Post più popolari

Tuesday 16 April 2013

1ይ ክፋል መን ኢዩ እቲ ሓቀኛ ጓሳ !??፡


  1ይ ክፋል 
መን ኢዩ እቲ ሓቀኛ ጓሳ !??፡

እቶም ጓሶት ጋና ምስጢር ጓሲነት ተረድኣና ኣይንመስልን ኢና።ግን እቲ ሓቀኛ ጓሳ መን ኢዩ??።ንፉዕ ጓሳ ዝበሃልከ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ቁሩብ ጓስየ ስለ ነበርኩ ብዛዕባ ጓሳ ብዙሕ ኣይጠፍኣንን ኢዩ።ጓሳ ማለት መጓስኡ ዓጽዩ፡ኣብ ገዛ ዝውዕል ወይ ድማ ግደን ዘይብሉ ማለት ኣይኮነን።ጓሳ ማለት ነተን ኣባግዑ ናብ ልሙዕ ሸኻ ሃሰስ ኢሉ ዘፍረን።ኣብቲ ዘይድፈር ሕዛእቲ ዘውዕለን።ስርዓተ ኣመጋግባአን ዝሕሉ።ዓበቅ ዲዩ ዝኾነ ሕማም ከይሕዘን ዝካናኸን ማለት ኢዩ።
ጓሳ ማለት እተን መጓስኦ  ከይዓብርኦ ዝካናኸነን፡መደቀሲአን ለይትን መዓልትን ጽርየቱ ዝሕሉ ዝገደፈ ገዲፉ ብዛዕብአን ዝግደስ ማለት ኢዩ።መግበን ድማ ዋላ ብንጸላኡ ገይሩ መግቢ ዘምጽኣለን ማለተ ኢዩ።እቲ ንፉዕ ጓሳ ከመይ ገይሩ ናተን ጽቡቅ ይርኢ ደኣ እንበር፡ድኻሙ ኣይግድሶን ኢዩ።ኣበይ  የውዕለን ድማ ኢዩ ክሓስብ ዝውዕል።ምረት ወግግ ተይሉ ከቅርሰን ኢዩ ዝወፍር ናይ ህይወቱ እኳ ኣይግድሶን ተመሲሑ ዲዩ ኣይተመሰሐን።ዋላ ጸሙ ስለአን ክብል ኢዩ ዝወፍር ስለምንታይ ምንባሩ ንዕአን ደኣ እንበር ንዕኡ ኣይኮነን።
ነተን ዝጠፍአ ድማ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ኣራጢጡ ክሳዕ ዝመጽኦ ዝጽበ ዘይኮነስ።ኣብ ዝኸድኦ ከይዱ ዝደልየን እንዳ ኣራዊት ዲዩ ዋላ እንዳ ውኻርያ ኣሰረን ክሳዕ ዝረክብ ዝደሊ ማለት ።ንተሰበራ ዝዝንን ንዝደኸማ ዝሕንግር ማለት ኢዩ ጓሳ።ንፈልጥ ዝብል መልሲ ክወሃበኒ ይኽእል ይገብሮ ኢየ ዝብል ቃል ግን ክህበኒ ትብዓት ዘለዎ ሰብ ከምዘየለ ፍሉጥ ኢዩ።
ንሎሚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ።ግን ንሕናኸ ከምኡ ዲና ብሓቂ ጓሶት ዶ ኢና??!!።ን ሞጓሰና ኣበይ ከድና ኢና ንደልየን።ዘሎ መርበብ እንተርነትን ማዕከናት ዜናን ንጥቀመሉ ዶ ኣለና።ተክኖሎጅይ እዛ ዓለም ኣብ ረብሓ ኣምላኽ ዶ ነውዕሎ ዋላስ ኣብ ጠቅሚ ስጋና ጥራሕ ኢና ንጥቀመሉ።ኣበይ ኢየን ዘለዋ እተን ዝጠፍኣ ኣባግዕ ንሕና ኸ ኣበይ ንውዕል።ኣብቲ ንዕአን ክንቋጻጸረሉ እንኽእል በረኽቲ ወጺእና ዶ ንደልየን ኣለና??።ዶ ዋላስ ኮፍ ኢልና ኢና ባዕለን ክመጻና ንጽበ ዘለና።ስራሕ ጓሳ እንበኣር ኣበየ ዘለወኦ ኣቲኻ ኣራዊት ይርከብካ ካሊእ ተባላዒ፡ቀታሊ ይርከብካ መዓሓሪ ምድላይ ኢዩ።ንምዃኑ ጓሶት ዲና??።ጉስነት ከ ከምዚ ዲዩ??።
ጓሳ ማለት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ጥራሕ ዝጭድር ዲዩ ዋላስ ኣበየ በትኡ ክሳዕ እንዳባረት ከይዱ ወንጌል ዘስተምህር ኢዩ።ኣብየ እንዳ ሲነማታት ከይዱ ነቶም ኣብኡ ብ መናፍስቲ ዝውግኡን ዝጠፍኡ ዘለዉን ዝደሊ ኢዩ??።ኣበየ ዕዳጋ ከይዱ ወንጌል ዘበስር ኢዩ።ሓቀናታት ጓሶት ዝኾኑ ሃዋርያት ነዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዕዳጋ ሰበኹዎ።ጓሳ በየን ነተን ሞጓሰ ይስሕበን የዕግበን ለይትን መዓልትን ክሓስብ ዝሓድር ኢዩ። ጓሳ ማለት ክንደይ ገንዘብ ኣሎኒ ኣብ ባንኪ ክስቶ ከምዚኣ ገዚኡ ኣነ ኸኣ ከርክቦ ክነፍዕ ኢሉ ክሓስብ ዝሓድር ኣይኮነን።ጓሳ ማለት እኮ ካልእ ስራሕ የብሉን ብዘይካ ምጉሳይ።ከመይ ገርና ደኣ ክንበሎ ዝብል ቃል ክመጽእ ኢዩ።(1ይቖሮ9፡14)እቶም ናይ ኣምላኽ ካብቲ ወንጌል ክበልዑ ሰሪዑ ኣሎ።ካህን ርስቲ የብሉን።ርስቱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራሕ ኢዩ።(ዘዳ10፡9)
ካልእ ብዛዕባ ንበልዖን ንሰትዮን ክንጭነቅ ኣይኮናን ዘለና።(ማቴ6፡25) ናይዚ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ ደኣ ከጨንቀና ኣለዎ።ኣምላኽና እኮ ብ ኳዃት ዝምግብ ኣምላኽ ኢዩ።(1ይ ነገስት17፡4-6)እዚ ግን ኣይንስራሕ ማለተይ ኣይኮንኩን።(ምሳ6፡6)ንስራሕ ግን ናይ ዕለት እንገራና ተረኺብና ይኣኽለና ኢዩ።ጎይታ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ከምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ ክብለና ከሎ።ናይ ዕለት እንጌራና ክንልምን ከም ዘለና ኢዩ ንኽምህረና ተዛሪቡ ዘሎ።(ማቴ6፡11)ናይ ሎሚ ጓሶት ግን ልዕሊ እቶም ንጓስዮም ብስስዕቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኢና ተታሒዝና ዘለና።ክንደይ ጓሶት ኢና ተዋህበና መኽሊት ዓቢጥና ንነብር ዘለና።
ካብ ኤርትራ ኣትሒዝካ ኤስያን ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣውረጳን መኽሊትና ዓቢጥና ን ዕዮ ኣምላኽ ጸጋም ዕዩይ ብምግባር ኣብ ስራሕ ገዛእ ርእስና ተዋፊርና ዘለና ክንደይ ኢና።እሞኸ ጓሶት ዲና ብሓቂ ።ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና(ኢሳ56፡11)ህሩፋትን ኣኽላባትን ከቶ ዘይጸግቡን ኢዮም።እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ኢዮም።ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ ረብሓ ርእሱ ደለየ።ኩሎም ናብ መመገዶም ዘንበሉ ይብለና ኣሎ።ጓስነት ተዋሃብናዮ ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ክንከውን ኢሉ ኢዩ።ብተፋላለየ ጸጋ ዝዓደለና ከምኡ ዶ እሞ ኣለና።(ኤፌ4፡11-13)ይቅጽልል

No comments: