፩) 1ይ ክፋል
(መን ዩ ቶኽላ!???::ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ (ግብሪ ሃዋርያት/20:29/ ፳፥፪፱)ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።ቄናን ነገር ዚምህሩ ካባኻትኩም ኪትንስኡ ኢዮም።ኢሉና ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ፤ካብ ደገ ኣይበለን ካብ ማእከልኩም ኢዩ ዝበሎም ነቶም ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ክርስቲያናት።እዚ ቃል እዚ ሎሚ ንዓና እውን ይበሃለና ኣሎ ነዞም ኣብዚ ዘበን እዚ ኒነብር ሰባት።
እስከ ንሕሰብ ምናልባሽ ተጠንቀቁ ካብ ተኻሉ ክንብል መዋእልና ተኻሉ ተቀይርና ክይንህሉ፤እስከ መገዲና ንፈትሽ ።መን ኢዩ ቶኽላ መንከ ኢዩ፤ካብቲ ሃዋርያ ቅዱስ
ጳውሎስ ዝጸሓፎ ወጻኢን ምስኡ ዝጋጮን ሰባት መታን ክስዕብዎ ቄናን ትምህርቲ ዝምህር ዘሎ።ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘበነ መዋእሊሁ ከምዚ እንዳበለ ፤መደቡ ተዛረበ፤(፩ይ ቆሮንቶስ ፪፥፩፡፪)ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።ይብል ቅዱስ ጳውሎስ;; መደብ ቅዱሳን እዚ ኢዩ ነይሩ፤ከመይ ገይሩ ሰብ ንኢየሱስ ክርስቶስ፥ጥራሕ ክፈልጥ ነበረ፤መቸስ ትግርኛ ኢዩ።ሎሚ ግን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቕለ ካልእ ነገር ክፈልጥ ዝምድብን ሰባት ክፈልጡ ዝሰብኽን ቄናን መገዲ ዝምህር ዘሎ ቶኽላስ መን ኢዩ፧፤
ቅዱስ ጳውሎስ ካልእ ንሰብኽ ኣሎና ኣይበለን፤ወይ ድማ ከምዚ ንውስኽ ኣሎና ኣይበለን።ከምዚ ደኣ በለ (1ይ ቆሮንቶስ 1:23)ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ንኣህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።ኢሉ ብምውሳኽ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ከምኡ ቅዱሳን እውን ከምኡ ከም ዝሰበኹ ይዛረብ።ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ክርስቶስ ኣትኪራን ኣርእስቲ ገይራን፡ክትሰብኽን ክትነግርን ኣለዋ፡ዋላኳ ሓደ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝለዓለ ሕቶን፡ርእይቶን ብፍሉይ፡ኣርእስቲ ገርካ ብዛዕባ ቅዱሳንን ብዛዕባ ካልኦት ነገራትን ክስባኽ ግቡእ ተኾነ ኣርእስቲና ግን ክርስቶስ ክኸውን ይግባእ፡ስለምንታይ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረከበትና ነገር ኣዚ ኢዩ።ሃዋርያት ኣውን ዝሰበኹዎ ነገር ተደኣ ኣሎ እዚ ኢዩ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክብርቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ኣትሒዝካ፡ክሳዕ ሃዋርያትን ነበያትን መልአኽታትን ተጠቂሶም ይርከቡ፡ተኾነ፡ንሶም ኣርእስቲ ኮይኖም፡ብዛዕባኦም ክስበኽ ስለዘለዎ ዘይኮነ መጽሃፍ ቅዱስ ኣምጺእዎምሲ፡ኢየሱስ ስለዝመጸ ኢዮም፡ከም ህሉዋትን፡መሰኻኽርን፡ተዋሳእትን እቲ ነገራት ዝቀረቡ፡ኣርእስቲ በዓል ቤት ግን ክርስቶስ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክጅምር ከሎ፡ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ኢዩ ዝጅምር።ስለዚ ድማ ኢዩ፡ክርስቶስ ክውለድ ከሎ፡እቶም ጓሶት፡ድንግል እትኣክል ብድንግላ ሰብ ምውላዳ ገሪሙዎም፡ንዓኣ ክሰብኩን ፡ክሰግዱላን፡ክነግሩን ከበስሩን ዘይንርእይም፡ነቲ ንጉሰ ነገስት ዝኾነ፡ክርስቶስ ግን ፡(ማቴ2:1-2)እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ክንሰግደሉ መጺእና እናበሉ፡ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ።መጺኦም ድማ ኣብቲ መብልዒ ማል ከምዝረኸቡዎን፡ገጸ በረኸት ከም ዘበርከትሉን መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ።

ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ስብከታ ክርስቶስ ክከውን ይግባእ።ቅዱሳን ክብሪ ይግበኦም፡ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክብሪ ይግበኣ ግን።ኣርእስቲ ኣይኮነትን ኣርእስቲናን ስብከትናን ክርስቶስ ክከውን ይግባእ።ንኽብራ ዝትንክፍ ኣብ ዝጎንፈና ግዜ ግን መታን ሰብ በቲ ክፉእ ነገር ከይጋገ ፡መልሲ ክንህብን፡ነቶም ጉጉያት ድማ ብፍቅሪ እቲ ሃቂ ከነረድን ይግባእ።ክስበኽ ዘለዎ ግን ክርስቶስ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢዩ ዝብል።(1ይ ቆሮንቶስ 15:11)እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።ድማ ይብለና።ነዛ "ንስኹምእውን ከምኡ ኣመንኩም" ትብል ዘላ ወሲድና እስከ ነስተንቲና:ክርስቶስ ጥራሕ ከም ዝስበኽ፥ካልእ ዘይኮነ፥ይዛረብ፤ኣሎ።
ዋእ ከምኡዶ ኣሚና ኢናስ ዋላ ኣይኣመናን፧ከምኡዶ ንሰብኽ ኣሎና ዋላ ይንሰብኽን ኣሎና፧ ።ከምኡ ኣይኣመናን፤ገሊእናስ ኢየሱስ ኢየሱስ ኢልካ ኩሉ ግዜ ምዝራብን ምስባኽን ናይ መናፍቃን ኢዩ፤ግድን ካልእ ክዉስኽ ኣለዎ፡ሓደ ሰባኺ ኦርቶዶክሳዊ ምዃኑ ክፍለጥ ተደኣ ኮይኑ፥ ንብል፤ሰብ ሓደሽቲ መገዲ ንቃላቀል ኣሎና።ግንከ ናይ ሓቂ ንሓደ ሰብ ቶኽላ ዲዩ ዋላስ ቅኑዕ ጓሳ ምዃኑስ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስቲ ንድንግል ማርያም ምስ ዝሰብኽ ጥራሕ ኢዩ ዝብል ቀኖና ወይ ድማ ጥቅሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ኮን ምረኸብናን መርትዖ ሃባ ንዝብለና መረዳእናን።ነዚ ኣብ ቀኖናና ኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘየለ ስጋዊ ጥበብ ግን ተዃሉ ዘብል ኢዩ።ናይ ሓቂ ግን ፡ንሓደ ሰብ ቅኑዕ መምህር ዲዩ ኣይምህሩን፡ወይሲ ከመይ ገይርና ኢና ነለልዮ፡ክንፈልጠሉ እንክእል መገዲ ሓንቲ ነገር ኢዩ፡ሂቡና ዘሎ፡መጽሓፍ ቅዱስ። ንሕና ኢና ተረከብቲ ወንጌል ህድሪ፡ኣቦታቲና ኢዮም ከኣ ንወንጌል እንዳ ተሰየፉ ንክርስቶስ ሰቢኾሞ፡ሎሚ ንክርስቶስ ጥራሕ ምስባኽ ገይጋ ኢዩ፡ንብል ተደኣ ኣሎና፡ካብ ጥንታዊ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ነንሻርትት ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግበኣና።(1ይ ዮሐንስ 4:2-3)
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።2ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡3ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።ብምባል ነቲ ናይ ሓሶት ነብይ ንፈልጠሉ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።ከምኡ እውን (2ይ ዮሐንስ1፡7)ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓቲያን ናብ ዓለም መጺኦም ኣለዉ፡እቲ መስሓትን ፡እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ ኢዩ።ኢሉ ብምብራህ።ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑ ግን፡ንሶም ኹነኔ ከም ዘይብሎም ከምዚ ገይሩ ኢዩ።ዝገልጾም(ሮሜ8:1)እምበኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኩነነ የብሎምን።እንታይ ዲያስን ንሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስቶስ ኢዩ፡ጎይታ ንዕኡ ክብሪ ንሃብ እንተበለ፡ቶኽላ ኢኻ ክበሃል ዝፍተን ብሓቂ እዚ ጉምጡል ስነ ሞጎት ኢዩ።ብሓቂ ገሊእናስ ተዃሉ ተቀይርና ኣሎና።
እወ ገሊኦምሲ ሰባት መታን ክስዕቦምን ንሰባት መታን ከግሊሉን ቄናን ካብ ትምህርቲ ሃዋርያት ዝወጸ፥ስብከት ዝምህሩ፤ሃዋርያት ንክርስቶስ ስበኽ እንዳበሉ፥ ንሱ እውን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ስበኹ እንዳበለ፥እንበር ንኻልኦት ስበኹ ንብል።ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገድስ ብዛዕባ ክርስቶስ ክሳዕ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቄናን ትምህርቲ ዝምህር ዘሎ ቶኽላ ኢኻ።እንበኣር ገሊኦምሲ ተጠንቀቁ ካብ ተኻሉ እንዳበሉ መዋእሎም ተኻሉ ተቀይሮም ይነብሩ ኣለዉ። ሰኣን፤ተኻሉ ምኻኖም ዘርድኦም፥ንገዛእ ርእሶም ተኻሉ እንዳበሉ ክኹኒኑ ይነብሩ ኣለዉ።ንቶኽላ ነለሊዮ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ስለምንታይሲ መጽሓፍ ቅዱስ እስትንፋሰ ኣምላኽ ስለዝኾነ፤ድርሳነ ሰባት ስለዘይኮነ።
እምነት ወይ ድማ ሃይማኖት ማለት ቃል ኣምላኽ ተመጊብካ ፈጣሪኻ ትፈልጠሉን ትእዛዝ ኣምላኽካ ትሰምዓሉን ትእዛዙ ብፍርሃት ፈጣሪ ተደሪኾም፥ንዝነገሩኻ ድማ ካብ ኦም ሰሚዕካ ትነብረሉን ቅዱስ ባህሪ ኢዩ።ዝኾነ ይኹን ተኾነ ከም እንርእዮስ ሃይማኖት ናብ ፖሎቲካ ክቅየርን ሰባት ተደለዩ ሎሚ ንኣምን ይብሉ ጸኒሖም ንጽባሒቱ ከኣ : ኣይ ዘይኣምነሉ ኢሎም ሰባት ንምውቃዕ ዝጥቀምሉን ብፍላይ ድማ ዘይምምሃርን ዘይምንባብን ህዝቢና ተጠቂሞምም ንረብሓኦምን ከብዶምን ዝነብሩሉ ሰባት ንሰባት ዝወቅዕሉን ኮይኑ ንረኽቦ ኣሎና።
ርሑቅ ዘመን ከይከድና ሎሚ ኣብ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ዘሎ ዘመቻ ኢዩ። እስከ ነስተውዕል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኣምነለን ሰለስተ ጉባኤታት ኢየን፥እታ ራብዓይቲ ኬልቄዶን ዝብልዋ እካ ኣይትቅበላን፥ድሕሪኡ ድማ ኦርቶዶክስ ዝገበረቶ ጉባኤ ኣይነበረን የሎን፥ካብኡ ከም ንዕዘቦ ኩለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ከከም ርዲኢተን ክኸዳን ክጓዓዛን ንርእየን።ከምዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢትዮጵዯን ዝግበር ፥እንክትርእዮ ኣገልገልቲ ኢና ብዝብሉ እንበርዶ ክርስቲያናት ኢዮም ኢኻ ትብል።ክንደይ ኣገልገልቲ ብርትዕ ኣብ ዝብሊሉ : ንምድቋሶም ኵውቅዑ ኢና ንርእይ ዘለና።
በዚ ድማ ወይ ጨበድበድ ኢሉ ናብ ካልእ እምነት ይኸይድ ወይ ድማ ተዳሂሉ ፥ተዳኺሙ ሞራሉ ክርትም ኢሉ ተሰይሩ ከም ብላይ ኣቅሓ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ካብ ኣገልጊሎት በቴ ክርስቲያን እንዳበኸየ ምስ ፍቅሩ ይፍለ።ኣበርኪተኡ ኣብ ቁሩምርም ጥራሕ ተሓዚኡ ዘባራትዖ ሲኢኑ ድማ ግዳይ መስተን ስኽራንን ኮይኑ ሰኽራም ብምልዋጥ ተስፋ ይቆርጽ።:ተኾርሚዩ ኣብ ገዛኡ ይተርፍ ማለት ኢዩ። ናይዚ ዋና ኣካየድትን ቀየስትን ድማ ሰብ ክርእዮም፥ኣብ ቤት ኣምላኽ ቅዱሳን ዝመስሉ፥ሊቃውንቲ ኢና ኢሎም፥መምህራን ፊደል ብምኻን፥ክታብ ገበርና ዶ ዋላ ፈውሲ ሃብናክን ዝብሉ።ፈውሲ ዓይነት ኣውጻእኩልክን፥ማይ ዲጋም ደገምጉልክን ኢሎም ገዛ ገዛ ገንዘብ ዝምእሪሩ፥ማይ ዲጋም ኣቦይ ክስቶ ፈውሲ ኢያ ዝብሃለሎም፥ ኣፍራስያን ቤተ ክርስቲያን፥ጠንቆልትን ኣስመኛታትን ፥ብለይቲ ምስ ብልሆር ሓዲሮም ብቀትሪ ኸኣ ወንጌል ከይስበኽ፥ሃይማኖት ጠፍአት ኢሎም ኣይትሓዙኒ ኢሎም ልቢ ሰብ መታን ክሰልቡ፤ሓለይቲ እምነት መሲሎም ገዳይ ዝብሉ ።
ኣቦይ ክስቶ ደኣ ይምሕሩ ኢዮም እንበር መዓስ ይፍውሱ እንዳ ተባህለ፤ክታብ ክተቡለይ በሎም ዝበሃሉ። ኣሳሰይትን ሓመስትን ዘቅርብዎ ክትርእዮ ከለኻ፥ምስ ትምህርቲ ጥንታዊት ኦርቶዶክስ ኣይሰማማዕን።ካብቲ ዝገብሪዎን ልምድን ባህልን እምነትን ብምጽንባር፤ነቲ ድኹም ዝብልዎ ሰብ፥ክስቶ ደኣ ከምዚ እንዲዩ፥ኢሎም ብምስዳዕ ነቲ ቅኑዕ ይወግእዎን ከም ዘይይትንስእ ይሃርሚዎን።ቁሩብ ብልሕ ዝበለ፥ዓይኒ ኣብርህ ዘበለ ክበጽሖ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ተተገሚቱ ድማ ፥ህዝቢ ከሰንብድ ከምዚ ይብል፥ቀስ ኢልካ ኢዩ፥እኮ ደሓር ነቲ ህዝቢ እምነቱ፥ ኽሓድጎን ምስ ካልኦት ሓደ ዝኾናን ክመስሎ፥ኢሎም ኣዐርስን የብልዎ።
እዚ ናይ ውሑዳት ምሁራት ኢና ዝብሉ ጥቅመኛታት ተንኮል:ንቤተ ክርስቲያን ዘበናት ምሉእ መሸጢ መጻሕፍቶምን፥መጋባበርያኦምን ብምግባር ደቂ ፋሕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡን ገይሮም ንቤተ ክርስቲያን ወላድ መኻን ገይሮማ ኢዮም።ደቃ መሰረታዊ እምነት ኦርቶዶክስ ስለ ዘይተማህሩ፤ኣብ እምነቶም ርእሰ ተኣማኒነት ክሳዕ ዝስእኑ:" ህጂ ዝመጹ ኸኣ ኢየሱስ ተቀበሉ ኢየሱስ ተቀበሉ ይብሉና" ኢሎም ክሳዕ ዝጭነቁ ኮይኖም።ሃይማኖትና ቅንዕቲ ኢያ ኢና ንሰምዕ ኣበይ ደኣሉ ዘሎ እቲ ሓቂ ኢሎም ክሳዕ ዝጭነቁ፤ክንዲ መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ሚምሃር።ክንዲ ክርስቶስ መን ኢዩ፤መዓልታዊ ትምህርቲ ዝወሃብ ወንጌል ንኸይስበኽ ጥራሕ፤ፕሮግራማት ብምጽባብ፤እቲ ምሉእ ግዜ ኣብ ካልእ ብምውዓል፥ ገይሮሞም።ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ክርስቶስ ክሳዕ ዝሰኧል ምጽዓር፥ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፥(ገላትያ 4:19)ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።
ንህዝቢ ኣብ እምነቱ ዘለዎ፥ተኣማኒነት ከም ዘጥፍኦን ዓይኑ ናብ ካልእ ቁልሕ ከም ዝብልን ብኻኣልኦት ከም ዝሰልልን ገይሮም፤ንዐኦ ተገዲሶምን ክብሮምን ረብሓኦምን ኢዩ፤ክንደይ ኣባግዕ ጠፊአን ክንደይ ኣባግዕ ከ ሎሚ ወሊደን ክንደይ ፈርየን ኣይንታየንን፤ንሕናን ዕላማንን ስለዝኾኑ ዋላካ ብኣፎም ተታዛረቡ ኣብ ግብርስ፥እንድሕሪ ደኣ ድልየትና ዘይትቅበል ኮንካ፥ኣማኒ ኦርቶዶክስ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ ክትርሕቅ ኣለኻ፤ከምቲ ዝኃብናካ ባህልን በቲ ንዓና ዝርድኣናን ተኸድካን ብእኡ ከገልግል ኢየ ተደኣ ኢልካን ግን ዋላ ምስ ኣጋንንቲ ተዕልል ኩን፥ሰብ ኣዕብድ ሰብ ፈውስ ምስ ኣጋንንቲ ኮንካ ትንክፍ ኣየብሉኻን፤ናይዚ ዘረዲኦ ድማ ፥ረብሓ ደኣ እንበር ብዛዕባ ነብሲ ዘይምኻኑ ኢዩ።
እቲ ንሶም ዝቃለዕሉን እቲ መስክን ህዝቢ ድማ ሓቂ ዝፈልጠሉን ንሶም ኣፎም ዝሕዙሉን ግዜ ኣኺሉ ኢዩ።ኣብ ኣፎም መርገም እንበር ምርቃ የሎን፤እተን ንሶም ዝሓባበሊወን ነፍሳት ድማ እሮማይ በቲ ኣስማተኛ መንፈስ ስለ ተወቅዓ፥ንዕኦም ዝተንክፈለን ኣይፈትዋን።ስለምንታይ ነቲ ሓላቃ ተተንኪፍካዮ እቶም ሰራዊቱ ኣብአን ሰሪጾም ዘለዉ ስለዝለዓሉ ኢዩ።ሰንኮም ሎሚ ህዝቢ ኢየሱስ ኢልካ ምዝራብ፤ናይታ ወሃቢተ ብርሃን ኦርቶዶክስ ትምህርትን እምነትን ከሎ፥ናይ መናፈቃን ኮይኑ ክሳዕ ዝርድ ኮይኑ ኢዩ።
ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን እግዚኣብሄር ሎሚ ንሶምን ኣተሓሳስባኦም እንዳ ተሳዕረ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ለዓለ ይኸይድ ኣሎ።ይብንቁሶ ኣሎ:መጽሓፍ ብቅዱስ፤ሓንቲ ቃል ከተንብብን ኣብ የእምሮኻ ተዛሪኣ ዝነበረት ክርዳድ ክትብንቆስን ሓንቲ ትኸውን ኣላ። ።ንሶም ጽግዕ ኢሎም ናብ ዓለም፥ናብ ፖሎቲካ ተሰጊጎሙኻ፥ዘዳኽም የሎን: ተስፋ ዘቁርጽ ሃይማኖት ዘቀይር ምኽንያት በፍጹም የሎን።፤ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበና ተክኖሎጅይ ምጽእ ኢልካ ነቲ ግዳይ (victum) ዝኾነ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ነጊርካ ነዞም ኣምላኾም ከብዶም ሕፍረቶም ከኣ ኣብ ነውሮም ዝኾኑ ጥቅመኛታት፥ከምዚ ኢዩ ዝብል ዘሎ ኢሎም ሽምካ ከኽፍኡኻን፥መገዲ ከጋግዩን ተሪኢኻ፤እዚኣ ኢያ እታ ሓቂ ንመን ትስዕቡ ከም ዘለኹም ኣስተውዕሉ ምባል ኢያ።
ይቅጽልል,,,,,,,, ናብ 2ይ ክፋል

No comments:
Post a Comment