Post più popolari

Tuesday 18 March 2014

1ይ ክፋል ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ66፡4);;


1 ክፋል
ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ664);;

ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ጸዊዑና ኢዩ።ካብ ነዛ ሕጡበ ጽሕፍ ዘንበብካ ኣትሒዙ ክሳዕ እዞም ዘየንበቡን ነዚ ዘይረኣዩን፡ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ክትምለስ/ ክትምለሲ ተዛሪቡ ኢዩ።ክሳዕ ህጂ ግን ካብ ምስትንዓቅ ካብ ምዝራብ ሓሊፍና ኣይተመለስናን ምናልባሽ ነናትና መመኽነይታታት ይህሊወና ኩሉ ግን ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ቅቡል ኣይኮነን።ንዓና ክዝክር ከለኹ ነቶም ኣብ ዘበን ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኢየ ትዝ ዝብሉኒ።(ማቴዎስ 24:38 )ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ። ምናልባሽ ንሕና እውን ክሳዕ ብግሊ ዲዩ ብጃምላ ምጾት ዓለም ጻውዒት ኣምላኽ ዝመጸናስ ነዚ እኩይ ስራሕና ንገድፎ ኣይመስለንን።ከም እዞም ሰብ ኖህ።

ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ኣምላኽ ከምዚ ህጂ ንዓይን ንዓኹም ንዑ ሰዓቡኒ ዝብለና ዘሎ እሞ ንኣብዮ ዘለና መመኽነይታት እንዳ ፈጠርና መመኽነይታ ሂቡ ነይሩ።(ሉቃስ 9:59) ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥" ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡" በሎ።ጎይታ ኸኣ ንምውታትሲ ምዉታቶም ይቅበሩዎም፡ኅደጎም ፡ንስኻ ኪድ መንግስተ ኣምላኽ ኣበሥር"በሎ፡(ሉቃ5960)

ካብ ሞት ዝዓቢ ነገር መቸስ የሎን ሞት ሞት ኢዩ።ግን ጎይታ ልዕሊ ቃሉ ማንም ነገር ከም ዘየለ ከርኢ ደልዩ ኢዩ ከመኡ ዝበለ።ሎሚ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ምዉታት ዝኾኑ ነገራት ቅድመ ኣምላኽን ቃሉን ሰሪዕና፡ ከይተረድኣና ነዚኣ እሞ ቅድመ ከገብራ ደሓር ክስዕበካ ።እዚኣ እሞ ክገብራ እዚኣ እሞ ክበጽሓ እዚኣ እሞ ክፍጽማ።ደሓር ናብ ቤት ኣምላኽ ክመጽእ ንብል።ዋእ ከይበጻሕካያ ተሞትናኸ፡ኢልካ ክንዲ ምሕሳብ ከምዛ ንህይወትና ኣብዛ ምድሪ ዝኸፈልናላ፡እዚኣ እሞ ክገብራ ብድሕሪኡ ንኣምላኽ ክስዕበካ ኢየ ንብሎ።ንሱ ከኣ ንሱ ይጽነሓልካ ንዓይ ኣቀድመኒ ይብለና።ስለ ዘይንሰምዖ ድማ ኣይንባረኸን።

ሓደ ዝፈልጦ መንእሰይ ኢዩ።እዚ መንእሰይ ኩሉ ግዜ ክረኽቦ ከለኹ ቤት ኣምላኽ ዘይትመጽእ፡ንዓ ንኣምላኽ ሰዓቦ ይብሎ።ንሱ ግን ቀስ ኢልና ነርክበሉ ኢና።ንሓደ ሻዕ ስራሕ የመኽኒ ንሓደ ሻብ ድማ ዋእ ኣታ በዓል ንሕና መንእሰያት ኢና ደሓር ተተጋገናኸ፡ኣይክእሎን፡ኣሎ ዘይብሃል መመኽነይታት እንዳ ፈጠረ ይነብር ነበረ፡ኮይኑ ግን ሓደ መዓልቲ፡ክኸይድ ከሎ ሓደጋ መኪና ኣጋኒፉዎ ከይተነስሐ ዝሰርሖ ገንዘብ ከይበልዐ፡ዝሰርሖ ኩሉ ቤተ ሰቡ ገዲፉሎም ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ;:

ስለዚ ድማ ከምዚ ይብል ኣሎ።(ኢሳይያስ 66:4) ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።
ዘለናዮ ዘመን ንህዝብናን ሃገርናን ዝኸበደ ኢዩ።እዚ ወለዶ ድሕነት ስለዘይሓረየ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ዘሎ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ነገር ስለ ዝሓረየ፡ በቲ እኩይ ስለ ተታሕዘን ነዚ ከቢድ ዝብል ቃል ሓረግ ኣየስተውዕለሉን ይኾውን።ኮይኑ ግን ነገርና ይዝረግ ኣሎ።ብመን ሰበብ ነፍሲ ወከፍና።ሎሚ እቶም ቃል ኣምላኽ ንፈልጥ ኢና ንብል ዘለና ሰብ ቀንዲ በድለቲ ኣምላኽ ኮይና ንርከብ ኣለና ሰንኪዘይምእዛዝና።ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ይንገርን ይጸሓፍ ኣሎ፡ግን ዝሰምዕ ኣይተረኽበን!!።ክንዲ ዝሰምዕሲ ብዙሕ ልቢ ሰብ ይተርር ኣሎ።ይቅጽልልል
ናብ 2 ክፋል,,,,

 

 

No comments: