Post più popolari

Sunday 28 April 2013

2ይ ክፋል ሆሳዕና ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት


2ይ ክፋል ሆሳዕና
ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት

ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካሊእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ስምጋናኦም መዝሙር እንረኽባ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልና፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡
ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን።
ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ። ንሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም።
ንእግዚኣብሔር ዘይግዛእን ንዝበለ ህዝቢ ከም ሳኦል ዝበለ ጓሳ የእዱግ ይገዝኦ።መግዛእቲ ኣምላኽ ዘይደለየ ወይ ዘይደሊ ህዝቢ ኣእዱግ ዝሕሉ ጓሳ መጺኡ ኣብ ልዕሊኡ ይነግስ።ዘገርም ነገር ንኣምላኽ ኣይንግዛእን ብምባልና ክንደይ ሓለውቲ ኣእዱግ ኮን ኢዮም ዝገዝኡናን ዝረግጹናን ዘለዉ።እስከ መግዛእቲ ኣምላኽ ንድለ።ንኣምላኽ ንስኻ ኣብ ልዕለና ኣይትነግስ ኢኻ እስከ ኣይንበሎ።ተዘይኮነ ግን ብዛዕባ ንግስነት ተመክሮ ዘይብሉ ሓላዊ እእዱግ ንጉስና ኽኸውን።ንሕናን ብዘላ ቤትናን ድማ ባረቱ ክንከውን ኢና።
መንግስቲ ሳኦል ን ኣምላኽ ዘይተኽብር መንግስቲ ምስ ኮነት ድማ  መንግስቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ዳዊት ተዋህበት፡ እቲ ከም ሳኦል ዝበለ ርጉምን ን ኣምላኽ ዘየኽብር ንጉስ ንግስነቱ ተሓዲጋ ን ባርያኡ ትወሃብ።መንግስቲ ዳዊት ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ነበረት ኣምላኽ ን ኣቦና ዳዊት  ን መንግስትኻ ካባኻ ንዝውለድ ወድኻ ክህቦ እየ ዝበሎ ንግዝይኡ ን ወዱ ሰለሙን ክኸውን ከሎ ፍጻመ ግን ጎይታና ካብኡ ከም ዝውለድ ቃል ኣትዩሉ ንዝነበር ጎይታ እዩ ዝነበረ።ገብርኤል መልኣኽ ብስራታዊ እውን ነዚ እዩ ዝተዛረበ (ሉቃ1፡33)።ካብ ናብ ብስዉር ትመሓላለፍ ዝነበረት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ  ብ ወዲ ኣምላኽ ምውላድ ስለ ተገልጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ ኢሎም ዘመሩ።
 ኣብዚ ግዜ እዚ መሲሕ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ መላእ ከተማ ብኹላ<<እዚ መን እዩ??>> ኢላ ተናወጸት።ህዝቢ እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ነብይ ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ኢዩ በሉ። ሽዑ ድማ እዩ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ናይ ንግዲ መእከል ንዝተቀየረ ቤተ መቅደስ እዚ ቤት ጾሎት እዩ ቤተ ንግዲ ኣይኮነን ኢሉ ብግልጺ ዝገሰጾምን ዝተቃወሞምን ዝጎሓፎምን።ሎሚ ነዚ ታሪኽ እዚ ክንዝክር ከለና እዛ ንነብረላ ዘለና ቤት መቅደስከ ካብ ዘበን ንጉስ ዘርዓ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ።ኣብ መቅደስ እንታይ ኮን ኢዩ ነጊሱ ዘሎ??።እዛ ናይ ኣምላኽ  ቤተከ ናብ እንታይ ተቀይራ ኣላ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ተትዛረቡስ ኣይምተኾንኩምን ነርኩም ከም ዝበለና።(2ይቆሮ13፡5) ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ካልእ እምነታት ዘሎ ጉድለት ካብ ንጽብጽብን ካብ ብዛዕባ ካልኦት ካብ ንዛረብን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናኸ ናብ ምንታይ እንዳ ተቀየረት ኢያ ትኸይድ ዘላ።ከነስተውዕልን ውሽጥና ክንፍትሽን ምኽንያት ምብቲታናን ምድካምናን ምፍራስ ዕርዲታትናን ምዝማት ምርኮናን እንታይ ኢዩ ኢልና፡ካብ ስምዒታዊ ኣኽራሪ ኦርቶዶክሳውነት  ናብ ፍጹም ሓቀኛ ርዱእ ክርስቲያናዊ  ኦርቶዶክሳውነት ብምስትውዓል ክንዓቢ ይግብኣና ኢዩ።ንሕና ኣበይ ኣለና ትምህርቲ ናይ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ይብል ኣሎ??።ብሓቂዶ ኣብቲ ቀዳሞት ናይ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝመስረቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኣለና ኢና??።ናበይ ኢና ንጸድፍ ዘለና፡መዝሙርና ስብከትና ብዘሎ መገዲና ዓይኒና ከፊትና ኣበይ ኣለና ክንርኢ ኣለና።
ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን መናፍቅን ጠባርን ዝኸብረላ፡ሓቀኛን ሰባኺ ወንጌልን ዝሓስረላን ዝስጎጎላን ዝዋረደላን።ቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂሉ ሓሳብ ሰብ ዝነግሰላ ኮይና ኣላ።ሓሳውን መፍቀሪ ረብሓን ዝኸብረላ፡ልኡም ክርስቲያናዊ ወንጌላዊ ዝዕዘመላን ዝእሰረላን።ሓሶት ዝነግሰላ ሓቂ ዝቅበረላ።ቃል ኣምላኽ ተገዲፉ ቃል ንጉስ ዝኸብረላ፡ኣምልኾ ተገዲፉ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኸብረላ፡ካራ ዘይኮነስ ሰፈር ካራ ኢዩ ዘድልየ ተባሂሉ ዝምጎተላ፡ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ስሞም ዝጽልሙላን ዝጽረፉላን ተቀይራ ኣላ።ቅዱስ ፓትሪያርክ ተሓይሩ ብተወገዙ ሰባት ሓቂ ዝዕበጠላ ኮይና ኣላ።ነዚ ኢና እንበኣር ከም ጎይታና ክንድንኩል ክንለዓል ዘለና።
ሎሚ ብዛዕባ ካብ እምነትና ወጻኢ ዝኾኑ ክንምድር ግዜ ዘባኸናዮ ዘኽሰረና ብምርዳእ፡ከምኡ እውን ንኻልኦት ክንወቅስ ካብ እነንቅድ ብ መጀመርታ ቤትና ከመይ ኣላ ኢልና ቀው ኢልና ምዕዛብ ከድልየና እዩ??።(1ይቆሮ5፡12) ጉዳይ ቤተ መቅደስ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘሓበሻ ኣበይ ኣሎ??ከመይ ኣሎ??።፡ቤተ ክርስትያን ናብ ምንታይ ተቀይራ ኣላ፡ናብ ቤተ ምክፊፋል ፡ናብ ቤተ ኮሬነላት፡ ናብ ቤተ ነገስታት ፡ናብ ቤተ ፖሎቲካ፡ ናብ ቤተ ኣጻላላም፡ናብ ቤተ ንግዲ ሎሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝመጽእሲ ምስ ኣዮናት ኮን ምረኸበና ምስቶም ቤተ ክርስትያን እንዳ ተሓመሰት ከላ ጽቡቅ ኣላ ኢሎም ዝኸዱ ዘለዉዶ ምስቶም ኣብ ውሽጣ ኣትዮም ዝነግዱ ወይሲ ምስቶም ዘናግዱ።ከምቶ ኣብ ግዝይኡ ዝጎሓፎም ዶኾን ምጎሓፈና ነይሩ።ንሶም እኮ ጽቡቅ ኣለና ኢዮም ዝብሉ ዝነበሩ ምስትውዓል ስለ ዘይነበረም።ግንከ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽስ ናብ ቤተ ንግዲ ደኣ ን ቤት ኣምላኽ ቀይሮሞ ነበሩ።
ትዘገርም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ገሊኦም ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ ስለምንታይሲ እቲ ንግዲ ኣብ ቤተ መቅደስ እቲ ዘጸይፍ ንዕኦም ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጸንሖም ለሚዶሞ ሓድሽ መሲሉ ኣይርኣዮምን ኢዩ ነበረ።ሓድሽ ንዕኦም እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ነበረ ጥራሕ እዩ ዝነበረ።ሎሚ እንበኣር ከምቲ ንሱ ቤተይሲ ቤት ጾሎት ትበሃል ንስኹም ግን ቤተ ንግዲ ገበርኩማ ዝበሎም። ተዓጢቅና፡እዚ ቤት ጸሎት ደኣ እንበር ቤተ ንግዲ ኣይትግበሩዎ።እዚ ብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሰረሉ ደኣ እንበር ቤት ካልእ ኣይትግበሩዎ ንበሎም።
ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ሓያል ተዋፋይነት ከድሊየና ኢዩ።ነፍስና ቀቢጽና ግን ንበገስ ፡ዝድንኮል ክንድንኩል ቤት ክርስቲያን ክርስቶስ ጥራሕ ዝኸብረሉን ዝውደሰሉን ደኣ ክኸውን ኣለዎ።ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ዝነግሰሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎም።ንሶም እኳ ነቲ ጥንታዊ መገዲ ብዘይም ፍላጦም እንታይ ነይሩ ከመይ ኢዩ ነይሩ ክሳዕ ዝበጽሕዎን ዝምርምርዎን ከምቲ ጎይታ ነቶም ህዝቢ ከውጽኦም ከሎ ዝሓደሾም ኣብ ግዜና ኸኣ ነቲ ዘይነበረን ዘይግቡእን ነገር ሎሚዶሞን ኣብኡ ድማ ስለ ዝጸንሖምን ተሓደሶም፡ ምስ በጽሕዎን ንድሕሪት ተመሊሶም እቲ ጥንታዊ መገዲ ምስ ተመልከቱን ምስ ተዓዘቡን ግን ተነሲሖም ኣሰርና ክስዕቡ ኢዮም።ስለዚ ንኹሉ ን ኣምላኽ ዘየኽብርን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅን ካብ ቤት ኣምልኾና ከነርሕቅ ከም ጎይታ ከነልዕል የድልየና ኣሎ። ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል,,,,,,
etiqalsgakone@gmaail.com
fathermusieshishay@gmail.com

No comments: