Post più popolari

Saturday 8 November 2014

ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧

ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧


1ይ ክፋል 
ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል 

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ከም ግምተይ ከኣ ጉድ ክትዝርዝረለይ ጀመረት፡ ውድቀት ናይቶም ብዙሓት ናይ እምነት ጀጋኑ ኢልና እንምክሓሎም፡ መራሕትና ዝነበሩ፡ መማህራንና ዝነበሩ፡ ምርኡያትን ውሩያትን ዝነበሩ፡ ዝነበሩ.. ዝነበሩ… ዝነበሩ… ክንደይ ይጽልኣካ እዩ ደቀይ! ብዙሕ ከዛርባ ኣይደለኹን። ውዕለቶምን እቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ኣበርክቶኦምን ጠቕሊልና ዝረሳዕናዮ ኮይኑ ተሰምዓኒ። “ናብቲ ንቡር ጉዕዞ ህይወት ብኸመይ ክንመልሶም ይግባእ ኢልና እንተንሓስብ ዶ ኣይሓይሽን?” ብምባል ክገትኣ ፈተንኩ። ብቐሊሉ እትግታእ ሰብ ግን ኣይነበረትን። ሕመረት መልእኽቲ ናይዚ ሎሚ ተዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ፡ ቅድም ንገዛእ ርእስና ደሓር ከኣ ነቶም ክንበጽሖም ዘለና ኣሕዋት፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? ብዝብል ሕቶ: ነቶም ናብ መገዲ ህይወት ንኽንኣቱ ዝደረኹና’ሞ ሕጂ ግን ንባዕሎም ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተኣልዮም ንዘለዉ፡ ስሊኦም ክንተግህ ዝድርኽ ትሕዝቶ እዩ።

“እከለ፡ እቲ ውሩይ ዘማሪ ትፈልጦ እንዲኻ?” ኢሂ’ሞ ንሱ፡ “ሓዳሩ ፈቲሑስ ካልእ ተመርዕዩ ይበሃል ኣሎ?” ጉድ! “እከለ እቲ ውሩይ ሰባኺ ትፈልጦ እንዲኻ? እሂ’ሞ ንሱ፡ ብምትላል ገንዘብ ተኸሲሱ ኣብ ቤትፍርዲ እዩ ዝውዕል ዘሎ? ወይ ጉድ!! እታ መገላግልትና ዝነበረት እከሊት ትፈልጣ እንዲኻ? ኢሂ’ሞ ንሳ.. ገዲፋቶ ዝወጻላ ዓለማዊት ኮይና… ድሕርዚ ክጽመማ ኣይከኣልኩን። ካብቲ ናቶም ጉድ ናትክን ናተይን ጉድ ይኸፍእ፡ እዚ እናረአና ኣብ ክንዲ ንምሕጋዞም ናብ ምኽሳሶም ንጐዪ ስለዘለና… ዳርጋ ውድእ ኢሉኒ ከም ሓውሲ ቍጥዕ ኢለ ገናሕክዋ። ሰገጥ ትብል ሰብ ግን ኣይነበረትን።

“ሰባኺ ወንጌል ዝነበረስ እንታይ ኢልካ ኢኻ ክትሰብኮ? ነቲ ብመዝሙሩ ብዙሕ ምስጢራት ኣምላኽ ዝገለጸ ዘማርስ፡ ሕጂ እንታይ ዝዓይነቱ ምህሮ ነጊርካ ኢኻ ክትመልሶ?!” ሕቶታታ ወጠርቲ ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ኣብ ህዋ ዝተንሳፈፉ መሲሎም ተራእዩኒ። ናብ መሬት ኣዕሊበ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህባ ደለኹ። ሌጣ ምዝርራብ ጥራይ ብዙሕ ፋይዳ ከምዘየምጽእ ስለዝዘከርኩ ግን፡ “ቅድም እሞ ሓጺር ጸሎት ንጸሊ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ሓቲተ፡ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ክህበኪ እየ በልክዋ። ሓቢርና ኸኣ ንጸሎት ርእስና ኣድነንና።

ድሕሪ’ቲ ሓጺር ጸሎት፡ “ሃዋርያ ያእቆብሲ፡ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ብዛዕባ ብጸሎት ክርከብ ዝከኣል ሓይሊ እናጠቐሰ ክነሱስ፡ ‘ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ’ ብምባል ንድኻም ኤልያስ ከዘክረና ዝደለየ?” ብምባል ተወከስክዋ። ሕጂ ግን ንምስማዕ እምበር ንምዝራብ ድልውቲ ኣይነበረትን። ብውሽጠይ “ጸሎት ጠቒማ” እናበልኩ፡ ነቲ ሽዑ ዝተኸፍተለይ ርሒብ ደገ ክጥቀመሉ ደለኹ። እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ዘሐደሰ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ እቲ ናይ እምነት ጅግና፡ ንሱ፡ ‘ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ’ ከተንብብ ከለኻስ፡ “ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ኣየብልንዶ? ብምባል ተወከስክዋ፡ መልሳ ንምስማዕ ከኣ ዘረባይ ኣቋረጽኩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ እወታ ምልክት ጥራይ ደኣ’ምበር ዝኾነ ቃል ከተስዕብ ግን ኣይደለየትን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ናይ ምስማዕ ሸውሃታ ብርሒብ ተራሕዩ ምንባሩ ግን ኣጣምታኣ ኣብርሃለይ። ሕጂ ግርም ብምባል መንፈስ ኣምላኽ ብምግላጽ ምስጢራት ክበዝሓኒ ብውሽጠይ ተማሕጸንኩ።

“ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ ዓበይቲ ኣገልገልቲ ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም እንተሰማዕኪ፡ ንሳቶም’ውን ከማና ዝድኻሞም ሰብ እዮም እሞ ኣይትገረሚ” በልክዋ። ኣልግብ ኣቢለ ድማ፡ “እቲ ካብ መጀመርታ ዘፍቀሮም እግዚኣብሄር ግን ልዕሊ ማንም ሕጂ’ውን የፍቅሮም እዩ። ካብ ድኻሞም ኣልዒሉ ብሕጂ’ውን ድንቂ ነገራት ንኽገብሩ ዳግም ከተንስኦም ከምዝኽእል፡ ካብቲ ኣብ ህይወት ኢልያስ ዘጋጠመ ሓቢርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡” ብምባል ንምንቕቓሕ ዝድርኽን ዓቢ ጾር ዘሰክምን ትምህርቲ ክምህራ ኣንቀድኩ። ንሕና ግን ወትሩ ሕጅን ሽዑን ተዓዘብቲ ጥራይ ኮይንና ከይንተርፍ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦምን ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ጾር ክንጸውር ይግብኣና’ዩ” ብምባል እቲ ክኸውን ዝግብኦ ሓቀኛ መገዲ መንፈሳውነት ብሓባር ብኸምዚ ዝስዕብ ተመሃርናዮ።

መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ነቲ መወከሲ ክኾነና ዝሓረኽዎ ክፍሊ ክልቴና መመጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ረኸብናዮ። እቲ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 እዩ ዝርከብ። ብዕምቈት ክንዘራረበሉን ክንመሃረሉን ምእንቲ ድማ፡ ቅድም ንሳ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ደሓር ከኣ ኣነ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ ንብምልእታ እታ ምዕራፍ ክልተ ሳዕ ኣንበብናያ። ክጀሃር ደልየ ዘይኮንኩስ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ንስኻትኩም’ውን ነቲ ትምህርቲ ብዝግባእ ምእንቲ ክትርድእዎ፡ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ነታ ምዕራፍ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኣንብብዋ” ኢለ እየ ዝእንፍተልኩም ዘለኹ፡ እንሓንሳእሲ እባ፡ እቲ ምድርጓሕ’ውን ንዓሻ ጥራይ ግዲ ኣይኮነን ዘድልዮ… ሃሃሃ… ኣቱም ሰባት ‘ደኺሞም’ ኢልና ንኻልኦት ምኽሳስና ኸኣ እምበር ይገድድ!! (ኣብ ቁ.2 ይቕጽል)

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

https://www.facebook.com/photo.php?fbid=1008283235864422&set=gm.684219155010821&type=1&theater

No comments: