Post più popolari

Sunday 18 May 2014

ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።

 ሱዳናዊ  እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።


ኣብ ሃገረ ሱዳን እትነብርን፥ብትውልዲ ሱዳናዊት ዝኾነትን፥ ሰዓቢት ክርስቶስ ተኸታሊት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ዝኾነት ፥ ጋል 27 ዓመትን ናይ (8) ሾመንተ ወርሒ ጥንስን፥ ዘለዋን፥ኣዴ ወዲ 20 ወርሕን ዶግቶርን፥ ዝኾነት ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም  ይስሓቅ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን ናይ ሚኢቲ ግርፋት ኩርማጅ ምስ ተገርፈት ድሕሪ ሕርሳ ብማሕነቅቲ ክትምወት፥ ንሞት ተፈሪዱዋ።
እቲ ብ 16/5/2014 ዝወዓለ  ሰይጣናዊ እስላማዊ መጋባእያ፥ብኽልተ ነገር ኢዩ ከሲሱ ንኦርቶዶክሳዊት  ዶግቶር፥ዶግቶር ማርያም የሕያ ኣቅሪቡዋ።
1ይ፣ ካብ ምስልምና ናብ ክርስቲና ብምቅያራን
2ይ፡ክርስቲያን ሰብኣይ ብምምርዓዋን ኢዩ።
ብትውልዳ ሱዳናዊት ዝኾነት እዛ ኣዴ, ብዘይካ ክርስቲያን ምኻን ካልእ ገበን ከምዘይብላን፥ነቲ ክርስቲያን ሰብኣይ ምምርዓው ግን፥ባርባራዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ  ክርስቲያን ብምምርዓውኪ ዙሙት ኢዩ፡ ክብል፥ ክብል ዕዉር ፍርዲ ሂቡ።
ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ብምቅያራን ዝሙት ብምፋጻምክን ኣብ ዝብል ክሲ ድማ፥እቲ ዕዉር ሕልና ዘይብሉ ቤት ፍርዲ፥ንስኺ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ስለ ተወለድኪ ኣስላመይቲ ኢኺ ዋላ፥ ኣዴኺ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኹን፥ቀይርኪ እንበር ኣስላመይቲ ኢኺ፥ዝገበርክዮ ዲማ ገበን ኢዩ ኢልዋ ኣሎ። ።
ስለምንታይ ካብ ኣስላማይ ተወልደ ዘበለ፥ኣስላማይ ኢዩ ይብል ቁርዓን ኢሉ  ክዛረብ ኣብ ዝፈተነሉ ንዘረብኡ "ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ንክርስቶስ ድማ የፍቅሮ ኢየ፡ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሓመድ ኣይፈልጦን ኢየ።በቲ ትጽወዓኒ ዘለኻ ድማ ኣይትጸውዓኒ፥ኣነ ኣስላመይቲ ኮይነ ኣይፈልጥን ኣይከውንን ድማ ኢየ"።ኢላ ውድቂ ገይራቶ ኣላ።
ብተወሳኺ ድማ ንሳ ድማ ብትሪ ''ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ብክርስቲያናዊ ስነ ምግባር ድማ ኢየ ዓብየ፥ነይረ ፥ብህጂ እውን ክርስቲያን ኮይነ ኢየ፥ዝቅጽል ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ" ክትብል ብትብዓት መሊሳትሉ ዘላ።
እዛ ብገዛእ ወለንተኣ ናይ ቅድስት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተኸታሊት ዝኮነት  ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም በዓልቲ ሓዳርን ነፍሰ ጾርን ኣደ 20 ወርሒ ህጻን ኮይና፥ ሰለ ክርስትና ኣብ ቤት ማሕዩር ምስ ወዲ 20 ወርሒ ማርቲን ወዳ ተዳጊና ንሞት ትጽበ ትርከብ!!።
እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ እዚ ደኣ ናብ ማዕከናት ዜና በጺሑ እንበር፥ብዙሕ ግዜ ንሰባት ኣብ ተፋላለዩ ሃገራት ዓረብን፡ኣፍሪቃን ብሞት ቀጺዑን ኣጋፊዑን፥ ኢዩ።ክንደይ ህጻናት ክዝኽትሙን፥ሰባት ክሃልቁን፥ሰሪሑ ኢዩ፥ብሽም ሃይማኖት እስልምናን ሕጊ ሸሪዓን።ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ምዕብልቲ ዓለም ንሰብ ንሕና ዝኣመናሉ ዘይ ኣመንካ ኢልካ፥ህይወቱ ከተስእኖ ዘስደምም ኢዩ።እንተ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ግን ነዚ ለሚዱዎ ኢዩ ።
ወ/ሮ ማርየም  ቅድመ ህጂ  ተኣሲራ ከም ዝነበረት ምስ ወዳ ኣብ 2013 ብዘይ ክስን  ገበንን ግን ከም ተፈትሐት ዝዝከር ኢዩ።

ህጂ እውን ከም ብሓድሽ ካብ 7 ለካቲት 2014 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ  ብዘይ ዝኮነ ይኩን ገበን ተኣሲራ ኣላ።ዶግቶር ማርየም ካብ ኦርቶዶክሳዊት ኢትዮጵያዊት አዴን ካብ ሙስሊም ኣቦን ዝተረክበት ኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ኢያ።
ኣቦኣ ጓል 6 ዓመት እንከላ ሰለዝገደፈን ምስ ወላዲታ ድማ ብክርስቲያናዊ ስነ ምግበር ተኮስኪሳ ዝዓበየት እያ።እንተ ኮነ ኣብ ሕጊ ኣስላም፥ቁርዓን፥ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ዝተወልዱ  ከም ሞስሊም ኢዮም ዝቅጸሩ።ስለዚ ወይ ኣስላም ኮይኖም ይቅጽሉ ወይ ድማ፥ብማሕነቅትን ነታ ኣምላክ ዝፈጠራ ነፍሲ፥ብኮንቱ የጥፍእዋ።
ቤት ፍርቲ ሸሪዓ ካርቱም፥ ብተደጋጋሚ ክርስትና ሃይማኖት ክትክሕድ ምሕረት ድማ ከም ዝግበረላ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕድል ወላ እንተ ገበረላ።ዶግቶር ማሪያም ኢብራሂም የሕያ ግን ሃይማኖታ ከም ዘይትቅይር ብምርጊጋጽ፥ ቅኑዕ ውሳኒኣ ኣረጋጊጻ።ኣብቲ እቲ ፍርዲ ዝተዋህበሉ፥'ንወድኺ ተዕብዪ፥ሕራይ ዘይትብሊ፥ስለምንታይ፥ወዲኺ መን ከዕብየልኪ ኢዩ ምስ ተባህለት" ብትብዓት ን ወደይ የሱስ ከዕብዮ ኢዩ፡ካብ ፍቅሪ ወደይ ፍቅሪ ኢየሱስ መሪጸ ኣለኹ።ወደይ ድማ ዓብዩ ኢዩ፡ወዲ ክልተ ዓመት ኮይኑ "ክትብል ተባዕ ሃዋርያዊ ግብሪ መልሲ ሂባ ኣላ።
ውሳነ ዶግቶር ማሪያም ንብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣገሪሙን ኣርእስቲ ኮይኑን ኣሎ።ብዙሓት እውን"ሓርበኛ ናይ ዘበና ናይ እምነት ኣዴ ክብላ ሞጊሰንኣ ኣለዋ።ዶግቶር ማርያም ልዕሊ ዝኾነ ን ጎይታና ኢየሱስ ከም ኩሎም ቅዱሳን ሃዋርያት፥ብትብዓት፥እስከ ፍረዱ ንኣምላኽዶ ንሰብ ምእዛዝ ይበልጽ ኢሎም ዝሓለፉ።ክትሓልፍ ምውሳና"ናይ ዘበና ተባዕ ሃዋርያ ከብላ ኪኢሉ ኣሎ።
 http://www.ilsussidiario.net/News/Esteri/2014/5/17/MARIAM-YEHYA-IBRAHIM-Puo-una-madre-amare-Gesu-piu-del-figlio-che-ha-in-grembo-/499685/
ነዚ ውሳነ እዚ ምስ ወሰደት ድማ ኢዩ፥እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን፥ ሚእቲ ግርፋት  ድሕሪ ምውላዳ ብማሕነቅቲ ህይወታ ክትሓልፍ፥ ናይ ሞት ፍርዳ ከም እትወስድ ትማል ሓሙስ ዕለት 15/05/2014 ዳኛ ቤት ፍርዲ ዓባስ ኣል ከሊፋ ውሳነ ዝሃበ።
እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ከም እትክእል ገሊጹ፡ኣብቲ ወቅቲ ብዓሰርተታት ዝቅጸሩ ህዝቢን ፈተውቲ ፍትሕን ተጣበቅቲ መሰል ወዲ ሰብን፥ ክርስትያናትን፥ ናይ ክርስቲያን፥ናጽነት መሰሎም፥ ንክሕሎ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ጥርዓኖም ከስምዑ ከለው።

 http://www.dailymail.co.uk/news/article-2628895/Sudanese-woman-eight-months-pregnant-flogged-death-unless-she.html
ብኣንጻሩ ድማ፥ ኣብ ተመሳሰሊ እዋን ተከተልቲ ምስልምና ነቲ ጨካንን ባርባራውን ግፍዐኛን ኣረሜናውን ፍርዲ ምስ ሰምዑ፥ ሓጎሶም" ኣላህ ወኣክበር" እና በሉ ናይ ደስታን ዓወትን ሲሚዒቶም ገሊጾም።"ኣላህ ወኣክበር"ትብል፡ቃል ብተደጋጋምን ብብዝሕን ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ሰባት ክቀትሉን፥ኣብ ምቅጻል ኣብያተ ክርስቲያንት እንዳ ተሳተፉን፥ሰባት እንዳ ጨወዩን እንዳ ቀተሉን፥ ክጥቀሙሉ ምስማዕና ሃይማኖት ምስልምና  ፖሎቲካ ግዲ ኢዩ ኢልና ክንሓስብን፥ክንግረምን ኣብ ርእሲ ምግባሩ። ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሃይማኖት ኢልና ክንግምት ኣጸጋሚ ኮይኑና ኢዩ ዘሎ።ስለምንታይሲ ሓደ ሃይማኖት ሰብ ብምድሓን ኢዩ ዝፍለጥ።ሓደ ሃይማኖት ብርህራሀ ኢዩ ዝፍለጥ፥ብፍቅሪ ኢዩ ዝፍለጥ፥ነዚ ኹሉ ግን ክሳዕ ህጂ፥ካብ ኣሕዋትና ኣብ ሞስሊም ሃገራት ተሓሪሙና ይርከብ።
ብዙሓት ናይ ዓይነ ተዓዘብቲ  እውን ነቶም ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ሰምዑ"ኣላህ ወኣክበር"፡ዝብሉ ነበሩ ኣስላም፥ምስ  ረኣዩን፥ሰዓብቲ ምስልምና ሰብ ብሚማቱ ሓጎሶም ምግላጾምን፥ምዕላሎምን፥ብተደጋጋሚ ዲማ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣስላም እዚ ብደረጃ ሃይማኖት ምርኣዩን። ፖሎቲካ እንበር፥ምስ ኣምላክ ዘተሓሕዝ እምነት ከም ዘይብሉ ተረዲእና፥ሸሪዓ ዝበሃል ድማ፥ቀንጻሊ ጽሑፍ ኢዩ ክብሉ ኮኒኖም ኣለዉ።እዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ነቲ ሃይማኖት ሕማቅ ስእሊ፡ዝህብ ኢዩ፡ክብሉ እውን ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ በዓል ቤታ ዳንኤል ላዊ፥ምስ ሲንን ኣብ ዝገበሩ ሓጺር ቃለ ምልልስ፥"እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥኹን፥እንድዒ፥ከመይ ክኸውን ኢዩ፥ኣነ እውን ብዘይከኣ ክነብር ኣይክእልን፥በቃ ይጽሊ ኣለኹ፥በቃ ጸሎት ይገብር ኣለኹ"ክብል መልሲ ሂቡ ኣሎ።
 http://edition.cnn.com/2014/05/15/world/africa/sudan-christian-woman-apostasy/index.html?hpt=hp_c1
ምንስተር ዜና ሱዳን ብወገኑ፥"ሓንቲ ሰበይቲ ንሞት ተፈሪዳ ኢሎም ሽም ሱዳን የጸልሙ ኣለዉ"።ክብል ኣስተሓቂሩዎ ኣሎ።እቲ ምንስተር ክዛረብ ከሎ፥" ጽቡቅ ዕድል ተዋሂቡዋ ኣሎ፥ን ሰለስተ መዓልቲ ክትሓስብ ተዋሂቡዋ ኣሎ፥ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ይደልዩ ኣለዉ፥ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ተዘይ ተመሊሳ ድማ፥እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃባ ኢዩ"ብምባል ንሰለስተ መዓልቲ ሰብ ከይሞተ ብምጽንሑ፥ፍትሒ ኢዩ ክብል፥ሂትለራዊ ባህሪያት እቲ ቤት ፍርዲን መንግስቲ ሱዳንን ኣንጸባሪቁ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ መገዲ፥ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ ክርስቲና፥ነዚ መሪር ብሽም ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝወርድ ዘሎ፥ቀዛፊ ስጉምቲታት ብምኹናን፥ማርያም ሓራ ክትወጽእ ኣለዋ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ።
ነቲ ጉዳይ፥ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ዝበሃል፥ምእንቲ መሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቅ ትካል ኪኹኒኖ ከሎ፥ኢምባሲታት ጀርመንን፥ነዘርላንድስ፥ዓዲ እንግሊዝን፥ኣመሪካን፥ካናዳን ሆላንድ፥ክቃወመኦን ክኽኒነኦን ከለዋ። ሚንስተር ወጻኢ ዓዲ ጥልያን ብወገኑ ተሌፎን ናብ መንግስቲ ሱዳን ብምድዋል ፡ኢታሊ ነቲ ፍርዲ ከም ትኹንኖን፥ኣንጻር እዚ ፍርዲ ከም ትሰርሕን ግልጺ ብምግባር ነቲ ፍርዲ ኮኒኑዎ ኣሎ፡መንግስቲ ሱዳን ናይ ምቅያር ግላዊ መሰላ፥ክሕሎን ብምጽዋዕ፡እቲ መንግስቲ፥መሰል ክርስቲያናት ክሕሉ2005 ዝፈረመቶ ውዕል ዝጻረር ኢዩ እውን ኢለንኦ ኣለዋ።
  ብ ወገና እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ዝወሰኖ ውሳነ፥ተንካይን ናግራምን ንጽልኢ ዝዕድምን ብምኻኑ ብምውጋዝ፥ሰይጣናዊ ውሳነ ብምባል ኣውጊዝናዮ ኣለና።
እዚ ፍርዲ እዚ ንዶግቶር ማርያም ጥራሕ ኣይኮነን ተዋሂቡ ዘሎ።ነቶም ክስቶ ክትመውት ኢኻ ተባሂሎም ዘይተረድኡ፥ንሞት ግን ተሓጽዮም ዘለዉ: ካብ ክርስቲያን ሰበይቲ ዝተወልዱ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ።ክርስቲና ሃይማኖት ዝመረጹ፥ዝተዋህበ ዘይ ሰብኣውን ኣዕናውን ፍርዲ ኢዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ዝነበረን ዘሎን ጽቡቅ ዝምድና ህዝብታት ደሪኹዎም ተፋቂሮም፥ክልተ ተፈላለዩ ሃይማኖት ዝተመርዓዉ ኣለዉ።ደቆም እውን፥ደስ ዝበሎም ሃይማኖት ዝሓዙ ኣለዉ።ብፍላይ ኣብ ግዜ ቃልሲ ተወለዱ።ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ኣጸቢቅና ኢና ንፈልጥ። እዚ ፍርዲ እዚ ኣብ ልዕለኦምን ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉን፥ዝተወሰደ ጨቃኒ ፍርዲ ብምኻኑ ኮኒናዮ ኣለና።
እሞኸ ንድሕሪ ህጂኸ እንታይ ኮን ኣዳሊዩሎም ይህሉ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ።ንሓደ ክርስቲና ዝመረጸ፥እሞ ድማ ካብ ክርስቲና ዝውለድ ነዚ ፍርዲ እዚ ምሃብከ፥ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃይማኖትካ ኢድካ ምእታውዶ ኣይኮነን።ከም ዝፍለጥ ካብ ኣስላማይ ዘይውለድ የሎን፡ካብ ርእስና ጀሚርካ፡እሞኸ ብዘይ ድልየትና ኣስላም ስለ ዘይኮናስ፥ክንሕነቅን ብዳርባ እምኒ ክንቅተልን ይግባእ።ኣምላኽ ተኾነኸ፥ነዚ ይቅበሎዶ፧ ጥራሕ ኣይኮነን፥ንኹሎም ነቶም ካብ ክርስቲያንን ኣስላምን ዝተወልዱ።ሃይማኖት ምስልምና፥ናይ ሞት ፍርዲ ኣዳልይሎም ከም ዘሎ ዘረኢ፥ኢዩ።እዚ ድማ ንሰላምን ፍቅርን ዞባናን ኣካባቢናን ዝጻባእ ብምኻኑ ኣትሪርና ንኹኒኖ።

ፍትሒ ካብ ኣምላኽ ኢዩ።ኣምላኽ ድማ ን ማርያም ሓፍቲና ፍትሒ ከም ዘውጽኣላ እምንቶ ኣለና።
ኣምላኽ ንማርያም ሓፍቲና ሞቁሓ ይስበር ኣሜን።
ዳዊት 146:7
ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
 
መተሓሳሰቢ!።
ብተወሳኺ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ፥ሳይን ፐተንሽን ንግበር ኢና ንዓኣ ንምሕጋዝ፡ድምጺና ኣብዚ ክሊክ ብምግባር ነዚ ተገብረ ፍርዲ ሰዓብቲና ክቃወሙዎ ንጽውዕ!።
http://www.change.org/en-GB/petitions/government-of-sudan-don-t-execute-8-months-pregnant-mariam-yehya-ibrahim-for-being-christian

No comments: