Post più popolari

Tuesday 16 April 2013

1ይ ክፋል ንጹር መልእኽቲ ወንጌል። ንጹር መልእኽቲ ወንጌል::

        1ይ ክፋል ንጹር መልእኽቲ ወንጌል።

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል

ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዳግም ምውላድ’ ወይ ‘ምድሓን’ እንታይ ማለት ምዃኑን ናብ ናይ ምድሓን መድረኽ ከመይ ገርና ክንመጽእ ከም ዝግበኣና ክንርኢ ኢና።ክ
ሰብ ቀዳማይ ንኽድሕን ክገብሮ ዘለዎ ነቲ ስለ ሓጥያትና  ኣብ መስቀል ዝሞተ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምን ኣለዎ።(ግብ16፡31)ስለምንታይ ኢዩ፡ብክርስቶስ ምእማን ዘድልየና ንብል ንኸውን።ኣምላኽ ን ኣዳም ኣብ ዝፈጠረሉ ግዜ ፡ኣምላኽ ን ኣዳም ኣብ ገነት ኮፍ ምስ ኣበሎ።ሓደ ትእዛዝ ሃቦ፡ንሱ ድማ ካብ ኩሉ ኦም ብላዕ ካብታ ጽቡቁን ክፉእን እተፍልት ኦም ግን ኣይትብላዕ ካብኣ ምስ ትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ካብኣ ኣይትብላዕ ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እሞ፡(ዘፍ2፡17) ኣዳም ነዚ ትእዛዝ ፈጣሪ ጢሒሱ ነታ ኣብ ኣይትብላዕ ዝተባህላ ኦም ብምብላዑ ብምብላዕ ሞተ።እዚ ሞት እዚ ግን ኣብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ደቁ እውን ዝሓለፍ ኢዩ ዝነበረ።ነዚ ሞት እዚ ግን ክድምሲሶ ዝኽእል ከምኡ እውን ክመልኮ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ መረት ስለ ዘይነበረ።ኩላትና ሰባት ስጋውን መንፈሳውን ሞት ንመውት ነበርና።።
እቲ ፈቃር ኣምላኽ ግን ንሰብ ክመውት ኣይሓደጎን።ግድን ንሰብ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ ድማ ክንድኡ ባዕሉ ክመውት ደለየ።በዚ ድማ ንጹህ ክንሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞት፡(ሮሜ5፡8)ንሱ ንሕና መታን ሂወት ክንረክብ ኣብ ክንዳና ንህይወቱ ኣሕለፈ።(1ይዮሓ3፡16)ንሕና ጋና ምዉታትን ካብ ኣምላኽ ርሑቃት  ዝነበርና፡መታን ከቅርበና ስለና ስለ ዓመጽቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞተ ብስጋ ሞተ፡ብ መንፈስ ግና ህያው ኮነ።(1ይጴጥ3፡18)(ሮሜ5፡6)ንሕና ካብታ ከተማ ወጻኢ ንዝተሰጎግና ናብ ውሽጣ መታን ከእትወና ኣብ ወጻኢ እታ ከተማ ተሰቅለ።(ዮሐ19፡20)
በዚ ድማ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ክርስቶስ ብስቅለቱ ገይሩ፡ነቲ ከልካሊ ቀጽሪ ብምፍራስ፡ነቲ ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ዝነበረ ጽልኢ ቀቲሉ፡ ምስ ኣምላኽ ኣታዓረቀና።(ኤፌ2፡14)(ኤፌ2፡16)ጸላእቱ ከለናስ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቅና፡(ሮሜ5፡10)(2ይ ቆሮ5፡18)ክርስትያን እንበኣር ነዚ ብስጋ ሞይቱ ብ መንፈስ ግን ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ክኣምኑ ባዕሉ ከምዚ ክብል ተዛረበ።”,,,,,ብ ኣምላኽ እመኑ ብኣይ እውን እመኑ’’(ዮሐ14፡1)”ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተኳ ብ ህይወት ክነብር ኢዩ፡’’(ዮሐ11፡25)(ዮሐ6፡47)ዮሐ11፡26)።
በዚ ድማ ሰብ ምስ ኣመነ እቶም ናይ ምእማን ዓቅሚ ዘለዎም ማለት ኢዩ።በዚ እውን ሰብ ካብ ላዕሊ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ መታን ክውለድ ናይ ክርስቶስ ጥምቀት ተድልዮ ማለት ኢዩ።ምስኡ መታን ክንትንስእ ብእኡ ንጥመቅ፡(ቆሎ2፡12) (1ይጴጥ5፡1)በዚ ድማ ንሱ ፈለማ ክእዝዝ ከሎ፡ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቅኩም፡ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ክሕልው ኸኣ እናመሃርኩም፡ደቀ መዛሙርተይ ግበሩዎ,,።ኣጥምቁዎም፡ዝኣዘዝኩኹም ክሕልዉ ድማ መሃሩዎም በሉና።(ማቴ28፡19-1-20)።ይቅጽልል
               Etiqalsgakone@gmail.com

No comments: