ናባኻ
ክጥምት
ናብ ላዕሊ ክጥምት ናብ ሰማየ ሰማያት
ን ልበይ ክፈቶ ኣታ ህያው ኣቦ ምሕረት
ብዘይኻ ኣነስ የብለይን ሂወት
ሓግዘኒ ኣብ ቃልካ ክዕወት
ናብ
መስቀልካ ክጥምት ሂወት ከይስልችወኒ
ከይዕውን
ብምኽሪ ዓለም ንስኻ ከተጽልለኒ
ኣይትርሓቅ
ካባይ ጎይታይ ምኸረኒ
የማነይትኻ
ትሕቆፈኒ ጸጋመይትኻ ትደግፈኒ
ኣብ
ዛ ምድሪ የብለይን ተስፋ ንስኻኻ ዘለኻኒ
ናብ
ላዕሊ ናባኻ ክጥምትሲ ሓይልኻ ሃበኒ
ን ሰባት ከይፈርሕ ን ሓሶት ከይነብር
መታን ክንኣድሲ ን ቃልካ ከይቀብር
መዝሙርካ ገዲፈስ ንኻልእ ከይዝምር
ን ቤትካ ጎይታየ ምስ ካልእ ከየመንዝር
ናብ ሲኦል ክመርሖም ንሰባት ከይጥብር
መንፈስ ካ ክትሰዶ ናባይሲ ናባኻ የንቃዕርር
ንስኻ
ኢኻ ትጽቢተይ ንልበይ ተርግኦ
ብ ህያው
መንፈስካ ንልበይ ተህድኦ
ብእስትንፋስ
ኣፍካ ነቲ እኩይ ተጥፍኦ
ሓግዘኒ
ኣምላኸይ ራእየይ ክሪኦ
ነቲ
እኩይ መንፈስ ብስልጣን ክወግኦ
ነቲ
መስኪን ህዝብኻ ካብ ባርነት ከውጽኦ
ናባኻ
ይጥምት ጎይታይ ንህላወኻ ክሪኦ
እዝኒ ኣይቦን ሰባት ዝበሉ ይበሉ
ንስኻ ስለ ዘለኻ ትፈልጦ ንኹሉ
ንልበይ ጥራሕ ሃየ እስኻ ክበረሉ
ንልሳነይ ቅባእ ንስምካ ከውሪየሉ
የዒንተይ ኣብርሃዮ ከይነብር እስኻ ዘይብሉ
ናባኻ ይጥምት ጎይታየ ምሳይ ክትህሉ
ናብ
መስቀልካ ክጥምት ናብቲ ትዕግስትኻ
ከይነብር
ኣብዛ መሬት ከምቶም ዘየኽብሩኻ
ልቦና
ሃበኒ ጎይታየ በጃኻ
ካብ
ኣብ ዓድስ ይሕሸኒ ምሳኻ ኣብ በረኻ
እንዳተኻፈልኩ
ጎይታየ ካብ እቲ ህያው ጸጋኻ
ናባኻ
ይጥምት ጥራሕ ኣዕጥቀኒ እቲ ሓይልኻ
ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ዕጋበተይ
ሓላፊ ነገር ክሽፍን ተጸዓረ የዒንተይ
ኣለሊየዮ እየ ህጅስ ሓይሊ የብሉን ኣባይ
ናባካ ጥራሕ ይጥምት ክትግለጽ ኣብ ልዕለይ
ሓልወኒ ከይትጥሕል ናይ እምነት
መርከበይ
የእምሮይ ክፈቱ ክኸውን ጥራሕ ናባኻ ምጥማተይ
ናብ ሰባት ከይጥምት ከይመውት ኣገልግሎተይ
ናባኻ ይጥምት ኣታ ህያው ኢየሱሰይ
ቀሺ/ ሙሴ- ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment