1ይ ክፋል ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 )

1ይ ክፋል  

ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 )



"ሓጥያት ግበሩ ግን መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም።"ኢልካ እዉን ዘረባ ኣሎ።


ኣብዚ ዘመን ብዙሓት መስሓትን መጋገይትን ክህልዉ ከለዉ ግን ነዚ ንምንታይ ክምልሰሉ ተገዲደ፣ብረቂቅ ስሕተት ብስም ኢየሱስ እናሰበኸስ ሰባት ናብ ኢየሱስ ከይኣትዉ ይሓባብልን ይዓግቶምን ስለዘሎዩ።

ዋላ ኣገልጋሊ ኦርቶዶክስ ኣይኹን ግን ነቲ ትምህርቱ ብዛዕባ ክርስቲና ይዛረብ ስለዘሎ ንሰባት መሊሹ ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ስለዝኾነ ከስምዓሉ ውሽጠይ ይዛረብ ኣሎ።ንሱ ዝብሎ ዘሎ፣ብክርስቶስ ተድኣ ኣሚንኩም፣ዋላ ዘምዉ ስረቁ ቅተሉ ሓስዉ ባዕልጉ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ይከኣልዩ፣ምኽንያቱ ሓንሳእ ድሒንኩም ስለዝኾንኩም፣ብምባል ብቅድስና ክነብሩ ንዝሰብኩ ዋላ ደቂ ማሕበሩ ጰንጠ እዉን ይቃወምን የነኣእስን ።
ክርስቲና ብእምነትን ብግብርን ኢሉ ይኣምን።ሰባት ይኣምኑ ነቲ ዝኣምንዎ ድማ ይገብሩዎ ግን ተዘይ ይገብሩ ኮይኖም ወይ ድማ በቲ ዝገበሩዎ ገይጋ ዘይጠዓሱን ዘይንስሑን ተኾይኖም ኣይኣመንትን ማለትዩ።እምነት ቃል ኣምላኽ እዉን ከምዚ ይብል ኢዩ።ያዕቆብ 2 - 19 -26)ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።20
ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ።
እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም።ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧
እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።ይብል።
ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ተኾይኖም፣ድሕሪ ብክርስቶስ ምእማኖም ኣብ ቃሉ ንምንባር ድማ ክጋደሉ ወይ ክንጋደል ኣሎና።እዚ ድማ በደል ሓጥያት ንኸይንገብር ንቃለስ ተገይርና ከም ሰባት ተተጋጊና ክኣ ንንሳሕ፣ምንሳሕ ኣየድልየናን ፣ሓንሳእ ኣሚና ኢና፣ብድሕሪኡ ከም ቃሕታና ምንባር ይከኣልዩ ተድኣ ተባሂሉ ግን ዋይ ክርስቲና ማለት ቀሊል ምኾነ ቅድስና እዉን ኣይመድለዮን ምቀረት ዘይብሉ ድማ ምኾነ።
ሃዋርያት ነቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣመንቲ መዓልታዊ ክቅደሱ ይምህሩዎም ነይሮም።ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል (ሮሜ 12 - 2 )እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።እዚ ነቶም ክርስቲያናት ብክርስቶስ ዝኣመኑ እተጠመቁ ኢዩ፣ተጻሒፉ ተዘይ ይኸዉን ነይሩ፣ነዛ ዓለም ኣይትምሰሉዋ ኣይምበለን።
ሎሚ ክርስቲያናት ክንጥንቀቀሉ ዘለና ፣ብክርስቶስ ኣይትእመኑ ንዝብል ወይ ድማ ርኡይ ጸረ ክርስቶስ ንዝሰብኽ ወይ እዉን ብክርስቶስ ዘይኮነስ ብካልእዩ ምድሓን ኢሉ ንዝምህር ኣይኮነን።ከምኡ ኢሉ ዝምህር ኩሉ ሰብ ክነቅሓሉን ብቃል ኣምላኽ እዉን ክፈልጡ ይክእልዩ፣ክንጥንቀቀሎም ዘለና ቆሊባታት፣ኣፍ ደገ መንግስተ ኣምላኽ ክረግጽ ቆሊቦም ንዝመልሱ ከምዚኦም ግን ብፍላይ እቶም ቃል ኣምላኽ ዝበርሀልና ክንምልሰሎም ንህዝቢ ከነንቅሕን ይግባእ።እቶም ጰንጠ ድማ ረኣዩሞ ኣብቲ ገዛኹም ዝስበኽ ዘሎ ክርዳድ።
ከምዚ እዚ ሰብኣይ ዝብሎ ተዝኸዉን ክርስቲና ንገሊና ኣይምኸበደናን ፣እረ ንገሊኦም ነጢርና ምሓነቅናዮም ንገሊኦም ክኣ ካልእ በቲ እናዘመናን እናሰረቅናን እናኣታለልና እናኣዳናገርናን ምነበርና።ግን ፍቃዱ ስለዘይኮነ ከም ፍቃዱ ዘይምንባር ሞት ስለዝኾነ ግን ብዓቅምና ንቃለስ፣ኣብ ክንደክም ንወድቅ መሊሽና ድማ ፉኹኽ እናበልና ንጓዓዝ።

ፍቁር ክርስቲያን ዝብለካ ተሎ።ብርግጽ ኮይነ።ድሕሪ ብክርስቶስ ምእማንካ ብቅድስና ክትነብር ግዴታ ኣሎኳ፣ብቅድስና ክትነብር ክትቃለስ ኣሎኳ።ኣምላኽ ብቅድስና ንኽትነብር ሓይሊ ክህበካ ክትጽሊ ክትጸዉም ሱባኤ ክትኣቱ ይግበአካ።ክርስቲና ማለት ሕሱር ኣይኮነን ክቡር ኢዩ፣ክባር ድማ ብክባር ኢኻ ትረ|ኽቦ ስለዚዩ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሚማት ደልዩ።
ክርስቲያናት ዝፈልየና ሓጥያት ብንገብረሉ ነስሓ ምስርዑዩ።ብፍላይ ኣብ ኦርቶዶክስ እንካ ነስሓ ዘየድሊ ተኾይኑ፣ፍጹም ክህነት ኣየድልን ፣ቤተ ክርስቲያን ኣበ ነብሲ ኢላ ዝሰርዐት እዉን ንሰባት ሓጥያት ኣብ ዝገብርሉ ናብ ንስሓ ክወስዶም ብቃል ኣምላኽ ኢዪ።
ድሕሪ ሰብ ብክርስቶስ ምእማኑ ዉሉዱነት ምርካቡ ነቲ ተዋህቦ ዉሉዱነት ክዕቅቦ ኣብቲ ተዋህቦ ዉሉድነት ተኣማንነት የድልዮ።ንሱ ድማ ሓጥያት ከይሰርሕ ምስራሕን ተድኣ ተጋግዩ ድማ ብሓጥያቱ ምግሃይን ንኣምላኽ እሙን ኮይኑ ብዘይምርካቡ ድማ ንኣምላኽ ይቅሬታ ምልማን ምንሳሕ ኢዩ።
ሓደ ክርስቲያን ኣነ ጎይታ ተቀቢለየ፣ዋላ ዝኾነ ሓጥያት ይግበር ዉሉድነተይ ዘለኣለማዊ ህይወተይ ኣይምንጠልን ኢሉ ዝምህር ወይ ዝሓስብ ተሎ፣እቲ ምስጢር ኣብ ሓጥያት ክነብር ከይንሳሕ ስለተሃከየዩ።ሓካያት ድማ መንግስተ ኣምላኽ ኣይክኣትዉዋን ኢዮም።ስለዚ ቅድስና የድልየና።

እቶም ኣብ መወዳእታ ምጽኣት ጎይታ ብዘይ ፍርዲ ስቅ ኢሎም ሲኦል ዝኣትዉ መን ኢዮም፣እቶም ኣብ ፍርዲ ዝቀርቡኸ መን ኢዮም። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንበር ፍርዱ ምስ ተቀመጠ ንመንዩ ክፈርድ።ናብ ጸጋምን ናብ የማንን ዝኸፍሎም መን ኢዮም።
ኣብዚ ክስትዉዓል ዘለዎም።ኣብቲ መወዳእታ ዓለም እቶም ዘይኣመንቲ ድሮ ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለዘይኣመኑ ፍሩዳት ስለዝኾኑ ስቅ ኢሎም ኢዮም ሲኦል ዝኣትዉ።ጎይታ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምኖዩ ክፈርድ ደው ዝብል።ንሓደ ዘይኣማኒ ጠምየ ኣየብላዕካንን ኣይብሎን፣ተብልዖከ።ብግብሮም ካባና ንላዕሊ ንፉዓት ዘይኣመንቲኮ ኣለዉ ግን ብክርስቶስ ስለዘይኣመኑ ክፍሊ የብሎምን።

ንሕና እቶም ብክርስቶስ ንኣምን ግን ኣምላኽ ካባና ይፈርድ ማለት ኢዩ።ሓሚመ ኣይበጻሕኩምንን ጠምየ ኣየብላዕኩምንን ንብሃል።ነቶም ደቁሞ ከም ደቁ ኮይና ዘይንነብር ሲኦል ክፍረድ ከሎ፣ነቶም ኣሚና ከም ቃሉ ንነብር ግን ኣቱም ናይ ኣቦይ እሙናት ብሩኻት ይብለና።

ተስፋ ኣሎና።

ተስፋ ኣሎና፣እቲ ተስፋ ድማ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት ክርካብ ኢዩ።(ገላትያ 3 - 22) እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎ።ንሕና ዘለና ተስፋዩ።ወሲኹ ድማ (2ይ ቆሮንቶስ 13 - 5 )ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።

እዚ ነቶም ኣመንቲዩኮ ተጻሒፉ።ሰባት ድሕሪ ብክርስቶስ ምእማኖም፣ኣብ ቃሉ ተዘይነቢሮም እቲ ዝረኸብዎ ዉሉድነት ተኣማንነት ስለዘጥፍኡ፣ኣብ ህይወቶም ከም ዘይድሕኑ ስለዝፈለጠዩ ቅዱስ ጳውሎስ(ቆሎሴ 1 - 22 )ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።

ይቅጽል

Comments

Popular posts from this blog

1ይ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲና ንብል ዘለና፥ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋግያ፣ቤተ ክርስቲያን ተተጋግያኸ ትገድፋዶ ።

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።