Post più popolari

Monday 8 February 2016

ድራማ ኣባ ሉቃስን መንግስቲ ኤርትራን ብህይወት ብጹዓን ጳጳሳትን ቅዱስ ፓትሪያርክን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን።

ድራማ ኣባ ሉቃስን መንግስቲ ኤርትራን ብህይወት ብጹዓን ጳጳሳትን ቅዱስ ፓትሪያርክን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን።

ኣብ ዘመና ብዙሓት ኣመንትን ዘይኣመንትን ክርስቶስ ኣጽራርን ዘይኣጽራርን ክርስቶስ መጺኦም ኢዮም፡ግን ከቶ ከም ኣቡነ ሉቃስ ዝበሉ ናይ ዘመና ኣሬመንን ጨካንን ኣስኬማ ቅዱሳን ወድዮም ኣብ ውሽጢ ግን ፖሎቲካን ረብሓን ተጎልቢቦም ኣብ ልዕሊ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ክፋእን ተንኮልን ጉርሕን እዚ ኢልካ ኣይግለጽን።
ኣባ ሉቃስ ዋላኳ ነዚ እከይ ሓሳቦም ሓቢኦሞ ክኸዱ ተፈተኑ ድሕሪ ፡ናብ ምዓርገ ጵጵስና ሚምጸኦም ግን ግልጺ ክኸውን ኢዩ ተራእዩ።ኣብቲ ፈለማ ኣንታ ናበይ ደልዮም እዞም ሰብኣይ ክንብል ከለና፡ርኤኹም ነዛ ሃይማኖት ከፍሪሱዎ ኢሎም ኢዮም ዝቃወሙኒ ዘለዉ ኢሎም፡ክጉስጉስ ዝረኣዮም ሰብ ዋእ ዞም ሰብኣይ ኣንታ ቅኑዕ ኢዮም፡እንታይ ኢኹም ትብልዎም፡ዝብሉ ደቂ ገርሂ ልባ እውን ኣይተሳእኑን።ድሓር ነቶም ጵጵስና ዝሃቡዎም ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብምዃን ካብ ስልጣኖም ከውሪዱዎም ክጉስጉሱን ናብ እንዳ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጠታን ክመላለሱ ዝረኣዩዎም ሰባት ዋእ እዞም ሰብኣይ ንሕና ንጹህ ኢዮም ሓቀኛ ኢዮም ንብል ነይርና ህጂ ግን ካሊእ ድሕሪ ባይታ ግዲ ኣለዎም ኢዩ ክብሉ ተራእዮም።
ኣባ ሉቃስ ነቶም ጵጵስና ዝሃቡዎም ዝባረኹዎም መናፍቅ ኢዩ፡ኢሎም ክጉስጉሱ ተራእዮም።ግን ህዝብና ገርሀኛ ብምዃኑ እሞ ድማ ሓደ መነኮስ ይሕሱ ኢዩ፡ኢሉ ስለዘይግምት ኣብቲ ፈለማ ንቃላቶም  ነቲ ዝብልዎ ሓሶት ፡ዋላ ይእመኖ ደኣ እንበር፡ግን ነቲ፡እሞ መናፍቅ ተደኣ ኮይኖም ደኣሞ ንስኹም ክህነት የብልኩምን መናፍቅ ዝባረኹ መናፍቅ እንደኣሉ ፡ከመይ ገርኩም ደኣ ንስኹም ትባርኹን ትቅድሱን ዝብል ሕቶ ኣይተሰወሮን።
ኣባ ሉቃስ ድሕሪ ፓትሪያርክ ምውራዶም ንሶም ፓትሪያርክ ክኾኑ ዝገበሩዎ ጻዕሪ እዚ ኢልካ ኣይውዳእን።ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ይቃወሙኒ ኢዮም ንዝበልዎም ድማ ከስጉጉን ከእስሩን ተራእዮም።ብፍላይ ድማ ን ሊቀ መእምራን መሪጌታ ሰመረኣብ ድሕሪ ሚምላሶም ካብ ኣውረጳን ኣመሪካን ዑደቶም፡ናብ እንዳ ጸጠታ ከይዶም ንሰመረኣብ እሰሩልና ንዕኡ ተደኣ ኣሲርኩሞ ኢኹም፡ሰላም ንረክብ፡ነዚ መንግስቲ ዝገብሮ ዘይቅበልን ዝጉስጉስን ንሱ ኢዩ፡ናብ ወጻኢ ሓበሬታ የመሓላልፍ ፡ኢሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ደቅደቅዎ።ባዕሎም ከምዘእሰሩዎ ኸኣ ምስቶም ይቀርቡኒ ኢዮም ደቂ ዓደይ ኢዮም ኢሎም ዝግምትዎም ገለገለ ሰባት ከዕሊሉ ተሰሚዖም።
ኣባ ሉቃስ ድሕሪ ሒማምን ሞትን ኣባ ደስቆሮስ ዝያዳ ምስጢሮም እንዳ ተቀልቀለን ሓቀኛ ድሕረ ባይተኦም ከኣ ሕማም ኦርቶዶክስ ዘይኮነስ ሕማም ረብሓን ጠቅምን ሕሉፍ ድልየት ስልጣንን ምዃኑ ናብ ቅርዓት ቦሎኽ ኢሉ፡ዋላ ነቶም ከታሊሉዎም ዝጸንሑ ሰባት እውን ክሳዕ ክሽፍኑሉ ዘይክእሉ ነውራም ተግባራቶም ክቃላዕ ጀሚሩ። ህጂ እውን ኣየዕረፉን፡ሲኖዶስ ዘይበሎም ብስም ሲኖዶስ ጽሑፋት እንዳ ዘርግሑ፡።

ናብ ግብጺ ተላኢኹም ኣብ ዝኸድሉ ምስ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ንምዚሪራብ ብዛዕባ ኣቡነ እንጠንዮስ ድማ፡ንሕግን ስርዓትን ቆኖናን ኦርቶዶክስ ብምጥሓስ፡ሊቀ ጳጳስ እንከሎ ድማ ጳጳስ ፡በትሪ ኣይሓዝ፡ኣይባርኽ፡በትሪ ምሓዝ ምልክት ናይ ጉስነት ህዝቢ ኣምላኽ ኢዩ።ዘመነ ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝበሃል ግን ኣብ እዋን መገሻ ናይዚ ልኡኽ እቶም ክልተ ሊቀ ጳጳሳት በትሮም ኣቐሚጦም፡እቲ ታራ ጳጳስ ድማ ባራኺ ኮይኑ ምስ ተበገሱ፡ኣእምሮ ዘለዎ ነቲ ጉዳይ በጺሕዎ ኢዩ።  
ኣባ ሉቃስ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ ዝግበር ነበረ ርክብ እዞም ክልተ ጳጳስ ሓንቲ ቃል ከይተዛረቡ ነናሻብ እንዳ ተስኡ ክቃወሙን ክናገሩን ክሳዕ መነኮሳት ግብጺ ናይ ሓቂዶ ጳጳስ ኢዮም ኢሎም ዝዛረቡ ቃል ድፍረትን ዘለፋን ኣጸያፊ ቃላትን ክዛረቡ ተራእዮም፡ነቲ ዝተሓሰበ ናይ ሰላም መገዲ ብምዕጻው ድማ ፓትሪያርክ ንምዃን ህጂ እውን ጉዕዞ ቀጸሉ ደኣ።
ኣባ ሉቃስ ድሕሪ ካብ ግብጺ ሚምላሶም ብፍላይ ድማ ድሕሪ ሞት ኣቡነ ደስቆሮስ ፡ሲኖዶስ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ በትኦም ይመለሱ  ምስ በሉ ወያ ዝምነየ ቀቢጸያ ሎምስ ቀቢጸያ ኢሎም ክውጪጩ ተራእዮም።

ንህጂ  ኣስደሚሙን ኣገሪሙን ዘሎ ግን  ዋላ ነቶም ዝኣምንዎምን ዘታሊሊዎምን   ኣገሪሙ ዘሎን ግን   ኣባላት ሲኖዶስ ዊዲት ይገብሩ ኣለዉ ኢሎም ጸብጻብ ከመሓላሊፉ ድማ ተራእዮም።በዚ ከይብቅዑ ድማ ብመገዲ መንግስቲ ንሓሙሽተ ጳጳሳት ካብ ስርሖም ደው ከም ዝብሉ  ብምግባር ናይ ከባቢ እሱራት ክኾኑ ድሕሪ ምስራሕን ንማእሰርን ምንግልታዕን ድሕሪ ምቅላዕ ተመሊሾም፡ነቶም ሓሙሽተ ጳጳሳት ካብ ዘለኹሞ ከይትንቃሳቀሱ ኢሉ፡መንግስቲ መጠንቀቅታ ድሕሪ ምሃብ ናይ ከባቢ እሱራት ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር ድሕሪ ካብ ስርሖም ምድስካሉን፡ኣብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ከይሳተፉ ድሕሪ ምእጋዱን፡፡ነዚ ኹሉ ዘይፈጸሙ ኮይኖም ክቀርቡ ብምፍታን ደደዊሎም፡ጳጳሳት ተኣሲሮም ክልተ ቅነ ምሉእ ድሃይ የብልናን፡መንግስቲ ነቶም ሓደ ንበይኖም ነቶም ኣርባዕተ ኸኣ ንበይኖም ኣሲሩዎም፡ኣባ ጲጥሮስ እኳ ይቅሬታ ሓቲቶም ኣለዉ፡ኢሎም ክዛረቡን ሕሱር ፖሎቲካ ክዘርኡን ፡ፈቀዶ ኣበየ ኣለዉ መተዓልልቶም እንዳ ኣናደዩ፡ቴሌፎን ደደዊሎም፡ሰብ ፈሊትዎምዶ ኣይፈለጦምን ንምግማትን ሰብ ንምቲላልን፡ባዕሎም ፈጺሞሞ ክንሶም፡ተገምጢሎም፡ተሻቂልና እኳ-ድሃይ እዞም ኣቦታት እንታይ ኣሎ፡እቲ ካብ ዘለኻዮ ከይንትንቃሳቀስ እኳ ዋላ ንዓይ እውን እቶም መንግስቲ  ኢሎሙኒ፡ኢዮም ግን፡ድሃይ ጠፊኡና እንዳ በሉ የውርዩ ኣለዉ።
ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ግን ኣቡነ ሉቃስ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስመራ ትራእዮም ከም ዝነበሩ ጸብጺቦም ኣለዉ።ስለምንታይ ግን ሓደ ጳጳስ ፧!!!
ኣባ ሉቃስ ሕራይ ኩሉ ይግበሩ ግርም መቸስ እቲ ኲናት ናይ ኣምላኽን ናይ ሰብን ስለዝኾነ ዘጸግም የሎን ግን እንታይ ገዲሱዎም ኢዩ፡ሓደ ጳጳስ ሃደ ፈላሲ ክንሶም መይተ ኢሎም ተገኒዞም ሓደ ዕዋላ ዘይገብሮ ድራማን ጭርጭር ዓበደን ምስ ፖሎቲከኛታት ብምውጋን ዝሰርሒ ዘለዉ፣ብህይወት ናይ እዞም ብጽዓን ኣቦታት ግን መንግስቲ  ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ጸያቂቶ ኣባ ሉቃስ እውን ትሓታቲ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ።
ኣባ ሉቃስ ኩሉ ዝገብርዎ ሰብ ዝፈልጦ ኣይመስሎምን ጸልማት ተጎልቢቦም ስለዝገብርዎ ግን ክንደይ ደለይቲ ፍትሒ ሰበስልጣን ስለዘለዉ ኩሉ ዝገብርዎ ናይ ጎደና ምስጢር ኢዩ።ግን ስለምንታይ እዚ ኹሉ ጉድ፡ስለምንታይ እዚ ኹሉ በደል ኣብ ልዕሊ ዘዕበየቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ፡ናብ መዓርገ ጵጵስና ክድይቡ ዝገበርዎም ሊቃነ ጳጳሳትን ፓትሪያርክን ሊቃውንቲ ጳጳሳትን።
ኣምላኽ ኣዒንተ ልበነኦም ክኸፍተሎም ንትስፎ ንረብሓ ካሊእ ዘይኮነስ ነታ ጽባሕ ትሓልፍ ህይወቶም መዋእሎም ዝጸዓርሉ ጻዕሪ ምንኩስና መወዳእትኡ ናይ ዘልኣለም ሲኦል ከይኸውን።
ኣምላኽ ምስ ቅዱስ ፓትሪያርክናን ምስ ብጹዓን ጳጳሳትናን ይኹን።

Sunday 7 February 2016

Eritrean Regime is House Arrest 5 Eritrean Orthodox Bishops three archbishops 2 bishops.

Eritrean Regime is House Arrest 5 Eritrean Orthodox Bishops three archbishops 2 bishops.

After Assena.com Published new. we Calling to Asmera  about Eritrean Orthodox Church Station , we Confermed Eritrean Regime is HouseArrest 5 Eritrean Orthodox Bishops After they Ask About freedom of Patriarch Antenios 1st Legal Patriarch Eritrean Orthodox Church. those Bishops Are 5 bishops in one House one Bishop in his post.
1, ARchi Bishop Kerilos 
2,Archi Bishops Yewhans
3,Archi Bishop Salama
4, Bishops Atinatewos 
5,Bishop Baslios
6,Bishop Peter
But someone information from them 5 bishops bishop Peter asked to Sorry for Eritrean Government to free.
but we Confirmed 4 Bishop's Still to House Arrest one bishop is in His Post.
We Condemn for this Antichrist Punishment Dictatorial Government and we Ask for International Intervention.
God Bless Eritrea.
fathermussie shishay An Eritrean Orthodox priest Switzerland