Post più popolari

Thursday 8 November 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 8ይ ክፋል።


                              ኣሕዋት ጎይታ ዝተባህሉ እንመን እዮም?፡
                                                                     
ጎይታ ንዓዱ ምስ ተመልሰ ብእኡ ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ተገረሙ፡” እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደ ኣይኮነን? ኣዲኡስ ማርያም እትበሃል ዶ ኣይኮነትን ?ኣሕዋቱስ ያዕቆብ፡ዮሴፍ፡ስምዖን>ይሁዳ ዶ ኣይኮኑን?ኣሓቱስ ኩላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን?,,”(ማቴ13፡54/56)፡ (ማር6፡1-3)።

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ን ያዕቆብ ሓዉ ጎይታና”ከም ዝረኣዮ ይጠቅስ(ገላ1፡19)።ካብ ያዕቆብ ወዲ ዘበዴዎስ ንኽፈልይዎ (ማር15፡40)።እዚ ያዕቆብ እዚ እቲ ንእሽቶ ያዕቆብ ኢሎም ይሰምይዎ።ከምኡ’ውን ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ይስመ )ማቴ10፡3)ከምቲ ኣብ (ገላ1፡19) ዝተጻሕፈ ኸኣ ሓደ ካብ ሓዋርያት ነበረ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማቴዎስ፡ኣብ ስቕለት ጎይታ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ይጠቅስ፡ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቅ ኢለን ይርእያ ነበራ።ንሳተን ን ኢየሱስ ከገልግለኦ ካብ ገሊላ ዝሳዓባኦ ኢየን።ካብኣተን ኸኣ ማርያም በዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሴፍን፡ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን’ውን ነበራ።”(ማቴ27፡55-56)

መን እዛ ማርያም ኣደ ያቅዕቆብን ዮሴፍን ቅድስተ ድንግል ማርያም ዲያ??፡ ንሳኸ ነዞም ኩሎም ኣወዳትን ኣዋልድን ክትወልድ ክኸውን ይኽእል ዲዩ??።

ንሳ ማርያም ሰበይቲ እልፍዮስ ወይ ቀልዮጳ ኢያ ዝነበረት፡እታ ብዛዕባኣ ሓዋርያ ዮሓንስ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ፡”ኣብ ጥቃ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓትኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።”(ዮሓ19፡25)ምስ( ማቴ27፡55-56)፡ኣነጻጽሮ

ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሴፍን ማርያም መግደላዊትን ኣብ ግዜ ስቕለት ብ ሓደ ነበራ፡(ማቴ 27፡55-56)።ንሳተን ንባዕለን ማርያም መግደላን ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሴፍን ኣብ ግዜ ቀብሪ ደው ኢለን ነበራ።”,, ኣበይ ከም ዘንብርዎ ይርእያ ነበራ።” (ማር15፡47)።ከምኡ’ውን ቀደም ምስ ሓላፈት ቅብኣት ዘዳልዋ ንሳተን ኢየን (ማር15፡47)።ከምኡ እውን ቀደም ምስ ሓለፈት ቅበኣት ዘዳለዋ ንሳተን ኢየን ዝነበራ።(ማር16፡1)።ምስ ማርያም ኣዲኡ’ውን ኣብ መስቀል ቆይመን ነበራ።ሓዋርያ ዮሓንስ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ’ውን ነዚአን ኢዩ፡ኣብ “ጥቃ መስቀል ኢየሱስ ከኣ ኣዲኡን ሕትኖኡን ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ”።

እምበኣርከስ ኣሕዋት ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ደቂ ሓትኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ ወይ እልፍዮስ ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ኣደ ያዕቆብን ዮሴፍን ኢያ።

እንተ እቲ ብዛዕባ ቀልዮጳን እልፍዮስን ናይ ኣስማት ፍልልይ ኢዩ፡ፍልልዩ ግን ኣብ ኣበሃህላን ከምቲ ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡”ኩሉ ሰብ ልዕሊ ሓደ ስም ክህልዎ ልምዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ”።ዝበሎ ‘ውን ይኸውን ።ምኽንያቱ ራጉኤል ሓሚ ሙሴ(ዘጽ2፡18)የትሮ እውን ይስመ ነበረ።(መሳ6፡32) ጴጥሮስ እውን ስምዖንን ኬፋን ተሰምዩ ኢዩ።

እቲ ሓደ ይሁዳ ከኣ ታዴዎስ ልብድዮስን ተባሂሉ ይስመ(ማቴ10፡3)።እዚ እምበኣር ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሴፍን እታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዘይኮነት የብርሃልና፡መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ በዚ ስም እዚ ኣይጸወዓን።

ኣስተውዕል

1ይ,ካብቲ ክኸውን ዘይክእል ፡ማርያም እዞም ኩሎም ደቂ ኣዋልድን ኣወዳትን እንከለዉዋ ጎይታና ኣብ መስቀል እንከሎ ን ተማሃራዩ ዮሓንስ ብሓደራ ኣይምሃባን ፡በቲ ይኹን በቲ በፍጹም ዘውህብ የለን።ደቂ እንተ ዝህልዉዋ ነይሮም፡ብ ቐዳምነት ንዕኦም ኢያ ክትወሃብ ዝግባእ..ከምኡ እውን ዮሴፍ በዓል ቤታ ተዝኸውን,,።ኣነ ከለኹ ሓወይ ክመውውት ከሎ ነደይ ንጓና እንሆት ኣደኻ ስደ ኢሉ ብሕድሪ ኣይህቦን ኢዩ።ንዓይ ኢዩ ነደይ ሓደራ ዝብለኒ።ዉሉድ ዘይብላ ተኾይና ግን ነቲ ዝፈትዎ ዓርኩ ሕድሪ ኢሉዎ ይሓልፍ ማለት ኢዩ።

2ይ, ኣብቲ ዮሴፍ ንግብጺ ዝኸደሉን ዝተመልሰሉን ጽሑፋት ብዘይካ”ኢየሱስ”ካልእ ኣስማት ኣይጠቐሰን(ማቴ፡2፡14-21)።ኣብቲ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገሹሉ እዋን ከኣ ንሱ ወዲ ዓሠርተው ክልተ ዓመት ኢዩ ነይሩ (ሉቃ2፡42)።ናበይ ደኣ ከይዶም ደቂ ማርያም ተነይሮም።ስለምንታይከ ን ኢየሱስ ጥራሕ ሒዘሞ ከይዶም።

3ይ, እቲ ገሊኦም (ኣሕዋት ኢየሱስ)”ደቂ ዮሴፍ ኮይኖም ግን ካብ ካልእ ሰበይቲ ዝወለዶም እሞ ዘዕብዮም ዝነብረ ኢዮም” ዝብልዎ ዘይቅኑዕ ኢዩ፡ነበራያ ነበረ ተበልናዮ ክሓይሽ ኢዩ።ገሊኦም ከኣ ዮሴፍ ካብ ካልእ ሰበይቲ ዝወለዶም እዮም ኣዲኦም ምውቲ ኢያ ኢሎም ቃል ይህቡ።ተኾነ እዚ ኹሉ ገይጋ ኢዩ።

ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣደ ዮሴፍን ያዕቆብን ኣብ ግዜ ስቕለት ደው ኢላ ከም ዝነበረት ይሕብር ፡(ማር15፡47)።ስለዚ መጽሃፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣብ ሃቂ ዝተመስረተ ደኣ መሃሩ ንብሎም ፡ኣይኮነን ግን ዝስዕበና ኣይክህሉን ኢዩ።

4ይ,፡-ንቐጻልነት ድንግልና ማርያም ዝሕብር ኣብ መጽሓፍ ነብዪ ህዝቅኤል ኣሎ።ነብዪ ህዝቅኤል”፡ኣብ ምብራቕ ዝተዓጽወ ኣፍደገ ረኣኹ”ይብል፡እግዚኣብሔር ድማ በለኒ።እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፡ኣይትከፈት ፡ሰብ’ውን ኣይእተዋ።እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ ኢዩ እሞ።ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።”(ህዝ44፡2) እዚ እቲ ጎይታ ዝኣተዋ ማኅጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኢዩ።ካልእ ዉላድ ሰብ ከይኣትዎ ብዕጽዉ ተረፈ።ይቅጽል,,,,,።
             etiqalsgakone@gmail.com

No comments: