Post più popolari

Friday 4 April 2014

2ይ ክፋል ዕላማና ህይወት ንምርካብ ኢዩ!!!።

                                          2ይ ክፋል
                     ዕላማና ህይወት ንምርካብ ኢዩ!!!።


ዕላማና ቅድሚ ምግላጽና ፡ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ እሞ ንበል።ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ?።ኢልና እንድሕሪ ሓቲትና ንሕና ህይወት ክንረክብ ኢዩ።ዕላማና ኸኣ ህይወት ክንረክብ ኢዩ።ካብዚ ወጻኢ ተዘይኮይኑ ዕላማና ምስ ዕላማ ኣምላኽ ኣይበኣስን ኢዩ።ስለዚ ድማ ኢዩ፡ኣምላኽ ንዓና ብ
ድልየትናን ብምርጫናን ሞት ንዝሓረና ህዝቢ፡ከድሕን ስጋ ለቢሱ ኣብ ጸቢብ ማህጸን ሓዲሩ፡መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ክውለድን ነቲ ሞት ንምድምሳስን ክመውት ዘዲለዮ። በዚ ድማ ሰባት ንኣምላኽ ዝፈልጡላን፡ ናብ ህይወት ትወስድ ድንኳን ኣምላኽ እንድሕነላ መርከብ ክትህልወና ን ቤተ ክርስቲያኑ ዝመስረታ።


ቤተ ክርስቲያን ክንብል ከለና ከምቲ ንሕና ንርድኦ ወይ ዝመስለና፡እዛ ብእምኒ ዝተሃንጸት ህንጻ ጥራሕ ኣይኮነትን።ቤተ ክርስቲያን ክንብል ከለና፡እንክትርጎም ከሎ፡ብቀንዱ ክርስቲያናዊ መልእኽቱ ፡ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣቅሌስያ ካብ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝተወርሰ ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ ማሕበር ወይ ጉባኤ ህዝቢ ክርስቲያን ማለት ኢዩ።ብክርስቶስ ዝኣምኑ ማሕበር ምእመናን ማለት ኢዩ።መሰረታ ክርስቶስ ኮይኑ ንሕና እቶም ብእኡ እንኣምን ድማ ኣብቲ መሰረት ዝተሰረትና ህንጻ ኢና።ስለዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝብለና።ብዘሎ እቲ ህንጻ ድማ ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ንስኻትኩም እውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኮኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም” (ኤፌ 2፡20-22) 
ነዚ ከረድኣና ዝኽእል ቃል ተደኣ ሃሊዩ ቃል ጎይታ ዝበሎ ኢዩ።(ማቴ16፡18-19)ጴጥሮስ ንስኻ ከውሒ ኢኻ ኢኻ ንቤተ ክርስቲያነይ ከኣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ክሓንጻ ኢየ'።ካብዚ ንርድኦ እውን እታ ክርስቶስ ዝመስረታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሃንጸት ምዃና ኢዩ።ከውሒ ዝበለሉ ድማ ከምቲ ንዓና ዝርድኣና ምድራዊ ኣኻውሕ ዓዲና ዘይኮነስ ፡ኣብቲ ምስ ኣመነ ክምህ ዘይብል ዘይስሕት ካብ ዝሓዞ እምነት ምንቅ ዘይብል ኣብ እምነቱ ተሪር ዝኾነ ኣማኒ እትስረት ማለት ኢዩ።(ግብ20፡2)(1ይቆሮ16፡19-20)ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ማለት ጉባኤ ምእመናን ደኣ እንበር እቲ ህንጻ በይኑ ከም ዘይኮነ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ክንርዳእ ንኽእል።ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ምእመናን ዝተባህለትሉ ድማ ብሓደ ጎይታን ሓንቲ እምነትን ሓንቲ እምነትን ሓንቲ ጥምቀትን፡እትኣምን(ኤፌ4፡5) ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቅድስቲ ስለዝኾነት ኢያ።
ዕላማና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕላማ ክርስቲና፡ሰባት ህይወት ንኽረኽቡ ኢዩ።ህይወት ምርካብ ጥራሕ በቃ።ሰባት ክንጫጭሕ ኣይኮነን።ሰባት ክንጫጭሕ ክንበዝሕ ተዝኸውን ግን ጎይታና ኣብ ኢዱ ነይሩ፡ከምቲ ገሊአን ሃይማኖታት ዝገብርኦ፡ሓደ ሰብ 5 ሰበይቲ 12 ሰበይቲ 3 ሰበይቲ ክንምርዖን ከነእቱን መፍቀደ ከምኡ እውን ምኣዘዘ ።ግን ሓደ ምስ ሓንቲ በለ።ተሰየፉ ዝብል እውን ኣይምመጸን፡ስለምንታይሲ ምስያፍ ተሊዩ ምጉዳል ቁጽሪ ስለ ዘሎ።ናይ ጎይታና ዕላማኡ ኣብ ሰማይ ቁጽሪና ብዙሓት ክንኮነሉ ሰብ ዝኾነ ከይመውት ኢዩ።ናይ ምድሪ ነገር ግን ዋጋ የብሉን።ኣለና ሞትና፡ዊሒድና በዚሕና።ዕላማ ክርስቲና ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንካ፡ናብ ሰማይ ሚምራሽ ኢዩ።
ሰባት ወንጌል ንምህሮም ካብ እቲ ሃልሃል ዝብል ሓዊ ንኸነድሕኖም ደኣ እንበር፡ብስጋ ንኽንማሙቅ፡ብዙሕ ሰዓቢ ንኽህልወና ኣይኮነን።እታ ኣብ ስጋዊ ብዝሒ ትኣምን ቤተ ክርስቲያን ጻዊዒታ ዘይትፈልጥ ቤተ ክርስቲያን ኢያ።ጎይታ ኣብ ብዝሒ ዘይኮነስ ኣብ ምድሓን ይብዝሑ ይውሓዱ ግንከ ጽፉፋት ሰዓብቲ ንኽህሊዉዎ ከም ዝኾነ ዕላማኡ ምሂሩና ኢዩ ከም ኣብነት ተሪኢና።ኣብቲ ብዙሓት ካብ ደቂ መዛሙርቱ፡ንድኅሪት ተመለሱሉ፡ምስኡ እውን ምኻድ ዝገደፉዎ፡ነቶም ዓሰርተ ክልተ ጥራሕ ምስኡ ዝተረፉ፡"ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም" ዝበሎም። (ዮሐንስ 6:66-67) ለቱ ስብሃት ወልድ ኣምላክ!;;


ሎሚ ነዚ ትምህርቲ ጎይታ እንክንዝክር ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቅዑ ሰባት፡ምፍራይ ምኻኑ ዕላማና ንርዳእ። ኣብዚ ንእሽቶ ዓቅሚና፡ንእሽቶ ዕድሜና ሓደ ሰብ ናብ ጎይታ ዝመጽእ ተረኺብና ንጎይታ ዓቢ ሓጎስ ኢዩ።(ሉቃስ 15:7) ንጎይታ ዘሕጉሶ እዚ ካብ ኮነ፡ዋላ ሓደ ሰብ ናብ ጎይታ ከነምጽእ ክንጽዕር ኣሎና።ኩሎም ክሰምዑና ኣይንጸበ።ካብ እዞም ኩሎም ገለ ገለ ዝሰምዑና ተረኺብና ሰናይ ኢዩ።እንበኣር ህዝቢና ህይወት ክረክብ ፡ተደኣ ኮይኑ፡በዚ ትኣምን ተኾንካ ህይወት ክትረክብ ኢኻ፡ከምዚ ተገይርካ ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ከምዚ ተሰሪሕካ መንግስተ ሰማይ ክትወርስ ትኽእል ኢኻ፡ኢልና ኮለል ካብ ነቢሎ፡ብክርስቶስ ክኣምን ክንምህሮ ኢና ዘለና።እቲ ህዝቢ ክድሕን እንታይ ክገብር ኣሎኒ?።ኢሉ ኣብ ዝሓተና ሰዓት ሓረካት ከነብዝሓሉ ዘይኮነ ዝግባእሲ ቅድመ ኩሉ፡እቲ ሃዋርያት ዝበሊዎ መልሲ ኢና ክንብል ዘለና።
ሃዋርያት ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ክብል ሓቲቱዎም ነይሩ።(ግብሪ ሃዋርያት 16:30)ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም።ከምኡ ምስ በሎም ንሶም ከኣ፡ብዛዕባ ካልእ ኣይተዛረቡዎን፡ከምዚ ኢሎም ደኣ መለሱ፡( ግብሪ ሃዋርያት 16:31)ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና ኢየሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።ይብል መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ።ህይወት ኣቢና፡ክንነብር ስለዝደለና፡ነዚ ቃል እዚ ካብ ኣፍና ኣውጺእና ዘይንፈልጥ ብዙሓት ኢና።ስለዚ ድማ ኢየን ሎሚ ኣብያተ ክርስቲያናት ልቢ ሰብ ዘየዕርፋ ምኽንያት ጽልኢ ኮይነን ዘለዋ።ህጂ እውን ብሓቂ ሰዓብቲ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተኾይና ።ሃዋርያት ዝበሊዎ ኢና ክንብል ዘለና፡(ሮሜ 10:9-11)እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።ኢልና ክንምህሮ ኣሎና።

ከምቲ ቅድም ክብል ትንክፍ ዘበልኩዎ እውን፡ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ወይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ስርሓ፡እንታይ ኢዩ እንድሕሪ ኢልና ብዛዕባ ክርስቶስ ምውራይ ኢዩ።ከምቲ መርዓት ብዛዕባ ዓርኪ መርዓውቲ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ መርዓዊኣ ዝኾነ በዓል ኪዳና እትዛረብን ንዕኡ ፍቅራ ትገልጸሉን፡ብዛዕባኡ ተውርን፡ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ብደሙ ኪዳን ዝኣተወላ እንኮ መድሓኒ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣያ ፍቅራ ክትገልጸሉን ብዛዕባኡ ከተውርን ዝግባእ።መቸስ ቤተ ክርስቲያን ማለት ጉባኤ ምእመናን ምኻኑ፡ተማሂርና ኣለና።(ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቃል ኣዋዲ ገጽ 6)ኣንብብ።


እዞም ማሕበር ምእመናን እዚኦም መዝሙሮም ስብከቶም ነቲ ብደሙ ኪዳን ዝኣተወሎም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ኪኸውን ዘለዎ።ኣገልጊሎትና መዝሙርና ብፍላይ ብትግርኛ ዝወጽእ ዘሎ መዝሙር ተመዚናዮ፡ከምኡ እውን ስብከትናን ድርሳናትናን ተሪኢናዮ፡ንመን ይብል፡ድርሳናትና ን ኢየሱስ ንንጉስዶ ይብል ኣሎ።ቃል ኣምላኽ መቸስ ከምዚ ኢዩ ዝብል።ቃል ኣምላኽ ጻዊዒትና እንታይ ምዃኑ ይነግረና ኢዩ።(መዝ 45:1)ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።ድርሳናትና ን ኢየሱስ ነቲ ንጉስዶ ይብል ኣሎ ዋላስ ንኻልእ??።ልብና ቃል ክርስቶስዶ ይጎስዕ ኣሎ ዋላስ ቃል መን።ፍቅሪ ክርስቶስዶ ይጎስዕ ኣሎ ዋላስ ፍቅሪ መን?።


                                                           ይቅጽልል.........

1ይ ክፋል ዕላማና ህይወት ምርካብ።

                                                                1ይ ክፋል

                                                         ዕላማና ህይወት ምርካብ።
 

ኣብ ዓለም ፍልይ ዝበለ ነገር እንተ ደኣ ሃሊዩ ህይወት ምርካብ ኢዩ።ህይወት ንምርካብ ዘይጽዕር የሎን።ሰባት ህይወት ንኽረኽቡ ዝጽዕሩ ግን ዉሑዳት ኢዮም።ናይዚ ኣብነትና ድማ እቲ ስለኻልኦት ስለና ስለ ሰባት ዝሞተን ተሰቅለን ካብ ምዉታት ዝተንሰአን፡ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ።ንሱ ህይወት ንኽንረክብ ተሰቅለ።ሰባት ናብ ህይወት ከነምጽኦም ድማ ተላበወ።


ነዚ ናይ ክርስቶስ ጻዊዒት ግን ብዙሓት ሰባት ዝዘንጋዕናዮ ኢና ንመስል፡ነዚ ስለ ተዘንግዐ ድማ ኢዩ መዓልታዊ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዕግርግርን ዘይምስሚማዕን ዝርከብ ዘሎ።ብዙሓት ኣገልገልቲ ክርስቲያናት ዕላማኦምን ኣገልግሎቶምን ክንዕዘብ ከለና ሰብ ህይወት ንኽረክብ ኣይመስልን ዘሎ።ስለዝኾነ ድማ ኢዮም ግዝየኦም ንህዝቢ ብዛዕባ ሰባት ክዛረቡን ስራሕ ሰባት ክነቅፉን፡ከመይ ገርና ንብላዕ ክንዲ ዝኸውን ብማንካ ኢየ ዝበልዕ ቢኢድና እንበር፡ዝዓይነቱ ስራሕ ሰባት ክንእዱን ብዛዕባ ሰባት ከውሪዩን።ሓጥያት ሰባት ንህዝቢ ክነግሩን ግዜየኦም ኢየሱስ ጎይታኹም ኢዩ ፡ብኹሉ ሓይልኹም ወድሱዎ ከይበሉ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ብዙሓት ኢዮም።

ህዝቢና ካብ ካሊእ ዘይኮነስ ካብታ ጥንታዊት ከም ተቀባሊት ትውፊት ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ኣብታ ሃዋርያት ዝመስረትዋ ሃዋርያታዊት ቤተ ክርስቲያን፡ሃዋርያት ዝገደፉዎ መልእኽቲ ይጽበ ኣሎ።ብሓቂ ድማ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ስብከት ብዛዕባ እቲ ዝሞተሎም፡ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ጸቂጥካ ምንጋር ስለ ዝጎደሎም ኢዮም ኣበየ ቤት ከፈተ ዝኹብሊሉ ዘለዉ።

እምነትን ዕላማ ምምስራት ቤተ ክርስቲያንን ክሳዕ እቶም ኣብ ዝለዓለ ክፍሊ ኣገልጊሎት ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ እኳ ከም ዘይተረድኦም ካብቲ መዓልታዊ ዘጓንፍ ዘሎ ተጓንፎታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና።ሊቅ ኢሎም ሰባት ናይ ዝሸሙኻ ዘይኮነስ፡ንወንጌል ኣብ ልብኻ ተተጻሕፈ ኢዩ።
ኣብዚ ማስ ሚዲያ እኳ ተሪኢና፡ካብ ፈስቡክ ኣትሒዝካ ክሳዕ ወብሳይታት፡ምስቲ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ከነጻጽረን ከለና፡እዚ ዝግበር ዘሎ፡ንኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ወርሒ እኳ ኣምልኾ ከሊእናዮ ከም ዘለና ኢዩ ዘርኢ።ኣምላኽ ሓዋዊስና ምስ ካልእ ከነገልጊሎን ክንውድሶን ኣይኮነን ዝደሊ ነዚ እውን ኣይኮነን ጸዊዑና፡ንሕና ክብሪ ኣምላኽ ጥራሕ ከነዘንቱ ዝተፈጠርና ፍጥረት ደኣ እንበር ክብሪ ማንም ከነዘንቱ ዝተፈጠርና ሰባት ኣይኮናን።
እንተኾነ ከምቲ ጎይታ ዝበለና ህይወት ክንረክብ ስለዘይንደሊ ናብኡ ከይንመጽእ ሕራይ ኣይበልናን ዘለና።ንሱ ይብል (ዮሐንስ 5:40)ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።ኣበይ ኣለና ነዚ ዝሞተ ኣገልጊሎትና በቲ ሃዋርያት ዝገደፉዎ ጥንታዊ ቃል፡ገይርና መንነትና ክፈልጥ ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰዓር እስትንፋሰ እግዚኣብሄር ዝኾነ መጽሓፍ ኢዩ።ሊቀ ሊቃውንቲ ተበሉና፡ሊቀ ጉባኤ ተበሉና፡መልኣክ ጸሓይ ኢኻ ኢሎም ተሸሙና፡ሓላዊ ገነት ኢኻ ተበሉና፡ዋላ መጋበ ኣኣላፍ ኢኻ ተበሉና፡(ቲኦሎጅይ) ስነ መሎኮታዊ ትምህርቲ ተወዳእና።ብዛዕባ ኣምላኽ ክንዛረብ ተኾይና፡ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ንመጽእ።መጽሓፍ ቅዱስ ዝእዝዝ እንበር ከቶ ዘይእዘዝ መጽሓፍ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዳኛና።ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣምጺእና ህይወት ብመን ይርከብ ኢልና ተሓቲትናዮ፡ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢሉ ኢዩ መሊሱ ዝዓጹ።ህይወት ብክርስቶስ ጥራሕ ከም ትርከብ ኢዩ ዝዛረብ ኣምላኽ።ስለዚ ድማ ኢና ነዚ ብሞጓሰ ዝተቀበልናዮ፡ህዝቢ ግድን ህይወት ንኽንረክብ ብዛዕባ ክርስቶስ ክንነግሮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ክሳዕ ዝሰኣል ክንጽዕር ዘዲሊየና።(ወ. ዮሐንስ 6:47)(ወ. ዮሐንስ 11:25)
            ይቅጽልል',,,,ናብ 2ይ ክፋል