Post più popolari

Friday 26 April 2013

1ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።


1ይ ክፋል
ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር
ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!

ሎሚ ዓለምና ሃገርናን ህዝቢናን ድማ ብፍላይ ኢድና ናብ ኣምላኽ ከነልዕል የድሊየና ኣሎ።ዘበናት ዝተገብረ ኣምላኽ ዘይብሉ ቃልስን ውግእን  ጎዲኡና እንበር ኣይጠቀመናን።ዋላ እቲ ኣምላኽ የሎን ብሓይልና ኢና ናጽነት ኣምጺእና ተባሂሉ ብፍላስፈታት ኮሚንስቲ ኣስመራ ዝንየተሉ ዝነበረ ዓወት እውን ካልእ ንብዓትን ሓዘንን ስቃይ ወሊዱ እንበር ዘምጽኣልና ለውጢ የሎን።
ሽግር ሃገርና ሽግር ህዝቢና ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ ዝፈትሖ ካልእ መፍትሒ የሎን።ካልእ መፍትሒ የሎን።ዝመጽእ ካልኣዊ ፍታሕ ግን ቀይናን ወይ ድማ ኣዕናዊ ጥራሕ ኢዩ ዝኸውን።ኦ ህዝበይ በጃኻ ኢድካ ናብ ኣምላኽ ኣልዕል።ኦ መንእሰይ በጃኻ ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል ልብኻ ክዓርፍ።ዝረገጽካያ መሬት ክትወርስ።ዕዉት ህይወት ክትነብር ፡ኦ ኣቦታት ኣደታት ኢድኩም ናብ ኣምላኽ ኣልዕሉ።ረድኤትና ካብኡ ጥራሕ ኢዩ መጽእ።ኣዒንትኹም ካብ ክፉእ ደቅኹም ምርኣይን ምስማዕን ክድሕንሲ ኢድኩም ናብ ኣምላኽ ዘርግሑ።(መዝ1212)
ጎራዙት በጽሕታት ኣሕዋተይ ደቂ ኣንስቲዮ፡ምሳኽን ዝነብሩ ደቂ ክትወልዳን ዘበንክን ክባርኽን ኢድክን ናብ ኣምላኽ ኣልዕላ።ሽዑ ኣይከተሕለውልዋን ኢኽን።ካብ ምብልዊና ድማ ክትድሕና ኢኽን።
ኣትን ጥዒሙክን ዘለኽን ኣዋልድ ጽባሕ ከይጣዓስ ዋይ ዋይ ከይትብላን ግደፋ ነዚ ዝብሎ ስምዓ።ኣትን ጢዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ ፡ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ ናብ ዘረባይ ኣድህባ።(ኢሳ329) ኣምላኽ ረሲዕክንኦ ቤት ኣምላኽ ጸሊእክን ፍቅሪ ዓለም ኣዐሽዩክን ኢዩ እሞ።ኣትን ጥዒሙክን ዘሎ ኣንስቲ ተሸበራ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ራዕራዕ በላ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና።(ኢሳ3211) ስጋኽን ደኣ እንበር ህይወትክንስ ጥራሕክን ኢኽን ዘለኽን እሞ ስጋኽን ተኸዲኑ ፡እቲ ኽደን ዝግብኦ መንፈሳዊ ኣካልክን ግን ጥርሑ ተወጸስ እንታይ ኣለዎ።እንበኣር ኪዳን ዘለክን ደኣ መሲሉክን እንበር ጥራሕክን ኢኽን ዘለኽን።ጉልባብ ዝገበርክን ደኣ መሲሉክን እንበር ብዘይ ጉልባብ ኢኽን ትነብራ ዘለኽን።ኣበይ ኣሎ እቲ ክዳንክን ዝኾነ ንኣዳምን ህይዋንን ከዲኑዎም ዝነበረ መንፈሳዊ ጽድቂ።ኣበይ ኣሎ እቲ ኽዳንክን ዝኾነ እግዚኣብሄር።እበይ ኣሎ እቲ ጉልባብክን ዝኾነ ቃል ኣምላኽ። ብምኽንያት ኩለን ኣዋልድ ከታማይ ዓይነይ ንነፍሰይ የሕዝኖ ኣሎ።(ደጉዓ ኤርምያስ351)
ኣትን ኣዋልድ ንእግዚኣብሄር ሓዲግክን ኢኽን እሞ ንኣምላኽ ኣግሃኽንኦ።እንበኣር ናብ እግዚኣብሄር እምላኽ ኢድክን ዘርግሓ።(ኢሳ316-26)እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ኮሪዐን ፡ክሳዉደን እውን ኣትሪረን ኢየን እሞ።በዕንተን ቅምጽ እንዳበላ ግንትእ ብዝብል ኣራግጻን  ሽውሽው ብዝብል ስልማትን እግረን ይኸዳ ኣለዋ።ኣነ ግን ክቀጽዐን ኢየ።እወ ርእሰን ክላጽየን ኢየ።ንጉልባበን ከኣ ክቀልዖ ኢየ በለ።በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ እምባር እግርን ንጥሉፍ መጎልበብን ንሳንቃድርን ክቕንጢጦ  ኢየ።ንኹትሻን እምባር ኢድን መጎልበብን፡ንቖብዕን እበር እግርን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባትን ፡ንቐለቤትን ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን ፡ንኽዳዉንቲ በዓል ባርኖስን፡ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ንመስትያት ቅጭን ዓለባን ንጋማን  መጉልበብን ኪቕንጥጢ ኢዩ።
ኣብ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ጺእ ኪጨንዋ ኢየን፡ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ ኪዕጠቓ እየን።ኣብ ክንዲ ጎተና ነዃዓት ኪኾና ኢየን።ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ ኪኽደና እየን።እቲ ጽቡቕ መልክዐን ድማ በሰላ ንዳድ ሓዊ ኪኸውን ኢዩ።ኣትን ኣዋልድ ከይተረድኣክን ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ትንቢት (ኢሳ41-) ኣባኽን ይፍጸም ኣሎ።
ይኣክል ጥፈኣት ኢድክን ናብ ኣምላኽ ዘርግሓ።ክሳዕ መዓስ ኢና ኣምላኽ ዘይብሉ ሓዳር፡ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት ክንነብር። ክሳዕ መዓስ ኢና ካብ ኣምላኽ ሸፊትና ክንነብር፡ክንዲ ጾሎት ጎይላ።ክንዲ መዝሙር ደርፊ መግቢና ኮይኑ ኣምላኽ ከንግህዮ ኣምላኽ ክሳዕ መዓስ ኢዩ ክሓድገና ኣቱም መንእሰያት ብጽሕነትን ንእስነትን ሓላፊ ኢዩ እሞ ኢድኩም ናብ ኣምላኽ ዘርግሑ። ኣቱም ዓያሹ፡ኣእምሮ ተመሃሩ፡ኣቱም ደናቑር ኽኣ ለብሙ (ምሳ85) ኣቱም ጸማማት ስምዑ ኣቱም ዕዉራት ከኣ ክትርእዩስ ጠምቱ (ኢሳ4218) ኣምላኽ ቅረቡዎ ንሱውን ኪቐርበኩም ኢዩ። ኣቱም ሓጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ ።ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ። ዘበንኩም ክባረኽ ኢድኩም ናብ ኣምላኽ ኣልዕሉ።
ኣምላኽ ዘይብሉ ጎልጎል ጸድፊ።ኣምላኽ ዘይብሉ ለምለም ዝመስል ልሙዕ ጠጥዒ ኸኣ ምድረበዳ ኢዩ።ኦ ህዝበይ ንጹህ ደም ከይፈስስ።ስቃይና ከኽትም።ዳግማይ ስቃይን ኲናትን ከይንርኢ። እግዚኣብሄር ምሕረት ክህበና ስለ ዝደለየ ይጽበ ኣሎ እሞ በጃኹም ኢድኩም ዘርግሑ።እስከ ንሕሰብ ክንደይ ኢዩ ተሰጊሩ ክንደይከ ይስገር ኣሎ።እንታይከ ይጽበየና ኣሎ።እኳዶ ኣይነስተውዕልን።እንበኣር ናብቲ ዝሞቶልና ክርስቶስ ኢድና ነልዕል።ብኡኡ ኢዩ ሰላም ብእኡ ኢዩ ዕረፍቲ ብእኡ ኢዩ ቅሳነት።እሞኸ ኣብ ሓዳርና ኣብ ቤትና ኣብ ናብራና፡ኣብ ስራሕና ኣብ ሃገርና ኣብ ከባቢና ዶ ክንሕጎስ ሰላም ክንርኢ ንደሊ ሎሚ ኢድና ናብ ኣምላኽ ነልዕል።ኦ ጎይታ ደጊም ይኣኽለኒ ዘድከምኩኻ ንበሎ።ደጊም ይኣክል ዝበደልኩኻ ንበሎ።ይኣክል ዝሓደግኩኻ ንበሎ።ክምሕረና ይጽበ ኣሎ።
              etiqalsgakone@gmail.com

No comments: