መቀጸልታ ናይዛ መዓልቲ እዚኣ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ በዚኣ እዩ ዝድምደም እሞ ባህ ይበልኩም ዕጫና ጸቢቁ ኣብ ቤቱ ስለ ስሙ ክንጸውር  ዕጫ ሃወርያት በጺሑና ።ዝጸወዓና ነመስግኖ ፡እዚ እውን ካብኡ እዩ ካባና ኣይኮነን።ይቅጽል,,,,,,።
          በረኸት ጳውሎስን ጴጥሮስን ምስ ኩላትና ይኹን።
                etiqalsgakone@gmail.com

በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ መሰማዕትነት ተቀቢሎም ዓረፉ።


በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን  ስለ ስም ክርስቶስ ሰማዕትነት ተቀቢሎም ዓረፉ።
                          ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
በዚ ሎሚ ዕለት ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣኽሊል ሰማዕትነት ዝተቐበሉሉ ዕለት ኢዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ቁልቁል ኣፉ ብምስቃል፣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክኣ ብምስያፍ፣ ነዛ ሕጂ ንኾርዓላ ዘሎና እምነት ኣረኪቦሙና ብኽብሪ ሓሊፎም። ጸሎትን በረኸትን ናይ ኩሎም ሃዋርያት ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቶም ናይ ሓቂ ሃወርያዊ  ፍልይቲ  እያ።ነቶም ናይ ሓቂ ብመገዲ ሃዋርያት ዝመላለሱ ዘለዉ ክርስቲያናት ፍልይቲ ኢያ።ነቶም ከም ናይ ሃዋርያት ዝበለ ሂወት ክነብሩ ዝደልዩ ደድሕሪ እግሪ ጴጥሮስን ጳውሎስን ክስዕቡ ዝደልዩ፡ኩሎም ወንጌላውያን ሃወርያትን ከቢድ ሓላፍነት ተሰክም መዓልቲ ኣብ ርእሲ ምዃና ሂወት ስለ ወንጌል ክሳዕ ክንደይ ፍንፍንቲ ምዃና እንመሃረላ መዓልቲ እያ።  ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍና ዝበሎ ድማ ጴጥሮስን ጳውሎስ ከመይ ገይሮም ኣብዛ ምድሪ ይነብሩ ነይሮም ብኸመይ ዝበለ ዓይነት ፈተነ ብ ኸመይ ዝበለ ጸበባ ብኸመይ ዝበለ ብርቱዕ ሽግር ን ወንጌል ኣስሚሮማ ሓሊፎም ካብ ናቶም ቅዱስ ታሪኽ ብምምሃር ሓላፍነትና እንስከመላ መዓልቲ እያ
ሃወርያት ብርሃን ኮይኖም ነዚ ወንጌል ኣባና ክበጽሕ ዝገበሩዎ ከቢድ መስዋእትን መከራን መዘና ኣልቦ እዩ።እዞም ቅዱሳን ሃወርያት ሎሚ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት የገልግሉ ነሮም ፡ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብ የድልየና ኣሎ፡ስለምንታይ ንሶም ንክርስቶስ መሲሎም እዮም ኣብዛ ምድሪ ሓሊፎም ፡(ዕብራውያን13:2) :ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። ከም ዝበሎ እንዳ ዘከርናዮም ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብ ቃል ኣምላኽ ይጽወዓና።

ጴጥሮስን ጳውሎስ ገሊኦም ተሰይፎም ገሊኦም ድማ ተሰቂሎም ናይ ሎሚ ሰበኽቲ ወንጌል ከ እንታይ ኮን ይጽበየና ይህሉ።ወይሲ ፈተና ኣሎና ዶ የብልናን ብሓቂ ፈተና ዘይብልና ተኾይና ኣገልግሎትና ኣገልግሎት ሃወርያት ኣይኮነትን ፡ናይ ሃዋርያት ዲና እሞኸ እንታይ ንጸውር ኣለና፡ ዕላመት ክርስቶስ ዶ ኣባና ኣሎ፡ ፡ጸርፊ ፡ውርደት፡ ጸለመ፡እንታይ እሞ ዘሎ ፡እወ እቲ ተመሃራይ ሃወርያት ን ሃዋርያት ዝጎነፎም  ፈተና ክጎንፎ ክኽእል ኣለዎ። እንታይ ዓይነት ፈተና ኾን ኢዩ ዝወርደና ዝህሉ ብሓቂ ናይ ሃወርያት ተኾይና፡ብሓቂ ግን ብፈተና ስለ ወንጌል ስለ ክርስቶስ ስለ ኢየሱስ ንፍተን ተሊና ዓስብና ብዙሕ እዩ እሞ ንተሓጎስ ደኣ።ቃል ኣምላኽ(ወንጌል ሉቃስ6:23)እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። ከም ዝበለና ቃል ኣምላኽ ፈተና ይወርደና ተልዩ ምልክት ናይ ሃዋርያት ምዃና እዩ እሞ ንተሓጎስ ደኣ ሃወርያት   ነዚኣ ኣሚኖም ንኹሉ ብሓጎስ ተቀቢሎሞ።

 ኣታ ናይ ሃወርያት ትምህርቲ እትምህር ሎሚ ከምኦም ክትስቀል ይግበኣካ እዩ።ተተሰቂሎም ክትስቀል ግድን እዩ፡ሃወርያት ተተሰይፎም ንስኻ እውን ክትስየፍ ድሉዉነትካ ከተርኢ ኣለካ፡ ብሓቂ ታሪኽ ጳውሎስን ጴጥሮስን ሰሚዕካን ሪኢኻን ፡ነዚ ዝጎንፈና ከሕንጥሽ ዘይኽእል ሰዓል ጻውቲ ኢኻ ትብሎ። ሃወርያት ተሰይፎም  ተቀቲሎም እረ ገሊኦምሲ (ዕብራውያን11:38)ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።
 ነዚ ናይዞም ቅዱሳን ሂወት ከንብብ ከለኹ ነፍሰይ ንዒቀያ፡እንበርዶ ኣማኒ እየ ኢለ፡ስለምንታይሲ ኣማንን ሰዓብን ሃወርያት ክሳዕ ዝኾንኩ ንሶም ዝኸዱዎ ጽርግያ መገዲ ኣጽፊፈ ፈሊጠ ሞት መሪጸ ክስዕብን ከምቲ ናቶም ዕድል ክጎንፈኒ ከም ዝኽእል ፈሊጠ ኣብ ልዕለይ ንዝወርድ ብሕጉስ መንፈስ ክቅበሎን ስለ ዝግባእ። ሎሚ እንበኣር እቲ በቶም ወንጌል ዕር ዝብሎም ብዝጎንፉና ቆሎ ጥጡቆ ከምዚ ገለ ዝኾና ክመስለና የብሉን ፡ገሪሙኒ ሃወርያትሲ ለከ  ዓለም ብምሉኣ እያ ኮኒናቶም ምስጢሩስ  ክርስቶስ ስለ ዝሰበኹ ደኣ እዩ፡ እንበር ካልእ ምስጢርስ ኣይነበሮምን።ሎሚ እንበኣር እቶም ወንጌል ክንሰብኽ ንደሊ መስቀልና ከነልዕል ይግበኣና፡ነቶም ወንጌል  ንምስባኽ ብንግሆኡ ክንግስግስ

ይግበኣና ዓለም ዝበለት ትበል ንጎዓዝ ደኣ ተዘየለ ግን ክርስቶስ ዳግማይ ክስቀለልና ንጽበ ኣለና  ማለት እዩ።ይቅጽል,,,።
ይቅጽል,,,,,,።

      etiqalsgakone@gmail.com