Post più popolari

Saturday 8 November 2014

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ 3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ።

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ
3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ።

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ግን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ሞት ተመንዩ’ኳ እንተነበረ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ግን መጺኡ ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ ኢና ርኢና። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ፍጹም ምሕላል’ዩ ተሓሊሉ ዝነበረ’ሞ፡ ብመልኣኽ ተቐስቂሱ፡ ተኣምራታዊ መግቢ ተመጊቡ ክነሱ’ኳ፡ ክነቅሕን ክበራበርን ግን ኣይከኣለን። መሊሱ በጥ ከምዝበለ ኸኣ ርኢና። ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ መልኣኽ ከኣ ነቲ መሊሱ በጥ ዝበለ፡ ዳግም ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ’ውን ኣንቢብና። መወዳእታኡ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ፡ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ክኸይድ ከኣለ። ኣብ ከረን ኣምላኽ፡ ድምጺ ኣምላኽ ክስማዕ ባህርያዊ እዩ’ሞ፡ እንሆልኩም እቲ ብድኻም ተጠላቕዩ፡ ሞት ዝልምን ዝነበረ ኤልያስ ከኣ፡ ደጊምሲ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ፈጺሙ ተዳለወ። ክብሪ ነቲ ኣብ ውርደትና ዝዝክረና፡ ኣብ ድኻምና ኸኣ ዘይሓድገና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን! ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል፡-

ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መጸ

እቲ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ዝመጸ ቃል፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ?” ዝብል እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ምዕራፍ፡ ክልተ ግዜ ተደጊሙ ተጻሒፉ ምህላዉ፡ ንርዝነት እቲ መልእኽቲ ብፍሉይ ከነድህበሉ የገድደና። “ዎ ዮናስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምካ ዝሓወይ? “ባሃበሎም”፡ “ዎ ባሃበሎም፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምኪ ዛ ሓፍተይ፡ “ኣዕለለት”፡ “ዎ ኣዕለለት፡ ኣብዚ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ?” እዚ ሕቶ’ዚ ከምዘለዎ ስምና ኣእቲና ንገዛእ ርእስና ንሕተተሉ። “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ፡ እንታይ ትገብር ኣለኻ?!” ንምፍልላይ ዲኻ ትሓስብ ዘለኻ? ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ንምህዳም ዲኻ ትሓስብ ዘለኻ? ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዘይከውን ቈጸራ ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ዘይጠቅም ዘረባ ሃለውለው ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ዎ ኣንባቢ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ??

እምብዛ ዘደንቕ ግን ከኣ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ትእምርትን ተኣምራትን

ትእምርትን ተኣምራትን ንብዙሓት ዘጋጊ ኣርእስቲ እዩ። ጐይታና ብዛዕባ’ዚ ክዛረብ ከሎ፡ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ግናኸ ካብ ትእምርቲ ነቢዪ ዮናስ ዝዓቢ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሃቦን እዩ” በለ። ብርግጽ ድማ ካብቲ ጐይታ ንምድሓንና ኢሉ ዝገበሮ ትእምርቲ-ትንሳኤ፡ ካብኡ ዝዓቢ ካልእ ትእምርቲ ክትረክብ ኢልካ ሃሰስ ምባል፡ ገዛእ ርእስኻ ንሓደጋ ምቅላዕ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቅድም ኣብ በዓቲ ዝተዛረቦ ቃል መሊሱ ኣብቲ ኸረን ክደግመሉ ምስ ደለየ፡ “ወጺእካ ኣብቲ ኸረን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል” ዝብል መምርሒ እዩ ሂብዎ። ሽዑ ቀቅድሚ እቲ ዳግማይ ድምጺ ምምጻኡ፡ ዘገርም ተኣምራት ተራእየ፡-

“እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። (ኣኽራን ዝስንጥቕ፡ ኣኻውሕ ድማ ዝሰባብር ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ መንፈስ ኣምላኽ መሲሉ ከደናግረና ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን፡ ኤልያስ’ውን ኣይተደናገረን።) ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን። (ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለጽ ከሎ ምድሪ ተንቀጥቅጥ ኣያ’ሞ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ውን ክብሪ እግዚኣብሄር መሲሉ ከደናግረና ይኽእል’ዩ)። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡” ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። ከምቲ ንሙሴ ኣብ ቈጥቋጥ ክግለጸሉ ኸሎ ዘጋጠመ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብሓዊ ክግለጽ’ውን ይከኣል’ዩ’ሞ፡ እዚ’ውን ናይ እግዚኣብሄር መሲሉ ከደናግረና ከምዝኽእል ክንስሕቶ ኣይንኽእልን።

እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ ኹሉ እግዚኣብሄር ዘይምንባሩ እዩ። “እንታይ ደኣሉ’ሞ እቲ ፍታሕ፡ እንታይ ደኣልና ክንገብር ዝግባእ?” ትብሉ ከምዘለኹም ኮይኑ ይስምዓኒ’ሎ። ሓሳብ እግዚኣብሄርን ምኽሪ እግዚኣብሄርን ንምልላይ፡ መዓልትን ለይትን ነቲ ንቓሉ ዝዓቘረ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ እዩ እቲ እንኮ መፍትሒ። እቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘለዎ ሰብ፡ ብትእምርትን ተኣምራትን፡ ብቐሊሉ ናብዝን ናብትን ክድፋእ ኣይክእልን። ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝኸውንን ነቲ ካብ ካልእ መንፈስ ዝኸውንን ንምልላዩ’ውን ኣይሽገርን እዩ። ኤልያስ፡ በቲ ኣኽራን ዝሰንጠቐ ንፋስ ተገሪሙ ገጹ ዘይከደነስ፡ እንሆ ህዱእ ቁሩብ ደሃይ ምስ መጾ ግን ባርኖሱ ጌሩ ገጹ ብምኽዋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ከምዝበለ ኢና ነንብብ ዘለና። ኣቤት፡ እግዚኣብሄር ምስትውዓል ክህበካ ከሎስ ክጥዕም!! ኣኽራን ዝስንጥቕ፡ ኣኻውሕ ድማ ዝሰብር ተኣምራታዊ ንፋስ እናረአኻስ፡ እግዚኣብሄር ኣብኡ ከምዘየሎ ምስትውዓል ይህበካ’ሞ፡ ኣኽራን ኣብ መዓሙቕ እንተተናወጹ፡ ምድሪ’ውን እንተተገልበጠት፡ ወይከ ዕጅብ!

ኣነን ንስኻትኩምን እንተንኸውን፡ ምድሪ ዘንቀጥቅጥ ተኣምራት ርኢና ጥራይ እንታይ ምግበርና ባዕልና ንፈልጦ… “እግዚኣብሄር ኣብቲ ጉዳይ ኣሎ ዶ የለን” ዝብል ምስትውዓል ዝሓትት መረዳእታ ንምጥራይ ግን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ክህልወና ወሳኒ እዩ። እቲ መልኣኽ ነቲ ኣብ ድኻም ዝነበረ ኤልያስ እንታይ ኢሉ ከምዝተላበዎ ዘክርዎ… “ብላዕ!” ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’ሞ፡ መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ክንበልዖ ይግባእ። “ድሕሪ’ቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ?” ይብለና እቲ ቕዱስ ጽሑፍ።

በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡

ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዚ ምዕራፍ እዚ፡ ነቲ ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ዝተሓብአ፡ ነቲ ሞት ዝተመነየ፡ ነቲ ንበይነይ እየ ተሪፈ ኢሉ ተስፋ ቈሪጹ ዝነበረ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ እግዚኣብሄር ግና መልኣኹ ሰዲዱ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ ዝብላዕ ቀሪቡ ድሕሪ ምምጋብ፡ ቃሉ ልኢኹ ዳግም ናብ ንቡር መንፈሳውነቱ ክመልሶ ኸሎ ኢና ንመሃር ዘለና። “እግዚኣብሄር ከኣ ኪድ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡…በሎ።” ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን!
ለካ ነቶም ኣብ ሶርያን ኣብ እስራኤልን ክነግሱ ዘለዎም ነጋውስ ክቐብኦም ዘለዎስ እዚ ኣብ ድኻም ዝነበረ ኤልያስ እዩ። ለካ ነቲ ኣብ እስራኤል ነቢይ ኮይኑ ደድሕሪ ኤልያስ ክትንስእ ዘለዎ ነቢዪ ኤልሳእ ክቐብኦ ዘለዎስ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ድኻም ዘሎ ኤልያስ እዩ!! ኣሕዋተየ ነቶም ኣገልገልትናን መገላገልትናን ዝነበሩ’ሞ ሕጂ ግን ኣብ ድኻም ዘለዉ ንዘክሮም። እግዚኣብሄር ብእኦም ኣቢሉ ክሰርሖ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት ክህልዎ ስለዝኽእል ከኣ፡ ንጥቕሚ ገዛእ ርእስናን ንረብሓ ብዙሓትን ክንብል፡ ንዕኦም እነበራብረሉ ግዜ፡ ሕጂ ምዃኑ ኸኣ ኣይንዘንግዕ።

ዕዮ ገዛ

ኣገልጋሊኹም ወይ መገላግልትኹም ዝነበረ እሞ ሕጂ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣገልግሎት ወይ’ውን ፈጺሙ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ዘየለ ዘክሩ። ወዲ ይኹን ጓል ብዘየገድስ፡ እግዚኣብሄር ብእኦም ጌሩ ክሰርሖ ዘለዎ ዓቢ ስራሕ ከምዘሎ ተማሂርና ኣለና’ሞ፡ እንተወሓደ ንሓደ ሰብ ከተበራትዑ ኢልኩም ወስኑ። እግዚኣብሄር እሙን’ዩ እሞ ምስክርነታትኩም ክጽበ እየ። ንገዛእ ርእስኹምን ነቲ እትረኽብዎ ሰብን እዚ ቓል እዚ ንገርዎ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ “ዎ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ…እግዚኣብሄር ብኣኻ ጌሩ ክዓዮ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት ኣሎ’ሞ፡ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ!” እግዚኣብሄር ዝምለስን ዝመልስን ህይወት ይሃብኩምን ይሃበንን!

ተፈጸመ።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

No comments: