Post più popolari

Sunday 6 January 2013

2ይ መልእኽቲ ልደት


2ይ መልእኽቲ ልደት
እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።(ሉቃ2፡10)
                                                   ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ(ሉቃ2፡10)
                                     
ኩቡር ኣንባቢ ሎሚ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ከም ዝተሓጎስካ ፍቅርኻ ኣርእዮ።ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ዘይትነብር ዘይትንሳሕ፡ምስኡ ርክብ ዘይብላ ሂወት ሒዝካ ትነብር ተሊኻ ብሓቂ ክርስቶስ ኣይተወለደን ኣሎ ኢልካ ንልደቱ ትኽሕድ ኣለኻ ማለት ኢዩ።ሎሚ ልደት መዓልቲ ክንዲ ናብ ቁርባንን ጸሎትን ንስሓን ናብ እንዳ ሳዕሳዒትን ጓይላን ባንድን ትጎዪ ተሊኻ፡ከምቲ ንክርስቶስ ንምሕራድ ዝተጓየየ ሄሮዶስ  ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ፍለጥ።ሃገርና ክትባረኽ ፡ስድራና ምዉቅቲ ክትከውን ፡ቤትና ክትባረኽ ሎሚ ንክርስቶስ ኣብ ቤትና ኣብ ገዛና ስብ ሂወትና ክውለድ ተፍቂድናሉ ጥራሕ ኢዩ።
ልደት ማለት ትርጉሙ፡ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ??፡ ኣምላኽ ከ ስለምንታይ ኢዩ ክሳዕ ክንዲዚ፡ ክሳዕ ወዱ ምሃብ ንዓለም ኣፍቂሩዋ። ን ኣምላኽ ተመስግነሉን ሞሳ ትመልሰሉን እንበር።ከምቲ ዝጸንሐ ዘይክርስትያናውን ኣረማውን ባህሊ፡ብ ጓይላን፡ዳንከራን መስተን ኣይኮነን።ብምብላዕን ብምስታይን ብምስካርን ኣይኮነን፡ዉህበታት ብምልዊዋጥ ኣይኮነን፡ሂያብ ምሃብ እኳ ዘይጽላእ ተኾነ፡ኣብዛ መዓልቲ ልደቱ ነቲ በዓል በቴ፡ ሎሚ ተወለደ ደኣ ህያብ ንሃቦ ቅድም።እቲ ካባኻ ዝጽበዮ ህያብ ድማ ሂወትካ ኢያ።
እስከ ክንደይ ልደታት ኢየን ኢየሱስ ልርስቶስ እቲ ኣምላኽ ካባኻ ክያብ ብሃንቀውታ ዝተጸበየለን ፡ንስኻ ግን ዒጭ ይሓንፍፍ ኢልካ፡ኣብታ መዓልቲ ልደቱ ከተግህዮን፡ብልደቱ ከምዘይተሓጎስካ ንምግላጽን ፡ኣብቲ ቦታ ድያብሎስ ዝኾነ ፡ኣብ ናይት ዲዩ ጓይላ፡ባንዲ ዝሓደርካ።ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ክርስቶስ ዘይኮነስ ሰጣን ካብ ተሓጎሰ፡ንልደት ጎይታ ናብ ልደት ካልእ ቀይርካዮ ከም ዘለካ።ሎሚ ጓይላ ክትገብር ኣይኮነን ንሱ ዝጽበየካ ዘሎ።፡ጓይላል ኣምላኽን ዘራኽብ የብሎምን።እዚ ፈቀዶ ተሌብጅናትን ሬድዮን ዝግበር ዘሎ ያዕያዕን፡ ዳንከራን እንበኣር ኮነይ ኢሉ ሰጣን ልቢ ሰባት ንምዕሻውን፡ ሓንጎል ሰባት ንምጥዋይን፡ንምትላልን፡ ዝገብሮ ተንኮል ምኻኑ ኣስተውዕል።እሞ ግደፍ ን ኣምላኽ ኣይተግህዮ።ጎይታ ሎሚ ካባኻ ዝደልዮ ፡ከተመስግኖ፡ክትዝምረሉ ፡ዝተረፈ ሂወተይ ንስኻ ክበረሉ ኢልካ፡ንዓለም ሓዲግካ ናብኡ ክትቀርብ ኢዩ።ጎይታ ካባኻ ዝድለዩ ፍቃዱ ክትገብር ኢዩ።ጎይታ ካባኻ ዝደልዮ ዮም ተወልደ ብርሃን ዓለም ክትብል ክትምስክር ኢዩ።
እሞኸ ከምኡ ዲና ዘለና፡ኣበይ ደኣሎ ክርስትናና፡ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት መስተ፡ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ናይ ዓለም ፍቅሪ ሰባት ኢና እሞ ንሕሰብ ደኣ።ኣብዛ መዓልቲ ልደት ክንደይ ሰባት ኢዮም፡ጽቡቅ ዝገብሩ ዘለዉ መሲሉዎም ን ኣምላኽ ከግህይዎ፡ ምስ ዲያብሎስ ኮይም ክሰኽሩን ክዓብዱን፡ክዝምዉን፡ከጎይሉዉን ፈቀዶ ባንዲታት ማዕሮ ንሓጢኣት ብገንዘቦም ክገዝእዎን ዝሓድሩ ዘለዉ ዘህዝን ኢዩ፡ኣምላኽስ ክንደይ ኢና ኾን ነግህዮ ዘለና።ጉድ ኢዩ እኮ ተረኺቡ ዘሎ።
ክርስትያናት ኢና እንዳበልናስ ግንከ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሂወትና ምኽባር ንክርስቶስ ክንከልኦ።ሙዚቀኛታት ዓዲምና ግዳይ እቲ ድያብሎስ ዝኸብረሉ ጓይላን፡ሆሆን ክንከውን።ኦ ህዝበይ ግደፍ ነቲ ክሳዕ ክንድዚ ዘፍቀረካ ኣምላኽ ኣይትግህዮ!!።እዞም ዝሰኽሩ ጓይላ ዝገብሩ፡ቅንኣት ዘለዎም ዝቀትሉ፡ከምዚ እውን ዝገብሩ ን መንግስተ ኣምላኽ ከምዘይወርሱዋ ቃል ኣምላኽ ይዛረብ።ቅንኣት ፡ስኽራን፡ጓይላ ,,ከምዚ እውን ዝገብሩ ን መንግስተ ኣምላኽ ከምዘይ ወርሱዋ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩኹም እብለኹም ኣለኹ”ይብል ቃል ኣምላኽ።(ገላ5፡21)እንበኣር እቲ ብስኻርንን ጓይላን፡መስተን ክንነብር ከለና ን ኣምላኽ ዘግሃናዮ ግዜን ዘበናትን ይኣክል !!።(1ይጴጥ4፡3)
ልደት ክርስቶስ ትንቢት ዝተፈጸመሉ።፡(ኢሳ7፡14) ፡እቲ ተበቲኹ ዝነበረ ርክብ ኣምላኽን ሰብን ፡ዝተሓደሰሉ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ዕለት ኢዩ።ኣብዚ ዕለት እዚ ሎሚ ሓቢርና ክርስቶስ ቀሪብና ብ መንፈስ ምስቶም ሽዑ ዘመስገኑ ጓሶት ነመስግኖ።
ካብቲ ዓለምና ሰላም ሲኢናትሉ ዘላ ጠንቂ ድማ ነቲ እቶም ሰራዊተ ሰማይ ዝሃቡዎ ቃል ብቅኑዕን ብኸምኡን ተረዲኣ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ስለ ዘይከአኣለት ኢዩ።”እቶም ብዙሓት ሰራዊተ ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸንቢሮም፡ክብሪ ን ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ሞድሪ ኣብ ሞንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ኣመስገኑ።(ሉቃስ2።13-14)ሰላም ትርከብ ንክርስቶስ ዘኽብር ሂወት ምስ ዝህልወካ ኢዩ።ሃገር ሰላም ክትረክብ፡ ንክርስቶስ ከተኽብሮን ኣብኣ ዘለዉ ሰባት ድማ ንክርስቶስ ዘስምሩን ክኾኑ ኣለዎም፡ሽዑ ሰላም ይረኽቡ።
ሰላም ነቶም ን ኣምላኽ ዘስምሩ፡ን ኣምላኽ ዘሕጉሱ ጥራሕ ኢያ ተዋሂባ።(ሉቃስ2።14)ስድራ ሰላም ክትረክብ፡ ንክርስቶስ ከተኽብሮ ክትክእል ኣለዋ።ከባቢና ሰላም ዝረኽብ ብሓፈሻኡ ኸኣ ንነብረላ ዘለና ዓለም ሰላም ክትረክብ ንክርስቶስ ከተስምር፡ከተሕጉስ ተኺኢላ ጥራሕ ኢዩ።ንክርስቶስ ዘይተኽብር፡ዘይተሕጉስ ዘይተስምር ሃገር ንክርስቶስ ዘይተኽብር፡ዘይተስምር ዘይተሕጉስ ስድራን ዓድን ግን ሰላም ክረኽባ ዘይሕሰብ ኢዩ።
ምንጪ ጢመት ስእነት ሰላም ዓለምና እንበኣር እቲ ምንጪ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ክትቅበልን ክትግዝኦን በቲ ዝደልዮ ከተምልኾን ብዘይ ምድላያን ኢዩ።ነቲ ሓቂ ንምሽፋን ድማ በዚ ተበጊሰን  ኢየን ናይ ዓለምና ማዕከናት ክንዲ ክብሪ ኣምላኽ ምንጋር፡ክብሪ ኣምላኽ ምዝንታው፡መዝሙር ኣምላኽ ምስማዕ።ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቅን ንህዝቢ ዓለምና ኣምላኹ መታን ከይዝክር ብሽም ልደት ጎይታ ገይረን፡ ነዛናግዕ ኣለና እንዳበላ፡ኣብ ምጥባርን ኣብ ምንጋድን ተዋፊረን ዘለዋ።
ዓለምና ህጂ እውን ነዚ ሎሚ ዝተወልደ ህጻን ክሳዕ ዘይተገዝአት ሰላም ክትረኽብ።ስድራቤታት ክሳዕ ኣብ ክርስቶስ ዘይነበራ ሰላም ክረኽባ፡ኣንኳን ክንጽበዮስ ክንሃሶ እኳ የብልናን።ን ኣምላኽ ብዝርድኣናን ብዝደለናዮን ዘይኮነስ ብዝርድኦን ብዝደልዮን ቛንቋ ገርና ንክርስቶስ ከነምልኾ ኣለና። እዚ ተዘይ ገርና ግን እግዚኣብሄር ዘይብሉ ኢዩ።(መዝ127፡1)እግዚኣብሄር ን ቤት እንተ ዘይሃነጻ ፡ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ”።ኩሉ ንገብሮ ኣምላኽ ተዘይሓቢሩዎ ኮንቱ ኢዩ እሞ፡ን ኣምላኽ ብልደቱ ንሕበሮ።እግዚኣብሄር ንገብሮ ዘለና ኩሉ ይሕጎሰሉ ዲዩ ኣይሕጎሰሉን ኢልና ንሕሰብ።ዘይሕጎሰሉ ተኾይኑ ግን ኮንቱ ኢዩ እሞ ን መለስ።ሎሚ ካባን ዝጽበያ ህያብ እንበኣር እታ ዝሃበና ሂወትና ተመሊስና ህያብ ብፍቃድና ክንህቦ ኢዩ እሞ፡ህያብና ሒዝና ኣብ መዓልቲ ልደቱ ንጎይታ ንምጽኣዮ።
ብሩኽ ልደት ይግበረልና፡ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ምድርናን ሂወትናን ነገርናን ይፈውስ ብሩኽ ልደት ይግበረልና።
                      ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
                       ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
               etiqalsgakone@gmail.com

1ይ መልእኽቲ ልደት


1ይ መልእኽቲ ልደት
ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን
እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።(ሉቃ2፡10)

                                                      ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
                                         
እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዓና።ልደት ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ክልኦት ልደት ዘይኮነስ ፍሉይን ኣገዳስን ልደት ኢዩ ዝነበረ።በዚ ድማ ኢዩ፡ እቲ መልኣኽ ነቶም ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት “እንሆ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ ኣበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ ኢሉ ዝተዛረቦም።ልደት ናይ ማንም ሰብ ነቶም ስድርኡን ነሕዋቱን ነቡኡን ነደኡን ኢዩ ዝንገሮም።ልደት ጎይታ ግን ንኹሉ ዝኸውን ስለ ዚነበረ፡ እቶም መልኣኽታት ነቶም ጓሶት መጺኦም ከንግሩ ኣድለየ።በዚ ድማ ካብ ርሑቅ ዝመጹ ሰበጥበብን፡ካብ በረኻ ዝመጹ ጓሶትን፡ካብ ሰማይ ዝመጹ መልኣኽታትን ፡ምስኡ ዝጸንሑ፡ኣደኡን ዮሴፍን ብሓንሳእ ተሓጎሱ።ጎይታ ነዞም ኩሎም ፍጡራን ብሓደ ክሕጎሱ ዝገበረሉ ተነይሩ ኩላትና ብልደት ጎይታና ተሓጊስና ንዕኡ ከነኽብር ኢዩ።ዝነበረ።
እዚ ብስራት ናይዚ ሎሚ ንኹላትና ከም ኩሉ ግዜ ይበሃለና ኣሎ።ከመይ ከ ኩሉ ግዜ ዘይበሃለና።ሓጥያትና ዝድምስስ፡ሂወትና ዝሕድስ፡ናብ ዝነበርናዮ ክብሪ ዝመልስ ነብይ፡ናብ ዝነበርናዮ ዉሉድነት ዝምልስ በጃና እንዲዩ ተወሊዱ። ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ስጋ ለቢሱ ተጋሂዱ፡ ግድን ኢዩ እንበር።ሎሚ ክርስቶስ ተዘይውለድ ከም ሶዶምን ጎሞራን ምኾና ነርና።ሎሚ ክርስቶስ ተዘይ ይዉለድ ሞት ክሳዕ ህጂ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ይመልከና ምሃለወ ነይሩ።ክርስቶስ ተዘይ ይዉለድ ኣብ ትሕቲ መርገም ክሳዕ ህጂን ንዘንትእለትን ንነብር ምሃለና ግን ንሱ መጺኡ።ብልደቱ ዳግማይ ካብኡ ክንዉለድ ፈቀደልና።ብልደቱ ናጽነት ኣወጀ።ሞተ ፍዘዘ፡ስልጣናት ሰንበዱ።(ማቴ2፡3)
ክርስቶስ ተወሊዱ፡ሕሙማት ክፍውስ(ማቴ4፡24)ማቴ፡8፡16017)ማቴ15፡30)(ማቴ12፡15) ን ሞት ክድምስስ፡ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ዝነብሩ፡ድማ ሓጎሶም ከዕቢ፡ብርሃኖም ከውጽእ(ኢሳ9፡2-3)ዘመነ ዕረፍቲ ምእንቲ ከምጽእ።)ግብ3።19)ደጌታት ጋሃን ክዓጹ፡ምሕረት ንነፍሲ ወከፍ ነቶም ዝተቀበልናዮን ብስሙ ንዝኣመናን ዝኾና ድማ ምሕረት ክዕድል።ኣብ እንዳ ሃብታማት ዘይኮነስ ኣብ መብልዕ ማል፡ትሕትናኡ ብምርኣይ፡ትሕትና እውን ክምህረና ተወለደ።ሎሚ ብርሃን ዓለም ተወሊዱ፡ሎሚ ምንጪ ሂወት ፡ሂወት ተወሊዱ።ብልደቱ ነገስታት ስልጣናት ሕልቅነት ረዓዱ።ልደቱ ን ሃብታማትን ነገስታትን ፡ዘርዕድ ንድኻታን መሳኻንን ከኣ ዘሕጉስ ልደት ነበረ።(ማቴ2፡3)ብልደቱ ሲኦል ረዓደት፡(1ይቆሮ15፡55)ሕልቅነት መናፍስቲ ተሳዕሩ(ግብ8፡6-7) ፡ፍጡራን ድማ  ብልደቱ ተሓጎሱ፡ኣመስገኑ።(ማቴ2፡10-11)
እቶም ኣብ ነገስታትን ጭዋታን ዓበይትን ሓጎስ ኣብ ኣፍ ደገኦም ከላ ኣይረኸቡዋን።ጓሳ ኣብ ኩለን ሕብረተ ሰባት ዝተናዕቀ ኢዩ።እዚ ናቱ ብስራት ቤተ ነገስታት ከይሰምዕዎ ጓሶት ክንገርሉ ዝተደልየ ተነይሩ ድማ ክርስቶስ ሕብረቱ ምስቶም ብሕብረተ ሰባት ዝተናዕቁን ትሕተኛታት ከም ዝኾነ ኢዩ።
ሎሚ ከምቲ ሰበ ጥበብ ክብሩን ንግስነቱን ስልጣኑን ግሩም ሓይሉን ንምግላጽን ምምስካርን፡ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ ወርቅን ፡ዕጣንን፡ከርበን። ገጸ በረኸት ዝሃቡዎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ዝጽበዮ፡ወርቅን ዕጣንን ከምኦም ዘይኮነስ።ሎሚ ካባይን ካባኻትኩምን ዝጽበዮ ገጸ በረኸት ኣሎ ።ንሱ ኸኣ ኣነንን ንስኹም ምዕራብ ዲዩ ምብራቅ ከይከድና ፡ኣብ ዘለናዮ ኮይና፡ን ጎይታ ንገብረሉ ገጸ በረኸት ተልዩ፡ነቲ ስሌና ክብል ኣብ መብልዒ ማል፡ መልክዕ ባርያ ብምሳድ(ፍሊ2፡7)ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ኣምላኽ ።እታ ዝብህጋ ገጸ በረኸት ሂወትና  ኢያ።ጎይታ ገንዘብካ ኣይኮነን ዘድልዩ ፡ጎይታ ተድልዮ ቅድም እስኻ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ቅድመ ገንዘብካ ንስኻ ምጻእ፡ሂወትካ ገጸ በረኸት ከተበርክተሉ ይብህግ ኣሎ፡ከምታ ኣብኣ ክዉለድ ዘፍቀደት መብል ማል ኣባኻ ከም ብሓድሽ ኣብ ልብኻ ክዉለድ  ፍቃድካ ግለጸሉ።እሞኸ  ን ኣምላኽ ገጸበረኸት ክትህቦ ፍቃደኛ ዲኻ!!??።
ክንደይ ግዜ ኢዩ ጎይታ ኣባና ክዉለድ ደልዩ። ልብና ኳሕኳሕ እንዳ  ኣበለ፡ ብ ፍቅሪ እዛ ዓለም ተታሒዝና ፡ገጸ በረኸት ከሊእና ኣብ መዓልቲ ልደቱ ነግህዮ ዘለና።ምስናይዚ ግን እቶም ሰበ ጥበብ ወርቂ ዘምጽእሉ ናይ ንግስነት ንጉስ ምኻኑ ንምምስካር፡ዕጣን ዘምጽኡሉ ድማ ካህን ምኻኑ ንምምስካር፡ከርበ ዘምጽኡሉ ድማ ብኽቡር ሞት ክመውት ምኻኑን፡ሞቱ ክቡር ምዃኑን ፡ብኽቡር ኣማውታ፡ ክመውት ከም ዘለዎ ንምምስካር ኢዩ።ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል
           etiqalsgakone@gmail.com

Thursday 3 January 2013

ናባኻ ክጥምት


ናባኻ ክጥምት

ናብ ላዕሊ ክጥምት ናብ ሰማየ ሰማያት
ን ልበይ ክፈቶ ኣታ ህያው ኣቦ ምሕረት
ብዘይኻ ኣነስ የብለይን ሂወት
ሓግዘኒ ኣብ ቃልካ ክዕወት
ናብ መስቀልካ ክጥምት ሂወት ከይስልችወኒ
ከይዕውን ብምኽሪ ዓለም ንስኻ ከተጽልለኒ
ኣይትርሓቅ ካባይ ጎይታይ ምኸረኒ
የማነይትኻ ትሕቆፈኒ ጸጋመይትኻ ትደግፈኒ
ኣብ ዛ ምድሪ የብለይን ተስፋ ንስኻኻ ዘለኻኒ
ናብ ላዕሊ ናባኻ ክጥምትሲ ሓይልኻ ሃበኒ
ን ሰባት ከይፈርሕ ን ሓሶት ከይነብር
መታን ክንኣድሲ ን ቃልካ ከይቀብር
መዝሙርካ ገዲፈስ ንኻልእ ከይዝምር
ን ቤትካ ጎይታየ ምስ ካልእ ከየመንዝር
ናብ ሲኦል ክመርሖም ንሰባት ከይጥብር
መንፈስ ካ ክትሰዶ ናባይሲ ናባኻ የንቃዕርር
ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ንልበይ ተርግኦ
ብ ህያው መንፈስካ ንልበይ ተህድኦ
ብእስትንፋስ ኣፍካ ነቲ እኩይ ተጥፍኦ
ሓግዘኒ ኣምላኸይ ራእየይ ክሪኦ
ነቲ እኩይ መንፈስ ብስልጣን ክወግኦ
ነቲ መስኪን ህዝብኻ ካብ ባርነት ከውጽኦ
ናባኻ ይጥምት ጎይታይ ንህላወኻ ክሪኦ
እዝኒ ኣይቦን ሰባት ዝበሉ ይበሉ
ንስኻ ስለ ዘለኻ ትፈልጦ ንኹሉ
ንልበይ ጥራሕ ሃየ እስኻ ክበረሉ
ንልሳነይ ቅባእ ንስምካ ከውሪየሉ
የዒንተይ ኣብርሃዮ ከይነብር እስኻ ዘይብሉ
ናባኻ ይጥምት ጎይታየ ምሳይ ክትህሉ
ናብ መስቀልካ ክጥምት ናብቲ ትዕግስትኻ
ከይነብር ኣብዛ መሬት ከምቶም ዘየኽብሩኻ
ልቦና ሃበኒ ጎይታየ በጃኻ
ካብ ኣብ ዓድስ ይሕሸኒ ምሳኻ ኣብ በረኻ
እንዳተኻፈልኩ ጎይታየ ካብ እቲ ህያው ጸጋኻ
ናባኻ ይጥምት ጥራሕ ኣዕጥቀኒ እቲ ሓይልኻ
ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ዕጋበተይ
ሓላፊ ነገር ክሽፍን ተጸዓረ የዒንተይ
ኣለሊየዮ እየ ህጅስ ሓይሊ የብሉን ኣባይ
ናባካ ጥራሕ ይጥምት ክትግለጽ ኣብ ልዕለይ
 ሓልወኒ ከይትጥሕል ናይ እምነት መርከበይ
የእምሮይ ክፈቱ ክኸውን ጥራሕ ናባኻ ምጥማተይ
ናብ ሰባት ከይጥምት ከይመውት ኣገልግሎተይ
ናባኻ ይጥምት ኣታ ህያው ኢየሱሰይ
                                ቀሺ/ ሙሴ- ሽሻይ
                       etiqalsgakone@gmail.com

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን 10ይ ክፋል ይቅጽል::


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን  10ይ ክፋል ይቅጽል::
        
ብዙሕ ግዜ ን ኣማልድነት ዝብል ቃል ሰኣን ሰብ ምርድኡ ቤተ ክርስትያን ትፈርስ ትርከብ።ግን እስከ ነታ ኣብ 9ይ ክፋል ዝጀመርናያ ምምላድ ከነብርሃ።
ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ብኸምኡ ድማ ኢዮም፡ክሳዕ ገሊኦም ብድፍረት ኣደና ማርያም ኣማላዲት ኣይኮነትን ክብሉ ከለዉ ገለኸኣ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን ኢሎም ይኽሕዱ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ናብ ኣምልኾ ገጹ ክጠማዝዙዎን ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን፡ኣብ ኣዳራሻት ኮይኖም ክገንሑን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ን ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኢመጽሓፍ ቅዱሳውን ኢ ኦርቶዶክሳውን ክምህሩን ይርኣዩ።
ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡ ከይትስጎግ ሽምካ ከይጽልም ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ኣማላድነት ን ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም።፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ን ኣምላድነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ።ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣምላድነት ዘይምርዳእን፡ህድእ ኢሎም ንነገራት ብዓይኒ መንፈሳዊ መገድን።ብጾሎትን፡ክርእዩዎ ስለ ዘይከኣሉ እዩ። እቲ ጸገም።ግን እስከ  ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ??፡ህድእ ኢልና ብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርኣዮ ካብ ስምዒት ወጺእና።እቶም ቅዱሳን ከም ፖፕ ሽኖዳ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ዓስቦም ይሃቦም  ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፎም ዝገደፉልና ኣሎ።
ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ፡?? ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኣማላድነት ዘለዋ ኣረኣእያ  ከመይ ይመስል ክንርኢ ክንፍትን ኢና።መጽሓፍ ቅዱስ ዳኛኛ ኢዩ፡ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ከይንምህር ድማ ቃል ኣምላኽ ኣጠንቂቁና ኢዩ።(ምሳ30፡6) (ዘዳ12፡32)(ዘዳ4፡2) እንገብሮምስ ብ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ ንገብሮም
(2) ክልተ ዓይነት ዝተፋላለየ ምምላድ ኣሎ።
1ይ. ምምላድ ብ ክርስቶስ
2ይ. ምምላድ ቅዱሳን
መቸስ መጽሓፍ ቅዱስ ዳኛና እዩ፡ከምቲ ዝተጠቅሰ፡ከምኡ እውን መሰረትን ማእከልን እምነትና እዩ።ምስኡ ዝጋጮ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝመጸ ዋላ መልኣኽ እውን (ገላ1፡8 )ከይንቅበል ድማ እዙዛት ኢና።ሃዋርያት ድማ ካብዚ ዝመሃሩና ወጻኢ ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ከይንምህር ብ ውግዘት ኣጠንቂቆምና እዮም (ገላ 1፡6።)ካብ ተዃሉ ተጠንቀቁ እንዳበልና ተዃሉ ኮይና ከይንርከብ እንበኣር ምሕሳብ ኣለና።
ገለ ገለ ክርስትያናት ብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወይ ብ መላእኽቲ  ወይ ብቅዱሳን ዝኣመሰለ ምምላድ፡ኣይቅበሉን እዮም።ነዚ ዝምርኮሱሉ ከኣ እቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣበሃህላ ሐዋርያ ዮሐንስ እዩ።ጠበቃ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ  እቲ ጻድቅ እዩ።(1ይ ዮሐንስ 2፡1 )ከምኡ እውን ፡ኣምላኽ ሓደ እዩ። እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ ‘ውን እቲ ሰብ ክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ በይኑ እዩ’’።(1ይጢሞ 2፡5)።ዝብል ቃል ሓዋርያ ጳውሎስ እዩ።
ብሓቂ ኣብ መንጎ ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳንን ዓቢይ መሠረታዊ ፍልልይ ኣሎ። ምምላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ተበጃውነት ምምላድ እዩ።
ናይ ቅዱሳን ምምላድ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ።ናይ ምሕታት፡ ጸልየለይ ለምነለይ ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ ብዝብል ኢዩ።ነዚ እቶም ብ ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ዘይኣምኑ ወገናት እውን ነቶም ደቂ መዛሙርቶም ኣብ ጾሎትካ ዘክረኒ ይብልዎም ኢዮም።
ማልት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ንተበጃውነትና፡ ኣብ ክንዳና ዋጋ ሓጢኣት ዝኸፈለ ገይሩ ንሕድገት ሓጢኣትና ይማልድ።ምምላድ ጎይታ ልክዕ ከም፡ ጸብጻብ ሓጢኣቶም ሕደገሎም ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ክንድኦም እቲ ኣበሳ ጸርኩ” ዝብል እዩ።(ኢሳ53፡6)ንሱ ብደሞ ገይሩ ኣተዓረቀኒ፡መልእኽቲ ዕርቂ ሃበና።
በዚ ኸኣ ከም መንጎኛ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ይቀውም።ንሱ እቲ ሓደ መንጎኛ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝቖመ እዩ። ካብ ሓጢኣቶም ንኽብጀዎም፡ምእንትኦም ስለዝሞተ ፡ነቦ ኣብቲ ኣምላኻዊ ፍርዲ መሰሉ ሂቡ ፡ንሰብ ድማ ሕድገት ኣውሃቦ።
            ይቅጽልል…ናብ 11 ክፋል
                    etiqalsgakone@gmail.com