Post più popolari

Friday 28 March 2014

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል።ግብሪ ሃዋርያት 4:12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል።ግብሪ ሃዋርያት 4:12
ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

ዘመርቲ እውን ከምዚ ኢሎም ይዝምሩ ምድሓን ብ ኢየሱስ ኢዩ ብኻልእ የሎን።
ትግርኛ ዓዲና መቸስ የሎን የሎን ኢዩ።የሎን ተተባሂልካ ክትጽበ የብልካን ሃሰውሰው ክትብል እውን የብልካን።ዋላኳ ኩሎም ሰበኽቲ ኣይኹኑ እንበር፡እቶም ንክርስቶስ ክነብሩ ዝደልዩ ሰበኽትን ዘመርትንስ ምድሓን ብኻልእ ከም ዘየለ ተዛሪቦምን ይዛረቡ ኣለዉን።ብዓቢኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ።

ከመይ ገይሮምከ ምድሓን ብኻልእ ኣሎ ክብሉ፡ካብቶም 10 ትእዛዛት ኣይትሓሱ እንዳበለ።ምድሓን ብከምዚ ኣጋብብ ብከምዚ ሽጣራ ብከምዚ ምኽንያት ይርከብ ኢዩ ኢልካ ሚምሃር እንበር ንስልጣኑ ምምንዛዕ፡ክብሩ ምትንካፍ ፡ካልእ መድሓንቲ ምፍጣር፡ካልእ ወንጌል ምስናዕ።ገላትያ 1:8)ነቲ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ምፍሳስ ደም ምኽሓድ፡ነቲ ዝኣተወልና ኪዳን ብደም ካልእ ዘይኮነስ ብደሙ ብስም ካልእ ዘይኮነስ ብስሙ ኪዳን ምርካስ፡ኢዩ እንበር።

ገለገለ መድሃኒተ ስጋ ወነፍስ ኢሎም ንፍጡራት ክጽውዑ ኸኣ ሰሚዐ ኣለኹ።ኖኦም ይምልከት እሞ ንመጽሓፍ ቅዱስዶ ክኽሕዶ።ኣቦታተይሲ እንበር ወልድ ዋህድ እንዳበሉ ኢዮም ተሰይፎም።ካብዚ ተሓሊፉ እውን ብዘይካ ኣምላጅነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዓለም ኣይትድሕንን ዝብል መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሽየጥ ርእየ፡ኣለኹ ወይ ሸቀጥ ኣነስ ብስም ማንም ክሽቅጥ ኣይደልን።ወይ ጉድ ደቀይ።ኣነስ ኣይገዝእን ምድሓን ብኻልእ የሎን እንዳ ተበሃልኩ።ኣብ ፈቀዶ ፈስቡክ፡ድማ ፎቶ ገርካ፡ክዝረብ ሪአ ኣለኹ፡ወይ ጸገም ።ነዚ መዝሙር ሰኣን ምስምዖም ዶኾን ይኾኑ።

ኣነ እውን ምስ ዘማሪት ሓፍቲና ዘርፈ ምድሓን ብዘይካ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ።ብኻልእ ይጽደቁ ይሕጥኡ ይንጽሑ ዋላ ይቀደሱ ምድሓን ብዘይካ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዝሞተ የሎን የሎን የሎን ኢለ ኣብ ቅድመ ዓለም ይእውጅ ኣለኹ።

ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ስለይ ኣብ መስቀል ዝሞተ።ዝተሻየጠለይ።ደሙ ከፊሉ ዝዓደገኒ።ምድሓን ብኡኡ ጥራሕ ኢዩ።ብኻልእ የሎንንንንንን የሎንንንንን ይእመን ኣብ ቅድመ ኩላ ዓለም ክብሪ ንስሙ ወልድ ኣምላክ!።

Sunday 23 March 2014

5ይ ሰንበት ደብረዘይት ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን።

         5ይ ሰንበት ደብረዘይት           ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን።


ዚ ዕለት እዚ ብናይ ቅዱስ ያሬድ ኣጸዋዊዓ ወይ ኣሰያይማ ከም ዝቀደሙ ሰንበታት ደብረ ዘይት ክበሃል ከሎ፡ናይ ዘይቲ ጎቦ ወይ ድማ ናይ ዘይቲ እንባ ማለት ኢዩ።እዚ በሪኽ ጎቦ እዚ ካብ ኢየሩሳሌም ሓደ ኪሎ ሜተር ዝርሕቅ ኮይኑ፡ብ ኣግራብ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ምስ ምዃኑ ካብ ኣውሊዕ ከኣ ዘይቲ ስለዝርከብ ኢዮም ከምኡ ዝበሊዎ።

በዚ ቅኔ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግርማ ብኽብሪ (ብሞሎኮታዊ ስልጣን )ንፍርዲ ንናይ ዓለም ፍጻሜ  ከም ዝመጽእ  ንሃዋርያት ዝገለጸሉ ህሞት ኢዩ።


ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምድራዊ ስርዓት ክስዕር፡ነዞም ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ኣባያት ብፍቅሪ እዛ ዓለም ተታሒዞም፡ንስግኦም ዝነበሩ፡ንስለ ሓላፊ ክብሪ ክብሉ ቃሉ ረጊጾም ዝነብሩ ነበሩ ድማ (ማቴ25፡41) ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኢሉ ጉቡኦም ክህብን ክወቅስን።ነቶም ስለ ስሙን ስለ ቃለ ወንጌሉን ኣብዛ ሓላፊት ምድሪ ነቲ ዘይሓልፍ መንግስቲ  ንምውራስ ብጸበባን ብመከራን፡ስሞምም እንዳ ጸለመ፡ኣካሎም እንዳ ተሳቀየ ፡ብ ጸረ ክርስቶስን ወንጌሉን ካብን ናብን እንዳ ተሰጎጉን እንዳ ተጋላትዑን ፡ርእሶም ኣድኒኖም፡ ዝሓለፉ ፍቁራቱ ድማ ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ደሪዙ(ራእይ21፡4) ።(ራእይ5፡13)ሰማይን ምድርን ኣሕሊፉ (ማቴ 25፡34)ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ፡ንዕኡ እቲ ኻብ ዓለም እተዳለወልኩም፡መንግስቲ ዉረሱ።  ኢሉ ናብቲ ዘዳለወሎም ናይ ዘልኣለም ሓጎስን ዕረፍትን ፍሰሃን ፈስታን ክወስዶም ብደመና ሰማይ ክመጽእ ኢዩ።(ማር14፡62)

ኣብቲ ናይ  ቅዱስ ያሬድ ዜማ እዚ ነገራት እዚ ኣብ መዝሙሩ ጠቂሱ፡በዚ መዓልቲ እዚ ክዝመር፡ስለ ተገብረ ውዕለት ጎይታ ኢየሱስ ብበዓል ዜማ ይትበሃል ደብረ ዘይት ይበሃል።ኣብቲ ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ርእስ፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት)ኢሉዎ ኣሎ።

                                 ናይ ዕለት ዝንበብ ወንጌል፡                

 ስብከት

እግዚኣብሔርሰ ገሀድ ይመጽእ

ወአምላኽነሂ እያረምም 

እሳት ይነድድ ቅድሜሁ   መዝ49(50)፡3            

ትግርኛ

ኣምላኽና ይመጽእ 

ስቕ ድማ ኣይብልን፡

ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡

ህቦብላ ንፋስ'ውን ይኸቦ
1ይ,             1ይ ተሰሎ 4፡13            ገባሬ ሰናይ ድያቆን

2ይ,             2ይ ጴጥ3፡7-15             ተሓጋጋዚ ዲያቆን

3ይ,             ግብ 24፡1-22                ተሓጋጋዚ ካህን

4ይ.             ማቴ24፡1-36                 ገባሬ ሰናይ ካህን 

ቅዳሴ ኣትናቴዎስ

ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም ንምብራቅ ሓደ ኪሎ ሜትር ርሕቅ ዝበለ ጎቦ ኢዩ።መድሓኒናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤት መቅደስ ወጺኡ፡ናብ ደብረ ዘይት ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ቀሪቦም፡ዘሩባቤል ዝሃነጾ፡ህንጻ ቤተ መቅደስ፡ኣርኣዩዎ።"ንሱ ድማ መሊሱ "እዚ ኹሉስ ትርእዩዎዶ ኣሎኹም፡ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን ኢዩ።እብለኩም ኣለኹ።"ኢሉ ናይ ኢየሩሳሌም ምፍራስን ዳግማዊ ብስልጣን ምምጽኡን ኣስፊሑ ክነግሮም ከሎ ንዕዘብ።ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምልክት ናይ ዓለም መጨረሽታ ናቱ ምምጻእን ኣመልኪቱ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ሀ,ኣነ ክርስቶስ ኢየ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ፡ኢዮም፡ንብዙሓት እውን ከስሕቱ ኢዮም።ኣብዚ ዝብለና ዘሎ ክርስቶስ ጎይታ ኢዩ ዝብሉ ዘይኮነስ ዝብለና ዘሎስ ኣነ፡ገለ ገለ ሰባት ነታ ኣነ ክርስቶስ ኢየ ዝብሉ ግድፍ ኣቢሎም፡ብስመይ ክመጹ ኢዮም ኢሎም፡ይምህሩላ ኢዮም ገይጋ ኢዩ ወንጌል ኣነ ክርስቶስ ኢየ እንዳበሉ ክመጹ ኢዮም ይብለና።


ለ,ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፡ኣስተውዕሉ፡ኣይትሰንብዱ ፡እዚ ኹሉ ብግድን ኪኸውን ኪኸውን ኢዩ።እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ  ኣይኮነን።ክርስቶስ ብምምጻኡ ክትሕጞሱ ደኣ እንበር ክትድንግጹ ወይ ክትፈርሑ ኣይግባእን ማለት ኢዩ።
ሐ.ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መንግስቲ'ውን ኣብ ልዕሊ  መንግስቲ ኺለዓል ኢዩ።
መ.ኣብ ኩሉ ቦታታት ከኣ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን ኢዩ፡ኣብ ገለ ብራናታታት ግሪኽ፡ፌራ ዝብል ይውስኽ፡እዚ ኹሉ መጀመርታ ቕልዉላው ኢዩ።
ረ.በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን፡ኪቐትሊኹምን ኢዮም፡ስለስመይ ከኣ፡ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።
ሰ. ሽዑ ብዙሓት ኪኽሕዱ፡ ንሓድሕዶም፡ ኣሕሊፎም፡ኪወሃሃቡን ንሓድሕዶም'ውን ኪጸላልኡን ኢዮም።
ሸ. ብዙሓት ሓሰውቲ ነበያት ኺትንስኡ ንብዙሓኣት'ውን ኬስሕቱ ኢዮም።ብሰንኪ ብዝሒ ዓመጻ ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል ኢዩ።እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግን ክድሕን ኢዩ።ሓሰውቲ ነበያት ከመይ ገርና ኢና ነለሊዮም ዝብል መልሲ ክንህበሉ ግዝይኡ ዝሓቶ ነጥቢ ኢዩ።


ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ፡(1ይ ዮሐ4፡1-6)ከምዚ ክብል ይሕብረና።ኣቱም  ፍቁራተይ ብዙሓት ሓሰውቲ ነበያት፡ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ፡እቶም መናፍስቲ፡ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኹሉ ኣይትእመኑዎ።ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጡዎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ኹሉ መንፈስ፡ካብ ኣምላኽ ኢዩ።ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ኹሉ መንፈስ ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን።እዚ ኹሉ እቲ ከም ዝመጽእ ሰሚዕኩሞዎ ዘሎኹም ናኣይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ ኢዩ።ሕጂ'ውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።


እቲ ብፍረኦም ከተለሊዩዎም ኢኹም ዝበለና።ከመይ ዓይነት ፍረ ደኣሉ ኢልና ክንሓስብ ባህርያዊ ኢዩ።እቲ ቀዳማይ ናይ ሓሶት ነብይ ክብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዝሰርቅን ክስረቅ ዝምህርን ዘተባብዕን፡ንሰብ ኣብ ሃተውተው ከንብሮን ካብ ኣምላኽ ክፈልዮን ብሰይጣን ተዋፈረ ስለዝኾነ ሰብ ከይድሕን ትምህርቲ ክርስቶስ ዘይምህርን ኢዩ።በዚ ድማ ኢዩ ቅዱስ ዮሐንስ እቲ ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚዝንብል ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ፡ኣምላኽ ኣብኡ የሎን፡እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝጸንዕ፡ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉ።ዝኾነ  ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይኃዘ  ናባኻትኩም  እንተመጸ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበሊዎ ሰላም እውን ኣይትበሊዎ።ከመይ እቲ ሰላም ዚብሎ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ኃቢሩዎ ኢዩ።(2ይ ዮሐ 1፡9-11)ሓሰውቲ መምህራን ዝምህሩዎን ዝገብሩዎን ንዕኦም ክኸብሩ ደኣ እንበር ኣምላኽ ኪኸብር ኣይኮነን።


ስለዚ ኣብ ህዝቢ ተቃባልነት ዝረኽብሉ ደኣ ኢዮም ዝዛረቡ እንበር ንህዝቢ ኣብ ክርስቶስ ኣንቢሮም ኣይጓስዩዎን።ሎሚ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት በዞም ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝዘንበሉ፡ትምህርቲ  ክርስቶስ ዘይምህሩ ተመሊአን ንረኽበን።እዚ ንባዕሉ እቲ ርኹስ መንፈስ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ከመይ ኢሉ ቆይሙ ከም ዘሎ ንመዝነሉ ኢዩ።
ቀ.ንኹሎም ኣህዛብ፡ምስክርነት ምእንቲ ኪኸውን፡ እዚ ወንጌል መንግስቲ እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ኪስበኽ ኢዩ።ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን ኢዩ።(ማቴ24፡14)ለቱ ስብሃት!በ. በዚ ግዜ እዚ ብነብይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረኣኹም፡እቲ ዘንብብ የስተውዕል፡እዚ ብናብዪ ዳንኤል ዝተነግረ ኢልዎ ዘሎ እንታይ ኢዩ ተደኣ ኢልና።(ዳን9፡27)(ዳን11፡31) ክቡር ኣንባቢ፡ምልክት ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ጎይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ትንክፍ ትንክፍ ዘበልናዮ ኢዩ።


ኩቡር ኣንባቢ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ንዓይን ንዓኻን ንናይ ዘልኣለም ስቃይዶ ንናይ ዘልኣለም ነውሪ???።

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ ኢዩ።ክልተ ኩነታት ወይ ድማ ተፋላለዩ  ፍጻመታት ተርእዮታት ድማ ኣብዛ ዓለም ክርአ ኢዩ።መሪር ብኽያትን፡ተሰሚዑ ዘይፈልጥ እልልታን።ከቢድ ስቃይን፡ኣዝዩ፡ባህ ዘብል ዕረፍትን፡ሓጎስን፡በቲ ድማ ከም ውሑጅ ዝኾነ ንብዓት ምስ መሪር ኣውያትን ጭንቀትን።በቲ ድማ ሃሌ ሉያ ዝብል መሬት ዝዝንቅንቅ ናይ ሓጎስ መዝሙርን።ኣነን ንስኻን ምስ ኣዮኖት ኮን ንኸውን??።

ምስቶም ህጂ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ስጋኦም ቀጺዖም፡ግብረ ስጋ ቀቲሎም(ገላ5፡19)ወንጌል እንዳ ሰበኹን ንወንጌል እንዳ ተኣዘዙን፡ነቲ ኣብ ሰማያት ተዳሊዩ ዘሎ ዓስቢ ዓወት እንዳ ኣማዓደዉ፡፡ስለ ስም ክርስቶስን ቃሉን እንዳ ተጸልኡን እንዳ ተሰጎጉን፡(ዮሐ15፡20) ኣብዛ ምድሪ ከፊእዎም ዝሓልፉ ዘለዉ ወይሲ ምስቶም።ንፍቃድ ኣምላኽ የርክበሉ እንዳበሉ፡ፍቃድ ስጋ ዝገብሩ።ካብ ንስሓን ምምላስን ብምርሓቅ፡ኣብ ግብረ ስጋ ዝሳተፉ ንግዝያዊ ንስጋኦም ከዕግቡ ግዝየኦም ኣብ ዘይጠቅም ሓላፊት ዓለም ዘሕሊፉዎ ምስ መን  ኢና።
ቃል ኣምላኽ(ገላ5፡21)ቅንኣት፡ቅትለት፡ስኽራን፡ጓይላ፡ከምዚ ዘመሰለ ኻልእ'ውን ኢዩ።እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣለኹ፡ ይብል ቅዱስ መጽሓፍና።እሞኸ ግዜና ኣብ ጎይላን ስኽራንን፡ዙሙትን ዲና ነሕልፎ፡ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና (1ይቆሮ6፡10) ሰረቕቲ፡ወይ ስሱዓት፡ወይ ሰካራት፡ወይ ተጻረፍቲ፡ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን ኢዮም፡ይብለና ። እሞኸ ካበዮኖት ኢና??።
 ኣብ ቃል ኣምላኽ ምንባብን ኣብ ጾሎትን ምስ እቶም ንኣምላኽ ዘኽብሩዎ ይኣክል ዓለም ኢልና ዶ ንምጽኣት ክርስቶስ ንጽበዮ ንህሉ??።ክሳዕ ክንደይከ ን ኣምላኽ ተቀሪብና ኣለና??። 

ኣብዛ ብሓጥያት ዝተታሕዘት።ናይ ኣምሰሉ ህይወት ክርስቲና ጠጢዑ ፡እቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንነብር ኢና፡ ዝብሉ እኳ ከይተረድኦም ንሰይጣን ተገዚኦምላ ዘለዉ ዓለም ካብ ኣዮኖት ኢና??።ምስ ኣዮኖት ኢና።ምስቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንመላለስ ኢና ንብል ግንከ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርክብ ዘይብልና ፡መልክዕ ኣምልኾ ኣምልኾ ዘለና ነቲ ሓይሉ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ንኽሕዶ ኢና።(2ይጢሞ3፡5-7) ወይሲ ምስቶም ቤት ኣምላኽ ከይዶም ዘይፈልጡ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝበለሎም ፡(2ይጴጥ3፡3-7)ኣብተን ዳሕረዎት መዓልታት ግን ብኽፉእ ፍትወት ስግኦም ዚመላለሱን ዜላግጹን መላገጽቲ ከም ዚመጹ፡ቕድሚ ኹሉ እዚ ፍለጡ፡ንሳቶም "ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፡ካብታ ኣቦታቲና ዝሞቱላ መዓልቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ኩሉ ኸምቲ  ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ።"ክብሉ ኢዮም፡ ሰማያት ካብ ጥንቲ  ብቃል ኣምላኽ  ከም ዝነበረ ፡ምድሪ'ውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝተፈጥረት ኮነ፡ኢሎም ይርስዕዎ።እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም'ውን ብማይ ተደፊና ጠፍአት።እቲ ህጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቒሩ ፡እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሑ ሰባት ተፈሪዶም፡ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕሎ ኣሎ።


ከም ዝበሎ ቃል ኣምላኽ ዲና ባህሊ ኢዩ።ነርክበሉ ኢና እንዳበልና ነፍስና ኣዐሺና ንኸይድ ዘለና ወይሲ ሓቂ ተረዲኡና ኢዩ ኣብ ሓቂ ንነብር ዘለና።ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከምዚ ይብል (2ይጴጥ 3፡9) ጎይታስ ኩላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር"ሓደኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ"ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ከምቲ ንገሊኣቶም  ዚድንጊ ዚመስሎም፡ንተስፍኡ ኣየደንጉዮን ኢዩ።መዓልቲ ጎይታ ግን ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ ኢያ፡ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺኃልፍ ኢዩ።ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ ኢዩ።ምድርን ኩሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ክነድድ ኢዩ።እዚ ኩሉ ከምዚ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ  ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም፡ክትኮኑ ዚግብኣኩም፡ ይብለና።
ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ፡መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቃላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወት ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክትነብሩ ኢዩ፡ዝግብኣኩም።እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝጠፍእ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር ኢያ።ከም ዝበሎ ትዕግስቲ ኣምላኽ ንዓና ንኽንሳሕ ምዃኑ ፈሊጥና ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ኣሎና።መቸስ እዚ ኩሉ እንዳ ሰማዕና እንድሕር ልብና ኣትሪርና፡ፍቅሪ እዛ ዓለም እዚኣን፡እቲ ከም ነቀዝ ኣብ ልቢ ክርስቲያናት ቦቒሉ ካብ ክርስቶስ ዝፈልዮም ዘሎ ህልኽን ፡ልብና ገዚእዎ ንነብር ተሊና ብሓቂ ጠፊእና ኢና ዘለና።ጎይታ ንኼድሕነና ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ትዕግስቲ ክንሓስብ ይግባእ(2ይጴጥ3፡15)ንኣምላኽ ዓቅሉ ከይነወድኦ ክንጥንቀቅ ይግብኣና።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተኻፈልቲ ሰማያዊ ርስቱ ክንከውን ብሰናይ ፍቃዱ ይደግፈና ኣሜን።

Wednesday 19 March 2014

ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።(ኢሳ48፡18)

ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።(ኢሳ4818)

ሓደ ዘፍርሓኒ ኣሎ ንሱ ድማ ንቃል ኣምላኽ ነንቢቦ ግን ኣብ ህይወትና ስልጣን ንኸልኦ ኣይንእዘዝን።ኩሉ ግዜ ቃል ኣምላኽ ንርኢ ክንዲ ግዜ ሂብና ነንቢቦ ሸለል ኢልና ከም ዘይምልከተና ፖሎቲካዊ ቃል ወይ መልእኽቲ ንሓልፎ።እረ ገሊእናስ ናብቲ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ንጥምት ናብቲ ጸሓኣፊኡ ኢና ንጥምት።ቃል ኣምላኽ ነንብብ ወይ ድማ ንርኢ ግን ኣይንእዘዞን።(ማር:76-7)ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል;;
መልአኽቲ ሓደ ንጉስ ክንሰምዕ ስራሕና ገዲፍና ኣብ ሞስኮት ተለብጀንን ኣብ ኣኼባታትን እንዳ ተወጠምና።ንመልእኽቲ እቲ ሰማያዊ ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኾነ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ዝኾነ እግዚኣብሄር ግን መልአኽቱ በቶም ልኡኻቱ ከመሓላልፍ ኣብ ዝጽወዓና ግዜን ቃሉ ንዑ ናባይ፡ተነስሑ፡ትእዛዛተይ ሓልዉ ኢሉ እንዳ ገዓረ ኣጽቅጥ ኣቢልና ብትዕቢት፡ብንዕቀት፡ንሓልፍ።ዘገርም ዘበን ኢዩ።ክትመሓር ክትሓዊ ክትፍወስ ኢሎሙኻ እውን ይእበ !!!
ሎሚ እውን ኣምላኽ መልአኽቲ ኣለዎ።ደብዳበ ኣምላኽ ኢየ ከተንቢቡዎ ናባኹም ከብሎ ንሱ ድማ ሎሚ "ተፍቅሩኒዶ??" ኢሉ ንኹላትና ይሓተና ኣሎ።ብሓቂኸ ነፍቅሮዶ??።እወ ውይ ኣይፋሉን ቅድመ ምባልና ግን ሃዲእና ምሕሳብ ይግብኣና።ነፍቅሮ ዲናነፍቅሮ ተኽዕይናኸ ስለምንታይ ስራሕ ዘፍቅሩዎ ዘአይንገብር።

ንሱ ይብል እቲ ዘፍቅረኒ ትእዛዛተይ ይሕሉ ይብል።(ዮሓ:1415)እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።።(ዮሓ:1421)እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ ።ሎሚ ንኣምላኽ ነፍቅሮ ዲና ኣይነፍቅሮን ከይተፋላሰፍና በዚ ቃሉ ገይርና ክንፈልጥ ንክእል ኢና።እቲ ንኣምላኽ ዘፍቅር ትእዛዙ ይሕሉ፡እቲ ንኣምላኽ ዘየፍቅር ግን ትእዛዙ ኣይሕሉን።ጸላእቲ ኣምላኽ ዲና ፈተውቲ ኣምላኽ እንበር ድሮ ፈሊጥና ኣሎና።
ምኽንያት ሰላም ምስኣን ኣብ ህይወትናን ሕብረተ ሰብናን፡ሃገርናን፡ዓለምናን እንበኣር ካብቲ ሓደን ቀንድን ደቂ ሰባት ጸላእቲ እቲ ዘፍቀረናን ዝሞተልናን ዝፈጠረናን ኣምላኽ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ኮይና ንርከብ ስለዘለና ኢዩ።ሎሚ ሰባት ንትእዛዝ ኣምላኽ ናይ ድሕኡራት ብሂል ኢዩ ወይ ድማ ባህሊ ኢዩ ክብሉ ቁሩብ ኢዩ ተሪፉዎም ዘሎ።ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘይነፍቅሮ ትእዛዙ ኣይንሕሉን ፡ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕላው ብዝመጸ ሰበብ ድማ ዓለምና ከባቢናን ሃገርናን ናብ ደም ምፍሳስ ተለዊጡ።ሎሚ ኣብ ዓለም ኮነ ሃገርና እረ ገሊእናስ ዋላ ኣብ ልብና ኢና ሰላም ዘይብልና ሰላም ስለ ንስእን ድማ ሰላም ሰባት ንዘርግ።ብዙሓት ሃገራትን ምሁራትን ድማ ክንዲ ብሓጺር መገዲ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍጻም ትእዛዝ ኣምላኽ ሰሚዖም ሰላም ክረኽቡ ዝጽዕሩ ኣብ ኣኼባታትን ዘይኸውን ስጋዊ ዘተን ግዝይኦም የጥፍኡ።
ንሱ ይብል ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።(ኢሳ4818)ሎሚ ንህይወትናን ንሕብረተ ሰብናን ንቤትናን ክንፍውስ ተደኣ ኾይኑ ኽንገብሮ ዘለና ሰላምና ከም ወሓዚ ማይ ኪኸውን ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍጻም ኢዩ።
ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ኩሉ ነገር ዘይጽብቀልና ዘሎ፡ንኣምላኽ ከም ኣምላኽ ስለ ዘይፈራሕናዮን ፈሪሕና ድማ ስለዘይተኣዘዝናዮን፡ንሓዋሩ ድማ ንኣምላኽ ዝፈርሕን ዝእዘዝን ልቢ ካብ ህይወትና ስለዝጠፍአን ካብ ትእዛዙ ስለዝወጻእና ኢና።(ዘዳ529)እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም፡ ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።
ኣምሰያ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይምስማዕናን ድማ ፡ዝኽቲሚና ዘኸተለ ኲናትን ሞትን ሽግርን ስደትን ናይ ሃገርናን ክፍለ ዓለምናን ኣኸቲሉን የኸትል ኣሎን፡ጋና ክሳዕ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይሰማዕና ድማ ክቅጽል ኢዩ።እዚ ኹሉስ እንታይ ኢዩ ተደኣ ኢልና፡ብስጋ እቶም ዓይኖም ዝዓወረ ፖሎቲከኛታት ተሪኢናዮም "ሰንኪ ክስቶ።" "ክስቶ ንኽስቲ ስለዝወረ፡ "" ክስቶ ምስ ክስቶ ስለተዋግአ" ክብሉና ይኽእሉ ኢዮም።
ንኣምላኽ ተሓቲትናዮ ግን ኣብ ቃሉ ጽፉፍ ዘየጋጊ መልሲ ኣዳሊዩልና ኣሎ።ኣብ (ኦሪት ዘዳግም፡2815-68)እንድሕሪ ኣንቢብና፡ኩሉ ምእንቲ ክሰልጠና ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክንገብሮ ከም ዘለና ይዛረብ።ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምስ ዘይንፍጽም ግን ብዙሕ መቅጻዕትን ዘሰክሕ ተፋላለየ መከራን ክመጸና ምዃኑ ይዛረብ።(ዘዳ299)ንኣይ ኃዲግኩም ክፋእ ስለዝገበርኩም፡ክሳዕ እትጥእፍኡን፡ቀልጢፍኩም፡ክሳዕ እትጸንቱን፡"እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ፡ተግባር ኢድኩም መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ክሰደልኩም ኢዩ።ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ከም ኣስራዚ፡ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸኣ ኸም ሓጺን ክትከውን ኢያ።እግዚኣብሄር ኣብ ቅድመ ጸላእትኹም ተሰዓርቲ ይገብረኩም፡ብሓደ መገዲ መገዲ ክትከዱዎም ኢኹም ብሸውዓተ መገዲ ኸኣ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድሙ ኢኹም፡ኩሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ክስክሑ ኢዮም።ዕዉር ሓሰስ ከም ዝብል፡ብቐትሪ ሓሰስ ክትብሉ ኢኹም፡ኣብ እትገብሩዎ፡ኹሉ ኣይክቀንዓኩምን ኢዩ።ወርትድግ ክትጭነቁን ክትዝመቱን ኢኹም ዘድሕነኩም ድማ የሎን።

እስከ ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ህይወትና ነነጻጽረን፡ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድና ዕግርግር ኣየኣተወን ዲዩ??።ኣብ ልዕለና ዘሎ ሰማይ ከም ኣስራዚ ደሪቁና፡ጸሊና ጾሎትና መልሲ ሲኢኑ፡ኣብ ትሕቴና ዘላ ምድሪ ድማ ምፍራይ ኣብያ፡ነገርና ምስላጥ ኣብዩ ከም ከውሒ ኣይተረረናን ዲዩ።ኩሎም ነገስታት እዛ ምድሪኸ በኣና ኣይሰክሑን ዲዮም።ገሊእና ኣብ ባሕሪ ገሊእና ኣብ ሰሃራ ጠፊእና።እቲ ካብቲ መዓት ዘምለጠኸ ኩሉ ግዜ ይጭነቅን ይዝመትን የሎን ኢዩ።ይብል እቲ ቃል።ቤት ክትሰርሑ ኢኹም ግንከ ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም።ዝበሎ ቃልከ ኣባናዶ ይፍጸም የሎን ኢዩ።እዚ ኹሉ ግን ትእዛዛቱ ብዘይ ምሕላውና ንኣምላኽ ንዒቅና ከም ፍቃድና ክንነብር ስለዝፈተናን ኢዩ።መርገም ማለት ሓጢኣት ኢዩ።ንሓጢኣት ንግዛእ ስለ ዘለና ድማ ኢዩ እዚ ኹሉን ሽግርን ዝወርደና ዘሎ።

ስለዚ ህዝበይ ብኣበሳና ወዲቅናን ፋሕፋሕ ኣትዩናን ኢዩ እሞ ናብ ኣምላኽና ንመለስ።ነቲ ጸላእቱ ኮይና ትእዛዛቱ ብምጥሓስ ነግህዮ ዘለና ኣምላኽ ኣብ እግሩ ወዲቅና ይቅሬታ ብምሕታት ድማ ምሕረት ንሕተት።ተተመሊስና ክምለሰና ኢዩ። (ሆሴ141) እስራኤል፣ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።

(ዘዳግም 30:9-10)ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ እንተ ሐሎኻ፡ ናብ እግዚብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሐጒስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ምግባር ኪሕጐስ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ኪመልኣካ እዩ።
ኩቡር ኣንባቢ ምስ ኣምላኽ ተባኢስካ ዋላ ሓደ ለይቲ እኳ ትኹን ከይትሓድር ብምሕረት ኣምላኽ ነማህጽነካ።ትእዛዙ ዘይሕሉ ጸላኢኡ ትእዛዙ ዝሕሉ ግን ፈታዊኡ ምኻኑ ተነጊሩካ ኣሎ፡ስለዚ ፈታዊ ኣምላኽ ንምዃን ኣይትእበ።ንሱ ምሳኻ ክዕረቅ ደልዩ ሎሚ ይጽወዓካ ኣሎ።ምሕረት ክገብረልካ ስለዚ ነታ ትኸደላ ዘለኻ መገዲ ጥፈኣት ሓዲግካ ናብ መገዲ ህይወት ተመለስ(ኤር41)ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ።ኣምላኽ ዝምለስ ልቢ ይሃበና።

                                 ኣሜን

/