2ይ
መልእኽቲ ልደት
እንሆ
ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።(ሉቃ2፡10)
ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ(ሉቃ2፡10) |
ኩቡር
ኣንባቢ ሎሚ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ከም ዝተሓጎስካ ፍቅርኻ ኣርእዮ።ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ዘይትነብር ዘይትንሳሕ፡ምስኡ ርክብ
ዘይብላ ሂወት ሒዝካ ትነብር ተሊኻ ብሓቂ ክርስቶስ ኣይተወለደን ኣሎ ኢልካ ንልደቱ ትኽሕድ ኣለኻ ማለት ኢዩ።ሎሚ ልደት መዓልቲ
ክንዲ ናብ ቁርባንን ጸሎትን ንስሓን ናብ እንዳ ሳዕሳዒትን ጓይላን ባንድን ትጎዪ ተሊኻ፡ከምቲ ንክርስቶስ ንምሕራድ ዝተጓየየ ሄሮዶስ
ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ፍለጥ።ሃገርና ክትባረኽ ፡ስድራና ምዉቅቲ ክትከውን
፡ቤትና ክትባረኽ ሎሚ ንክርስቶስ ኣብ ቤትና ኣብ ገዛና ስብ ሂወትና ክውለድ ተፍቂድናሉ ጥራሕ ኢዩ።
ልደት
ማለት ትርጉሙ፡ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ??፡ ኣምላኽ ከ ስለምንታይ ኢዩ ክሳዕ ክንዲዚ፡ ክሳዕ ወዱ ምሃብ ንዓለም ኣፍቂሩዋ። ን
ኣምላኽ ተመስግነሉን ሞሳ ትመልሰሉን እንበር።ከምቲ ዝጸንሐ ዘይክርስትያናውን ኣረማውን ባህሊ፡ብ ጓይላን፡ዳንከራን መስተን ኣይኮነን።ብምብላዕን
ብምስታይን ብምስካርን ኣይኮነን፡ዉህበታት ብምልዊዋጥ ኣይኮነን፡ሂያብ ምሃብ እኳ ዘይጽላእ ተኾነ፡ኣብዛ መዓልቲ ልደቱ ነቲ በዓል
በቴ፡ ሎሚ ተወለደ ደኣ ህያብ ንሃቦ ቅድም።እቲ ካባኻ ዝጽበዮ ህያብ ድማ ሂወትካ ኢያ።
እስከ
ክንደይ ልደታት ኢየን ኢየሱስ ልርስቶስ እቲ ኣምላኽ ካባኻ ክያብ ብሃንቀውታ ዝተጸበየለን ፡ንስኻ ግን ዒጭ ይሓንፍፍ ኢልካ፡ኣብታ
መዓልቲ ልደቱ ከተግህዮን፡ብልደቱ ከምዘይተሓጎስካ ንምግላጽን ፡ኣብቲ ቦታ ድያብሎስ ዝኾነ ፡ኣብ ናይት ዲዩ ጓይላ፡ባንዲ ዝሓደርካ።ሕስብ
እሞ ኣብሎ፡ክርስቶስ ዘይኮነስ ሰጣን ካብ ተሓጎሰ፡ንልደት ጎይታ ናብ ልደት ካልእ ቀይርካዮ ከም ዘለካ።ሎሚ ጓይላ ክትገብር ኣይኮነን
ንሱ ዝጽበየካ ዘሎ።፡ጓይላል ኣምላኽን ዘራኽብ የብሎምን።እዚ ፈቀዶ ተሌብጅናትን ሬድዮን ዝግበር ዘሎ ያዕያዕን፡ ዳንከራን እንበኣር
ኮነይ ኢሉ ሰጣን ልቢ ሰባት ንምዕሻውን፡ ሓንጎል ሰባት ንምጥዋይን፡ንምትላልን፡ ዝገብሮ ተንኮል ምኻኑ ኣስተውዕል።እሞ ግደፍ ን
ኣምላኽ ኣይተግህዮ።ጎይታ ሎሚ ካባኻ ዝደልዮ ፡ከተመስግኖ፡ክትዝምረሉ ፡ዝተረፈ ሂወተይ ንስኻ ክበረሉ ኢልካ፡ንዓለም ሓዲግካ ናብኡ
ክትቀርብ ኢዩ።ጎይታ ካባኻ ዝድለዩ ፍቃዱ ክትገብር ኢዩ።ጎይታ ካባኻ ዝደልዮ ዮም ተወልደ ብርሃን ዓለም ክትብል ክትምስክር ኢዩ።
እሞኸ
ከምኡ ዲና ዘለና፡ኣበይ ደኣሎ ክርስትናና፡ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት መስተ፡ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ናይ ዓለም ፍቅሪ
ሰባት ኢና እሞ ንሕሰብ ደኣ።ኣብዛ መዓልቲ ልደት ክንደይ ሰባት ኢዮም፡ጽቡቅ ዝገብሩ ዘለዉ መሲሉዎም ን ኣምላኽ ከግህይዎ፡ ምስ
ዲያብሎስ ኮይም ክሰኽሩን ክዓብዱን፡ክዝምዉን፡ከጎይሉዉን ፈቀዶ ባንዲታት ማዕሮ ንሓጢኣት ብገንዘቦም ክገዝእዎን ዝሓድሩ ዘለዉ ዘህዝን
ኢዩ፡ኣምላኽስ ክንደይ ኢና ኾን ነግህዮ ዘለና።ጉድ ኢዩ እኮ ተረኺቡ ዘሎ።
ክርስትያናት
ኢና እንዳበልናስ ግንከ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሂወትና ምኽባር ንክርስቶስ ክንከልኦ።ሙዚቀኛታት ዓዲምና ግዳይ እቲ ድያብሎስ ዝኸብረሉ
ጓይላን፡ሆሆን ክንከውን።ኦ ህዝበይ ግደፍ ነቲ ክሳዕ ክንድዚ ዘፍቀረካ ኣምላኽ ኣይትግህዮ!!።እዞም ዝሰኽሩ ጓይላ ዝገብሩ፡ቅንኣት
ዘለዎም ዝቀትሉ፡ከምዚ እውን ዝገብሩ ን መንግስተ ኣምላኽ ከምዘይወርሱዋ ቃል ኣምላኽ ይዛረብ።ቅንኣት ፡ስኽራን፡ጓይላ ,,ከምዚ እውን
ዝገብሩ ን መንግስተ ኣምላኽ ከምዘይ ወርሱዋ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩኹም እብለኹም ኣለኹ”ይብል ቃል ኣምላኽ።(ገላ5፡21)እንበኣር
እቲ ብስኻርንን ጓይላን፡መስተን ክንነብር ከለና ን ኣምላኽ ዘግሃናዮ ግዜን ዘበናትን ይኣክል !!።(1ይጴጥ4፡3)
ልደት
ክርስቶስ ትንቢት ዝተፈጸመሉ።፡(ኢሳ7፡14) ፡እቲ ተበቲኹ ዝነበረ ርክብ ኣምላኽን ሰብን ፡ዝተሓደሰሉ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ዕለት
ኢዩ።ኣብዚ ዕለት እዚ ሎሚ ሓቢርና ክርስቶስ ቀሪብና ብ መንፈስ ምስቶም ሽዑ ዘመስገኑ ጓሶት ነመስግኖ።
ካብቲ
ዓለምና ሰላም ሲኢናትሉ ዘላ ጠንቂ ድማ ነቲ እቶም ሰራዊተ ሰማይ ዝሃቡዎ ቃል ብቅኑዕን ብኸምኡን ተረዲኣ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ስለ
ዘይከአኣለት ኢዩ።”እቶም ብዙሓት ሰራዊተ ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸንቢሮም፡ክብሪ ን ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ
ኣብ ሞድሪ ኣብ ሞንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ኣመስገኑ።(ሉቃስ2።13-14)ሰላም ትርከብ ንክርስቶስ ዘኽብር
ሂወት ምስ ዝህልወካ ኢዩ።ሃገር ሰላም ክትረክብ፡ ንክርስቶስ ከተኽብሮን ኣብኣ ዘለዉ ሰባት ድማ ንክርስቶስ ዘስምሩን ክኾኑ ኣለዎም፡ሽዑ
ሰላም ይረኽቡ።
ሰላም
ነቶም ን ኣምላኽ ዘስምሩ፡ን ኣምላኽ ዘሕጉሱ ጥራሕ ኢያ ተዋሂባ።(ሉቃስ2።14)ስድራ ሰላም ክትረክብ፡ ንክርስቶስ ከተኽብሮ ክትክእል
ኣለዋ።ከባቢና ሰላም ዝረኽብ ብሓፈሻኡ ኸኣ ንነብረላ ዘለና ዓለም ሰላም ክትረክብ ንክርስቶስ ከተስምር፡ከተሕጉስ ተኺኢላ ጥራሕ ኢዩ።ንክርስቶስ
ዘይተኽብር፡ዘይተሕጉስ ዘይተስምር ሃገር ንክርስቶስ ዘይተኽብር፡ዘይተስምር ዘይተሕጉስ ስድራን ዓድን ግን ሰላም ክረኽባ ዘይሕሰብ
ኢዩ።
ምንጪ
ጢመት ስእነት ሰላም ዓለምና እንበኣር እቲ ምንጪ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ክትቅበልን ክትግዝኦን በቲ ዝደልዮ ከተምልኾን ብዘይ ምድላያን
ኢዩ።ነቲ ሓቂ ንምሽፋን ድማ በዚ ተበጊሰን ኢየን ናይ ዓለምና ማዕከናት
ክንዲ ክብሪ ኣምላኽ ምንጋር፡ክብሪ ኣምላኽ ምዝንታው፡መዝሙር ኣምላኽ ምስማዕ።ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቅን ንህዝቢ ዓለምና ኣምላኹ መታን
ከይዝክር ብሽም ልደት ጎይታ ገይረን፡ ነዛናግዕ ኣለና እንዳበላ፡ኣብ ምጥባርን ኣብ ምንጋድን ተዋፊረን ዘለዋ።
ዓለምና
ህጂ እውን ነዚ ሎሚ ዝተወልደ ህጻን ክሳዕ ዘይተገዝአት ሰላም ክትረኽብ።ስድራቤታት ክሳዕ ኣብ ክርስቶስ ዘይነበራ ሰላም ክረኽባ፡ኣንኳን
ክንጽበዮስ ክንሃሶ እኳ የብልናን።ን ኣምላኽ ብዝርድኣናን ብዝደለናዮን ዘይኮነስ ብዝርድኦን ብዝደልዮን ቛንቋ ገርና ንክርስቶስ ከነምልኾ
ኣለና። እዚ ተዘይ ገርና ግን እግዚኣብሄር ዘይብሉ ኢዩ።(መዝ127፡1)እግዚኣብሄር ን ቤት እንተ ዘይሃነጻ ፡ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።እግዚኣብሄር
ንኸተማ እንተ ዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ”።ኩሉ ንገብሮ ኣምላኽ ተዘይሓቢሩዎ ኮንቱ ኢዩ እሞ፡ን ኣምላኽ ብልደቱ ንሕበሮ።እግዚኣብሄር
ንገብሮ ዘለና ኩሉ ይሕጎሰሉ ዲዩ ኣይሕጎሰሉን ኢልና ንሕሰብ።ዘይሕጎሰሉ ተኾይኑ ግን ኮንቱ ኢዩ እሞ ን መለስ።ሎሚ ካባን ዝጽበያ
ህያብ እንበኣር እታ ዝሃበና ሂወትና ተመሊስና ህያብ ብፍቃድና ክንህቦ ኢዩ እሞ፡ህያብና ሒዝና ኣብ መዓልቲ ልደቱ ንጎይታ ንምጽኣዮ።
ብሩኽ
ልደት ይግበረልና፡ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ምድርናን ሂወትናን ነገርናን ይፈውስ ብሩኽ ልደት ይግበረልና።
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment