Post più popolari

Tuesday, 11 June 2013

ኣቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12)

ቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12)

ቶም ስለ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ዝወርዶም ዘሎ ኣጆኹም ኢለ ከተባብዓኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዓይ እውን ተኻፋሊ እቲ በረኸትኩም ኪከውን እንዳ ተመነኹ ባህ ይበልኩም ይብለኩም። ኣየ ዕድል ጽቡቅ ዕድል በጺሑኩም ዘሎ።

ነቶም ስለ ስሙ መከራ ዘይበጽሖም ድማ ነዚ መከራ እዚ ሃረር ክብሉ እጽውዖም።ብሓቂ እቶም ብተፋላለየ መከራ ትሓልፉ ዘለኹም ተዓውትኩም ደጋጊመ ክብል መንፈሳዊ ትብዓት ይስሞኣኒ።ንሱ ብግርማ ክግለጽ ከሎ ሽዑ ኣምሰያ መከራኦም ክድበሱ፡ርእዮሞን ሰሚዖምን ዘይፈልጡ ክሕጎሱ ብብርሃን ክመላለሱ ኢዮም።ስለምንታይ ሲ እቲ ጽሑፍ፡(1ይቆሮ2፡9) ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል።
    ምቁራተይ ፍቱዋተይ ብሓቂ ኢኹም ዕድለኛታት ዕጫ ቅዱሳን ዝበጽሓኩም ቅዱሳን ነዛ ስም እዚኣ ኣብ ቅድሚ እኩያት  ዓየይቲ እንዳ ተጸረፉ እንዳ ተሰጎጉ ዘሎ መከራ እንዳበጽሖም ኢዮም ነዚ ሰቢኾሞን ነዛ ስም እዚኣ ልዕል ክትብል መስኪሮምን፡ ተሰጊጎም ኣይሰጎጉን ተጸሪፎም ኣይጸረፉን፡ ተኸሲሶም ኣይከሰሱን። ሎሚ ንስኹም እውን በዚ ስማዊ ክርስቲና ሒዙ ንሰጣን ዘገልግልን መሳርሒ ሰጣን ዝኸውንን ወለዶ ንዝበጽሓኩም መከራ ክትግረሙሉ ኣይግብኣኩምን።
      ቅዱሳን ንስለ ስሞም ወይ ንስለ ስም ካሊእ ቅዱስ ወይ ንስለ ስም ዝኾነ መልኣኽ ዲዩ ነብይ ዘይኮነስ ንስለ ስም ክርስቶስ ኢዮም ዘሎ መከራ ዝበጽሖም።ነዛ ስም እዚኣ (ዕብራውያን11፡37)ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ።ቅዱሳን እኮ ስም ኢየሱስ ክልርስቶስ ጥራሕ ኪኸብር ኣለዎ ንዕኡ ጥራሕ ኢና ነምልኽ ስለዝበሉ ኢዮም።ዘዕርፉላ ቤት እኳ ክሳዕ ዝስእኑ ኮለል ዝበሉ።
        ንቅዱሳን ብኸምዚ ዘፋነወቶም ዓለም ሎሚ ንዓኻ ኣሜን ኢላ ክትሰምዓካን ክትቅበለካን ትሓስብ ተሊኻ ናይ መን ኢኻ ዘይምፍላጥ ኢዩ።ዓለም ነቶም ናታ ነቶም ሕውስዋስ ህይወት ዝነብሩ።ነቶም ኢየሱስ ይኽበር ኣይኽበር ዘይግዲሶም ነቶም።ን ኢየሱስ ካብቲ ዘለዎ ክብሪ ከውርዲዎ ዝደልዩ።ነቶም ቦትኡ ብኻልእ ዝትክኡ።ነቶም ንስለ ወንጌል ዘይኮነስ ንስለ ገዛእ ርእሶም ዝነብሩ።ክብሪ ክርስቶስ እንዳ ተሰርቀ ጽቡቅ ኣለኹም ኢሎም ንዕዉራት መገዲ ዘጋግዩ ጥራሕ ኢያ ትሰምዕ።(ዘዳግም27፡18)ንስኻ ናይ ዓለም ኣይኮንካን ጸላኢ እዛ ዓለምን ፍትወታን ኢኻ።መኒነትካ ፍለጥ!።
     ኢየሱስ እቲ ብርሃን ኢዩ እኮ እቲ ባዕሉ ብርሃን ኣብዛ ዓለም እዚኣ መጺኡ። እቶም ቃል ኣምላኽ ዘይፈልጡ ዘይኮኑስ እቶም ቃል ኣምላኽ ዝፈልጡ ካህናት ዶ ኣይኮኑን ዝሰቀልዎ።ክፍረድ ኣሕሊፎም ዝሃቡዎ።ንነፍሶም ጻድቃን ኢና ኢሎም ዝሓስቡ መምህራን ዶ ኣይኮኑን መከራ ዘጽገቡዎን ዘይተቀበሊዎን።ነቲ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ዝኾነ መድሓኒ ዓለማት ክርስቶስ ዘይተቀበለት ዓለም ንዓኻ ብብርሃኑ እትነብር ክትቅበለካ ትሓስብ ተሊኻ ህጅ እውን ተዳናጊርካ ኣሎኻ ጽውዐኻ ኣይፈለጥካን።
ብጸሎት ብርኪኻ ዕጽፍ ኣቢልካ ቁሩብ ቅብኢ ካብ ዓይንኻ ብምፍሳስ ግለጸለይ ኢልካ እሞ ኣንቢቦ።ንስኻ ናይ ዓለም ከም ዘይኮንካ ክግለጸልካ ኢዩ።ዓልም እውን ከምዘይትሰምዓካ ክበርሃልካ ኢዩ።ቃል ኣምላኽ ኣይሕሱን ከምዚ ይብለካ።(ዮሐንስ15፡19)ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹምእምበር፡ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። 
እሞ እንታይ ደኣ ፈተና መከራ ጸርፊ ዝሕድሸና።ባህሪ ወንጌል ስለዝኾነ ኢዩ እኮ።ብዙሓት ሰባት ብኣብ ደገ ዘለዉ ብደቂ ሃይማኖትና ዘይኮኑ መከራ ክወርደና ጥራሕ ኢና ንጽበ።ተኾነ ናይ ቅዱሳን ሕሉፍ ታሪኽ ነዚ ኣይኮነን ዝምህረና።ሰጣን ካብ ዝገብሮ ስራሕ መታን ከይተለሊዮ በቶም መጋላግልትኻ ዝገብሮ ፈተና ኢዩ ዝበዝሕ።ነዚ ብትዕግስቲ ጸርካ ምሕላፍ ግን ዝመስልዎ የለን።
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና(መክበብ10፡4)መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ። ብመራሕቲና ዲዩ ዋላ ደቂ እምነትና ዋላ ብዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሌና ሽግር ክዋደድ ክንርኢ ከለና መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕለና ከም ዝተላዕለ ፈሊጥና ብጸሎት ክንነቅሕ ደኣልና ዘለና እንበር ስፍራና ክንሓድግ ኣይኮንነን።ሎሚ ናይ ትዕግስቲ ቦታና ናይ ፍቅሪን ጾሎትን ቦታና ገዲፍና ኣብ ህልኽን ሓሸውየን ኣቲና ተሊና ክልተ ሞት ኢዩ። ብዙሓት ቅዱሳን ብ ደቂ እምነቶም ብደቂ ማሕበሮም መከራ ዝበጽሖም ቁጽሪ የብሎምን።


መገላግልትኻን ሓዊኻን ነቲ ንዓኻ ኣምላኽ  ዘይገለጸልካ ክበጽሖ ብዘይ ምኽኣሉን ካብ ቅንእን ተበጊሱ ኣብ ልዕሌኻ በደል ከብጽሕ ይኽእል ኢዩ።ከም ኣሕዋት ዮሴፍ እውን ብቅንኢ ኪሸጠካን ኣሕሊፉ ክህበካን ይክእል ኢዩ።(ዘፍጥረት37፡28)ሎሚ ክንደይ ኣሕዋትና ኢዮም ብቅንኢ ኣትሒዝካ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክሳዕ እቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ መከራ ዝወርዶም ዘሎ። ስለወንጌል ኣሕሊፎም ክህቡኻ ከለዉ እንታይ ከም ትምልስ ኣይኮንካን ክትሓስብ ዘሎካ ንሱ ኢዩ ኣብ ኣፍካ ቃል ዘንብር።(ወንጌል ማቴዎስ10፡19) ይቅጽልልል,,,,,,,,,,,,,


                etiqalsgakone@gmail.com

fathermusieshishay@gmail.com

No comments: