Post più popolari

Tuesday 25 December 2012

ቃል ኪዳን

                      ቃል ኪዳን

ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ፡ነቲ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ስርዓተ ቃል ኪዳን ክንምልእ ኢና።ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክትታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”፡በለና።
እቶም ሓደ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን።ካብታ ቃል ኪዳን ዝኣስሩላ መዓልቲ ኣትሒዞም፡መማኽርትን መኻይድትን ፡መዛይትን፡ኣብ ሞት ኮነ ጸገም፡ተሓናገርትን፡ደኣ ኪኾኑ ኣለዎም እንበር።እታ ጓል ብዛዕባ ሓዳራ ሰብኣያ ገዲፋ ክትዛተ፡እቲ ሰበኣይ ከኣ በዓልቲ በይቱ ገዲፉ ምስ ኣዲኡ ክዛተን ክማኸርን፡ቀረባኡ ወለዱ ገይሮም ክርእይን ኣይግባእን ኢዩ።
እው ብልክዕ ኢዩ።ንሕና ካብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተኾስኪሱ ዘይዓበየ፡ሕብረተ ሰብ ስለዝኾናን። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ባህሊ ተመስረተ ሂወት ዝነበረና ሰባት ስልከ ዝኾና።፡ነቲ ምስጢር ተኽሊል ቃል ኪዳን ፍጹም ክሳዕ ህጂ ኣይተረዳእናዮን ዘለና።ስለ ዘይተረዳእናዮ ነቲ ምስጢረ ተኽሊል ድማ ኢና፡፡ካብ ሰበይትና/ወይ ካብ ሰብኣይና ኣደና፡ሓውና ሓፍትና፡ቤተ ሰብና ዝቀርቡና ኾይኑ ይስመዓና ኢዩ።
እዚ ግን ኣጻር ቃል ኣምላኻ ኢዩ።ጎይታ ኣቦን ወድን፡ ኣደን ጓልን ሓደ ኢዮም ኣይበለን።ኣምላኽ ኣሕዋት ሓደ ኣካል ኢዮም ኣይበለን። ን ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ ሓደ ኢዮም በለ።(ማር10፡8)ክልቲኦም ሓደ ስጋ ደኣ በሎም እንበር፡ክልተ ስጋ ኣይበለን።እሞኸ ኣካልካዶ ይቀርበካ ዋላስ ፡ካልእ ኣካል !!??።ቀንዲ ቃል ኪዳን ዝፈርስ ዘሎ ሎሚ ድማ በዚ ኢዩ።ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን ዝግበር ዘሎ፡የቆጥዖ ኣሎ!!።
በዚ ድማ ኢዩ ፡ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ዝተባህለ(ማቴ19፡4-7)።ብምባል ጎይታና ዝመሃረ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን እዚ ምስጢር እዚ ዓቢ እዩ ኣነ  ግና ብ ክርስቶስን ብ ቤተ ክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ።(ኤፌ5፡32 )ብምባል ሓድነት ሰበኣይን ሰበይትን ክሳዕ ክንደይ ረዚንን ከቢድን ጥንቃቀ ከም  ዘድልዮን ገለጸ።ስለዚ መርዓዊ ብ ክርስቶስ መርዓት ብ ቤተ ክርስትያን ተመሲሎም እዮም እሞ፡ ሓድነቶም ብ ተኽሊል የጽንዑ፡ ብሩኻትን ቅዱሳንን ንምውላድ ኬብቆዖም ከኣ ሕጊ ተክሊል ይፍጽሙ።
ተኽሊል እትፍጽማ፡ ስርዓት ንኸተማልእ ፡ንኽትፍጽም ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ካብ ኣምላኽ ነቲ ቃል ኪዳንካ ዘጽንዕ ሓይሊ ክትቅበል፡ኢድ ኣምላኽ ክሓብሮ፡ኮይኑ።ቤተ ክርስትያን ምስጢረ ተኽሊል ኢላትሉ ዘላ ድማ እቶም ክልተ ተጻመድቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ መጺኦም ቃል ኪዳን ክኣስሩ ከለዉ፡ሰብ ብዘይሪኦ ምስጢራዊ ብዝኾነ ረቂቅ ነገር ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝገብሮን ሓደ ክኾኑ ከለዉ ድማ ክንሪኦን ክንበጽሖን ስለ ዘይንኻልን ኢዩ።ብሓቂ ድማ ንዓና ምስጢር ኢዩ።
ትዘሕዝን  ግን ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ/ክርስትያን መጺኦም ።እቲ ክርድእዎ ዝግብኦም ሕጊ መውስቦ ከይፈለጥዎ፡ እቲ ማሕላ ፈጺሞም ክጠልሙን ክጠልማን ይርኣዩ። ንሱ ፈቲሑዋ ይምርዖ ንሳ ፈቲሓቶ ትምርዖ።ነዚ ንምጽራይ ሎሚ ንኻህናት ክሳዕ ሂወት ክንከፍል ክሓተና ኢዩ።ክንከፍል እውን እውን ዱሉዋት ክንከውን ኣለና።ተዘይ ኮይኑ ኢክርስትያናት ኮይና ክንነብር ኢና።ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል..
                 etiqalsgakone@gmail.com

Tuesday 18 December 2012

ኣላትና


                                   ኣላትና
                             
ኣላትና ጽብቅቲ ከተማ
ትዳለወልና ኣላ ኣብ ሰማይ ተሰሊማ
ሓዳስ ከተማ የሩሳለም ሽማ

ሓዘን ጋሂ ወጽዓ ዘይብላ
ብዘይካ ዕልልላ እህህታ ዘይብላ
ንብዓት ካብ የዒንትና ዝድረዘላ
ምስ ሕያዋይ ኢየሱስ እንጸናንዓላ
ካብ ኩሉ ጸቅጢ ወጺእና ርእስና ነቅንዓላ
ከተማ እቲ ገንሸል ትመጽእ ኢያ ዘላ
ንልብና ከተዕርፎ ከነቃልሕ ዕልላ

ኣላትና
ዋላ ኣብዚ ምድሪ እንተ ጠዓመና
ዓለምን ህዝባን እንተተላዕሉና
ሃገር ኣላትና ሕዛእቲ በይንና
ብሓጎስ ነነብረላ ናይ ኢየሱስ ዝኾና
ገጽ ንገጽ ንርእየላ ምስ ልዑል ጎይታና

ካብ ሰማይ ክትወርድ ኢያ መርዓት እቲ ገንሸል
ምድማቃ ክቡር እምኒ ኢያስጲስ ትመስል
ብኽያትና ከብቅዕ ኢዩ ክንብል ኢና እልል
ኣብቲ ብወርቂ ዝተለበጠ  ከታማ ‘ትልዑል
ክገሃደልና ኢዩ ሽዑ ክብሪ ናይቲ ልዑል

ባዕሉ እቲ ልዑል ክኸውን ኢዩ መቅደስና
ኩሉ ክንርስዖ ኢና ናይ ምድሪ ነገርና
ብዘይ ዕንቅፋት ኣብኡ ከነምልኾ ኢና
 ስሙ ክጽሓፍ እዩ ናይቲ ገንሸል ኣብ ግንባርና
ናይቲ ገንሸል ዝፋን ክነብርዩ ምሳና

ትመጽእ ኢያ ዘላ ትጽቢትና ኮንቱ ኣይኮነን
እዛ ዓለም እዚኣ ክትሓልፍ ኢያ ግድን
ግርማታትን ክብርን ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ ግድን
እቲ ዘጸይፍ ዝገበረ ግን ኣብዛ ትመጽእ ክፍሊ የብሉን
ጥራሕ ንጠንቀቅ ንዓኣ ከይንስእን
ንኹሉ ንሕደጎ ሓሳብና ናታ ይኹን

ኣላትና ከተማ ድሕሪ እዛ መረት
ካብ የዒንትና ክደርዞዩ ሽዑ ንብዘሎ ንብዓት
ኣብኣ ሓዘን የሎን ከምኡ እውን ሞት
ንብዘሎ ከሕድሶ ኢዩ ትኸኣሊ ኣብቲ ሰዓት
ሓጎስና ዝወስዶ የለን ምሳናዩ ንዘንትለት
ሃሌ ሉያ ክንብል ኢና ክንህቦ ኢና ዒበት
ነባሪት ከተማ ዘይብላ ፍጹም ሕልፈት
ብርማኡ ዝተመልአት ብጽድቂ ዝወቀበት
ንጽበ ኢና ዘለና ክትመጸና ነቋምት
            ቀሺ/ሙሴ-ሽሻይ።

ኢየሱስ ይኹሕኲሓካ ኣሎ ክፈተሉ ??።

            ኢየሱስ ይኹሕ ኲሓካ 
            ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።
                                
ክቡር ሓወይ ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ኮን ን ኣምላኽ ልብኻ ዓጺካ እትነብር ዘለኻ !!!።ዘሕዝን ምርጫ ኢዩ።ናብ ገዛኻ ሓደ ፕረሲደንት ናይታ ዘለኻያ ሃገር ኣብ ገዛኻ ከዕርፍ ምሳኻ ክድረር ተዝብለካስ እንታይ ኮን ምተሰመዓካ?።ርግጸኛ ኢየ፡ብሓጎስ ከም እትቅበሎን፡ንብዙሓት የዕርኹትኻ እውን፡ ደዊልካ ዋው ፕረሲደንት እከለ እንድዩ ደኣ ከዕልለካ ክመጸካ ኢሉኒ።ኢልካ ገዛኻ ከም ተጸባብቅን ገዛኻ ከም እተጽርን፡ከም እትነግሮምን።
እቶም ምስኡ ዝመጹ ኣጋይሽ ክሕጎሱ ድማ ሓድሽ መንጻሕ ዓራትካ ከም እተንጽፈሉን፡ሳሎንካ እውን ጽሩይ ልብሲ ከም እትገብረሉን ።ጽሩይ ክዳን ተኸዲንካ ከም እትጽበዮን።ዋእ እሞ ክወጽእ እንድየ፡ካልእ መዓልቲ ክቅበለካ ድማ ከም ዘይትብሎን።ፕሮግራምካ እኳ ደኣ ሰሪዝካ ንዕኡ ከም እትህቦ ርግጸኛ ኢየ።
እሞኸ ደኣ ነቲ ናይ ጎይቶታት ጎይታ(1ይጢሞ፡6፡16) (ራእ19፡16)እቲ ገሊጽካ ዘይውዳእ ክብሪ ዘለዎ።ኣብ ገዛኻ ክድረር ክብለካ ከሎ ፡ልብኻ ብንስሓ ሓጺብካ፡ የእምሮኻ ብምልኡ ኣብ ቅድመኡ ብምንጻሕ፡ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ ኢልካ።ንውሽጥታትካ ንኹልንትናኻ ኣዳሊኻ ሓድሽ ሰብ ኮንካ፡እንተተጸበኻዮ ፡ንዓ ኣብ ልበይ እቶ ኢልካ ተፍቀድካሉን፡ን ጸዋዒቱ ሕራይ ተበልካን እንታይ ኣለዎ ሓወይ።ግርምቢጥ ኢዩ፡ንስኻ ትረብሓሉ ክንሱስ ብሰናይካ ባህ ስለ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበየካ  ኣሎ ክትከፍቶ።(ሮሜ 10፡21)(ኢሳ65፡2)
ኣታ ሓወይ ናቱ ልኡኻት ሰባት ዘይኮነስ መላእኽቲ ንፋሳት፡ኣገልገልቱ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ኢዩ።(ዕብ1፡7)።ናይ ልዑላን ልዑል ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኾነ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻ ክድረር ኢሉ እንዳ ተዛረበካ፡ምሳኻ ከዕልል ኢሉ እንዳ ጸወዓካ ከመይ ገይሩ ይኸውን እምቢ ክትብል። በጃኻ ምሕረት ክትረክብ ሕራይ በሎ።ሕራይ ተልኩምን ተተኣዚዝኩምንሲ፡ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም፡(ኢሳ1፡19)ኣብየት እቲ ኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾነ፡የእጋሩ ድማ ከም ዜንጸባርቅ ኣስራዚ ሊባኖስ ዝኾነ፡ክቁጣዕ ከሎስ ኣብ ቅድመኡ መን ደው ክብል ይኽእል።(ራእ19፡12) ኣብ ርእሱ እውን ዘውድታት ኣለዎ።ብጃካኡ ሓደ እኳ ክፈልጦ ዘይኻል፡ጽሑፍ ስም ኣለዎ።ሎሚ ከም ፍቃዲ ክትነብር፡ን ዓለም ጸሊእካ ንእስነትካ ክትውፍየሉ።ኣብ ቅድመኡ ክትንሳሕ፡ምሳኻ ክድረር በዚ ቃሉ ገይሩ ካሕኳህ አብል ኣሎ ክፈቶ ግዳ በጃኻ።
ንሱ ነቶም ንወንጌሉ ዘይተኣዘዝዎ ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈዲ ኢዩ።(2ይ ተሰ1፡8)እሞኸ ኣታ ሓወይ ንምንታይ ግዜ ትወስድ በጃኻ ሎሚ ልብኻ ክፈተሉ፡ምሳኻ ክድረር ይደሊ ኣሎ።(ራእ3፡20)”እንሆ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳህ ኤብል ኣለኹ።ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ክድረር  ኢየ፡ንሱ’ውን ምሳይ”።ይብለና ኣሎ።ሎምስ ክትቅበሎ ግዲ ትኸውን !!!።
ንሱ ከምዚ ኢሉ፡-(ዮሀ15፡22)”ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም ፡ሓጢኣት ኣይምዂኖምን ነይሩ፡ህጂ ግን ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።”ይብል ኩቡር ሓወይ ኣይፈለጥናን ከይንብል መጺኡ ባዕሉ ነጊሩና ኢዩ።በጃኻ ጎይታ እንሆ ኣብቲ ኣፍ ደገ ልብኻ ክፈቶ።ንሱ ካባኻ ዝደልዮ ብኡኡ ኣሚንካ ምንሳሕ እንብራ ካሊእ ነገር የለን።(ሚልክያስ6፡8)”ኣታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፡እግዚኣብሄርሲ ቅንዕና ኽትገብር፡ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ምስ ኣምላኽካ’ውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮይኑስ ፡ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኣሎ።”በጃኻ ንዓ ጠዓሞ መኣዲ ጎይታ።
(ራእ13፡9)”ሰብ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ ይስማዕ”(ማር4፡23)ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”(ማቴ13፡9)እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ”(ማቴ11፡15)(ማር7።16) እግዚኣብሄር ክንሰምዕ እዝኒና ከፊቱ፡ዘስተውዕል የእምሮን ልብን ይሃበና።
      እግዚኣብሄር ይደግፍ
            etiqalsgakone@gmail.com

Sunday 9 December 2012

ካልእ ወንጌል ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ መንግስትኣብ 1ይ ክፋል ስሕተትን ኣሰራርሕኡን


                            ካልእ ወንጌል 
                     ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ  መንግስትኣብ
                   1ይ ክፋል  ስሕተትን ኣሰራርሕኡን
                                  
ካብዚ ቀጺልና ብኹብር መምህር ቀሺ ዶግተር ተኽልኣብ መንግስተኣብ። ነዞም ናይ ሎሚ ኣብ ኣዳራሻት  መንእሰያት ዝገፉ ዘለዉ ዘቃልዕ መጽሓፍ ካብ ዘሕተምዎ ትምህርቲ ከነቅሪበልኩም ኢና።ምክቲታልኩም ከይፍለየና ድማ ብኣኽብሮት ንሓትት።
ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ስጋዊ መነባብሮና ንዝኾነ ይኹን ከይመርመርና እንቕበለሉ እዋን ኣዝዩ ዉሑድ እዩ።ስለዚ ድማ እዩ ጠቐምቲ ዝበሃሉ ነገራት ብብዙሕ መንገዲ  እንተ ተገልጹልና እኳ ግርህ ኢልና ምቕባል እንድንጕ ። እቲ ዘሕዝን፡ሰብ ናብ ሓጢኣት ናብ ጥፍኣትን ዘውድቑ ነገራት ክቐርቡልና ከለዉ ግን ብዘይንቡር ገርህነት ሃንደፍ ኢልና ንቕበሎ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱሳና ኣብ ምሳ22፡3 (ምሳ27፡12) ኣስተውዕል ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ ገርህታት ግና ንቅድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጉድኡ ብምባል ጠቒስዎ ዘሎ፡ሓዲግ ገርህነት ን ጉድኣትና ደኣ እምበር ንድሕነትና ከም ዘይጠቅም ከነስተውዕል የድልየና።
 ገርህነትና ከም ናይ ናትናኤል ን ጎይታን ንሓቂነቱን ጥራይ ክሕዛእ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ።ገርህታት ዝኣክል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት ፡ነቲ ሰራቂ ዝኾነ ሰይጣን መዓይይቱን እንተ መጢናዮ፡ጉድኣት ነፍስና መዳርግቲ ኣይክርከቦን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ን ሰብ ሮማ ክምዕድ ከሎ፡”ንሰናይ ብልህታት።ንእኩይ ድማ ገርህታት ክትኮኑ ፡እደሊ ኣለኹ”። ዝበለ ንሳቶም እኩይ ንምግባር ገርህታት ንክኽዕኑ ደኣ እንበር እከይ ክመጾም ከሎ ገርህታት ኮይኖም ክቕበልዎም ክቕበሉዎ ኣይኮነን ዝምዕድ ዘሎ።
ከምኡ እንተ ዝኸውን እሞ ቅድሚ ሓደ ጥቅሲ ነዚ ዝስዕብ ስምዕታ ኣይምጸሓፈን።”ግናኸ ኣሕዋተይ፡ነቶም ካብቲ እተመሃርኩሞ ምህሮ ምፍልላይን መዐንቀፍን ዝገብሩ ክትዕዘብዎም፡ እሞደኩም ኣለኹ።ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እንበር ፡ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየእዘዝዎን፡ብጥዑም  ዘረባን ምርቃን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ ካባታቶም ኣልግሱ።”ብምባል ነቶም ዘስሕቱ ክግርሁ ከም ዘይግባእ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ሮሜ 16፡17-19)
እቲ ንክርስቶስ ንሓቅታቱን ጥራይ ክኸውን ዝግብኦ ገርህነትና።ሰይጣን ብጉርሒ ክምንዝዓናን ንእኡ ክንገብሮን እዩ ዝደሊ።ሄዋን ከምቲ ንትእዛዝ ኣምላኽ ብ ግርህነት ዝተቐበለቶ፡ብማዕሪኡ ድማ ነቲ ሰይጣን ዝፈሓሰላ ተንኮል ብ ገርህነት ተቐበለቶ፡እቲ ዳሕረዋይን ዘይተደላይን ገርህነት ነቲ ቀዳማይን ንቡርን ገርህነት ስፍራ ኣልቂቕ ድማ ናብ ዘሰቅቕ መደምደምታ።ክመርሓ ተራእዩ።(ዘፍ3፡1-16)
ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ንሕና ሰብ ቁረንቶስ ብንጽሕናን ብገርህነትን ንክርስቶስ ተዓሊሙ ከም ዝዓቢ ድሕሪ ምግባሩ፡ካባታቶም ተፈልየ።ንክርስቶስ በዘን ክልተ ባህርያት እዚኣተን ኣሕጽይዎም ከብቅዕ ብድሕሪኡ ግን ሓደ ኣዝዩ ዘሰክፎን ዘፍርሆን ነገራት ክሰምዕ ጀሚሩ።ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈሎም።”ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ ን ጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።ግናኸ ከምቲ ተመን ብጉርሑ ን ሄዋን ዘስሓታ፡ከምኡ’ ውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዝኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣለኹ።” (2ይቁረ 11፡1-2።)
ከምቲ ኣስዒቡ ኣብ ጥቅሲ 4 ገሊጽዎ ዘሎ ካልእ ኢየሱስ ፡ካልእ መንፈስ ፡ካልእ ወንጌል እናተሰብከሎም ከሎ ስቕ ኢሎም ምዕጋሶም ኣዝዩ ከም ዘፍርሖ ገሊጹሎም።”ስለዚ ሓደ እኳ ፡ንሕና ዘይሰበኽናዮ ፡ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸ፡ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ካልእ ወንጌል እንተ መጸኩም፡ጽቡቕ ገርኩም(ስቅ ኢልኩም) ትዕገሱዎ ኣለኹም።”(2ይ ቁረ11፡4)
ኣብቲ ቀዳማይ ትርጉም ጽቡቅ ዝብል ቃል፡ኣብ ናይ እንግሊዝ ትርጉማት ይኹን ኣብቲ ሓድሽ ትርጉም ናይ ትግርኛ ግን”ስቕ ኢልኩም” እዩ ዝብል።ስለዚ ካልእ ኢየሱስ ዝኣክል እናተሰብከልካ፡ይትረፍ ምቕባሉ እሞ ምስባኹ፡ስቕ ኢልካ ምዕጋሱ ጥራይ እካ ዘይጽወር ስግኣትን ፍርሓትን ዘስዕብ ተርእዮ እዩ። እቶም ኣብ ዓይኒ ጎይትኦም ብሉጻት  ሃዋርያት ግን ፡ካልእ ኢየሱስ ን ወንጌልን፡ይትረፍ ብ ኣፍ ስጋ-ለበስ ሰብሲ ብኣፍ ረቀቕቲ መላእኽቲ ክስበኽ እንተ ዝሰምዕዎ እኳ የውግዝዎም እምበር ኣይዕገስዎን እዮም።ይቅጽል,,,,,,
              etiqalsgakone@gmail.com

ክንደይ ትጥዕም ።


                    ክንደይ ትጥዕም ።             

ክንደይ ትጥዕም ኣንታ ልዑል
ጉድጓድ ተዃዒቱ ኣነ ኣብኡ ከጥሕል
ወጺአ ኣምሊጠ ጠፊኡ ክበሃል
ኣየ ዝናትካ ስራሕ ፍሉይ እዩ ኣታ ልዑል

ኣብየት ከመይ ዝበለ ምሕረት ኢኻ ለጊስካለይ
ኣድሒንካኒ  ካብ ኩሎም ደለይተይ
ዘስግኣኒ የለን በዚሑ ሰላመይ
ዘበን ናቶም ሓሊፉ ዘበነይ መጹለይ
ኣወጀየ ሓርነተይ ኮይነየ ሰዓራይ

ንዓኻ ኣሚነ  ብ ጸልማት ክጋዓዝ
ፈተና በዚሑ ብትጽቢት ክድንዝዝ
ግን ኩሉ ለዊጥካየ ገርካዮ ክእዘዝ
ኣየ  ክጥዕም ዝንዓኻ ምሓዝ

ናይ ዘበናት ጾር ማእሰርቲ ተጻረርቲ
ሕሉፍ ምፍሪራሕ ናይ ሕሱማት መውቃዕቲ
መውጽኢ ኮይኑኒ ሎሚ ክምስክረሉ ምእንቲ
ሓራ ወጸ እየ እየ የብለይን ዓጋቲ
ምሕረትካ በዚሑለይ ኮይነየ ተዓዋቲ

 ተወዲኡ እዩ ትሽግር ተሰጊሩ ትዓቀብ
እቲ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እዩ ኣነ ኣይኮንኩን ዝዛረብ
ሰይፈይ ተዘርግሑዩ ኣይወርድን ካብ መንኮብ
ተበጊሰ እየ እሮማይ ምስቲ እኩይ ክራባረብ
ብሓቂ ምቁር ንዓኻ ምርካብ
                ቀሺ /ሙሴ ሽሻይ
           etiqalsgakone@gmail.com

Thursday 6 December 2012

ማራኪው ጌታ !

ማራኪው ጌታ.!
ኣብ ዓለም ኣብ ካሊእ ይንቨርስ መቸስ ከምዚ ኣምላኽ ኢዚ ዝበለ ስሙ ዝገነነ ዝተመስገነን ።ኣምላኽ የለን።ዘማሪት ህጻን እንቁስላሴ ፍቅሪ ዝረትዓ ብምባል ነዚ ማራኺ ጎይታ ዘሚራትሉ ኣላ እስከ ምስኣ ብምኻን ነስተማቅሮ።

5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?፡


5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?።

ንልበይ ሓፍ ሓፍ ኣቢሉ ካብ የዒንተይ ጋሻ ዉሑጅ ክፍልፍል  ዝገበረ ።ብዙሕ ግዜ ኢየ ብዛዕባኡ ምሂረ፡፡ኣነስ ምንባረይ ስለምንታይ ኢዩ።ለምንታይ ዝነብሮ ናብራ ንሱ ይፈትዎዶ ኣይፈትዎን ክብል ግን ብህጂ ኢየ ጀሚረዮ።ይጥዓም ይሕሰም ሎሚ ቆሪጸ ኢየ።በቃ ንሱ ጥራሕ ይኽበር ንሱ ጥራሕ ይንገስ።ህጂ ኣነ ክሓስር ንሱ ክኸብር ድሉው ኢየ።ይጎዪ እየ ዘለኹ ድምጺ ብ የማን ኮነ ብጸጋም ዘሎ ኣየድልየንን ኣነ ንቅድሚት ምምራሽ ይሕሸኒ።ዝሓለፈ ግዜ ብዘይክኡ ዝሓለፍኩዎ ይኣክል።
ሎሚ እንዳ ጠንቆልትን ደፍተራን ምኻድ የለን።ሎሚ እንዳ ፈወስቲ ምኻድ የለን።ሎሚ ሱር ወዲ ሱር ኣየዲልየንን ኢዩ።ሎሚ ክታብ ኮነ ገለ ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ መውደቅቲ ዛዕጎልን፡ ድግምትን ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ ዝኾነ መከላኸሊ ሰብኣ ስርያ ኣየድልየንን ኢዩ።ካብ ሎሚ ንደሓር  ኣስመኛታትን  ኣብ ልዕለይ ስልጣን የብሎምን።ስለምንታይሲ ነቲ ሓይል ጸግዐይ ዋልታይ ዋሕሰይ ገይረዮ ኢየ።ሎሚ ማንም ዋሕስ ኣየድልየንን ኢዩ። ካብ መን ኢዩ ኸ ዋሕስ ክኾነኒ።እቲ ፈራዲ ንጉስ ኢዩ እኮ ሓራ ኮንካ ኢኻ ኢሉኒ።ሓራ ኣውጺኡኒ።(ዮሐ 8፡36) (1ይ ቆሮ7፡21)(ገላ5፡1)(ሮሜ6፡22-23)እረ ማንም ፈውሲ ብዘይካኡ ኣየድልየንን ኢዩ።እቲ ፈውሲ ናይ ኩሎም ዝሓመሙ ዝኾነ ኢየሱስ ረኺቡኒ ኢዩ።
እወ ብዙሕ ግዜ ነፍሰይ ናተይ ገይረ ኢየ ይሓስብ ነይረ።ነቲ ኩሉ ግዜ ዘንብቦ ግን ከ ስለምንታይ ምዃኑ ዘይተረድኣኒ ቃሉ፡ሎሚ ከስተውዕሎ ከለኹ፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ ናይቲ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልካዮ መንፈስ ኢኻ”ኢዩ ዝብለኒ ዘሎ።ዘገርም ኢዩ።ለከ ኣነስ ናይ ኣምላኽ ኢየ።(1ይ ቆሮ፡6፡19) ግን ከንብቦ ከለኹ ደኣ እንበር ምስ ወዳእኩ ንባብሲ ለከ ኣየስተንትኖንን ስለ ዝነበርኩ ኢዩ።፡ክሃንጸኒ ዘይክኣለ።ዘገርም ነገር ኢዩ።ግን ከመይ ገይረ ኢየ ን ኣምላኽ የገልግሎ ነይረ ክብል ጸኒሐ።ብዙሕ ግዜ ሂወትና ናይ ኣምላኽ ምዃና ስለ ንዝንግዕ፡ስለኣ ብዙሕ ግዜ ኢና ንጭነቅ፡ብዙሕ ግዜ ኢና ንሽገር ንሻቀል ።ኣነ እውን እዚ ኢዩ ሃስዩኒ።ለከ እቲ ምስጢሩ ውሽጣዊ ዘይምልዋጥ ኢዩ።ሎሚ ብ ዛዕባ ነፍሰይ ኣይጭነቅን ኢየ፡ልዕለይ ንነፍሰይ፡ዝሓስበላ ዝሓልየላ ደሙ ከፊሉ ዝዓደጋ ዝተሻየጣ ዋና ከም ዘለዋ ፈሊጠ ኢየ።ኣነ ምስኪን ግን ኣብ ቤት ኣምላኽ ከለኹ ነዚ ከየስተማቀርኩ ዘባኸንኩዎም ግዝየታት ክዝክር ብጣዕሚ ኢየ ዝሓዝን።ከመይ ዘደንግጽ ይመስለኩም !!!።
ሂወተይ ክዝክራ ከለኹ ብጣዕሚ ኢያ ተፈንፍነኒ።እጸልኣ ፡ልበይ ብመስተ ሓቢጡ፡ዋላ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተመላለስኩ ከይተረፈ፡ያኢ መስተ መለለዪ ሃይማኖት ኮይኑ፡ሃይማኖቱ ቀይሩ ከይብሉኒ፡ነታ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ነፍሰይ ብ ፡ዓረቂ፡ቢራ፡ዊስኪ፡ ስዋ፡እንታይ እሞ ዘየማሰንኩዋ።(1ይቆሮ6፡17) ብሓቁ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣጥፊኡ ንዓለም እንተ ተረብሐ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ዝብለና፡(ማር8፡36)ሎሚ ሰብ ከይብለኒ ዘይኮነስ ኣምላኽ ከይብለኒ ዝብል ናብራ ኢየ መሪጸ ዘለኹ።
ግን ዋላ እኳ እዚ ን ኣምላኽ ዘግሂ ሂወት ይነብር ተነበርኩ፡ህጂ ምምላሰይ ግን ንዓይ ህጂ ዝተወለድኩ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ።ኣምላኽ ዝሓለፍኩዎን ዓመታት ከይቆጽረለይ ድማ ይልምኖ፡ሓደ ኢሉ ካብ ሎሚ ክሓስበለይ፡ስለምንታይ ቀደምስ ኣነ ኣይኮንኩን ይነብር ነይረ ።ዓለም ኢያ ኣባይ ትነብር ነይራ።በዚ ድማ ንዓይ እዚ ከም ዕድመ ኣይቁጸርን ኢዩ። ይገርመኒ ግን ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ክጥመቅ ከለኹ ወዲ ኣርብዓ መዓልቲ ኮይነ ዝተሓተምኩዎ፡ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣግህየዮ።(ኤፎ4፡3) ንባዕለይ እንዳ ኣግሃኹዎ ድማ፡፡ክንደይ ግዜ ኢየ፡ንባዕለይ ከይተለወጥኩ ተለወጡ ኢለ ዝመደርኩ።ኣምላኽስ እንታይ ኮን ይስመዖ ነይሩ ይኸውን። ንባዕለይ እንዳ ተጻላእኩ  ከለኹ ኸ ሰላም ንግበር ኢለ ክንደይ ግዜ ዘይመሃርኩ፡ክንደይ ግዜኸ ኣይንቀያየም እንዳ በልኩ ዝይተቀየምኩ፡ክንደይ ግዜኸ፡ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአ ዘይዘመርኩ።ዋእ ምሽ ክስቶ እንሀ ከምኡ ይገብር፡ምሽ ቀሺ ክስቶ ምስ ቀሺ ክስቶ፡ተጻሊኦም ከለዉ ይቅድሱ ምሽ ኣለዉ፡ ኢለ ኸ ክንደይ ግዜ ኢየ፡ምስ ቂመይ ቤት መቅደስ ዘይኣተኹ።(ሮሜ2፡21-22) ።
ሎሚ በቲ ኣነ ዝሓለፍኩዎ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ዘግህን ዘሕፍርን ሂወት ፡ሰባት ክመላለሱ ከለዉ ክርኢ ብጣዕሚ ኢየ ዝድንግጸሎም።ዝሓዝነሎም፡ክንደይ ን ኣምላኽ ዘግሂ ኮንቱ ሂወት ይመስለኩም።ነፍስኻ እንዳ ታዓሻሸኻ ዝንበር ኮንቱ ናብራ።ብየማነይ ብ ጸጋማይ ከምቲ ኣነ፡ነፍሰይ እንዳ የዕሸኹ፡ኣነ ደኣ እኳ ብሰንኪ ቤት ኣምላኽ ኢየ፡ተጻሊአ፡ምስ ክስቶ ተዃሪየ፡ብሰንኪ ቤቱ ብምባል፡ፍቅሪ ክገብር እንዳ ተገብኣኒ፡ናብ ስብክት ምጺአ ዝሰበኽኩዎም መዓልታት ክንደይ ኮን ኢዮም።ክንደይ ከ ኢዮም።ውሽጠይ ከይተለወጠ ብቅንእን ጽልእን ዓቲኸ ከለኹ፡ሕቆይ ክሳዕ ዝስበር ጻዕዳ ነጸላ ተከዲነ እቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ውሽተይ ግን ብጸሊሙ፡ሰላም ክብሉኒ ከለዉ ድንን ኢለ፡ደሓን ዶ ዊዒልኩም ብምባል፡እግዚኣብሄር ይመስገን ዘይበልኩ።በጃኹም ከምዚ ዓይነት ሂወት እትነብሩ ዘለኹም ሰባት ነፍሰ ቅትለት ትፍጽሙ ከም ዘለኹም ፍለጡ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,, ናብ 6ይ ክፋል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,
 etiqalsgakone@gmail.com

Wednesday 5 December 2012

ምስጋና በሰማይ በምድር

                                       ምስጋና  በሰማይ በምድር

Tuesday 4 December 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል።
ኣዳላዊ ቀሺ ሙሴ

ይቅረታ ዋእ እንታይ ደኣ ናብ ሻውዓይ ክፋል ተመሊስና ኢልኩም ትኾኑ ግን ብዝኾነ ጸገም ክትንበብ ስለ ዘይክኣለት ብዝሓተትኩሞ መስረት ንዝርግሓ።ነቶም ሸውዓተ ከይበልካ ዶ ደኣ ሾመንተ ይበሃል ኢዩ።ፈቲሽኩም ደኣ ፖስት ግበሩዎ ዝበልኩምና ድማ ነመስግን።እንሀትልኩም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።እምበኣር ከስ እታ “ክሳብ እትብል ቃል ነቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ኣይኮነትን እተመልክት።
ዮሴፍ ን ማርያም ክሳብ ቦኽሪ ወዳ እትወልድ ኣይፈለጣን፡ከምኡ’ውን ብድሕሪ ምዉላዳ’ውን ኣይፈለጣን።ምኽንያቱ ቅድሚ ልደት ጎይታ ንኽቐርባ እኳ ዝሓነኸ፡ጎይታ ምስ ወለደትን ብድሕሪ እቲ መላእኽትን ተኣምራትን ሰብ ጥበብን ምስ ረኣየን፡ትንቢት ክፍጽሙን ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ምስ ተነግሮን፡ንሱ ወዲ ልዑል ከም ዝጽዋዕ፡ንሱ ኣማኑኤል መድሓን ከም ዝኾነን እቲ ትወልዶ፡ምስ ፈለጠን ደኣ ክንደይ ኣዝዩ ዘይሓንኽ።
ንሱ ኢዩ እቲ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ስሙ’ውን፡ ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ፡(ኢሳ7፡14)ህጻን ተወሊዱልና፡ወዲ ተዋሂቡና ኢዩ እሞ፡እቲ ግዝኣቱ ከኣ ኣብ መንክቡ ኢዩ፡ስሙ’ውን ግሩም፡መካር፡ብርቱዕ ኣምላኽ፡ኣቦ ዘለኣለም፡መስፍን ሰላም ክስመ ኢዩ።ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ህጂ ክሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ክጽንዓን ከቑማንሲ፡ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕብየት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።ቅንኣት እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ነዚ ክገብር ኢዩ።”(ኢሳ9፡6-7)።ምናልባት እቲ መልኣኽ ኣብ(ሉቃ1፡31-32) ዝተዛረቡ ካብዚ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ኢዩ ዝኸውን።
ገለ ገለ ሰባት ድንግልና ኣደና ማርያም ኢየሱስ ምስ ተወልደ ፈሪሱ ኢሎም ይኣምኑ።ድንግል ድንግልናኣ ከይፈረሰ ከመይ ገይራ ክትወልድ ትኽእል ኢሎም ከኣ ብዓይነ ስጋ ይሓስቡ ግን፡ኣብዚ ዝብል ነገር ካብ ተበጽሐ ግን ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ከ ከመይ ገይራ ደኣ ድቂ ትሕዝ ወይ ድማ ክትጠንስ ትኽእል ኢና ንብሎም??!!።ነዚ ግን ኣምላኽ ብትእምርቱ ገበሮ።ንሕና ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ድንግልናኣ ከየርሓወ ካብኣ ተወልደ ኢና ንብል።
ኣሕዋቱ ዝብል ቃል ከ መልስና እንታይ ኢዩ።
ኣብ ኣይሁድ እቲ ሓው ዝብል ቃል ንኣዝዩ ቀረባ ዘመዱን፡ ን ሓው ወዲ ኣቦን እኖን  ዘመልክት ኢዩ።ነዚ ዘመልክት ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ።
1,ብዛዕባ ያዕቆብን ኣኮኡ ላባንን፡ኣሕዋት ተባሂሎም ምስማዮም’
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኻብ ያዕቆብን ራሄልን፡ኣቦኣ ን ያዕቆብ ኣኮኡ ክንሱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኮነ ኸኣ፡ያዕቆብ ን ራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ለባንን ምስ ረኣየ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገልበጦ፡ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን ።ያዕቆብ ከኣ ን ራሄል ሰዓማ፡ቃሉ ዓው ኣቢሉ’ውን በኸየ ነገራ።”(ዘፍ29፡10-12) ኣስተውዕል ያዕቆብ ድማ ን ራሄል፡ንሱ ሓው ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ።” “ሓው ኣቦኣ ምኻኑ ነገራ”ያዕቆብ ግን ሓው ርብቃ ደኣ እዩ፡ክኸውን ዝግብኦ እታ ኣሕዋት እትብል ዘላ ቃል ጥራሕ ን ኣቦኻን ወይ ኣደኣን ዝወለደትልካ ተዝኸውን ነይሩ።ኣብዚ እምበኣር ሓው ዝብል ነቲ ኣዝዩ ቀረባ ዝምድና ንምምልካት ተጠቀመሉ።
ከምኡ ዝኣመሰለ ስርዓት ከኣ ንላባን ብዛዕባ ዋጋ ክዛረብ እንከሎ፡ከምዚ ዝስዕብ በሎ፡”ሓወይ ክንዲ ዝኾንካዶ ብ ኸምኡ ክትግዝኣኒ፡,,,,,”(ዘፍ29፡15)።ኣብዚ እምበኣር ላባን ን ወዲ ሓብቱ ሓወይ ኢሉ ሰመዮ።
2ይ,ኣብርሃምን ሎጥን
ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ኢዩ ነይሩ።(ወዲ ኣሮን) 9ዘፍ11፡31)።ምስናይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኮ ሎጥ ምስ ሰብ ባቢሎን ክንዛረብ እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኣብርሃም ድማ ሓዉ ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፡” (ዘፍ14፡14)።ንሎጥ ወዲ ሓዉ ክንሱ ከም ሓዉ ገይሩ ቆጸሮ ገለጾ።ግን ኣዝዩ ናይ ቀረባ ዘመድ ኢዩ ነይሩ።ንሕና እውን ንባዕልኛ ንገብሮ ኣብ ሂወትናን ባህልናን ኣሎ።
ኣብነት ወለዲና እዚ ከኣ ተላለዮ ኢኻ ሓውኣ ኢዩ፡ሓውኹም ኢዩ፡ክብሉና ብዙሕ ግዜ ከም ዝሰማዕና ጥርጥር የብለይን።ግን ብዛዕባ እቲ ዘመድና ዝኾነ ሓውና ኢዮም።ብዛዕባ እቲ ካብ እኖናን ኣደና ዝተወልደ ኣይኮኑን።ዋላ ገለ ክንምርዖ ተደሊና ዋእ ጓል ክስቶ ሓፍትና እንዲያ ክብሉ እውን ሰሚዕና ንከውን ኢና፡ከምኡ እውን ዘይፈልጡና ሰባት ሓውኻ ይጽወዓካሎ ከም ተበሃልኩም ብገለ ትፈልጡ ትኾኑ፡ኣብዚ ስደት እሞ ኸኣ፡እቶም ደቂ ካልእ ሃገር እቲ ሓውኻ ኢዮም፡ዝብሉኻ። ኣሕዋትካን ኣደኻን ይጽዉዑኻ ኣለዉ ዝተባህልሉ እንበኣር ኣደና ማርያምን ኣዝማዳን ስለ ዝነበሩ ኢዩ።ኣብዚ ኣሕዋት ጎይታ ዝተባህሉ እንመን ተባሂልና ክንሕተት ግቡእ ኢዩ።ይቅጽል,,,,,,,8ይ ክፋል።
      etiqalsgakone@gmail.com

Monday 3 December 2012

4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።


 4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።
                 
ብዙሕ ግዜ ኣነ ንባዕለይ በዞም ሕማማት ተጠቂዐ ነበርኩ፡ከውጽእ ዘኽእል ሓይሊ ግን ካበይ ይምጻእ።ኣብቲ ጥቅሉል መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ህያው ክርስቶስ ምስ ረኸብኩዎ፡ግን ካብ እዚኦም ክወጽእ፡ብዙሕ ግዜ ኢየ ተንበርኪኸ ለሚነዮ።ስለምንታይ ሰጣን ገለ መዓልቲ ብትዕቢት ገለ መዓልቲ ኸኣ ብተፋላለየ ሓጢኣት ገይሩ ስለ ዝርብሸኒ፡ምስ ጸለኹ ናብኡ በጃኻ ሓገዝካ የድልየኒ ኣሎ ኢለ ግን፡ እቲ ኸኣሊ ኣኺሉኒ። ዋላኳ እቲ ሰብኣዊ ባህሪ ክደፍኣኒ ተፈተነ ግን ይዝክር ኣነ ናይ መን ኢየ ኣነ ናተይ ዲየ ናይቲ ኣባይ ዘሎ ህያው ኢየ ይብል እሞ ሕስብ ኣቢለ ይምለስ።
ዘሕዝን ኢዩ።ክንዲ ክርስቶስ ዝኸውን ኣምላኽ ሓደ ግዜ፡ማዕረ ቅዱሳን፡ሓደ ሓደ ግዜስ እረ ከም ቅዱሳን እኳ ኣኽቢረዮ ኣይፈልጥን።ክንደይ ግዜ ኢየ እሞ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ልዕሊኡ ዘይሰራዕኩዋ።ዘገርም ኢዩ።ምስ ዓይነይ ከለኹ ዓዊረ ምስ የእምሮይ ከለኹ ዘምቢለ ኢየ ነይረ መስኪናይ ኣነ።ንፍጡር ደኣ ልዕለ ፈጣሪኡ ትሪኦ ኮንካ።ሎሚ ግን ክብሪ ንስሙ ዓይነይ ምስ ከፈቶ፡ስሙ እኳ እታ ክርስቶስ እትብል ንባዕላስ ክቡር ምዃና ትርጉማ ፈሊጠ።ሎሚ ይርኢ ኢየ ዘለኹ ።ኣደና ጻድቅን ክብርትን ፡ኣደይን ምዃና፡ድንግል ብስገኣ ድንግል ብሕልንኣ ግን ከ ከም ፍጥርቲ ናቱ ፡ትሕቲኡ ብኽብርስ ፍጹም ማዕረኡ ክትመጽእ ዘይትኽእል ምኻና ፈሊጠ።(ኢዮብ 4፡17)እወ ብኽብሪ ግን ልዕለኣን ፈጣሪኣን ፡ንሳ ስርሓት ኢዱ ንሱ ድማ ሰራሒኣ ምኻኑ ሎሚ ምስ ኣስተውዓልኩዎ ቃሉ ተረዲኡኒ።(ኢሳ19፡16)ንሱ ከም ፈጣሪ ቅዱሳን ከኣ ናቱ ኣገልገልቲ።መላእኽቲ ድማ ናቱ ልኡኻት ምኻኖም።ኣብ ቅድመኡ ግን ኩሎም ብምንቅጥቃጥን ብፍርሓትን ዝሰግድሉ ቅንጣብ እኳ ማዕረኡ ክመጹ ዘይኽእሉ ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጠ።መን ኢዩ እቲ መጋረጃ ቀንጢጡለይ ኣይፈልጥኩን ተረዲአዮ።ዝመሃረኒ ግን ኣይነበረን!።
ሎሚ ንዓይ ዘገድሰኒ ብዛዕባ ክስቶ ኣይኮነን።ብዛዕባ ሃይማኖት ክስቶ እውን ኣይኮነን።ሎሚ ንዓይ ዘገድሰኒስ፡ ኣነ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኣነ ኮይነ ዶ ይነብር ኣለኹ ኢየ።ኣነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለኹ ዶ ??።፡ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሂወተይ ከይስእና ጥራሕ ኢዩ ፍርሐይ።ናይ ዓለም ኣይግድሰንን፡ሎሚ ዓለም ዘይናተይ ምኻና ፈሊጠ ኣለኹ።ናይ ሰባት እውን ኣይዕጅበን ጉዳየይ ምስኦም ኣይኮነን፡ ጉዳየይሲ ምስቲ ፋይለይ መዝገበይ፡እቲ ስመይ ተጻሒፉዎ ዘሎ፡መጽሓፍ ሒዙ ዘሎ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ደኣ ኢዩ፡ዘሎ።(ራእ5።5)
ኣይገርመኩምን ዓለም ናተይ ኣይኮነትን ብዙሕ ግዜ ኢየ ኢለዮ።ግን እቲ ውሽጠይሲ ከምኡ ኣይኮነን ደኣ ነበረ።ኣብ ዓለም ከም ዝነበርኩ ዘመላኽቱ ድማ፡ሰባት ሓስዊ ክብሉን ከለዉ ኣነ ሓቀኛ ኢየ ኢለ ብዛዕባ ነፍሰይ ክማጻረን ክማጻደቅን።ሰባት ሓቂ ስለ ዘይተዛረቡ ምስ ሰባት ክታረኽን ግዜይ የሕልፎ ነይረ።እንተኾነ እዚ ኹሉስ ለከ ኣብ ዓለም ስለ ዝነበርኩ ኢየ።ስለምንታይ ውሽጡ ዝተለወጠ ሰብ፡ክስቶ ሓቂዶ ተዛሪቡ ሓሶት ፡ኣይኮነን ዘገዲሶ፡ኣነ እንታይ ተዛሪበ፡ኣነ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘብህግ ሰብ ዲየ ኢሉ ኢዩ ዝሓስብ ንዓይ ሒዙኒ ዘሎ ድማ እዚ ሓሳብ እዚ ኢዩ።
ኣየናይ ሊቅ እንታይ ኢሉ፡ ዘይኮነስ ሎሚ ዘድሊየኒ ዘሎ፡ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ኢሉ ጥራሕ ደልየ ኣለኹ !??።መን እንታይ ይደሊ ዘይኮነ ዘድሊየኒ ሎሚ።ኢየሱስ እቲ በዓል ናዝረት እንታይ ይደሊ።ምኽንያቱ ኣነ ናይ ኢየሱስ ኢየ ፡ኣነ ናይ ካልእ ኣይኮንኩን ብ ደሙ ዝዓደገኒ ናይ በይኑ ደኣ ኢየ።ሓደ ነገር ሓደ ቀደም ተዘከረኒ ፡ምስላ ኣሎ፡ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ተመሃሮ ህጻናት ነበሩ እሞ።ነቶም ህጻናት”ናብ ኣምላኽ ከብጽሓልኩምሲ ደብዳበ ጸሓፉ” በልዎም። ህጻናት ደብዳበ ክጽሕፉ ጀመሩ፡ሓደ ከምዚ ክብል ጸሓፈ “ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ንዓይን ንሓወይን ከክፍልና ስለ ዝሃበና መመደቀሲና ስለ ዘለና ኣይተባኣስናን፡ቃየልን ኣቤልን ግን ከክፍሎም ስለ ዘይሃብካዮም ኢዮም ተባኢሶም”በለ።ሓደ ቆልዓ እውን ጸሓፈ “ዎ ኣምላኽ ኣነ ዝለመንኩኻ ብሽግለታ ንስኻ ግን ኩዕሶ ሂብካኒ።”በሎ።ካብኦም ዝመሰጠትኒ ግን ናይታ ኣዝዩ ምስትውዓል ዘለዎ ደብዳበ፡ ከምዚ ኢላ ዝጸሓፈት ህጻን ኢዩ።”ዎ ኣምላኽ እዚ ለቢሰዮ ዘለኹ ጫማስ ትፈትዎ ዲኻ ዘይትፈትዎ ተኾንካስ ክድርቢዮ”በለቶ።ዘገርም ግን ኣነ ክንዲ እዛ ናይዛ ቆልዓ ዝኸውን፡ምስትውዓል ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘይነበረኒ 17 ዓመት ምሉእ ኣብ ቤተ ክርስትያን።
ኩሉ ዝገብሮስ ዋላ ሓደ መዓልቲ እውን ትኹን እዝስ ትፈትዎ ዲኻ ኢለ ሓቲተዮ ኣይፈልጥን።ንዝኾነ ዝገብሮ ነገር፡ምስ ሰባት ርክብ ዲዩ ፡ኣብ ውሽጣዊ ጉዕዞይ ኣምላኽሲ ይፈትዎ ዲዩ ኢለ ሓቲተ ኣይፈልጥን።ወረ ፍቃድካ ተኾይኑ ኢለ ክልምን ከለኹ፡ዘይፍቃዱ ተኾይኑከ ክኸልኣኒ ኢለ ኣብ ሞንጎ ጸሎአተይ ፡ሰገጥ ዝብለሉ ግዝያት ዉሑድ ኣይነበረን።እዚ ኹሉ ነገር ግን ዘይምልዋ ደኣ ኢዩ ዝነበረ።ንነገራተይሲ ቅድሚ እቲ ዝሞተለይ ክርስቶስ ከይተረድኣኒ ይሰርዖም ነይረ።ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ክዛረበሉ ይኽእል ነይረ ግን ካብኡ ረብሓ ስለዘይብለይ ገዲፈዮ ኣለኹ።ኣብታ ቁሩብ ጭራ ብርሃን ክኣትዋ ጀሚሩ ዘላ ሂወተይ፡ዋላ ናይ ከባቢየይ ኣይግድሰንን። ተጸሊለ ዶኾን ኢየ።
እወ ፍቅሪ እዚ ኩቡር ንጉስ እዩ ኣጸሊሉኒ፡ግን ከ ንዕኡ ምፍቃርሲ ልቦና ደኣ ኢዩ።መን ኢዩ፡ብ ዘየገድስ ብዛዕብኡ ዝነግረኒ ጋና ኢየ ዝጸምእ ዘለኹ።ወንጌሉ ከንብቡለይ ብዛዕባኡ መዝሙር ክዝሙረለይ ከለዉ ካብ የዒንተይ ቡምባታት ኢዩ፡ብዘይ ፍቃደይ ዝኽፈት።ፍቅሩ ፡ፍቅሩ እወ፡ናይቲ ንዓይ ከም ሰብ ዝሓሰበኒ።መን እንታይ ምሂሩ ኣይኮነን ኣድልዩኒ ዘሎ፡ህጂ መን ብዛዕባ እዚ ልበይ ዘዕረፈ፡ጭንቀተይ ዝቀንጠጠ፡ዘይፈልጦ ሓጎስ ዝዓደለ ኣምላኽ ይነግረኒ ኢየ ዝደሊ በቃ ንዓይ ንሱ ኢዩ ቋንቋይ። ታሪኽ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ሰማይን ይኹን ኣብ ምድሪ ኣይስሕበንን ኣይምስጠንን፡ናቱ ግን ፍሉይ ኢዩ፡ መኣዝኡ።ነፍሰይ ነቲ ናቱ ድምጺ ሃረር ትብል።(መዝ143፡6)ን ጎይታ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ ይብሎ ኣለኹ፡(መዝ119፡28)ይቅጽል,,,,, ናብ ሓሙሻይ (5ይ)ክፋል,,,,,,,,,,,,,,,
             etiqalsgakone@gmail.com

መዝሙር ቁርባን

                                         መዝሙር    ቁርባን
  ዮሐ፡6፡55// ዮሐ6፡51 ኣብ ዝመጽእ ብዛዕባ ስርዓተ ቅዱስ ቁርባን ምስጢረ ቁርባን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክንመሃር ኢና።
etiqalsgakone@gmail.com

Sunday 2 December 2012

ጳውሎስ ወ ጴጥሮስ

ጳውሎሶ ወ ጴጥሮስ በረከቶም ይክፍለነ ኣሜን

ብዝሓተትኹምና መስረት ፍልሚ ኢልኩም ናይ ሎሚ ዓንቲ ቃል ዘለኣለማዊ ሂወት ነቶም ዘለኣለማዊ ቃል ኣባና ዘብጽሑ ጳውሎስን ጴጥሮስ ከተቅርብ መሪጻ ኣላ።ተባረኹ።
etiqalsgakone@gmail .com