5ይ
ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?።
ንልበይ
ሓፍ ሓፍ ኣቢሉ ካብ የዒንተይ ጋሻ ዉሑጅ ክፍልፍል ዝገበረ ።ብዙሕ
ግዜ ኢየ ብዛዕባኡ ምሂረ፡፡ኣነስ ምንባረይ ስለምንታይ ኢዩ።ለምንታይ ዝነብሮ ናብራ ንሱ ይፈትዎዶ ኣይፈትዎን ክብል ግን ብህጂ ኢየ
ጀሚረዮ።ይጥዓም ይሕሰም ሎሚ ቆሪጸ ኢየ።በቃ ንሱ ጥራሕ ይኽበር ንሱ ጥራሕ ይንገስ።ህጂ ኣነ ክሓስር ንሱ ክኸብር ድሉው ኢየ።ይጎዪ
እየ ዘለኹ ድምጺ ብ የማን ኮነ ብጸጋም ዘሎ ኣየድልየንን ኣነ ንቅድሚት ምምራሽ ይሕሸኒ።ዝሓለፈ ግዜ ብዘይክኡ ዝሓለፍኩዎ ይኣክል።
ሎሚ
እንዳ ጠንቆልትን ደፍተራን ምኻድ የለን።ሎሚ እንዳ ፈወስቲ ምኻድ የለን።ሎሚ ሱር ወዲ ሱር ኣየዲልየንን ኢዩ።ሎሚ ክታብ ኮነ ገለ
ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ መውደቅቲ ዛዕጎልን፡ ድግምትን ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ ዝኾነ መከላኸሊ ሰብኣ ስርያ ኣየድልየንን ኢዩ።ካብ ሎሚ
ንደሓር ኣስመኛታትን ኣብ ልዕለይ ስልጣን የብሎምን።ስለምንታይሲ ነቲ ሓይል ጸግዐይ ዋልታይ ዋሕሰይ
ገይረዮ ኢየ።ሎሚ ማንም ዋሕስ ኣየድልየንን ኢዩ። ካብ መን ኢዩ ኸ ዋሕስ ክኾነኒ።እቲ ፈራዲ ንጉስ ኢዩ እኮ ሓራ ኮንካ ኢኻ ኢሉኒ።ሓራ
ኣውጺኡኒ።(ዮሐ 8፡36) (1ይ ቆሮ7፡21)(ገላ5፡1)(ሮሜ6፡22-23)እረ ማንም ፈውሲ ብዘይካኡ ኣየድልየንን ኢዩ።እቲ ፈውሲ
ናይ ኩሎም ዝሓመሙ ዝኾነ ኢየሱስ ረኺቡኒ ኢዩ።
እወ
ብዙሕ ግዜ ነፍሰይ ናተይ ገይረ ኢየ ይሓስብ ነይረ።ነቲ ኩሉ ግዜ ዘንብቦ ግን ከ ስለምንታይ ምዃኑ ዘይተረድኣኒ ቃሉ፡ሎሚ ከስተውዕሎ
ከለኹ፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ ናይቲ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልካዮ መንፈስ ኢኻ”ኢዩ ዝብለኒ ዘሎ።ዘገርም
ኢዩ።ለከ ኣነስ ናይ ኣምላኽ ኢየ።(1ይ ቆሮ፡6፡19) ግን ከንብቦ ከለኹ ደኣ እንበር ምስ ወዳእኩ ንባብሲ ለከ ኣየስተንትኖንን
ስለ ዝነበርኩ ኢዩ።፡ክሃንጸኒ ዘይክኣለ።ዘገርም ነገር ኢዩ።ግን ከመይ ገይረ ኢየ ን ኣምላኽ የገልግሎ ነይረ ክብል ጸኒሐ።ብዙሕ
ግዜ ሂወትና ናይ ኣምላኽ ምዃና ስለ ንዝንግዕ፡ስለኣ ብዙሕ ግዜ ኢና ንጭነቅ፡ብዙሕ ግዜ ኢና ንሽገር ንሻቀል ።ኣነ እውን እዚ ኢዩ
ሃስዩኒ።ለከ እቲ ምስጢሩ ውሽጣዊ ዘይምልዋጥ ኢዩ።ሎሚ ብ ዛዕባ ነፍሰይ ኣይጭነቅን ኢየ፡ልዕለይ ንነፍሰይ፡ዝሓስበላ ዝሓልየላ ደሙ
ከፊሉ ዝዓደጋ ዝተሻየጣ ዋና ከም ዘለዋ ፈሊጠ ኢየ።ኣነ ምስኪን ግን ኣብ ቤት ኣምላኽ ከለኹ ነዚ ከየስተማቀርኩ ዘባኸንኩዎም ግዝየታት
ክዝክር ብጣዕሚ ኢየ ዝሓዝን።ከመይ ዘደንግጽ ይመስለኩም !!!።
ሂወተይ
ክዝክራ ከለኹ ብጣዕሚ ኢያ ተፈንፍነኒ።እጸልኣ ፡ልበይ ብመስተ ሓቢጡ፡ዋላ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተመላለስኩ ከይተረፈ፡ያኢ
መስተ መለለዪ ሃይማኖት ኮይኑ፡ሃይማኖቱ ቀይሩ ከይብሉኒ፡ነታ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ነፍሰይ ብ ፡ዓረቂ፡ቢራ፡ዊስኪ፡ ስዋ፡እንታይ
እሞ ዘየማሰንኩዋ።(1ይቆሮ6፡17) ብሓቁ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣጥፊኡ ንዓለም እንተ ተረብሐ እንታይ ዋጋ ኣለዎ
ዝብለና፡(ማር8፡36)ሎሚ ሰብ ከይብለኒ ዘይኮነስ ኣምላኽ ከይብለኒ ዝብል ናብራ ኢየ መሪጸ ዘለኹ።
ግን
ዋላ እኳ እዚ ን ኣምላኽ ዘግሂ ሂወት ይነብር ተነበርኩ፡ህጂ ምምላሰይ ግን ንዓይ ህጂ ዝተወለድኩ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ።ኣምላኽ ዝሓለፍኩዎን
ዓመታት ከይቆጽረለይ ድማ ይልምኖ፡ሓደ ኢሉ ካብ ሎሚ ክሓስበለይ፡ስለምንታይ ቀደምስ ኣነ ኣይኮንኩን ይነብር ነይረ ።ዓለም ኢያ ኣባይ
ትነብር ነይራ።በዚ ድማ ንዓይ እዚ ከም ዕድመ ኣይቁጸርን ኢዩ። ይገርመኒ ግን ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ክጥመቅ ከለኹ ወዲ ኣርብዓ
መዓልቲ ኮይነ ዝተሓተምኩዎ፡ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣግህየዮ።(ኤፎ4፡3) ንባዕለይ እንዳ ኣግሃኹዎ ድማ፡፡ክንደይ ግዜ ኢየ፡ንባዕለይ
ከይተለወጥኩ ተለወጡ ኢለ ዝመደርኩ።ኣምላኽስ እንታይ ኮን ይስመዖ ነይሩ ይኸውን። ንባዕለይ እንዳ ተጻላእኩ ከለኹ ኸ ሰላም ንግበር ኢለ ክንደይ ግዜ ዘይመሃርኩ፡ክንደይ ግዜኸ ኣይንቀያየም
እንዳ በልኩ ዝይተቀየምኩ፡ክንደይ ግዜኸ፡ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአ ዘይዘመርኩ።ዋእ ምሽ ክስቶ እንሀ ከምኡ ይገብር፡ምሽ ቀሺ ክስቶ
ምስ ቀሺ ክስቶ፡ተጻሊኦም ከለዉ ይቅድሱ ምሽ ኣለዉ፡ ኢለ ኸ ክንደይ ግዜ ኢየ፡ምስ ቂመይ ቤት መቅደስ ዘይኣተኹ።(ሮሜ2፡21-22)
።
ሎሚ
በቲ ኣነ ዝሓለፍኩዎ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ዘግህን ዘሕፍርን ሂወት ፡ሰባት ክመላለሱ ከለዉ ክርኢ ብጣዕሚ ኢየ ዝድንግጸሎም።ዝሓዝነሎም፡ክንደይ
ን ኣምላኽ ዘግሂ ኮንቱ ሂወት ይመስለኩም።ነፍስኻ እንዳ ታዓሻሸኻ ዝንበር ኮንቱ ናብራ።ብየማነይ ብ ጸጋማይ ከምቲ ኣነ፡ነፍሰይ እንዳ
የዕሸኹ፡ኣነ ደኣ እኳ ብሰንኪ ቤት ኣምላኽ ኢየ፡ተጻሊአ፡ምስ ክስቶ ተዃሪየ፡ብሰንኪ ቤቱ ብምባል፡ፍቅሪ ክገብር እንዳ ተገብኣኒ፡ናብ
ስብክት ምጺአ ዝሰበኽኩዎም መዓልታት ክንደይ ኮን ኢዮም።ክንደይ ከ ኢዮም።ውሽጠይ ከይተለወጠ ብቅንእን ጽልእን ዓቲኸ ከለኹ፡ሕቆይ
ክሳዕ ዝስበር ጻዕዳ ነጸላ ተከዲነ እቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ውሽተይ ግን ብጸሊሙ፡ሰላም ክብሉኒ ከለዉ ድንን ኢለ፡ደሓን ዶ ዊዒልኩም
ብምባል፡እግዚኣብሄር ይመስገን ዘይበልኩ።በጃኹም ከምዚ ዓይነት ሂወት እትነብሩ ዘለኹም ሰባት ነፍሰ ቅትለት ትፍጽሙ ከም ዘለኹም
ፍለጡ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,, ናብ 6ይ ክፋል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment