Post più popolari

Friday 14 November 2014

1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!።

1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!።
ብ  ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፈልካዮ እንታይ ኣሎ፧፡፡
ስለ ስም ኢየሱስ ተሰጊግካ ዶ ትፈልጥ፧ ተገፊዕካዶ ትፈልጥ፧
ስለ ስም ኢየሱስ ሽምካ ጸሊሙዶ ይፈልጥ፧
ስለ ስርዓትካ፡ ስለ ልምዲኻ ፥ስለባህልኻ፡ ስለ ስም ካልእ ቅዱሳን ይኹኑ፡ዘይቅዱሳን፡የጽድቁ ኢዮም ትብሎም፥ ኣይበልኩኻን ስለ ስም ኢየሱስ፧።
 
ዝጠቀስናዮም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝኾኑ ሕቶታት ነዚ ኣብ ታሕቲ ዝጥቀስ ቃል ክርስቶስ ኣርእስቲ ገይርና፡ንህይወትና ኣብ ቅድሚ እዚ ጽሑፍ ገይርና ክንፍትሻ ይግባእ።ብመንፈስ ተደኣ ኣንቢብናዮን ኣስተንቲናዮን፡ህይወት ኣብ ምርካብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።(ሉቃስ 6:22)ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነቲ መልሲ ንሕቶና ዝኾነ፡ ዘጻናንዓና ህያው መፍቀሪና መንበሪና፡ ኣብ ዝፋኑ ዘሎ ፡ ህያው ልዕሊ ልዑላን፡ጽድቅና፡ ትምክሕትና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንስሙ።
ታሪኽ እቲ ዘደንቅ ቅድመ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብዚ ምድሪ ብኣካል፡ዝነበረ ፡ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዘሳጋግረና ዘሎ፡፡ገሊኦም ነብይ ገሊኦም ጻድቅ ገሊኦም ከኣ ወዲ ኣምላኽ ገሊኦም ከኣ፡ኣምላኽ ኢሎም ዝኣመንሉ፡ገሊኦም ከኣ ኣነ ወዲ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ሓቂ ተመስከረሎም፡ክቀትልዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ።መወዳእታ ድማ ሰባት ንሞት ፈሪዶሞ ኣብ መስቀል ዝወዓለ፡ኣምላኽን ሰብን ዝኾነ ፍጹም መድሓኒ፡ሰዓብቱ እውን ኣብዚ ምድሪ፡ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝተቀትሉን ዝተሰደዱን ፡ዝስደዱ ዘለዉን፡ ክሳዕ ህጅን፡ኣብዚ ምድሪ ስራሑን ታሪኹን ግብሩን፡ባህ ዝብልን ፡ ዘደንቅን ግኑን ኮይኑ ጌና ዝቅጽል ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና።እቶም ናይ ኣፍ ዘይኮነስ ናይ ልቢ ሰዓብቱ ንስኻ ግኑን ኢኻ፡መሳሊ የብልካን እንዳበሉ፡ምስጋና ካብ ኣፎም ከየቋረጸ፡ ስሙ ካብ ምልዓል ከየዕረፉ፡ንስኻ ብቁዕ ኢኻ ከተድሕነና፡ እንዳበሉ፡ይነብሩ ኣለዉ።
ጸላእቱ ተወሊዱ ካብ ዝተባህለላ ግዜ ኣትሒዞም ኢዮም፡ከጥፍእዎ ተመንዮም።ንዕኡ ምእንቲ ክረኽቡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ተወሊዱሉ ዝተባህለ ዕድመ ንዝርከቡ ቆልዑ ኩሎም ኣጥፍኡ፡ግን ኣይረኸቡዎ።(ማቴዎስ 2 ;16-17) ነገስታት ከተማታት ብልደቱ ሰንበዱ።(ማቴዎስ 2፡2) መላእኽቲ ሰማይን፡ጓሶትን ድኻታትን ግን ብልደቱ ባህ በሎም።(ሉቃስ 2: 13-14)
ግን ንሱ ከም ኣተዓባበያ ሰብ ዓበየ፡ብዘይካ ሓጢኣት ድማ ኩሉ ንሰብ መሰለ።ስለሓጢኣት ሰባት፡ ድማ ኣብ መስቀል ወዓለ።ሞት ስዒሩ ድማ ተንሰአ።ኣብ የማን ኣቦኡ ድማ ተቀመጠ።የማን ክንብል ከለና ከምቲ ንዓና ዝመስለና፡ዘይኮነ የማንን ጸጋምን ፡ኣይኮነን፡ስለምንታይሲ ኣምላኽ የማን የብሉ ጸጋም፡ድሕሪት የብሉ ቅድሚት፡ንሱ መንፈስ ኢዩ፡የማን ክብል፡ከሎ ግን ኣብ ሓይሊ፡ኣብ ጽድቂ ኣብ ሰናይ ነገር፡ኣብቲ ኣውራ፡ ንምባል ኢዩ፡ተጠቂሙሉ ዘሎ።
ኣብቲ ተሰቀለሉ ግዜ ካብቶም ምስኡ ተሰቂሎም ዝነበሩ ክልተ ሸፋቱ ፡ነቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ፡ሽፍታ እውን ምሰኡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ተማልኦ፡እቲ ሽፍታ ብስጋ ዘይኮነስ እንኮላይ ብልቡ ኣብ የማን፡ማለት ቦታ ንስሓን ጽድቅን ብምንባሩን ብሓሳቡ፡ኣብ ቅድመ ክርስቶስ ድማ ስለተነሰሐን ዝኣመነን ደኣ ኣእተዎ እንበር ናይ የማን ብምጽንሑ በጋጣሚ ተገብረ ኣይነበረን፡ንሱ ብመደብ እንበር በጋጣሚ ኣይሰርሕን።
ሽዑ ድማ ኢዮም ፡ምስ ተወልደ፡ባዕሉ ድማ ኢዩ ባዕሉ፡፡ወንጌሉ ክስበኽ ዝጀመረ፡፡(ማቴዎስ 4:23)(ማቴዎስ 9:35)ድሕሪ ትንሳአኡን ዕርገቱን ቅድመኡን ብእኡ ሰብ ክኣምን ሃዋርያት ዝሰበኹ።ንዝረኸቡዎም ዝብልዎም ጽፍፍትን ሕጽር ኢላን ፡ንምርደኣ ጥዕምትን ኢያ ዝነበረት።(ግብሪ ሃዋርያት 16:31)ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና ኢየሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።" ከም ዝተጻሕፈ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ እመኑ ክትድሕኑ ኢኹም እንዳበሉ ይሰብኩ ነበሩ።እዚ ብምባሎም ግን ከምቲ ንዕኡ ዝበጽሖ በደል ኣብ ልዕሊኦም ይወርድን ይዋረዱን ነበሩ።ትወሃቦም ዝነበረት ብስም እዚ ሰብኣይ ከይትዛረቡዶ ኣይነገርኩምን ብስም እዚ ሰብኣይ እዚ ከይትሰብኩ፡ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኢዮም ዝእዚዙዎም፡ ዝነበሩ።(ግብሪ ሃዋርያት 5:40)ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ይሕጎሱ ነበሩ።


ጸላእቱ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስሙ ኢያ ተፍርሖም፡ስሙ ክትጽዋዕ የብላን፡ክትደጋገም የብላን፡ክብሩ ንስምራቅ ድማ ገሊኦም፡ማዕረ ነበያት፡ማዕረ ሓሰውቲ መምህራንን ክሰርዕዎ ይፍቲኑ፡ገሊኦም ከኣ ልዕልናኡ ንምዝንጣልን ክብሩ ንምግፋፍን ማዕረ ነባይትን ጻድቃንን ኢዮም ዝብልዎም ይሰርዕዎ፡ እረ ገሊኦምሲ ተደኣ ተኻኢሉስ ካብቲ ዘለዋ ደረጃ ክብሪ ደኣ ማዕረ ፍጡራን ብምስራዕ ፍጡር ኢዩ፡ኢዮም ዝብልዎ።እዚ ኹሉ ግን ን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ክርእይዎ ስለዘጸገሞምን መንፈሳዊ ዕጽረት ስለዝወሓጦምን፡ንመንፈስ ቅዱስ ስለዝሓደጉዎን ዝሓደጎምን ኢዮም።ንሱ ድማ ነዚ ስለተረደአ ፡ኢዩ፡ባዕሉ፡ብስሙ ከይንዳነ፡ብስሙ ዋጋ ዕዳጋ ውረድ ደይብ ከይንገብር ፡ስሙ ስኽፍክፍ ዝብሎም እቶም ዘይናቱ ዝኾኑ ጥራሕ ምዃኖም ፡ንኸረድእን ስሙ ደጋጊምና ክንጽውዕን ስሙ ብልዓልና ንዝወረደና ድማ ዓስቢ ከም ዘሎና ጥራሕ ዘይኮነስ ድሮ እቲ ጎይታ ዝበሎ ትንቢት ኣባና ክፍጸም ከም ልኦ መታን ተረዲእና ትብዓት ከነጥርን ብዝጎንፈና ፈተና ከይንስብድን።ከምዚ ክብል ሕድሪ ዝበለና ብቃሉ፡ (ማቴዎስ 10:22)ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።ዝበለና።
ይቅጽልልል ናብ 2ይ ክፋል

Saturday 8 November 2014

“ኣይትጨነቕ!”


 “ኣይትጨነቕ!”



ንጭንቀት፡ ዝተጨነቐ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝፈልጣ። ብጭንቀት ተወጢሩ ንዘሎ ሰብ፡ “ኣይትጨነቕ!” እንተበልናዮ፡ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ” ዝብል ብሂል ከምዘሎ፡ ጭንቀት ክንውስኸሉ እንተዘይኴንና፡ እንዓብሰሉ ነገር የብልናን። ጭንቀት፡ ፈቲኻ እተምጽኦ ስለዘይኮነ “ካብ ሎሚ ኣይጭነቕን’የ!” ኢልካ እንተወሰንካ’ውን፡ እቲ ጭንቀት ግን ብገለ ምምጻኡ ኣይተርፎን። “ሎሚ ሎምስ እቲ ቤተክርስቲያን ምኻድ’ውን ንባዕሉ ጭንቀት ይኾነኒ’ሎ ኣንቱም ሰባት። እቲ ሓደ ከምዚ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ፥ ጭንቀት ከተራግፍ ኢልካ ኬድካ ዶ ወደይ ጭንቀት ተሰኪምካ ትመጽእ ኢኻ?!..” ዘጽሕፈኒ ዘሎ ምኽንያት ግን፡ ብዛዕባ ጭንቀት፡ ጭንቂ ንምዕላል ዘይኮነስ፡ ጭንቀት ከነወግደሉ እንኽእል መገዲ ከምዘሎ ከበስረኩም ኢለ’የ፡ ብሽራተይ ትጥዓም ዶ ሓቀይ?! 

“ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጉህይን ኣለኺ፡” ዝብል ዘረባ ጐይታ’ሞ ንዘክር፡ ንነፍስና ኸኣ ኣብ ቦታ ማርታ ነእትዋ፡ (ሉቃ10፡41)። ዘየጨንቐና ኣርእስቲ ዳርጋ ከምዘየለ መቸም ንሰማማዕ ኢና ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። ገለ ብሕማም፡ ገለ ብስግኣት ሕማም፡ ገለ ብስእነት፡ ገለ ብብዝሒ ገንዘብ፡ ገለ ብብዝሒ ውላድ፡ ገለን ብስእነት ውላድ፡ ገለን ብግዝፊ ገለን ብቕጥኒ፡ ገለን ቤተክርስቲያን ብምኻድ ገለን ቤተክርስቲያን ብዘይምኻድ፡ ወዘተ። ዘዕርፍ እዩ ዘይተረኽበ እምበር ዘጨንቕሲ እንካ ብእግሪ ‘ያ ዑቕባይ እዩ ኮይኑ ዘሎ። 

ጐይታና ናብ እንዳ ማርያምን ማርታን ምስ ኣተወ፡ ማርታ ኣጋይሻ ንምስትንጋድ ላዕልን ታሕትን ሸበድበድ ትብል ነበረት። ማርያም ግን ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ጐይታ ጥራይ ብምግባር፡ ኣብ እግሩ ኮፍ ኢላ ቃሉ ንምስማዕ ሓረየት። ነዚ ዝረኣየት ማርታ፡ ቁጥዓኣ ሰማይ ይዓርግ እሞ፡ ንጐይታ፡ ኣይትግደሰለይን ዲኻ ብዝዓይነቱ፡ “ግደይ ዶ የብልካን ኢኻ” ክትብሎ ከላ ነንብብ። ጐይታ ዝኣክል ኣብ ቤትካ ኮፍ ኣቢልካ፡ ኣዒንትኻ ናብታ ኣብ እግሪ ጐይታ ኮፍ ኢላ ዘላ ሰብ ምግባር ማለት፡ ኣብ ህይወትካ ብገዛእ ፍቓድካ ጭንቀት ምጽዋዕ ማለት ምዃኑ፡ ካብ ናይ ማርታ ህይወት እንመሃሮ መባእታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። 
ንሓሳበይ ዝያዳ ከብርሆ፡ ቤተክርስቲያን ኬድካ ኣብ ክንዲ ጉዳይካ ምስ እግዚኣብሄር ዝኸውን፡ ኣዒንትኻ ናብቶም ኣገልገልቲ ወይ’ውን ናብቶም ኣብቲ ቦታ ዘለው እንተፈኒኻየን፡ ህይወት ማርታ ብቐጥታ ኣባኻ ክትርጐም ከሎ ኢኻ ትርእዮ፡ እየ ዝብል ዘለኹ። ናብ ስብከት ገጹ ምእንቲ ከይከደኒ ግን ሕጂ፡ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሓሳባት ጥራይ ከጨብጠኩም። 

1. ነቲ እተምልኾ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ

ስምዒታትናን ዘለናዮ ኩነታትን ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ግን ዝርዳእ፡ ዝምልስ፡ ዝርኢ፡ ኣብ ቀረባና ዘሎ፡ ክንጽውዖ ከለና ዝምልሰልና፡ ወዘተ ምዃኑ ብፍልጠት ደረጃ ኣብ ኣእምሮናን ቀልብናን ክሰፍር ዝግብኦ ሓቂ እዩ። ብመን ከምዝኣመንና ኣጸቢቕና ክንርዳእን ከነውተውዕልን ይግባእ። ንኣምላኽ ተመራሚርና፡ ተመራሚርና፡ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ብምብጻሕ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና’ኳ ኣይንበል እምበር፡ ብዛዕባ ዕብየቱን ሓይሉን፡ ብዛዕባ ፍቕሩን ምሕረቱን ወዘተ ግን ብዙሕ ክንፈልጦ እንኽእል ነገራት ከምዘሎ ኣይንስሓቶ። ነቶም ዝጽበይዎ ዘገርም ግብሪ ከምዝገብረሎም፡ ዝጨንቆ ነገር ከምዘየለ፡ ንዘየለ ነገር ናብ ህሉው ንምምጻእ ምንም ከምዘይጨንቆ፡ ራብዕቲ ዝገበረ ዝጨነወ ሬሳ ይኹን፡ ፈጺሙ ዝተበታተነ ንቑጽ ዓጻጽምቲ’ውን እንተኾነ፡ መንፈሱ ኣንፊሱ ዳግማይ ትንፋስ ክሰኩዕ ከምዝኽእል፡ ምሕረቱ ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ምዃኑ፡ ምፍላጥን ምዝካርን የድሊ። እዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ናይ ህይወት ክቕየር ዘይግብኦ መባእታዊ ፍልጠት እዩ። (ኢሳ64፡4፥ ዮሃ11፡39፥ ህዝ37፡1-13)

2. ምስ ገዛእ ነፍስኻ ምዝርራብ ተለማመድ

ኣኼባ ጸውዕ… ምስ ካልኦት ሰባት ዘይኮነስ ምስ ገዛእ ርእስኻ። ንስኻ እትመርሖ፡ ንስኻ እትሰምዖ፡ ንስኻ እትሓቶ፡ ድማ ንስኻ ኸኣ እትምልሶ.. ምስ ገዛእ ርእስኻ ኣኼባ ግበር። ተጸለል ድየ ዝብል ዘለኹ? ኣይፋልን። ካብ መዝሙራት ቅዱስ ዳዊት ከምእንርድኦ፡ እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳት በዚ ኸምዚ እዮም ህይወቶም ዘመዓራርዩ ዝነበሩ። እዚ ኣኼባ’ዚ ዓው ኢልካ ብድምጺ ዝግበር ኣኼባ እዩ። “ነፍሰይ ንምንታይ ትጉህዪ ኣለኺ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣለኺ?” ኢሉ ቅዱስ ዳዊት ንነፍሱ ከዋጥራ ከሎ ንርእዮ (መዝ 42፡ 5-11)። እግዚኣብሄር ዝኣክል ኣምላኽ ሒዝካስ፡ ዝሓሊ ኣቦ ከምዘይብሉ ዘኽታም ውሉድ ኴንካ ምጕሃይ ደኣ እንታይ ኣምጽኦ?! ስለዚ፡ ተንስእ! ኪንዮ እቲ ዘለኻዮ ኩነታት ሓሊፍካ ኸኣ፡ “ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ክጽበዮ እየ እሞ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ” ኢልካ ንነፍስኻ ኣበራትዓያ። እዚ ልማድ እዚ ብግዲ ክንለምዶ ዘለና ቅዱስ ልማድ እዩ። ገለ ጸገም እንተጓነፈ፡ እቲ ጸገምን ከኣልነት ኣምላኽን ብምግንዛብ፡ ወትሩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለካ ተስፋ ከተሐድስ ይከኣለካ እዩ። 

3. ኣድህቦኻ ኣብ ጐይታ እምበር ኣብ ነገራትን ኣብ ሰባትን ኣይኹን

ኣድህቦና ኣብ ጐይታ እንተጌርናዮ፡ ነገራት ተሳሊጦምን ተሓላሊኾምን ብዙሕ ኣይጸልዉናን እዮም። ሰባት ቀሪቦምን ርሒቖምን ብዙሕ ኣየሕስበናን እዩ። ሕቶና ከምቲ ንደልዮ ተመሊሱን ከይተመለሰ ተሪፉን ብዙሕ ኣየሕስበናን እዩ። ነቶም ንኣምላኽ እነፍቅሮን ከም ምኽሩ ድማ ዝተጸዋዕናን ኩሉ ነገር ንሰናይና ከምዝድግፈና ክንፈልጥ ይግባእ (ሮሜ8፡28)። ኣድህቦና ኣብ ነገራት እንተጌርናዮ ግን እቲ ነገር እንተሰለጠ ከበሮ ታሕጓስ ኣልዒልና፡ ከም ሚርያም ሓፍቲ ሙሴ … “ንሴብሖ ለእግዚኣብሄር” ብምባል ክንዘልል፡ እንተተሸናኺሩ ድማ ብጭንቀት ተዋጢርና ክንቍዝም ምዃንና ርዱእ’ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ህይወት ድማ ካብቲ እምነት ዘይብሉ ተራ ሰብ ዘፍሊ ነገር የብሉን። ንሕና ግን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” ክንደሊ ጥራይ እዩ ትጽቢት ዝግበረልና፡ እቲ ኹሉ “ሃበኒ’ባ ግበረለይ እባ” እንብሎ ግን፡ ከይለመንናዮ ከለና’ውን፡ ባዕሉ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ከምዘድልየና ይፈልጦ እዩ። ስለዚ እምበኣር ዓይንና ካብ ኣኽራን ነልዕሎ፡ ዓይንና ካብቲ ዘጨንቐና ዘሎ ነገር ነልዕሎ፡ ነቲ ጐይታ ጐይቶት፡ ነቲ ንነገራት ክልውጥ ብቕዓት ዘለዎ ብዓል ፍሉይ ሓይሊ ኣምላኽና ግን ዓይንና መሊእና ንጠምቶ። እቲ ነገር ሰለጠ ኣይሰለጠ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ኣዒንትና ኣብ እግዚኣብሄር ምትኳረን ግን ንነፍስና ዕረፍቲ ዝኸውን ምንጪ ክንረኽብ ክሕግዘና እዩ።

4. ብእትርእዮን እትሰምዖን ተጠንቀቕ

ቃል ኣምላኽ ከምዝነግረና ከም ኣመንቲ መጠን “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብተስፋ ኣዚና ክንህብትም” ትጽቢት ይግበረልና እዩ (ሮሜ15፡13)። ተስፋ ዘቝርጽ ክትሰምዕ እንተውዒልካ ግን፡ ከመይ ኣቢልካ ብተስፋ ክትህብትም ትኽእል። ካብ ኣፍካ ብዝወጽእ ቃላት ይኹን፡ ካብ ካልኦት እትሰምዖ ወይ’ውን እተንብቦ ይኹን፡ ነቲ ዘለካ ተስፋ ዘድክም ከይከውን ተጠንቀቐሉ። ብሙዚቃ ዝተሰነየ ይኹን ብሌጣ ዘረባ፡ ብዕላል ይኹን ብኣኼባ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለካ ትውክልትን ተስፋን ዘዳኽም መልእኽቲ ካብ ምስማዕ ክትቍጠብ የድሊ። ነቶም ናይ እምነት ጀጋኑ ዘክሮም፡- ነገራት ብምስላጦምን ዘይምስላጦምን ዘይኮነ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቅን ንዘልኣለም ዘይልወጥን ብምዃኑ ጥራይ ብምእማን እዮም ንነገስታት ዝሰዓሩ (እብ12 ምዕራፍ ብምሉኡ ይነበብ)። ሸውዓተ ዕጽፊ ኣብ ዝጐሃረ እቶን ሓዊ ክሳዕ እትድርበ፡ ኣምላኽካ ስቕ ዝበለ እንተመሰለ’ውን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለካ እምነት ግን ምሉእ ይኹን (ዳን3፡1-30)። ስለዚ እምበኣር፡ ንእምነትካ ዘበራትዕን ዝሃንጽን ናይ ተስፋ ቃላት ካብ ቃል ኣምላኽ ፈቲሽካ ርኸብ እሞ ደጋጊምካ ድማ ተመገቦ። 

5. ናብቲ ጀማሪ እምነትናን ደምዳሚኣን ዝኾነ ኢየሱስ ጠምት (እብ12፡2)

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሓደ ማንም ክፈትሖ ዘይከኣለ፡ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ መጽሓፍ ብራእይ ከምዝረኣየ እሞ፡ ነቲ መጽሓፍ እቲ ዝፈትሖ ይኹን ዝግንጽሎ ብዘይምርካቡ ድማ ከምዝበኸየ ጽሒፉ’ሎ (ራእ 5፡1-5)። ደሓር ግን ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ መጺኡ፡ ንህይወትና ዝጠቅም ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ መልእኽቲ ሃቦ። “ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ፡” ብምባል ድማ ናብቲ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥምት ከምዝግብኦ ነገሮ። ኣንቱም ብጭንቀት ውጥር ኢልኩም ዘለኹም ኣሕዋተይ፡ ነቲ ዘጨንቐኩም ዘሎ፡ ክፈትሖ ብቕዓት ዘለዎ ጐይታ ኣዒንትኹም ናብኡ ብምልኣት ክጥምታ፡ ነዚ ጐይታ እዚ እመንዎ ዝብል መልእኽቲ እየ ከሕልፈልኩም ደልየ ዘለኹ። 

ርዝነት ጭንቀትኩም ሰባት ክርድእዎ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። “ልቢ፡ ንምረቱ ባዕሉ’ዩ ዝፈልጦ” ተብሂሉ ዶ ኣይተጻሕፈን (ምሳ14፡4)። ነቲ ጭንቀት ኩላትና ክርዳእን መፍትሒ ክህብ ከኣ ዝከኣሎን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትስዕብዎ ኢልኩም ግን ወስኑ። እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ፡ እንሆ እታ እትውሱንላ ግዜ’ውን ሕጂ እያ፡ ንሱ ዝሓስበልኩም ዘሎ ሓሳብ ይፈልጦ እዩ፡ ሓሳብ ሰናይ እምበር ናይ ክፉእ ኣይኮነን… (ኤር29፡11) ነዚ ጐይታ እዚ ክስዕቦ ወሲነ ኣለኹ እትብሉ እምበኣር፡ ሕጂ’ውን ብብሕቲ ክትረኽቡኒ ብምሕረት ኣምላኽ እዕድመኩም ኣለኹ።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ 3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ።

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ
3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ።

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ግን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ሞት ተመንዩ’ኳ እንተነበረ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ግን መጺኡ ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ ኢና ርኢና። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ፍጹም ምሕላል’ዩ ተሓሊሉ ዝነበረ’ሞ፡ ብመልኣኽ ተቐስቂሱ፡ ተኣምራታዊ መግቢ ተመጊቡ ክነሱ’ኳ፡ ክነቅሕን ክበራበርን ግን ኣይከኣለን። መሊሱ በጥ ከምዝበለ ኸኣ ርኢና። ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ መልኣኽ ከኣ ነቲ መሊሱ በጥ ዝበለ፡ ዳግም ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ’ውን ኣንቢብና። መወዳእታኡ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ፡ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ክኸይድ ከኣለ። ኣብ ከረን ኣምላኽ፡ ድምጺ ኣምላኽ ክስማዕ ባህርያዊ እዩ’ሞ፡ እንሆልኩም እቲ ብድኻም ተጠላቕዩ፡ ሞት ዝልምን ዝነበረ ኤልያስ ከኣ፡ ደጊምሲ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ፈጺሙ ተዳለወ። ክብሪ ነቲ ኣብ ውርደትና ዝዝክረና፡ ኣብ ድኻምና ኸኣ ዘይሓድገና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን! ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል፡-

ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መጸ

እቲ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ዝመጸ ቃል፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ?” ዝብል እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ምዕራፍ፡ ክልተ ግዜ ተደጊሙ ተጻሒፉ ምህላዉ፡ ንርዝነት እቲ መልእኽቲ ብፍሉይ ከነድህበሉ የገድደና። “ዎ ዮናስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምካ ዝሓወይ? “ባሃበሎም”፡ “ዎ ባሃበሎም፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምኪ ዛ ሓፍተይ፡ “ኣዕለለት”፡ “ዎ ኣዕለለት፡ ኣብዚ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ?” እዚ ሕቶ’ዚ ከምዘለዎ ስምና ኣእቲና ንገዛእ ርእስና ንሕተተሉ። “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ፡ እንታይ ትገብር ኣለኻ?!” ንምፍልላይ ዲኻ ትሓስብ ዘለኻ? ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ንምህዳም ዲኻ ትሓስብ ዘለኻ? ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዘይከውን ቈጸራ ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ዘይጠቅም ዘረባ ሃለውለው ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ዎ ኣንባቢ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ??

እምብዛ ዘደንቕ ግን ከኣ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ትእምርትን ተኣምራትን

ትእምርትን ተኣምራትን ንብዙሓት ዘጋጊ ኣርእስቲ እዩ። ጐይታና ብዛዕባ’ዚ ክዛረብ ከሎ፡ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ግናኸ ካብ ትእምርቲ ነቢዪ ዮናስ ዝዓቢ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሃቦን እዩ” በለ። ብርግጽ ድማ ካብቲ ጐይታ ንምድሓንና ኢሉ ዝገበሮ ትእምርቲ-ትንሳኤ፡ ካብኡ ዝዓቢ ካልእ ትእምርቲ ክትረክብ ኢልካ ሃሰስ ምባል፡ ገዛእ ርእስኻ ንሓደጋ ምቅላዕ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቅድም ኣብ በዓቲ ዝተዛረቦ ቃል መሊሱ ኣብቲ ኸረን ክደግመሉ ምስ ደለየ፡ “ወጺእካ ኣብቲ ኸረን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል” ዝብል መምርሒ እዩ ሂብዎ። ሽዑ ቀቅድሚ እቲ ዳግማይ ድምጺ ምምጻኡ፡ ዘገርም ተኣምራት ተራእየ፡-

“እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። (ኣኽራን ዝስንጥቕ፡ ኣኻውሕ ድማ ዝሰባብር ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ መንፈስ ኣምላኽ መሲሉ ከደናግረና ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን፡ ኤልያስ’ውን ኣይተደናገረን።) ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን። (ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለጽ ከሎ ምድሪ ተንቀጥቅጥ ኣያ’ሞ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ውን ክብሪ እግዚኣብሄር መሲሉ ከደናግረና ይኽእል’ዩ)። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡” ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። ከምቲ ንሙሴ ኣብ ቈጥቋጥ ክግለጸሉ ኸሎ ዘጋጠመ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብሓዊ ክግለጽ’ውን ይከኣል’ዩ’ሞ፡ እዚ’ውን ናይ እግዚኣብሄር መሲሉ ከደናግረና ከምዝኽእል ክንስሕቶ ኣይንኽእልን።

እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ኹሉ እግዚኣብሄር ዘይምንባሩ እዩ። “እንታይ ደኣሉ’ሞ እቲ ፍታሕ፡ እንታይ ደኣልና ክንገብር ዝግባእ?” ትብሉ ከምዘለኹም ኮይኑ ይስምዓኒ’ሎ። ሓሳብ እግዚኣብሄርን ምኽሪ እግዚኣብሄርን ንምልላይ፡ መዓልትን ለይትን ነቲ ንቓሉ ዝዓቘረ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ እዩ እቲ እንኮ መፍትሒ። እቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘለዎ ሰብ፡ ብትእምርትን ተኣምራትን፡ ብቐሊሉ ናብዝን ናብትን ክድፋእ ኣይክእልን። ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝኸውንን ነቲ ካብ ካልእ መንፈስ ዝኸውንን ንምልላዩ’ውን ኣይሽገርን እዩ። ኤልያስ፡ በቲ ኣኽራን ዝሰንጠቐ ንፋስ ተገሪሙ ገጹ ዘይከደነስ፡ እንሆ ህዱእ ቁሩብ ደሃይ ምስ መጾ ግን ባርኖሱ ጌሩ ገጹ ብምኽዋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ከምዝበለ ኢና ነንብብ ዘለና። ኣቤት፡ እግዚኣብሄር ምስትውዓል ክህበካ ከሎስ ክጥዕም!! ኣኽራን ዝስንጥቕ፡ ኣኻውሕ ድማ ዝሰብር ተኣምራታዊ ንፋስ እናረአኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብኡ ከምዘየሎ ምስትውዓል ይህበካ’ሞ፡ ኣኽራን ኣብ መዓሙቕ እንተተናወጹ፡ ምድሪ’ውን እንተተገልበጠት፡ ወይከ ዕጅብ!

ኣነን ንስኻትኩምን እንተንኸውን፡ ምድሪ ዘንቀጥቅጥ ተኣምራት ርኢና ጥራይ እንታይ ምግበርና ባዕልና ንፈልጦ… “እግዚኣብሄር ኣብቲ ጉዳይ ኣሎ ዶ የለን” ዝብል ምስትውዓል ዝሓትት መረዳእታ ንምጥራይ ግን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ክህልወና ወሳኒ እዩ። እቲ መልኣኽ ነቲ ኣብ ድኻም ዝነበረ ኤልያስ እንታይ ኢሉ ከምዝተላበዎ ዘክርዎ… “ብላዕ!” ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’ሞ፡ መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ክንበልዖ ይግባእ። “ድሕሪ’ቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ?” ይብለና እቲ ቕዱስ ጽሑፍ።

በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡

ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዚ ምዕራፍ እዚ፡ ነቲ ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ዝተሓብአ፡ ነቲ ሞት ዝተመነየ፡ ነቲ ንበይነይ እየ ተሪፈ ኢሉ ተስፋ ቈሪጹ ዝነበረ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ እግዚኣብሄር ግና መልኣኹ ሰዲዱ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ ዝብላዕ ቀሪቡ ድሕሪ ምምጋብ፡ ቃሉ ልኢኹ ዳግም ናብ ንቡር መንፈሳውነቱ ክመልሶ ኸሎ ኢና ንመሃር ዘለና። “እግዚኣብሄር ከኣ ኪድ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡…በሎ።” ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን!
ለካ ነቶም ኣብ ሶርያን ኣብ እስራኤልን ክነግሱ ዘለዎም ነጋውስ ክቐብኦም ዘለዎስ እዚ ኣብ ድኻም ዝነበረ ኤልያስ እዩ። ለካ ነቲ ኣብ እስራኤል ነቢይ ኮይኑ ደድሕሪ ኤልያስ ክትንስእ ዘለዎ ነቢዪ ኤልሳእ ክቐብኦ ዘለዎስ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ድኻም ዘሎ ኤልያስ እዩ!! ኣሕዋተየ ነቶም ኣገልገልትናን መገላገልትናን ዝነበሩ’ሞ ሕጂ ግን ኣብ ድኻም ዘለዉ ንዘክሮም። እግዚኣብሄር ብእኦም ኣቢሉ ክሰርሖ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት ክህልዎ ስለዝኽእል ከኣ፡ ንጥቕሚ ገዛእ ርእስናን ንረብሓ ብዙሓትን ክንብል፡ ንዕኦም እነበራብረሉ ግዜ፡ ሕጂ ምዃኑ ኸኣ ኣይንዘንግዕ።

ዕዮ ገዛ

ኣገልጋሊኹም ወይ መገላግልትኹም ዝነበረ እሞ ሕጂ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣገልግሎት ወይ’ውን ፈጺሙ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ዘየለ ዘክሩ። ወዲ ይኹን ጓል ብዘየገድስ፡ እግዚኣብሄር ብእኦም ጌሩ ክሰርሖ ዘለዎ ዓቢ ስራሕ ከምዘሎ ተማሂርና ኣለና’ሞ፡ እንተወሓደ ንሓደ ሰብ ከተበራትዑ ኢልኩም ወስኑ። እግዚኣብሄር እሙን’ዩ እሞ ምስክርነታትኩም ክጽበ እየ። ንገዛእ ርእስኹምን ነቲ እትረኽብዎ ሰብን እዚ ቓል እዚ ንገርዎ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ “ዎ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ…እግዚኣብሄር ብኣኻ ጌሩ ክዓዮ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት ኣሎ’ሞ፡ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ!” እግዚኣብሄር ዝምለስን ዝመልስን ህይወት ይሃብኩምን ይሃበንን!

ተፈጸመ።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ካብ 1ይ ክፋል ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል።

   ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ 

ካብ 1ይ ክፋል  ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል።

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 ኣንብቡ ኢለ እንድየ ተፈልየኩም ኔረ ሓቀይ?! ንስኹም ከ፡ ተስፋ ዘስንቕ ዶ ተስፋ ዘቝርጽ መልሲ ኢኹም ኣዳሊኹምለይ ዘለኹም?! “ክርስቲያን ተስፋ ኣይቈርጽን’ዩ!” ኢሉ ዝሰብኽ ዝነበረ፡ ንባዕሉ ተስፋ ክቘርጽ ክትርእዮ ከለኻ ኸኣ’ባ ክኸፍእ! እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ ነቢዪ ኤልያስ፡ ‘ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ፡’ ዝብል ከተንብብ ከለኻስ፡ ተስፋ ኣየቍርጽን ዶ?! ብርግጽ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርኢ፡ ዓቢ ኣገልጋሊ ክወድቕ ከሎ እንተረአየ፡ ብሓቂ ተስፋ ክቘርጽ ይኽእል’ዩ። ብዓይኒ እግዚኣብሄር ግን ኣይከምኡን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ!” ነቲ ምውዳቕ ዘይኮነ እምበኣር፡ ነቲ ምትንሳእ ንጠምት እየ ክብለኩም ደልየ ዘለኹ… እስከ እቲ ኣብ ህይወት ነቢዪ ኤልያስ ዘጋጠመ ኸኣ ንርኣዮ።

እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፈርሀን ተዳህለን

ፍርህን እምነትን ክልተ መጻርርቲ ነገራት ክንሰን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግን፡ ብዘረባ ኢዛቤል ተዳሂሉን ሰምቢዱን ክሃድም ከሎ ኢና ንርእዮ ዘለና። እወ፡ ነፍሱ ንኸድሕን ክብል፡ ንጊልያኡ’ውን ከይተረፈ፡ ረጥሪጡ ክሳዕ ዝኸይድ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዚ፡ ንኹሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ክሃድም ከሎ ንርእዮ ኣለና። ብርግጽ፡ ነቲ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” ዝብል ኣበሃህላ ሕጂ ግርም ርዒምኩሞ ክትኰኑ እምነተይ እዩ። “ስለምንታይ ደኣ’ሞ፡ ዓበይቲ ኣገልገልቲ እንተወደቑ ዘገርመና?!” ብመሰረቱ’ውን’ኮ ናብቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝኾነ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ክንጥምት እምበር፡ ንዝኾነ ኣገልጋሊ ኣርኣያ እምነት ጌርና ክንጥምቶ’ኮ ኣይተጸዋዕናን። ስለዚ ብፍቕሪ ተደሪኽናን ተመሊእናን ደኣ ስለ እቶም ደኺሞም ዘለው ንጸልን እቲ ዝግባእ ከኣ ንግበርን እምበር፡ ንምሕማይ፡ ንምኽሳስን፡ ኢድ ንምውጥዋጥንሲ ኣይንተሃንደድ ደኣ፡ እዝስ ፍጹም መንፈሳውነት ዘለዎ መገዲ ኣይኮነን።

እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ሞት ተመነየ

“ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ፡” ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። በጥ ምባሉ’ኳ ዘገርም እንተኾነ፡ እዚ ድቃስ እዚ ግና ናይ ጥዕና ድቃስ ኣይምሰልኩም። ከምኡ ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተፈልዮም ጽቡቕ ዘዕርፉ ዘለው ዝመስሎም ኣሕዋትና’ውን ጽቡቕ ከምዘየለዉ፡ ንሶምን ንሕናን ክንርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ካብ ሕብረት ኣሕዋት ነዊሕ ዝጠፍአ ሰብ፡ “ግደፈኒ ጽቡቕ ኣለኹ” እዩ ዝብለካ… ግና እቲ ሞት ዝተመነየ 

   
ኤልያስ፡ ካብ ድኻሙ ምስ በርትዐ፡ ብሰረገላ ሓዊ ደኣ ንሰማያት ዓረገ እምበር ዛጊት ሞት ከምዘይጠዓመ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ እግዚኣብሄር ዘገርም ነገር ኣድልዩሎም ክህሉ ስለዝኽእል፡ ስለቶም ኣብ ድኻም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጸሎትን እቲ ዝግባእ ነገር ብምግባርን ክንድግፎምን ከነበራትዖምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ።

ነቲ ብድኻም ዝተሰነፈ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ መልኣኽ መጺኡ ነቕነቖ

“እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ” ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን! ለካ እግዚኣብሄርሲ ነቶም ናቱ ዋላ ኣብ ድኻም’ውን ኣይሓድጎምን እዩ። እዚ መልኣኽ ዝገበሮ ግብሪ፡ ሎሚ ኣነን ንስኹምን ክንክተሎ ዝግባእ መንፈሳዊ ግብሪ እዩ። ኣበይ ደኣ’ሎ’ሞ እቲ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ቤተክርስቲያን? ምናልባት ዶ ኾን ሓንሳእ ጌርና ተሓሊልና ንኸውን?! እቲ ብዛዕባ ኤልያስ ዝተጻሕፈ ቅዱስ ጽሑፍ ግና፡ “ በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ” እዩ ዝብል። ኣብ ቀዳማይ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ተሳቲፉ፡ መሊሱ ናብታ ዝነበራ ድኻም ዝተመልሰ ሰብ እንተጋጠመኩም እምበኣር፡ ሕጂ’ውን ንኤልያስ ደኣ ዘክርዎ እምበር ኣይትገረሙን ኣይትተሓለሉን ድማ።

ነቲ መሊሱ በጥ ዝበለ፡ እቲ መልኣኽ መሊሱ ነቕነቖ

ከይተሓለልካን ከየባተኽካን ብፍቕሪ ምቕስቃስ፡ ወትሩ ናይ ደቂ እግዚኣብሄር መለለዪ እዩ። “እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ፡ ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡ’ውን ሐደረ” ይብል እቲ ናይ እግዚኣብሄር ቃል። ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን! ሕጂ እቲ “በጥ በለ” “ደቀሰ” ዝብል ቃላት ተቐይሩ “ኣተወ፡ ሓደረ” ብዝብል ካልእ ቃላት ተተኪኡ ኢኹም ትርእይዎ ዘለኹም። ‘በጥ ምባልን’ ‘ምድቃስን’ ምስ ድኻም ጽኑዕ ምትእስሳር ኣለዎ፡ ‘ምሕዳር’ ዝብል ቃል ግን ንቡር ህይወት እዩ ዜርኢ። “ደሓን ዶ ሓዲርኩም” ከ’ባ ተበሃሂልና ዶ? ሕመረት እቲ መልእኽቲ እምበኣር፡ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ሓውኻ፡ ከምኡ’ውን ነታ ደኺማ ዘላ ሓፍትኻ፡ ከይተሓለልካን ተስፋ ከይቈረጽካን ብፍቕሪ ምቕስቃስ ከምዝግባእ እዩ። እወ፡ ነቲ ሕጂ ትዝክሮ ዘለኻ ሰብ፡ ነታ ሕጂ ትዝክርያ ዘለኺ ሰብ ወይ ተሌፎን ድዩ ወይ ብጽሑፍ ድዩ፡ ወይስ ብኣካል ተራኺብኩም ድዩ፡ ዘበራትዕ ቃል ኣምላኽ ንገርዎም። “ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ …” (ኣብ ቍ3 ይቕጽል)

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

https://www.facebook.com/photo.php?fbid=1008994669126612&set=gm.684691971630206&type=1&theater

ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧

ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧


1ይ ክፋል 
ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል 

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ከም ግምተይ ከኣ ጉድ ክትዝርዝረለይ ጀመረት፡ ውድቀት ናይቶም ብዙሓት ናይ እምነት ጀጋኑ ኢልና እንምክሓሎም፡ መራሕትና ዝነበሩ፡ መማህራንና ዝነበሩ፡ ምርኡያትን ውሩያትን ዝነበሩ፡ ዝነበሩ.. ዝነበሩ… ዝነበሩ… ክንደይ ይጽልኣካ እዩ ደቀይ! ብዙሕ ከዛርባ ኣይደለኹን። ውዕለቶምን እቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ኣበርክቶኦምን ጠቕሊልና ዝረሳዕናዮ ኮይኑ ተሰምዓኒ። “ናብቲ ንቡር ጉዕዞ ህይወት ብኸመይ ክንመልሶም ይግባእ ኢልና እንተንሓስብ ዶ ኣይሓይሽን?” ብምባል ክገትኣ ፈተንኩ። ብቐሊሉ እትግታእ ሰብ ግን ኣይነበረትን። ሕመረት መልእኽቲ ናይዚ ሎሚ ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ፡ ቅድም ንገዛእ ርእስና ደሓር ከኣ ነቶም ክንበጽሖም ዘለና ኣሕዋት፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? ብዝብል ሕቶ: ነቶም ናብ መገዲ ህይወት ንኽንኣቱ ዝደረኹና’ሞ ሕጂ ግን ንባዕሎም ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተኣልዮም ንዘለዉ፡ ስሊኦም ክንተግህ ዝድርኽ ትሕዝቶ እዩ።

“እከለ፡ እቲ ውሩይ ዘማሪ ትፈልጦ እንዲኻ?” ኢሂ’ሞ ንሱ፡ “ሓዳሩ ፈቲሑስ ካልእ ተመርዕዩ ይበሃል ኣሎ?” ጉድ! “እከለ እቲ ውሩይ ሰባኺ ትፈልጦ እንዲኻ? እሂ’ሞ ንሱ፡ ብምትላል ገንዘብ ተኸሲሱ ኣብ ቤትፍርዲ እዩ ዝውዕል ዘሎ? ወይ ጉድ!! እታ መገላግልትና ዝነበረት እከሊት ትፈልጣ እንዲኻ? ኢሂ’ሞ ንሳ.. ገዲፋቶ ዝወጻላ ዓለማዊት ኮይና… ድሕርዚ ክጽመማ ኣይከኣልኩን። ካብቲ ናቶም ጉድ ናትክን ናተይን ጉድ ይኸፍእ፡ እዚ እናረአና ኣብ ክንዲ ንምሕጋዞም ናብ ምኽሳሶም ንጐዪ ስለዘለና… ዳርጋ ውድእ ኢሉኒ ከም ሓውሲ ቍጥዕ ኢለ ገናሕክዋ። ሰገጥ ትብል ሰብ ግን ኣይነበረትን።

“ሰባኺ ወንጌል ዝነበረስ እንታይ ኢልካ ኢኻ ክትሰብኮ? ነቲ ብመዝሙሩ ብዙሕ ምስጢራት ኣምላኽ ዝገለጸ ዘማርስ፡ ሕጂ እንታይ ዝዓይነቱ ምህሮ ነጊርካ ኢኻ ክትመልሶ?!” ሕቶታታ ወጠርቲ ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ኣብ ህዋ ዝተንሳፈፉ መሲሎም ተራእዩኒ። ናብ መሬት ኣዕሊበ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህባ ደለኹ። ሌጣ ምዝርራብ ጥራይ ብዙሕ ፋይዳ ከምዘየምጽእ ስለዝዘከርኩ ግን፡ “ቅድም እሞ ሓጺር ጸሎት ንጸሊ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ሓቲተ፡ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህበኪ እየ በልክዋ። ሓቢርና ኸኣ ንጸሎት ርእስና ኣድነንና።

ድሕሪ’ቲ ሓጺር ጸሎት፡ “ሃዋርያ ያእቆብሲ፡ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ብዛዕባ ብጸሎት ክርከብ ዝከኣል ሓይሊ እናጠቐሰ ክነሱስ፡ ‘ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ’ ብምባል ንድኻም ኤልያስ ከዘክረና ዝደለየ?” ብምባል ተወከስክዋ። ሕጂ ግን ንምስማዕ እምበር ንምዝራብ ድልውቲ ኣይነበረትን። ብውሽጠይ “ጸሎት ጠቒማ” እናበልኩ፡ ነቲ ሽዑ ዝተኸፍተለይ ርሒብ ደገ ክጥቀመሉ ደለኹ። እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ዘሐደሰ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ እቲ ናይ እምነት ጅግና፡ ንሱ፡ ‘ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ’ ከተንብብ ከለኻስ፡ “ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ኣየብልንዶ? ብምባል ተወከስክዋ፡ መልሳ ንምስማዕ ከኣ ዘረባይ ኣቋረጽኩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ እወታ ምልክት ጥራይ ደኣ’ምበር ዝኾነ ቃል ከተስዕብ ግን ኣይደለየትን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ናይ ምስማዕ ሸውሃታ ብርሒብ ተራሕዩ ምንባሩ ግን ኣጣምታኣ ኣብርሃለይ። ሕጂ ግርም ብምባል መንፈስ ኣምላኽ ብምግላጽ ምስጢራት ክበዝሓኒ ብውሽጠይ ተማሕጸንኩ።

“ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ ዓበይቲ ኣገልገልቲ ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም እንተሰማዕኪ፡ ንሳቶም’ውን ከማና ዝድኻሞም ሰብ እዮም እሞ ኣይትገረሚ” በልክዋ። ኣልግብ ኣቢለ ድማ፡ “እቲ ካብ መጀመርታ ዘፍቀሮም እግዚኣብሄር ግን ልዕሊ ማንም ሕጂ’ውን የፍቅሮም እዩ። ካብ ድኻሞም ኣልዒሉ ብሕጂ’ውን ድንቂ ነገራት ንኽገብሩ ዳግም ከተንስኦም ከምዝኽእል፡ ካብቲ ኣብ ህይወት ኢልያስ ዘጋጠመ ሓቢርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡” ብምባል ንምንቕቓሕ ዝድርኽን ዓቢ ጾር ዘሰክምን ትምህርቲ ክምህራ ኣንቀድኩ። ንሕና ግን ወትሩ ሕጅን ሽዑን ተዓዘብቲ ጥራይ ኮይንና ከይንተርፍ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦምን ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ጾር ክንጸውር ይግብኣና’ዩ” ብምባል እቲ ክኸውን ዝግብኦ ሓቀኛ መገዲ መንፈሳውነት ብሓባር ብኸምዚ ዝስዕብ ተመሃርናዮ።

መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ነቲ መወከሲ ክኾነና ዝሓረኽዎ ክፍሊ ክልቴና መመጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ረኸብናዮ። እቲ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 እዩ ዝርከብ። ብዕምቈት ክንዘራረበሉን ክንመሃረሉን ምእንቲ ድማ፡ ቅድም ንሳ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ደሓር ከኣ ኣነ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ንብምልእታ እታ ምዕራፍ ክልተ ሳዕ ኣንበብናያ። ክጀሃር ደልየ ዘይኮንኩስ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ንስኻትኩም’ውን ነቲ ትምህርቲ ብዝግባእ ምእንቲ ክትርድእዎ፡ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ነታ ምዕራፍ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኣንብብዋ” ኢለ እየ ዝእንፍተልኩም ዘለኹ፡ እንሓንሳእሲ እባ፡ እቲ ምድርጓሕ’ውን ንዓሻ ጥራይ ግዲ ኣይኮነን ዘድልዮ… ሃሃሃ… ኣቱም ሰባት ‘ደኺሞም’ ኢልና ንኻልኦት ምኽሳስና ኸኣ እምበር ይገድድ!! (ኣብ ቁ.2 ይቕጽል)

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

https://www.facebook.com/photo.php?fbid=1008283235864422&set=gm.684219155010821&type=1&theater