Post più popolari

Monday 5 May 2014


መንዩ ተሓድሶ መን ኢዩኸ ዘይተሓድሶ ኣንባቢ ይመልሶ ፤፤
1ይ ክፋል
ብዙሕ ግዜ ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ዝብል፡ምሕዳስ እንታይ ምኻኑ ኸኣ ክፍትሽ ተደረኽኩ፡ብፍላይ ድማ ንገለ ገለ ቁሩብ ወንጌል ንዝሰብኩን፡ስጉም ንዘበላ ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ከምኡ ክበሃላ፥ ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፡ክንደይ ሰባት እውን ተሓድሶ ክብልዎም ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ንኸመይ ዝበሉ ከም ትወሃብ ክፈልጥ ድማ ነቶም ተሓድሶ ኢዩ፡ ኢሎም ሰባት ክጸርፉ ዝውዕሉ ክሓትት ተደሪኸ፡ኣይንሕደስን፥ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ንዝብሉ ኮፍ ኣቢለ ምስ ኣዛራረብኩዎም፥ድማ ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ክብሉ እውን ሰሚዐ ኣለኹ።እንተ ኾነ እቶም ተሓድሶ ኣይኮነን ዝብሉስ እንተስ ፈሊጦም እንተስ ኣይፈለጡን ተሓድሶ ኮይኖም ኢየ ዝረኸብኩዎም።ቁሩብ እቲ ከይተሓደሰ ዝጸንሓኒ ልቦም ጥራሕ ደኣ እንበር ፥ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ዘይኮኑ ምኻኖም ጥራሕ እቲ ፍልልይ ድማ ረኺበዮ።
እንታይ ኢዩ እቲ ተሓድሶ ዘብል ዘሎ ተበልና ድማ፥ተሓድሶ ማለት ብያረዳዊ ዜማ ገይሩ ዘይጥቀም ኢዩ ይብሉ፡ኣብቲ ማሕበር ማሪያም ኢና ዝብሉ ዘውጽእዎ መዐሸዊ ገርሂታት ዝኾነ ቪዶ እውን ርኣዩ ተሓድሶ ዝጥቀምሉ ኢሎም፡ነቲ ዘይ ያረዳዊ ዜማ ዝበልዎ፥ክኸሱ ይርኣዩ።ነቲ ንሶም ዝዝምርሉ ተረኣኹዎ ኸኣ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ዘራኽብ ዘይብሉ።ወይለይ መን ደኣሉ ተሓድሶ ዝብል ሓሳብ ኣልዓልኩ እሞ ኣንባቢ ይመልሶ ዝብል ምስ መጸኒ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝመረጽኩ።
እስከ ንርአ ኣየናይ ኢዩ እቲ ያሬዳዊ ዜማ ኣየናይ ኢዩኸ እቲ ዘይ ያሬዳዊ ዜማ፥ ኣብ ታሕቲ ተኻታተሉ።ንምኻኑ እዞም ከም ሰይጣን ዝኸሱ ንባዕሎም ዝትቀምሉ መዛሙር ያሬዳዊ ዜማ ኣይኮነን ።ከበሮ ትሪም ተበለት ዶኾን ኢዮም ያሬዳዊ ዜማ ኢዩ ኢሎም ህዝቢ ብምቲላል ንዝጸልእዎምን ንንፍዕ ዝበሉን ግን ክንጽልዎም፥ክልህልሁ ዝርኣዩ ዘለዉ።
ንምኻኑ ግን ተዋህዶ ኣይተሓደሰትን ዲያ፧ 
ቅድም ናብኡ ምእታወይ ግን ቤተ ክርስቲያን መቸስ ቅድመ ዜማ ቅዱስ ያረድ፡ዝነበረት ኢያ።ኣስታት 700 ዓመታት ቅድመ ቅዱስ ያሬድ ነይራ ኣብዚ ምድሪ ብምንታይ ትጥቀም ነይራ።ሽዑ ድማ ምስ ዜማታት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ እሞ ሶርያ ዝመሳሰል ዓይነት ምህለላን፡ኪርያ ላይሶንን(Latanea ሊጦን) ከም ናይ ሃገርና ውዳሴን መንፈሳዊ ደርፍን ዝመሰለ ዓይነት ዜማ ምስ ጸንሑ።ንዕኡ ተኪኡ ግን ድጉዓ(ድጓ )መዝሓፈ ዜማ ቀዳማይ ክፋሉ፡ተኣታቲዩ ማለት ኢዩ።እዚ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ኢዩ።ተሓዲሱ ወይ ድማ እቲ ጥንታዊ ዝነበረ ክቅየር ከሎ ድማ ንርእይ።ነዚ ህጂ ሊቃውንቲና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ብከበሮን ጸናሽልን ገርካ ማለት ኢዩ ዝተቃናበረ።
ነዚ ክካታዕ ዝፍትን ካብ ጉጅለ ጸማም ሓደ ደርፉ፥ቅድመ ምምጻእ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይሲ ቤተ ክርስቲያን ብምንታይ ገይራ ትግልገል ነይራ ዝብል ሕቶ ክሓቶ ደስ ይብለኒ።:ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣብ 700 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ወይ ድማ (ካብ 550-664) ክፍለ ዘመን ዝተቃላቀለ።ዝተኣታተወ እዚ ዜማ ዝመጸ ቅድሜኡ ኸ ብምንታይ ገይራ ኢያ ትግልገል ነይራ ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግብኦ።ዶዋላስ ኦርቶዶክስ ድሕሪ 700 ዓመታት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣይነበረትን ኢያ፧።ኣይነበረትን ተኾይኑ ኣንባቢ ይምዘን፥ነይራ እባ ተደኣ \ኮይና ግን ተሰማሚዕና ብምንታይ ገይራ እሞ ትግልገል ነይራ።ወይሲ ተሓዲሳ ኢያ፧።
ካብኡ ቀጺሉ ዝስዕብ እውን ተዋህዶ ካብቲ ቅዱስ ያሬድ ዝገደፈልናስ ዜማስ ኣላዶ የላን።መምህራን ጎንደር እካ ደኣ ባዕሎም ዝወሰኹዎ ሸብሸቦ ተኣታቲዩ ኢዩ።ነዚ ያሬዳዊ ዜማ ኢዩ ክብለኒ ተኾይኑ ታሪኽ ኣንብብ ይብሎ።ነዚ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ዝዝምርዎ ዘለዉ መዝሙር ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት እውን ተሓድሶ ገይሮም ዘተኣታተዉዎ ኢዮም ፥እንበር ኣይነበረን፥፥መን ደኣሉ ተሓድሶ፧መንከኣ ኢዩ ዘይተሓድሶ ኣንባቢ ይመልሶ።ያሬዳዊ ዜማ ኣብ ታሕቲ ክንርእዮ ክንፍትን ኢና፥እዚ ኹሉ መዛሙር ዝዝመር ዘሎ ግን፥ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ዘተሓሕዝ የብሉን።ነዚኸ ዘርዲኦም ዲዮም ሲኢኖም ዋላስ፥ነቲ ለውጢ ባዕሎም ጥራሕ ዋናታት ክኾኑ ስለዝደልዩ ኢዩ ድልየቶም ክገልጹዎ ኢና ንጽበ።
እንተ ተዋህዶ ግን ተሓዲሳ ኢያ። ብዙሕ ግዜ፡ንሕና ሰብ ፋሕ ከይብልን ኢልና እንበር፡ክሳዕ እምነት ዝተቀየረ ኣሎ።ቅድመ 1400 ዓመት እካ ተሓድሶ ተገይሩን ተገይሩን፥ነዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኽተኣታቶ ዲማ ኣስታት 400 ሞኖኮሳትን ካህናትን ተቀቲሎም ኢዮም።እዚ ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዝሃሲ ክሓልፎ ኢየ፡ስለምንታይሲ ዕላማና ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕንወት ንምድሓን ደኣ እንበር ከነዕንዋ ሕልምን ባህግን ስለዘይብልና፡ምስ ቤተ ክርስቲያን ድማ ባእሲ ስለዘይብልና እታ ቤተ ክርስቲያን ንሳ ድማ ናትናን ኣዴናን ስለዝኾነት፡ንዓኣ ዝሃሲ ክንገብር ሕልናና ኣይፈቅድን ኢዩ።እዚ እኳ እዞም ሰብ ዘታሊሉ ርእሶም ክፍትሹን ህዝቢ እውን ዘዛርቦም ዘሎ ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ናይ ረብሓን፥ጠቅምን ጉዳኣይ ምኻኑ መታን ክነቅሓሉ እንበር።
እስከ ኣርሒቅና ከይከድና ዝጸንሓና ኦርቶደክሳዊ ባህልን ዘሎ ህጅን ንፈትሽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ክሳዕ ህጂ ዘይጠፍአ ስለ ዘሎ፥ንመርትዖ ክሕግዘኒ ተስፋ ይገብር፡ልሙድ ባህልና ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን ጥራሕ ኢዮም ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኸዱ ነይሮም።እቶም ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ እውን ኣንስቲ ይኹኑ ሰብኡት ዳዊቶም ደጊሞም ቅዳሴኦም ሰሚዖም ደኣ ኢዮም ዝምለሱ ዝነበሩ።
ተኾነ ቤተ ክርስቲያን ስለ ተሓደሰትዶ ኣይኮነን ኣዋልድን ኣወዳትን፥እኳ ደኣ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን በዚ ኢያ ተዓዊታ ተባሂሉ፡መዝሙር ክዝምሩን ኮፍ ክመሃሩን፥ መዘምራን ኮፍ ኢሎም መንእሰያት ናቶም መዝሙር ከቅርቡን፥ስብከት ከስምዑን ንርእይ፡።ኮፍ ኢሎም ክመሃሩን፥ካብ ያሬዳዊ መዝሙር ፍልይ ዝበለ ከቅርቡን ንርእይ ዘለና፡እዚ ተሓድሶ ዶ ኣይኮነን ኢዩ፧።
እሞ ቤተ ክርስቲያን ኣይትሕደስን ኢሎም ዝቃወሞ ተኾይኖምሲ ስለምንታይ ፈጸምቲ ናይዚ ጉዳይ እዚ ኮይኖም።ናብቲ ናይ ቀደም ቅድመ ሚኢቲ ዓመት ነበረ ግርም ንመለስ፧።
ታይ ዲያስ ኣይተሓደስናን ዲና ዋላስ ዘርድኦም ሲኢኖም ከም ተሓደሱ፦ ተሓድሶ ሓድሽ ነገር ምትእቲታው ተኾይኑ ደኣሞ ቀደም ከመይ ዲዩ ነይሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያና፧ ዋላካ ነዚ ክኽሕዱዎ ተፈተኑ እቲ ዝኣምኖ ህዝቢና ግን ነቲ ሓቂ ከምዘይ ክሕዳ እፈልጥ ኢየ።
ቀደም ኣቦታት ካህናት ዲያቆናትን ኢዮም፥ነጋሪት ከበሮ ምስናይ ጸናጽል፥ክዝምሩ ንርእይ ነይርና፡ሎሚኸ እኳ ደኣ ዘይተለምደ ኣዋልድ ከበሮ፥ገይረን ክዝምራን ክዘላንዶ ንርእይ ኣየለናን ኢና።ታይ ዲያስ ኣይተተሓድሶንዶ ኢዩ እዚ፧ ኣይኮነን ዲዩ እዚ፧ ዶ ዋላስ መጽሓፍ ቅዱስን ኢየሱስን ኢዮም ዝጽልኡ ዘለዉ።
መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ተራ መንእሰይ ክሳዕ ዲያቆናት ። ክህነት ክሳዕ ዘይብሎምን ፥ወይ ድማ መምህራን፥ መዘምራን፥ጎንደር ብፍሉይ ተማሂሮም ዝመጹ(መዘምራን ክብል ከለኹ፥እዞም ትምህርቲ ሰንበት ኣይኮኑን መዘምራን ማለት መምህራን መሪጌታት ወይ ድማ ቢኣዛራሪባ ባህልና፥"ደፋትር"እንብሎም ኢዮም) ንሶም ተዘይ ኮይኑ፥ ኣብ ኣርተር ወጺእካ ሚምሃር ስርዓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይጸንሐናን።ነይሩ ዝብል ግን መርትዖ ከቅርበለይ ተስፋ ይግበር ከም ዘይረክብ ግን ርግጸኛ ኢየ።ስለምንታይሲ ኩላቲና ነታ ዝወለደትና ቤተ ክርስቲያን ኣጽፊፍና ስለ ንፈልጣን ኣብኣ ስለዝዓበናን።ኣይኮነን ዲዩ፧።
ሎሚ ግን ቤተ ክርስቲያን ስለ ተሓደሰትዶ ኣይኮነን ኢዩ።ዲያቆናትን፥መንእሰያትን፡ ኣብ ኣርተር ኦርቶዶክስ ንመጀመርያ፥ክምህሩ ንርእይ ዘለና።ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ።ምናልባሽ ገለገለ ሰባት ድቁና እውን ክህነት ኢዩ ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ካህን ማለት መስዋእቲ ዘዕርግ፥ኣምሳለ ክርስቶስ ኢዩ።ዲያቆን እሞ ስርሑ ተለኣኺ ማለት ኢዩ።እሞኸ እዚ ተሓድሶ ዲዩ ኣይተሓድሶን፧።ንምንታይ ደኣ ብዘይ እዉጅ ተሓድሶ ክንስኻ ንኸተጥቅዖም ዝደለኻ ሰባት ዘይ በዓል ክስቶ ደኣ ተሓድሶ ኢዮም ምባል።ንስኻኸ ኣይኮንካን ፧።
ዋላስ ነዚ ገርሂ ልቡ ህዝቢና ከም መራሒኹም ኢሳይያስ ከተሽክዕዎ ደሊኹም።መስኪን ህዝቢ መራሕቲ ፖሎቲካስ መሽካዕቲ መራሕቲ ሃይማኖትን መሽካዕቲ፡ግልጺ ኮይና እንዶ ግዳ ነዚ ህዝቢ ንምርሓዮ።ን ቤተ ክርስቲያን ዕቤት ዝህባ በዚ ስለዝኾነ ንኸይድ ኣሎና ምባል ጽቡቅ ኢዩ፥ነዚ ህዝቢ ነታ ሃገር ዝኸውን ሰላም ኣምላክ ካብ ሰማይ ንኽወርድ።
ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክስ ጓል ጉልባብ ደኣ እንበር ቆቢዕ ክትገብር ኣብ ዓለም ምሉእ የሎን፡ዝመነነት ተኾይና ንሱ ኢዩ፡ኣብ ካልኦት ኦርቶዶክስ እውን እዘን ኩለን ደናግል፥ማንዲል ዝመስል መጎልበቢያ፥ገአይረን ኢና ንርእየን፡።እዘን ኩለን ቆቢዕ ኣኽሊል ገይረን ዝዝምራኸ ደኣ ካበይ መጸ እዝስ ምሕዳስዶ ኣይኮነን፧ተሓድሶዶ ኣይኮነን እዚ፧
ይቅጽልልናብ 2ይ ክፋል//////

No comments: