Post più popolari

Tuesday 25 December 2012

ቃል ኪዳን

                      ቃል ኪዳን

ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ፡ነቲ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ስርዓተ ቃል ኪዳን ክንምልእ ኢና።ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክትታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”፡በለና።
እቶም ሓደ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን።ካብታ ቃል ኪዳን ዝኣስሩላ መዓልቲ ኣትሒዞም፡መማኽርትን መኻይድትን ፡መዛይትን፡ኣብ ሞት ኮነ ጸገም፡ተሓናገርትን፡ደኣ ኪኾኑ ኣለዎም እንበር።እታ ጓል ብዛዕባ ሓዳራ ሰብኣያ ገዲፋ ክትዛተ፡እቲ ሰበኣይ ከኣ በዓልቲ በይቱ ገዲፉ ምስ ኣዲኡ ክዛተን ክማኸርን፡ቀረባኡ ወለዱ ገይሮም ክርእይን ኣይግባእን ኢዩ።
እው ብልክዕ ኢዩ።ንሕና ካብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተኾስኪሱ ዘይዓበየ፡ሕብረተ ሰብ ስለዝኾናን። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ባህሊ ተመስረተ ሂወት ዝነበረና ሰባት ስልከ ዝኾና።፡ነቲ ምስጢር ተኽሊል ቃል ኪዳን ፍጹም ክሳዕ ህጂ ኣይተረዳእናዮን ዘለና።ስለ ዘይተረዳእናዮ ነቲ ምስጢረ ተኽሊል ድማ ኢና፡፡ካብ ሰበይትና/ወይ ካብ ሰብኣይና ኣደና፡ሓውና ሓፍትና፡ቤተ ሰብና ዝቀርቡና ኾይኑ ይስመዓና ኢዩ።
እዚ ግን ኣጻር ቃል ኣምላኻ ኢዩ።ጎይታ ኣቦን ወድን፡ ኣደን ጓልን ሓደ ኢዮም ኣይበለን።ኣምላኽ ኣሕዋት ሓደ ኣካል ኢዮም ኣይበለን። ን ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ ሓደ ኢዮም በለ።(ማር10፡8)ክልቲኦም ሓደ ስጋ ደኣ በሎም እንበር፡ክልተ ስጋ ኣይበለን።እሞኸ ኣካልካዶ ይቀርበካ ዋላስ ፡ካልእ ኣካል !!??።ቀንዲ ቃል ኪዳን ዝፈርስ ዘሎ ሎሚ ድማ በዚ ኢዩ።ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን ዝግበር ዘሎ፡የቆጥዖ ኣሎ!!።
በዚ ድማ ኢዩ ፡ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ዝተባህለ(ማቴ19፡4-7)።ብምባል ጎይታና ዝመሃረ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን እዚ ምስጢር እዚ ዓቢ እዩ ኣነ  ግና ብ ክርስቶስን ብ ቤተ ክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ።(ኤፌ5፡32 )ብምባል ሓድነት ሰበኣይን ሰበይትን ክሳዕ ክንደይ ረዚንን ከቢድን ጥንቃቀ ከም  ዘድልዮን ገለጸ።ስለዚ መርዓዊ ብ ክርስቶስ መርዓት ብ ቤተ ክርስትያን ተመሲሎም እዮም እሞ፡ ሓድነቶም ብ ተኽሊል የጽንዑ፡ ብሩኻትን ቅዱሳንን ንምውላድ ኬብቆዖም ከኣ ሕጊ ተክሊል ይፍጽሙ።
ተኽሊል እትፍጽማ፡ ስርዓት ንኸተማልእ ፡ንኽትፍጽም ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ካብ ኣምላኽ ነቲ ቃል ኪዳንካ ዘጽንዕ ሓይሊ ክትቅበል፡ኢድ ኣምላኽ ክሓብሮ፡ኮይኑ።ቤተ ክርስትያን ምስጢረ ተኽሊል ኢላትሉ ዘላ ድማ እቶም ክልተ ተጻመድቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ መጺኦም ቃል ኪዳን ክኣስሩ ከለዉ፡ሰብ ብዘይሪኦ ምስጢራዊ ብዝኾነ ረቂቅ ነገር ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝገብሮን ሓደ ክኾኑ ከለዉ ድማ ክንሪኦን ክንበጽሖን ስለ ዘይንኻልን ኢዩ።ብሓቂ ድማ ንዓና ምስጢር ኢዩ።
ትዘሕዝን  ግን ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ/ክርስትያን መጺኦም ።እቲ ክርድእዎ ዝግብኦም ሕጊ መውስቦ ከይፈለጥዎ፡ እቲ ማሕላ ፈጺሞም ክጠልሙን ክጠልማን ይርኣዩ። ንሱ ፈቲሑዋ ይምርዖ ንሳ ፈቲሓቶ ትምርዖ።ነዚ ንምጽራይ ሎሚ ንኻህናት ክሳዕ ሂወት ክንከፍል ክሓተና ኢዩ።ክንከፍል እውን እውን ዱሉዋት ክንከውን ኣለና።ተዘይ ኮይኑ ኢክርስትያናት ኮይና ክንነብር ኢና።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል..
                 etiqalsgakone@gmail.com

Tuesday 18 December 2012

ኣላትና


                                   ኣላትና
                             
ኣላትና ጽብቅቲ ከተማ
ትዳለወልና ኣላ ኣብ ሰማይ ተሰሊማ
ሓዳስ ከተማ የሩሳለም ሽማ

ሓዘን ጋሂ ወጽዓ ዘይብላ
ብዘይካ ዕልልላ እህህታ ዘይብላ
ንብዓት ካብ የዒንትና ዝድረዘላ
ምስ ሕያዋይ ኢየሱስ እንጸናንዓላ
ካብ ኩሉ ጸቅጢ ወጺእና ርእስና ነቅንዓላ
ከተማ እቲ ገንሸል ትመጽእ ኢያ ዘላ
ንልብና ከተዕርፎ ከነቃልሕ ዕልላ

ኣላትና
ዋላ ኣብዚ ምድሪ እንተ ጠዓመና
ዓለምን ህዝባን እንተተላዕሉና
ሃገር ኣላትና ሕዛእቲ በይንና
ብሓጎስ ነነብረላ ናይ ኢየሱስ ዝኾና
ገጽ ንገጽ ንርእየላ ምስ ልዑል ጎይታና

ካብ ሰማይ ክትወርድ ኢያ መርዓት እቲ ገንሸል
ምድማቃ ክቡር እምኒ ኢያስጲስ ትመስል
ብኽያትና ከብቅዕ ኢዩ ክንብል ኢና እልል
ኣብቲ ብወርቂ ዝተለበጠ  ከታማ ‘ትልዑል
ክገሃደልና ኢዩ ሽዑ ክብሪ ናይቲ ልዑል

ባዕሉ እቲ ልዑል ክኸውን ኢዩ መቅደስና
ኩሉ ክንርስዖ ኢና ናይ ምድሪ ነገርና
ብዘይ ዕንቅፋት ኣብኡ ከነምልኾ ኢና
 ስሙ ክጽሓፍ እዩ ናይቲ ገንሸል ኣብ ግንባርና
ናይቲ ገንሸል ዝፋን ክነብርዩ ምሳና

ትመጽእ ኢያ ዘላ ትጽቢትና ኮንቱ ኣይኮነን
እዛ ዓለም እዚኣ ክትሓልፍ ኢያ ግድን
ግርማታትን ክብርን ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ ግድን
እቲ ዘጸይፍ ዝገበረ ግን ኣብዛ ትመጽእ ክፍሊ የብሉን
ጥራሕ ንጠንቀቅ ንዓኣ ከይንስእን
ንኹሉ ንሕደጎ ሓሳብና ናታ ይኹን

ኣላትና ከተማ ድሕሪ እዛ መረት
ካብ የዒንትና ክደርዞዩ ሽዑ ንብዘሎ ንብዓት
ኣብኣ ሓዘን የሎን ከምኡ እውን ሞት
ንብዘሎ ከሕድሶ ኢዩ ትኸኣሊ ኣብቲ ሰዓት
ሓጎስና ዝወስዶ የለን ምሳናዩ ንዘንትለት
ሃሌ ሉያ ክንብል ኢና ክንህቦ ኢና ዒበት
ነባሪት ከተማ ዘይብላ ፍጹም ሕልፈት
ብርማኡ ዝተመልአት ብጽድቂ ዝወቀበት
ንጽበ ኢና ዘለና ክትመጸና ነቋምት
            ቀሺ/ሙሴ-ሽሻይ።

ኢየሱስ ይኹሕኲሓካ ኣሎ ክፈተሉ ??።

            ኢየሱስ ይኹሕ ኲሓካ 
            ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።
                                
ክቡር ሓወይ ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ኮን ን ኣምላኽ ልብኻ ዓጺካ እትነብር ዘለኻ !!!።ዘሕዝን ምርጫ ኢዩ።ናብ ገዛኻ ሓደ ፕረሲደንት ናይታ ዘለኻያ ሃገር ኣብ ገዛኻ ከዕርፍ ምሳኻ ክድረር ተዝብለካስ እንታይ ኮን ምተሰመዓካ?።ርግጸኛ ኢየ፡ብሓጎስ ከም እትቅበሎን፡ንብዙሓት የዕርኹትኻ እውን፡ ደዊልካ ዋው ፕረሲደንት እከለ እንድዩ ደኣ ከዕልለካ ክመጸካ ኢሉኒ።ኢልካ ገዛኻ ከም ተጸባብቅን ገዛኻ ከም እተጽርን፡ከም እትነግሮምን።
እቶም ምስኡ ዝመጹ ኣጋይሽ ክሕጎሱ ድማ ሓድሽ መንጻሕ ዓራትካ ከም እተንጽፈሉን፡ሳሎንካ እውን ጽሩይ ልብሲ ከም እትገብረሉን ።ጽሩይ ክዳን ተኸዲንካ ከም እትጽበዮን።ዋእ እሞ ክወጽእ እንድየ፡ካልእ መዓልቲ ክቅበለካ ድማ ከም ዘይትብሎን።ፕሮግራምካ እኳ ደኣ ሰሪዝካ ንዕኡ ከም እትህቦ ርግጸኛ ኢየ።
እሞኸ ደኣ ነቲ ናይ ጎይቶታት ጎይታ(1ይጢሞ፡6፡16) (ራእ19፡16)እቲ ገሊጽካ ዘይውዳእ ክብሪ ዘለዎ።ኣብ ገዛኻ ክድረር ክብለካ ከሎ ፡ልብኻ ብንስሓ ሓጺብካ፡ የእምሮኻ ብምልኡ ኣብ ቅድመኡ ብምንጻሕ፡ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ ኢልካ።ንውሽጥታትካ ንኹልንትናኻ ኣዳሊኻ ሓድሽ ሰብ ኮንካ፡እንተተጸበኻዮ ፡ንዓ ኣብ ልበይ እቶ ኢልካ ተፍቀድካሉን፡ን ጸዋዒቱ ሕራይ ተበልካን እንታይ ኣለዎ ሓወይ።ግርምቢጥ ኢዩ፡ንስኻ ትረብሓሉ ክንሱስ ብሰናይካ ባህ ስለ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበየካ  ኣሎ ክትከፍቶ።(ሮሜ 10፡21)(ኢሳ65፡2)
ኣታ ሓወይ ናቱ ልኡኻት ሰባት ዘይኮነስ መላእኽቲ ንፋሳት፡ኣገልገልቱ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ኢዩ።(ዕብ1፡7)።ናይ ልዑላን ልዑል ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኾነ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻ ክድረር ኢሉ እንዳ ተዛረበካ፡ምሳኻ ከዕልል ኢሉ እንዳ ጸወዓካ ከመይ ገይሩ ይኸውን እምቢ ክትብል። በጃኻ ምሕረት ክትረክብ ሕራይ በሎ።ሕራይ ተልኩምን ተተኣዚዝኩምንሲ፡ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም፡(ኢሳ1፡19)ኣብየት እቲ ኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾነ፡የእጋሩ ድማ ከም ዜንጸባርቅ ኣስራዚ ሊባኖስ ዝኾነ፡ክቁጣዕ ከሎስ ኣብ ቅድመኡ መን ደው ክብል ይኽእል።(ራእ19፡12) ኣብ ርእሱ እውን ዘውድታት ኣለዎ።ብጃካኡ ሓደ እኳ ክፈልጦ ዘይኻል፡ጽሑፍ ስም ኣለዎ።ሎሚ ከም ፍቃዲ ክትነብር፡ን ዓለም ጸሊእካ ንእስነትካ ክትውፍየሉ።ኣብ ቅድመኡ ክትንሳሕ፡ምሳኻ ክድረር በዚ ቃሉ ገይሩ ካሕኳህ አብል ኣሎ ክፈቶ ግዳ በጃኻ።
ንሱ ነቶም ንወንጌሉ ዘይተኣዘዝዎ ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈዲ ኢዩ።(2ይ ተሰ1፡8)እሞኸ ኣታ ሓወይ ንምንታይ ግዜ ትወስድ በጃኻ ሎሚ ልብኻ ክፈተሉ፡ምሳኻ ክድረር ይደሊ ኣሎ።(ራእ3፡20)”እንሆ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳህ ኤብል ኣለኹ።ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ክድረር  ኢየ፡ንሱ’ውን ምሳይ”።ይብለና ኣሎ።ሎምስ ክትቅበሎ ግዲ ትኸውን !!!።
ንሱ ከምዚ ኢሉ፡-(ዮሀ15፡22)”ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም ፡ሓጢኣት ኣይምዂኖምን ነይሩ፡ህጂ ግን ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።”ይብል ኩቡር ሓወይ ኣይፈለጥናን ከይንብል መጺኡ ባዕሉ ነጊሩና ኢዩ።በጃኻ ጎይታ እንሆ ኣብቲ ኣፍ ደገ ልብኻ ክፈቶ።ንሱ ካባኻ ዝደልዮ ብኡኡ ኣሚንካ ምንሳሕ እንብራ ካሊእ ነገር የለን።(ሚልክያስ6፡8)”ኣታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፡እግዚኣብሄርሲ ቅንዕና ኽትገብር፡ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ምስ ኣምላኽካ’ውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮይኑስ ፡ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኣሎ።”በጃኻ ንዓ ጠዓሞ መኣዲ ጎይታ።
(ራእ13፡9)”ሰብ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ ይስማዕ”(ማር4፡23)ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”(ማቴ13፡9)እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ”(ማቴ11፡15)(ማር7።16) እግዚኣብሄር ክንሰምዕ እዝኒና ከፊቱ፡ዘስተውዕል የእምሮን ልብን ይሃበና።
      እግዚኣብሄር ይደግፍ
            etiqalsgakone@gmail.com

Sunday 9 December 2012

ካልእ ወንጌል ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ መንግስትኣብ 1ይ ክፋል ስሕተትን ኣሰራርሕኡን


                            ካልእ ወንጌል 
                     ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ  መንግስትኣብ
                   1ይ ክፋል  ስሕተትን ኣሰራርሕኡን
                                  
ካብዚ ቀጺልና ብኹብር መምህር ቀሺ ዶግተር ተኽልኣብ መንግስተኣብ። ነዞም ናይ ሎሚ ኣብ ኣዳራሻት  መንእሰያት ዝገፉ ዘለዉ ዘቃልዕ መጽሓፍ ካብ ዘሕተምዎ ትምህርቲ ከነቅሪበልኩም ኢና።ምክቲታልኩም ከይፍለየና ድማ ብኣኽብሮት ንሓትት።
ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ስጋዊ መነባብሮና ንዝኾነ ይኹን ከይመርመርና እንቕበለሉ እዋን ኣዝዩ ዉሑድ እዩ።ስለዚ ድማ እዩ ጠቐምቲ ዝበሃሉ ነገራት ብብዙሕ መንገዲ  እንተ ተገልጹልና እኳ ግርህ ኢልና ምቕባል እንድንጕ ። እቲ ዘሕዝን፡ሰብ ናብ ሓጢኣት ናብ ጥፍኣትን ዘውድቑ ነገራት ክቐርቡልና ከለዉ ግን ብዘይንቡር ገርህነት ሃንደፍ ኢልና ንቕበሎ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱሳና ኣብ ምሳ22፡3 (ምሳ27፡12) ኣስተውዕል ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ ገርህታት ግና ንቅድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጉድኡ ብምባል ጠቒስዎ ዘሎ፡ሓዲግ ገርህነት ን ጉድኣትና ደኣ እምበር ንድሕነትና ከም ዘይጠቅም ከነስተውዕል የድልየና።
 ገርህነትና ከም ናይ ናትናኤል ን ጎይታን ንሓቂነቱን ጥራይ ክሕዛእ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ።ገርህታት ዝኣክል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት ፡ነቲ ሰራቂ ዝኾነ ሰይጣን መዓይይቱን እንተ መጢናዮ፡ጉድኣት ነፍስና መዳርግቲ ኣይክርከቦን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ን ሰብ ሮማ ክምዕድ ከሎ፡”ንሰናይ ብልህታት።ንእኩይ ድማ ገርህታት ክትኮኑ ፡እደሊ ኣለኹ”። ዝበለ ንሳቶም እኩይ ንምግባር ገርህታት ንክኽዕኑ ደኣ እንበር እከይ ክመጾም ከሎ ገርህታት ኮይኖም ክቕበልዎም ክቕበሉዎ ኣይኮነን ዝምዕድ ዘሎ።
ከምኡ እንተ ዝኸውን እሞ ቅድሚ ሓደ ጥቅሲ ነዚ ዝስዕብ ስምዕታ ኣይምጸሓፈን።”ግናኸ ኣሕዋተይ፡ነቶም ካብቲ እተመሃርኩሞ ምህሮ ምፍልላይን መዐንቀፍን ዝገብሩ ክትዕዘብዎም፡ እሞደኩም ኣለኹ።ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እንበር ፡ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየእዘዝዎን፡ብጥዑም  ዘረባን ምርቃን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ ካባታቶም ኣልግሱ።”ብምባል ነቶም ዘስሕቱ ክግርሁ ከም ዘይግባእ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ሮሜ 16፡17-19)
እቲ ንክርስቶስ ንሓቅታቱን ጥራይ ክኸውን ዝግብኦ ገርህነትና።ሰይጣን ብጉርሒ ክምንዝዓናን ንእኡ ክንገብሮን እዩ ዝደሊ።ሄዋን ከምቲ ንትእዛዝ ኣምላኽ ብ ግርህነት ዝተቐበለቶ፡ብማዕሪኡ ድማ ነቲ ሰይጣን ዝፈሓሰላ ተንኮል ብ ገርህነት ተቐበለቶ፡እቲ ዳሕረዋይን ዘይተደላይን ገርህነት ነቲ ቀዳማይን ንቡርን ገርህነት ስፍራ ኣልቂቕ ድማ ናብ ዘሰቅቕ መደምደምታ።ክመርሓ ተራእዩ።(ዘፍ3፡1-16)
ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ንሕና ሰብ ቁረንቶስ ብንጽሕናን ብገርህነትን ንክርስቶስ ተዓሊሙ ከም ዝዓቢ ድሕሪ ምግባሩ፡ካባታቶም ተፈልየ።ንክርስቶስ በዘን ክልተ ባህርያት እዚኣተን ኣሕጽይዎም ከብቅዕ ብድሕሪኡ ግን ሓደ ኣዝዩ ዘሰክፎን ዘፍርሆን ነገራት ክሰምዕ ጀሚሩ።ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈሎም።”ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ ን ጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።ግናኸ ከምቲ ተመን ብጉርሑ ን ሄዋን ዘስሓታ፡ከምኡ’ ውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዝኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣለኹ።” (2ይቁረ 11፡1-2።)
ከምቲ ኣስዒቡ ኣብ ጥቅሲ 4 ገሊጽዎ ዘሎ ካልእ ኢየሱስ ፡ካልእ መንፈስ ፡ካልእ ወንጌል እናተሰብከሎም ከሎ ስቕ ኢሎም ምዕጋሶም ኣዝዩ ከም ዘፍርሖ ገሊጹሎም።”ስለዚ ሓደ እኳ ፡ንሕና ዘይሰበኽናዮ ፡ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸ፡ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ካልእ ወንጌል እንተ መጸኩም፡ጽቡቕ ገርኩም(ስቅ ኢልኩም) ትዕገሱዎ ኣለኹም።”(2ይ ቁረ11፡4)
ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም ጽቡቅ ዝብል ቃል፡ኣብ ናይ እንግሊዝ ትርጉማት ይኹን ኣብቲ ሓድሽ ትርጉም ናይ ትግርኛ ግን”ስቕ ኢልኩም” እዩ ዝብል።ስለዚ ካልእ ኢየሱስ ዝኣክል እናተሰብከልካ፡ይትረፍ ምቕባሉ እሞ ምስባኹ፡ስቕ ኢልካ ምዕጋሱ ጥራይ እካ ዘይጽወር ስግኣትን ፍርሓትን ዘስዕብ ተርእዮ እዩ። እቶም ኣብ ዓይኒ ጎይትኦም ብሉጻት  ሃዋርያት ግን ፡ካልእ ኢየሱስ ን ወንጌልን፡ይትረፍ ብ ኣፍ ስጋ-ለበስ ሰብሲ ብኣፍ ረቀቕቲ መላእኽቲ ክስበኽ እንተ ዝሰምዕዎ እኳ የውግዝዎም እምበር ኣይዕገስዎን እዮም።ይቅጽል,,,,,,
              etiqalsgakone@gmail.com

ክንደይ ትጥዕም ።


                    ክንደይ ትጥዕም ።             

ክንደይ ትጥዕም ኣንታ ልዑል
ጉድጓድ ተዃዒቱ ኣነ ኣብኡ ከጥሕል
ወጺአ ኣምሊጠ ጠፊኡ ክበሃል
ኣየ ዝናትካ ስራሕ ፍሉይ እዩ ኣታ ልዑል

ኣብየት ከመይ ዝበለ ምሕረት ኢኻ ለጊስካለይ
ኣድሒንካኒ  ካብ ኩሎም ደለይተይ
ዘስግኣኒ የለን በዚሑ ሰላመይ
ዘበን ናቶም ሓሊፉ ዘበነይ መጹለይ
ኣወጀየ ሓርነተይ ኮይነየ ሰዓራይ

ንዓኻ ኣሚነ  ብ ጸልማት ክጋዓዝ
ፈተና በዚሑ ብትጽቢት ክድንዝዝ
ግን ኩሉ ለዊጥካየ ገርካዮ ክእዘዝ
ኣየ  ክጥዕም ዝንዓኻ ምሓዝ

ናይ ዘበናት ጾር ማእሰርቲ ተጻረርቲ
ሕሉፍ ምፍሪራሕ ናይ ሕሱማት መውቃዕቲ
መውጽኢ ኮይኑኒ ሎሚ ክምስክረሉ ምእንቲ
ሓራ ወጸ እየ እየ የብለይን ዓጋቲ
ምሕረትካ በዚሑለይ ኮይነየ ተዓዋቲ

 ተወዲኡ እዩ ትሽግር ተሰጊሩ ትዓቀብ
እቲ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እዩ ኣነ ኣይኮንኩን ዝዛረብ
ሰይፈይ ተዘርግሑዩ ኣይወርድን ካብ መንኮብ
ተበጊሰ እየ እሮማይ ምስቲ እኩይ ክራባረብ
ብሓቂ ምቁር ንዓኻ ምርካብ
                ቀሺ /ሙሴ ሽሻይ
           etiqalsgakone@gmail.com

Thursday 6 December 2012

ማራኪው ጌታ !

ማራኪው ጌታ.!
ኣብ ዓለም ኣብ ካሊእ ይንቨርስ መቸስ ከምዚ ኣምላኽ ኢዚ ዝበለ ስሙ ዝገነነ ዝተመስገነን ።ኣምላኽ የለን።ዘማሪት ህጻን እንቁስላሴ ፍቅሪ ዝረትዓ ብምባል ነዚ ማራኺ ጎይታ ዘሚራትሉ ኣላ እስከ ምስኣ ብምኻን ነስተማቅሮ።

5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?፡


5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?።

ንልበይ ሓፍ ሓፍ ኣቢሉ ካብ የዒንተይ ጋሻ ዉሑጅ ክፍልፍል  ዝገበረ ።ብዙሕ ግዜ ኢየ ብዛዕባኡ ምሂረ፡፡ኣነስ ምንባረይ ስለምንታይ ኢዩ።ለምንታይ ዝነብሮ ናብራ ንሱ ይፈትዎዶ ኣይፈትዎን ክብል ግን ብህጂ ኢየ ጀሚረዮ።ይጥዓም ይሕሰም ሎሚ ቆሪጸ ኢየ።በቃ ንሱ ጥራሕ ይኽበር ንሱ ጥራሕ ይንገስ።ህጂ ኣነ ክሓስር ንሱ ክኸብር ድሉው ኢየ።ይጎዪ እየ ዘለኹ ድምጺ ብ የማን ኮነ ብጸጋም ዘሎ ኣየድልየንን ኣነ ንቅድሚት ምምራሽ ይሕሸኒ።ዝሓለፈ ግዜ ብዘይክኡ ዝሓለፍኩዎ ይኣክል።
ሎሚ እንዳ ጠንቆልትን ደፍተራን ምኻድ የለን።ሎሚ እንዳ ፈወስቲ ምኻድ የለን።ሎሚ ሱር ወዲ ሱር ኣየዲልየንን ኢዩ።ሎሚ ክታብ ኮነ ገለ ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ መውደቅቲ ዛዕጎልን፡ ድግምትን ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ ዝኾነ መከላኸሊ ሰብኣ ስርያ ኣየድልየንን ኢዩ።ካብ ሎሚ ንደሓር  ኣስመኛታትን  ኣብ ልዕለይ ስልጣን የብሎምን።ስለምንታይሲ ነቲ ሓይል ጸግዐይ ዋልታይ ዋሕሰይ ገይረዮ ኢየ።ሎሚ ማንም ዋሕስ ኣየድልየንን ኢዩ። ካብ መን ኢዩ ኸ ዋሕስ ክኾነኒ።እቲ ፈራዲ ንጉስ ኢዩ እኮ ሓራ ኮንካ ኢኻ ኢሉኒ።ሓራ ኣውጺኡኒ።(ዮሐ 8፡36) (1ይ ቆሮ7፡21)(ገላ5፡1)(ሮሜ6፡22-23)እረ ማንም ፈውሲ ብዘይካኡ ኣየድልየንን ኢዩ።እቲ ፈውሲ ናይ ኩሎም ዝሓመሙ ዝኾነ ኢየሱስ ረኺቡኒ ኢዩ።
እወ ብዙሕ ግዜ ነፍሰይ ናተይ ገይረ ኢየ ይሓስብ ነይረ።ነቲ ኩሉ ግዜ ዘንብቦ ግን ከ ስለምንታይ ምዃኑ ዘይተረድኣኒ ቃሉ፡ሎሚ ከስተውዕሎ ከለኹ፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ ናይቲ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልካዮ መንፈስ ኢኻ”ኢዩ ዝብለኒ ዘሎ።ዘገርም ኢዩ።ለከ ኣነስ ናይ ኣምላኽ ኢየ።(1ይ ቆሮ፡6፡19) ግን ከንብቦ ከለኹ ደኣ እንበር ምስ ወዳእኩ ንባብሲ ለከ ኣየስተንትኖንን ስለ ዝነበርኩ ኢዩ።፡ክሃንጸኒ ዘይክኣለ።ዘገርም ነገር ኢዩ።ግን ከመይ ገይረ ኢየ ን ኣምላኽ የገልግሎ ነይረ ክብል ጸኒሐ።ብዙሕ ግዜ ሂወትና ናይ ኣምላኽ ምዃና ስለ ንዝንግዕ፡ስለኣ ብዙሕ ግዜ ኢና ንጭነቅ፡ብዙሕ ግዜ ኢና ንሽገር ንሻቀል ።ኣነ እውን እዚ ኢዩ ሃስዩኒ።ለከ እቲ ምስጢሩ ውሽጣዊ ዘይምልዋጥ ኢዩ።ሎሚ ብ ዛዕባ ነፍሰይ ኣይጭነቅን ኢየ፡ልዕለይ ንነፍሰይ፡ዝሓስበላ ዝሓልየላ ደሙ ከፊሉ ዝዓደጋ ዝተሻየጣ ዋና ከም ዘለዋ ፈሊጠ ኢየ።ኣነ ምስኪን ግን ኣብ ቤት ኣምላኽ ከለኹ ነዚ ከየስተማቀርኩ ዘባኸንኩዎም ግዝየታት ክዝክር ብጣዕሚ ኢየ ዝሓዝን።ከመይ ዘደንግጽ ይመስለኩም !!!።
ሂወተይ ክዝክራ ከለኹ ብጣዕሚ ኢያ ተፈንፍነኒ።እጸልኣ ፡ልበይ ብመስተ ሓቢጡ፡ዋላ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተመላለስኩ ከይተረፈ፡ያኢ መስተ መለለዪ ሃይማኖት ኮይኑ፡ሃይማኖቱ ቀይሩ ከይብሉኒ፡ነታ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ነፍሰይ ብ ፡ዓረቂ፡ቢራ፡ዊስኪ፡ ስዋ፡እንታይ እሞ ዘየማሰንኩዋ።(1ይቆሮ6፡17) ብሓቁ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣጥፊኡ ንዓለም እንተ ተረብሐ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ዝብለና፡(ማር8፡36)ሎሚ ሰብ ከይብለኒ ዘይኮነስ ኣምላኽ ከይብለኒ ዝብል ናብራ ኢየ መሪጸ ዘለኹ።
ግን ዋላ እኳ እዚ ን ኣምላኽ ዘግሂ ሂወት ይነብር ተነበርኩ፡ህጂ ምምላሰይ ግን ንዓይ ህጂ ዝተወለድኩ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ።ኣምላኽ ዝሓለፍኩዎን ዓመታት ከይቆጽረለይ ድማ ይልምኖ፡ሓደ ኢሉ ካብ ሎሚ ክሓስበለይ፡ስለምንታይ ቀደምስ ኣነ ኣይኮንኩን ይነብር ነይረ ።ዓለም ኢያ ኣባይ ትነብር ነይራ።በዚ ድማ ንዓይ እዚ ከም ዕድመ ኣይቁጸርን ኢዩ። ይገርመኒ ግን ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ክጥመቅ ከለኹ ወዲ ኣርብዓ መዓልቲ ኮይነ ዝተሓተምኩዎ፡ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣግህየዮ።(ኤፎ4፡3) ንባዕለይ እንዳ ኣግሃኹዎ ድማ፡፡ክንደይ ግዜ ኢየ፡ንባዕለይ ከይተለወጥኩ ተለወጡ ኢለ ዝመደርኩ።ኣምላኽስ እንታይ ኮን ይስመዖ ነይሩ ይኸውን። ንባዕለይ እንዳ ተጻላእኩ  ከለኹ ኸ ሰላም ንግበር ኢለ ክንደይ ግዜ ዘይመሃርኩ፡ክንደይ ግዜኸ ኣይንቀያየም እንዳ በልኩ ዝይተቀየምኩ፡ክንደይ ግዜኸ፡ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአ ዘይዘመርኩ።ዋእ ምሽ ክስቶ እንሀ ከምኡ ይገብር፡ምሽ ቀሺ ክስቶ ምስ ቀሺ ክስቶ፡ተጻሊኦም ከለዉ ይቅድሱ ምሽ ኣለዉ፡ ኢለ ኸ ክንደይ ግዜ ኢየ፡ምስ ቂመይ ቤት መቅደስ ዘይኣተኹ።(ሮሜ2፡21-22) ።
ሎሚ በቲ ኣነ ዝሓለፍኩዎ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ዘግህን ዘሕፍርን ሂወት ፡ሰባት ክመላለሱ ከለዉ ክርኢ ብጣዕሚ ኢየ ዝድንግጸሎም።ዝሓዝነሎም፡ክንደይ ን ኣምላኽ ዘግሂ ኮንቱ ሂወት ይመስለኩም።ነፍስኻ እንዳ ታዓሻሸኻ ዝንበር ኮንቱ ናብራ።ብየማነይ ብ ጸጋማይ ከምቲ ኣነ፡ነፍሰይ እንዳ የዕሸኹ፡ኣነ ደኣ እኳ ብሰንኪ ቤት ኣምላኽ ኢየ፡ተጻሊአ፡ምስ ክስቶ ተዃሪየ፡ብሰንኪ ቤቱ ብምባል፡ፍቅሪ ክገብር እንዳ ተገብኣኒ፡ናብ ስብክት ምጺአ ዝሰበኽኩዎም መዓልታት ክንደይ ኮን ኢዮም።ክንደይ ከ ኢዮም።ውሽጠይ ከይተለወጠ ብቅንእን ጽልእን ዓቲኸ ከለኹ፡ሕቆይ ክሳዕ ዝስበር ጻዕዳ ነጸላ ተከዲነ እቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ውሽተይ ግን ብጸሊሙ፡ሰላም ክብሉኒ ከለዉ ድንን ኢለ፡ደሓን ዶ ዊዒልኩም ብምባል፡እግዚኣብሄር ይመስገን ዘይበልኩ።በጃኹም ከምዚ ዓይነት ሂወት እትነብሩ ዘለኹም ሰባት ነፍሰ ቅትለት ትፍጽሙ ከም ዘለኹም ፍለጡ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,, ናብ 6ይ ክፋል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,
 etiqalsgakone@gmail.com

Wednesday 5 December 2012

ምስጋና በሰማይ በምድር

                                       ምስጋና  በሰማይ በምድር

Tuesday 4 December 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል።
ኣዳላዊ ቀሺ ሙሴ

ይቅረታ ዋእ እንታይ ደኣ ናብ ሻውዓይ ክፋል ተመሊስና ኢልኩም ትኾኑ ግን ብዝኾነ ጸገም ክትንበብ ስለ ዘይክኣለት ብዝሓተትኩሞ መስረት ንዝርግሓ።ነቶም ሸውዓተ ከይበልካ ዶ ደኣ ሾመንተ ይበሃል ኢዩ።ፈቲሽኩም ደኣ ፖስት ግበሩዎ ዝበልኩምና ድማ ነመስግን።እንሀትልኩም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።እምበኣር ከስ እታ “ክሳብ እትብል ቃል ነቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ኣይኮነትን እተመልክት።
ዮሴፍ ን ማርያም ክሳብ ቦኽሪ ወዳ እትወልድ ኣይፈለጣን፡ከምኡ’ውን ብድሕሪ ምዉላዳ’ውን ኣይፈለጣን።ምኽንያቱ ቅድሚ ልደት ጎይታ ንኽቐርባ እኳ ዝሓነኸ፡ጎይታ ምስ ወለደትን ብድሕሪ እቲ መላእኽትን ተኣምራትን ሰብ ጥበብን ምስ ረኣየን፡ትንቢት ክፍጽሙን ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ምስ ተነግሮን፡ንሱ ወዲ ልዑል ከም ዝጽዋዕ፡ንሱ ኣማኑኤል መድሓን ከም ዝኾነን እቲ ትወልዶ፡ምስ ፈለጠን ደኣ ክንደይ ኣዝዩ ዘይሓንኽ።
ንሱ ኢዩ እቲ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ስሙ’ውን፡ ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ፡(ኢሳ7፡14)ህጻን ተወሊዱልና፡ወዲ ተዋሂቡና ኢዩ እሞ፡እቲ ግዝኣቱ ከኣ ኣብ መንክቡ ኢዩ፡ስሙ’ውን ግሩም፡መካር፡ብርቱዕ ኣምላኽ፡ኣቦ ዘለኣለም፡መስፍን ሰላም ክስመ ኢዩ።ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ህጂ ክሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ክጽንዓን ከቑማንሲ፡ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕብየት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።ቅንኣት እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ነዚ ክገብር ኢዩ።”(ኢሳ9፡6-7)።ምናልባት እቲ መልኣኽ ኣብ(ሉቃ1፡31-32) ዝተዛረቡ ካብዚ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ኢዩ ዝኸውን።
ገለ ገለ ሰባት ድንግልና ኣደና ማርያም ኢየሱስ ምስ ተወልደ ፈሪሱ ኢሎም ይኣምኑ።ድንግል ድንግልናኣ ከይፈረሰ ከመይ ገይራ ክትወልድ ትኽእል ኢሎም ከኣ ብዓይነ ስጋ ይሓስቡ ግን፡ኣብዚ ዝብል ነገር ካብ ተበጽሐ ግን ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ከ ከመይ ገይራ ደኣ ድቂ ትሕዝ ወይ ድማ ክትጠንስ ትኽእል ኢና ንብሎም??!!።ነዚ ግን ኣምላኽ ብትእምርቱ ገበሮ።ንሕና ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ድንግልናኣ ከየርሓወ ካብኣ ተወልደ ኢና ንብል።
ኣሕዋቱ ዝብል ቃል ከ መልስና እንታይ ኢዩ።
ኣብ ኣይሁድ እቲ ሓው ዝብል ቃል ንኣዝዩ ቀረባ ዘመዱን፡ ን ሓው ወዲ ኣቦን እኖን  ዘመልክት ኢዩ።ነዚ ዘመልክት ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ።
1,ብዛዕባ ያዕቆብን ኣኮኡ ላባንን፡ኣሕዋት ተባሂሎም ምስማዮም’
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኻብ ያዕቆብን ራሄልን፡ኣቦኣ ን ያዕቆብ ኣኮኡ ክንሱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኮነ ኸኣ፡ያዕቆብ ን ራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ለባንን ምስ ረኣየ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገልበጦ፡ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን ።ያዕቆብ ከኣ ን ራሄል ሰዓማ፡ቃሉ ዓው ኣቢሉ’ውን በኸየ ነገራ።”(ዘፍ29፡10-12) ኣስተውዕል ያዕቆብ ድማ ን ራሄል፡ንሱ ሓው ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ።” “ሓው ኣቦኣ ምኻኑ ነገራ”ያዕቆብ ግን ሓው ርብቃ ደኣ እዩ፡ክኸውን ዝግብኦ እታ ኣሕዋት እትብል ዘላ ቃል ጥራሕ ን ኣቦኻን ወይ ኣደኣን ዝወለደትልካ ተዝኸውን ነይሩ።ኣብዚ እምበኣር ሓው ዝብል ነቲ ኣዝዩ ቀረባ ዝምድና ንምምልካት ተጠቀመሉ።
ከምኡ ዝኣመሰለ ስርዓት ከኣ ንላባን ብዛዕባ ዋጋ ክዛረብ እንከሎ፡ከምዚ ዝስዕብ በሎ፡”ሓወይ ክንዲ ዝኾንካዶ ብ ኸምኡ ክትግዝኣኒ፡,,,,,”(ዘፍ29፡15)።ኣብዚ እምበኣር ላባን ን ወዲ ሓብቱ ሓወይ ኢሉ ሰመዮ።
2ይ,ኣብርሃምን ሎጥን
ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ኢዩ ነይሩ።(ወዲ ኣሮን) 9ዘፍ11፡31)።ምስናይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኮ ሎጥ ምስ ሰብ ባቢሎን ክንዛረብ እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኣብርሃም ድማ ሓዉ ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፡” (ዘፍ14፡14)።ንሎጥ ወዲ ሓዉ ክንሱ ከም ሓዉ ገይሩ ቆጸሮ ገለጾ።ግን ኣዝዩ ናይ ቀረባ ዘመድ ኢዩ ነይሩ።ንሕና እውን ንባዕልኛ ንገብሮ ኣብ ሂወትናን ባህልናን ኣሎ።
ኣብነት ወለዲና እዚ ከኣ ተላለዮ ኢኻ ሓውኣ ኢዩ፡ሓውኹም ኢዩ፡ክብሉና ብዙሕ ግዜ ከም ዝሰማዕና ጥርጥር የብለይን።ግን ብዛዕባ እቲ ዘመድና ዝኾነ ሓውና ኢዮም።ብዛዕባ እቲ ካብ እኖናን ኣደና ዝተወልደ ኣይኮኑን።ዋላ ገለ ክንምርዖ ተደሊና ዋእ ጓል ክስቶ ሓፍትና እንዲያ ክብሉ እውን ሰሚዕና ንከውን ኢና፡ከምኡ እውን ዘይፈልጡና ሰባት ሓውኻ ይጽወዓካሎ ከም ተበሃልኩም ብገለ ትፈልጡ ትኾኑ፡ኣብዚ ስደት እሞ ኸኣ፡እቶም ደቂ ካልእ ሃገር እቲ ሓውኻ ኢዮም፡ዝብሉኻ። ኣሕዋትካን ኣደኻን ይጽዉዑኻ ኣለዉ ዝተባህልሉ እንበኣር ኣደና ማርያምን ኣዝማዳን ስለ ዝነበሩ ኢዩ።ኣብዚ ኣሕዋት ጎይታ ዝተባህሉ እንመን ተባሂልና ክንሕተት ግቡእ ኢዩ።ይቅጽል,,,,,,,8ይ ክፋል።
      etiqalsgakone@gmail.com

Monday 3 December 2012

4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።


 4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።
                 
ብዙሕ ግዜ ኣነ ንባዕለይ በዞም ሕማማት ተጠቂዐ ነበርኩ፡ከውጽእ ዘኽእል ሓይሊ ግን ካበይ ይምጻእ።ኣብቲ ጥቅሉል መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ህያው ክርስቶስ ምስ ረኸብኩዎ፡ግን ካብ እዚኦም ክወጽእ፡ብዙሕ ግዜ ኢየ ተንበርኪኸ ለሚነዮ።ስለምንታይ ሰጣን ገለ መዓልቲ ብትዕቢት ገለ መዓልቲ ኸኣ ብተፋላለየ ሓጢኣት ገይሩ ስለ ዝርብሸኒ፡ምስ ጸለኹ ናብኡ በጃኻ ሓገዝካ የድልየኒ ኣሎ ኢለ ግን፡ እቲ ኸኣሊ ኣኺሉኒ። ዋላኳ እቲ ሰብኣዊ ባህሪ ክደፍኣኒ ተፈተነ ግን ይዝክር ኣነ ናይ መን ኢየ ኣነ ናተይ ዲየ ናይቲ ኣባይ ዘሎ ህያው ኢየ ይብል እሞ ሕስብ ኣቢለ ይምለስ።
ዘሕዝን ኢዩ።ክንዲ ክርስቶስ ዝኸውን ኣምላኽ ሓደ ግዜ፡ማዕረ ቅዱሳን፡ሓደ ሓደ ግዜስ እረ ከም ቅዱሳን እኳ ኣኽቢረዮ ኣይፈልጥን።ክንደይ ግዜ ኢየ እሞ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ልዕሊኡ ዘይሰራዕኩዋ።ዘገርም ኢዩ።ምስ ዓይነይ ከለኹ ዓዊረ ምስ የእምሮይ ከለኹ ዘምቢለ ኢየ ነይረ መስኪናይ ኣነ።ንፍጡር ደኣ ልዕለ ፈጣሪኡ ትሪኦ ኮንካ።ሎሚ ግን ክብሪ ንስሙ ዓይነይ ምስ ከፈቶ፡ስሙ እኳ እታ ክርስቶስ እትብል ንባዕላስ ክቡር ምዃና ትርጉማ ፈሊጠ።ሎሚ ይርኢ ኢየ ዘለኹ ።ኣደና ጻድቅን ክብርትን ፡ኣደይን ምዃና፡ድንግል ብስገኣ ድንግል ብሕልንኣ ግን ከ ከም ፍጥርቲ ናቱ ፡ትሕቲኡ ብኽብርስ ፍጹም ማዕረኡ ክትመጽእ ዘይትኽእል ምኻና ፈሊጠ።(ኢዮብ 4፡17)እወ ብኽብሪ ግን ልዕለኣን ፈጣሪኣን ፡ንሳ ስርሓት ኢዱ ንሱ ድማ ሰራሒኣ ምኻኑ ሎሚ ምስ ኣስተውዓልኩዎ ቃሉ ተረዲኡኒ።(ኢሳ19፡16)ንሱ ከም ፈጣሪ ቅዱሳን ከኣ ናቱ ኣገልገልቲ።መላእኽቲ ድማ ናቱ ልኡኻት ምኻኖም።ኣብ ቅድመኡ ግን ኩሎም ብምንቅጥቃጥን ብፍርሓትን ዝሰግድሉ ቅንጣብ እኳ ማዕረኡ ክመጹ ዘይኽእሉ ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጠ።መን ኢዩ እቲ መጋረጃ ቀንጢጡለይ ኣይፈልጥኩን ተረዲአዮ።ዝመሃረኒ ግን ኣይነበረን!።
ሎሚ ንዓይ ዘገድሰኒ ብዛዕባ ክስቶ ኣይኮነን።ብዛዕባ ሃይማኖት ክስቶ እውን ኣይኮነን።ሎሚ ንዓይ ዘገድሰኒስ፡ ኣነ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኣነ ኮይነ ዶ ይነብር ኣለኹ ኢየ።ኣነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለኹ ዶ ??።፡ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሂወተይ ከይስእና ጥራሕ ኢዩ ፍርሐይ።ናይ ዓለም ኣይግድሰንን፡ሎሚ ዓለም ዘይናተይ ምኻና ፈሊጠ ኣለኹ።ናይ ሰባት እውን ኣይዕጅበን ጉዳየይ ምስኦም ኣይኮነን፡ ጉዳየይሲ ምስቲ ፋይለይ መዝገበይ፡እቲ ስመይ ተጻሒፉዎ ዘሎ፡መጽሓፍ ሒዙ ዘሎ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ደኣ ኢዩ፡ዘሎ።(ራእ5።5)
ኣይገርመኩምን ዓለም ናተይ ኣይኮነትን ብዙሕ ግዜ ኢየ ኢለዮ።ግን እቲ ውሽጠይሲ ከምኡ ኣይኮነን ደኣ ነበረ።ኣብ ዓለም ከም ዝነበርኩ ዘመላኽቱ ድማ፡ሰባት ሓስዊ ክብሉን ከለዉ ኣነ ሓቀኛ ኢየ ኢለ ብዛዕባ ነፍሰይ ክማጻረን ክማጻደቅን።ሰባት ሓቂ ስለ ዘይተዛረቡ ምስ ሰባት ክታረኽን ግዜይ የሕልፎ ነይረ።እንተኾነ እዚ ኹሉስ ለከ ኣብ ዓለም ስለ ዝነበርኩ ኢየ።ስለምንታይ ውሽጡ ዝተለወጠ ሰብ፡ክስቶ ሓቂዶ ተዛሪቡ ሓሶት ፡ኣይኮነን ዘገዲሶ፡ኣነ እንታይ ተዛሪበ፡ኣነ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘብህግ ሰብ ዲየ ኢሉ ኢዩ ዝሓስብ ንዓይ ሒዙኒ ዘሎ ድማ እዚ ሓሳብ እዚ ኢዩ።
ኣየናይ ሊቅ እንታይ ኢሉ፡ ዘይኮነስ ሎሚ ዘድሊየኒ ዘሎ፡ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ኢሉ ጥራሕ ደልየ ኣለኹ !??።መን እንታይ ይደሊ ዘይኮነ ዘድሊየኒ ሎሚ።ኢየሱስ እቲ በዓል ናዝረት እንታይ ይደሊ።ምኽንያቱ ኣነ ናይ ኢየሱስ ኢየ ፡ኣነ ናይ ካልእ ኣይኮንኩን ብ ደሙ ዝዓደገኒ ናይ በይኑ ደኣ ኢየ።ሓደ ነገር ሓደ ቀደም ተዘከረኒ ፡ምስላ ኣሎ፡ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ተመሃሮ ህጻናት ነበሩ እሞ።ነቶም ህጻናት”ናብ ኣምላኽ ከብጽሓልኩምሲ ደብዳበ ጸሓፉ” በልዎም። ህጻናት ደብዳበ ክጽሕፉ ጀመሩ፡ሓደ ከምዚ ክብል ጸሓፈ “ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ንዓይን ንሓወይን ከክፍልና ስለ ዝሃበና መመደቀሲና ስለ ዘለና ኣይተባኣስናን፡ቃየልን ኣቤልን ግን ከክፍሎም ስለ ዘይሃብካዮም ኢዮም ተባኢሶም”በለ።ሓደ ቆልዓ እውን ጸሓፈ “ዎ ኣምላኽ ኣነ ዝለመንኩኻ ብሽግለታ ንስኻ ግን ኩዕሶ ሂብካኒ።”በሎ።ካብኦም ዝመሰጠትኒ ግን ናይታ ኣዝዩ ምስትውዓል ዘለዎ ደብዳበ፡ ከምዚ ኢላ ዝጸሓፈት ህጻን ኢዩ።”ዎ ኣምላኽ እዚ ለቢሰዮ ዘለኹ ጫማስ ትፈትዎ ዲኻ ዘይትፈትዎ ተኾንካስ ክድርቢዮ”በለቶ።ዘገርም ግን ኣነ ክንዲ እዛ ናይዛ ቆልዓ ዝኸውን፡ምስትውዓል ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘይነበረኒ 17 ዓመት ምሉእ ኣብ ቤተ ክርስትያን።
ኩሉ ዝገብሮስ ዋላ ሓደ መዓልቲ እውን ትኹን እዝስ ትፈትዎ ዲኻ ኢለ ሓቲተዮ ኣይፈልጥን።ንዝኾነ ዝገብሮ ነገር፡ምስ ሰባት ርክብ ዲዩ ፡ኣብ ውሽጣዊ ጉዕዞይ ኣምላኽሲ ይፈትዎ ዲዩ ኢለ ሓቲተ ኣይፈልጥን።ወረ ፍቃድካ ተኾይኑ ኢለ ክልምን ከለኹ፡ዘይፍቃዱ ተኾይኑከ ክኸልኣኒ ኢለ ኣብ ሞንጎ ጸሎአተይ ፡ሰገጥ ዝብለሉ ግዝያት ዉሑድ ኣይነበረን።እዚ ኹሉ ነገር ግን ዘይምልዋ ደኣ ኢዩ ዝነበረ።ንነገራተይሲ ቅድሚ እቲ ዝሞተለይ ክርስቶስ ከይተረድኣኒ ይሰርዖም ነይረ።ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ክዛረበሉ ይኽእል ነይረ ግን ካብኡ ረብሓ ስለዘይብለይ ገዲፈዮ ኣለኹ።ኣብታ ቁሩብ ጭራ ብርሃን ክኣትዋ ጀሚሩ ዘላ ሂወተይ፡ዋላ ናይ ከባቢየይ ኣይግድሰንን። ተጸሊለ ዶኾን ኢየ።
እወ ፍቅሪ እዚ ኩቡር ንጉስ እዩ ኣጸሊሉኒ፡ግን ከ ንዕኡ ምፍቃርሲ ልቦና ደኣ ኢዩ።መን ኢዩ፡ብ ዘየገድስ ብዛዕብኡ ዝነግረኒ ጋና ኢየ ዝጸምእ ዘለኹ።ወንጌሉ ከንብቡለይ ብዛዕባኡ መዝሙር ክዝሙረለይ ከለዉ ካብ የዒንተይ ቡምባታት ኢዩ፡ብዘይ ፍቃደይ ዝኽፈት።ፍቅሩ ፡ፍቅሩ እወ፡ናይቲ ንዓይ ከም ሰብ ዝሓሰበኒ።መን እንታይ ምሂሩ ኣይኮነን ኣድልዩኒ ዘሎ፡ህጂ መን ብዛዕባ እዚ ልበይ ዘዕረፈ፡ጭንቀተይ ዝቀንጠጠ፡ዘይፈልጦ ሓጎስ ዝዓደለ ኣምላኽ ይነግረኒ ኢየ ዝደሊ በቃ ንዓይ ንሱ ኢዩ ቋንቋይ። ታሪኽ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ሰማይን ይኹን ኣብ ምድሪ ኣይስሕበንን ኣይምስጠንን፡ናቱ ግን ፍሉይ ኢዩ፡ መኣዝኡ።ነፍሰይ ነቲ ናቱ ድምጺ ሃረር ትብል።(መዝ143፡6)ን ጎይታ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ ይብሎ ኣለኹ፡(መዝ119፡28)ይቅጽል,,,,, ናብ ሓሙሻይ (5ይ)ክፋል,,,,,,,,,,,,,,,
             etiqalsgakone@gmail.com

መዝሙር ቁርባን

                                         መዝሙር    ቁርባን
  ዮሐ፡6፡55// ዮሐ6፡51 ኣብ ዝመጽእ ብዛዕባ ስርዓተ ቅዱስ ቁርባን ምስጢረ ቁርባን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክንመሃር ኢና።
etiqalsgakone@gmail.com

Sunday 2 December 2012

ጳውሎስ ወ ጴጥሮስ

ጳውሎሶ ወ ጴጥሮስ በረከቶም ይክፍለነ ኣሜን

ብዝሓተትኹምና መስረት ፍልሚ ኢልኩም ናይ ሎሚ ዓንቲ ቃል ዘለኣለማዊ ሂወት ነቶም ዘለኣለማዊ ቃል ኣባና ዘብጽሑ ጳውሎስን ጴጥሮስ ከተቅርብ መሪጻ ኣላ።ተባረኹ።
etiqalsgakone@gmail .com

Friday 30 November 2012

2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።

2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም  ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።
ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ( ዮሐ2፡5 )
              
እስከ ንሕሰብ እዚ ኩሉ ዝተባህለሉ ድሮ ብ ታሪኹ ፈሊጥኩሞ ከም ዘለኹም፡ ተረዲኡኒ ኣሎ።ድሮ እኳ ንገሊእኩም ፍቅሩ ፡ይሽልብበኩም ከም ዘሎ ድሮ ተረዲኡኒ ኣሎ።ገሊእኩም እውን ድሮ  ሃልሃልታ ፍቅሩ የሙቆኩምን ከም ዘሎ ተረዲኡኒ ኣሎ።እረ ክንደይ ብኣሰር ዘይርከብ መገዱ፡ወዳጄ ፡መዓሙቕ፡ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ኢልካ ዝተነግረሉስ መን ኢዩ>።(ሮሜ11፡33)??።፡ከመይ ገርና ተገለጽናዮ ይሓይሽ ነዚ፡ፉሉይ።ሓንቲ ቃልን ክንጥቀም ንደሊ እሞ እታ ሓንቲ ኸኣ ከይትተርፈና ንፈርሕ።እታ ነቅርባ ቃል እውን ንዕኡ ትገልጽ ፡ትበቅዕ ኾይና ኣይትስመዓናን።ግን ኩሎም ክብሩ ኣዘንተዉ።
መልኣኽታት፡(ጦቢት፡12፡17-18) (ሉቃ1።31)፡ነበያት፡(ኢሳ7፡14)(ኢሳ53፡2)(ዘሁ24፡17) ሃዋርያት ፡(ግብ10፡42)(1ይ ቆሮ 1።23)(2ይ ቆሮ10፡16) ክንደይ እሞ ክበሃል ኩሎም ግን ንርእሶም ከም ግዙኣት ኩሉ ምእንትኡ ፡ንዕኡ ግን ከም ጎይታ ገይሮም ንዕኡ ሰበኹ።መላእኽቲ ከይተረፉ ንሱ ኢዩ ልኢኹኒ፡ኣነ ባዕለይ ኣይኮንኩን ናባኹም መጺአ፡መዝሙር ምስጋና ዝመሩሉ፡ክምስገን ዝግበኦ ንሱ በይኑ ኢዩ፡ኢሎም ክብሪ ሃቡዎ።(ጦቢት12፡18-)፡
ካብቶም ብዛዕባኡ ዝመስከሩስ ብዛዕባኡ ክንምስክር ደኣ ጸዉዑና እንበር፡ብዛዕበኦም ክንምስክርሲ ነፍሶም ኣብ ቅድመኡ ዘይትበቅዕ ገይሮም ስለ ዝረኣዩዋ፡ሓንቲ ቃል እካ ትኹን ንዓይ መስኪሩለይ ኢሎም ኣይሰበኹን።”በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ን ኣመንቲ ዜድሕን፡ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘለና” በሉ።(1ይጢሞ4፡10)፡ቅዱሳን ምፍጣሮም ንዉዳሴ ክብሩ ምኻኑ፡ንዉዳሴ ክብሩ ምዃኖም እተመደቡ ኣዘንተዉ።(ኤፌ1፡11-12) እዚ ከምዚ ዝበሃለሉስ ክንደይ ዘደንቅ ኩቡር ኮን ኢዩ።

ንሱ እውን (ሉቃ17፡10) “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩሞ ኹሉ ምስ ገበርኩም፡ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና በሉ”በሎም።ናይ ክርስቶስ እንበኣር ከምዚ ኢዩ። ቃሉ ዝሕሉ።ካብ ክብሪ ርእሱ  ክብሪ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተሉ ዘቀድም።ኣምላኽ እውን ክሳዕ መከራ ከምጽኣሎም ከሎ፡ህጂ ክትምስክረለይ ግቡእ ኢዩ ኢሉ፡ኣጆኻ ብምባል ንስሙ ክምስክሩ፡የተባብዖም ነበረ(ግብ23፡11)ከምቲ ኣደና ዝበለትና እንበኣር ንሱ ዝበለና ተልዩ፡ክንምስክረሉ ኢዩ።

ከምቶም ጽድቂ ርእሶም ክተኽሉ ብምድላዮም ፡ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዘየግዝኡ ሰባት ከይኾኑ ድማ፡ ኣብ ስብከቶም ብዛዕብኡን ንዕኡን ክብሪ ዝህብ ደኣ ነበረ። ነዚ እቲ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስክር ኢዩ።(ዮሐ1፡27)ንሶም ወንጌል ተሰበኹ ብግዲ በጺሑኒ ኢዩ እሞ ዝምክሓሉ የብለይን በሉ”(1ይ ቆሮ9፡8)።(ሮሜ10፡3-4) ።(2ይቆሮ4፡5) እዚ ዘደንቅ ናይ ሓይልታት ሓይሊስ፡ክንደይ ኮን ፉሉይ ኢዩ። ንሶም ወንጌል ተሰበኽኩ ብግዲ በጺሑኒ ኢዩ እሞ ዝምክሓሉ የብለይን”በሉ።(1ይ ቆሮ9፡8) ኣደና እውን ዝበለቶ እንበኣር ኩሉ ዝበለና ንሱ ክንገብር ኢዩ።ኩሉ ማለት ብዘይ ከፊልን ብዘይ ጥርጥርን ብዘይ ምጉዳልን ማለት ኢዩ።ነዛ ኩሉ እትብል ቃል እንበኣር ክስትብሃለላ ዘለዋ ቃል ኢዩ።ከምኡ ዝበለ ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዝተባህለሉስ መን ኮን ኢዩ !!??።

ንሱ ዝበለና ግን ብእኡ ክንኣምን ኢዩ።(ዮ14፡1)ልብኹም ኣይሸበር።ብ ኣምላኽ እመኑ ብኣይ እውን እመኑ።(ዮ11፡25)(ኢሳ28፡16(ዮ3፡14-15)(ዮ6፡39-40)(ግብ10፡43)(ሮሜ9፡32-33)(ሮሜ10፡9-10)(ዕብ10፡37)(1ይጴጥ2፡6) እንታይ እሞ በዚ ኩቡር ኣምላኽ እዚ ክንኣምን ክንደይ ጽሑፋትን መልእኽታትን ዘይተጻሕፉ እዝስ ብጭልፋ ካብ ባሕሪ ደኣ ኢዩ።ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ካብ ተበሃልና፡ንሱ ዝበለና ከኣ ብእኡ ምእማን ካብ ኮነ።ብምሉእ ልብና  ንዕኡ ንምእማን ክንዱንጊ የልብላን።እሞኸ ብሓቂ ዶ ብእኡ ኣመንቲ ኢና??,,።

እሞኸ ብኡኡ ዶ ምሉኣት ኣመንቲ ኢና።"ስጋይ ዝበለዐ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣለዎ፡በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ድማ ከተንስኦ ኢየ፡” ኢሉና እሞኸ ስጋኡን ደሙን ዶ ንወስድ ኣለና ኢና፡(ዮሐ6፡54)።ወንጌሉ ዲና ንሰብኽ ወይሲ ካልእ,,,,,??።ንሱ ኪዱ ወንጌለይ ስበኹ በለና፡(ማር16፡15)(ማቴ10፡7)ከም እንታይ ኢናኸ ን ኣምኖ??።ከም መልኣኽ ??፡ከም ታራ ነብይ??፡ከም ታራ ሊቅ??፡ከም ሓደ ካብ ቅዱሳን??፡ከም ሃዋርያ፡??ከም ነቢይ??።ማዕረ ኩሎም ቅዱሳን??፡ማዕረ መልኣኽታት ??፡ማዕረ ነበያት ??፡ማዕረ ሰማእታት??፡ ፡እስከ ከመይ ገርና ኢና ንርእዮ።ምስ ነብስና ንተሓሳሰብ፡ልዕለኡ ንፈርሖም ኣብዛ ምድሪ ኸ ኣለዉ ዶ??።ልዕለኡ ነፍቅሮም ከ ኣለዉ ዶ??፡ማዕረኡ ነፍቅሮም ከ ይሂልዉዶ??፡ማዕረኡ ንሰርዖም ከ ኣለዉ ዶ??።ኣብዚ እዩ።እንበኣር ከነስተውዕሎም ዘለና።ሎሚ ነዚ ሕቶ እዚ ብኣስተንቲኖት ከነስተብህለሉ ኣሎና።ይቅጽልል,,,,,,,,,,,,
etiqalsgakone@gmail.com

Thursday 29 November 2012

ትላንትና ቅዱስ ,,,።

                                                     ትላንትና ቅዱስ  ዛረ ቅዱስ,,,,,።

       

ኣለው ነገር !!!።

ኣለው ንነገር !!።
ኣለዉ ነገር(2)  እግዚኣብሔር እንዲህ ኣብዝቶ ዝም ካለ ኪሳሼ ሆይ ደስ ኣይበልህ ቢመሽም ለእኔ ቀን አለ።
እዚ ግጥሚ ናይዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ መዝሙር ኢዩ።ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዘሎ ግጥሚ ኣብ ቅድሚ ሓደ ደራሲ እቲ ግቡእ ቦተኦም ቃላትን ሒዞም ትረኽቦ።ህጂ ብዛዕባ ግጥምን ገጣማይን ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ ዘለኹ።ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ ዘሎ ስነ ሓሳብ እንበር።ዘመርቲ ዝብሉና ዘለዉ፡  እግዚኣብሄር ክንድዚ ዝኣክል ስቅ ካብ በለስ ኣለዎ ነገር ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ ።ሓቆም ኢዮም።ስቅታ ኣምላኽ ንልቢ ዘለዎ ከቢድ ኢዩ።ንኣብዳን ግን ኩሉ ግዜ ኣብዳን ስለ ዝኾኑ ናበይ ኢሎሚ።



እወ እግዚኣብሄር ይመስገን ኣሎዎ ነገር እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ስቅ ዝበለ።ንሱ ስቅታኡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።ስቅታ ኣምላኽ ከቢድ ኢዩ። መዝሙር ኣምላኽ ነዞም ዘመርትና ይባርኮም ኦርቶዶስክ ድማ ከምዚኦም ዝሃባ ክብርን ምስጋንን ንዕኡ ይኹን።ሓቆም እዮም ኣሎ ነገር ኣምላኽ ስቅ ክብል ከሎ ዝሓሰቦ ስለ ዘለዎ ኢዩ።መወዳእታስ እቶም ሰዓርቲ ንሕና ኢና።ኣብዚ ስዲ እዚኣ ብዙሕ ሓዘል ቁምነገራት ኣለዎም።እወ ኢየሱስ ዝብል ስም ኣይንዳነን ።ብ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ናይ ይሁዳ ኣንበሳ በይኑ ነቲ መጽሓፍ ዝገንጸሎ፡ህያው ዳንነት የለን።ካብ ፍቅሩ እሞ መን ኢዩ ዝፈልየና።ሮሜ 8:[37-39] - :ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
ኣበይ እሞ ስለ ስሙ ተዝቀትሉና ስለ ስሙ ተዝሃርሙና።ክንደይ ዕድል ነይሩ ኣበይ እሞ ይረኸብ።ድሮ እካ በቶም ናእሽቱ ዝበጽሑ ባህ ክብለና ጀሚሩ ኣሎ።ስለ ስም እቲ ኪላ ነብይ፡ስለ ስም እቲ ኣምላኽ እቲ ።ክትስጎግግ ክትቅተል ክትህረም ዘሎ ክበጽሓኻ መን ይህብ።ነቶም ኣምላኽ ስቅ ተበለ ፡ስቅታ ኣምላኽ ዘዕብዶም ዘሎ፡ እንበኣር ኣየ ኣምላኽ ስቅ ክብል ከሎ፡ ኣየሪኤና ይሰውር ደኣ ንብሎም።ስቅታ ኣምላኽ ብጣዕሚ ኢዩ ዘፍርሓኒ!!።ኣብ ስቅ ዘሎ መሳቃስቅ ዝብል ነገር እውን ኣዘኪሩኒ። ከጥፍኣካ ተደልዩ ኢዩ ኣምላክ ስቅ ዝብል።ክምሕረካ ተደልዩ ግን ይገንሓካ ብሾበጥ ፡ስቅታ ኣምላኽና ግን ኣለዎ ነገር።መወዳእትኡ ግን እቶም ስሙ ምልዓል ከም ጸጋ ዝቆጽሩዎ፡እቶም ስሙ ምጥቃስ ባህ ዘብሎም ክድሕኑ ኢዮም እሞ ተስፋ ደኣ ይግበሩ።
እቶም ሓላፋ ኩሉ ኣሽማት ኢየሱስ እትብል ስም ክትለዓል ባህ ዝብሎም ሰባት ኢዮም ሰዓርቲ መንኢዮምብዘየገድስ።እሞኸ ኣሎ ነገር።አልዛቤል ዋላ ብናይ ሓሶት ምስክር ኣኻኺባ ተኸሰትን ተተንሰአትናን ስቅታ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ግን ኣለዎ ነገር።እምበርከ ብእኡ ዝኣምን መን ኢዩ ዝሓፈረ።ሮሜ 10:9-11- :"እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ ,,,,,," ስቅታ ኣምላኽና ደኣ እንታይ ኢዩ።ስቅታ ጎይታና ንጥዕናዶ ዋላስ ንዘሰክሕ መከራ።ስቅታ ኣምላኽና ነቶም ዝጽበዩዎ ንክብርን ፍስሃን ደስታን፡ነቶም ሓጨጭቲ ድማ  ንዘስክሕ መከራ፡እሞኸ ካብቶም ገፋዕቲ ዶኾን ኢና።እቲ ቃንዛ ክብርትዕ ከሎ ካብ የዒንቲና ናብ ገጽና ወሪዱ ዝዛሪ ዘሎ ንብዓትና ኣብ ጭልፍኡ ኣይእክቦን ዶ!!!??። ዳዊት ልቢ ኣምላኽ እንታይ ዲዩ ዝበለ።
(ዳዊት 56:8:)ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧ ርግጸኛ ኢየ።ንሱ ንብዓትና ከም ዝሕብሶ።ንምኹብላልና ከም ዝቆጽሮ፡ንንብዓትና ኸኣ ኣብ ጭልፍኡ ከም ዝእክቦ።ቃንዛና ገዲዱ ከይነባዕና ዝሓለፍናየን መዓልታት ሎምስ ይቁጸራ ኢየን ኮይነን ዘለዋ!።እሞኸ ፍትሒ ከየውጽአዶ ስቅ ክብል ኢዩ!!??።ኣይፋሉን ንሱስ ክረድኣና ኢዩ።መወዳእታስ ክረድእ ኢዩ።ስቅታኡ ነገር ስለ ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ ፡(ራእ22፡11)እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡እቲ ጻድቅ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡እቲ ቅዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ ዝበሎ ክኸውን ስለ ዘለዎ እንበር።ብዙሕ ስቅ ስለ ዝሓደገና ኣይኮነን።ንሱስ ኣይሓድገኩምን ኢየ ደኣ በለና፡(ዮሐ14፡18)(1ይ ቆሮ10፡13)(2ይ ጴጥሮስ1፡8)ንሱስ ስቅ ኣይክብልን ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይከዐርፍን ኢየ ኢሉ ኢዩ።(ኢሳ62፡1) እወ ኣምላኽና ስቅ ኣይክብልን ኢዩ፡(ኢሳ65፡6-7) ጥራሕ ንሕና ኣይነዕርፍ(ኢሳ62፡6)
ነቢዕና ዝረድኣና ተዘይህሉ ፍጹም ኣይምሰዓብናዮንግን ንሱ እቶም ዝደልይዎ ዝርከበሎም፡ ኣብታ ንዓኻ መወዳእታ ዝመስለካ፡ከም ኣብርሃም መጽኡ፡መስዋእትኻ ዝቅበል ኢዩ። የለን ክትብል ከለኻ መጺኡ መስዋእትካ ዝቅበል ኣምላኽ ምኻኑ ስለ ንፈልጥ እንበር፡ከመይ ገርና ደኣ ምስ ከሰስትና ምተዛረብና።ንሶም ብርቱዓት ንሕና ድኹማትንሶም ሃብታማት ንሕና ድኻታት፡ግን ንሱ ኩሉ ግዜ ምሳና ስለ ዝኾነ ዘይብልና መስል ክንሲና ግን ኩሉ ኣሎና።ስቅታኡ እንበኣር ዕላማ ኣለዎ።ስቅታኡ እንበኣር ኣለዎ ነገር።
ኢዋእ ጥራሕ እቶም ስሙ ምጽዋዕ ነውሪ ዝኾኖም።ኣብ ምኽሳስን ምጽላምን ዝውዕሉ ደድሕሪ ኤልዛቤል ዝስዕቡ እንበር።ኣምላኽናስ ኣለዎ ዕላማ ክንድዚ ስቅ ክብል ከሎ።ስጋብ ንሱ ዝገበረ ዝገብር ግን፡ቋንቋና ኢየሱስ እቲ ዝተሰቅለ ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዝተወልደ እዩ።መዝሙርና፡ዕላልና፡ቋንቋና፡ሓሳብና፡ድልየትና፡ሕልምና፡ዕላማና፡ ንሱ በይኑ ጥራሕ,,,1 ቆሮንቶስ 2:[1-2] - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።
ነዚ ቀሓር ዝኾኖም ግን ዝበሉ ይበሉ፡ክሳዕ ጋሕጋሕ ዝመጽእ ክንጽበዮ ኢና።ሕማምና ክሳዕ ዝፍውስ፡ጸሎትና ክሳዕ ዝምልስ፡ኤልዛቤል ክሳዕ ዕርዲታታ ዝፈርስ፡ብ ሞስኮት ክሳዕ ዘጽድፍዋ ፡ክንጽበ ኢና፡ግን ኣለዋ ገለ ነገር ኣምላኽና ክንድዚ ክዕገስ፡ሓሶት ኣብ ቤት ኣምላኽ ክትነግስ።ዘበኑ ኮይኑ ዘበን ብዘየገድሽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ትም ምባሉ ኣሎዎ ነገር።ንግዝየኡ ግን ክመስሎም ይኽእልን ኢዩ።ግንከ እስከ ንቀኒ።ኣምላኽ ነዞም ዘመርትና ካብ ጽዮን ይባርኮምዘዳግም 1:11:ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከኣ፡