Post più popolari

Saturday 15 March 2014

2ይ ክፋል ኣብ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ኣሎ ዲዩ ንሱ ዲዩኸ እቲ ጸገም??።

   2ይ ክፋል
ኣብ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ኣሎ ዲዩ ንሱ ዲዩኸ እቲ ጸገም??።


ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተንከፍናዮ።ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ኩሉ ክርስቲያን ብክርስቶስ ዝኣምን ዘገልጊለላን ዝጺሊየላን ሰማያዊት ቲካል ኢያ።ስለዚ ጸግዒ ከይሓዘት ንሰባት ክትጓስን ክትናብን ይግባእ።ስለዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ኣይኮነን እቲ ጸገም።ከምኡ ተኾይኑ፡ትማሊ ይድግፍ ነይረ ሎሚ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይን ሃገረይን ዝግበር ዘሎ ወጽዓ ምስ ተረድኣኒ ናብ ቤቲ ዘይተወገዘ ቤተ ክርስቲያን ክምለስ ይክእል ኢየ ማለት ኢዩ።ከምኡ ግን ኣይኮነን።ፖሎቲካ ተዝኸውን እሞ።ጸገም ኣይምሃለወን።ኣብ ካልኦት ሃገራት ተሪኢና እውን ገሊኦም ደገፍቲ ጸጋማዊ ሰልፊ ገሊኦም ከኣ ደገፍቲ የማናይ ሰልፊ ኣለዉ ግን ብሓደ ኢዮም ዝጽልዩ።ንዓና ብሓደ ከጸሊየና ዘይኽእል ነገር ግን ኣሎ ንሱ ድማ።ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራን ሰዓብቱን ስርዓትን እምነትን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሱ ብህግደፋዊ ስርዓተ ሕጊ ይጓኦኣዝ ስለዘሎ ኢዩ።እስከ ንርአ ጸገምና ፖሎቲካዊ ዶ ሃይማኖታዊ፡-
2ይ ስለምንታይ ኢና ምስ ተወገዘ ሲኖዶስ ክንከይድ ፍቃደኛታት ዘይኮነ ክሳዕ መወዳእታ።ክሳዕ ንሶም ዘይተመለሱን ይቅሬታ ዘይሓተቱን። ብሕግን ስርዓትን ኦርቶዶክስ መሰረት“ዝኾነ ጳጳስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተኸሲሱ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ብዝለዓለ ፓትርያርክ ገበነኛ ምዃኑ ከይተረጋገጸ፡ ካብ ቦታኡ ኣይተኣለ ኣብ ቦታኡ ካልእ መተካእታ ኣይገበሮ። (ሰርዲቅያ 343 ዓ.ም. ቀኖና 5)። ዝብል ትእዛዝ 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ጢሒሶም ፡ብጹእ ወቅዱስ ኣብቲ ላዕለዋይ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ፓትሪያርክ እስክንድርያ ዘይተረኽብሉ ወቅቲ ገበነኛ ኮይኖም ከይተረኽቡ፡ቦቶኦም ብ ኣቡነ ደስቆሮስ ምትክኡ ስርዓትን ሕግን ኦርቶዶክስ ዝጠሓሰ ኢዩ።ስለዚ ዉጉዝ ስራሕ ኢዩ።
3ይ,ስለምንታይ ኢና ምስ ዝዓለወ ተወገዘ ሲኖዲስ ክንከይድ ፍቃደኛታት ዘይኮና?።“ዝኾነ ጳጳስ ብፓትርያርክ ወይ ፓትርያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ካብ ኣግለግሎት ደው ኪብል ተኣዚዙ ነቲ ውሳኔ ስዒሩ እንተ ኣገልገለ ውጉዝ ይኹን፡ ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል የብሉን” (ቀኖና ጋንግራ 325-381ዓ.ም. ቀኖና 3)። ብዝብሎ መሰረት ፓትሪያርክ ከይመርጹ ፓትሪያርክ ኮነ፡ተፋላለየ መዓርጋት ይህቡ ምህላዎም ኢዩ።
3y,ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳት ኤጲስ ቆጶሳት እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ሃገረ ስብከታት ዚርከቡ ጳጳሳት ሓለቓኦም መን ምዃኑ ኪፈልጡ ይግባእ እዩ። ብዘይፍቓዱ ድማ ዓብይ ይኹን ንእስ ስራሓት ኪሰርሑ ኣይግባእን። ንሱ ድማ ብዘይምኽሮም ዓበይቲ ነገራት ኣይስራሕ። 3ይ ቀሌምንጦስ (ኣብጥሊስ ቀኖና 25)።

 ንዝብል ትእዛዝ ብምጥሓስ፡ጳጳሳት ኤርትራ ሓለቀኦም መን ምዃኑ ዘንጊዖም ፡ብዘይ ፍቃዱ፡ብዘይ ምኽሩን፡ኣብ ልዕሊኡ ዕልዋ ብምግባር።(ሮሜ 13:2) ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። (ሮሜ 13:1)ከም ዝበሎ ቃል ኣምላኽ ንስርዓት ኣምላኽ ብምቅዋምን ፡ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ንዝብል ቃል ኣምላኽ ሸለል ኢሎምን ንዒቆምን ዕልዋ ከካይዱን ፖሎቲካ ተረኺቡ ህዝቢ ክጉስጉስን ፡ክንዲ ነቲ መጓሰ ብጥበብን ብፍቅርን ሓልዮትን ዝሕዙ፡ኣብ መንበር መላገጽቲ ኣይቅመጥን (ዳዊት 1:1-2)ንዝበሎም ከፋራርሑን ተወጊዞም ከለዉ ንርእሶም ሰብ ደንቆሮ ገይሮሞ ዘይፈልጥ ከውግዙን፡ስልጣኖም ብምጥቃም ካብ ስርዓት ወጻኢ ክዕንድሩን፡ ከእሱርን ብዘይ ፍቃድ ፓትሪያርክ ክገሹ ክሳዕ ኣመሪካን ኣውረጳን ተራእዮም።እዚ ዘውግዝ ስራሕ ኢዩ።

ነዚ 2000 ዓመት ዝገበረ ትምህርትን እምነትን ኦርቶዶክስ ስለዝቀየሩዎ ካብ ዓለም ምሉእ ኦርቶዶክስ በይኖም ኢና እንበኣር ኣይፋሉን ጽወዓኹም ነዚ ኣይኮነን፡ኢልና ክንቃወም ተገዲድና ዘለና። እዚን ወዲ ከምዝን ካሊእ ተወሳኽን ስለዝኸሓዱን ዝቀየሩን ኢና እንበኣር ግድን ከምቲ 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተፈለዩ ከም ዝበሉና ድማ ተፈሊና ኣብያተ ክርስቲያናት ክንምስርት ዝተገደድና።
ብልክዕ ተቃወምቲ ናባና ይመጹ ኢዮም።እዚ ድማ ንሕናን ዝኾነ ነቲ ስርዓት ዝቃወም ሰብን ዘሳማምዓና ሓደ ነገር ኣሎ።ከምቲ ማይ ዝደለየን።እንጌራ ዝደለየን።ዘይቲ ዝደለየን፡በርበረ ዝደለየን ፡ፊኖ ንቅጫ ዝደለየን ብሓደ ኣብ እንዳ ረዲኤት ዝራኸቡ።ኣብ ምሕታት መሰልናን መሰል ህዝቢናን ንራኸብ።ንሕና ንማንም ደጋፊ መጺኡ ንስኻ ደጋፊ ኢኻ ኪድ ኣይነሳልመካን ኣይበልናን ኣይንብልን እውን።ኣብኡ መጺኡ ንረብሓ ፖሎቲካ ክሰርሕ ተተረኺቡ ግን ኣይፋል ኢና ንብሎ።ብልክዕ ንሕና ምስ መንግስተ ኤርትራ ኣይንሰማማዕን ንሱ ድማ መንግስተ ኤርትራ ከም መንግስቲ ንዝሓተትናዮ ሕቶ ከም ሃገራውያን መጠን ክምልስ ንሱን ካድራቱን ብቅዓትን ትብዓትን ኣምዑቱን ስለዘይብሎምን ኢዩ።እኳ ደኣ ኣኼባ ተሃሊዩ ክንኣቱ ተደሊና ከይንሓቶም ስለዝብህሪሩ ኣየእቲዉናን፡ንዓና ክርእዩ ይብህሪሩ ኢዮም።

ንሕና ንመንግስቲ ኤርትራኣ ብዘይካ እዛ ፍትሒ ቀኒኑ ይወጽእ ኣሎ መንግስቲ ነቲ ዝኣመኖ ህዝቢ ፍትሒ ከውጽኣሉ ኣለዎ፡ ኢና ኢልና እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ኢና ዘስተምሃርና።(፡ዕንባቆም 1:4 ስለዚ ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ።ትብል ዘልቃ ቃል ኣምላኽ ካሊእ ኣይበልናዮን።ሰዓብቲ መንግስቲ ክመጹ ዘይደልዩ ድማ ነዚ ቃል እዚ ክሰሞዎ ስለዘይደልዩ ኢዩ።ስለምንታይ ሕልናኦም በቲ ዝገብሩዎ ክፋእ ቃል ኣምላኽ ክሰምዕ ስለዝሳቀ ኢዩ።(ኢሳይያስ 10:1-2)እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።
ንሕና ብልክዕ በቲ መንግስቲ ንዝተሃስዩን ንዝተገፍዑን መሰሎም ንዝተኸልኡን ጸግዒ ንኾኖም ኢና።ኣጆኹም ንብሎም ኢና እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ኢዩ።(መክብብ 4:1)ኣነ ኸአ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።ከም ዝብሎ ነዞም ዝግፍዑ ዘለዉ ህዝብታት ኤርትራ ኣጆኹም ክንብሎም ግቡእና መንፈሳዊ ሓላፍነትና ኢዩ። እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ጸግዒ ጩቁናትን ጽቁጣትን ክትከውን ስለዝግብኣ ኢዩ።
ስለዚ ድማ ብዓቅምና ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ግፍዒ ዓገብ ንብል።ስለምንታይ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ስለዝብል ኢዩ።(ሉቃስ 3:14)ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።ከም ዝበለ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ዝበሎ ቃል ኢና ኣብ ምድሪ ንደግም ንሰብኽ ዘለና ኣይትግፍዑ!!!።(ዘካርያስ 7:10)ንመበለትን ንዘኽታምን ንድኻን ኣይትግፍዑ፣ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።ነዚ ኢና ሰቢኽና ነዚ ምስባኽናዶ ኣብ ፖሎቲካ ትኣትዉ ኣለኹ የብለና ኢዩ። ወዮ እዛ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ስለዘላ እንበር መሸለመና እኳ። (ኢሳይያስ 1:17)ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።

 ስለ ነዚ ንብል ድማ ኢዮም እቶም በቲ መንግስቲ ዝተሃስዩን።ደድሕሪ ዉጉዛት ኣቡናት ክኹብሊሉ ካብ ኣምላኽ ዘይደልዩን ዝስዕቡና።እቶም ነቲ መንግስቲ ዝስዕቡን ።ሃገሮም ከይኣትዉ ብመንግስቲ ከይኽልከሉ ፈሪሖም ናይ ስጋ ዘቀደሙ ብረብሓ ንሓቅን እምነትን ዝሸጡን ድማ መንግስቲ ከይቅየመሎም ናብተን ፡ብመንግስቲ ዝምወላን መሳርሒ መንግስቲ ዝኾናን ኣብ ትሕቱ ዉጉዝ ብጹእ ሲኖዶስ፡ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይኮነስ ብጹእ ሲኖዶስ ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ የሎን ብጹእ ሲኖዶስ እንበር።ቅዱስ ሲኖዶስ ንብሎ ፡ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝምራሕ ኢዩ።ስለዚ ድማ ንሶም ናብተን ብተወገዘ ብጹእ ሲኖዶስ ዝመሓደራ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝኸዱ።እቲ ፊሊልይ ኣብ እዚ ደኣ እንበር ፡ናይ ህግደፍ ናይ ተቃወምቲ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃል የሎን።

No comments: