Post più popolari

Saturday 8 November 2014

“ኣይትጨነቕ!”


 “ኣይትጨነቕ!”



ንጭንቀት፡ ዝተጨነቐ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝፈልጣ። ብጭንቀት ተወጢሩ ንዘሎ ሰብ፡ “ኣይትጨነቕ!” እንተበልናዮ፡ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ” ዝብል ብሂል ከምዘሎ፡ ጭንቀት ክንውስኸሉ እንተዘይኴንና፡ እንዓብሰሉ ነገር የብልናን። ጭንቀት፡ ፈቲኻ እተምጽኦ ስለዘይኮነ “ካብ ሎሚ ኣይጭነቕን’የ!” ኢልካ እንተወሰንካ’ውን፡ እቲ ጭንቀት ግን ብገለ ምምጻኡ ኣይተርፎን። “ሎሚ ሎምስ እቲ ቤተክርስቲያን ምኻድ’ውን ንባዕሉ ጭንቀት ይኾነኒ’ሎ ኣንቱም ሰባት። እቲ ሓደ ከምዚ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ፥ ጭንቀት ከተራግፍ ኢልካ ኬድካ ዶ ወደይ ጭንቀት ተሰኪምካ ትመጽእ ኢኻ?!..” ዘጽሕፈኒ ዘሎ ምኽንያት ግን፡ ብዛዕባ ጭንቀት፡ ጭንቂ ንምዕላል ዘይኮነስ፡ ጭንቀት ከነወግደሉ እንኽእል መገዲ ከምዘሎ ከበስረኩም ኢለ’የ፡ ብሽራተይ ትጥዓም ዶ ሓቀይ?! 

“ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጉህይን ኣለኺ፡” ዝብል ዘረባ ጐይታ’ሞ ንዘክር፡ ንነፍስና ኸኣ ኣብ ቦታ ማርታ ነእትዋ፡ (ሉቃ10፡41)። ዘየጨንቐና ኣርእስቲ ዳርጋ ከምዘየለ መቸም ንሰማማዕ ኢና ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። ገለ ብሕማም፡ ገለ ብስግኣት ሕማም፡ ገለ ብስእነት፡ ገለ ብብዝሒ ገንዘብ፡ ገለ ብብዝሒ ውላድ፡ ገለን ብስእነት ውላድ፡ ገለን ብግዝፊ ገለን ብቕጥኒ፡ ገለን ቤተክርስቲያን ብምኻድ ገለን ቤተክርስቲያን ብዘይምኻድ፡ ወዘተ። ዘዕርፍ እዩ ዘይተረኽበ እምበር ዘጨንቕሲ እንካ ብእግሪ ‘ያ ዑቕባይ እዩ ኮይኑ ዘሎ። 

ጐይታና ናብ እንዳ ማርያምን ማርታን ምስ ኣተወ፡ ማርታ ኣጋይሻ ንምስትንጋድ ላዕልን ታሕትን ሸበድበድ ትብል ነበረት። ማርያም ግን ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ጐይታ ጥራይ ብምግባር፡ ኣብ እግሩ ኮፍ ኢላ ቃሉ ንምስማዕ ሓረየት። ነዚ ዝረኣየት ማርታ፡ ቁጥዓኣ ሰማይ ይዓርግ እሞ፡ ንጐይታ፡ ኣይትግደሰለይን ዲኻ ብዝዓይነቱ፡ “ግደይ ዶ የብልካን ኢኻ” ክትብሎ ከላ ነንብብ። ጐይታ ዝኣክል ኣብ ቤትካ ኮፍ ኣቢልካ፡ ኣዒንትኻ ናብታ ኣብ እግሪ ጐይታ ኮፍ ኢላ ዘላ ሰብ ምግባር ማለት፡ ኣብ ህይወትካ ብገዛእ ፍቓድካ ጭንቀት ምጽዋዕ ማለት ምዃኑ፡ ካብ ናይ ማርታ ህይወት እንመሃሮ መባእታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። 
ንሓሳበይ ዝያዳ ከብርሆ፡ ቤተክርስቲያን ኬድካ ኣብ ክንዲ ጉዳይካ ምስ እግዚኣብሄር ዝኸውን፡ ኣዒንትኻ ናብቶም ኣገልገልቲ ወይ’ውን ናብቶም ኣብቲ ቦታ ዘለው እንተፈኒኻየን፡ ህይወት ማርታ ብቐጥታ ኣባኻ ክትርጐም ከሎ ኢኻ ትርእዮ፡ እየ ዝብል ዘለኹ። ናብ ስብከት ገጹ ምእንቲ ከይከደኒ ግን ሕጂ፡ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሓሳባት ጥራይ ከጨብጠኩም። 

1. ነቲ እተምልኾ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ

ስምዒታትናን ዘለናዮ ኩነታትን ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ግን ዝርዳእ፡ ዝምልስ፡ ዝርኢ፡ ኣብ ቀረባና ዘሎ፡ ክንጽውዖ ከለና ዝምልሰልና፡ ወዘተ ምዃኑ ብፍልጠት ደረጃ ኣብ ኣእምሮናን ቀልብናን ክሰፍር ዝግብኦ ሓቂ እዩ። ብመን ከምዝኣመንና ኣጸቢቕና ክንርዳእን ከነውተውዕልን ይግባእ። ንኣምላኽ ተመራሚርና፡ ተመራሚርና፡ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ብምብጻሕ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና’ኳ ኣይንበል እምበር፡ ብዛዕባ ዕብየቱን ሓይሉን፡ ብዛዕባ ፍቕሩን ምሕረቱን ወዘተ ግን ብዙሕ ክንፈልጦ እንኽእል ነገራት ከምዘሎ ኣይንስሓቶ። ነቶም ዝጽበይዎ ዘገርም ግብሪ ከምዝገብረሎም፡ ዝጨንቆ ነገር ከምዘየለ፡ ንዘየለ ነገር ናብ ህሉው ንምምጻእ ምንም ከምዘይጨንቆ፡ ራብዕቲ ዝገበረ ዝጨነወ ሬሳ ይኹን፡ ፈጺሙ ዝተበታተነ ንቑጽ ዓጻጽምቲ’ውን እንተኾነ፡ መንፈሱ ኣንፊሱ ዳግማይ ትንፋስ ክሰኩዕ ከምዝኽእል፡ ምሕረቱ ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ምዃኑ፡ ምፍላጥን ምዝካርን የድሊ። እዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ናይ ህይወት ክቕየር ዘይግብኦ መባእታዊ ፍልጠት እዩ። (ኢሳ64፡4፥ ዮሃ11፡39፥ ህዝ37፡1-13)

2. ምስ ገዛእ ነፍስኻ ምዝርራብ ተለማመድ

ኣኼባ ጸውዕ… ምስ ካልኦት ሰባት ዘይኮነስ ምስ ገዛእ ርእስኻ። ንስኻ እትመርሖ፡ ንስኻ እትሰምዖ፡ ንስኻ እትሓቶ፡ ድማ ንስኻ ኸኣ እትምልሶ.. ምስ ገዛእ ርእስኻ ኣኼባ ግበር። ተጸለል ድየ ዝብል ዘለኹ? ኣይፋልን። ካብ መዝሙራት ቅዱስ ዳዊት ከምእንርድኦ፡ እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳት በዚ ኸምዚ እዮም ህይወቶም ዘመዓራርዩ ዝነበሩ። እዚ ኣኼባ’ዚ ዓው ኢልካ ብድምጺ ዝግበር ኣኼባ እዩ። “ነፍሰይ ንምንታይ ትጉህዪ ኣለኺ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣለኺ?” ኢሉ ቅዱስ ዳዊት ንነፍሱ ከዋጥራ ከሎ ንርእዮ (መዝ 42፡ 5-11)። እግዚኣብሄር ዝኣክል ኣምላኽ ሒዝካስ፡ ዝሓሊ ኣቦ ከምዘይብሉ ዘኽታም ውሉድ ኴንካ ምጕሃይ ደኣ እንታይ ኣምጽኦ?! ስለዚ፡ ተንስእ! ኪንዮ እቲ ዘለኻዮ ኩነታት ሓሊፍካ ኸኣ፡ “ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ክጽበዮ እየ እሞ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ” ኢልካ ንነፍስኻ ኣበራትዓያ። እዚ ልማድ እዚ ብግዲ ክንለምዶ ዘለና ቅዱስ ልማድ እዩ። ገለ ጸገም እንተጓነፈ፡ እቲ ጸገምን ከኣልነት ኣምላኽን ብምግንዛብ፡ ወትሩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለካ ተስፋ ከተሐድስ ይከኣለካ እዩ። 

3. ኣድህቦኻ ኣብ ጐይታ እምበር ኣብ ነገራትን ኣብ ሰባትን ኣይኹን

ኣድህቦና ኣብ ጐይታ እንተጌርናዮ፡ ነገራት ተሳሊጦምን ተሓላሊኾምን ብዙሕ ኣይጸልዉናን እዮም። ሰባት ቀሪቦምን ርሒቖምን ብዙሕ ኣየሕስበናን እዩ። ሕቶና ከምቲ ንደልዮ ተመሊሱን ከይተመለሰ ተሪፉን ብዙሕ ኣየሕስበናን እዩ። ነቶም ንኣምላኽ እነፍቅሮን ከም ምኽሩ ድማ ዝተጸዋዕናን ኩሉ ነገር ንሰናይና ከምዝድግፈና ክንፈልጥ ይግባእ (ሮሜ8፡28)። ኣድህቦና ኣብ ነገራት እንተጌርናዮ ግን እቲ ነገር እንተሰለጠ ከበሮ ታሕጓስ ኣልዒልና፡ ከም ሚርያም ሓፍቲ ሙሴ … “ንሴብሖ ለእግዚኣብሄር” ብምባል ክንዘልል፡ እንተተሸናኺሩ ድማ ብጭንቀት ተዋጢርና ክንቍዝም ምዃንና ርዱእ’ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ህይወት ድማ ካብቲ እምነት ዘይብሉ ተራ ሰብ ዘፍሊ ነገር የብሉን። ንሕና ግን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” ክንደሊ ጥራይ እዩ ትጽቢት ዝግበረልና፡ እቲ ኹሉ “ሃበኒ’ባ ግበረለይ እባ” እንብሎ ግን፡ ከይለመንናዮ ከለና’ውን፡ ባዕሉ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ከምዘድልየና ይፈልጦ እዩ። ስለዚ እምበኣር ዓይንና ካብ ኣኽራን ነልዕሎ፡ ዓይንና ካብቲ ዘጨንቐና ዘሎ ነገር ነልዕሎ፡ ነቲ ጐይታ ጐይቶት፡ ነቲ ንነገራት ክልውጥ ብቕዓት ዘለዎ ብዓል ፍሉይ ሓይሊ ኣምላኽና ግን ዓይንና መሊእና ንጠምቶ። እቲ ነገር ሰለጠ ኣይሰለጠ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ኣዒንትና ኣብ እግዚኣብሄር ምትኳረን ግን ንነፍስና ዕረፍቲ ዝኸውን ምንጪ ክንረኽብ ክሕግዘና እዩ።

4. ብእትርእዮን እትሰምዖን ተጠንቀቕ

ቃል ኣምላኽ ከምዝነግረና ከም ኣመንቲ መጠን “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብተስፋ ኣዚና ክንህብትም” ትጽቢት ይግበረልና እዩ (ሮሜ15፡13)። ተስፋ ዘቝርጽ ክትሰምዕ እንተውዒልካ ግን፡ ከመይ ኣቢልካ ብተስፋ ክትህብትም ትኽእል። ካብ ኣፍካ ብዝወጽእ ቃላት ይኹን፡ ካብ ካልኦት እትሰምዖ ወይ’ውን እተንብቦ ይኹን፡ ነቲ ዘለካ ተስፋ ዘድክም ከይከውን ተጠንቀቐሉ። ብሙዚቃ ዝተሰነየ ይኹን ብሌጣ ዘረባ፡ ብዕላል ይኹን ብኣኼባ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለካ ትውክልትን ተስፋን ዘዳኽም መልእኽቲ ካብ ምስማዕ ክትቍጠብ የድሊ። ነቶም ናይ እምነት ጀጋኑ ዘክሮም፡- ነገራት ብምስላጦምን ዘይምስላጦምን ዘይኮነ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቅን ንዘልኣለም ዘይልወጥን ብምዃኑ ጥራይ ብምእማን እዮም ንነገስታት ዝሰዓሩ (እብ12 ምዕራፍ ብምሉኡ ይነበብ)። ሸውዓተ ዕጽፊ ኣብ ዝጐሃረ እቶን ሓዊ ክሳዕ እትድርበ፡ ኣምላኽካ ስቕ ዝበለ እንተመሰለ’ውን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለካ እምነት ግን ምሉእ ይኹን (ዳን3፡1-30)። ስለዚ እምበኣር፡ ንእምነትካ ዘበራትዕን ዝሃንጽን ናይ ተስፋ ቃላት ካብ ቃል ኣምላኽ ፈቲሽካ ርኸብ እሞ ደጋጊምካ ድማ ተመገቦ። 

5. ናብቲ ጀማሪ እምነትናን ደምዳሚኣን ዝኾነ ኢየሱስ ጠምት (እብ12፡2)

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሓደ ማንም ክፈትሖ ዘይከኣለ፡ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ መጽሓፍ ብራእይ ከምዝረኣየ እሞ፡ ነቲ መጽሓፍ እቲ ዝፈትሖ ይኹን ዝግንጽሎ ብዘይምርካቡ ድማ ከምዝበኸየ ጽሒፉ’ሎ (ራእ 5፡1-5)። ደሓር ግን ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ መጺኡ፡ ንህይወትና ዝጠቅም ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ መልእኽቲ ሃቦ። “ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ፡” ብምባል ድማ ናብቲ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥምት ከምዝግብኦ ነገሮ። ኣንቱም ብጭንቀት ውጥር ኢልኩም ዘለኹም ኣሕዋተይ፡ ነቲ ዘጨንቐኩም ዘሎ፡ ክፈትሖ ብቕዓት ዘለዎ ጐይታ ኣዒንትኹም ናብኡ ብምልኣት ክጥምታ፡ ነዚ ጐይታ እዚ እመንዎ ዝብል መልእኽቲ እየ ከሕልፈልኩም ደልየ ዘለኹ። 

ርዝነት ጭንቀትኩም ሰባት ክርድእዎ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። “ልቢ፡ ንምረቱ ባዕሉ’ዩ ዝፈልጦ” ተብሂሉ ዶ ኣይተጻሕፈን (ምሳ14፡4)። ነቲ ጭንቀት ኩላትና ክርዳእን መፍትሒ ክህብ ከኣ ዝከኣሎን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትስዕብዎ ኢልኩም ግን ወስኑ። እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ፡ እንሆ እታ እትውሱንላ ግዜ’ውን ሕጂ እያ፡ ንሱ ዝሓስበልኩም ዘሎ ሓሳብ ይፈልጦ እዩ፡ ሓሳብ ሰናይ እምበር ናይ ክፉእ ኣይኮነን… (ኤር29፡11) ነዚ ጐይታ እዚ ክስዕቦ ወሲነ ኣለኹ እትብሉ እምበኣር፡ ሕጂ’ውን ብብሕቲ ክትረኽቡኒ ብምሕረት ኣምላኽ እዕድመኩም ኣለኹ።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

No comments: