Post più popolari

Tuesday, 18 March 2014

2ይ ክፋል ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ66፡4)


2 ክፋል
ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ664)
ኣምላኽና እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለና ኣሎ።እዚ ቃለይ ኣይኮነን ቃል ኣምላኽ ኢዩ።ኣብ ቅድመ ዓይነይ እኩይ ገበሩ ይብለና!!??።ኣብ ቅድመ ኣምላኽ እከይ ንገብር።"ባህ ዘየብለኒ ሓረዩ እምበር ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን ኣነ ኸኣ ጉድኣቶም ከሓሪ፡ዘሴክሖም ድማ ከውርደሎም ኢየ።ሎሚ ይህሉዶ ዘሰከሐና ኣብ ንህይወትና ኮነ ኣብ ሃገርና ኣብ ሓዳርና ኣብ ቤተ ክርስቲያና፡ከም ሕንፍሽፍሽ መሲሉ ከም ምትህሊላኽ መሲሉ፡ምዕራይ ኣብዩ ዘሰከሐና፡እንዳ ተደጋገመ፡ከም ተማላላሲ ሕማም ላሕ ዘበለና፡ዘሴክሕ ፡ከነስተውዕል ይግባእ ኣምላኽ ብዘይ ምስማዕና ኣባና ዘውረዶ ኢዩ። ኣምላኽ ተዛሪቡና ጸዊዑና ስለ ዘይሰማዕናዮ ።ንሱ ኸኣ ምስ ጸዋዕናዮ ስቅ በለ።ባህ ዘየብሎ፡ጽልኢ ቅርሕንቲ ሻራ፡ሂኮት፡ረበሻ፡ዙሙት፡ፍትሕ"ናብኡ ዘይ ምምጻእን ንዕኡ ዘይምስዓብን። ድማ ኣምላኽ ጉድኣትና ሓረየ፡ኣብ ኩሉ ነገርና ዘሴክሑናን ፡ዘስሕቱናን ዘጋግዩና መናፍስቲ ድማ ፈነወልና። ዘሰክሕ ጉድኣት ድማ ኣብ መመዓልቱ መጸና።

ሎሚ በቲ እኩይ ተጠቂዕና ኢና ዘልና።ኩላትና ዉጉኣት ቁላትና ቁሱላት ኢና።እዚ ቫይረስ እዚ ኩላትና የብለይን ንብል ንህሉ ተኾነ በዚ ቫይረስ እዚ ዘይተለኽፈ ኣይክህሉን ኢዩ።ደቂናን ኣሕዋትናን፡ ካብ ሃገሮም ናብ ፈቀዱኡ ፋሕ በሉ ኣይሰማዕናን፡ዶኾን ይሕሞም ኢሉ ድማ ጉድኣትና ሓረየ ስለዘይሰማዕና፡ን መጀመርታ ግዜ ተጨውዮም ከም እንሲሳ ተሸጡ፡ኣይሰማዕናን!!(ኤርምያስ3233)እንግድዓኦም እምበር፡ ገጾም ኣይመለሱለይን። ኣንጊሄ እንተ መሀርክዎም፡ ምንም እኳ እንተ መሀርክዎም፡ ተግሳጽ ንምቕባል ኣይሰምዑን።ኣምላኽ ብንግህኡ ምሂሩና ኢዩ፡ብኲናት ብውግእ ሕድሕድ ምሂሩና።ክንደይ ዲዩ ሓሊፉ ሓው ንሓው፡ክንደይ ዲዩ ፈሲሱ፡ገሊእና ንኢስና ኣይንፈልጦን ገሊእና ኸኣ ወዮ ሓሊፉስ ከም ሕማም ሕርሲ ረሲዕናዮ፡ኣየ ንሕና!!
ድሕሪኡ እውን ኲናት ኮይኑ ብዙሕ ደምን ሂወትን ጠፊኡ ናጽነት መጺኡ ግን ኣይተረደኣናን።ብጽፍርና ብቅልጽምና፡ብደምና ብድምጽና ኢልና።ተግሳጹ ንምቅባል ኣይሰማዕናን፡እንግድዓና ደኣ መለስና ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኣምላኽ ንምምስጋን ናብ ናይትን ጓይላን ዳንኬራን ሆሆን ኣምሪሕና ኣይሰማዕናን።ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ንብል ብኣፍ ብግብሪ ግን፡ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኸይተረፈ ኣብ ምምራቅ ዓለማዊ ፈስቲቫል ብምስታፍ ክሳዕ ክንድዚ ፈኾስናን፡ቀለልናን ንኣምላኽ ድማ ኣቅለልናዮ!!።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ።(ነህምያ929)ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮም። ንሳቶም ግና ተዐበዩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉ፡ ፍርድታትካውን በደሉ፡ መንኮቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑን።ኣይሰማዕናን!!
ህጂኸ እንታይ ኮን ኢዩ ክገብር።ደሓር ድማ ጽንሕ ኢሉ፡ኲናትን መጺኡ፡ዕግርግርን ነዚ ዘለናዮ ፋሕፋሕን ኣኸቲሉ።ክሳዕ እታ ኲናት ደው ትብል፡ክሳዕ ኣዴታት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተማህሊለን፡ኹላትና ኣእዊና፡ጸሊና፡ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፈት ግን ኣብ ነንሕድሕድና ክንባላዕና ትሓደ ነቲ ሓደ ኣሕሊፉ ክህቦን፡ኽሳዕ ሃገርና ሃገረ ኣምላኽ ተባሂላስ፡መጽሓፍ ቅዱስ ምቅጻልን፡ኣብ ልዕሊ ዝርግሐ መጽሓፍ ቅዱስ ገደብ ገይርናን ገደብ ንኽግበር መሳርሒ ኮይናን።ኣማናጫት ኮይኑ።
ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ተባሂሉ ፍርሓት ክህልወሉ ዝግባእ ስፍራ እኳ ፍርሓት ኣምላኽ ሃደመ።ዝኹሉ ድማ ዕግርግርን ዝርግርግን ሂኮትን ኣብ ማእከልና ኮነ።(ኢሳ917)ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱ'ውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

ስለምንታይ ኣምላኽ ኣይተመስገነን፡በጓብዝናን ኣይተሓጎሰን፡ንዘኽታማትናን መበለታትና ድማ ኣይራሕረሐሎምን፡ሰንኪ ዘይምስማዕናን ዘይምምላስናን።ኮይኑ ድማ መጀመርታ ኣብ ዝማዕበለ 21 ክፍለ ዘመን ናይ ነፍቅሮም ኣሕዋትናን ኮላሊቶም ናብ ዕዳጋ ወረደ!!፡ብማዕከናት ዜና ዓለም ኣውያት ኣሕዋትና ሰማዕና፡ ፡ስቅያቶምን ሰማዕና፡ኣይተረድኣናን።እኳ ደኣ ክንዲ ናብ ኣምላኽ ኢድና ነልዕል፡ዋላ ሓደ የሎን፡ጸጊቦም ኢልና።ኣየ ንሕና(መዝ1156)እዝኒ ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም፣ ኣየጨንዉን፣።(መዝ1356)ኣእዛን ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።ዝበሎስ ንሕና ዶኾን ኢና??
ብሓቂ ንሕና ኢና ኣዒንቲ ዘለና ግን ዘይንርኢ፡(መዝ1155)ኣፍ ኣለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፣ ኣይርእዩን፣።(ኢሳ913)እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።
ሽየጦም ኣሕዋቶም፡ ነባዕትን ሓዘንትን ኣዴታቶም፡ኣይተረድኣናን።መሸጣ ኤርትራውያን ቀጺሉ።ኤርትራውያን ድማ ብጀምላ ኣብ ባሕርን ሰሃራን ክጠፍኡ ጀሚሮምን ይጠፍኡ ኣለዉን።መዓስ ኤርትራውያን ጥራሕ ኮይኖም ኢልና።ሽዑ ድማ መለሰ፡ንሕና ጥራሕ ምዃና ድማ ሬሳታት ነፍቅሮምን ንፈትዎምን ኣሕዋትና፡ንዓለም ብማዕከናት ዜና ብምንጋር የእወየ!!! ህጂ እውን ኣይሰማዕናን።ኣምላኽ ሰንኪ ዘይምስማዕናሲ ነዚ ኹሉ ገበሮ :ይብል ንሱ።(ኤርምያስ 11:8) ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም ኣይጸለውን።

ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ኹሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ።ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን። (ኤርምያስ 7:24) ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ሰናይ ብዙሕ ክንሱን ዝሓስበልና ሓሳብ፡ ሓሳብ ሰናይ ክንሱስ፡(ኤርምያስ2911)ግን ሰንኪ ዘይምስማና ንሃገርናን ናብ ህላወኣ ዝፈታተን፡ንሕና እውን ከም ህዝቢ፡ህላወና ክሳዕ ናብ ዝፈታትን ኣንፈት ነምርሕ ኣሎና፡ ዘገርም ኢዩ፡ሰብ እውን ሰኣን ምስማዕ ይጠፍእ ሰብ ከኣ ሰኣን ዝነግሮ ሰኣን ሓበሬጣ ይጠፍእ፡ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ ዝብልዎስ ከምዚ ኢዩ፡ገሊኡ ሰሚዑስ ነቲ ዝሰምዖ ቃል ብዘይ ምእዛዙ ብቁጠዐ ኣምላኽ ይጠፍእ ገለ ኸኣ ሰኣን ዝነግሮ ይጠፍእ።(ኤርምያስ 7:26)ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ።
ይቅጽልልል ናብ 3 ክፋል።

No comments: