Post più popolari

Thursday 27 September 2012

እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓና! መስቀል


       እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ  ኣብጽሓና!   
                            መስቀል
                               ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
መስቀል እንታይ እዩ?፡ኢልና ቅድመ ምሕታትና ቁሩብ ታሪኽ መስቀል መሰረቱ ክንዝርዝር ባህርያዊ እዩ።መቸስ  መስቀል ክለዓል ከሎ ንግስተ እሌነ ከይተዘከረት ኣይትሓልፍን እያ።ስለምንታይ ንሳ ነታ ክርስቶስ ዝተሰቅለላ ሓቐኛ መስቀል ካብ መረት ፍሒራ ስለ ዘውጽኣታ።መሰረታዊ ኣመጻጽእኡ ክንዛረብ ግን መስቀል ኣብ ዘበነ ብሉይ ገበነኛታት ዝስቀልሉ ነበሩ።ን መጀመርታ ግዜ ሰብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተጀመረሉ ድማ ኣብ ናይ ፋርስ መግዛእቲ እዩ።ፋርሳውያን  ነቶም ገበን ዝገበሩ ሰባት እቲ ዘምልክዎ ነበሩ ፡ኦርሙዝድ ዝተባህለ ጣዖቶም መታን ከይረክስን ከይቁጣዕን ነቲ ገበን ዝገበረ ሰብ  ኣብ ሃገሮም ፡ካብ ሰማይ ትሕት ኣቢሎም ካብ መረት ከኣ ኣልዕል  ኣቢሎም ኣብ ዕንጸይቲ ይሰቅልዎ ነበሩ።እዚ ነገር እዚ ድማ  እንዳ ተለምደ ናብ መግዛእቲ ሮማ በጽሐ።
ከምኡ እውን ነዚ ጭካነ ዝመልኦ መቅጻዕቲ ቀዳሞት ፓርሻውያንን(ናይ ሎሚ ኢራን) ሶርያውያንን ግብጻውያንን ቅድመ ሮማውያንን ግሪካውያን ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ታሪኽ የብርህ።ኣይሁድ እውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ ብምንባሮም እዮም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ።ናይ ክርስቶስ ምስቃል ተሪኢና ቀንዲ ተኸሰሰላ ነገር “ንጉስ ኣይሁድ እየ”ስለዝበለ እዩ ዝነበረ፡ከምኡ እውን “ወዲ ኣምላኽ እየ “ብምባሉ ነበረ።
እዚ ነገር እዚ በቲ ግዜ እቲ ብ ዓይኒ ኣይሁዳውያን ከም ዓቢ ድፍረትን ገበንን እዩ ዝነበረ በዚ ድማ እዮም።ከም ገበን ወሲዶም ናይ ሽዑ መራሕቲ ሃይማኖት “ን መንግስተ ሮማውያን ክግምጥል ይሓስብ ኣሎ”ዝብል ምኽንያት ክሲ ኣቕሪቦም ን ሞት ክፍረዶ ን ጲላጦስ ዝሃቡዎ።ዮሓ19፡12። ብከመይ  ሞትከ  ኣብ መስቀል ተሰቀለ፡_ማቴዎስ27፡22-23።ኣብ ሞንጎ ክልተ ሸፋቱ ከም ዓቢ ገበነና እዩ ዝተሰቅለ።ከምዚ ገርካ ንሓደ ገበነኛ ምስቃል ዝብል ነገር እውን ካልእ ተወሳኺ ነይሩዎ እዩ። እቶም ገበርቱ ሰበስልጣን ነቲ ህዝቢ ገበን ንኸይገብር ከም መለበን መፈራርሒ እውን ይጥቀምሉ  ነበሩ።
ኣብ ግዜ ግዝኣት ሮማውያን ክሳዕ 3ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣምልኾ ጣዖታት ልሙድ ኢዩ ነይሩ።ሮማዊ ንጉስ ዝስገደሉ እዋን ነይሩ።እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ግን ዝኣምኑሉ ሓደ ኣምላኽ ስለዝነበሮም እሞ፡ነቲ ናይ ጣዖታት ኣምላኾ ይነጽግዎ ነበሩ።ኣሸሓት ካብኣቶም ድማ ብ ሰማዕትነት ካብዛ ዓለም ይሓልፉ ነበሩ።ከም እኒ ጰጥሮስ።
ብ ተወሳኺ ኣብ ግዜ ኦሪት ዘፍ40፡19።ዘዳግም 21፡22።እዝራ 6፡11 ኣብ መስቀል ዝስቀሉ ሰባት ርጉማት ወይ ድማ ኩኑናት ዝኾኑ ሰባት ጥራሕ እዮም ዝነበሩ።ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን ግን ካብ ስቅለት ክርስቶስ ንደሓር  ግን ናይ ድሕነት ምልክት ኮነ።መስቀል ብርሃን ለኹሉ ዓለም ዓምዳ ወድዳ ለ ቤተ ክርስትያን።መስቀል ንኹሉ ዓለም ዘብርህ መሰረትን ዓምድን ቤተ ክርስትያን ኢዩ።ደጉዓ ዘቅድስት ንሱ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ እውን ዘፍረሰ ሰላምና ኢዩ። ብ መስቀሉ ነቲ ጽልኢ ቀቲሉ ንክልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቆም።ኤፌ2፡14-17። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ፈጣሪኦም ጥሒሶም ፈጣሪኦም ኣሕዚኖም ሕይወቶም ምስ ጎድኡ፡ን መጀመርታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበ ተስፋ”ዘርኢ እታ ሰበይቲ ርእሲ ተመን ክጭፍልቅ ኢዩ”።ዝብል ኣምላካዊ ቃል ኢዩ ነይሩ።ዘፍ3፡15 እዚ ከልካሊ ቀጽሪ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጣሪኦም ንኸይራኸቡ ዓብይ ከልካሊ ኮይንዎም ነበረ።
ነዚ ከልካሊ ቀጽሪ ግን በቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ውዕለት ተደምሰሰ ፈረሰ።ቆሎሴ 2፡14ስለዚ ድማ ኢና መስቀል ነፍቅርን ነኽብርን ገላትያ6፡14-15።
ናብ ታሪኽ ናይዚ ሎሚ ዓንቲ ስለምንታይ ተተመሊስና ድማ ስለምንታይ እዩ?? ። በዚ መዓልቲ እዚ መስቀል ነኽብር ንምንታይ ካብ ኩለን መዓልቲ ተመርጸት ንዝብል ቃል። ከምዛ ሎሚ ንግስተ እሌኒ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል ንምርካብ ብ ወዳ ቁስጢንጢኖስ ዓቢ ብምስሚማዕ መስቀል ክርስቶስ ንምንዳይ ናብ ኢየሩሳለም ተጋዓዘት።ቀደም ኣማኒ ንጉስ ከ ነይሩ ዲዩ ክንብል ንኽእል ኢና ተኾነ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ወዳ ኣማኒ ደኣ ኣይንበር እንበር።ኣብ ሓደ ኲናት ፡ ኣብ ሰማይ በዚ ምስሊ እዚ ኢኻ እትዕወት”ዝብል ናይ መስቀል ምልክት ምስ ረኣየ ፡እሞ ምስ ተዓወተ  ናብ እምነት ክርስትና ካብቲ ናይ ኣቡኡ ኣምልኾ ጣዖት ተመሊሱ ኣትዩ ነይሩ።
በዚ ድማ ንክርስትና ከም ሃይማኖት ኣፍልጦ ሃቦ፡ኣብቲ ንሱ ዝገዝኣሉ ነበረ ቦታ ድማ ክርስትና ጥራሕ ሃይማኖት ኢሉ ኣወጀ።ኣብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ  ኣብያተ ክርስትያናት ይከፈታ ተባህለ።ካብኡ ድማ እያ ንግስተ እሌኒ ን ወዳ የእሚና መስቀል ክርስቶስ ንምድላይ ዝተጓዕዘት ኣብ ምድረ ኢስራኤል ምስ በጽሐት ድማ ኣብ ጎልጎልታ ብምብጻሕ ነቲ መስቀል ንምድላይ ዝፈተነት።ነቲ መስቀል ትደልየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ግን ሓደ ፡ቂራቅዮስ ዝተባህለ ዓቢ ሰብኣይ በቲ ከባቢ ክሓልፍ ሃንደበት ኣጋነፋ እሞ፡ብዛዕባዚ ዝፈልጦ ነገር ተልዩዎ፡ ምስ ሓተተቶ።ካብተን ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ሰለስተ ዓበይቲ ቦታ ብርኽ ዝበላ ርእዩ።”እቲ መስቀል ሓደ ካብዘን (3)ሰለስተ በረኽቲ ኢዩ “በላ።
በዚ ድማ ክትኩዕት  ኣብ ዝሓሰበትሉ ግዜ ብሕልሚ ሓደ ነገር ተገልጸላ፡ዕንጸይቲ ኣኪባ ዕጣን ብምንኻስ ድማ ከምቲ ብሕልማ ዝረኣየቶ ነቲ ዕጣን ዝተነስነሶ እኩብ ኣዕጫው ኣቃጸለቶ።እቲ ትኪ ድማ ትኽ ኢሉ ሰማይ ብምዕራግ ናብ ምድሪ ክምለስ ከሎ፡ ናብ ሓንቲ ካብተን (3)ሰለስተ ቦታ ዓረፈ።ካብኡ ድማ በቲ ትኪ እንዳ ተመርሐት ኩዕትኣ ብምቅጻል፡ ነቲ ብእልቢ ሓመድ ተቀቢሩ ዝነበረ መስቀል ጎይታና ኲዒታ ኣውጽኣቶ ረኸበቶ።
ምስ ረኸበቶ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሽግ ወሊዖም ዘመሩን ኣመስገኑን።እቲ ንሶም ዝወልዕዎ ሽግ ፡ህጂ ንሕና ከም መዘከርታ ሆየ ሆየ ሆየ ብምባል ሽግ ሒዝና ሆየ ንብል ማለት እዩ።ኣብ መስከረም ዝበዓለሉ ምኽንያት ድማ ዋላ እኳ እቲ መስቀል መጋቢት ይረኸብ።እቲ ዝሃነጸቶ ቤተ ክርስትያን ግን  ኣብ መስከረም ስለ ዝነበረን ከምኡ እውን መጋቢት ጾም ብምኻኑን እዩ።በዚ ድማ ቅዱሳን ኣቦታትና ንኽብሪ በዓል መስቀል ክንዲ ኣብ መጋቢት  ኣብ መስከረም ክኸውን ስለ ዝወሰኑ እዩ።በዚ ምኽንያት ኢና ነዚ መዓልቲ እዚ ኩሉ ግዜ ብምዝካር ነኽብሮም።
          ወስብሓት ለእግዚኣብሄር
             

 etiqalsgakone@gmail.com