Post più popolari

Saturday 24 May 2014

3ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???::ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23)

3ይ ክፋል    መን'ዩ ቶኽላ!???::

ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23)

ካብ ካልኣይ ክፋል ዝቀሰለ 
ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፮ ካብዚ ተላዒሎም ወይ ተበጊሶም ቅዱሳን ኣቦታት የውሃንስ ኣፈወርቂ እሞ ካልኦት ቅዱሳን ኣቦታት ፪ ኣድለይቲ ነገራት ከም ዘድልዩ ተረዲኡ።ሓደ ካብኡ ድማ ከምቶም ዘይ ኣመንቲ ኣህዛብ ክንሓስብ ከም ዘይብልና። ሓደ ካብኣቶም ሕቡእ ኢዩ።ክንሓስብ ኣይግባኣናን ከምቶም ዘይኣመንቲ ፥ዘይኣመኑ ኣህዛብ ብኦሪታዊ ሕጊ(ዘሌ፩፭፥፩፡፴)፳፪፡፳፭) ከም ዝተኣዘዙ ምእመናን ርኹሳን ከምዝኾኑ ክንሓስብ ኣይግባእን።ኢሉ ኣዚዙ የውሃንስ ኣፈወርቅ ይብል ፍትሃ ነገስት።

ካልኣይን ግልጽን ድማ ኣእምሮ ጠባይእ ፥ንማለቱ ኢዩ፤ ኣእምሮ ጠባይዕ ዘይብሎም ካብ ምኻኖም ዝተላዕለ፥እንሲታታት ኩላቶም ንጹሃን ኢዮም።ፈሊጥና ክንምግቦም ካብ ንደሊ ምምጋብ፥ከይንኽልከል፥ብዘይካ ደምን ተሓኒቁ ዝሞተን ንጣዖት ዝተሰዊአን ተዘይ ኮይኑ ኩሉ እንሲሳ ክንበልዕ ከም ዝግብኣና ይገልጽ።
ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፰ ተደኣ ሪኢና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ፲፬ ጥቅሲ፲፬ ዘላ ብምውሳድ ፍትኃ ነገስት( ሮሜ 14:14)ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ።ብምምጻእ ርኹስ ዝበሃል መግቢ ከም ዘየለ የረዱኡ ኣቦታቲና፤ታይ ዲያስ ንፍጣ ነገስት ኣይኣምኑልን ወይሲ ኣየንበቡዎን፧።
ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፲በስ ፶ወ፪ቱ ተደኣ ሪኢና ዓንቀጽ ፪፫ ፍት ሃ ነገስት ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ይኹን ቀሺ ዝኾነ ይኹን ዝብላዕ ወይ ድማ ብልዒ ርኹስ ኢዩ ኣይበል ይብል።
ካበይ ዝመጸ ደኣሉ እዚ ርኹስ ኢዩ ኣይትብልዑ ኢልካ ምጉስጋስን ነቶም ይብላዕ ዲዪ ኢሎም ተሓቲቶም እወ ከም ልምዲ ንሕና ኣይንበልዕን ጸኒሕና እንበር እወ ይብላዕ ኢሎም ንዝመሃሩ ኸኣ ተሓድሶ መናፍቃን ምባል ኣታ ህዝቢ።ሕግን እምነትን ኦርቶዶክስ ቅዱሳን ኣቦታት ዝገደፉልካ ንነግረካ ኣሎና።መን ኢዩ ምንፍቂና ኡ ከይፍለጥ ተጥዐንቀ ካብ መናፍቃን እንዳበለ ዘዕሽወካ ዘሎ ግን ከም ውላድካ ከግህደልካ እፈቱ።ብዙሓት እውን ሕቶ ይኾኖኩም ኢዩ።መሳኽን ዋእ እዞም ግብጺ እሞ ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኦርቶዶክስ ሓሰማን ተፋላለየ መግብን ይበልዑ ንሕና ግን ዘይንበልዕ።እዛ ናትና ኦርቶዶክሲ ከመይ ዲያ ክትብሉ ጎኒፍኩምኒ ኣለኹም።ኣጆኹም እታ ናትና ኦርቶዶክስ ከምቶም ካልኦት ሓቂ ዝምህሩ መምህራን ስለ ዘይብላ፤በዓል በእንተ ከርሱ ኮይኖም ወገና እንበር ዝፈሊ የብልና።ካብ ኣሕዋታ ግብጻውያንን ካልኦት ኦርቶዶክሳውያንን።ተኾነ በዓል ኣባ በእንተ ከርሱ፤በእንተ ልብሱ፤ከለዉ መሳኽን ኩሉ ተሓዋዊሱኩም፤ሎሚ ግን ነዚ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ብዉሑድ ዝገበረ ሕጊን ናይ ኣቦታቲና ትእዛዝን ሰሚዕኩም ፈኺሱኩም ኪኸዉን ተስፋ ይገብር።
ኣብ ቅዳሴ እውን ስርዓተ ቅዳሴና ገጽ 41/፵፩እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ቅዱስ ከም ዝኾነ ፤ዝድርበ እውን የብሉን ንብል፥(፩ይ ጢሞ፬፥፭) (1ይ ጢሞቴዎስ 4:4-5)
እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።ዝብል ቃል መዓልታዊ ኢና ነንቢቦን ንጽሊየሉን፤እሞኸ ፤እዞም ንደቂ ገርሂ ልባ ክስቶ ደኣ ሓሰማ ትብላዕ ኢያ ኢሉ እንዲዩ ዝምህር እንዳበሉ ሰብ ንምንጻል ስራሕና ኢሎም ተታሒዞሞ ዘለዉን።ነዚ ጸሎተ ቅዳሴ ከንቢቡልኩም ከለዉ ዘይ ኣምኑ ኮይኖም ዲዮም፥ዝሓልፍዎ ዋላስ ዒራ ኣበይ ከይበጽሕዎ ኢሎም ኢዮም መሳርሒኦም ክገብሩኹም ዝጽዕሩ ዘለዉ።ወይሲ ናይ ሎሚ ዘበን መምህራን ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ክቀርቡ ኩሉ ስለዝፈልጥ ኣምላክ ዝፈጠሩ ንሱህ ኢዩ ዝድርበ የብሉን ይብሉ።ኣብ ቅድመ እቶም ዘይፈልጡ መሳኽን ህዝቢ ግን ክስቶ ምብላዕ ርኹስ ኢዩ።ክስቶ ኣይትብላዕን እንዳበሉ ካብ ሓዲስ ኪዳን ናብ ዘበነ ኦሪት ዝመልሱኹም ዘለዉ።ብጸሎትን ብምስጋናን ዝባረኽ ስለዝኾነ፤

እሞኸ እዞም ዘይተጻሕፈ ዘንቢቡ፤ቄናን ትምህርቲ ዝምህሩ ዘለዉ ዲዮም ተኻሉስ እቶም ቅዱሳን ኣቦታቶምን ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያኖምን ፈሊጦምን ኣጽፊፎምን ዝከዱን ዝምህሩን ግንከ ተሓድሶ መናፍቃን እንዳ ተባህለ ስሞም ዝጽልም ዘሎ ኢዩ።ገና ተረፈ ሓቂ ብምዓልቱ ክትኮስ ኢዩ።ኣቦታቲኩምን ኣቦታተይን ርኹስ ዝበሃል የሎን ኢሎሙና ኣለዉ።ነቶም ርኹስ ኢዩ ኢሎም ዝምህሩ ግን ተኻሉ ምኻኖም ደኣ ፍለጡዎምን ካብ ኦም ረሓቁን።

2ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???::

                    2ይ ክፋል

                   መን'ዩ ቶኽላ!???::
እስከ ሃይማኖት ካብ እምነት ናብ ፖሎቲካ ይቅየር ኣሎ ዘበለትኒ ሓንቲ ነጥቢ ከቅርብ፥በብሓደ ስለዝቀርብ ኢየ፥እንበር ኩንታል ኢዩ ዘለኒ ኩንታል።
ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰባኺ ይትንስእ እሞ ካህንዶ ንበሎ፤ካህን፥ኣብቶም ቅኑዕ ወንጌል ክምግብዎ ናትና ኢዩ።ዘጽድቅ እንበር ዘይተጻሕፈዶ ከይምህረና :ከይነግረና ኢሎም፥ኮፍ ኢሎም፥ክሰምዕዎ እዝኖም ጸልዮም ዝጽበዩ ነበሩ ህዝቢ፥ብምትንሳእ።
ተጠንቀቁ ተኻሉ ይመጽኹም ኣለዉ፥፥ተሓድሶ፥ ሓሰማ ብልዑ ዝብሉ፥ካህናት ኢና ኣቅሽቲ ኢና ዝብሉ፤ሓሰማ ምብላዕ ኣይናይ ሃይማኖትናን ዉጉዝ ኢዩ፤ስለምንታይ ሓሰማ ጽዩፍ ስራሕ ዝሰርሑ፥ተጠንቀቁ: እዚኦም ክመጹ ኢዮም ኢሉ ዝተነግረሎም፥መናፍቃን፥ሓሰማ ይብላዕ ኢዩ፥ ኢሎም ክምህሩኹም ንስኹም ከኣ ኣይናይ ኣቦና ኣይናይ ኣዴና ስቅ ኢልኩም ትሠምዕዎም ኣለኹም ።እንዳ በለ ነዞም ህዝቢ ኣብቲ ጻዕዳ ሓንጎሎም፥ክርዳድ እንዳ መልአ፥ሓሰማ ኣይትብልዑ ዝብል ትምህርቲ ናይ መናፈቃን ኢዩ ኢሉ፥ነቶም ብስጋ ዝጸልኦምን ዝቀንአሎምን ክወቅሶምን ህዝቢ ወይለይ መስቀል ዝሓዙ መናፍቃን እውንዶ ኣለዉ ኢዮም፥ኢሉ ፈሪሑ ክሽቅረርን፥ንዕኡ ግን ሓላይ እምነት ኢሉ ክንእዶን ዝገበሮ ኢዩ ዝነበረ ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኢዩ።

ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ስርዓት ኣለዋ፤ነቲ ጽሩይ ጥንታዊ ስርዓት ግን እቶም ብ ኣፎም ንሕናስ ብዘይ ምውልዋል ስርዓት ኣቦታትቲና ክንክተል ኢና፥ እንዳበሉ ልቢ ገርሂ ልቢ ዝሰልቡ፥ግንከ ንስርዓታ ዘየኽብሩን ዝብሕጉጉን ጉጅለታትን ማሕበራትን ሰበኽትን ኢዮም።እስከ ምዘኑ፤ዓይኒ ተዋሂቡኩም ኣሎ ዝር እዝኒ ድማ ተዋሂቡኩም ኣሎ፤ዝሰምዕ። መንዩ መናፍቅ፧ መንዩኸ ሓድሽ ሃይማኖት ዘተኣታቱ ዘሎ።መንዩኸ ቶኽላ፧መን ኢዩኸ ብሽም ኦርቶዶክስ ዝሽቅጥን ህዝቢ ፋሕፋሕ ዘብልን ዘሎ።መንዩኸ ሓሳዊ፧ ዘዕግብ መልሲ ክኾኖም ተስፋ ይገብር ንሶም እኳ እሮማይ ተታሊሎም እንዲዮም መንግስተ ኣምላኽ ትደልዩ ህዝቢ ግን መሰረተ እምነት ኦርቶዶክስ ስምዕዎ።
ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን: ፍትሐ ነገሥት ዓንቀጽ 23 ብዛዕባ ዝብላዕ ክዛረብን ክገልጽን ከሎ ከምዚ ይብል።ተስፋ ይገብር ነዚ 318 ሩቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት ዝገበሩዎን ዘውጽእዎን ናይ ተሓድሶ መጽሓፍ ኢዩ ከይብልዎ።
ስርዓት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ፍትሃ ነገስት ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23) በእንተመብልዕ፤ወአልባስ፥ወማህደር ወተግባረ፤እድ፤ዘይደሉ፤ለመሲሓውያን።
፰፻፪ በእንተ ወመብልዕሰ :በዉስተ ሕግ፥መሲሓዊት ኣልቦ ዉስቴታ፤ሕርመት፥ዘእንበለ፥ዘከል ኡ፤ሓዋርያት፥እምኔሁ፥በመጽሐፈ ፤ኣብ ረክሲስ፤ወበቀኖናሆሙ፥ብብሂሎቶሙ፥ናሁ ሠምረ፤መንፈስ ፤ቅዱስ ወሠመርነ ፤ንሕነኒ፤ካዕበ፤ከመ ኢናንብር ላዕሌክሙ፥ፆረ፤ክቡደ፤ዘይፈድፍድ፤ዘእንበለ ዝንቱ፥ዘተኀድጉ፤ኪያሁ፤በግብር፤ወዉእቱ ፤ከመ ትርኀቁ፤እምበሊዐ፤ደም ወሕኑቅ፤ወመስዋዕተ፤ጣዖት፥ወብላዐ፥አርዌ ።
፰፻፫ ወለእሉሂ የሐርምዎሙ፤በእንተ ዘሀሎ፤ውስቴቶሙ፤እምሕማምእነፍሳዊ።እስመ ተሰናእዎእምሽለ መምለኪያነ፥ጣዖት፤በበሊአዐ፤ዘይዘብሕዎ፥ለአ
ማልክት፤ይከውን፤ዘይሳተፎሙ፤ቤምልኮቶሙ፤ወይስሕቦ፥ዝንቱ፤ ሃበ ኣምልኮ ጣዖታት።ወበእንተ ዘሀሎ፥ዉስቴቱ፤እምሕማም፤ስጋዊ፤ወነፍሳዊ፤እስመ ይእቲ ታማስን ቲስሕተ፤ስጋ፤ማስኖ፥ዘያበጽሕ፤ሃበ ፤ሙስና፤ፍጥረት፤ወዓዲ ትወስድ፤ኀበ ፤ሀጉለ፤ኣባል።
፰፻፬ ወአኮ ዘ አሕረምዋ፥እስመ፤ርኵስት፤ይእቲ፤በፍጥረታ፤እ
ስመ ፤እምፍጥረተ፤፤እግዚኣብሔር ፤ይእቲ።ወናሁ፤ተጽሕፈ፤ለነ በውስተ ኦሪት፤ዘይብል፥ ወርእየ፤እግዚኣብሔር፤ኵሉ፤ዘፈጠረ፤ከመ፤ሠናይ፤ውእቱ>።ወበወንጌልኒ፤ይቤ፤እግዚእነ፤ኣኮ፤ኩሉ፤ዘይበውእ፤ውስተ፤ኣፈ፤ሰብእ፤ዘይክል፤ኣርኵሶቶ፤ወአፈ፤ወርቅኒ፤ይበ፤በእንተ፤ዝንቱ፤እስመ፤እግዚኣብሔር፤ኣብጠለ፤በዝንቱ፤ቃል፤መብዝኀታ፤ለትእዛዘ፤ኦሪት።
፰፻፭ ወያጸንዕ፤ዘንተእምክር፤ዘተነግረ፤በ አብረክሲስ፤ወዉእቱ፤ቃለ፤ሉቃስ ወንጌላዊ፤ዘይቤ፤ወዐርገ፤ጴጥሮስ፤መልዕልተ፤
ናሕሰ፤ግዜ ፮ቱ፤ሰዓት፤ከመ፤ይጸሊ፥ወነዊ፤ርኀበ፤ወይፈቅድ፤ይብላዕ፤ወእንዘ፥ያስተዳልዉ፤ሎቱ፤መጽ አ፤ድቃስ፤ላዕሌሁ፤ወርእየ፤ሰማየ፤ርኅወ፤ወናሁ፤ሞጣሕት፤ዘእሁዝ፤በ፬ቱ፤ጽነፊሁ፥ኣምሳለ፤ልብስ፤ዓቢይ፤እንዘ፤ይወርድ፤ዲበ፤ምድር፤ወሀሎ፤ውስቴቱ፤ኵሉ፤እንስ ሳ፤ዘ፬ቱ፤እገሪሁ፤ወኵሉ፤ዘይትሐወስ፥ውስተ፤ምድር፤ወአዕዋፈ፥ሰማይ፥ወመጽ አ፤ቃል ሃቤሁ፤ዘይብል፤ተንስእ፤ኦ፤ጴጥሮስ፥ሕረድ፤ወብላዕ።ወይቤሎ፤ጴጥሮስ፤ሐሰ፤ሊተ፤እግዚእየ፤እስመ፤ኢበላዕኩ፤አነ፤ግሙራ፤ርኩሰ፤ወኢደነሰ፤ወዳግመ፤ጸውዖ፤ወይቤሎ፤<እግዚኣብሔረንጽሖ፤ኢታስተራኵስ፤አንተ፤ወኮነ፤ዝንቱ፤ቃል፤፫ቱ ጊዜያተ>።
፰፻፮ወቅዱሳንሂ፤መምህራን፤ኣፈ፤ወርቅ፤ወካል
አኒሁ፤ኣበው፤ለበዉ፤እምዝንቱ፤ከመ፤መፍቅድ፤ኮነ፤ቦቱ፤፪ቱ ምግባራት፤፩ዱ እምኔሆሙ፤ዘኅቡእ፤ወዉእቱ፤ከመ፤ኢነሐሊ፤እምይእዜ፤ከመ፤አሕዛብ፤እለ፤ኢአምኑ፤ዓዲሆሙ፤ርኵሳን፤እሙንቱ፤ዘኢይደልዎሙ፤ለምእመናን፤ተራክቦ፤ምስሌሆሙ፤በከመ፤ኣዘዘ፤ፍትሐ፤ብሊት።ወካልእኒ፤ክሱት፤ውእቱ፤ከመ፤ነሐሊ፥ከመ፤ኵሎሙ፤እንሻት፤ንጹሓን፤እሙንቱ፥ወኢንትከላእ፤እምተሴስዮ፤ዘይደሉ፤እምልባዌ፤ጠባይዕ፤ወሲሳይኒ፤ቦሙ፤ሀሎ፤ዘእንበለ፤በሊዐ፤ደም ወሕኑቅ፤ወመስዋዕተ፥ጣዖት፤ወብላዐ፤ኣርዌ።

ዓንቀጽ ፳፫ ፰፻፰ በስ፤፶ወ፪ቱ፤ ወኢያርኵስ፤ቀሲስ ወኤጲስ፥ቆጶስ፤ምንተኒ፤እምነ፥መባልዕት፤ኵሎ
ሙ፥ዘእንበለ፤እግዚአብሔር።ወይደልዎሙ፥ለመሲሐውያን፤ወለካህናት፤እለ፤እምውስቴ ቶሙ፤ወፈድፋደሰ፤ለመነኰሳት፤ከመ ኢይጸመዱ፤ለዝንቱ፤ለብዝኀ፤ጾታ፤መባልዕት፤ዘዘዚአሁ፥ወኢትፍግዕት፥በጥዕሙ፤ወጼናሁ፥ወልምላሜሁ፥ወኅብሩ፤ዘያጌጊ።አላ ይሴሰዩ፤ለበቍዔት፤በዘይቀውም፤ስጋ፤ኅዳጠ፥መዋዕለ፤ወዘተረክበ፥ለብዙኃን፤በመካናቲሆሙ፤ወዘመናቲሆሙ፤ወእግዚእነሂ፤ይቤ፤ምንትኑ፤ተደልዎ፤ወአስተሐምሞ፤ወእግዚእነሂ፤ይቤ፤ምንትኑ፤ተደልዎ፤ወአስተሐምሞ፤በግብር፤ብዙኅ፤በዝንቱ፤ዓለም።ወዘይትፈቀድሰ፥ኀቤሁ፤ኅዳጥ፤ውእቱ፤ወ፩ዱ፤
፰፻፲በስ ፶ወ፪ቱ ወኢያርኩስ፤ቀሲስ፥ወኤጲስቆጶስ፥ምንተኒ እምነ መባልዕት ኩሎሙ።ዘእንበለ ዳእሙ፤ዘየሐርምዎ፥ባሕቲቶሙ፥በእንተ፤እግዚኣ
ብሄር።
እዚ ኩሉ ግእዝ ኮይኑ ትርጉሙ መልእኽቱ ድማ ናብ ትግርኛ እንክትርጎም፥ዋላካ ብጽፉፍ ቃል ብቃሉ ኣይንተርጉሞ እንበር መልእኽቱ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ከምዚ ይብል:- ሃዋርያት ብግብሪ ሃዋርያት ብሲኖዶሶም ብግዲ ዝኣዘዙዎ ተዘይ ኮይኑ ካብ ምብላዕ ብሕጊ ከይብላዕ ዝተኸልከለ መግቢ የሎን፤ እታ ኣብ ፍት ሃ ነገስት ተጠቂሳ ዘላ ጥቅሲ ኣየናይ ኢዩ ከይብላዕ ዘለዎ ትእዝዝ ጥቅሲ፥እዚኣ ኢያ።ግብሪ ሃዋርያት 15:27-29)ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና።ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።
ክርስቲያናት ከይበልዑዎ ዝተኸልከሉ መግቢ ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ሕጊ፥ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ጥራሕ ኢዩ።ካልእ መግቢ ግን ክበልዑ ከም ተፈቀደሎም ፍትሓ ነገስት ይዛረብ።መን ደኣሉ ቶኽላ በዓል ቄናን ትምህርቲ፥ነፍሱ ፈቲጹ ይመለስ ኣቱም ደድህሪዐኡ ጽዖቡ ኸኣ ነፍስኹም ፈቲሹ።
ነዚ ዝኸልከሉዎ ድማ ርኹስ መግቢ ሃሊዩ ዘይኮነስ።ሰውነትን ስጋን ዝጎድእ ሕማም ስለ ዘለዎም እቶም ሕሉቃት፤እቲ ናይ ጣዖት ድማ ኣብ እንዳ ጣዖት ከድካ ምብላዕ ምስቲ ኣምላኺ ጣዖት ሓደ ዝግበር ስለዝኾነን ንዕ ኡ ነቲ ጣዖት ዘምልኽ ድማ ምስ ኡ ተበሊዕካ ሓደ ከም ዝኾንካ ስለዝመስሎን፤ሓደ ምኻን ከም ዝቁጸን ስለምንታይሲ ኣብ ኣምልኾኦም ትጽንበር ስለዘለኻን ከም ጣዖት ሚምላኽ ከም ዝሕሰብን፥እዚ ድማ ንነፍስን ስጋን ዝጎድእ ሕማም ኣብ ውሽጡ ስለ ዘለዎ ፤እዚ ድማ ብሓጺሩ ማለቱ ናብ ጥፍ ኣት ስለዘብጽህን ኣባል እቶም ጣዖታት ስለ ዝገብርን ኢዩ።

ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፬ ተሪኢና ።ብ ተፈጥረኡ ርኹስ ኢሎም ዝኸልከሉዎ ኣይኮነን፤እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ፍጥረት እግዚኣብሄር ፥ኩሉ ጽቡቅ ከም ዝኾነ ረኣየ፤ሰናይ ከም ዝኾነ ረኣየ፤ዝብል ኣብ ኦሪት ተጻሒፉ ንረኽቦ።(ዘፍ ፩፥፪፭)ኣብ ወንጌል እውን ጎይታና ከምዚ በለ (ማቴ፯፥፩፭)ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ።በለ። የውሃንስ ኣፈወርቂ እውን በዚ ቃል እዚ ብዙሕ ቃላተ ኦሪት ኣሕለፈ ይብል;;
ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፭ ተደኣ ሪኢና።ነቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ኢዩ ዘጽንዖ።(ግብ፲፥፱፡፩፪) ብምጥቃስ የጽንዖ።ኣብዚ ፍቅዲ እዚ ጴጥሮስ ተፋላለዩ ዓይነት እንሲሳ ክበልዕ ከም ዝተኣዘዘ እሞ፥ከም ዝ ኣበየ ኣምላኽ ግን ኣምላኽ ዘንጽሖ ንስኻ ኣይተርክሶ ከም ዝበሎ።ስለዚ ሰብ ኣምላኽ ዘንጸሆ ርኹስ ኢዩ ክብል ከም ዘይግበኦ ኢዩ ዝጠቅስ።እዚ ፈቲኻ ዲዩ ጸሊእካ ክትቅበሎ ዘለካ ኢዩ።ኦርቶዶክስ ኢየ ክትብል ተኾንካ፤ነቲ ግእዝ ኢየ ዝጸሓፍዎ ክትርጉሞ ዝፍትን ኢየ ዘለኹ።ፍትሓ ነገስት ዝብሎ ኢዩ ዝነግረኩም ዘለኹ ኣነ ሻምብቆ ገርኩም ሕሰቡኒ።

ይቅጽልል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

፩ይ ክፋል (መን ዩ ቶኽላ!???::

   ፩) 1ይ ክፋል
                  (መን ዩ ቶኽላ!???::

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ (ግብሪ ሃዋርያት/20:29/ ፳፥፪፱)ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።ቄናን ነገር ዚምህሩ ካባኻትኩም ኪትንስኡ ኢዮም።ኢሉና ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ፤ካብ ደገ ኣይበለን ካብ ማእከልኩም ኢዩ ዝበሎም ነቶም ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ክርስቲያናት።እዚ ቃል እዚ ሎሚ ንዓና እውን ይበሃለና ኣሎ ነዞም ኣብዚ ዘበን እዚ ኒነብር ሰባት።

እስከ ንሕሰብ ምናልባሽ ተጠንቀቁ ካብ ተኻሉ ክንብል መዋእልና ተኻሉ ተቀይርና ክይንህሉ፤እስከ መገዲና ንፈትሽ ።መን ኢዩ ቶኽላ መንከ ኢዩ፤ካብቲ ሃዋርያ ቅዱስ
 ጳውሎስ ዝጸሓፎ ወጻኢን ምስኡ ዝጋጮን ሰባት መታን ክስዕብዎ ቄናን ትምህርቲ ዝምህር ዘሎ።ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘበነ መዋእሊሁ ከምዚ እንዳበለ ፤መደቡ ተዛረበ፤(፩ይ ቆሮንቶስ ፪፥፩፡፪)ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።ይብል ቅዱስ ጳውሎስ;; መደብ ቅዱሳን እዚ ኢዩ ነይሩ፤ከመይ ገይሩ ሰብ ንኢየሱስ ክርስቶስ፥ጥራሕ ክፈልጥ ነበረ፤መቸስ ትግርኛ ኢዩ።ሎሚ ግን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቕለ ካልእ ነገር ክፈልጥ ዝምድብን ሰባት ክፈልጡ ዝሰብኽን ቄናን መገዲ ዝምህር ዘሎ ቶኽላስ መን ኢዩ፧፤

ቅዱስ ጳውሎስ ካልእ ንሰብኽ ኣሎና ኣይበለን፤ወይ ድማ ከምዚ ንውስኽ ኣሎና ኣይበለን።ከምዚ ደኣ በለ (1ይ ቆሮንቶስ 1:23)ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ንኣህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።ኢሉ ብምውሳኽ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ከምኡ ቅዱሳን እውን ከምኡ ከም ዝሰበኹ ይዛረብ።ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ክርስቶስ  ኣትኪራን ኣርእስቲ ገይራን፡ክትሰብኽን ክትነግርን ኣለዋ፡ዋላኳ ሓደ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝለዓለ ሕቶን፡ርእይቶን ብፍሉይ፡ኣርእስቲ ገርካ ብዛዕባ ቅዱሳንን ብዛዕባ ካልኦት ነገራትን ክስባኽ ግቡእ ተኾነ ኣርእስቲና ግን ክርስቶስ ክኸውን ይግባእ፡ስለምንታይ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረከበትና ነገር ኣዚ ኢዩ።ሃዋርያት ኣውን ዝሰበኹዎ ነገር ተደኣ ኣሎ  እዚ ኢዩ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክብርቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ኣትሒዝካ፡ክሳዕ ሃዋርያትን ነበያትን መልአኽታትን ተጠቂሶም ይርከቡ፡ተኾነ፡ንሶም ኣርእስቲ ኮይኖም፡ብዛዕባኦም ክስበኽ ስለዘለዎ ዘይኮነ መጽሃፍ ቅዱስ ኣምጺእዎምሲ፡ኢየሱስ ስለዝመጸ ኢዮም፡ከም ህሉዋትን፡መሰኻኽርን፡ተዋሳእትን እቲ ነገራት ዝቀረቡ፡ኣርእስቲ በዓል ቤት ግን ክርስቶስ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክጅምር ከሎ፡ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ኢዩ ዝጅምር።ስለዚ ድማ ኢዩ፡ክርስቶስ ክውለድ ከሎ፡እቶም ጓሶት፡ድንግል እትኣክል ብድንግላ ሰብ ምውላዳ ገሪሙዎም፡ንዓኣ ክሰብኩን ፡ክሰግዱላን፡ክነግሩን ከበስሩን ዘይንርእይም፡ነቲ ንጉሰ ነገስት ዝኾነ፡ክርስቶስ ግን ፡(ማቴ2:1-2)እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ  ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ክንሰግደሉ መጺእና እናበሉ፡ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ።መጺኦም ድማ ኣብቲ መብልዒ ማል ከምዝረኸቡዎን፡ገጸ በረኸት ከም ዘበርከትሉን መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ።
 
ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ስብከታ ክርስቶስ ክከውን ይግባእ።ቅዱሳን ክብሪ ይግበኦም፡ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክብሪ ይግበኣ ግን።ኣርእስቲ ኣይኮነትን ኣርእስቲናን ስብከትናን ክርስቶስ ክከውን ይግባእ።ንኽብራ ዝትንክፍ ኣብ ዝጎንፈና ግዜ ግን መታን ሰብ በቲ ክፉእ ነገር ከይጋገ ፡መልሲ ክንህብን፡ነቶም ጉጉያት ድማ ብፍቅሪ እቲ ሃቂ ከነረድን ይግባእ።ክስበኽ ዘለዎ ግን ክርስቶስ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢዩ ዝብል።(1ይ ቆሮንቶስ 15:11)እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።ድማ ይብለና።ነዛ "ንስኹምእውን ከምኡ ኣመንኩም" ትብል ዘላ ወሲድና እስከ ነስተንቲና:ክርስቶስ ጥራሕ ከም ዝስበኽ፥ካልእ ዘይኮነ፥ይዛረብ፤ኣሎ።
ዋእ ከምኡዶ ኣሚና ኢናስ ዋላ ኣይኣመናን፧ከምኡዶ ንሰብኽ ኣሎና ዋላ ይንሰብኽን ኣሎና፧ ።ከምኡ ኣይኣመናን፤ገሊእናስ ኢየሱስ ኢየሱስ ኢልካ ኩሉ ግዜ ምዝራብን ምስባኽን ናይ መናፍቃን ኢዩ፤ግድን ካልእ ክዉስኽ ኣለዎ፡ሓደ ሰባኺ ኦርቶዶክሳዊ ምዃኑ ክፍለጥ ተደኣ ኮይኑ፥ ንብል፤ሰብ ሓደሽቲ መገዲ ንቃላቀል ኣሎና።ግንከ ናይ ሓቂ ንሓደ ሰብ ቶኽላ ዲዩ ዋላስ ቅኑዕ ጓሳ ምዃኑስ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስቲ ንድንግል ማርያም ምስ ዝሰብኽ ጥራሕ ኢዩ ዝብል ቀኖና ወይ ድማ ጥቅሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ  ኣበይ ኮን ምረኸብናን መርትዖ ሃባ ንዝብለና መረዳእናን።ነዚ ኣብ ቀኖናና ኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘየለ ስጋዊ ጥበብ  ግን ተዃሉ ዘብል ኢዩ።ናይ ሓቂ ግን ፡ንሓደ ሰብ ቅኑዕ መምህር ዲዩ ኣይምህሩን፡ወይሲ ከመይ ገይርና ኢና ነለልዮ፡ክንፈልጠሉ እንክእል መገዲ ሓንቲ ነገር ኢዩ፡ሂቡና ዘሎ፡መጽሓፍ ቅዱስ። ንሕና ኢና ተረከብቲ ወንጌል ህድሪ፡ኣቦታቲና ኢዮም ከኣ ንወንጌል እንዳ ተሰየፉ ንክርስቶስ ሰቢኾሞ፡ሎሚ ንክርስቶስ ጥራሕ ምስባኽ ገይጋ ኢዩ፡ንብል ተደኣ ኣሎና፡ካብ ጥንታዊ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ነንሻርትት ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግበኣና።(1ይ ዮሐንስ 4:2-3)
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።2ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡3ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።ብምባል ነቲ ናይ ሓሶት ነብይ ንፈልጠሉ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።ከምኡ እውን (2ይ ዮሐንስ1፡7)ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓቲያን ናብ ዓለም መጺኦም ኣለዉ፡እቲ መስሓትን ፡እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ ኢዩ።ኢሉ ብምብራህ።ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑ ግን፡ንሶም ኹነኔ ከም ዘይብሎም ከምዚ ገይሩ ኢዩ።ዝገልጾም(ሮሜ8:1)እምበኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኩነነ የብሎምን።እንታይ ዲያስን ንሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስቶስ ኢዩ፡ጎይታ ንዕኡ ክብሪ ንሃብ እንተበለ፡ቶኽላ ኢኻ ክበሃል ዝፍተን ብሓቂ እዚ ጉምጡል ስነ ሞጎት ኢዩ።ብሓቂ ገሊእናስ  ተዃሉ ተቀይርና ኣሎና።
 
እወ ገሊኦምሲ ሰባት መታን ክስዕቦምን ንሰባት መታን ከግሊሉን ቄናን ካብ ትምህርቲ ሃዋርያት ዝወጸ፥ስብከት ዝምህሩ፤ሃዋርያት ንክርስቶስ ስበኽ እንዳበሉ፥ ንሱ እውን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ስበኹ እንዳበለ፥እንበር ንኻልኦት ስበኹ ንብል።ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገድስ ብዛዕባ ክርስቶስ ክሳዕ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቄናን ትምህርቲ ዝምህር ዘሎ ቶኽላ ኢኻ።እንበኣር ገሊኦምሲ ተጠንቀቁ ካብ ተኻሉ እንዳበሉ መዋእሎም ተኻሉ ተቀይሮም ይነብሩ ኣለዉ። ሰኣን፤ተኻሉ ምኻኖም ዘርድኦም፥ንገዛእ ርእሶም ተኻሉ እንዳበሉ ክኹኒኑ ይነብሩ ኣለዉ።ንቶኽላ ነለሊዮ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ስለምንታይሲ መጽሓፍ ቅዱስ እስትንፋሰ ኣምላኽ ስለዝኾነ፤ድርሳነ ሰባት ስለዘይኮነ።
እምነት ወይ ድማ ሃይማኖት ማለት ቃል ኣምላኽ ተመጊብካ ፈጣሪኻ ትፈልጠሉን ትእዛዝ ኣምላኽካ ትሰምዓሉን ትእዛዙ ብፍርሃት ፈጣሪ ተደሪኾም፥ንዝነገሩኻ ድማ ካብ ኦም ሰሚዕካ ትነብረሉን ቅዱስ ባህሪ ኢዩ።ዝኾነ ይኹን ተኾነ ከም እንርእዮስ ሃይማኖት ናብ ፖሎቲካ ክቅየርን ሰባት ተደለዩ ሎሚ ንኣምን ይብሉ ጸኒሖም ንጽባሒቱ ከኣ : ኣይ ዘይኣምነሉ ኢሎም ሰባት ንምውቃዕ ዝጥቀምሉን ብፍላይ ድማ ዘይምምሃርን ዘይምንባብን ህዝቢና ተጠቂሞምም ንረብሓኦምን ከብዶምን ዝነብሩሉ ሰባት ንሰባት ዝወቅዕሉን ኮይኑ ንረኽቦ ኣሎና።
ርሑቅ ዘመን ከይከድና ሎሚ ኣብ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ዘሎ ዘመቻ ኢዩ። እስከ ነስተውዕል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኣምነለን ሰለስተ ጉባኤታት ኢየን፥እታ ራብዓይቲ ኬልቄዶን ዝብልዋ እካ ኣይትቅበላን፥ድሕሪኡ ድማ ኦርቶዶክስ ዝገበረቶ ጉባኤ ኣይነበረን የሎን፥ካብኡ ከም ንዕዘቦ ኩለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ከከም ርዲኢተን ክኸዳን ክጓዓዛን ንርእየን።ከምዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢትዮጵዯን ዝግበር ፥እንክትርእዮ ኣገልገልቲ ኢና ብዝብሉ እንበርዶ ክርስቲያናት ኢዮም ኢኻ ትብል።ክንደይ ኣገልገልቲ ብርትዕ ኣብ ዝብሊሉ : ንምድቋሶም ኵውቅዑ ኢና ንርእይ ዘለና።

በዚ ድማ ወይ ጨበድበድ ኢሉ ናብ ካልእ እምነት ይኸይድ ወይ ድማ ተዳሂሉ ፥ተዳኺሙ ሞራሉ ክርትም ኢሉ ተሰይሩ ከም ብላይ ኣቅሓ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ካብ ኣገልጊሎት በቴ ክርስቲያን እንዳበኸየ ምስ ፍቅሩ ይፍለ።ኣበርኪተኡ ኣብ ቁሩምርም ጥራሕ ተሓዚኡ ዘባራትዖ ሲኢኑ ድማ ግዳይ መስተን ስኽራንን ኮይኑ ሰኽራም ብምልዋጥ ተስፋ ይቆርጽ።:ተኾርሚዩ ኣብ ገዛኡ ይተርፍ ማለት ኢዩ። ናይዚ ዋና ኣካየድትን ቀየስትን ድማ ሰብ ክርእዮም፥ኣብ ቤት ኣምላኽ ቅዱሳን ዝመስሉ፥ሊቃውንቲ ኢና ኢሎም፥መምህራን ፊደል ብምኻን፥ክታብ ገበርና ዶ ዋላ ፈውሲ ሃብናክን ዝብሉ።ፈውሲ ዓይነት ኣውጻእኩልክን፥ማይ ዲጋም ደገምጉልክን ኢሎም ገዛ ገዛ ገንዘብ ዝምእሪሩ፥ማይ ዲጋም ኣቦይ ክስቶ ፈውሲ ኢያ ዝብሃለሎም፥ ኣፍራስያን ቤተ ክርስቲያን፥ጠንቆልትን ኣስመኛታትን ፥ብለይቲ ምስ ብልሆር ሓዲሮም ብቀትሪ ኸኣ ወንጌል ከይስበኽ፥ሃይማኖት ጠፍአት ኢሎም ኣይትሓዙኒ ኢሎም ልቢ ሰብ መታን ክሰልቡ፤ሓለይቲ እምነት መሲሎም ገዳይ ዝብሉ ።

ኣቦይ ክስቶ ደኣ ይምሕሩ ኢዮም እንበር መዓስ ይፍውሱ እንዳ ተባህለ፤ክታብ ክተቡለይ በሎም ዝበሃሉ። ኣሳሰይትን ሓመስትን ዘቅርብዎ ክትርእዮ ከለኻ፥ምስ ትምህርቲ ጥንታዊት ኦርቶዶክስ ኣይሰማማዕን።ካብቲ ዝገብሪዎን ልምድን ባህልን እምነትን ብምጽንባር፤ነቲ ድኹም ዝብልዎ ሰብ፥ክስቶ ደኣ ከምዚ እንዲዩ፥ኢሎም ብምስዳዕ ነቲ ቅኑዕ ይወግእዎን ከም ዘይይትንስእ ይሃርሚዎን።ቁሩብ ብልሕ ዝበለ፥ዓይኒ ኣብርህ ዘበለ ክበጽሖ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ተተገሚቱ ድማ ፥ህዝቢ ከሰንብድ ከምዚ ይብል፥ቀስ ኢልካ ኢዩ፥እኮ ደሓር ነቲ ህዝቢ እምነቱ፥ ኽሓድጎን ምስ ካልኦት ሓደ ዝኾናን ክመስሎ፥ኢሎም ኣዐርስን የብልዎ።
እዚ ናይ ውሑዳት ምሁራት ኢና ዝብሉ ጥቅመኛታት ተንኮል:ንቤተ ክርስቲያን ዘበናት ምሉእ መሸጢ መጻሕፍቶምን፥መጋባበርያኦምን ብምግባር ደቂ ፋሕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡን ገይሮም ንቤተ ክርስቲያን ወላድ መኻን ገይሮማ ኢዮም።ደቃ መሰረታዊ እምነት ኦርቶዶክስ ስለ ዘይተማህሩ፤ኣብ እምነቶም ርእሰ ተኣማኒነት ክሳዕ ዝስእኑ:" ህጂ ዝመጹ ኸኣ ኢየሱስ ተቀበሉ ኢየሱስ ተቀበሉ ይብሉና" ኢሎም ክሳዕ ዝጭነቁ ኮይኖም።ሃይማኖትና ቅንዕቲ ኢያ ኢና ንሰምዕ ኣበይ ደኣሉ ዘሎ እቲ ሓቂ ኢሎም ክሳዕ ዝጭነቁ፤ክንዲ መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ሚምሃር።ክንዲ ክርስቶስ መን ኢዩ፤መዓልታዊ ትምህርቲ ዝወሃብ ወንጌል ንኸይስበኽ ጥራሕ፤ፕሮግራማት ብምጽባብ፤እቲ ምሉእ ግዜ ኣብ ካልእ ብምውዓል፥ ገይሮሞም።ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ክርስቶስ ክሳዕ ዝሰኧል ምጽዓር፥ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፥(ገላትያ 4:19)ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።
ንህዝቢ ኣብ እምነቱ ዘለዎ፥ተኣማኒነት ከም ዘጥፍኦን ዓይኑ ናብ ካልእ ቁልሕ ከም ዝብልን ብኻኣልኦት ከም ዝሰልልን ገይሮም፤ንዐኦ ተገዲሶምን ክብሮምን ረብሓኦምን ኢዩ፤ክንደይ ኣባግዕ ጠፊአን ክንደይ ኣባግዕ ከ ሎሚ ወሊደን ክንደይ ፈርየን ኣይንታየንን፤ንሕናን ዕላማንን ስለዝኾኑ ዋላካ ብኣፎም ተታዛረቡ ኣብ ግብርስ፥እንድሕሪ ደኣ ድልየትና ዘይትቅበል ኮንካ፥ኣማኒ ኦርቶዶክስ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ ክትርሕቅ ኣለኻ፤ከምቲ ዝኃብናካ ባህልን በቲ ንዓና ዝርድኣናን ተኸድካን ብእኡ ከገልግል ኢየ ተደኣ ኢልካን ግን ዋላ ምስ ኣጋንንቲ ተዕልል ኩን፥ሰብ ኣዕብድ ሰብ ፈውስ ምስ ኣጋንንቲ ኮንካ ትንክፍ ኣየብሉኻን፤ናይዚ ዘረዲኦ ድማ ፥ረብሓ ደኣ እንበር ብዛዕባ ነብሲ ዘይምኻኑ ኢዩ።
እቲ ንሶም ዝቃለዕሉን እቲ መስክን ህዝቢ ድማ ሓቂ ዝፈልጠሉን ንሶም ኣፎም ዝሕዙሉን ግዜ ኣኺሉ ኢዩ።ኣብ ኣፎም መርገም እንበር ምርቃ የሎን፤እተን ንሶም ዝሓባበሊወን ነፍሳት ድማ እሮማይ በቲ ኣስማተኛ መንፈስ ስለ ተወቅዓ፥ንዕኦም ዝተንክፈለን ኣይፈትዋን።ስለምንታይ ነቲ ሓላቃ ተተንኪፍካዮ እቶም ሰራዊቱ ኣብአን ሰሪጾም ዘለዉ ስለዝለዓሉ ኢዩ።ሰንኮም ሎሚ ህዝቢ ኢየሱስ ኢልካ ምዝራብ፤ናይታ ወሃቢተ ብርሃን ኦርቶዶክስ ትምህርትን እምነትን ከሎ፥ናይ መናፈቃን ኮይኑ ክሳዕ ዝርድ ኮይኑ ኢዩ።
ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን እግዚኣብሄር ሎሚ ንሶምን ኣተሓሳስባኦም እንዳ ተሳዕረ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ለዓለ ይኸይድ ኣሎ።ይብንቁሶ ኣሎ:መጽሓፍ ብቅዱስ፤ሓንቲ ቃል ከተንብብን ኣብ የእምሮኻ ተዛሪኣ ዝነበረት ክርዳድ ክትብንቆስን ሓንቲ ትኸውን ኣላ። ።ንሶም ጽግዕ ኢሎም ናብ ዓለም፥ናብ ፖሎቲካ ተሰጊጎሙኻ፥ዘዳኽም የሎን: ተስፋ ዘቁርጽ ሃይማኖት ዘቀይር ምኽንያት በፍጹም የሎን።፤ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበና ተክኖሎጅይ ምጽእ ኢልካ ነቲ ግዳይ (victum) ዝኾነ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ነጊርካ ነዞም ኣምላኾም ከብዶም ሕፍረቶም ከኣ ኣብ ነውሮም ዝኾኑ ጥቅመኛታት፥ከምዚ ኢዩ ዝብል ዘሎ ኢሎም ሽምካ ከኽፍኡኻን፥መገዲ ከጋግዩን ተሪኢኻ፤እዚኣ ኢያ እታ ሓቂ ንመን ትስዕቡ ከም ዘለኹም ኣስተውዕሉ ምባል ኢያ።
ይቅጽልል,,,,,,,, ናብ 2ይ ክፋል

ERITREA: NGOS MARK THE TWELFTH ANNIVERSARY OF GOVERNMENT CRACKDOWN ON CHURCHES IN ERITREA.

For Immediate Release
23 May 2014
by Human Rights Concern Eritrea.

ERITREA: NGOS MARK THE TWELFTH ANNIVERSARY OF GOVERNMENT CRACKDOWN ON CHURCHES IN ERITREA

 
Christian Solidarity Worldwide (CSW) joined members of the Eritrean diaspora, the British Orthodox Church and four NGOs from the United Kingdom (UK) and Ireland yesterday in a protest vigil outside the Eritrean Embassy in London marking the twelfth anniversary of the imposition of severe restrictions on churches in Eritrea.
During the protest, Metropolitan Seraphim of Glastonbury spoke of the suffering of the Eritrean Orthodox Church, highlighting the plight of the ordained patriarch, Abune Antonios who was illegally deposed and has been under house arrest since 2006. Commenting on a recently released photograph of Patriarch Antonios that was taken clandestinely Abba Seraphim said that “although the government had stripped away his regalia, his authority and his freedom, they had not been able to take away his inner peace and life of prayer. The photograph showed a monk at peace with himself and his God, having served faithfully and refused to compromise with truth in order to retain his status and worldly honour.”
Eritrea is one of the world's most repressive regimes, and speakers from the participating organisations highlighted a number of human rights violations underway in the country, including the arbitrary detention without trial of tens of thousands of Eritreans of all faiths and none, and the plight of vulnerable Eritrean refugees trafficked through Sudan, Libya and Egypt, many of whom are beaten, tortured, raped and have their organs extracted before reaching Europe or Israel.
Commenting on religious freedom violations in Eritrea Elsa Chyrum, Director of Human Rights Concern Eritrea said: "The regime in Eritrea has no limits to its violation of the rights of its own people, including its repression of religious freedom. Choice of religion is a personal affair, and a government should have no say in it. However, in Eritrea, absolute power and the obsessive desire for total control of every aspect of social life have driven the president to close churches, remove a patriarch, detain and torture law-abiding Christians."
Towards the end of the protest a letter was delivered to the Embassy by the leaders of the participating organisations. In it the agencies expressed dismay at the "continuing detention without trial of tens of thousands of Eritrean citizens, including several thousand Christians", and lamented the fact that “23 years after a heroic struggle for freedom, so many Eritreans are unjustly deprived of their liberty.".The letter concluded with an entreaty for the Government of Eritrea to "ensure the release of all prisoners of conscience regardless of their creed, and to facilitate every human right outlined in Eritrea's commendable constitution, including the right to religious freedom."
David Turner, Director of Church in Chains said: “It was a privilege to once again join British and Eritrean friends at the Eritrean Embassy in a united call to the Eritrean government to “Let My People Go” (referring to the continued imprisonment without charge of over 1,000 Christians in Eritrea). It was sad and harrowing to hear speakers tell of the continued suffering of prisoners, families, church leaders and refugees but wonderful to have the freedom to stand together in solidarity in speaking out for freedom and justice. It was also good to have the opportunity of lifting our voices in united prayer to the God of justice who hears the prayers and cries of His people.”
Dr Berhane Asmelash, Director of Release-Eritrea said: “I was glad to see everyone once again standing in solidarity with the people who are suffering for their faith in Eritrea. I believe our voice will be heard, and we shall overcome one day, and we will celebrate in unison with all people who stood their ground firmly, God is on our side and the despicable acts of the Eritrean regime will give way to justice, peace and freedom.”
CSW's Chief Executive Mervyn Thomas said: “It is indeed lamentable that after 23 years of independence Eritrea’s people are yet to experience true freedom, and still cannot enjoy the extensive rights outlined in their progressive constitution, including the right to freedom of religion or belief. Sadly, with the exception of a privileged few, there are clear indications that life, both in and outside of prison continues to worsen. CSW is committed to standing in solidarity with the Eritrean people until human rights and the rule of law become a reality. We hope and pray that by next year the situation will have improved for all Eritreans therefore negating the need for this annual protest.”


Sunday 18 May 2014

ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።

 ሱዳናዊ  እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።


ኣብ ሃገረ ሱዳን እትነብርን፥ብትውልዲ ሱዳናዊት ዝኾነትን፥ ሰዓቢት ክርስቶስ ተኸታሊት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ዝኾነት ፥ ጋል 27 ዓመትን ናይ (8) ሾመንተ ወርሒ ጥንስን፥ ዘለዋን፥ኣዴ ወዲ 20 ወርሕን ዶግቶርን፥ ዝኾነት ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም  ይስሓቅ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን ናይ ሚኢቲ ግርፋት ኩርማጅ ምስ ተገርፈት ድሕሪ ሕርሳ ብማሕነቅቲ ክትምወት፥ ንሞት ተፈሪዱዋ።
እቲ ብ 16/5/2014 ዝወዓለ  ሰይጣናዊ እስላማዊ መጋባእያ፥ብኽልተ ነገር ኢዩ ከሲሱ ንኦርቶዶክሳዊት  ዶግቶር፥ዶግቶር ማርያም የሕያ ኣቅሪቡዋ።
1ይ፣ ካብ ምስልምና ናብ ክርስቲና ብምቅያራን
2ይ፡ክርስቲያን ሰብኣይ ብምምርዓዋን ኢዩ።
ብትውልዳ ሱዳናዊት ዝኾነት እዛ ኣዴ, ብዘይካ ክርስቲያን ምኻን ካልእ ገበን ከምዘይብላን፥ነቲ ክርስቲያን ሰብኣይ ምምርዓው ግን፥ባርባራዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ  ክርስቲያን ብምምርዓውኪ ዙሙት ኢዩ፡ ክብል፥ ክብል ዕዉር ፍርዲ ሂቡ።
ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ብምቅያራን ዝሙት ብምፋጻምክን ኣብ ዝብል ክሲ ድማ፥እቲ ዕዉር ሕልና ዘይብሉ ቤት ፍርዲ፥ንስኺ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ስለ ተወለድኪ ኣስላመይቲ ኢኺ ዋላ፥ ኣዴኺ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኹን፥ቀይርኪ እንበር ኣስላመይቲ ኢኺ፥ዝገበርክዮ ዲማ ገበን ኢዩ ኢልዋ ኣሎ። ።
ስለምንታይ ካብ ኣስላማይ ተወልደ ዘበለ፥ኣስላማይ ኢዩ ይብል ቁርዓን ኢሉ  ክዛረብ ኣብ ዝፈተነሉ ንዘረብኡ "ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ንክርስቶስ ድማ የፍቅሮ ኢየ፡ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሓመድ ኣይፈልጦን ኢየ።በቲ ትጽወዓኒ ዘለኻ ድማ ኣይትጸውዓኒ፥ኣነ ኣስላመይቲ ኮይነ ኣይፈልጥን ኣይከውንን ድማ ኢየ"።ኢላ ውድቂ ገይራቶ ኣላ።
ብተወሳኺ ድማ ንሳ ድማ ብትሪ ''ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ብክርስቲያናዊ ስነ ምግባር ድማ ኢየ ዓብየ፥ነይረ ፥ብህጂ እውን ክርስቲያን ኮይነ ኢየ፥ዝቅጽል ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ" ክትብል ብትብዓት መሊሳትሉ ዘላ።
እዛ ብገዛእ ወለንተኣ ናይ ቅድስት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተኸታሊት ዝኮነት  ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም በዓልቲ ሓዳርን ነፍሰ ጾርን ኣደ 20 ወርሒ ህጻን ኮይና፥ ሰለ ክርስትና ኣብ ቤት ማሕዩር ምስ ወዲ 20 ወርሒ ማርቲን ወዳ ተዳጊና ንሞት ትጽበ ትርከብ!!።
እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ እዚ ደኣ ናብ ማዕከናት ዜና በጺሑ እንበር፥ብዙሕ ግዜ ንሰባት ኣብ ተፋላለዩ ሃገራት ዓረብን፡ኣፍሪቃን ብሞት ቀጺዑን ኣጋፊዑን፥ ኢዩ።ክንደይ ህጻናት ክዝኽትሙን፥ሰባት ክሃልቁን፥ሰሪሑ ኢዩ፥ብሽም ሃይማኖት እስልምናን ሕጊ ሸሪዓን።ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ምዕብልቲ ዓለም ንሰብ ንሕና ዝኣመናሉ ዘይ ኣመንካ ኢልካ፥ህይወቱ ከተስእኖ ዘስደምም ኢዩ።እንተ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ግን ነዚ ለሚዱዎ ኢዩ ።
ወ/ሮ ማርየም  ቅድመ ህጂ  ተኣሲራ ከም ዝነበረት ምስ ወዳ ኣብ 2013 ብዘይ ክስን  ገበንን ግን ከም ተፈትሐት ዝዝከር ኢዩ።

ህጂ እውን ከም ብሓድሽ ካብ 7 ለካቲት 2014 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ  ብዘይ ዝኮነ ይኩን ገበን ተኣሲራ ኣላ።ዶግቶር ማርየም ካብ ኦርቶዶክሳዊት ኢትዮጵያዊት አዴን ካብ ሙስሊም ኣቦን ዝተረክበት ኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ኢያ።
ኣቦኣ ጓል 6 ዓመት እንከላ ሰለዝገደፈን ምስ ወላዲታ ድማ ብክርስቲያናዊ ስነ ምግበር ተኮስኪሳ ዝዓበየት እያ።እንተ ኮነ ኣብ ሕጊ ኣስላም፥ቁርዓን፥ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ዝተወልዱ  ከም ሞስሊም ኢዮም ዝቅጸሩ።ስለዚ ወይ ኣስላም ኮይኖም ይቅጽሉ ወይ ድማ፥ብማሕነቅትን ነታ ኣምላክ ዝፈጠራ ነፍሲ፥ብኮንቱ የጥፍእዋ።
ቤት ፍርቲ ሸሪዓ ካርቱም፥ ብተደጋጋሚ ክርስትና ሃይማኖት ክትክሕድ ምሕረት ድማ ከም ዝግበረላ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕድል ወላ እንተ ገበረላ።ዶግቶር ማሪያም ኢብራሂም የሕያ ግን ሃይማኖታ ከም ዘይትቅይር ብምርጊጋጽ፥ ቅኑዕ ውሳኒኣ ኣረጋጊጻ።ኣብቲ እቲ ፍርዲ ዝተዋህበሉ፥'ንወድኺ ተዕብዪ፥ሕራይ ዘይትብሊ፥ስለምንታይ፥ወዲኺ መን ከዕብየልኪ ኢዩ ምስ ተባህለት" ብትብዓት ን ወደይ የሱስ ከዕብዮ ኢዩ፡ካብ ፍቅሪ ወደይ ፍቅሪ ኢየሱስ መሪጸ ኣለኹ።ወደይ ድማ ዓብዩ ኢዩ፡ወዲ ክልተ ዓመት ኮይኑ "ክትብል ተባዕ ሃዋርያዊ ግብሪ መልሲ ሂባ ኣላ።
ውሳነ ዶግቶር ማሪያም ንብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣገሪሙን ኣርእስቲ ኮይኑን ኣሎ።ብዙሓት እውን"ሓርበኛ ናይ ዘበና ናይ እምነት ኣዴ ክብላ ሞጊሰንኣ ኣለዋ።ዶግቶር ማርያም ልዕሊ ዝኾነ ን ጎይታና ኢየሱስ ከም ኩሎም ቅዱሳን ሃዋርያት፥ብትብዓት፥እስከ ፍረዱ ንኣምላኽዶ ንሰብ ምእዛዝ ይበልጽ ኢሎም ዝሓለፉ።ክትሓልፍ ምውሳና"ናይ ዘበና ተባዕ ሃዋርያ ከብላ ኪኢሉ ኣሎ።
 http://www.ilsussidiario.net/News/Esteri/2014/5/17/MARIAM-YEHYA-IBRAHIM-Puo-una-madre-amare-Gesu-piu-del-figlio-che-ha-in-grembo-/499685/
ነዚ ውሳነ እዚ ምስ ወሰደት ድማ ኢዩ፥እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን፥ ሚእቲ ግርፋት  ድሕሪ ምውላዳ ብማሕነቅቲ ህይወታ ክትሓልፍ፥ ናይ ሞት ፍርዳ ከም እትወስድ ትማል ሓሙስ ዕለት 15/05/2014 ዳኛ ቤት ፍርዲ ዓባስ ኣል ከሊፋ ውሳነ ዝሃበ።
እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ከም እትክእል ገሊጹ፡ኣብቲ ወቅቲ ብዓሰርተታት ዝቅጸሩ ህዝቢን ፈተውቲ ፍትሕን ተጣበቅቲ መሰል ወዲ ሰብን፥ ክርስትያናትን፥ ናይ ክርስቲያን፥ናጽነት መሰሎም፥ ንክሕሎ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ጥርዓኖም ከስምዑ ከለው።

Monday 5 May 2014


መንዩ ተሓድሶ መን ኢዩኸ ዘይተሓድሶ ኣንባቢ ይመልሶ ፤፤
1ይ ክፋል
ብዙሕ ግዜ ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ዝብል፡ምሕዳስ እንታይ ምኻኑ ኸኣ ክፍትሽ ተደረኽኩ፡ብፍላይ ድማ ንገለ ገለ ቁሩብ ወንጌል ንዝሰብኩን፡ስጉም ንዘበላ ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ከምኡ ክበሃላ፥ ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፡ክንደይ ሰባት እውን ተሓድሶ ክብልዎም ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ንኸመይ ዝበሉ ከም ትወሃብ ክፈልጥ ድማ ነቶም ተሓድሶ ኢዩ፡ ኢሎም ሰባት ክጸርፉ ዝውዕሉ ክሓትት ተደሪኸ፡ኣይንሕደስን፥ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ንዝብሉ ኮፍ ኣቢለ ምስ ኣዛራረብኩዎም፥ድማ ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ክብሉ እውን ሰሚዐ ኣለኹ።እንተ ኾነ እቶም ተሓድሶ ኣይኮነን ዝብሉስ እንተስ ፈሊጦም እንተስ ኣይፈለጡን ተሓድሶ ኮይኖም ኢየ ዝረኸብኩዎም።ቁሩብ እቲ ከይተሓደሰ ዝጸንሓኒ ልቦም ጥራሕ ደኣ እንበር ፥ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ዘይኮኑ ምኻኖም ጥራሕ እቲ ፍልልይ ድማ ረኺበዮ።
እንታይ ኢዩ እቲ ተሓድሶ ዘብል ዘሎ ተበልና ድማ፥ተሓድሶ ማለት ብያረዳዊ ዜማ ገይሩ ዘይጥቀም ኢዩ ይብሉ፡ኣብቲ ማሕበር ማሪያም ኢና ዝብሉ ዘውጽእዎ መዐሸዊ ገርሂታት ዝኾነ ቪዶ እውን ርኣዩ ተሓድሶ ዝጥቀምሉ ኢሎም፡ነቲ ዘይ ያረዳዊ ዜማ ዝበልዎ፥ክኸሱ ይርኣዩ።ነቲ ንሶም ዝዝምርሉ ተረኣኹዎ ኸኣ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ዘራኽብ ዘይብሉ።ወይለይ መን ደኣሉ ተሓድሶ ዝብል ሓሳብ ኣልዓልኩ እሞ ኣንባቢ ይመልሶ ዝብል ምስ መጸኒ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝመረጽኩ።
እስከ ንርአ ኣየናይ ኢዩ እቲ ያሬዳዊ ዜማ ኣየናይ ኢዩኸ እቲ ዘይ ያሬዳዊ ዜማ፥ ኣብ ታሕቲ ተኻታተሉ።ንምኻኑ እዞም ከም ሰይጣን ዝኸሱ ንባዕሎም ዝትቀምሉ መዛሙር ያሬዳዊ ዜማ ኣይኮነን ።ከበሮ ትሪም ተበለት ዶኾን ኢዮም ያሬዳዊ ዜማ ኢዩ ኢሎም ህዝቢ ብምቲላል ንዝጸልእዎምን ንንፍዕ ዝበሉን ግን ክንጽልዎም፥ክልህልሁ ዝርኣዩ ዘለዉ።
ንምኻኑ ግን ተዋህዶ ኣይተሓደሰትን ዲያ፧ 
ቅድም ናብኡ ምእታወይ ግን ቤተ ክርስቲያን መቸስ ቅድመ ዜማ ቅዱስ ያረድ፡ዝነበረት ኢያ።ኣስታት 700 ዓመታት ቅድመ ቅዱስ ያሬድ ነይራ ኣብዚ ምድሪ ብምንታይ ትጥቀም ነይራ።ሽዑ ድማ ምስ ዜማታት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ እሞ ሶርያ ዝመሳሰል ዓይነት ምህለላን፡ኪርያ ላይሶንን(Latanea ሊጦን) ከም ናይ ሃገርና ውዳሴን መንፈሳዊ ደርፍን ዝመሰለ ዓይነት ዜማ ምስ ጸንሑ።ንዕኡ ተኪኡ ግን ድጉዓ(ድጓ )መዝሓፈ ዜማ ቀዳማይ ክፋሉ፡ተኣታቲዩ ማለት ኢዩ።እዚ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ኢዩ።ተሓዲሱ ወይ ድማ እቲ ጥንታዊ ዝነበረ ክቅየር ከሎ ድማ ንርእይ።ነዚ ህጂ ሊቃውንቲና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ብከበሮን ጸናሽልን ገርካ ማለት ኢዩ ዝተቃናበረ።
ነዚ ክካታዕ ዝፍትን ካብ ጉጅለ ጸማም ሓደ ደርፉ፥ቅድመ ምምጻእ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይሲ ቤተ ክርስቲያን ብምንታይ ገይራ ትግልገል ነይራ ዝብል ሕቶ ክሓቶ ደስ ይብለኒ።:ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣብ 700 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ወይ ድማ (ካብ 550-664) ክፍለ ዘመን ዝተቃላቀለ።ዝተኣታተወ እዚ ዜማ ዝመጸ ቅድሜኡ ኸ ብምንታይ ገይራ ኢያ ትግልገል ነይራ ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግብኦ።ዶዋላስ ኦርቶዶክስ ድሕሪ 700 ዓመታት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣይነበረትን ኢያ፧።ኣይነበረትን ተኾይኑ ኣንባቢ ይምዘን፥ነይራ እባ ተደኣ \ኮይና ግን ተሰማሚዕና ብምንታይ ገይራ እሞ ትግልገል ነይራ።ወይሲ ተሓዲሳ ኢያ፧።
ካብኡ ቀጺሉ ዝስዕብ እውን ተዋህዶ ካብቲ ቅዱስ ያሬድ ዝገደፈልናስ ዜማስ ኣላዶ የላን።መምህራን ጎንደር እካ ደኣ ባዕሎም ዝወሰኹዎ ሸብሸቦ ተኣታቲዩ ኢዩ።ነዚ ያሬዳዊ ዜማ ኢዩ ክብለኒ ተኾይኑ ታሪኽ ኣንብብ ይብሎ።ነዚ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ዝዝምርዎ ዘለዉ መዝሙር ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት እውን ተሓድሶ ገይሮም ዘተኣታተዉዎ ኢዮም ፥እንበር ኣይነበረን፥፥መን ደኣሉ ተሓድሶ፧መንከኣ ኢዩ ዘይተሓድሶ ኣንባቢ ይመልሶ።ያሬዳዊ ዜማ ኣብ ታሕቲ ክንርእዮ ክንፍትን ኢና፥እዚ ኹሉ መዛሙር ዝዝመር ዘሎ ግን፥ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ዘተሓሕዝ የብሉን።ነዚኸ ዘርዲኦም ዲዮም ሲኢኖም ዋላስ፥ነቲ ለውጢ ባዕሎም ጥራሕ ዋናታት ክኾኑ ስለዝደልዩ ኢዩ ድልየቶም ክገልጹዎ ኢና ንጽበ።
እንተ ተዋህዶ ግን ተሓዲሳ ኢያ። ብዙሕ ግዜ፡ንሕና ሰብ ፋሕ ከይብልን ኢልና እንበር፡ክሳዕ እምነት ዝተቀየረ ኣሎ።ቅድመ 1400 ዓመት እካ ተሓድሶ ተገይሩን ተገይሩን፥ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኽተኣታቶ ዲማ ኣስታት 400 ሞኖኮሳትን ካህናትን ተቀቲሎም ኢዮም።እዚ ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዝሃሲ ክሓልፎ ኢየ፡ስለምንታይሲ ዕላማና ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕንወት ንምድሓን ደኣ እንበር ከነዕንዋ ሕልምን ባህግን ስለዘይብልና፡ምስ ቤተ ክርስቲያን ድማ ባእሲ ስለዘይብልና እታ ቤተ ክርስቲያን ንሳ ድማ ናትናን ኣዴናን ስለዝኾነት፡ንዓኣ ዝሃሲ ክንገብር ሕልናና ኣይፈቅድን ኢዩ።እዚ እኳ እዞም ሰብ ዘታሊሉ ርእሶም ክፍትሹን ህዝቢ እውን ዘዛርቦም ዘሎ ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ናይ ረብሓን፥ጠቅምን ጉዳኣይ ምኻኑ መታን ክነቅሓሉ እንበር።
እስከ ኣርሒቅና ከይከድና ዝጸንሓና ኦርቶደክሳዊ ባህልን ዘሎ ህጅን ንፈትሽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ክሳዕ ህጂ ዘይጠፍአ ስለ ዘሎ፥ንመርትዖ ክሕግዘኒ ተስፋ ይገብር፡ልሙድ ባህልና ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን ጥራሕ ኢዮም ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኸዱ ነይሮም።እቶም ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ እውን ኣንስቲ ይኹኑ ሰብኡት ዳዊቶም ደጊሞም ቅዳሴኦም ሰሚዖም ደኣ ኢዮም ዝምለሱ ዝነበሩ።
ተኾነ ቤተ ክርስቲያን ስለ ተሓደሰትዶ ኣይኮነን ኣዋልድን ኣወዳትን፥እኳ ደኣ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን በዚ ኢያ ተዓዊታ ተባሂሉ፡መዝሙር ክዝምሩን ኮፍ ክመሃሩን፥ መዘምራን ኮፍ ኢሎም መንእሰያት ናቶም መዝሙር ከቅርቡን፥ስብከት ከስምዑን ንርእይ፡።ኮፍ ኢሎም ክመሃሩን፥ካብ ያሬዳዊ መዝሙር ፍልይ ዝበለ ከቅርቡን ንርእይ ዘለና፡እዚ ተሓድሶ ዶ ኣይኮነን ኢዩ፧።
እሞ ቤተ ክርስቲያን ኣይትሕደስን ኢሎም ዝቃወሞ ተኾይኖምሲ ስለምንታይ ፈጸምቲ ናይዚ ጉዳይ እዚ ኮይኖም።ናብቲ ናይ ቀደም ቅድመ ሚኢቲ ዓመት ነበረ ግርም ንመለስ፧።
ታይ ዲያስ ኣይተሓደስናን ዲና ዋላስ ዘርድኦም ሲኢኖም ከም ተሓደሱ፦ ተሓድሶ ሓድሽ ነገር ምትእቲታው ተኾይኑ ደኣሞ ቀደም ከመይ ዲዩ ነይሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያና፧ ዋላካ ነዚ ክኽሕዱዎ ተፈተኑ እቲ ዝኣምኖ ህዝቢና ግን ነቲ ሓቂ ከምዘይ ክሕዳ እፈልጥ ኢየ።
ቀደም ኣቦታት ካህናት ዲያቆናትን ኢዮም፥ነጋሪት ከበሮ ምስናይ ጸናጽል፥ክዝምሩ ንርእይ ነይርና፡ሎሚኸ እኳ ደኣ ዘይተለምደ ኣዋልድ ከበሮ፥ገይረን ክዝምራን ክዘላንዶ ንርእይ ኣየለናን ኢና።ታይ ዲያስ ኣይተተሓድሶንዶ ኢዩ እዚ፧ ኣይኮነን ዲዩ እዚ፧ ዶ ዋላስ መጽሓፍ ቅዱስን ኢየሱስን ኢዮም ዝጽልኡ ዘለዉ።
መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ተራ መንእሰይ ክሳዕ ዲያቆናት ። ክህነት ክሳዕ ዘይብሎምን ፥ወይ ድማ መምህራን፥ መዘምራን፥ጎንደር ብፍሉይ ተማሂሮም ዝመጹ(መዘምራን ክብል ከለኹ፥እዞም ትምህርቲ ሰንበት ኣይኮኑን መዘምራን ማለት መምህራን መሪጌታት ወይ ድማ ቢኣዛራሪባ ባህልና፥"ደፋትር"እንብሎም ኢዮም) ንሶም ተዘይ ኮይኑ፥ ኣብ ኣርተር ወጺእካ ሚምሃር ስርዓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይጸንሐናን።ነይሩ ዝብል ግን መርትዖ ከቅርበለይ ተስፋ ይግበር ከም ዘይረክብ ግን ርግጸኛ ኢየ።ስለምንታይሲ ኩላቲና ነታ ዝወለደትና ቤተ ክርስቲያን ኣጽፊፍና ስለ ንፈልጣን ኣብኣ ስለዝዓበናን።ኣይኮነን ዲዩ፧።
ሎሚ ግን ቤተ ክርስቲያን ስለ ተሓደሰትዶ ኣይኮነን ኢዩ።ዲያቆናትን፥መንእሰያትን፡ ኣብ ኣርተር ኦርቶዶክስ ንመጀመርያ፥ክምህሩ ንርእይ ዘለና።ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ።ምናልባሽ ገለገለ ሰባት ድቁና እውን ክህነት ኢዩ ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ካህን ማለት መስዋእቲ ዘዕርግ፥ኣምሳለ ክርስቶስ ኢዩ።ዲያቆን እሞ ስርሑ ተለኣኺ ማለት ኢዩ።እሞኸ እዚ ተሓድሶ ዲዩ ኣይተሓድሶን፧።ንምንታይ ደኣ ብዘይ እዉጅ ተሓድሶ ክንስኻ ንኸተጥቅዖም ዝደለኻ ሰባት ዘይ በዓል ክስቶ ደኣ ተሓድሶ ኢዮም ምባል።ንስኻኸ ኣይኮንካን ፧።
ዋላስ ነዚ ገርሂ ልቡ ህዝቢና ከም መራሒኹም ኢሳይያስ ከተሽክዕዎ ደሊኹም።መስኪን ህዝቢ መራሕቲ ፖሎቲካስ መሽካዕቲ መራሕቲ ሃይማኖትን መሽካዕቲ፡ግልጺ ኮይና እንዶ ግዳ ነዚ ህዝቢ ንምርሓዮ።ን ቤተ ክርስቲያን ዕቤት ዝህባ በዚ ስለዝኾነ ንኸይድ ኣሎና ምባል ጽቡቅ ኢዩ፥ነዚ ህዝቢ ነታ ሃገር ዝኸውን ሰላም ኣምላክ ካብ ሰማይ ንኽወርድ።
ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክስ ጓል ጉልባብ ደኣ እንበር ቆቢዕ ክትገብር ኣብ ዓለም ምሉእ የሎን፡ዝመነነት ተኾይና ንሱ ኢዩ፡ኣብ ካልኦት ኦርቶዶክስ እውን እዘን ኩለን ደናግል፥ማንዲል ዝመስል መጎልበቢያ፥ገአይረን ኢና ንርእየን፡።እዘን ኩለን ቆቢዕ ኣኽሊል ገይረን ዝዝምራኸ ደኣ ካበይ መጸ እዝስ ምሕዳስዶ ኣይኮነን፧ተሓድሶዶ ኣይኮነን እዚ፧
ይቅጽልልናብ 2ይ ክፋል//////