Post più popolari

Saturday 15 March 2014

1ይ ክፋል ኣብ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ዲዩ??።

                         1ይ ክፋል
ኣብ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ዲዩ??።


ኣብ ኤርትራ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸገምና ናይ ተቃወምትን ናይ ደገፍትን ዲዩ ካሊእ??። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘሎ ጸገም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ርድኢት ከምቲ ዝግባእ ኣይኮነን።ኣብ ኤርትራ ጳጳሳት ኤርትራ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾኑ ኣይኮናን ንሕና ንቃወሞም ዘለና።ወይ ምስሒሓብና ናይ ደገፍትን ናይ ተቃወምትን ጸገም ኣይኮነን።
ብልክዕ ሓደ ንጹር ጸገም ኣሎ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘየሎ።ንሱ ድማ ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩሉ ኢያ።ኣብ ኤርትራ ግን ናይቶም ንመንግስቲ ዝስዕቡን።ብመገዲ መባእን ዕሽርን ንቁጠባ እቲ መንግስቲ ንምድልዳል ንስጋ ዝሰርሑን ኢያ።እዚ ንባዕሉ ጸገም ኢዩ።ግን ንሱ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ካሊእ ካብዚ ዝዓበየ ጸገም ኣሎ።ንሕና ኣብ ክልተ መቂሉና ዘሎ ግን ጳጳሳት ኤርትራ ንስርዓት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከሕጉሱ፡ብዘይ ሕግን ብዘይ ነጥብን፡ሕግን ስርዓትን ኦርቶዶክስ ኣፍሪሶም ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክ ዕልዋ ስለዝገበሩ ፡ እሞ ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ድማ ብፍላይ ነቶም ዝፈረሙ ጳጳሳት ኤርትራን ይፍታሀን ካህን ነበር ኣቶ ሃብቶምን ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስለዘውገዙዎም ኢዩ።

ጳጳሳት ኤርትራ ብሽም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስለ ተወገዙ፡ ግድን ኢና ንሕና ካብ ተወገዙ ሪሒቅና፡ብዘይ ተወገዙ ክንምራሕ ናብ መንበረ ማርቆስ ዘምራሕና። ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ከርስቲያን ከመይ ገርካ ትምስረት ከመይ ገይርካኸ ጳጳስ ትመርጽን ተውርድን ስርዓት ኣሎ።ብመሰረት እቲ ቀኖና ድማ ብኃይሊ፡ ብተንኮል፡ ብኣድማ፡ ብህያብ፡ ብገዛእትን ሰበ ስልጣ ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ካብ መዓርግ ሥልጣኑ ይሰዓር፡ ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፍለ። ብኣኻትኩም ከም ኣረሜን ይኹን። ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቑ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡ 172- 185 ኢሎም 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ስለዝሓንጸጹን ዘውገዙን ከም ደቂ ኦርቶዶክስ መጠን ነዚ ትእዛዝ እዚ ከነኽብሮን ክንእዘዞን ስለዝግብኣና ኢዩ።
ኣባ ደስቆሮስ ድማ ከምዚ ጽሑፍ ዝብሎ ዘሎ ብኣድማን፡ብተንኮልን፡ብገዛኢ ፓርቲ ህግደፍን ተሓጊዞም ናብ ስልጣን ስለዝመጹ፡ዋላ ዓለም ምሉእ ከም ፓትሪያርክ ተትፈልጦም እውን ፍጹም ፍጹም ከም ጳትሪያርክ ኣይንቅበሎምን ኢና።ከምዚ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን 2000 ዓመት ዝገበረ ዝብሎ ዘሎ ድማ።ንሱን ሰዓብቱን ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፈለ፡ብኣኻትኩም ከም ኣሬመን ይኹን፡ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቂ፡ ኣነ ጴጥሮስ ንስምኦን ጠልቋሊ ከም ዘርሓቕክዎን ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈለኽዎ፡ ይፈለ። "ከም ዝበሉ 318 ቅዱሳን ኣቦታት።ከም ኣረመን ንርእዮም።ምስኦም ካብ ምርኻብ ድማ ንርሕቅ።
ኣስተውዕል፡- ኣብ ፖሎቲካ ክስቶ ንመን ይደግፍ ንመን ይስዓብ ንዓና ከም ሃይማኖተኛታት ዘገድስ የብልናን።ንሕና ንመን ንደግፍ እውን ንማንም ዝምልከቶ ኣይኮነን።ደገፍቲ ህግደፍ ስለዝኾኑ ኣይኮነን ነጺግናዮም፡ንህግደፍ ምድጋፎምሲ ብዓቢኡ ሕናኦም ሸይጦም ይነብሩ ስለዘለዉ ንዕኦምን ንኣምላኽን ይምልከት፡ዝደገፍናዮ ደግፉ ክብሉና ግን መሰል የብሎምን።
እንታይ ደኣ ዉጉዛት ስለዝኾኑ።እቶም ዝስዕብዎም ካህናት ድማ ንተወገዘ ፓትሪያርክን ጳጳሳትን ስለዝሰዓቡን ኢዩ።፡ብ እምነትና መሰረት ዝገበሩዎ፡ምስ ኣረመን ስለዘቅጹሮምን፡ካብ ቤተ ክርስቲያን ስለዘፍልዮምን፡ከም ኣረመን ስለዘቅጹሮምን ኢዩ ።እምነትና ኦርቶዶክስ ብመሰረት (ዓንቀጽ5፡172-185) ።ተፈለዩ ካብኡ ካብ ምርኻብ ስለዝዝብል ድማ ስለዝብል ዘሎ ድማ ካብኦም ተፈሊና ክንጽልን ከነጠምቅን ክንቅድስ ተገዲድና።
ገሊኦም ድማ እንተስ ብረብሓ እንተስ ሰኣን ምፍላጥ እንተስ ብሻራ"እንተስ ብወገን፡እንተስ ብረብሓ ፖሎቲካ ነዚ ሸለል ኢሎም።ብኣፎም ስርዓት ኣቦታትና ክንክተል ኢና እንዳበሉ ብግብሮም ግን ነዚ ጢሒሶም፡ንህዝቢ ኣብ ተወገዙ ኣቡናት ዝባረኹዎ ታቦታትን ኣዳራሻትን ከጸልዩዎን።ክቅይርኹም ስለዝደለዩ ኢዮም።ኦርቶዶክስ ኣይትሕደስን፡ከሐድስዋ ስለዝደለዩ ኢዮም እንዳ በሉ ሰባት ከታሊሉ ይረኣዩ።መቸስ መን ኢዩ፡እቲ ሓድሽ ሃዋርያት ዘይመሃሩዎ ትምህርቲ ዝምህርን ንሰባት ዘታልል ዘሎ ባህሊ ገይሩን ጽባሕ ህዝቢ ይመሃር ስለዘሎ ክበጽሖ ስለዝኾነ ኣየገድስን ኢዩ።ጸገምና ግን ፖሎቲካ ጥራሕ ኣይኮነን።
ኩሉ ግዜ ኦርቶዶክስ መሲሎም ክቀርቡ ይፍትኑ ምህላዎምን ኦርቶዶክሳውነት ምስ ከበሮን፡ዜማን ከተሓሕዝዎ ይፍትኑ ምህላዎምን ንብሎ የብልናን ጉድለት ትምህርቲ ኢዩ ኢልና ኢና ጥራሕ ንሓልፎ።ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ ንይ ኤርትራ ሊቃውንቲ ተጋቢኦም ዘቆሙዎ፡ሕግን ስርዓትን የሎን።ተዝህሉ ፡ከምኡ ተዝኸውን መጽሓፍ ቅዳሴ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ኣቦታቲና ኤርትራውያን ምበለ።ስርዓተ ቅዳሴ ኤርትራ ክጅምር ከሎ ከምቲ ስርዓት ኣቦታቲና ግብጻውያን ኢሉ ኢዩ ዝጅምር።ስርዓት ኣቦታቲና ግብጻውያን እንዳ በለ መጻሕፍቲ ፡ስርዓትና ኣለና ዝብሉ ክንሰምዕ ከለና።እቲ ዝብልዎ እውን ነንሕድሕዶም ዘይሰማምዑ ምዃኖም የብርሃልካ።ይቅጽልል .,,,,, ናብ 2ይ ክፋል

No comments: