ክንደይ ትጥዕም ።
ክንደይ ትጥዕም ኣንታ ልዑል
ጉድጓድ ተዃዒቱ ኣነ ኣብኡ ከጥሕል
ወጺአ ኣምሊጠ ጠፊኡ ክበሃል
ኣየ ዝናትካ ስራሕ ፍሉይ እዩ ኣታ ልዑል
ኣብየት
ከመይ ዝበለ ምሕረት ኢኻ ለጊስካለይ
ኣድሒንካኒ ካብ ኩሎም ደለይተይ
ዘስግኣኒ
የለን በዚሑ ሰላመይ
ዘበን
ናቶም ሓሊፉ ዘበነይ መጹለይ
ኣወጀየ
ሓርነተይ ኮይነየ ሰዓራይ
ንዓኻ ኣሚነ ብ ጸልማት ክጋዓዝ
ፈተና በዚሑ ብትጽቢት ክድንዝዝ
ግን ኩሉ ለዊጥካየ ገርካዮ ክእዘዝ
ኣየ ክጥዕም ዝንዓኻ ምሓዝ
ናይ
ዘበናት ጾር ማእሰርቲ ተጻረርቲ
ሕሉፍ
ምፍሪራሕ ናይ ሕሱማት መውቃዕቲ
መውጽኢ
ኮይኑኒ ሎሚ ክምስክረሉ ምእንቲ
ሓራ
ወጸ እየ እየ የብለይን ዓጋቲ
ምሕረትካ
በዚሑለይ ኮይነየ ተዓዋቲ
ተወዲኡ እዩ ትሽግር ተሰጊሩ
ትዓቀብ
እቲ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እዩ ኣነ ኣይኮንኩን ዝዛረብ
ሰይፈይ ተዘርግሑዩ ኣይወርድን ካብ መንኮብ
ተበጊሰ እየ እሮማይ ምስቲ እኩይ ክራባረብ
ብሓቂ ምቁር ንዓኻ ምርካብ
ቀሺ
/ሙሴ ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment