Post più popolari

Tuesday 23 April 2013

ሓራ ወጺየ !::


                        ሓራ ወጺየ!::

ሰጣን ተሓለንካ ናትካ ክተገብረኒ
ሓራ ወጽየ ኢየ ኢየሱስ ወሲዱኒ
ዝሓለፈ ይኣክል ተፋራረቀ ህይወት
ኢየሱስ ዘይነግሶ ዝመልኦ ኣነንትነት
ተላቂቀሉ ኢየ ሎምስ በቲ ብዓል ናዝረት
ሓራ ወጽየ ኢየ ድሕሪ ደጊም
ቦታ የብሉን ኣባይ ፈሪሳውነት ሕሱም
ኢየሱስ ወሲዱኒ ኢየ ወጺአ ካብ ጸላም
ተሓዚአ ኢየ ንዕዑ ኹሉ ግዝየ
ኣይረኽበንን ሰጣን ዋላ ተደለየ
ክብሪ ንዓኻ ኢየሱስ ብኣኻ ሓራ ወጽየየ
ካብ መንበር መላገጽቲ
ካብ ኣኸባ ሕሱማት ንንጹሃት ወጋእቲ
ኣምሊጠየ በቃ ንጎይታ ከኽብሮ ምእንቲ
ሓራ ወጺአ ኢየ ንጎይታ ኸኽብሮ
ፈንፊነዮ ኢየ ናይ ደቂ ሰብ ምህሮ
ብሓሳበይ ክልወጥ ንኣምላኽ ክሓብሮ
ኣይቆጽሮን ይኸውን ዝሓለፈ ዕድመ
ነዛ ዓለም ምግዛእ ናይ ስጋ ዘቀደመ
ኣምላኽ ኣይሕሰበለይ ንዕኡ ኣሕሚመ
ህይወተይ መሊኡ ጥዑም መዓዛ
ኣምሊጠላ ዓለም ኢለ ከምዛ ዋዛ
ብምንታይ ከመስግን ዝኸፈልካለይ ደምካ
እቲ ኣብ ቀራንዮ ዝወዓሎ ውዕሎ
ካብ ኣፍ ገበል ንህይወተይ መንጠሎ
ንዕርቃነይ ሸፊኑስ ከደነኒ ደበሎ
ሓራ ወጸ ኢየ ካብ ኣምላኽ እዛ ዓለም
ኣይረኽበንን እሮማይ ንዘልኣለም
ተሳዒሮም ኢዮም ሓይልታት ግሃንም
ናይ ፍቅሪ ቃሉ ዓይነይ ከፊቱ
ልበይ መለሶ ዝነበረ ሸፊቱ
መግለጺ የብለይን ነቲ ምሕረቱ
ሓራ ወጽየ የብለይን ዝሕዝ ዓጊቱ
ኣይመስለንን ነይሩ ክንድዚ ዘፍቅር
ኣይኣምን ነይረ ክንድዚ ዝዝክር
ዓይነይ ግን ርእዩ ክብተኽ መኣስር
ሓራ ዘውጻእካኒ ኢየሱሰይ ክበር
ሓራ ኾይነ ርእዮም ሓይልታት ሲኦል
ዓቅሎም ተጸበቦም ተመስግን ክብል
ዝገብሩዎ የለን እንትርፎ ምቅጻል
ኣይረኽቡንን እሮማይ ኣሎ ትኹሉ ዝኽእል
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ።
etiqalsgakone@gmail.com

No comments: